ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 ታሪኽ ህይወት

ንየሆዋ ስለ እተኣዘዝክዎ፡ ብዙሕ ተባሪኸ

ንየሆዋ ስለ እተኣዘዝክዎ፡ ብዙሕ ተባሪኸ

ኣቦይ፡ “ካብ ኖህ ከመይ ዝኣመሰለ ዜደንቕ ትምህርቲ ዀን ኢና እንረክብ! ኖህ ንየሆዋ ይእዘዞን ንስድራ ቤቱ የፍቅሮምን ነበረ፣ ብምሉኦም ስድራ ቤቱ ናብታ መርከብ ስለ ዝኣተዉ ድማ፡ ካብ ማይ ኣይሂ ኺድሕኑ ኽኢሎም እዮም” ይብል ነበረ።

ቈልዓ ኸለኹ፡ እቲ ትሑትን ጻዕራምን ዝነበረ ኣቦይ፡ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኺብል ከሎ ትዝ ይብለኒ። ፍትሒ ኣዝዩ ይፈቱ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ብ1953 ዝሰምዖ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቀልጢፉ ሰሓቦ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ድማ፡ ብዛዕባ እቲ ዚምሃሮ ዝነበረ ነገራት ንዓና ንደቁ ንምንጋር ዚከኣሎ ይገብር ነበረ። ኣደይ ኣብ ፈለማ ነቲ ናይ ካቶሊክ ልምድታታ ኽትሓድጎ ኣይደለየትን። ድሕሪ ግዜ ግና፡ ንሳ እውን መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀመረት።

ኣደይ ምንባብን ምጽሓፍን ዳርጋ ዘይትኽእል ስለ ዝነበረት፡ ኣቦይ ከኣ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ሕርሻ ስለ ዚውዕል፡ ወለደይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሑልና የጸግሞም ነበረ። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣቦይ ኣዝዩ ስለ ዚደክም፡ ከነጽንዕ ከለና ይታኸስ ነበረ። ኰይኑ ግና፡ ጻዕሩ ፍረ ኣፍርዩ እዩ። ኣነ ብዕድመ ዝዓበኹ ስለ ዝነበርኩ፡ ንሓብተይን ንኽልተ ኣሕዋተይን ኣብ ምምሃር እሕግዝ ነበርኩ። እቲ ትምህርቲ ድማ ነቲ ኣቦይ ብተደጋጋሚ ዚጠቕሶ ዝነበረ ብዛዕባ ኖህ ዚገልጽ ሓሳብ ዜጠቓልል እዩ ነይሩ፣ ኖህ ንስድራ ቤቱ ኸም ዜፍቅሮም ዘርኣየ፡ ንኣምላኽ እዙዝ ብምዃን እዩ ነይሩ። ነዚ ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ኣዝየ እየ ዝፈትዎ ነይረ። ነዊሕ ከይጸናሕና፡ ኵላትና ኣብቲ ኣብ ገምገም ኣድርያቲክ ኢጣልያ፡ ኣብ ከተማ ሮዜቶ ደልዪ ኣብሩትሲ ዝነበረ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክንእከብ ጀመርና።

ብ1955 ኣነን ኣደይን ነቲ ብሸነኽ ምዕራብ ዚርከብ ኣኽራን ሰጊርና፡ ኣብቲ ኣብ ሮም ዚግበር ኣኼባ ኣውራጃ ንፈለማ እዋን ተኣከብና፣ ሽዑ ጓል 11 ዓመት እየ ነይረ። ካብ ሽዑ ኣትሒዘ፡ ንዓበይቲ ኣኼባታት ከም ባህ ዜብል ክፍሊ ክርስትያናዊ ህይወተይ ገይረ ኽርእዮ ጀመርኩ።

ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ዓመት ተጠመቕኩ፣ ነዊሕ ከይጸናሕኩ ድማ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጀመርኩ። ጓል 17 ዓመት ከለኹ፡ ፍልይቲ ፈላሚት ኰንኩ፣ ኣብታ ኻብ ሮም ብሸነኽ ደቡብ፡ ካብ መንበሪየይ ከኣ ኣስታት 300 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ሌቲና ድማ ተመደብኩ። ሓዳስ ከተማ ስለ ዝነበረት፡ እቶም ተቐማጦ፡ ንመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምቕባል ኣየሰክፎምን እዩ ነይሩ። ኣነን መገላግልተይን፡ ብዙሕ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ከነበርክት ብምኽኣልና ኣዚና ተሓጐስና፣ ገና ብዕድመ ንእሽቶ ስለ ዝነበርኩ ግና፡ ናፍቖት ኣሸገረኒ። ይኹን እምበር፡ ነቲ እተዋህበኒ መምርሒ ኽእዘዝ እየ ዝደሊ ነይረ።

መዓልቲ መርዓና

ድሕሪኡ፡ ነቲ ብ1963 እተገብረ “ናይ ዘለኣለም ብስራት” ዘርእስቱ ኣህጉራዊ ኣኼባ ኣብ ምድላው ምእንቲ ኽሕግዝ፡ ናብ ሚላን ተመደብኩ።  ኣብ እዋን እቲ ኣኼባ፡ ምስ ብዙሓት ወለንተኛታት፡ እንተላይ ምስቲ ኻብ ፍሎረንስ ዝመጸ ፓውሎ ፒኮሊ ዝስሙ መንእሰይ ሓው እዓዪ ነበርኩ። ኣብ ካልኣይ መዓልቲ እቲ ኣኼባ፡ ፓውሎ ብዛዕባ ንጽል ምዃን ዚገልጽ ውዕዉዕ መደረ ኣቕረበ። ‘እዚ ሓው እዝስ ፈጺሙ ኣይምርዖን እዩ’ ኢለ ኽሓስብ ትዝ ይብለኒ። ኰይኑ ግና፡ ደብዳበ ኽንጸሓሓፍ ጀመርና፣ ሸቶታትና፡ ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ፡ ንዕኡ ንኽንእዘዞ ዘሎና ሓያል ባህጊ፡ ኰታስ ብዙሕ ዜመሳስለና ነገራት ከም ዘሎ ድማ ንጹር ኰነልና። ሽዑ ብ1965 ተመርዓና።

ምስ ኣቕሽሽቲ ተራኸብና

ኣብ ፍሎረንስ ንዓሰርተ ዓመት ስርዕቲ ፈላሚት ኰይነ ኣገልገልኩ። ነቲ ጉባኤታት ዚገብራኦ ዝነበራ፡ ብፍላይ ከኣ ነቲ መንእሰያት ዚገብርዎ ዝነበሩ ዕቤት ምርኣይ ኣዝዩ ዜሐጕስ እዩ ነይሩ። ኣነን ፓውሎን ምሳታቶም መንፈሳዊ ዕላል ብምዕላልን ብምዝንጋዕን ዜሐጕስ ግዜ ነሕልፍ ነበርና፣ ፓውሎ ኸኣ ምሳታቶም ኵዕሶ እግሪ ይጻወት ነበረ። ምስ ሰብኣየይ ግዜ ኸሕልፍ እደሊ እኳ እንተ ነበርኩ፡ እቶም መንእሰያትን እተን ኣብ ጉባኤና ዝነበራ ስድራ ቤታትን፡ እቲ ለውሃት ዝመልኦ ተገዳስነት ፓውሎን ግዜኡን ከም ዜድልዮምን ካብኡ ጥቕሚ ኸም ዚረኽቡን እፈልጥ ነበርኩ።

ብዛዕባ እቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሓሎም ዝኸኣልና ሰባት ክሓስብ ከለኹ፡ ኣዝየ እየ ዝሕጐስ። ሓንቲ ኻባታቶም ኣድርያና እያ ነይራ፣ ንሳ ብዛዕባ እቲ እትመሃሮ ዝነበረት ነገራት ንኽልተ ስድራ ቤታት ነገረቶም። ንሳቶም ድማ ብዛዕባ እቲ ኸም ስላሴን ዘይትመውት ነፍስን ዝኣመሰለ ሰረተ እምነት ቤተ ክርስትያን ምስ ሓደ ቐሺ ንኽንዘራረብ ቈጸራ ገበሩ። ኰይኑ ግና፡ ሰለስተ ኣቡናት መጹ። እቲ ዚዛረብዎ ዝነበሩ ነገራት፡ ሕልኽልኽ ዝበለን ንሓድሕዱ ዚጋጮን እዩ ነይሩ፣ እቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሎም ዝነበርና ሰባት እውን እንተ ዀኑ፡ ዘረባ እቶም ኣቕሽሽቲ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይሰማማዕ ንጹር ኰነሎም። እቲ ዝገበርናዮ ምይይጥ ዓብዪ ለውጢ ኣምጽአ። ድሕሪ ግዜ፡ ኣስታት 15 ዚዀኑ ኣባላት እተን ስድራ ቤት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰኑ።

ሓቂ እዩ፡ እቲ ሕጂ ንምስባኽ እንጥቀመሉ ሜላ እተፈልየ እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ግና፡ ፓውሎ ብተደጋጋሚ ምስ ኣቕሽሽቲ ይራኸብ ነበረ፣ ብዛዕባ እምነትና ኣብ ምግላጽ ከኣ “ክኢላ” ዀይኑ ነበረ። ሓደ እዋን፡ ትዝ ይብለኒ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ዘይኰኑ ሓያሎ ሰባት ይመያየጥ ነበረ። እቶም ኣቕሽሽቲ ኣቐዲሞም፡ ንፓውሎ ዜሕፍር ሕቶታት ዚሓትዎ ሰባት ኣዳልዮም ነበሩ። ኰይኑ ግና፡ ከምቲ ዝሓሰብዎ ኣይኰነሎምን። ሓደ ኻብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት፡ ቤተ ክርስትያን ከምቲ ንነዊሕ እዋን እትገብሮ ዝነበረት፡ ኣብ ፖለቲካ ኽትኣቱ ግቡእ እንተ ዀይኑ ሓተተ። ሽዑ እቶም ኣቕሽሽቲ ዚብልዎ ጠፍኦም። ሃንደበት ከኣ መብራህቲ ጠፍአ፣ እቲ ኣኼባ ድማ ተበተነ። ገለ ዓመታት ጸኒሑ፡ እቶም ኣቕሽሽቲ፡ እቲ ምይይጥ ከምቲ ዝሓሰብዎ እንተ ዘይኰይኑ መብራህቲ ዜጥፍእ ሰብ ኣዳልዮም ከም ዝነበሩ ፈለጥና።

 ሓድሽ መዳያት ኣገልግሎት

ኣነን ፓውሎን ካብ እንምርዖ ዓሰርተ ዓመት ምስ ገበርና፡ ኣብ ዕዮ ወረዳ ኽንዓዪ ጻውዒት ቀረበልና። ፓውሎ ጽቡቕ ስራሕ ስለ ዝነበሮ፡ እቲ ውሳነ ቐሊል ኣይነበረን። ኰይኑ ግና፡ ብጸሎት ምስ ሓሰብናሉ፡ ኣብቲ ሓድሽ መዳይ ኣገልግሎት ንምክፋል ንገዛእ ርእስና ቕርብቲ ገበርናያ። ምስቶም ኣብ ቤቶም ዚቕበሉና ዝነበሩ ስድራ ቤታት ጽቡቕ ግዜ ነሕልፍ ነበርና። ምሸት ምሸት ብጕጅለ ዄንና ነጽንዕ ነበርና፣ ድሕሪኡ፡ ፓውሎ ነቶም ቈልዑ፡ ናይ ትምህርቶም ዕዮ ገዛ ንኺሰርሑ፡ ብሕልፊ ትምህርቲ ሕሳብ ይሕግዞም ነበረ። ብዘይካዚ፡ ንፉዕ ኣንባቢ ስለ ዝነበረ፡ ብዛዕባ እቲ ዘንበቦ ባህ ዜብልን ዚሃንጽን ነገራት ይነግረና ነበረ። ሰኑይ ሰኑይ፡ ናብተን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይብለን ከተማታት ኬድና ንሰብኽን ንሰባት ናብቲ ሽዑ ምሸት ዚቐርብ መደረ ንዕድሞምን ነበርና።

ኣነን ፓውሎን ምስ መንእሰያት ዜሐጕስ ግዜ ነሕልፍ ነበርና፣ ፓውሎ ኸኣ መብዛሕትኡ እዋን ምሳታቶም ኵዕሶ እግሪ ይጻወት ነበረ

ኣብ ዕዮ ወረዳ ንኽልተ ዓመት ምስ ኣገልገልና፡ ኣብቲ ኣብ ሮም ዚርከብ ቤት-ኤል ከነገልግል ጻውዒት ቀረበልና። ፓውሎ ኣብ ሕጋዊ ጕዳያት ይዓዪ ነበረ፣ ኣነ ኸኣ ኣብ ክፍሊ መጽሔት እዓዪ ነበርኩ። እቲ ዝገበርናዮ ለውጢ ቐሊል እኳ እንተ ዘይነበረ፡ እዙዛት ክንከውን ግና ቈሪጽና ኢና ኔርና። እቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ቀስ ብቐስ ኪዓቢ ኸሎን ቍጽሪ እቶም ኣብ ኢጣልያ ዝነበሩ ኣሕዋት ኣዝዩ ኺውስኽ ከሎን ብምርኣይና ተሓጒስና ኢና። ብዘይካዚ፡ ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ኢጣልያ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሕጋዊ ተፈላጥነት ረኸቡ። በዚ ሓድሽ መዳይ ኣገልግሎትና ኣዚና ኢና ተሓጒስና ኔርና።

ፓውሎ ነቲ ኣብ ቤት-ኤል ዝነበሮ ዕዮ ይፈትዎ ነበረ

ኣብ ቤት-ኤል ከነገልግል ከለና፡ እቲ ብዛዕባ ደም ዘሎና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መትከል፡ ኣብ ኢጣልያ ብንጹር ተፈልጠ። ኣብ መጀመርታ 1980ታት ሓደ ምስ ደም ዚተሓሓዝ ሕጋዊ ጕዳይ መዘራረቢ ዀይኑ ነበረ። ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀኑ ሰብ ሓዳር፡ ጓሎም ደም ንኸይትወስድ ስለ ዝኸልከልዋ፡ ብሞታ ተሓተትቲ ምዃኖም ብሓሶት ተኸሲሶም ነበሩ፣ እታ ጓል ግና፡ ብምኽንያት እቲ ኣብ ከባቢ መዲተራነያን ልሙድ ዝዀነ ምስ ደም ዚተሓሓዝ ከቢድ ተወርሶኣዊ ሕማም እያ ሞይታ። ኣብ ቤት-ኤል ዝነበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ከኣ፡ ንጠበቓታት እቶም ክርስትያን ሰብ ሓዳር ሓገዝዎም። እተን ሽዑ እተዳለዋ ትራክትን ፍልይቲ ሕታም ንቕሑ!ን፡ ሰባት ብዛዕባ እቲ ሓቂ ንኺፈልጡን ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ደም እንታይ ከም ዚብል ብልክዕ ንኺርድኡን ሓጊዘናኦም እየን። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ፓውሎ ብዘይምቍራጽ ን16 ሰዓት ይሰርሕ ነበረ። ኣነ ኸኣ ኣብቲ ንሱ ዚገብሮ ዝነበረ ኣገዳሲ ጻዕሪ ብዚከኣለኒ እሕግዞ ነበርኩ።

ኣብ ህይወትና ዘጋጠመና ኻልእ ለውጢ

ካብ እንምርዖ 20 ዓመት ምስ ገበርና፡ ኣብ ህይወትና ዘይተጸበናዮ ለውጢ ኣጋጠመና። ኣነ ጓል 41 ዓመት ከለኹ፡ ፓውሎ ኸኣ ወዲ 49 ዓመት ከሎ፡ ጠኒሰ ክኸውን ከም ዝኽእል ንፓውሎ ነገርክዎ። ፓውሎ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ መዝገበ ዕለቱ ኸምዚ ዚስዕብ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ጸሎት፦ እዚ ነገር ሓቂ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኽንቅጽልን ብመንፈሳዊ መዳይ ንኸይንዳኸምን ኣርኣያ ዚዀኑ ንፉዓት ወለዲ ንኽንከውንን ሓግዘና። ልዕሊ ዅሉ ግና፡ ካብቲ  ኣብዚ ዝሓለፈ 30 ዓመት ኣብ መድረኽ እተዛረብክዎ ነገራት፡ እንተ ወሓደ ሓደ ሚእታዊት ኣብ ግብሪ ኸውዕሎ ሓግዘኒ።” እቲ ዝረኸብናዮ ውጽኢት፡ የሆዋ ንጸሎት ፓውሎን ንጸሎተይን ከም ዝመለሶ ዚሕብር እዩ ነይሩ።

ኢላርያ ምስ ተወልደት፡ ኣብ ህይወትና ዓብዪ ለውጢ እዩ ኣጋጢሙና። ሓቂ ይሓይሽ፡ ከምቲ ምሳሌ 24:10 “ብመዓልቲ መከራ እንተ ተሐለልካ፡ ሓይልኻ ቕሩብ እዩ” ብምባል እትገልጾ፡ ተስፋ ዝቘረጽናሉ እዋናት ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ንሓድሕድና ንደጋገፍን ንተባባዕን ነበርና።

ኢላርያ፡ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ትሑዛት ዝዀኑ ወለዲ ስለ ዘዕበይዋ ሕጉስቲ እያ። ጽቡቕ ጌርና ንከናኸና ስለ ዝነበርና፡ ዕሽሽ እተባህለት ኰይኑ ኣይስምዓን እዩ ነይሩ። ቀትሪ ኣነ ምስኣ እውዕል ነበርኩ። ምሸት ከኣ ፓውሎ ምስኣ ይጻወትን ናይ ትምህርታ ዕዮ ገዛ ይሕግዛን ነበረ፣ ብዙሕ ስራሕ እኳ እንተ ነበሮ፡ ስራሑ ንኺዛዝም ከኣ ክሳዕ ሰዓት ክልተ ወይ ሰለስተ ናይ ለይቲ ኼምሲ ይግደድ እኳ እንተ ነበረ፡ ምስኣ ግዜ ንምሕላፍ ፍቓደኛ እዩ ነይሩ። ኢላርያ መብዛሕትኡ እዋን፡ “ኣቦይ፡ እቲ ዝፈትዎ ዓርከይ እዩ” ትብል ነበረት።

ኢላርያ ብክርስትያናዊ መገዲ ምእንቲ ኽትመላለስ፡ ብዘይቀያየር ስርዓት፡ ሓድሓደ ግዜ ድማ ብጽንዓት ክንሕግዛ ኣድልዩና እዩ። ሓደ እዋን፡ ትዝ ይብለኒ፡ ምስ መሓዛኣ ኽትጻወት ከላ፡ ሕማቕ ጠባይ ኣርኣየት። ስለምንታይ ከምኡ ዓይነት ጠባይ ከተርኢ ኸም ዘይብላ ድማ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ገለጽናላ። ሽዑ ንሽዑ ንመሓዛኣ ይቕረታ ኸም እትሓትታ ድማ ገበርና።

ኢላርያ ነቲ ወለዳ ንኣገልግሎት ዘለዎም ፍቕሪ ኣዝያ እያ እተማስወሉ። ሕጂ ሓዳር ገይራ ስለ ዘላ፡ ንየሆዋ እዙዝ ምዃንን ንመምርሒታቱ ምስዓብን ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ክትርዳእ ክኢላ እያ።

ኣብ ግዜ ሓዘን እውን ከይተረፈ እዙዝ ምዃን

ብ2008 ፓውሎ፡ መንሽሮ ኸም ዘለዎ ፈለጠ። ኣብ ፈለማ፡ ዚሕሾ ይመስል ነበረ፣ ንዓይ እውን የተባብዓኒ ነይሩ እዩ። ንፓውሎ ኺከናኸንዎ ዚኽእሉ ኽኢላታት ሓካይም ክንረክብ ንጽዕር ነበርና፣ ኣነን ኢላርያን ድማ፡ ጽንዓትን ተጻዋርነትን ምእንቲ ኺህበና፡ ናብ የሆዋ ነዊሕ ጸሎት ነቕርብ ነበርና። ኰይኑ ግና፡ እቲ ድልዱልን ንጡፍን ዝነበረ ሰብኣየይ ቀስ ብቐስ ኪደክም ከሎ ምርኣይ ኣዝዩ ኸበደኒ። ብ2010 ምስ ሞተ ኸኣ ኣመና ሓዘንኩ። እቲ ን45 ዓመት ብሓባር ኴንና ዝዓመምናዮ ነገራት ግና ኣጸናኒዑኒ እዩ። ንየሆዋ ዚከኣለና ዅሉ ሂብናዮ ኢና። ንሱ ንዕዮና ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ ድማ እፈልጥ እየ። ኣብ ዮሃንስ 5:28, 29 ዘሎ ቓላት የሱስ ንዚፍጸመሉን ፓውሎ ንዚትንስኣሉን እዋን ብሃንቀውታ እየ ዝጽበዮ።

“ብልበይ፡ ገና እታ ንዛንታ ኖህ እትፈቱ ንእሽቶ ጓል እየ። እቲ ዝገበርክዎ ቘራጽነት ድማ ኣይተቐየረን”

ብልበይ፡ ገና እታ ንዛንታ ኖህ እትፈቱ ንእሽቶ ጓል እየ። እቲ ዝገበርክዎ ቘራጽነት ድማ ኣይተቐየረን። ዝመጸ ይምጻእ ብዘየገድስ፡ ንየሆዋ ኽእዘዞ እየ ዝደሊ። እቲ ሕጂ ዜጋጥመና ዕንቅፋታትን ክንገብሮ ዘሎና መስዋእትታትን ዜጋጥመና ሓዘንን፡ ምስቲ እቲ ፈቃር ኣምላኽና ዚህበና ዜደንቕ በረኸት ኪወዳደር ከሎ፡ ኣብ ግምት ዚኣቱ ኣይኰነን። ነዚ ብውልቀይ ተመኪረዮ እየ፣ ጻዕሪ ኺግበረሉ ዚግባእ ምዃኑ ኸኣ ከረጋግጸልኩም እፈቱ።