ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጽቡቕ ጌርካ ሓሳብ ንሓሳብ ብምልውዋጥ፡ ንሓዳርካ ኣደልድሎ

ጽቡቕ ጌርካ ሓሳብ ንሓሳብ ብምልውዋጥ፡ ንሓዳርካ ኣደልድሎ

“ብግቡእ ጊዜ እተዘርበ ቓል ከም ሮማን ወርቂ ኣብ ጻሕሊ ብሩር እዩ።”—ምሳ. 25:11

1. ጽቡቕ ጌርካ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ንገሊኦም ሰብ ሓዳር ዝሓገዞም ብኸመይ እዩ፧

ሓደ ኣብ ካናዳ ዚነብር ሓው፡ “ካብ ምስ ካልእ ሰብ፡ ምስ ሰበይተይ ግዜ ኸሕልፍ እየ ዝደሊ። ምስኣ ክኸውን ከለኹ፡ ሓጐሰይ ይውስኽን ዜጕህየኒ ነገራት ይንክን እዩ” በለ። ኣብ ኣውስትራልያ ዚነብር ሰብኣይ ከኣ፡ “ኣብቲ ምስ ሰበይተይ ብሓባር ዘሕለፍናዮ 11 ዓመት፡ ሓንቲ መዓልቲ እውን ትኹን ከየዘራረብክዋ ሓሊፋ ኣይትፈልጥን እያ። ኣነን ንሳን ብዛዕባ ድልዳለ ሓዳርና ዜሻቕለና ወይ ዜተሓሳስበና ነገር የልቦን። ከምዚ ኪኸውን ዝኸኣለሉ ቐንዲ ምኽንያት ድማ፡ ኣዘውቲርና ትርጕም ብዘለዎ መገዲ ሓሳብ ንሓሳብ ስለ እንለዋወጥ እዩ” በለ። ኣብ ኮስታ ሪካ እትነብር ሓንቲ ሓብቲ እውን፡ “ጽቡቕ ጌርና ሓሳብ ንሓሳብ ንለዋወጥ ምዃንና፡ ንሓዳርና ኣደልዲልዎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናብ የሆዋ ብዝያዳ ንኽንቀርብ ሓጊዙና እዩ፣ ኣብ ርእሲኡ እውን፡ ካብ ፈተናታት ኣዕቊቡናን ከም ሰብ ሓዳር መጠን ሓድነትና ንኽንዕቅብ ኣኽኢሉናን ፍቕርና ንኺዓቢ ሓጊዙናን እዩ” በለት።

2. ጽቡቕ ጌርካ ሓሳብ ንሓሳብ ንኸይትለዋወጥ ዚዕንቅፉ ረቛሒታት እንታይ እዮም፧

2 ንስኻን መጻምድትኻን ጽቡቕ ጌርኩም ሓሳብ ንሓሳብ ትለዋወጡዶ፡ ወይስ ትርጕም ዘለዎ ዕላል ምዕላል የጸግመኩም እዩ፧ ሓዳር ንኽልተ እተፈላለየ ባህርያትን ባህልን ኣተዓባብያን ዘለዎም ዘይፍጹማት ሰባት ዜተኣሳስር ስለ ዝዀነ፡ ኣጸጋሚ ዅነታት ኬጋጥም ከም ዚኽእል ዚከሓድ ኣይኰነን። (ሮሜ 3:23) ብዘይካዚ፡ እቲ ሰብ ሓዳር ዚዘራረቡሉ መገዲ እተፈላለየ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቶም ብዛዕባ ሓዳር ዜጽንዑ ጆን ጎትማንን ናን ሲልቨርን፡ “ንነዊሕ እዋን ርክብካ ዓቂብካ ንምቕጻል፡ ትብዓትን ቈራጽነትን ተዓጻጻፍነትን ይሓትት እዩ” ኺብሉ እምበኣር ሓቆም እዮም።

3. ንመጻምድቲ ሓዳሮም ኬደልድሉ ዚሕግዞም እንታይ እዩ፧

3 ብሓቂ እምበኣር፡ ዕዉት ሓዳር ብጻዕሪ እዩ ዚርከብ። ውጽኢቱ ግና ኣዝዩ ዜሐጕስ እዩ። ንሓድሕዶም ዚፋቐሩ መጻምድቲ፡ ብሓቂ ተሓጒሶም ኪነብሩ ይኽእሉ እዮም። (መክ. 9:9) ነቲ ፍቕሪ ዝመልኦ ሓዳር ይስሃቅን ርብቃን እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። (ዘፍ. 24:67) ዋላ እውን ሰብ ሓዳር ካብ ዚዀኑ ገለ ግዜያት እንተ ሓለፈ፡ እታ ኣብ ንሓድሕዶም ዝነበረቶም ፍቕሪ ኣይዘሓለትን። ብዛዕባ እቶም ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰብ ሓዳር እውን ከምኡ ኺብሃል ይከኣል እዩ። ኪዕወቱ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧ ሓሳባቶምን ስምዒታቶምን ብቕንዕና ግናኸ ብለውሃት እዮም ዚገልጹ፣ ምስትውዓልን ፍቕርን ዓሚቝ ኣኽብሮትን ትሕትናን ከኣ የርእዩ እዮም። ከምቲ ቐጺልና እንርእዮ፡ እዚ ኣገዳሲ ባህርያት እዚ ኣብ ሓዳር ዚንጸባረቕ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ ክፉት እዩ ዚኸውን።

ኣስተውዕል

4, 5. ምስትውዓል ንሰብ ሓዳር ንሓድሕዶም ንኺረዳድኡ ዚሕግዞም ብኸመይ እዩ፧ ኣብነታት ሃብ።

4 ምሳሌ 16:20፡ “ነቲ ቓል ዜቕልበሉ [“ዜስተውዕለሉ፡” NW] ሰናይ ይረክብ” ትብል። እዚ ሓሳብ እዚ፡ ምስ ሓዳርን ምስ ናብራ ስድራ ቤትን ብዚተሓሓዝ እውን ይዓዪ እዩ። (ምሳሌ 24:3 ኣንብብ።) እቲ ዝበለጸ ምንጪ ምስትውዓልን ጥበብን፡ ቃል ኣምላኽ እዩ። ዘፍጥረት 2:18፡ ኣምላኽ ንሰበይቲ፡ ደጋፊት ሰብኣይ ገይሩ ደኣ እምበር፡ ልክዕ ከም ሰብኣይ ገይሩ ኸም ዘይፈጠራ ትገልጽ እያ። እቲ ኣብ ሓዳር ዘለዋ ግደ ድማ ኣብቲ ሓሳባ እትገልጸሉ መገዲ ኺርአ ይኽእል እዩ። ከከም ሰቡ ኺፈላለ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ብሓፈሻኡ ግና ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ስምዒተንን ብዛዕባ ሰባትን ብዛዕባ ርክብን ኪዛረባ እየን ዚደልያ። ምዉቕን ልባውን ዕላል ምዕላል እየን ዝፈትዋ፣ እዚ ኸኣ እተፈቕራ ዀይኑ ኸም ዚስምዐን እዩ ዚገብር። ብኣንጻሩ ግና፡ ብዙሓት ሰብኡት ብዛዕባ ስምዒቶም ብዙሕ ኣይዛረቡን እዮም፣ ብዛዕባ ንጥፈታትን ጸገማትን መፍትሒታትን ምዝራብ እዮም ዚፈትዉ። ኪኽበሩ ድማ እዮም ዚደልዩ።

5 ኣብ ብሪጣንያ እትነብር ሓንቲ ሓብቲ፡ “ሰብኣየይ ዘረባይ ክሳዕ ዝውድእ ኣብ ክንዲ ዚሰምዓኒ፡ ንጸገማት ቀልጢፉ ኺፈትሖ እዩ ዚደሊ። እዚ ኸኣ የበሳጭወኒ እዩ፣ ኣነ ዝደሊ ‘ሻህን ርሕራሐን’ እዩ” በለት። ሓደ ሰብኣይ ድማ፡ “ኣነን ሰበይተይን ኣብ እተመርዓናሉ እዋን፡ ንዝዀነ ይኹን ዜጋጥማ ጸገም ቅልጡፍ ፍታሕ ክረኽበሉ እጽዕር ነበርኩ። ጸኒሐ ግና፡ ጽን ኢለ ኽሰምዓ ጥራይ ከም እትደሊ ፈለጥኩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ምሳ. 18:13፣ ያእ. 1:19) ኣስተውዓሊ ሰብኣይ፡ ንሰበይቱ ስምዒታ ይርድኣላን ነቲ ስምዒታ ኣብ ግምት ብምእታው ኣቀራርባኡ ይቐያይርን እዩ። ሓሳባታን ስምዒታታን ከም ዜገድሶ ድማ የረጋግጸላ እዩ። (1 ጴጥ. 3:7) ንሳ ድማ ንኣረኣእያኡ ኽትርድኣሉ ትጽዕር እያ። ሰብኣይን ሰበይትን ንቕዱስ ጽሑፋዊ ግዲኦም ዚርድእዎን ዚትግብርዎን እንተ ዀይኖም፡ ሓዳሮም ድልዱል እዩ ዚኸውን። ብሓባር ኰይኖም ከኣ ጥበባውን ሚዛናውን ውሳነ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም።

6, 7. (ሀ) እቲ ኣብ መክብብ 3:7 ዚርከብ ስርዓት ንመጻምድቲ ኺሕግዞም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ሰበይቲ ምስትውዓል ከተርኢ እትኽእል ብኸመይ እያ፧ ሰብኣይከ እንታይ ጻዕሪ እዩ ኺገብር ዘለዎ፧

6 ኣስተውዓልቲ ዝዀኑ መጻምድቲ፡ ‘ስቕ ንምባል ጊዜ ኸም ዘለዎ፡ ንምዝራብ ድማ ጊዜ ኸም ዘለዎ’ ይፈልጡ እዮም። (መክ. 3:1, 7) ካብ እትምርዖ ዓሰርተ ዓመት ዝገበረት ሓንቲ ሓብቲ፡ “ገሊኡ ጕዳያት ኪለዓለሉ ዘይግባእ እዋን ከም ዘሎ እተረድኣኒ፡ ሕጂ እዩ። ሰብኣየይ ስራሕ ወይ ካልእ ሓላፍነት እንተ በዚሕዎ፡ ገለ እዋን ጸኒሐ እየ ነቲ ጕዳይ ዜበግሰሉ። ከምኡ ኽገብር ከለኹ፡ ዕላልና ጽቡቕ እዩ ዚኸውን” በለት። ኣስተውዓልቲ ኣንስቲ፡ “ብግቡእ ጊዜ እተዘርበ [ጽቡቕ] ቃል፡” ዚስሕብን ዚፍቶን ምዃኑ ስለ ዚግንዘባ፡ ብለውሃት እየን ዚዛረባ።ምሳሌ 25:11 ኣንብብ።

ኣብ ሓዳር፡ ንእሽቶ ዚመስል ነገራት፡ ዓብዪ ጽልዋ ኣለዎ

7 ክርስትያን ሰብኣይ እውን እንተ ዀነ፡ ንሰበይቱ ብምስማዕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ስምዒቱ ብንጹር ብምግላጽ እውን ግዲኡ ኺገብር ኣለዎ። ካብ ዚምርዖ 27 ዓመት ዝገበረ ሓደ ሽማግለ፡ “ንሰበይተይ ናይ ውሽጢ ልበይ ኣውጺአ ንኽዛረባ ገና ኽጽዕር ኣሎኒ” በለ። ካብ ዚምርዖ 24 ዓመት ዝገበረ ሓደ ሓው እውን፡ “‘ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ እንተ ዘይተዛሪበ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ኺርሳዕ እዩ’ ኢለ ስለ ዝሓስብ፡ ንዅሉ ነገራት ኣብ ውሽጠይ እየ ዝሕዞ ነይረ። ሕጂ ግና፡ ብዛዕባ ዚስምዓኒ ነገራት ምዝራብ፡ ምልክት ድኽመት ከም ዘይኰነ ተገንዚበ እየ። ብዛዕባ ስምዒተይ ምዝራብ ኪኸብደኒ ኸሎ፡ ግቡእ ቃላትን ብግቡእ መገድን ምእንቲ ኽዛረብ፡ እጽሊ። ድሕሪኡ፡ ክዛረብ እጅምር” በለ። ሰብ ሓዳር፡ ብሓባር ኰይኖም ጥቕሲ ዕለት ወይ መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብቡ ኸለዉ ምዝርራቦም፡ ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

8. ክርስትያን መጻምድቲ፡ ንሓዳሮም ዕዉት ንኺገብርዎ ዚድርኾም እንታይ እዩ፧

8 ሰብ ሓዳር፡ ኪጽልዩን ነቲ ናይ ምዝርራብ ክእለቶም ንኼመሓይሽዎ ሓያል ባህጊ ኼሕድሩን ኣለዎም። ነቲ ኣቐዲሞም ዚስዕብዎ ዝነበሩ መገዲ ምሕዳግ ኪኸብዶም ከም ዚኽእል ፍሉጥ እዩ። ኰይኑ ግና፡ እቶም መጻምድቲ ንየሆዋ ዜፍቅርዎን መንፈሱ ንኺህቦም ዚሓትትዎን ንሓዳሮም ከም ቅዱስ ገይሮም ዚርእይዎን እንተ ዀይኖም፡ ለውጢ ንኺገብሩ ኺድረኹ እዮም። ካብ እትምርዖ 26 ዓመት ዝገበረት ሓንቲ ሰበይቲ፡ “ኣነን ሰብኣየይን ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ሓዳር ዘለዎ ኣረኣእያ ኣርዚንና ስለ እንርእዮ፡ ንኽንፈላለ ኢልና እውን ሓሲብና ኣይንፈልጥን ኢና። እዚ ኸኣ ንጸገማት ብልዝብ ንምፍታሕ ከም እንጽዕር ገይሩና እዩ” ኢላ ጸሓፈት። ከምዚ ዝበለ ተኣማንነትን ኣምላኻዊ ተወፋይነትን ንኣምላኽ የሐጕሶ እዩ፣ ንሱ ድማ ኣብዚሑ ኺባርኸና እዩ።—መዝ. 127:1

ብፍቕሪ እናዓበኻ ኺድ

9, 10. ሰብ ሓዳር ንማእሰር ፍቕሮም ኬደልድልዎ ዚኽእሉ በየናይ ተግባራዊ መገድታት እዩ፧

9 እታ “ፍጽምቲ ማእሰር ሓድነት” ዝዀነት ፍቕሪ፡ ኣብ ሓዳር ኣዝያ ኣገዳሲት ባህርይ እያ። (ቈሎ. 3:14) እሙናት ሰብ ሓዳር ብሓደ ዀይኖም ሓጐስን ጸገማትን ኬሕልፉ ኸለዉ፡ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ትዓቢ እያ። ሽዑ እቶም መጻምድቲ፡ ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ይዀኑ፡ ንርክቦም ከኣ ኣኽቢሮም ይርእይዎ። ከምዚ ዝበለ ሓዳር፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዚርአ፡ ጸጸኒሑ ብዚግበር ዓብዪ ተግባራት ጥራይ ኣይኰነን ዚድልድል፣ የግዳስ፡ በቲ ማእለያ ዘይብሉ ንእሽቶ ተግባራት፡ ማለት ብምሕቋፍ፡ ብለውሃት ብምዝራብ፡ ሓልዮት ዚንጸባረቖ ነገር ብምግባር፡ ፍሽኽ ብምባል፡ ወይ ከኣ ንመጻምድትኻ ኸመይ ከም ዝወዓለ ኻብ ልቢ ብምሕታት እውን ይድልድል እዩ። እዚ ንእሽቶ ዚመስል ተግባራት፡ ኣብ ሓዳር ዓብዪ ጽልዋ እዩ ዘለዎ። ካብ ዚምርዓዉ 19 ዓመት ዝገበሩ ሕጉሳት ሰብ ሓዳር፡ መዓልታዊ ንጥፈታቶም እናገበሩ ኸለዉ፡ ከመይ ከም ዘለዉ ንምፍላጥ፡ ንሓድሕዶም ከም ዚደዋወሉ ወይ ብሞባይል መልእኽቲ ኸም ዚጸሓሓፉ ገለጹ።

10 ፍቕሪ፡ ሰብ ሓዳር ብዛዕባ ንሓድሕዶም ብዝያዳ ንኺፈልጡ ትድርኾም እያ። (ፊል. 2:4) እዚ ኸኣ፡ ዘይፍጹማት ክነሶም፡ ፍቕሮም ከም እትዓቢ ይገብር እዩ። ዕዉት ሓዳር ዚብሃል፡ እቲ ዕቤት ዘይገብር ዘይኰነስ፡ እቲ በብእዋኑ እናዓበየን እናደልደለን ዚኸይድ እዩ። ስለዚ፡ ምርዑው እንተ ዄንካ፡ ‘ንመጻምድተይ ክሳዕ ክንደይ እየ ዝፈልጦ፧ ንስምዒቱን ንሓሳባቱን እርድኣሉ ድየ፧ ክሳዕ ክንደይ እየ ብዛዕባ መጻምድተይ፡ ምናልባት እውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ፈለማ ናብኡ ዝሰሓበኒ ባህርይ ዝሓስብ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ።

ኣኽብሮት ኣርኢ

11. ሓዳር ዕዉት ምእንቲ ኪኸውን ኣኽብሮት ዜድሊ ስለምንታይ እዩ፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

11 እቲ ሕጉስ ዚብሃል ሓዳር፡ ፍጹም እዩ ማለት ኣይኰነን፣ ከመይሲ፡ ዚፋቐሩ መጻምድቲ እውን እንተ ዀኑ፡ ሓድሓደ ግዜ ኸይሰማምዑ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ኣብርሃምን ሳራን ዘይተሰማምዑሉ እዋን ነይሩ እዩ። (ዘፍ. 21:9-11) እዚ ግና ንርክቦም ኣየበላሸዎን። ስለምንታይ፧ ንሓድሕዶም ይከባበሩ ስለ ዝነበሩ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብርሃም ንሳራ፡ “በጃኺ” ይብላ ነበረ። (ዘፍ. 12:11, 13) ንሳ እውን ንኣብርሃም ትእዘዞን ከም ‘ጐይታኣ’ ገይራ ትርእዮን ነበረት። (ዘፍ. 18:12) ሰብ ሓዳር ንሓድሕዶም ዘይከባበሩ ምዃኖም ኣብ ኣዘራርባኦም ወይ ቃና ድምጾም ይፍለጥ እዩ። (ምሳ. 12:18) ነቲ ዘለዎም ጸገማት ኪፈትሕዎ እንተ ዘይጽዒሮም፡ ሓዳሮም ንፋስ ኪኣትዎ ይኽእል እዩ።ያእቆብ 3:7-10, 17, 18 ኣንብብ።

12. ብፍላይ ሓደስቲ መርዑ፡ ብኣኽብሮት ንምዝራብ ኪጽዕሩ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

12 ብፍላይ ሓደስቲ መርዑ፡ ብሕያውነትን ብኣኽብሮትን ንምዝራብ ኪጽዕሩ ኣለዎም፣ ከምኡ እንተ ገይሮም፡ ብናጽነትን ብቕንዕናን ሓሳብ ንሓሳብ ኪለዋወጡ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ሰብኣይ ተዘክሮኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “እታ ናይ መጀመርታ ዓመት እተሐጕስ እኳ እንተ ዀነት፡ ሓድሓደ ግዜ ግና እተበሳጩ ኽትከውን ትኽእል እያ። ኣብ ፈለማ ንስምዒታትን ንልምድታትን ሰበይትኻ ዀነ ነቲ ዜድልያ ነገራት ስለ ዘይትርድኦ፡ ንሳ እውን ነቲ ናትካ ስለ ዘይትርድኦ፡ ክትጽገም ትኽእል ኢኻ። ይኹን እምበር፡ ሚዛናውን ተዋዛዪን እንተ ዄንካ፡ ትሕትናን ትዕግስትን እንተ ኣልዩካ፡ ኣብ የሆዋ ድማ ትውከል እንተ ዄንካ፡ ንኽልቴኹም ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ” በለ። እዝስ ክሳዕ ክንደይ ሓቂ ዀን እዩ!

ናይ ሓቂ ትሕትና ኣርኢ

13. ሓዳርካ ጥዑይን ሕጉስን ንኪኸውን ትሕትና ኣገዳሲት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧

13 ጽቡቕ ጌርካ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ህድእ ኢሉ ዚፈስስ ማይ እዩ። ‘ትሕትና’ ኸኣ፡ እቲ ኸም ማይ ዝዀነ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መስርሕ ብቐጻሊ ኸም ዚፈስስ ኣብ ምግባር ዓብዪ እጃም ኣለዋ። (1 ጴጥ. 3:8) ካብ ዚምርዖ 11 ዓመት ዝገበረ ሓደ ሓው፡ “ትሕትና፡ ‘ይቕረታ’ ንኽትብል ስለ እትድርኸካ፡ ንጸገማት ብቕልጡፍ ኣብ ምፍታሕ ትሕግዝ እያ” በለ። ሕጉስ ሓዳር ካብ ዚምስርት 20 ዓመት ዝገበረ ሓደ ሽማግለ ኸኣ፡ “ሓድሓደ ግዜ፡ እታ ‘ይቕረታ’ እትብል ቃል፡ ካብ ‘አፍቅረካ እየ’ ምባል ንላዕሊ ብዝያዳ ኣገዳሲት እያ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ትሕትና ንኸተርኢ ዚሕግዝ ቅልጡፍ መገዲ፡ ጸሎት እዩ። ኣነን ሰበይተይን ብሓባር ኴንና ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ኸለና፡ ብዛዕባ ዘይፍጽምናናን ብዛዕባ ጸጋ ኣምላኽን ንዘኻኸር ኢና። እዚ መዘኻኸሪ እዚ ኸኣ፡ ብዛዕባ እቲ ዅነታት ሚዛናዊ ኣረኣእያ ንኺህልወኒ ይሕግዘኒ እዩ” በለ።

ኣዘውቲርካ ጽቡቕ ጌርካ ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋወጥ

14. ትዕቢት ንሓዳር ኪጐድኦ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

14 ብኣንጻሩ ግና፡ ትዕቢት፡ ሰላም እዩ ዚዘርግ። ነቲ ይቕረታ ንኽትሓትት ዜድሊ ባህግን ትብዓትን ስለ ዜጥፍኦ፡ ነቲ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መስመር ይበትኮ እዩ። ዕቡይ ሰብ፡ ኣብ ክንዲ ‘ይቕረታ፣ በጃኻ ኣይትሓዘለይ’ ዚብል፡ መመኽነይታታት እዩ ዜብዝሕ። ነቲ ዘለዎ ድኽመት ኣሜን ኢሉ ኣብ ክንዲ ዚቕበሎ፡ ብዛዕባ ድኽመት ካልኦት ይዛረብ። ኪጕዳእ ከሎ፡ ደድሕሪ ሰላም ኣብ ክንዲ ዚስዕብ፡ ይዅሪ፣ ምናልባት እውን ሻሕካር ቃላት ብምዝራብ ወይ ብምስጕዳም ሕነ ኺፈዲ ይፍትን። (መክ. 7:9) እወ፡ ትዕቢት ንሓዳር ሓደገኛ እዩ። ነቲ፡ “ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም” ዚብል ምኽሪ ኽንዝክሮ ጽቡቕ እዩ።—ያእ. 4:6

15. ሰብ ሓዳር ጸገማት ኬጋጥሞም ከሎ፡ ነቲ ኣብ ኤፌሶን 4:26, 27 ዚርከብ ስርዓት ምትግባሮም ኪሕግዞም ዚኽእል ብኸመይ ምዃኑ ግለጽ።

15 ትዕቢት ፈጺሙ ኣይነትጕን እዩ ኢልካ ምሕሳብ ዕሽነት እዩ። ስለዚ፡ ብኣጋኡ ኸነለልዮን ቅልጡፍ ስጕምቲ ኽንወስድን ኣሎና። ጳውሎስ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ፡ “ተቘጢዕኩም ከለኹም፡ ጸሓይ ኣይትዕረብኩም፣ ንድያብሎስ እውን ኣጋጣሚ ኣይትሃብዎ” ኢልዎም ነበረ። (ኤፌ. 4:26, 27) ንቓል ኣምላኽ ዘይምስማዕ፡ ናብ ዘየድሊ ጓሂ እዩ ዚመርሕ። ሓንቲ ሓብቲ፡ “ሓድሓደ ግዜ፡ ኣነን ሰብኣየይን ንኤፌሶን 4:26, 27 ኣብ ግብሪ ስለ ዘየውዓልናያ፡ ተካል ለይቲ ዝሓደርናሉ እዋናት ነይሩ እዩ” ብምባል ጓሂኣ ገለጸት። ብኣንጻሩ ግና፡ ውዓል ሕደር ከይበልካ ንጸገማትካ ኣብ ምፍታሕ ዘተኰረ ምይይጥ ምግባር ጠቓሚ እዩ። ሓቂ እዩ፡ ሰብ ሓዳር ንመጻምድቶም፡ ህድእ ክሳዕ ዚብል ኪጽበይዎ የድልዮም ይኸውን። ብዘይካዚ፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ምእንቲ ኺህልወካ፡ ናብ የሆዋ ምጽላይ ሓጋዚ እዩ። ከምኡ ምግባር፡ እቲ ዅነታት እናገደደ እንተ ኸይዱ፡ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ጸገም ንኸተተኵር ዚሕግዝ ትሕትና ዝመልኦ መንፈስ ከም ዚህልወካ እዩ ዚገብር።ቈሎሴ 3:12, 13 ኣንብብ።

16. ትሕትና ንሰብ ሓዳር፡ ብዛዕባ ብርታዐኦምን ብዛዕባ ብርታዐ መጻምድቶምን ሚዛናዊ ኣረኣእያ ንኺህልዎም እትሕግዞም ብኸመይ እያ፧

16 ትሕትና ንሓደ ምርዑው ሰብ፡ ኣብ ብርታዐ መጻምድቱ ንኼተኵር ትሕግዞ እያ። ነዚ ብምሳሌ ንምርዳእ፦ ሓንቲ ሰበይቲ ንስድራ ቤታ ዚጠቅም ፍሉይ ክእለት ይህልዋ ይኸውን። ሰብኣያ ትሑት እንተ ዀይኑ፡ ንሳ ስለ ዝበለጸቶ ኣይስምዖን እዩ፣ የግዳስ፡ ንኽእለታ ኽትጥቀመሉ ብምትብባዕ፡ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእያ ኼርኢ ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 31:10, 28፣ ኤፌሶን 5:28, 29) ትሕትቲ ሰበይቲ ድማ፡ ጸብለል ኢላ ኽትርአ ኣይትፍትንን ወይ ንሰብኣያ ኣይተቃልሎን እያ። ክልቲኦም “ሓደ ስጋ” ስለ ዝዀኑ፡ ናይቲ ሓደ መጻምድቲ ጕድኣት፡ ናይ ክልቲኦም ጕድኣት እዩ።—ማቴ. 19:4, 5

17. ሎሚ ዘሎ ሓዳር ዜሐጕስን ንኣምላኽ ውዳሰ ዜምጽእን ንኪኸውን እንታይ ኪሕግዝ ይኽእል፧

17 ሓዳርካ ልክዕ ከም ናይ ኣብርሃምን ሳራን ወይ ከኣ ልክዕ ከም ናይ ይስሃቅን ርብቃን፡ ዜሐጕስን ነባርን ንየሆዋ ውዳሰ ዜምጽእን ኪዀነልካ ኸም እትደሊ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ከምኡ ኪዀነልካ እንተ ደሊኻ፡ ከምቲ ኣምላኽ ንሓዳር ዘለዎ ዓይነት ኣረኣእያ ይሃሉኻ። ምስትውዓል ኰነ ጥበብ ምእንቲ ኽትረክብ፡ ንቓል ኣምላኽ መርምሮ። ብዛዕባ መጻምድትኻ ብሞሳ ብምሕሳብ፡ ነታ “ሃልሃልታ እግዚኣብሄር” ዝዀነት ናይ ሓቂ ፍቕሪ ዀስኵሳ። (መሃ. 8:6) ትሕትና ኸተማዕብል ጽዓር። ንመጻምድትኻ ብኣኽብሮት ርኣዮ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ሓዳርካ ንዓኻን ንሰማያዊ ኣቦኻን ሓጐስ ኬምጽኣልኩም እዩ። (ምሳ. 27:11) ምስቲ ኻብ ዚምርዖ 27 ዓመት ዝገበረ ሰብኣይ ዝበሎ ትሰማማዕ ትኸውን ኢኻ፣ ንሱ፡ “ብዘይ ሰበይተይ ክነብር ዝኽእል ኣይመስለንን። ሓዳርና በብመዓልቱ እዩ እናደልደለ ዚኸይድ ዘሎ። ከምኡ ኪኸውን ዝኸኣለ፡ ንየሆዋን ስለ እነፍቅሮን ኣዘውቲርና ሓሳብ ንሓሳብ ስለ እንለዋወጥን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።