ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ንሰናይ ግብሪ ትቐንእ’ ዲኻ፧

‘ንሰናይ ግብሪ ትቐንእ’ ዲኻ፧

“ክርስቶስ . . . ንርእሱ እውን ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእ ገንዘቡ ዝዀነ ህዝቢ ምእንቲ ኼንጽህ፡ ምእንታና ገዛእ ርእሱ ሃበ።”—ቲቶ. 2:13, 14

1, 2. ንናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ፍሉይ ክብሪ እዩ ተዋሂብዎም፧ ብዛዕባኡኸ እንታይ ይስምዓካ፧

ሓያሎ ሰባት ሓደ ፍሉይ ዕማም ብምዕማሞም ኪሽለሙ ኸለዉ፡ ፍሉይ ክብሪ እዩ ዚስምዖም። ንኣብነት፡ ገሊኣቶም ንኽልተ ሃገራት ብሰላም ንኺነብራ እንተ ሓጊዞምወን ክብሪ ይውሃቦም እዩ። ካብዚ ዝዓበየ ኽብሪ ግና ኣሎ። እዚ ኸኣ፡ ሰባት ምስ ፈጣሪኦም ሰላማዊ ርክብ ንኺምስርቱ ምእንቲ ኽትሕግዞም፡ ብኣምላኽ እተላእኸ ኣምባሳደር ወይ ልኡኽ ኴንካ ምግልጋል እዩ።

2 ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን፡ እዚ ፍሉይ ክብሪ እዚ ተዋሂቡና ኣሎ። ብትእዛዝ ኣምላኽን ክርስቶስን፡ ንሰባት “ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ” እናበልና ንልምኖም ኣለና። (2 ቈረ. 5:20) የሆዋ፡ ንሰባት ናብኡ ንኽንስሕቦም ይጥቀመልና ኣሎ። ኣብ ልዕሊ 235 ሃገራት ዚነብሩ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ኪምስርቱን ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡን ዝኸኣሉ፡ በዚ መገዲ እዚ ኣቢሎም እዮም። (ቲቶ. 2:11) ንሰባት፡ “ዝደለየ እውን ማይ ህይወት ብናጻ ይውሰድ” እናበልና፡ ብቕንኣት ንዕድሞም ኣለና። (ራእ. 22:17) ነዚ ፍሉይ ዕዮ እዚ ኣኽቢርና ስለ እንርእዮ፡ ብትግሃት ከኣ ስለ እንፍጽሞ፡ “ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእ” ህዝቢ ኽንብሃል ንበቅዕ ኢና። (ቲቶ. 2:14) እቲ ንሰናይ ግብሪ ዘሎና ቕንኣት፡ ንሰባት ናብ የሆዋ ንኽንስሕቦም ብኸመይ ከም ዚሕግዘና እምበኣር ንርአ። ሓደ ኻብቲ ሰናይ ግብሪ ተባሂሉ ዘሎ፡ ዕዮ ስብከትና እዩ።

ንቕንኣት የሆዋን የሱስን ቅድሓዮ

3. ‘ቅንኣት የሆዋ’ እንታይ የረጋግጸልና፧

3 ኢሳይያስ 9:7 ብዛዕባ እቲ ኣብ ግዝኣት ወዲ ኣምላኽ ዚፍጸም ነገራት፡ “ቅንኣት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ነዚ ኺገብር እዩ” ትብል። እዘን ቃላት እዚአን፡ ሰማያዊ ኣቦና ብድሕነት ደቂ ሰብ ኣዝዩ ኸም ዚግደስ የጕልሓ። ቅንኣት የሆዋ፡ ንሕና እውን ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብምሉእ ልብናን ብውዕዉዕ መንፈስን ብቕንኣትን ክንፍጽሞ ኸም ዘሎና ይሕብር። ሰባት ንኣምላኽ ንኺፈልጥዎ ኽንሕግዞም ሃረር ንብል ኢና፣ እዚ ሓያል ባህጊ እዚ ኸኣ፡ ንቕንኣት የሆዋ ዜንጸባርቕ እዩ። እሞኸ፡ ከም መዓይይቲ ኣምላኽ መጠን፡ ኵነታትና ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ንኽንካፈል ብብሕትና ቘሪጽናዶ ኣለና፧—1 ቈረ. 3:9

4. የሱስ ኣብ ኣገልግሎት ብቕንኣት ብምጽናዕ ኣብነት ዝገደፈልና ብኸመይ እዩ፧

4 ቅንኣት የሱስ እውን ንርአ። የሱስ ኣብ ኣገልግሎት ብቕንኣት ጸኒዑ ስለ ዝነበረ፡ ፍጹም ኣብነት ገዲፉልና እዩ። ከቢድ ተቓውሞ እኳ እንተ ኣጋጠሞ፡ ንዕዮ ስብከት ዝነበሮ ቕንኣት ክሳዕ እቲ ዜሰቅቕ መወዳእታ ምድራዊ ህይወቱ ዓቂብዎ እዩ። (ዮሃ. 18:36, 37) መስዋእታዊ ሞቱ ኣብ ዚቐርበሉ ዝነበረ እዋን፡ እቲ ሰባት ንየሆዋ ምእንቲ ኺፈልጥዎ ንኺሕግዞም ዝነበሮ ቘራጽነት እናደልደለ ኸደ።

5. የሱስ ምስቲ ብዛዕባ ኦም በለስ ዝሃቦ ምሳሌ ተሰማሚዑ ዝዓየየ ብኸመይ እዩ፧

5 ንኣብነት፡ ኣብ ቀውዒ 32 ድ.ክ.፡ የሱስ ብዛዕባ ሓደ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኑ ንሰለስተ ዓመት ዚኣክል ፍረ ዘይተረኽበላ ኦም በለስ ዝነበረቶ ሰብኣይ ዚገልጽ ምሳሌ ሃበ። እቲ ሰብኣይ ንሓላው ኣታኽልቱ፡ ነታ ኦም ኪቘርጻ ነገሮ፡ ንሱ ግና ንኺድኵዓ ግዜ ኺውሃቦ ሓተተ። (ሉቃስ 13:6-9 ኣንብብ።) ከም ፍረ ዕዮ ስብከት የሱስ ኪቝጸሩ ዚኽእሉ ዝነበሩ እምበኣር፡ ሒደት ደቀ መዛሙርቲ ጥራይ እዮም ነይሮም። የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ እቲ ሓላው ኣታኽልቲ ዝሃቦ ምሳሌ ኸም ዝገለጾ ግና፡ ነቲ ሽዱሽተ ወርሒ ኣቢሉ ዚኸውን ዝተረፎ ሓጺር ግዜ፡ ኣብ ይሁዳን ኣብ ጴርያን ብንጥፈት ንምስባኽ ተጠቕመሉ። ሒደት መዓልትታት ቅድሚ ሞቱ ኸኣ፡ ነቶም ‘ብኣእዛኖም ሰሚዖም ምላሽ ዘይሃቡ’ ደቂ ዓዱ በኸየሎም።—ማቴ. 13:15፣ ሉቃ. 19:41

6. ኣብ ኣገልግሎት ብንጥፈት ክንዓዪ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

6 መወዳእታ ኣዝዩ ስለ ዝቐረበ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ብንጥፈት ክንዓዪ ኣገዳሲዶ ኣይኰነን፧ (ዳንኤል 2:41-45 ኣንብብ።) ናይ የሆዋ ምስክር ምዃን ኣዝዩ ኽቡር መሰል እዩ። ንጸገማት ደቂ ሰብ ናይ ሓቂ መፍትሒ ኸም ዚመጽእ ዚገልጽ ተስፋ እንህብ ንሕና ጥራይ ኢና። ኣብዚ ቐረባ ግዜ፡ ሓንቲ ጋዜጠኛ፡ እታ፡ “ንቕኑዓት ሰባት ሕማቕ ነገራት ዚበጽሖም ስለምንታይ እዩ፧” እትብል ሕቶ፡ መልሲ ዘይብላ ሕቶ ምዃና ገለጸት። ነቶም ኪሰምዑ ፍቓደኛታት ዝዀኑ፡ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ናይ ምሃብ ክርስትያናዊ ሓላፍነትን መሰልን ኣሎና። ነዚ ኣምላኽ ዝሃበና ዕዮ ኽንፍጽም ከለና፡ ‘ብመንፈስ ክንቃጸል’ ይግባእ። (ሮሜ 12:11) ነቲ እተዋህበና ግብሪ ወንጌላዊ ብቕንኣት ምስ እንፍጽሞ፡ የሆዋ ንዕዮና ስለ ዝባርኾ፡ ሰባት ንዕኡ ኺፈልጥዎን ኬፍቅርዎን እዮም።

ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ንየሆዋ የኽብሮ

7, 8. ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ንየሆዋ ዜኽብሮ ብኸመይ እዩ፧

7 ተመክሮታት ሃዋርያ ጳውሎስ ከም ዚሕብሮ፡ ኣገልግሎትና፡ ‘ድቃስን ምግብን ከም እንስእን’ ኪገብረና ይኽእል እዩ። (2 ቈረ. 6:5) እዚ ሓሳባት እዚ፡ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ እንታይ ከም ዚመስል ዚሕብር እዩ፣ ብዛዕባ እቶም ርእሶም ብምኽኣል ንኣገልግሎቶም ቀዳምነት ዚህቡ ፈለምቲ ኸኣ የዘኻኽረና። ብዛዕባ እቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዚነብሩ ሰባት ኬገልግሉ ኢሎም ርእሶም ‘ከም መስዋእቲ መስተ ዚኽዕዉ’ ውፉያት ሚስዮናውያን እውን ንሕሰብ። (ፊል. 2:17) እቶም ኣበርቲዖም ዚጽዕሩ ሽማግለታትና እውን እንተ ዀኑ፡ ንመጓሰ የሆዋ ምእንቲ ኺጓስዩ፡ ድቃስን ምግብን ዚስእኑሉ ግዜያት ኣሎ። ኣብ ማእከልና ዚርከቡ ኣረጋውያንን ጥዕና ዘይብሎም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንኺእከቡን ኣብ ወፍሪ ኣገልግሎት ንኺሳተፉን ዚከኣሎም ይጽዕሩ እዮም። ብዛዕባ ዅሎም እዞም ጥቕሚ ርእሶም ዚስውኡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ክንሓስብ ከለና ንተባባዕ ኢና። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ትግሃት፡ ነቶም ካብ ጉባኤ ወጻኢ ዘለዉ ሰባት እውን ከይተረፈ፡ ንኣገልግሎትና ኣርዚኖም ከም ዚርእይዎ ኺገብሮም ይኽእል እዩ።

8 ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይኰነ ሰብ ኣብ ዩናይትድ ኪንግደም ናብ እትሕተም ሓንቲ ጋዜጣ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ ኸምዚ በለ፦ “ሰባት ኣብ ሃይማኖት ዘለዎም እምነት የጥፍኡ ኣለዉ። . . . ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያናትን እንታይ ኪገብሩ እዮም ዚውዕሉ፧ ከምቲ ክርስቶስ ዚገብሮ ዝነበረ ኸይዶም ንሰባት ኪረኽቡ ኣይጽዕሩን እዮም። . . . ብዛዕባ እዚ ዚግደሱ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ እዮም። ንሳቶም ከይዶም ንሰባት ረኺቦም፡ ሓቂ ይሰብኩሎም እዮም።” ኣብዛ ጥቕሚ ርእሳ ጥራይ እተቐድም ዓለም፡ እቲ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስና ንየሆዋ ኣምላኽ ኣዝዩ እዩ ዜኽብሮ።—ሮሜ 12:1

ናብ ኣገልግሎት ምኻድካ ጥራይ፡ ንተዓዘብቲ ሓያል ምስክርነት ይህቦም እዩ

9. ኣብ ኣገልግሎትና፡ ወትሩ ንሰናይ ግብሪ ቐናኣት ንኽንከውን ኪድርኸና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

9 ንኣገልግሎት ዘሎና ቕንኣት ይዝሕል ከም ዘሎ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑና ግና፡ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ብዕዮ ስብከት ኣቢሉ ዚዓምሞ ዘሎ ነገራት ምስ እንሓስብ፡ ክንጥቀም ኢና። (ሮሜ 10:13-15 ኣንብብ።) ሰባት ንኺድሕኑ፡ ስም የሆዋ ብእምነት ኪጽውዑ ኣለዎም፣ እንተ ዘይሰቢኽናሎም ግና ነቲ ስም እቲ ኺጽውዕዎ ኣይክእሉን እዮም። እዚ ምፍላጥና፡ ወትሩ ንሰናይ ግብሪ ንኽንቀንእን ተጊህና ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኽንሰብኽን ኪድርኸና ይግባእ።

ጽቡቕ ጠባይ ንሰባት ናብ ኣምላኽ ይስሕቦም

ሰባት ንቕንዕናኻን ንጻዕርኻን የስተብህሉሉ እዮም

10. እቲ ጽቡቕ ጠባይና ንሰባት ናብ የሆዋ ይስሕቦም፡ ኪብሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧

10 ቅንኣት ኣብ ኣገልግሎትና ኣገዳሲ እኳ እንተ ዀነ፡ ንሰባት ናብ ኣምላኽ ንኽንስሕቦም ግና ካልእ ዜድሊ ነገር እውን ኣሎ። ንሱ ኸኣ ክርስትያናዊ ጠባይና እዩ። ጳውሎስ፡ “ኣገልግሎትና ምእንቲ ኸይንቀፍ፡ ብገለ ነገር እኳ መዐንቀፊ ኸቶ ኣይንህብን ኢና” ብምባል ጠባይና ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ኣጕሊሑ ኣሎ። (2 ቈረ. 6:3) ዚሃንጽ ዘረባናን ጽቡቕ ጠባይናን ንትምህርቲ ኣምላኽና ስለ ዚስልሞ፡ ንሰባት ናብ ኣምልኾ የሆዋ ኸም ዚሰሓቡ ኺገብሮም ይኽእል እዩ። (ቲቶ. 2:10) መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ ኣብነት ክርስቶስ ብምንጽብራቕ እነርእዮ ጠባይና፡ ንተዓዘብቲ ጽቡቕ ጽልዋ ኸም ዜሕድረሎም ዚገልጽ ተመክሮታት ንሰምዕ ኢና።

11. ብዛዕባ እቲ ጠባይና ኣብ ካልኦት ኬሕድሮ ዚኽእል ጽልዋ ብጸሎት ክንሓስበሉ ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧

11 ተግባራትና ንሰባት ኣወንታዊ ጽልዋ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣሉታዊ ጽልዋ እውን ኪገብረሎም ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ስራሕ፡ ኣብ ቤት፡ ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንሰባት ካብ የሆዋ ኸም ዚርሕቑ ዚገብሮም ዝዀነ ይኹን ዜንቅፍ ነገር ከይንገብር ንጥንቀቕ ኢና። ፈቲና ብሓጢኣት እንተ ተመላሊስና፡ ብውልቅና ዜጋጥመና ሳዕቤን ከቢድ እዩ። (እብ. 10:26, 27) እዚ፡ ብዛዕባ ተግባራትናን ብዛዕባ እቲ ኣብ ካልኦት እነሕድሮ ጽልዋን ብጸሎት ኣርዚንና ንኽንሓስብ ኪድርኸና ይግባእ። ስነ ምግባራዊ ስርዓታት እዛ ዓለም እዚኣ እናተበላሸወ ኪኸይድ ከሎ፡ ቅኑዓት ሰባት፡ “ነቲ ኣብ መንጎ ጻድቕን ረሲእን፡ ኣብ መንጎ እቲ ንኣምላኽ ዚግዝኦን ዘይግዝኦን ዘሎ ምፍልላይ” ብንጹር ኪርእዩ እዮም። (ሚል. 3:18) እወ፡ እቲ ጽቡቕ ክርስትያናዊ ጠባይና፡ ንሰባት ምስ ኣምላኽ ከም ዚዕረቑ ኺገብሮም ይኽእል እዩ።

12-14. እቲ ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ እነርእዮ ተጻዋርነት፡ ነቲ ሰባት ብዛዕባ ኣገልግሎትና ዘለዎም ኣመለኻኽታ ጽልዋ ዚገብረሉ ብኸመይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ።

12 ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ኣብ ዝጸሓፈሎም መልእኽቲ፡ ጸበባን ጭንቅን መውቃዕትን ማእሰርትን ከም ዘሕለፈ ኣጕሊሑ ኣሎ። (2 ቈረንቶስ 6:4, 5 ኣንብብ።) ፈተናታት ምስ ዜጋጥመና፡ ተጻዋርነትና ንሰባት ሓቂ ንኪቕበሉ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ገለ ዓመታት ይገብር፡ ኣብ ኣንጎላ ንዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምጽናት ተፈቲኑ ነይሩ። ክልተ ጥሙቓት ናይ የሆዋ መሰኻኽርን 30 ተገደስቲ ሰባትን ኣብ ኣኼባታትና ተኣኪቦም ከለዉ ተታሕዙ። እቶም ተጻረርቲ ነዞም ንጹሃት ግዳያት እዚኦም፡ ክሳዕ ዚደምዩ ኺወቕዕዎም ከለዉ፡ ኣብቲ ኸባቢ ዝነበሩ ሰባት ተኣኪቦም ይርእዩ ነበሩ። ኣንስትን ቈልዑን እውን እንተ ዀነ ኣይተማሕሩን። ዕላማ እቲ መጥቃዕቲ፡ ሰባት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ምእንቲ ኸይሰምዕዎም ንምርዓድ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ፡ ሓያሎ ኣባላት እቲ ማሕበረ ሰብ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሑሎም ሓተትዎም። ስለዚ፡ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ደንፍዐ፡ እዚ ዘይብሃል ወሰኽን ሓያሎ በረኸታትን ከኣ ተረኽበ።

13 እዚ ኣብነት እዚ፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኸይንጥሕስ ኣብ መትከልና እንተ ጸኒዕና፡ ኣብ ካልኦት እንታይ ጽልዋ ኼሕድር ከም ዚኽእል የብርህ። ሓያሎ ሰባት፡ ትብዓት ጴጥሮስን ካልኦት ሃዋርያትን ምስ ረኣዩ፡ ምስ ኣምላኽ ንኺዕረቑ ተተባቢዖም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ግብ. 5:17-29) ንሕና እውን ቅኑዕ ንምግባር ኣብ መትከልና ምስ እንጸንዕ፡ መማህርትና፡ መሳርሕትና፡ ወይ ኣባላት ስድራ ቤትና ሓቂ ኪቕበሉ ይኽእሉ እዮም።

14 ወትሩ ንገለ ኻብ ኣሕዋትና ስደት የጋጥሞም እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ኣርመንያ፡ ብገምጋም 40 ዝዀኑ ኣሕዋትና፡ ብምኽንያት ገለልትነቶም ተኣሲሮም ኣለዉ። ኣብ ዚቕጽል ኣዋርሕ እውን ሓያሎ ኻልኦት ከይተወሰኽዎም ኣይተርፉን እዮም። ኣብ ኤርትራ፡ 55 ዝዀኑ ኣገልገልቲ የሆዋ ተኣሲሮም ኣለዉ፣ ገሊኣቶም፡ ዕድሚኦም ልዕሊ 60 ዓመት እዩ። ኣብ ደቡብ ኮርያ፡ 700 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምኽንያት እምነቶም ተኣሲሮም ኣለዉ። እዚ ዅነታት እዚ ንልዕሊ 60 ዓመት እዩ ጸኒሑ። እቶም ኣብ እተፈላለየ ሃገራት ዚነብሩ ኣሕዋትና ብተኣማንነቶም ንኣምላኽ ክብሪ ንኼምጽኡሉ፡ ንኣፍቀርቲ ጽድቂ ኸኣ ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንኺስሕብዎም ንጸሊ።—መዝ. 76:8-10

15. ብቕንዕና ወይ ብሓቀኝነት ምንባርና፡ ንሰባት ብኸመይ ናብ ሓቂ ኺስሕቦም ከም ዚኽእል ዜብርህ ኣብነት ሃብ።

15 ብቕንዕና ወይ ብሓቅኝነት ምንባርና እውን ንሰባት ናብ ሓቂ ኺስሕቦም ይኽእል እዩ። (2 ቈረንቶስ 6:4, 7 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ነዚ ዚስዕብ ተመክሮ ንርአ፦ ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ኣውቶቡስ ምስ ደየበት፡ ትኬት ንኽትቅበል ሰልዲ ኸተቐምጥ ከላ፡ ሓንቲ እትፈልጣ ሰብ፡ ንሓጺር ጕዕዞ ኽትከፍል ከም ዘየድልያ ነገረታ። እታ ሓብቲ ግና ንሓንቲ ፌርማታ ጥራይ እውን እንተ ዀነ፡ ክትከፍል ከም ዘለዋ ገለጸትላ። ድሕሪኡ፡ እታ ፈታዊታ ኻብታ ኣውቶቡስ ወረደት። ሽዑ፡ እቲ ኣውቲስታ ናብታ ሓብቲ ግልጽ ኢሉ፡ “ናይ የሆዋ ምስክር ዲኺ፧” ኢሉ ሓተታ። እታ ሓብቲ ኸኣ፡ “እወ፡ ስለምንታይ ኢኻ ግና ሓቲትካኒ፧” በለቶ። ንሱ ኸኣ፡ “ብዛዕባ ትኬት ክትዘራረቢ ኸለኺ ሰሚዐኪ እየ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብቶም ከምኡ ዚገብሩ ሒደት ሰባት ምዃኖምን ብዅሉ ነገራት ቅኑዓት ምዃኖምን እፈልጥ እየ” በላ። ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ፡ ኣብ ሓደ ኣኼባ ሓደ ሰብኣይ ናብታ ሓብቲ ቐሪቡ፡ “ትፈልጥኒዶ፧ ኣነ፡ እቲ ብዛዕባ ትኬት ምኽፋል እተዛረብኩኺ ኣውቲስታ እየ። ጠባይኪ ምስ ረኣኹ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ወሰንኩ” በላ። ሰባት ቅኑዓት ምዃንና እንተ ርእዮም፡ ኣብቲ እንሰብኮ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪእመኑ እዮም።

ወትሩ ንኣምላኽ ዜኽብር ባህርያት ኣርኢ

16. ከም ዓቕልን ፍቕርን ለውሃትን ዝኣመሰለ ባህርያት ንልቢ ሰባት ዚትንክፍ ብኸመይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ።

16 ከም ዓቕልን ፍቕርን ለውሃትን ዝኣመሰለ ባህርያት ምስ እነርኢ እውን ንሰባት ናብ የሆዋ ኽንስሕቦም ንኽእል ኢና። ገለ ኻብቶም ዚዕዘቡና፡ ብዛዕባ የሆዋን ዕላማታቱን ህዝቡን ንኺፈልጡ ኺድረኹ ይኽእሉ እዮም። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዜርእይዎ ባህርይን ጠባይን ካብቲ ሰባት ዜርእይዎ ግብዝና ዚንጸባረቐሉ መልክዕ ኣምልኾ ኣዝዩ እተፈልየ እዩ። ገሊኦም መራሕቲ ሃይማኖት፡ ንመጓሰኦም ብምድንጋር፡ በቲ ዝመዝመዝዎ ገንዘብ ከኣ ክቡር ኣባይትን ክቡራት ማካይንን ብምዕዳግ ሃብቲሞም እዮም። አረ ሓደ ኻባታቶምሲ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ ንኸልቡ መመሻሸው ኣየር (ኤየር ኮንዲሽነር) ዘለዎ ቤት ሰሪሑሉ እዩ። እወ፡ ሓያሎ ኻብቶም ሰዓብቲ ክርስቶስ ከም ዝዀኑ ዚዛረቡ ሰባት፡ ‘ብናጻ ኺህቡ’ ኣይደልዩን እዮም። (ማቴ. 10:8) ኣብ ክንዳኡስ፡ ከምቶም ፋሉላት ካህናት ጥንታዊት እስራኤል፡ “ብዋጋ ይምህሩ።” መብዛሕትኡ ዚምህርዎ ድማ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ኣይኰነን። (ሚክ. 3:11) ከምዚ ዝኣመሰለ ግብዝና፡ ንሰባት ምስ ኣምላኽ ኣየተዓርቖምን እዩ።

17, 18. (ሀ) ኣብ ህይወትና ባህርያት የሆዋ ምስ እነንጸባርቕ፡ ንየሆዋ እነኽብሮ ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ንሰናይ ግብሪ ንኽትቀንእ ዚድርኸካ እንታይ እዩ፧

17 በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ፡ ንጐረባብትና ናይ ሓቂ ክርስትያናዊ ትምህርቲ ምስ እንምህሮምን ሰናይ ተግባራት ምስ እንገብረሎምን ልቦም ኪትንከፍ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ፈላሚ ሓደ መዓልቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት እናኣገልገለ ኸሎ፡ ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት መበለት፡ ብኡብኡ ነጸገቶ። ደወል ማዕጾ ኺድውል ከሎ፡ ኣብ ክሽነ ኣምፑል ክትቅይር ኣብ መሳልል ደይባ ኸም ዝነበረት ሓበረቶ። እቲ ሓው፡ “በይንኺ ኸምዚ ኽትገብሪ ሓደገኛ እዩ” በላ። ነታ ኣምፑል ቀይሩላ ድማ ከደ። ወዲ እታ መበለት ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐ ኣዝዩ ስለ እተደነቐ፡ ሞሳኡ ንምግላጽ ነቲ ሓው ኪረኽቦ ደለየ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓሉ ድማ ፍቓደኛ ዀነ።

18 ንሰናይ ግብሪ ንኽትተግህ ዝቘረጽካ ስለምንታይ ኢኻ፧ ንኣገልግሎትና ቕንኣት እንተ ኣርኢና፡ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዕና ድማ እንተ ዓዪና፡ ንየሆዋ ኸም እነኽብሮ፡ ንሰባት ከኣ ድሕነት ኪረኽቡ ኽንሕግዞም ከም እንኽእል ስለ እትፈልጥ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (1 ቈረንቶስ 10:31-33 ኣንብብ።) እቲ፡ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽን ብስርዓታት ኣምላኽ ምምልላስን ዜጠቓልል ሰናይ ግብሪ ዘሎና ቕንኣት፡ ንኣምላኽን ንብጾትናን ካብ ዘሎና ፍቕሪ እዩ ዚምንጭው። (ማቴ. 22:37-39) ንሰናይ ግብሪ ንቐንእ እንተ ዄንና፡ ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ሓጐስን ዕግበትን ክንረክብ ኢና። ብዘይካዚ፡ ነቲ ዅሎም ደቂ ሰብ ነቲ ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋ ብቕንኣት ዜምልኹሉን ዜኽብሩሉን ግዜ ኽንጽበዮ ንኽእል ኢና።