ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ታሪኽ ህይወት

ህይወትና ናይ ሓቂ ትርጕም ኪህልዎ ዝኸኣለሉ ምኽንያት

ህይወትና ናይ ሓቂ ትርጕም ኪህልዎ ዝኸኣለሉ ምኽንያት

ወደይ ጋሪ ብ1958 ካብ ዚውለድ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ገለ ጸገም ከም ዘለዎ ፈለጥኩ። ሓካይም ንሕማሙ ኽሳዕ ዜለልይዎ ዓሰርተ ወርሒ ወሰደሎም፣ ኣብ ለንደን ዝነበሩ ሰብ ሞያ ሕክምና፡ ነቲ ሕማም ኣጸቢቖም ክሳዕ ዚፈልጥዎ ኸኣ ሓሙሽተ ዓመት ወሰደሎም። እታ ጋሪ ኻብ ዚውለድ ትሽዓተ ዓመት ጸኒሓ እተወልደት ልዊዝ ጓለይ እውን፡ ካብ ናይ ጋሪ ዚገድድ ምልክት ሕማም ምስ ኣርኣየት ኣመና ሓዘንኩ።

ሓካይም ብሕያውነት፡ “ክልቲኦም ደቅኺ፡ ኤል.ኤም.ቢ.ቢ. * ዚብሃል ሕማም ኣለዎም፣ ሕማሞም ከኣ ፈውሲ የብሉን” በሉኒ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ብዛዕባ እዚ ብተወርሶ ዚመሓላለፍ ሕማም እዚ ብዙሕ ኣይፍለጥን እዩ ነይሩ። እዚ ሕማም እዚ ዘለዎም ሰባት፡ ጽልግልግ ይብሎም እሞ ጸኒሖም ድማ ይዕውሩ፣ ኣዝዮም ይረጕዱ፡ ኣብ ኣእዳዎም ወይ ኣብ ኣእጋሮም ተወሳኺ ኣጻብዕቲ የውጽኡ፡ ቀልጢፎም ኣይዓብዩን፡ ሓሳቦም ምግላጽ የሸግሮም፡ ሕማም ሽኮርን ሪሕን ይሕዞም፡ ኣብ ኵሊቶም ከኣ ጕድለት ኣለዎም። ስለዚ፡ ንደቀይ ምክንኻን ኣመና ኸቢድ እዩ ነይሩ። ኣብ ቀረባ እዋን እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዝገመቶ፡ ካብቶም ኣብ ብሪጣንያ ዚነብሩ 125,000 ሰባት እቲ ሓደ ጥራይ እዩ ኸምዚ ዓይነት ሕማም ዘለዎ፣ ንብዙሓት ሰባት ግና ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ ዘይበጽሐ ዓይነት እቲ ሕማም ይሕዞም እዩ።

የሆዋ “እምባ” ዀነልና

ካብ ዝምርዖ ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ ምስ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ተዘራረብኩ፣ ንሓቂ ኸኣ ረኸብክዋ። ሰብኣየይ ግና ተገዳስነት ኣይነበሮን። ብምኽንያት ስራሑ ብቐጻሊ ንግዕዝ ስለ ዝነበርና፡ ምስ ዝዀነት ትኹን ጉባኤ ኽሓብር ኣይከኣልኩን። ኰይኑ ግና፡ ኣዘውቲረ መጽሓፍ ቅዱስ አንብብን ናብ የሆዋ እጽልን ነበርኩ። “እግዚኣብሄርሲ ንጥቑዓት እምባ፡ ብጊዜ ጸበባ እምባ” ኸም ዝዀነን ‘ነቶም ዚደልይዎ ኸም ዘይሓድጎምን’ ምስ ኣንበብኩ ተጸናናዕኩ።—መዝ. 9:9, 10

ጋሪ ብዙሕ ኪርኢ ዘይክእል ስለ ዝነበረ፡ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ምስ ኰነ፡ ናብቲ ኣብ ደቡባዊ ገምገም ዓዲ እንግሊዝ ዚርከብ ፍሉይ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ኣተወ። ብዛዕባ ዜተሓሳስቦ ነገራት ንኺነግረኒ ኢሉ ኣዘውቲሩ ይድውለለይ ስለ ዝነበረ፡ መሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኺርዳእ ክሕግዞ ኸኣልኩ። ልዊዝ ምስ ተወልደት ሒደት ዓመታት ጸኒሑ፡ ኣነ እውን ማልቲፕል ሰክሎሮሲስ ዚብሃል ከፊላዊ መልመስቲ ዜምጽእ ሕማምን ከቢድ ቅርጥማት ዜስዕብ ሕማምን ሓመምኩ። ጋሪ ወዲ 16 ዓመት ምስ ኰነ፡ ካብቲ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ናብ ቤቱ ተመልሰ። ይኹን እምበር፡ ናይ ምርኣይ ክእለቱ እናነከየ ኸደ፣ ብ1975 ከኣ ምሉእ ብምሉእ ዓወረ። ብ1977 ድማ ሰብኣየይ ሓዲጉና ኸደ።

ጋሪ ኻብ ዚምለስ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ምስ ሓንቲ ፈቃር ጉባኤ ኽንሓብር ጀመርና፣ ብ1974 ከኣ ተጠመቕኩ። ሓደ ሽማግለ ንጋሪ፡ ነቲ ኣብ ዕድመ ዅትትና ዜጋጥም ኣካላዊ ለውጥታት ንኺዋጽኣሉ ሓገዞ። ካልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ኣብ ዕዮ ቤት ይሕግዙኒ ነበሩ፣ ኣብ መወዳእታኡ ድማ፡ ሓሙሽተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ኣብቲ ኸባቢ ዚርከብ ወሃብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት እናተኸፍሎም ኣብ ቤት ይድግፉና ነበሩ። እዝስ ከመይ ዝኣመሰለ በረኸት ኰን እዩ ነይሩ!

ጋሪ ኣብ ሓቂ ጽቡቕ ዕቤት ገይሩ ብ1982 ተጠምቀ። ሓጋዚ ፈላሚ ኪኸውን ይደሊ ስለ ዝነበረ፡ ኣነ እውን ምስኡ ሓጋዚት ኰንኩ፣ ንነዊሕ ዓመታት ከኣ ቀጸልና። ድሕሪ ገለ እዋን፡ ሓላው ወረዳና ንጋሪ፡ “ንምንታይ ስሩዕ ፈላሚ ዘይትኸውን፧” ምስ በሎ፡ ኣዝዩ ተሓጐሰ። ከምኡ ዓይነት ምትብባዕ እዩ ዚደሊ ነይሩ፣ ብ1990 ድማ ስሩዕ ፈላሚ ዀነ።

ጋሪ ኣብ 1999ን ኣብ 2008ን ክልተ ሳዕ ኣብ ምሕኵልቱ ሕክምና ተገይሩሉ እዩ፣ ጸገማት ጥዕና ልዊዝ ግና ኣዝዩ ዝኸፍአ እዩ ነይሩ። ክትውለድ ከላ ዕውርቲ ነበረት፣ ኣብ ሓንቲ ኻብተን ኣእጋራ ተወሳኺት ኣጻብዕቲ ምስ ረኣኹ ድማ፡ ሕማም ኤል.ኤም.ቢ.ቢ. ኸም ዘለዋ ፈለጥኩ። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ ምርመራ ምስ ገበረት፡ መብዛሕትኡ ውሽጣዊ ኣካላታ ኣዝዩ ኸም እተጐድአ እውን ተፈልጠ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ነቲ ምስ ኵላሊታ ዚተሓሓዝ ሓሙሽተ መጥባሕቲ ሓዊስካ፡ ከቢድ መጥባሕትታት ገይራ እያ። ንሳ እውን ከም ጋሪ ሕማም ሽኮር ኣለዋ።

ልዊዝ ነቲ ምስ መጥባሕቲ ተተሓሒዙ ኺመጽእ ዚኽእል ጸገማት ስለ እትፈልጦ፡ ኣቐዲማ ነቶም መጥባሕቲ ዚገብሩላን መደንዘዚ ዚህብዋን ነቶም ኣብ ምምሕዳር ዚዓይዩን ሰባት፡ ብዛዕባ እቲ ደም ንኸይትወስድ ዝገበረቶ ውሳነ ትነግሮም። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ምስቶም ዚከናኸንዋ ሰባት ጽቡቕ ስኒት ኪህልዋ ኽኢሉ እዩ።

ትርጕም ዘለዎ ህይወት ምንባር

ኣብ ቤትና ንየሆዋ ንምምላኽ ብዙሕ ነገራት ኢና እንገብር። ዘመናዊ ኤለክትሮኒካዊ ንዋት ቅድሚ ምምጻኡ፡ ንጋሪን ንልዊዝን ንነዊሕ ሰዓታት አንብበሎም ነበርኩ። ሕጂ ግና ሲዲታትን ዲቪዲታትን ኣብ www.pr418.com ዚርከብ እተቐድሐ ጽሑፋትን፡ ኣብ እተፈላለየ እዋናት፡ ሰሙናዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽንገብር ሓጊዙና እዩ፣ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ድማ ትርጕም ዘለዎ ተሳትፎ ኽንገብር ክኢልና ኢና።

ነቲ ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል የሆዋ ዚርከብ ክቡር ሓቅታት ኣዚና ኢና እነማስወሉ!

ጋሪ ሓድሓደ ግዜ ኻብ ተዘክሮኡ እዩ ዚምልስ፣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ክፍሊ እንተ ኣልይዎ ኸኣ፡ ብናቱ ቓላት ገይሩ ኬቕርቦ ይኽእል እዩ። ብ1995 ኣገልጋሊ ጉባኤ ዀነ፣ ኣጋይሽ ስለ ዚቕበልን ኣብ ክፍሊ ድምጺ ስለ ዚሕግዘን፡ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወትሩ ብስራሕ ትሑዝ እዩ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጾትና ንጋሪ፡ ነታ ብምኽንያት ሕማም ሪሕ ዚጥቀመላ ብሽክለታ ስንኩላን እናደፍኡ ናብ ኣገልግሎት ሒዞምዎ ይኸዱ እዮም። ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ድማ ንጋሪ፡ ንሓደ ተገዳስነት ዝነበሮ ሰብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺመርሓሉ ሓገዞ። ብዘይካዚ፡ ጋሪ ንሓንቲ ን25 ዓመት ዘይንጥፍቲ ዝነበረት ናይ የሆዋ ምስክር ኣተባቢዕዋ እዩ። ሕጂ እቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመርሓሉን እታ ዘይንጥፍቲ ዝነበረት ሓብትን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ይእከቡ ኣለዉ።

ልዊዝ ጓል ትሽዓተ ዓመት ከላ፡ ዓባያ ብኡንቺነቶ ጌርካ ታንቴል ምድላው መሃረታ፣ ኣነን ሓንቲ ኻብተን ኣብ ቤት ዚሕግዛና ዝነበራ ኣለይትን ድማ፡ ሪካሞ ምርካም መሃርናያ። ታንቴል ምድላው ትፈቱ ስለ ዝነበረት ድማ፡ ንሕጻናትን ነቶም ኣብ ጉባኤና ዝነበሩ ኣረጋውያንን ዚኸውን ሕብራዊ ኮቦርታ ተዳሉ ነበረት። ንእሽቶ ዚጣበቕ ስእልታት ገይራ ድማ፡ ካርድታት ተዳሉ ነበረት። እቶም እቲ ካርድ እትህቦም ሰባት፡ ነቲ ውህበት ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎ። ልዊዝ ገና ቘልዓ ኸላ፡ ብጸሓፊት ማኪና ምጽሓፍ ተማሂራ ነበረት። ሕጂ ኸኣ ብሓንቲ ፍልይቲ ኮምፕዩተር እናተሓገዘት፡ ምስ ፈተውታ ብኢ-መይል ትራኸብ እያ። ጓል 17 ዓመት ከላ እያ ተጠሚቓ። ፍሉይ ወፈራ ስብከት ኣብ ዚካየደሉ እዋን፡ ብሓባር ኴንና ሓገዝቲ ፈለምቲ ንኸውን ኢና። ልዊዝ እውን ከም ጋሪ፡ ብዛዕባ እታ ኣብታ ኣምላኽ እተመባጽዓ ‘ኣዒንቲ ዕውራት ዚኽፈታላን’ ‘“ሕሙም እየ” ዘይበሃለላን’ ዓለም ዘላታ እምነት ንምግላጽ፡ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ትዝክር እያ።—ኢሳ. 33:24፣ 35:5ትርጕም 1990።

ነቲ ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል የሆዋ ዘሎ ኽቡር ሓቅታት ኣዚና ኢና እነማስወሉ! ነቲ ጉባኤና ዝገበሩልና ፍቕራዊ ደገፍ እውን ነማስወሉ ኢና፣ ብዘይ ናታቶም ሓገዝ፡ ንዅነታትና ኣይምኸኣልናዮን ኔርና። ብፍላይ ግና፡ ሳላ ሓገዝ የሆዋ፡ ህይወትና ናይ ሓቂ ትርጕም ኪህልዎ ኽኢሉ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 5 እዚ ሎረንስ-ሙን-ባርዴ-ቢደል ዚብሃል ሕማም፡ ብስም እቶም ነቲ ምስ ተወርሶኣዊ ጸገም ዚተሓሓዝን ካብ ወለዲ ናብ ውሉዳት ዚመሓላለፍን ሕማም ዘለለይዎ ኣርባዕተ ሓካይም እዩ ተሰይሙ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ሕማም ባርዴ-ቢደል ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ። ፈውሲ ድማ የብሉን።