ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ግብሪ ወንጌላዊ ግበር”

“ግብሪ ወንጌላዊ ግበር”

“ግብሪ ወንጌላዊ ግበር፡ ኣገልግሎትካ ምሉእ ብምሉእ ፈጽም።”—2 ጢሞ. 4:5

1. የሆዋ ቐዳማይ ወንጌላዊ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

ወንጌላዊ፡ ንኻልኦት ወንጌል ወይ ብስራት ዚነግር ሰብ እዩ። ቀዳማይ ወንጌላዊ፡ የሆዋ ኣምላኽ እዩ። የሆዋ፡ እቶም ቀዳሞት ወለድና ምስ ሓጥኡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ እቲ ተመን፡ ማለት ሰይጣን ድያብሎስ፡ ኪጭፍለቕ ምዃኑ ዚገልጽ ብስራት ነገረ። (ዘፍ. 3:15) ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት፡ የሆዋ ንእሙናት ሰባት ስሙ ብኸመይ ካብ ጸርፊ ናጻ ኸም ዚኸውን፡ እቲ ሰይጣን ዘምጸኦ ጕድኣት ብኸመይ ከም ዚዕረ፡ ከምኡውን ደቂ ሰብ ነቲ ኣዳምን ሄዋንን ዜጥፍእዎ ኣጋጣሚታት ብኸመይ ኪረኽብዎ ኸም ዚኽእሉ ዚገልጽ ዝርዝር ሓሳባት ንኺጽሕፉ ብመንፈሱ ደሪኽዎም እዩ።

2. (ሀ) መላእኽቲ ምስ ዕዮ ወንጌላውነት ብእተተሓሓዘ እንታይ ግደ ኣለዎም፧ (ለ) የሱስ ንወንጌላውያን እንታይ ስርዓት እዩ ሰሪዑሎም፧

2 መላእኽቲ እውን ወንጌላውያን እዮም። ከመይሲ፡ ባዕላቶም ብስራት ይነግሩ፡ ንኻልኦት ሰባት እውን ብስራት ንኺዝርግሑ ይድግፍዎም እዮም። (ሉቃ. 1:19፣ 2:10፣ ግብ. 8:26, 27, 35፣ ራእ. 14:6) ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲኸ፧ የሱስ ተባሂሉ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣገዳሲ ዕዮኡ ስለ ዝነበረ፡ ንወንጌላውያን ስርዓት ሰሪዑሎም እዩ።—ሉቃ. 4:16-21

3. (ሀ) እቲ እንዝርግሖ ብስራት እንታይ እዩ፧ (ለ) ከም ወንጌላውያን መጠን ዜገድሰና ሕቶታት እንታይ እዩ፧

3 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ወንጌላውያን ኪዀኑ ኣዚዝዎም እዩ። (ማቴ. 28:19, 20፣ ግብ. 1:8) ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ መሳርሕቱ ዝዀነ ጢሞቴዎስ፡ “ግብሪ ወንጌላዊ ግበር፡ ኣገልግሎትካ ምሉእ ብምሉእ ፈጽም” በሎ። (2 ጢሞ. 4:5) እቲ ኸም ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ መጠን እንዝርግሖ ብስራት እንታይ እዩ፧ እዚ ብስራት እዚ፡ ነቲ እቲ ሰማያዊ ኣቦና የሆዋ ኸም ዜፍቅረና ዚገልጽ ሓቂ የጠቓልል። (ዮሃ. 3:16፣ 1 ጴጥ. 5:7) የሆዋ ኣምላኽ ፍቕሩ ዚገልጸሉ ቐንዲ መገዲ በታ መንግስቱ ኣቢሉ እዩ። ስለዚ፡ ኵሎም እቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ዚግዝኡ፡ ንኣምላኽ ዚእዘዝዎ፡ ከምኡውን ጽድቂ ዘበለ ዚነግሩ ሰባት፡ ከም ኣዕሩኹ ዀይኖም ምስኡ ርክብ ኪምስርቱ ይኽእሉ እዮም። (መዝ. 15:1, 2) የሆዋ ንዅሉ ዘይፍትሓዊ ነገራት ንኼወግዶ ዕላማ ኣለዎ። ንዅሉ እቲ ሕማቕ ተዘክሮታት እውን ኬወግዶ እዩ። እዝስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ብስራት ኰን እዩ! (ኢሳ. 65:17) እምበኣር፡ ወንጌላውያን ስለ ዝዀንና፡ ንመልሲ እዘን ዚስዕባ ኽልተ ሕቶታት ነቕልበሉ፦ (1) ሎሚ ሰባት፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰምዑ ዜድልዮም ስለምንታይ እዩ፧ (2) ንሕናኸ ነቲ እተዋህበና ግብሪ ወንጌላዊ ብዓወት ክንፍጽሞ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ሰባት፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰምዑ ዜድልዮም ስለምንታይ እዩ፧

ሰባት ነቲ ዚኣምኑሉ ነገራት ስለምንታይ ከም ዚኣምኑሉ ንኺሓስቡ ይሕግዞም

4. ሓድሓደ ግዜ፡ ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ እንታይ ሓቂ ዘይኰነ ነገራት እዩ ዚንገሮም፧

4 ሓደ ሰብ፡ ኣቦኻ ንዓኻን ነቶም ካልኦት ኣባላት ስድራ ቤትካን ከም ዝጠንጠነኩም ነጊሩካ ንበል። እቶም ንኣቦኻ ኸም ዚፈልጥዎ ዚዛረቡ ሰባት፡ ግሉል፡ ምስጢረኛ፡ ከምኡውን ጨካን ከም ዝነበረ ይገልጹ። ገሊኣቶም ከኣ፡ ኣቦኻ ስለ ዝሞተ ምስኡ ኽትራኸብ ኢልካ ሒዅ ምባል ጥቕሚ ኸም ዘይብሉ ኼእምኑኻ ይጽዕሩ። ብተመሳሳሊ፡ ሓያሎ ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ፡ ከምዚ ዓይነት ዘረባ እዮም ዚሰምዑ። ንሱ፡ ምስጢረኛ፡ ኪፍለጥ ዘይክእል፡ ወይ ከኣ ጨካን ከም ዝዀነ እዮም ዚምሃሩ። ንኣብነት፡ ገሊኦም መራሕቲ ሃይማኖት፡ ኣምላኽ ንእኩያት ሰባት ንዘለኣለም ኣብ መሳቐዪ ቦታ ብምስቓይ ከም ዚቐጽዖም ይምህሩ። ገሊኣቶም ከኣ ነቲ ብባህርያዊ ሓደጋ ዚወርድ መከራ፡ ኣምላኽ ከም ዜምጽኦ ይዛረቡ። እዚ ሓደጋታት እዚ፡ ንቕኑዓትን ንእኩያትን ሰባት ዚቐትል እኳ እንተ ዀነ፡ ካብ ኣምላኽ ዝመጸ መቕጻዕቲ ኸም ዝዀነ ይዛረቡ።

ሕቶታት፡ ሓቂ ምእንቲ ኪቕበሉ፡ ንኣእምሮኦምን ንልቦምን ይኸፍተሎም

5, 6. ክልሰ ሓሳብ ፍልቀትን ናይ ሓሶት ሰረተ እምነታትን ንሰባት ጽልዋ ዚገብረሎም ብኸመይ እዩ፧

5 ገሊኣቶም፡ ‘ኣምላኽ የለን’ ይብሉ። በዚ መዳይ እዚ፡ ክልሰ ሓሳብ ፍልቀት እሞ ንርአ። ሓያሎ ደገፍቲ ፍልቀት፡ ህይወት ነዳፊ ኸም ዘይብሉ ይገልጹ። ፈጣሪ ኸም ዘየለ ኸኣ ይዛረቡ። ገሊኣቶም ከኣ፡ ‘ሰብ ካብ እንስሳ ስለ ዝመጸ፡ ሓደ ሰብ ኣራዊታዊ ባህርይ እንተ ኣርእዩ፡ ዜገርም ኣይኰነን’ ይብሉ። እቲ ሓያል ነቲ ድኹም ብጭካነ ምዕብላሉ፡ ሕጊ ተፈጥሮ ኸም ዝዀነ ይዛረቡ። ሓያሎ ሰባት፡ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ወትሩ ኻባና ኸም ዘይፍለ ዀይኑ እንተ ተሰምዖም እምበኣር ኣየገርምን እዩ። ስለዚ፡ እቶም ኣብ ፍልቀት ዚኣምኑ ሰባት ብዛዕባ መጻኢ ናይ ሓቂ ተስፋ የብሎምን።

6 ገለ ኻብቲ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንወዲ ሰብ መከራ ኸም ዜጋጥሞ ዝገበረ ረቛሒታት፡ ክልሰ ሓሳብ ፍልቀትን ናይ ሓሶት ሰረተ እምነትን ምዃኑ እምበኣር ዜጠራጥር ኣይኰነን። (ሮሜ 1:28-31፣ 2 ጢሞ. 3:1-5) እዚ ሰብኣዊ ትምህርትታት እዚ፡ ናይ ሓቅን ነባርን ብስራት ኬምጽእ ኣይከኣለን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ከምቲ ጳውሎስ ዝገለጾ፡ ንሰባት ‘ኣእምሮኦም ኣጸልሚቱ’ ኻብቲ ኻብ ኣምላኽ ዚመጽእ ህይወት ኣርሒቕዎም እዩ። (ኤፌ. 4:17-19) ብዘይካዚ፡ ክልሰ ሓሳብ ፍልቀትን ናይ ሓሶት ሰረተ እምነትን ንሰባት ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚምንጭው ብስራት ንኸይሰምዕዎ ዕንቅፋት ኰይንዎም እዩ።—ኤፌሶን 2:11-13 ኣንብብ።

ሕቶታት፡ ተረዲኦም ኣብ ቅኑዕ መደምደምታ ንኺበጽሑ ይሕግዞም

7, 8. ሰባት ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ኪርድእዎ ዚኽእሉ ብምንታይ ጥራይ እዮም፧

7 ሰባት ምስ ኣምላኽ ምእንቲ ኺዕረቑ፡ የሆዋ ኸም ዘሎን ናብኡ ንኪቐርቡ ዚድርኾም ብቑዕ ምኽንያታት ከም ዘለዎምን ኪኣምኑ ይግብኦም። ንፍጥረት ኪምርምርዎ ብምትብባዕ፡ ነዚ ፍልጠት እዚ ኼጥርዩ ኸነተባብዖም ንኽእል ኢና። ሰባት ኣእምሮኦም ኣስፊሖም ፍጥረት ምስ ዚምርምሩ፡ ብዛዕባ ጥበብን ሓይልን ኣምላኽ ይምሃሩ እዮም። (ሮሜ 1:19, 20) ንሰባት ብዛዕባ እቲ ፈጣሪና ዝዓመሞ ነገራት ኣብ ዚሓስቡሉ እዋን ኣድናቖት ንኼሕድሩ ምእንቲ ኽንሕግዞም፡ ነታ ዎዝ ላይፍ ክሪኤትድ፧ (ህይወት ተፈጢሩ ድዩ፧) ዘርእስታ ብሮሹር፡ ከምኡውን ነታ ዘ ኦርጅን ኦቭ ላይፍ—ፋይቭ ኰስችንስ ዎርዝ ኣስኪንግ (መበቈል ህይወት—ሓሙሽተ ኣገዳሲ ሕቶታት) ዘርእስታ ብሮሹር ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ምስናይዚ ግና፡ ሰባት ንመልሲ እቲ፡ ‘ኣምላኽ፡ መከራ ኺህሉ ዘፍቀደ ስለምንታይ እዩ፧ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧ ብደረጃ ውልቀ ሰብከ ይሓልየለይ ድዩ፧’ ንዚብል ንህይወት ዚምልከት ዜጨንቕ ሕቶታት፡ ብዛዕባ ፍጥረት ጥራይ ብምጽናዕ ኪረኽብዎ ኣይክእሉን እዮም።

8 ሰባት ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽን ዕላማኡን ዚገልጽ ብስራት ምሉእ ብምሉእ ኪርድእዎ ዚኽእሉ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ ጥራይ እዮም። ንሕቶታቶም መልሲ ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ንኽንሕግዞም ፍሉይ መሰል ተዋሂቡና ኣሎ። ልቦም ምእንቲ ኽንትንክፍ ግና፡ ሓቂ ምንጋር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣረዲእና ኸነእምኖም ኣሎና። (2 ጢሞ. 3:14) ነቲ የሱስ ዝገደፎ ኣብነት እንተ ስዒብና፡ ንሰባት ብቐሊሉ ኸነእምኖም ንኽእል ኢና። የሱስ በዚ መዳይ እዚ ዕዉት ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ ሓደ ኻብቲ ምኽንያታት፡ ውጽኢታዊ ሕቶታት ይጥቀም ስለ ዝነበረ እዩ። ንሕናኸ ንየሱስ ብኸመይ ኢና ኽንመስሎ እንኽእል፧

ዕዉታት ወንጌላውያን ውጽኢታዊ ሕቶታት ይጥቀሙ

9. ንሰባት ብመንፈሳዊ መዳይ ክንሕግዞም እንተ ደሊና፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

9 ንሕናኸ ግብሪ ወንጌላዊ ኽንገብር ከለና፡ ከም የሱስ ሕቶታት ክንጥቀም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ነዚ ዚስዕብ ኣብነት እሞ ሕሰበሉ፦ ሓኪምካ፡ ብስራት ኪነግረካ ደልዩ ንበል። ከቢድ መጥባሕቲ እንተ ጌርካ፡ ካብ ሕማምካ ኼሕውየካ ኸም ዚኽእል ይነግረካ። ንስኻ እውን ትኣምኖ ትኸውን። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ ጥዕናኻ ሓንቲ ሕቶ እውን ከይሓተተካ፡ ነዚ መብጽዓ እዚ እንተ ዚኣትወልካ እንታይ ምተሰምዓካ፧ ንኽትኣምኖ ኸም ዜጸግመካ ፍሉጥ እዩ። ሓደ ኽኢላ ሓኪም እውን እንተ ዀነ፡ ዝዀነ ይኹን ግብራዊ ሓገዝ ቅድሚ ምሃቡ፡ ሕቶታት ኪሓትት፡ ምልክታት ሕማምካ ኽትነግሮ ኸለኻ ኸኣ ኪሰምዓካ ኣለዎ። ብተመሳሳሊ፡ ንሰባት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኪቕበሉ ምእንቲ ኽንሕግዞም፡ ውጽኢታዊ ሕቶታት ናይ ምሕታት ክእለት ከነጥሪ ኣሎና። ብዛዕባ መንፈሳዊ ዅነታቶም ንጹር ፍልጠት እንተ ኣልዩና ጥራይ ከኣ ኢና ኽንሕግዞም እንኽእል።

ልቢ እቶም እንሰብከሎም ሰባት ምእንቲ ኽንትንክፍ፡ ኣረዲእና ኸነእምኖም ኣሎና

10, 11. ንኣመሃህራ የሱስ እንተ ቐዲሕናዮ፡ እንታይ ኢና ኽንዓምም እንኽእል፧

10 የሱስ ብጥንቃቐ እተመርጸ ሕቶታት፡ ንሓደ መምህር ብዛዕባ ተመሃራዩ ንኺፈልጥ ይሕግዞ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ተመሃራይ እውን ኣብቲ ምይይጥ ከም ዜሳትፎ ይፈልጥ ነበረ። ንኣብነት፡ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ትሕትና ኺምህሮም ምስ ደለየ፡ መጀመርታ ዜተሓሳስብ ሕቶ ሓተቶም። (ማር. 9:33) ንጴጥሮስ ከኣ ብዛዕባ መሰረታዊ ስርዓት ኪሓስብ ከም ዘለዎ ንኺምህሮ ኢሉ፡ ምርጫ ዝሓዘ ሕቶታት ሓተቶ። (ማቴ. 17:24-26) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ኸኣ፡ ኣብ ልቢ ደቀ መዛሙርቱ ዘሎ ነገር ኬውጽእ ኢሉ፡ እተፈላለየ ሕቶታት ርእይቶ ሓተቶም። (ማቴዎስ 16:13-17 ኣንብብ።) የሱስ ንሰባት ብሕቶታት ገይሩ ልቦም ብምትንካፍ፡ ምስቲ እተመሃርዎ ተሰማሚዖም ንኺመላለሱ ይድርኾም ደኣ ነበረ እምበር፡ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ኣይነገሮምን እዩ ነይሩ።

11 ንሕና እውን፡ ንየሱስ ብምምሳል ውጽኢታዊ ሕቶታት እንተ ተጠቒምና፡ እንተ ወሓደ ሰለስተ ነገራት ንዓምም ኢና። ቀዳማይ፡ ንሰባት ብዝበለጸ መገዲ ብኸመይ ክንሕግዞም ከም እንኽእል ንፈልጥ። ካልኣይ፡ ነቶም ዘረባ ዚዀልፉ ሰባት ነርድኦም። ሳልሳይ፡ ንትሑታት ሰባት ብኸመይ ኪጥቀሙ ኸም ዚኽእሉ ንምህሮም። ቀጺልና፡ ብኸመይ ውጽኢታዊ ሕቶታት ክንጥቀም ከም እንኽእል ዘርኢ ሰለስተ ኣብነታት ንርአ።

12-14. ውሉድካ ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብትብዓት ምእንቲ ኺዛረብ፡ ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል፧ ኣብነት ሃብ።

12 ኣብነት 1፦ ወላዲ እንተ ዄንካ፡ ውሉድካ ብዛዕባ ኣብ ፍጥረት ዘለዎ እምነት ንመማህርቱ ብኸመይ ከም ዜብርሃሉ ስክፍታኡ እንተ ዚገልጸልካ፡ እንታይ ምገበርካ፧ ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብትብዓት ንኺነግር ክትሕግዞ ኸም እትደሊ ፍሉጥ እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ክንዲ እትወቕሶ ወይ ብኡብኡ ምኽሪ ኣብ ክንዲ እትህቦ፡ ኣብነት የሱስ ብምስዓብ፡ ርእይቶኡ ንኺገልጽ ዚሕግዞ ገለ ሕቶታት ንምንታይ ዘይትሓትቶ፧ ብኸመይ ከምኡ ኽትገብር ምኸኣልካ፧

13 ምስ ውሉድካ ዄንካ፡ ካብታ ዘ ኦርጅን ኦቭ ላይፍ—ፋይቭ ኰስችንስ ዎርዝ ኣስኪንግ ዘርእስታ ብሮሹር እተወሰነ ኽፋል ድሕሪ ምንባብ፡ እንታይ ዝያዳ ዜመራምር ሓሳባት ከም ዝረኸበ ኽትሓትቶ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ፈጣሪ ንኺኣምን ዝደረኾ እንታይ ምዃኑን ፍቓድ ኣምላኽ ኪገብር ዚደልየሉ ምኽንያትን ኪርዳእ ኣተባብዓዮ። (ሮሜ 12:2) እቲ ዜቕርቦ ምኽንያት ምስቲ ናትካ ምኽንያት ግድን ሓደ ዓይነት ኪኸውን ከም ዘየድልዮ ግለጸሉ።

14 ንውሉድካ፡ ምስ መማህርቱ ኺዘራረብ ከሎ፡ ነቲ ዘርኣኻዮ ኣገባብ ኪስዕብ ከም ዚኽእል ግለጸሉ። እዚ ኺብሃል ከሎ፡ ኣብ ሓቂ እተመርኰሰ ሓሳባት ድሕሪ ምሃቡ፡ ርእይቶኻ ንምግላጽ ዚሕግዝ ሕቶታት ይሓትት ማለት እዩ። ንኣብነት፡ ንመማህርቱ ነታ ኣብታ ኦርጅን ኦቭ ላይፍ እትብሃል ብሮሹር፡ ኣብ ገጽ 21 ዘላ ሳጹን ንኼንብባ ኺሓትቶ ይኽእል እዩ፣ ምስ ኣንበባ ኸኣ፡ “ዲ.ኤን.ኤ. ካብ ዝዀነ ይኹን ኮምፕዩተር ንላዕሊ ሓበሬታ ዚሕዝ ምዃኑስ ሓቂ ድዩ፧” ዚብል ሕቶ ኬቕርበሉ ይኽእል እዩ። ሽዑ፡ መማህርቱ፡ ‘እወ፡’ ኢሉ ኸም ዚምልስ ፍሉጥ እዩ። ውሉድካ ድማ፡ “እቶም ንኮምፕዩተር ዝሰርሑ ሰባት ማዕረ ዲ.ኤን.ኤ. ኺሰርሑ እንተ ዘይክኢሎም፡ ሓደ ኣእምሮ ዘይብሉ ነገር ደኣ እሞ ኸመይ ገይሩ ባዕሉ ኺዓዪ ይኽእል፧” ኢሉ ኺሓትቶ ይኽእል። ንውሉድካ ምስ ሰባት ብዛዕባ እምነቱ ኺዘራረብ ከሎ፡ ዝያዳ ምትእምማን ምእንቲ ኼሕድር፡ ምሳኻ ዀይኑ ኸም ዚለማመድ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ውጽኢታዊ ሕቶታት ንኺጥቀም እንተ ኣለማሚድካዮ፡ ግብሪ ወንጌላዊ ኺፍጽም ይኽእል እዩ።

15. ንሓደ ኢዘሀራዊ ምእንቲ ኽንሕግዞ፡ እንታይ ሕቶታት ክንጥቀም ንኽእል፧

15 ኣብነት 2፦ ክንሰብኽ ከለና፡ ብዛዕባ ህልውና ኣምላኽ ዚጠራጠሩ ሰባት የጋጥሙና እዮም። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ፡ ኢዘሀራዊ ምዃኑ ይነግረና ይኸውን። ከምኡ ምስ በለና፡ ዘረባና ኣብ ክንዲ እነቋርጽ፡ ካብ መዓስ ጀሚሩ ኢዘሀራዊ ኸም ዝዀነን ኢዘሀራዊ ንኪኸውን ዝደረኾ እንታይ ምዃኑን ክንሓትቶ ንኽእል ኢና። ሓሳባቱ ምስ ሰማዕና፡ ነቲ ጕዳይ ኣርዚኑ ኸም ዝሓሰበሉ ኸነረጋግጸሉ ንኽእል ኢና። ኣስዒብና ኸኣ፡ ህይወት ከም እተፈጥረት ብመርትዖ ዚገልጽ ጽሑፍ ኬንብብ ፍቓደኛ እንተ ዀይኑ ኽንሓትቶ ንኽእል ኢና። እቲ ብዓል ቤት ሰፊሕ ኣእምሮ እንተ ኣልይዎ፡ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ መርትዖ ዘይምቕባል ርትዓዊ ኸም ዘይኰነ ኺሰማምዓሉ እዩ። ድሕሪኡ፡ ነታ ዎዝ ላይፍ ክሪኤትድ እትብሃል ብሮሹር፡ ወይ ከኣ ነታ ዘ ኦርጅን ኦቭ ላይፍ—ፋይቭ ኰስችንስ ዎርዝ ኣስኪንግ ዘርእስታ ብሮሹር ከነበርክተሉ ንኽእል ኢና። ብሜላን ብለውሃትን ሕቶታት ምስ እንሓትት፡ ሰባት ልቦም ከፊቶም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኺሰምዑ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና።

16. ሓደ ተመሃራይ ካብ መጽሓፍ እናረኣየ ምስ ዚምልስ፡ ስቕ ኢልና ኽንሓልፎ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

16 ኣብነት 3፦ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ከለና፡ ነቲ ተመሃራይ ካብ መጽሓፍ እናረኣየ ኺምልስ ከሎ ስቕ ኢልና ንሓልፎ ንኸውን። እዚ ግና፡ መንፈሳዊ ዕቤት ንኸይገብር ኪዓግቶ ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ ከየስተንተነ ኻብ መጽሓፍ እናረኣየ ዚምልስ ተመሃራይ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ሱር ኪሰድድ ኣይክእልን እዩ። ልክዕ ከምቲ ሓንቲ ሱር ዘይብላ ተኽሊ፡ ኣብ ግዜ ዋዒ ብቐሊሉ እትነቅጽ፡ እዚ ተመሃራይ እዚ እውን ተቓውሞ ኼጋጥሞ ኸሎ ኺጸንዕ ኣይክእልን እዩ። (ማቴ. 13:20, 21) ስለዚ እምበኣር፡ ንተመሃራይና ምእንቲ ኸነዕጥቖ፡ ብዛዕባ እቲ ዚመሃሮ ዘሎ ትምህርቲ እንታይ ከም ዚስምዖ ኽንሓትቶ ኣሎና። ነቲ ነጥብታት ዚሰማማዓሉ እንተ ዀይኑ ንሕተቶ። ብዝያዳ ድማ፡ ስለምንታይ ከም ዚሰማምዓሉ ወይ ከም ዘይሰማምዓሉ ኺገልጽ ንሕተቶ። ቀጺልካ፡ ኣብ ቅኑዕ መደምደምታ ምእንቲ ኺበጽሕ፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተመርኲሱ ኺምልስ ንሓግዞ። (እብ. 5:14) ውጽኢታዊ ሕቶታት ንጥቀም እንተ ዄንና፡ እቶም እንምህሮም ውልቀ ሰባት ኣብ እምነት ብዝያዳ ሱር ኪሰድዱ፡ ነቶም ንኺጻረርዎም ወይ ንኼጋግይዎም ዚጽዕሩ ሰባት ከኣ ኪቃወምዎም ኪኽእሉ እዮም። (ቈሎ. 2:6-8) ነቲ እተዋህበና ግብሪ ወንጌላዊ ንኽንፍጽሞ፡ ካልእ ክንገብሮ እንኽእል እንታይ ኣሎ፧

ዕዉታት ወንጌላውያን ንሓድሕዶም ይደጋገፉ

17, 18. ክልተ ዄንና ኸነገልግል ከለና፡ ብኸመይ ኢና ንሓድሕድና ተደጋጊፍና ኽንዓዪ እንኽእል፧

17 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ በብኽልተ ገይሩ፡ ንኺሰብኩ ለኣኾም። (ማር. 6:7፣ ሉቃ. 10:1) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ‘ኣብ ጐድኑ ዚጽዕሩ መዓይይቲ’ ኸም ዝነበርዎ ጠቒሱ ኣሎ። (ፊል. 4:3) ብ1953 ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምስዚ ቕዱስ ጽሑፋዊ መምርሒ እዚ ብምስምማዕ፡ ንኻልኦት ኣብ ኣገልግሎት ዜሰልጥኑሉ መደብ ኣውጽኡ።

18 ምስ ሓደ ክርስትያን ኣገልግሎት ምስ እትወጽእ፡ ሓቢርካ ኽትዓዪ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ (1 ቈረንቶስ 3:6-9 ኣንብብ።) ጥቕስታት ኣውጺኡ ኼንብብ ከሎ፡ መጽሓፍ ቅዱስካ ገንጺልካ ተኸታተሎ። መገላግልትኻ ወይ እቲ ብዓል ቤት ኪዛረቡ ኸለዉ ጽን ኢልካ ስምዓዮም። መገላግልትኻ ንእተላዕለ ተቓውሞ ኺምልስ ከሎ ሓገዝ ምስ ዜድልዮ ምእንቲ ኽትሕግዞ፡ ነቲ ምይይጥ ብኣቓልቦ ተኸታተሎ። (መክ. 4:12) ኰይኑ ግና፡ ነቲ ብዓል ቤት ብውጽኢታዊ መገዲ እናኣረድኦ ኸሎ፡ ኣብ መንጎ ኣቲኻ ኸይተቋርጾ ተጠንቀቕ። ርእስኻ ብዘይምግታእ ኣብ መንጎ ምእታውካ ንመገላግልትኻ ተስፋ ኬቝርጾ፡ ነቲ ብዓል ቤት ከኣ ኬደናግሮ ይኽእል እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብቲ ምይይጥ ክትሳተፍ ኣድላዪ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ሓሳብ ክትህብ እንተ ደሊኻ፡ ሓደ ወይ ክልተ ሕጽር ዝበለ ነጥቢ ጥራይ ሃብ። መገላግልትኻ ድማ ነቲ ዝርርብ ከም ዚቕጽሎ ግበር።

19. እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧

19 ንስኻን መገላግልትኻን ካብ ቤት ናብ ቤት ክትከዱ ኸለኹም፡ ኣብ መገዲ ብኸመይ ክትደጋገፉ ትኽእሉ፧ ነቲ ግዜ እቲ፡ ኣቀራርባኻ ብኸመይ ከም እተመሓይሾ ንምምይያጥ ዘይትጥቀመሉ፧ ብዛዕባ እቶም ኣብ ክልኹም ዘለዉ ሰባት ኣሉታዊ ሓሳባት ከይትህብ ተጠንቀቕ። ብዛዕባ ወንጌላውያን ብጾትና እውን ኣሉታዊ ነገራት ከይትዛረብ ተጠንቀቕ። (ገላ. 5:15) ኣቕሓ መሬት ምዃንና ኽንዝክር ኣሎና። የሆዋ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኽንሰብኽ ሕድሪ ብምሃብ፡ ብዙሕ ለውሃት ኣርእዩና እዩ። (2 ቈረንቶስ 4:1, 7 ኣንብብ።) ሃየ እምበኣር፡ ብእተኻእለ መጠን ነቲ እተዋህበና ግብሪ ወንጌላዊ ንኽንፍጽሞ ብምጽዓር፡ ሞሳና ነርኢ።