ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣቱም ወለድን ውሉዳትን፡ ብፍቕሪ ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋወጡ

ኣቱም ወለድን ውሉዳትን፡ ብፍቕሪ ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋወጡ

“ኵሉ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ፡ ንቝጥዓ ደንጓዪ ይኹን።”—ያእ. 1:19

1, 2. ወለድን ውሉዳትን ንሓድሕዶም እንታይ ስምዒት እዩ ዘለዎም፧ ሓድሓደ ግዜ ግና እንታይ ጸገማት እዩ ዜጋጥሞም፧

“ወለድኻ ጽባሕ ከም ዚሞቱ ብገለ መገዲ እንተ ትፈልጥ፡ ሎሚ እንታይ ክትብሎም ትደሊ፧” ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ንዚነብሩ ብኣማእታት ዚቝጸሩ ቘልዑ፡ እዛ ኣብ ላዕሊ ዘላ ሕቶ ቐረበትሎም። ኣስታት 95 ሚእታዊት ዝዀኑ ድማ፡ ኣብቲ ቕድሚኡ ዜጨንቖም ዝነበረ ምስ ወለዶም ዝነበሮም ጸገማትን ፍልልያትን ኬተኵሩ ኸም ዘይደልዩ፡ የግዳስ “ይቕረታ” ኸምኡውን “ኣዝየ እፈትወኩም እየ” ኺብልዎም ከም ዚደልዩ ገለጹ።—ፎር ፓረንትስ ኦንሊ (ንወለዲ ጥራይ)፡ ብሾንቲ ፈልድሃንን ሊሳ ራይስን።

2 ብሓፈሻኡ፡ ውሉዳት ንወለዶም፡ ወለዲ እውን ንውሉዳቶም ይፈትውዎም እዮም። ብፍላይ ኣብ ክርስትያናዊት ስድራ ቤት ከምኡ እዩ። ወለድን ውሉዳትን ንሓድሕዶም ኪቀራረቡ እኳ እንተ ደለዩ፡ ሓድሓደ ግዜ ግና ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ የሸግሮም እዩ። ወለድን ውሉዳትን ብዛዕባ ገሊኡ ጕዳያት ብጋህዲ ይዘራረቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ ንገሊኡ ጕዳያት ፈጺሞም ዘይዘራረቡሉ ስለምንታይ እዮም፧ ጽቡቕ ገይሮም ሓሳብ ንሓሳብ ንኸይለዋወጡ ኺዓግቶም ዚኽእል ዕንቅፋታት እንታይ እዩ፧ ነዚኸ ብኸመይ ኪዋጽኡሉ ይኽእሉ፧

ኣቓልቦ ዚሰርቕ ነገራትን ንበይንኻ ምፍላይን፡ ምስ ስድራ ቤትካ ሓሳብ ንሓሳብ ንኸይትለዋወጥ ኪዓግተካ ኣይትፍቀድ

ሓሳብ ንሓሳብ ንምልውዋጥ ዜኽእል ግዜ ‘ዓድግ’

3. (ሀ) ብዙሓት ስድራ ቤታት፡ ጽቡቕ ገይረን ሓሳብ ንሓሳብ ኪለዋወጣ ዜጸግመን ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበራ ስድራ ቤታት፡ ብሓባር ግዜ ኼሕልፋ ዘይጽገማ ዝነበራ ስለምንታይ እየን፧

3 ሎሚ ዘለዋ ብዙሓት ስድራ ቤታት፡ ትርጕም ብዘለዎ መገዲ ሓሳብ ንሓሳብ ንኺለዋወጣ ዜኽእለን ግዜ ምርካብ የጸግመን እዩ። ብግዜ እስራኤላውያን ግና ከምኡ ኣይነበረን። ሙሴ ንእስራኤላውያን ኣቦታት፡ “ንደቅኻ [ቓል ኣምላኽ] ምሀሮም፡ ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ” ኢሉ መምርሒ ሂብዎም ነበረ። (ዘዳ. 6:6, 7) ቈልዑ ኣብ ቤት ምስ ኣዲኦም፡ ኣብ በረኻ ወይ ኣብ ቤት ዕዮ ኸኣ ምስ ኣቦኦም እዮም ዚውዕሉ ነይሮም። ወለድን ውሉዳትን ድማ ብሓባር ኰይኖም ንኼዕልሉ ዜኽእሎም ብዙሕ ግዜ ነበሮም። በዚ ኸምዚ፡ ወለዲ ነቲ ንደቆም ዜድልዮም ነገራት ከምኡውን ንባህግታትን ንባህርያትን ደቆም ኪፈልጡ ይኽእሉ ነበሩ። ውሉዳት እውን ንወለዶም ብዝያዳ ንኺፈልጥዎም ዜኽእሎም እኹል ግዜን ኣጋጣምን ይረኽቡ ነበሩ።

4. ሎሚ ዘለዋ ብዙሓት ስድራ ቤታት ሓሳብ ንሓሳብ ዘይለዋወጣ ስለምንታይ እየን፧

4 ይኹን እምበር፡ ሎሚ ዘሎ ህይወት እተፈልየ እዩ። ኣብ ገሊኡ ሃገራት፡ ቈልዑ ገና ንኣሽቱ ኸለዉ፡ ሓድሓደ ግዜ እሞ ኸኣ ገና ደቂ ኽልተ ዓመት ከለዉ እዮም ትምህርቲ ዚጅምሩ። ብዙሓት ኣቦታትን ኣዴታትን ድማ፡ ኣብ ስራሕ እዮም ዚውዕሉ። እታ ወለዲ ምስ ደቆም ዚዀኑላ ሓጻር ግዜ ኸኣ፡ ብኮምፕዩተርን ብተለቪዥንን ብኻልእ ኤለክትሮኒካዊ ኣቕሑን ትተሓዝ። ወለድን ውሉዳትን፡ ኣብ ሓደ ቤት ዚነብሩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ልክዕ ከምዛ ዘይፋለጡ እዮም ዚነብሩ ኺብሃል ይከኣል እዩ። ትርጕም ዘለዎ ዕላል ዳርጋ ኣየዕልሉን እዮም።

5, 6. ገሊኦም ወለዲ ምስ ደቆም ዝያዳ ግዜ ንኼሕልፉ ዜኽእሎም ግዜ ‘ዚዕድጉ’ ብኸመይ እዮም፧

5 ምስ ስድራ ቤትካ ዝያዳ ግዜ ምእንቲ ኸተሕልፍ፡ ካብ ካልእ ነገራት ግዜ ‘ኽትዕድግ’ ትኽእልዶ፧ (ኤፌሶን 5:15, 16 ኣንብብ።) ገሊአን ስድራ ቤታት፡ ነቲ ተለቪዥን ኣብ ምርኣይ ወይ ኮምፕዩተር ኣብ ምጥቃም ዜሕልፋኦ ግዜ ኺንክያኦ ተሰማሚዐን እየን። ገሊኣተን ከኣ እንተ ወሓደ ኣብ መዓልቲ ሓንሳእ ብሓባር ኪምገባ ይጽዕራ እየን። እታ ኣምልኾ ስድራ ቤት እትግበረላ ምሸት እውን፡ ንወለድን ንውሉዳትን ተቀራርቦም እያ፣ ህድእ ኢሎም ብዛዕባ መንፈሳዊ ጕዳያት ንኺዘራረቡ እውን ኣጋጣሚ ትኸፍተሎም እያ። ኣብ ሰሙን ሓንሳእ ኣምልኾ ስድራ ቤት ንምግባር ሓደ ሰዓት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ምምዳብ ጽቡቕ እኳ እንተ ዀነ፡ ትርጕም ዘለዎ ዕላል ንምዕላል ግና ካብኡ ንላዕሊ ኽትገብር ኣሎካ። ኣዘውቲርካን ብተደጋጋምን ሓሳብ ንሓሳብ ክትለዋወጥ ኣሎካ። ውሉድካ ናብ ቤት ትምህርቲ ቕድሚ ምኻዱ፡ ዜተባብዕ ነገር ክትነግሮ፡ ብዛዕባ ጥቕሲ ዕለት ክትመያየጥ፡ ወይ ከኣ ምስኡ ዄንካ ኽትጽሊ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ውሉድካ ሰናይ መዓልቲ ኺውዕል እዩ።

6 ገሊኦም ወለዲ፡ ምስ ውሉዳቶም ዝያዳ ግዜ ምእንቲ ኼሕልፉ፡ ኣብ ናብራኦም ለውጢ ገይሮም እዮም። ንኣብነት፡ እታ ኣደ ኽልተ ቘልዑ ዝዀነት ሎራ፡ * ነቲ ናይ ምሉእ ግዜ ስራሓ ኣቋረጸቶ። ከምዚ ድማ በለት፦ “ንግሆ ንግሆ፡ ኵላትና ናብ ስራሕ ወይ ናብ ቤት ትምህርቲ ንምኻድ ንጓየ ነበርና። ምሸት ናብ ቤተይ ክምለስ ከለኹ ኸኣ፡ ኣላዪት ቈልዑ ንደቀይ ኣደቂሳቶም ትጸንሓኒ ነበረት። ስራሐይ ብምቍራጸይ፡ ብሒደት ገንዘብ ክንነብር እኳ እንተ ተገደድና፡ ሕጂ ግና ንሓሳባትን ንጸገማትን ደቀይ ክርድኦ ኽኢለ እየ። ኪጽልዩ ኸለዉ እንታይ ከም ዚብሉ ስለ ዝሰምዖም፡ ክመርሖምን ከተባብዖምን ክምህሮምን እኽእል እየ።”

“ንምስማዕ ቅልጡፍ” ኩን

7. ሓደ ኻብቲ እተለምደ ንወለድን ንውሉዳትን ዜማርሮም ነገር እንታይ እዩ፧

7 ደረስቲ እታ ፎር ፓረንትስ ኦንሊ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ምስ መንእሰያት ብዙሕ ቃለ መጠይቕ ምስ ገበሩ፡ ሓሳብ ንሓሳብ ንኸይትለዋወጥ ዚዓግት ካልእ ዕንቅፋት ከም ዘሎ ተገንዘቡ። ብዛዕባ እዚ ኺገልጹ ኸለዉ ድማ፡ “ሓደ ኻብቲ ቐንድን እተለምደን ንመንእሰያት ዜማርሮም ነገር፡ ‘ወለድና ኣይሰምዑን እዮም’ ዚብል እዩ” በሉ። ኰይኑ ግና፡ እቶም ውሉዳት ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ወለዲ እውን ከምኡ ይብሉ እዮም። ስለዚ፡ ኣባላት ስድራ ቤት፡ ብግህዶ ሓሳብ ንሓሳብ ምእንቲ ኺለዋወጡ፡ ጽን ኢሎም ኪሰምዑ ኣለዎም።ያእቆብ 1:19 ኣንብብ።

8. ወለዲ ንደቆም ብሓቂ ጽን ኢሎም ኪሰምዕዎም ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

8 ኣቱም ወለዲ፡ ብሓቂዶ ንደቅኹም ጽን ኢልኩም ትሰምዕዎም ኢኹም፧ ክትደክም ከለኻ ወይ ከኣ እቲ ዕላል ዘይረብሕ ኰይኑ ኺስምዓካ ኸሎ፡ ምስማዕ ኪኸብደካ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ንዓኻ ዘይረብሕ ኰይኑ እተሰምዓካ ነገራት፡ ንውሉድካ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ‘ንምስማዕ ቅልጡፍ’ ምዃን ኪብሃል ከሎ፡ ነቲ ውሉድካ ዚብሎ ምስማዕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ዚዛረበሉ መገዲ ምስትብሃል እውን ዜጠቓልል እዩ። ቃና ድምጽን ኣካላዊ ምንቅስቓስን፡ ሓደ መንእሰይ እንታይ ከም እተሰምዖ ይሕብር እዩ። ሕቶታት ምሕታት እውን ኣገዳሲ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምኽሪ ኣብ ልቢ ሰብ ከም ጥልቂ ማይ እዩ፡ ብዓል ኣእምሮ ግና ይቐድሖ” ይብል። (ምሳ. 20:5) ብፍላይ ንደቅኻ ብዛዕባ ተነቃፊ ዝዀነ ጕዳያት ንኺዛረቡ ኸተተባብዖም ከለኻ፡ ብዓል ኣእምሮ ምዃን ወይ ምስትውዓል ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

9. ውሉዳት ንወለዶም ኪሰምዕዎም ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧

9 ኣቱም ውሉዳት፡ ንወለድኹም ትእዘዝዎም ዲኹም፧ ቃል ኣምላኽ፡ “ንተግሳጽ ኣቦኻ ስምዓዮ፡ ንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ ኣይትሕደጎ” እዩ ዚብል። (ምሳ. 1:8, 9) ወለድኻ ስለ ዚፈትዉኻን ስለ ዚሓልዩልካን፡ ክትሰምዖምን ክትእዘዞምን ኣሎካ። (ኤፌ. 6:1) ምስ ወለድኻ ጽቡቕ ጌርካ ሓሳብ ንሓሳብ ትለዋወጥ እንተ ዄንካ፡ ከም እትፍቶ ድማ ትፈልጥ እንተ ዄንካ፡ ንኽትእዘዞም ዝቐለለ ኪዀነልካ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ገሊኡ ነገራት እንታይ ከም ዚስምዓካ ንወለድኻ ንገሮም። እዚ ኸኣ ንኺርድኡኻ ኺሕግዞም እዩ። ንስኻ እውን እንተ ዀንካ፡ ንወለድኻ ኽትርድኦም ፈትን።

10. ካብቲ ብዛዕባ የሮብዓም ዚገልጽ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ንምሃር፧

10 ነቲ ኻብ መሳቱኻ ዝዀኑ መንእሰያት ዚመጽእ ምኽሪ ኽትጥንቀቐሉ ኣሎካ። ክትሰምዖ እትደሊ ነገር እኳ እንተ ነገሩኻ፡ ምኽሮም ግና ሓጋዚ ኸይከውን ይኽእል እዩ። አረ ኺጐድኣካ እውን ይኽእል እዩ። መብዛሕትኦም መንእሰያት ከም ናይ ዓበይቲ ሰባት ጥበብን ተመክሮን ስለ ዘይብሎም፡ ኣርሒቖም ኪሓስቡ ኣይክእሉን እዮም፣ ንሳዕቤን ገሊኡ ስጕምትታት እውን ኣይግንዘብዎን ይዀኑ። ነቲ የሮብዓም ወዲ ንጉስ ሰሎሞን ዝገበሮ ዘክር። ኣብ እስራኤል ንጉስ ምስ ኰነ፡ ንምኽሪ እቶም ዓበይቲ ሰባት ኣብ ክንዲ ዚሰምዕ፡ ነቲ እቶም መተዓብይቱ ዝዀኑ መንእሰያት ዝሃብዎ ዕሽነት ዝመልኦ ምኽሪ ሰዓበ። ከም ሳዕቤኑ ኸኣ፡ ደገፍ መብዛሕትኦም ተገዛእቱ ሰኣነ። (1 ነገ. 12:1-17) ንስኻ እውን፡ ነቲ የሮብዓም ዝኸደሉ ዘይጥበባዊ መገዲ ኣብ ክንዲ እትስዕብ፡ ምስ ወለድኻ ብግህዶ ሓሳብ ንሓሳብ ክትለዋወጥ ጽዓር። ሓሳብካ ንገሮም። ካብቲ ዚህቡኻ ምኽሪ ጥቕሚ ርኸብ፣ ካብ ጥበቦም ከኣ ተምሃር።—ምሳ. 13:20

11. ወለዲ ተቐረብቲ እንተ ዘይኰይኖም፡ እንታይ እዩ ኼጋጥም ዚኽእል፧

11 ኣቱም ወለዲ፡ ውሉዳትኩም ንመሳቱኦም ኬማኽርዎም ዘይትደልዩ እንተ ዄንኩም፡ ተቐረብቲ ኹኑ። ሓንቲ ጐርዞ ዝዀነት ሓብቲ፡ “ከም ገለ ኢለ ስም ሓደ ወዲ እንተ ጠቒሰ፡ ወለደይ ባህ ኣይብሎምን እዩ። ሽዑ ኣነ እውን ባህ ስለ ዘይብለኒ፡ ዘረባይ ኣይቅጽልን እየ” ኢላ ጸሓፈት። ካልእ መንእሰይ ዝዀነት ሓብቲ ድማ፡ “ብዙሓት መንእሰያት፡ ምኽሪ ወለዶም ይደልዩ እዮም፣ ወለዶም ኣቓልቦ ዘይገብሩሎም እንተ ዀይኖም ግና፡ ናብቶም ኣቓልቦ ዚገብሩሎም ግናኸ ተመክሮ ዘይብሎም ሰባት እዮም ዚኸዱ” ኢላ ጸሓፈት። ውሉድካ ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ጕዳይ ኪዛረበካ ኸሎ ብድንጋጽ ትሰምዖ እንተ ዄንካ፡ ናይ ልቡ ኣውጺኡ ኺዛረበካን ንመምርሒኻ ኪቕበሎን እዩ።

“ንምዝራብ ደንጓዪ” ኹን

12. ወለዲ ዚህብዎ ምላሽ፡ ሓሳብ ንሓሳብ ንኸይትለዋወጥ ኪዓግት ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

12 ወለዲ ነቲ ውሉዳቶም ዚነግርዎም ነገራት ብስምዒትን ብኣሉታዊ መገድን ምላሽ ዚህቡሉ እንተ ዀይኖም፡ ሓሳብ ንሓሳብ ንኸይለዋወጡ ዕንቅፋት ኪዀኖም ይኽእል እዩ። ሓቂ እዩ፡ ክርስትያን ወለዲ ንደቆም ኬዕቍብዎም ይደልዩ እዮም። እዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ብመንፈሳዊ ዀነ ብኻልእ ሓደጋታት ዝመልኣ እየን። (2 ጢሞ. 3:1-5) ይኹን እምበር፡ እቲ ወለዲ ኸም መዕቈቢ ገይሮም ዚሓስብዎ ነገራት፡ ንደቆም ቀያዲ ዀይኑ ኺስምዖም ይኽእል እዩ።

13. ወለዲ ተሃዊኾም ርእይቶኦም ንኸይህቡ ኺጥንቀቑ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

13 ወለዲ ተሃዊኾም ርእይቶኦም ከይህቡ ኺጥንቀቑ ኣለዎም። ሓቂ እዩ፡ ውሉድካ ዜጨንቕ ነገር ኪነግረካ ኸሎ ስቕ ኢልካ ምስማዕ፡ ኵሉ ሳዕ ቀሊል ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ ቅድሚ ምላሽ ምሃብካ፡ ጽን ኢልካ ኽትሰምዕ ኣሎካ። እቲ ጥበበኛ ዝነበረ ንጉስ ሰሎሞን፡ “ከይሰምዔ ምላሽ ዚህብ ሰብ ዕሽነትን ነውርን ይቝጸሮ” ኢሉ ጽሒፉ ነይሩ እዩ። (ምሳ. 18:13) ህድእ እንተ ኢልካ፡ ዝያዳ ሓበሬታ ኽትሰምዕ ኢኻ፣ ውሉድካ ድማ ዘረባኡ ኪቕጽል እዩ። ንውሉድካ ቕድሚ ምሕጋዝካ፡ ዘረባኡ ኸተወድኦ ኣሎካ። ከመይሲ፡ እቲ ንውሉድካ ብስምዒት ከም ዚዛረብ ዚገብሮ ዘሎ ነገር፡ ዜጨንቖ ጕዳይ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (እዮ. 6:1-3) ከም ፈቃር ወላዲ መጠን፡ ንእዝንኻ ተጠቒምካ ምስትውዓል ኣጥሪ፣ ብመልሓስካ ኸኣ ፈውስ።

14. ውሉዳት ንምዝራብ ደንጐይቲ ኪዀኑ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

14 ኣቱም ውሉዳት፡ ንስኻትኩም እውን ነቲ ወለድኹም ዚብልዎ ብኡብኡ ብዘይምቅዋም፡ ‘ንምዝራብ ደንጐይቲ’ ኹኑ፣ ከመይሲ፡ ኣምላኽ ንኼሰልጥኑኹም ሓላፍነት ሂብዎም እዩ። (ምሳ. 22:6) ንሳቶም እውን በቲ ንስኻትኩም ሕጂ እተሕልፍዎ ዘለኹም ኵነታት ሓሊፎም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ብዘይካዚ፡ እቲ መንእሰያት ከለዉ ዝገበርዎ ጌጋታት ስለ ዜጣዕሶም፡ ነቲ ንሳቶም ዝገበርዎ ጌጋ ንኸይትደግምዎ ኼዕቍቡኹም እዮም ዚደልዩ። ስለዚ፡ ንወለድኹም ከም ደገፍቲ ደኣ እምበር ከም ተጻረርቲ ጌርኩም ኣይትርኣይዎም፣ ከም መኸርቲ ደኣ እምበር ከም ጸላእቲ ጌርኩም ኣይትቝጸርዎም። (ምሳሌ 1:5 ኣንብብ።) ‘ኣቦኹምን ኣዴኹምን ኣኽብሩ፣’ ልክዕ ከምቲ ንሳቶም ዜፍቅሩኹም፡ ንስኻትኩም እውን ከም እተፍቅርዎም ኣርእዩ። እዚ ኸኣ ‘ብተግሳጽን ብምዕዶን የሆዋ ንኼዕብዩኹም’ ዝቐለለ ይዀነሎም።—ኤፌ. 6:2, 4

“ንዅራ ደንጓዪ” ኹን

15. ትዕግስትና ንኸይጽንቀቕን በቶም እነፍቅሮም ሰባት ንኸይንሓርቕን እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

15 ነቶም እነፍቅሮም ሰባት እንዕገሶም ኵሉ ሳዕ ኣይኰንናን። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ናብቶም ኣብ ቈሎሴ ዘለዉ ቕዱሳትን ምስ ክርስቶስ ብዘለዎም ሓድነት እሙናትን፡” ኪጽሕፍ ከሎ፡ “ኣቱም ሰብኡት፡ ንኣንስትኹም ኣፍቅርወን እምበር፡ ኣይትነድሩለን። ኣቱም ኣቦታት፡ ሕልናኦም ምእንቲ ኸይዓርቦም፡ ንውሉዳትኩም ኣይተሕርቕዎም” በለ። (ቈሎ. 1:1, 2፣ 3:19, 21) ንሰብ ኤፌሶን እውን፡ “ኵሉ ምረትን ቍጥዓን ነድርን ታዕታዕን ጸርፍን ኵሉ ኽፍኣትን ካባኻትኩም ይርሓቕ” ኢሉ መኸሮም። (ኤፌ. 4:31) ነተን መዳያት ፍረ መንፈስ ዝዀና ዓቕልን ልእመትን ርእሰ ግትኣትን ምዅስኳስና፡ ኣብ ኣጨናቒ ዅነታት ንኽንሃድእ ኪሕግዛና ይኽእላ እየን።—ገላ. 5:22, 23

16. የሱስ ንሃዋርያቱ ዝኣረሞም ብኸመይ እዩ፧ እዚ ዜደንቕ ዝነበረኸ ስለምንታይ እዩ፧

16 ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት እስከ ንርአ። ኣብታ ምስ ሃዋርያቱ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ድራር፡ ክሳዕ ክንደይ ተጨኒቑ ኸም ዝነበረ ኣብ ኣእምሮና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና። የሱስ፡ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ሰዓታት፡ ብዜሳቒ መገዲ ኸም ዚመውት ይፈልጥ ነበረ። ምቕዳስ ስም ኣቦኡን ድሕነት ደቂ ሰብን ኣብ ተኣማንነቱ እተመርኰሰ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ድራር እናተደርሩ ኸለዉ፡ “መኖም ዝዓበየ ኸም ዝዀነ . . . ኣብ መንጎኦም [ኣብ መንጎ እቶም ሃዋርያት] ብርቱዕ ክርክር ኰነ።” የሱስ ግና ኣይተቘጥዖምን ወይ መረረቱ ኣይገለጸን። የግዳስ፡ ብህድኣት ኬረድኦም ጀመረ። ኣብ ኣጸጋሚ እዋናት ምስኡ ኸም ዝጸንዑ ኣዘኻኸሮም። ዋላ እኳ ሰይጣን ከም ስርናይ ኪሓሕዮም እንተ ፈተነ፡ የሱስ ግና እሙናት ከም ዚዀኑ ብምትእምማን ገለጸሎም። ኪዳን እውን ኣተወሎም።—ሉቃ. 22:24-32

ንደቅኻ ጽን ኢልካ ትሰምዖም ዲኻ፧

17. ውሉዳት ህድእ ንኺብሉ እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧

17 ውሉዳት እውን ህዱኣት ኪዀኑ ኣለዎም። ብፍላይ ነቲ ኣብ ብጽሕና/ጕርዝውና ምስ በጽሑ ዚውሃቦም መምርሒ፡ ትውክልቲ ዘይግበረሎም ኰይኑ ኸም ዚስምዖም ኪገብር ይኽእል እዩ። ሓድሓደ ግዜ ኸምኡ ኺመስል ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ወለድኻ ስለ ዜፍቅሩኻ እዮም ከምኡ ዚገብሩ። ህድእ ኢልካ ትሰምዖምን ምሳታቶም ትተሓባበርን እንተ ዄንካ፡ ኬኽብሩኻን ከም ሓላፍነት ዚስምዖ ሰብ ገይሮም ኪርእዩኻን እዮም። እዚ ኸኣ፡ ኣብ ገሊኡ መዳያት ህይወትካ ዝያዳ ናጽነት ከም እትረክብ ኪገብረካ ይኽእል እዩ። ርእሰ ግትኣት ምርኣይ፡ ጥበባዊ እዩ። ሓደ ጥበብ ዝሓዘለ ምስላ፡ “ዓሻ ንዅሉ ዅራኡ ይድርጕሖ፡ ጥበበኛ ግና ይዐግቶ የህድኦውን” ይብል።—ምሳ. 29:11

18. ፍቕሪ፡ ጽቡቕ ጌርካ ሓሳብ ንሓሳብ ንኽትለዋወጥ እትሕግዘካ ብኸመይ እያ፧

18 ኣቱም ክቡራት ወለድን ውሉዳትን፡ ኣብ ቤትኩም ከምቲ እትደልይዎ ጌርኩም ሓሳብ ንሓሳብ ዘይትለዋወጡ እንተ ዄንኩም፡ ተስፋ ኣይትቝረጹ። ንኸተመሓይሽዎ ጽዓሩ፡ በታ ክርስትያናዊት ሓቂ ኸኣ ተመላለሱ። (3 ዮሃ. 4) ኣብ ሓዳስ ዓለም፡ ዘይምርድዳእን ባእስን ስለ ዘይህሉ፡ ፍጹማት ሰባት ብፍጹም መገዲ ሓሳብ ንሓሳብ ኪለዋወጡ እዮም። ሕጂ ግና ኵላትና ዜጣዕሰና ነገር ንገብር ኢና። ስለዚ፡ ይቕረታ ኻብ ምሕታት ድሕር ምሕር ኣይትበል። ብናጻ ይቕረ በል። ‘ብፍቕሪ ስመር።’ (ቈሎ. 2:2) ፍቕሪ ሓይሊ ኣለዋ። ‘ፍቕሪ ዓቃልን ለዋህን እያ። ኣይትቝጣዕን፡ ኣይትቕየምን። ኵሉ ኽኢላ ትነብር፡ ኵሉ ትኣምን፡ ኵሉ ተስፋ ትገብር፡ ኵሉ ትጻወር።’ (1 ቈረ. 13:4-7) ፍቕሪ እንተ ኣማዕቢልካ፡ ጽቡቕ ጌርካ ሓሳብ ንሓሳብ ክትለዋወጥ ኢኻ፣ እዚ ኸኣ ንስድራ ቤትካ ኼሐጕሳን ንየሆዋ ውዳሰ ኼምጽኣሉን እዩ።

^ ሕ.ጽ. 6 ስም ተቐዪሩ እዩ።