ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 ንኣምላኽ ቅረቦ

የሆዋ ብሓቂዶ ይሓልየልካ እዩ፧

የሆዋ ብሓቂዶ ይሓልየልካ እዩ፧

“እቲ ንኸሰንፎ ዝቃለሶ ዘሎኹ ዝዓበየ ዕንቅፋት፡ ናይ ከንቱነት ስምዒት ከይኰነ ኣይተርፍን እዩ።” ነዚ ሓሳባት እዚ እተዛረበት፡ ሓንቲ፡ የሆዋ ንኺሓልየላ ዚድርኾ ምኽንያት ከም ዘይረኽበላ ዀይኑ እተሰምዓ ሰበይቲ እያ። ንስኻኸ ኸምቲ ናታ ስምዒት ድዩ ዚስምዓካ፧ ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ “የሆዋ ንኣምለኽቱ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ብሓቂዶ ይሓልየሎም እዩ፧” ኢልካ ትሓትት ትኸውን። መልሲ እቲ ሕቶ እቲ፡ “እወ ይሓልየሎም እዩ!” ዚብል እዩ። ነዚ ዜረጋግጽ ከኣ፡ ኣብቲ የሱስ እተዛረቦ ቓላት ክንረኽቦ ንኽእል ኢና።—ዮሃንስ 6:44 ኣንብብ።

የሱስ፡ ብዛዕባ ባህርያትን ድሌትን የሆዋ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ እዩ ዚፈልጥ። እንታይከ በለ፧ (ሉቃስ 10:22) “እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ ዚስሕቦ እንተ ዘይኰይኑ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን” በለ። ስለዚ፡ ንነፍሲ ወከፍና የሆዋ ባዕሉ እንተ ዘይስሒቡና፡ ሰዓብቲ ክርስቶስ ኰነ ኣምለኽቲ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ ኽንከውን ኣይንኽእልን ኢና። (2 ተሰሎንቄ 2:13) ትርጕም እቲ የሱስ እተዛረቦ ቓላት እንተ ተረዲኡና፡ ኣብቲ እተዛረቦ ቓላት፡ ኣምላኽ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ከም ዚሓልየልና ዚሕብር ሓያል መረጋገጺ ኽንረክብ ኢና።

የሆዋ ይስሕበና ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ እታ ኣብዚ ‘ሰሓበ’ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ግሲ፡ መርበብ ዓሳ ንምጕታት እውን ትውዕል እያ። (ዮሃንስ 21:6, 11) እሞኸ የሆዋ ብዘይ ድላይና ብምስሓብ ንኸነገልግሎ የገድደና ድዩ፧ ኣይፋሉን። የሆዋ ናይ ምምራጽ ናጽነት ስለ ዝሃበና፡ ልብና ኽንከፍት ኣየገድደናን እዩ። (ዘዳግም 30:19, 20) ሓደ ምሁር፡ “ኣብ ግዳማዊ ልቢ ወዲ ሰብ፡ መኽፈቲ የለን። ካብ ውሽጢ ኪኽፈት ኣለዎ” በለ። የሆዋ ነቶም ንዕኡ ዜናድዩ ውልቀ ሰባት ምእንቲ ኺረክብ፡ ነቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘሎ ብቢልዮናት ዚቝጸር ኣልባብ ይምርምሮ እዩ። (1 ዜና መዋእል 28:9) ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ምስ ረኸበ ኸኣ፡ ስምዒት ብዚትንክፍ መገዲ ይምልስ። ብኸመይ፧

የሆዋ ንልቢ እቶም “ዘንቀዱ” ሰባት፡ ብጥንቃቐ ይስሕቦ። (ግብሪ ሃዋርያት 13:48) ነዚ ኸኣ ብኽልተ መገዲ እዩ ዚገብሮ። እቲ ሓደ በቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዝሓዘ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ይበጽሓና፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ እዩ። የሆዋ ንሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ምላሽ ዚህብ ልቢ እንተ ረኺቡ፡ መንፈሱ ተጠቒሙ ነቲ ሰብ ሓቂ ንኺፈልጥን ኣብ ህይወቱ ንኺዓይየሉን ይሕግዞ። (1 ቈረንቶስ 2:11, 12) ብዘይ ሓገዝ ኣምላኽ፡ ናይ ሓቂ ሰዓብቲ የሱስ ኰነ ውፉያት ኣምለኽቲ የሆዋ ኽንከውን ኣይንኽእልን ኢና።

“ኣብ ግዳማዊ ልቢ ወዲ ሰብ፡ መኽፈቲ የለን። ካብ ውሽጢ ኪኽፈት ኣለዎ”

እተን ኣብ ዮሃንስ 6:44 ተመዝጊበን ዘለዋ ቓላት የሱስ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ እንታይ እየን ዚምህራና፧ የሆዋ ንሰባት ዚስሕቦም፡ ኣብ ልቦም ጽቡቕ ነገር ስለ ዚርኢ፡ ከም ውልቀ ሰባት መጠን ከኣ ስለ ዚሓልየሎም እዩ። እታ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰት ሰበይቲ ነዚ ሓቂ እዚ ስለ እተረድአት፡ ክትጸናናዕ ክኢላ እያ። ከምዚ ድማ በለት፦ “ኣገልጋሊ የሆዋ ኻብ ምዃን ዚበልጽ ክቡር መሰል የለን። የሆዋ ኣገልጋሊቱ ክኸውን ኪመርጸኒ ዝኸኣለ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ኽብርቲ ስለ ዝዀንኩ ኪኸውን ኣለዎ።” ንስኻኸ እንታይ ትብል፧ የሆዋ ንኣምለኽቱ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ዚሓልየሎም ምዃኑ ምፍላጥካ፡ ልብኻ ንኽትከፍተሉ ኣይድርኸካንዶ፧

ንግንቦት ዚኸውን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

ሉቃስ 22-24ዮሃንስ 1-16