ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ባህርያዊ ሓደጋታት፡ ኣምላኽ ጨካን ምዃኑ ዚሕብር ድዩ፧

ባህርያዊ ሓደጋታት፡ ኣምላኽ ጨካን ምዃኑ ዚሕብር ድዩ፧

ገሊኦም ዚብልዎ፦ “ንዓለም ዚገዝኣ ኣምላኽ ካብ ኰነ፡ ንባህርያዊ ሓደጋታት ዜምጽኦ ንሱ እዩ፣ ስለዚ፡ ጨካን ኪኸውን ኣለዎ።”

መጽሓፍ ቅድስ ዚብሎ፦ “ብዘላ ዓለም እውን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ እኩይ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና።” (1 ዮሃንስ 5:19) “እቲ እኩይ” መን እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰይጣን ምዃኑ ይገልጽ እዩ። (ማቴዎስ 13:19፣ ማርቆስ 4:15) እዝስ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ድዩ፧ ብዛዕባ እዚ እሞ ሕሰብ፦ ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ዓለም ስልጣን እንተ ኣልይዎ፡ ንሰባት ልክዕ ከምኡ ጥቕሚ ርእሶም ጥራይ ዚሓስቡ፡ ስሱዓት፡ ከምኡውን ንግዜኡ እንተ ዘይኰይኑ ብዛዕባ ዚመጽእ ዘይግድሶም ኪዀኑ እዩ ዚደሊ። ሓያሎ ኽኢላታት፡ ንኣከባቢ ብግቡእ ዘይምምሕዳር፡ ባህርያዊ ሓደጋታት ኬስዕብ፡ ኬጋድድ፡ ወይ ከኣ ንደቂ ሰብ ዝያዳ ኸም ዚጥቅዑ ኺገብር ከም ዚኽእል የጠንቅቑ።

ኣምላኽ ንሰይጣን ክንድዚ ዚኣክል ጽልዋ ንኺገብር ዝፈቐደሉ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዩ፧ መልሱ ንኽንረኽቦ ናብቲ ናይ መጀመርታ ታሪኽ ወዲ ሰብ ክንምለስ ኣሎና። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቶም ቀዳሞት ወለድና ኻብቲ ገዛኢኦም ዝዀነ ኣምላኽ ዓለዉ። ካብ ሽዑ ንነጀው ድማ መብዛሕትኦም ደቂ ሰብ፡ ኣብነቶም እዮም ስዒቦም። ንግዝኣት ኣምላኽ ብዘይምቕባሎም ከኣ፡ ኣብ ኢድ እቲ ጸላእ ኣምላኽ ዝዀነ ሰይጣን ኣተዉ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ የሱስ ንሰይጣን “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ዝበሎ። (ዮሃንስ 14:30) እሞኸ፡ ሰይጣን ንዘለኣለም ድዩ ኺገዝእ፧ ኣይፋሉን!

የሆዋ * ነቲ ሰይጣን ዜምጽኦ መከራ፡ ርእዩ ኸም ዘይረኣየ ዀይኑ ኣይሓልፎን እዩ፣ ሰባት ኪሳቐዩ ኸለዉ ኣዝዩ ይስምዖ እዩ። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ንህዝቢ እስራኤል ዘጋጠሞም ጸበባ እንታይ ከም እተሰምዖ ኸምዚ ብምባል ይገልጽ፦ “ኣብ ኵሉ ጸበባኦም ጸበቦ።” (ኢሳይያስ 63:9) ኣምላኽ ብምሕረቱ ተደሪኹ፡ ድሕሪ ቐረባ ግዜ፡ ነዚ ጭካነ ዝመልኦ ግዝኣት ሰይጣን ኬጥፍኦ መዲቡ ኣሎ። ንወዱ የሱስ ክርስቶስ ብቕንዕናን ብጽድቅን ንዘለኣለም ንኺነግስ ሸይምዎ እዩ።

ብኸመይ ከም ዜገድሰካ፦ ግዝኣት ሰይጣን ንሰባት ካብ ባህርያዊ ሓደጋታት ኣየዕቝቦምን እዩ፣ ግዝኣት የሱስ ግና ኬዕቝቦም እዩ። የሱስ ሓደ እዋን ብርቱዕ ህቦብላ ምስ ተላዕለ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ንኼዕቝቦም ስጕምቲ ወሲዱ እዩ። ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንሱ . . . ንንፋስ ገንሖ፡ ንባሕሪ ድማ፡ ‘ዝግ በል! ህዳእ!’ በሎ። እቲ ንፋስ ዝግ በለ፡ ዓብዪ ህድኣት እውን ኰነ” ይብል። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ “እዚ፡ ንፋስን ባሕርን ዚእዘዝዎስ፡ መን ኰን እዩ፧” በሉ። (ማርቆስ 4:37-41) እዚ ፍጻመ እዚ፡ የሱስ ኣብ እዋን ግዝኣቱ ንዅሎም እዙዛት ደቂ ሰብ ኬዕቝቦም ምዃኑ የረጋግጸልና።—ዳንኤል 7:13, 14

^ ሕ.ጽ. 5 የሆዋ፡ ኣብቲ ብበዅሪ ቛንቋታት እተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስም ኣምላኽ እዩ።