ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዛዕባ ልግስን ልዙብነትን የሆዋ ዘሎካ ግንዛበ ኣስፍሕ

ብዛዕባ ልግስን ልዙብነትን የሆዋ ዘሎካ ግንዛበ ኣስፍሕ

“እግዚኣብሄር ንዅሉ ሰናይ እዩ፡ ርሕራሔኡ ኸኣ ኣብ ኵሉ ግብርታቱ እዩ።”—መዝ. 145:9

1, 2. ኣዕሩኽ የሆዋ እንታይ ኣጋጣሚ እዩ ዘለዎም፧

ሓንቲ ሞኒካ እትብሃል ክርስትያን፡ “ኣነን ሰብኣየይን ካብ እንምርዖ 35 ዓመት ዚኸውን ጌርና ኣለና። ኣጸቢቕና ድማ ንፋለጥ ኢና። ኰይኑ ግና፡ ድሕሪ እዚ ዅሉ ዓመታት እውን እንተ ዀነ፡ ብዛዕባ ንሓድሕድና ብዙሕ ሓድሽ ነገር ንምሃር ኣለና” በለት። መብዛሕትኡ ሓዳርን ዕርክነትን ምስዚ ኸም ዚመሳሰል ዜጠራጥር ኣይኰነን።

2 ነቶም እነፍቅሮም ሰባት ብዝበለጸ ኽንፈልጦም ከለና የሐጕሰና እዩ። ይኹን እምበር፡ ካብቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ዕርክነት ዚበልጽ የልቦን። እቲ ብዛዕባኡ ኽንፈልጦ ዘሎና ነገራት መወዳእታ የብሉን። (ሮሜ 11:33) ንዘለኣለም ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ዘሎና ግንዛበ ብዝያዳ ንኸነስፍሕ ዜኽእለና ኣጋጣሚ ኽንረክብን ከምኡ ብምግባርና ኽንሕጐስን ኢና።—መክ. 3:11

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

3 እታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ፡ ብዛዕባ ኽልተ ባህርያት የሆዋ ዘሎና ግንዛበ ንኸነስፍሕ ሓጊዛትና እያ፣ እወ፡ የሆዋ ተቐራብን ዘየዳሉን ምዃኑ ርኢና ኔርና ኢና። ሕጂ ኸኣ ካልእ ክልተ ተፈታዊ ባህርያት የሆዋ እስከ ንመርምር፣ ንሳተን ከኣ ልግስን ልዙብ ምዃንን እየን። ነዘን ባህርያት እዚአን ክንምርምረን ከለና፡ ነቲ፡ “እግዚኣብሄር ንዅሉ ሰናይ እዩ፡ ርሕራሔኡ ኸኣ ኣብ ኵሉ ግብርታቱ እዩ” ዚብል ሓሳብ ምሉእ ብምሉእ ክንርድኦ ኢና።—መዝ. 145:9

የሆዋ ለጋስ እዩ

4. ናይ ሓቂ ልግሲ እንታይ እዩ፧

4 ለጋስ ምዃን እንታይ ማለት እዩ፧ ንመልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 20:35 ዚርከብ፡ “ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ” ዚብል ቃላት የሱስ ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። የሱስ በዛ ቐላል ሓሳብ እዚኣ ገይሩ፡ ንእንታይነት ናይ ሓቂ ልግሲ ገለጾ። ለጋስ ሰብ፡ ንግዜኡን ንጕልበቱን ንጥሪቱን ንጥቕሚ ኻልኦት ኢሉ ብናጻ ይህብ እዩ፣ ነዚ ኸኣ ተሓጒሱ እዩ ዚገብሮ።  ስለዚ እምበኣር፡ ልግሲ ብመጠን እቲ ህያብ ዘይኰነስ፡ ብድራኸ እቲ ወሃቢ እዩ ዚዕቀን። (2 ቈረንቶስ 9:7 ኣንብብ።) ካብቲ ‘ሕጉስ ኣምላኽና’ የሆዋ ዚበልጽ ለጋስ የልቦን።—1 ጢሞ. 1:11

5. የሆዋ ልግሲ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧

5 የሆዋ ልግሲ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧ ንዅሎም ደቂ ሰብ፡ እንተላይ ነቶም ዘየምልኽዎ ሰባት፡ ዜድልዮም ዘበለ ይህቦም እዩ። እወ፡ የሆዋ “ንዅሉ ሰናይ እዩ።” “ንእኩያትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ፡ ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ከኣ ዝናም የዝንም እዩ።” (ማቴ. 5:45) በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ዘይኣመንቲ ብዛዕባ የሆዋ ኺዛረቦም ከሎ፡ “ካብ ሰማይ ዝናምን ወቕቲ ፍርያትን ብምሃብ፡ ልብኹም እውን ብምግብን ብሓጐስን ብምምላእ፡ ጽቡቕ እናገበረ” ዝበሎም። (ግብ. 14:17) ብንጹር እምበኣር፡ የሆዋ ንዅሎም ደቂ ሰብ ለጋስ እዩ።—ሉቃ. 6:35

6, 7. (ሀ) የሆዋ ብፍላይ ንመን ምሃብ እዩ ዜሐጕሶ፧ (ለ) ኣምላኽ ንእሙናት ኣምለኽቱ ብኸመይ ዜድልዮም ነገራት ከም ዚህቦም ዚገልጽ ኣብነት ሃብ።

6 የሆዋ ብፍላይ ነቶም እሙናት ኣምለኽቱ ዜድልዮም ብምምላእ ይሕጐስ እዩ። ንጉስ ዳዊት፡ “ንእሽቶ ነበርኩ፡ አሪገ ኸኣ እኔኹ፡ ግናኸ ጻድቕ ተሐዲጉን፡ ዘርኡ እንጌራ ኺልምኑን ከቶ ኣይርኤኹን” በለ። (መዝ. 37:25) ብዙሓት እሙናት ክርስትያናት፡ የሆዋ ብኸመይ ከም እተኸናኸኖም ኣብ ህይወቶም ርእዮምዎ እዮም። ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ።

7 ቅድሚ ሒደት ዓመታት፡ ንሓንቲ ናንሲ ዝስማ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት፡ ኣጸጋሚ ዅነታት ኣጋጠማ። ተዘክሮኣ ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ በለት፦ “ንኽራይ ገዛ ዚኸውን 66 ዶላር የድልየኒ ነበረ፣ እታ ዝኸፍለላ መዓልቲ ኸኣ ኣኺላ ነበረት። ገንዘብ ካበይ ከም ዝረክብ ግና ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ብዛዕባ እቲ ጸገም ድሕሪ ምጽላየይ፡ ናብቲ ኣሳሳዪት ኰይነ ዝሰርሓሉ ቦታ ኸድኩ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ስራሕ ስለ ዚዝሕል፡ ብዙሕ መቝሽሽ ክረክብ ኣይተጸበኹን ነይረ። እቲ ዜገርም ግና፡ ኣብታ ምሸት እቲኣ፡ ሓያሎ ዓማዊል ናብቲ ቤት ምግቢ መጹ። ስራሐይ ምስ ዛዘምኩ፡ ነቲ እተቐበልክዎ መቝሽሽ ቈጸርክዎ፣ 66 ዶላር እዩ ነይሩ።” ናንሲ፡ የሆዋ ዜድልያ ገንዘብ ብልግሲ ዝሃባ ዀይኑ እዩ ዚስምዓ።—ማቴ. 6:33

8. እቲ የሆዋ ብልግሲ ዝሃበና ኻብ ኵሉ ዝበለጸ ህያብ እንታይ እዩ፧

8 እቲ የሆዋ ብልግሲ ዝሃበና ኻብ ኵሉ ዝበለጸ ህያብ፡ ኵሉ ሰብ ኪረኽቦ ዚኽእል እዩ። እቲ ህያብ እንታይ እዩ፧ መስዋእታዊ በጃ ወዱ እዩ። የሱስ፡ “ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” በለ። (ዮሃ. 3:16) ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ እታ “ዓለም” እትብል ቃል፡ ንዅሎም ደቂ ሰብ እያ እተመልክት። እወ፡ እቲ የሆዋ ብልግሲ ዝሃበና ኻብ ኵሉ ዝበለጸ ህያብ፡ ነቶም ዚቕበልዎ ብልግሲ ቐሪቡሎም ኣሎ። እቶም ብየሱስ ዚኣምኑ ሰባት፡ ህይወት ምስ ተረፋ፡ ማለት ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ እዮም። (ዮሃ. 10:10) የሆዋ  ለጋስ ምዃኑ ዚሕብር፡ ካብዚ ንላዕሊ እሞ እንታይ መርትዖ ኣሎ፧

ልግሲ ብምርኣይ ዝመጸ፡ ንየሆዋ ምሰሎ

እስራኤላውያን፡ ልግሲ ብምርኣይ ዝመጸ ንየሆዋ ኺመስልዎ ተተባቢዖም ነበሩ (ሕጡብ ጽሑፍ 9 ርአ)

9. ልግሲ ብምርኣይ ዝመጸ ንየሆዋ ኽንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

 9 ልግሲ ብምርኣይ ዝመጸ ንየሆዋ ኽንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ የሆዋ፡ ንሕና ምእንቲ ‘ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ኣብዚሑ ሂቡና’ እዩ፣ ስለዚ፡ ንኻልኦት ‘ብምምቃል’ ከም ዚሕጐሱ ኽንገብሮም ኣሎና። (1 ጢሞ. 6:17-19) ንጥሪትና ተጠቒምና፡ ነቶም እነፍቅሮም ሰባት ህያብ ክንህቦምን ነቶም ሓገዝ ዜድልዮም ክንድግፎምን ንኽእል ኢና። (ዘዳግም 15:7 ኣንብብ።) ለጋሳት ምዃን ንኸይንርስዕ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ ገሊኦም ክርስትያናት፡ ህያብ ኪወሃቦም ከሎ፡ ንሳቶም እውን ንኻልእ ኪህቡ ይጽዕሩ። ክርስትያናዊት ጉባኤ በቶም ማእለያ ዘይብሎም ለጋሳት ኣሕዋትን ኣሓትን ተባሪኻ እያ።

10. ለጋሳት ምዃንና እነርእየሉ ዝበለጸ መገዲ እንታይ እዩ፧

10 ለጋሳት ምዃንና እነርእየሉ ዝበለጸ መገዲ፡ ብቓልን ብግብርን ንኻልኦት ብምሕጋዝ እዩ። ብኸመይ ከምኡ ኽንገብር ንኽእል፧ ንግዜናን ንጕልበትና ተጠቒምና ንኻልኦት ብምሕጋዝን ብምትብባዕን እዩ። (ገላ. 6:10) ኣብዚ መዳይ እዚ ኸመይ ከም ዘለና ንምፍላጥ፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢልና ንርእስና ኽንሓትታ ንኽእል ኢና፦ ‘ካልኦት ሰባት፡ ንኽሰምዖም ፍቓደኛ ኸም ዝዀንኩ ገይሮም ድዮም ዚርእዩኒ፧ ሓደ ሰብ ንኽሕግዞ ወይ ገለ ነገር ንኸምጽኣሉ እንተ ሓቲቱኒ፡ ክሕግዞ ፍቓደኛ ድየ፧ ንኣባል ስድራ ቤተይ ወይ ንኣማኒ ዝዀነ ብጻየይ ካብ ልቢ ኻብ ዝንእድ ክንደይ ገይረ ኣለኹ፧’ ‘ወሃብቲ’ እንተ ዄንና፡ ናብ የሆዋን ናብ ፈተውትናን ብዝያዳ ኽንቀርብ ኢና።—ሉቃ. 6:38፣ ምሳ. 19:17

11. ንየሆዋ ለጋሳት ክንከውን እንኽእለሉ ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧

 11 ንየሆዋ እውን ለጋሳት ክንከውን ንኽእል ኢና። ቅዱሳት ጽሑፋት፡ “ብጥሪትካ . . . ንእግዚኣብሄር ኣኽብሮ” ኢሉ ይምሕጸነና እዩ።  (ምሳ. 3:9) እዚ “ጥሪት” እዚ፡ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብፍታው ከነውዕሎ እንኽእል ግዜናን ጕልበትናን ሃብትናን እዩ ዜጠቓልል። ንኣሽቱ ቘልዑ እውን እንተ ዀኑ፡ ንየሆዋ ለጋሳት ምዃን ኪምሃሩ ይኽእሉ እዮም። ጄሰን ዚብሃል ኣቦ፡ “ስድራ ቤትና ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወፈያ ኽትገብር ከላ፡ ደቅና ነቲ ገንዘብ ኣብ ሳጹን ውጽኢት ከም ዜእትውዎ ንገብሮም። ከምኡ ኺገብሩ ኸለዉ፡ ‘ንየሆዋ ይህብዎ’ ስለ ዘለዉ፡ ይሕጐሱ እዮም” በለ። ንኣሽቱ ኸለዉ ንየሆዋ ብምሃብ ዚሕጐሱ ቘልዑ፡ ምስ ዓበዩ እውን እንተ ዀነ ለጋሳት እዮም ዚዀኑ።—ምሳ. 22:6

የሆዋ ልዙብ እዩ

12. ልዙብ ምዃን እንታይ ማለት እዩ፧

12 ካልእ ተፈታዊ ባህርይ የሆዋ፡ ልዙብ ምዃኑ እዩ። ልዙብ ምዃን እንታይ ማለት እዩ፧ እታ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ‘ልዙብ’ ተባሂላ እትትርጐም ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ እትርከብ ቃል፡ ቃል ብቓሉ ‘ተዓጻጻፊ’ ማለት እያ። (ቲቶ. 3:1, 2) ልዙብ ሰብ፡ ኣብ ኣወዓዕላ ሕጊ ኣምላኽ እምብዛ ተሪር፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ጥብቂ፡ ወይ ነቓጽ ኣይኰነን። የግዳስ፡ ንኻልኦት ብሕያውነት ይሕዞም፣ ንዘለዎም ድሩት ዓቕምን ኵነታትን እውን ኣብ ግምት የእቱ እዩ። ንኻልኦት ንኺሰምዖም ፍቓደኛ እዩ፣ ግቡእ እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ድሌቶም ምእንቲ ኺፍጽመሎም ብልእመት ምትዕርራይ ይገብር እዩ።

13, 14. (ሀ) የሆዋ ልዙብ ምዃኑ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣምላኽ ኣብቲ ምስ ሎጥ ዝነበሮ ርክብ ልዙብ ከም ዝዀነ ምርኣዩ፡ እንታይ እዩ ዚምህረና፧

13 የሆዋ ልዙብ ምዃኑ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧ ብለውሃት ተደሪኹ፡ ንስምዒት ኣገልገልቱ ኣብ ግምት የእቱ እዩ፣ ንልመናኦም ድማ ይሰምዖ እዩ። ንኣብነት፡ ነቲ ጻድቕ ዝነበረ ሎጥ ብኸመይ ከም ዝሓዞ እስከ ንርአ። የሆዋ ንሶዶምን ንጎሞራን ኬጥፍአን ምስ ወሰነ፡ ንሎጥ ናብ ኣኽራን ኣቢሉ ኺሃድም ንጹር መምርሒ ሃቦ። ሎጥ ግና ኣብ ቀረባኡ ናብ ዝነበረ ቦታ ኺሃድም ለመነ። ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ሎጥ ንየሆዋ፡ መምርሒኡ ኪቕይር እዩ ሓቲትዎ።—ዘፍጥረት 19:17-20 ኣንብብ።

14 ንሎጥ ከም ድኹም ወይ ከም ዘይእዙዝ ጌርካ ትርእዮ ትኸውን። ከመይሲ፡ የሆዋ ንሎጥ፡ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ኼድሕኖ ይኽእል ስለ ዝነበረ፡ ዚፈርሃሉ ምኽንያት ኣይነበሮን። ኰይኑ ግና፡ ፈሪሁ እዩ፣ ስምዒቱ ምስ ገለጸ ኸኣ፡ የሆዋ ኸምቲ ዝደለዮ ገበረሉ። ናብታ ኼጥፍኣ ሓሲቡ ዝነበረ ኸተማ ንኺሃድም ድማ ፈቐደሉ። (ዘፍጥረት 19:21, 22 ኣንብብ።) ብንጹር እምበኣር፡ የሆዋ ነቓጽ ወይ ደረቕ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ተዓጻጻፍን ልዙብን እዩ።

15, 16. ሕጊ ሙሴ፡ የሆዋ ልዙብ ምዃኑ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧ (ኣብ ጥቓ ኣርእስቲ ዘሎ ስእሊ ርአ።)

15 የሆዋ ምስ ሕጊ ሙሴ ብዚተሓሓዝ ልዙብ ምዃኑ ዘርኣየ ብኸመይ ምዃኑ እስከ ንርአ። ሓደ እስራኤላዊ ኣዝዩ ድኻ ብምዃኑ በጊዕ ወይ ጤል መስዋእቲ ኬቕርብ እንተ ዘይክኢሉ፡ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ ኬቕርብ ይኽእል ነበረ። ክልተ ጫጩት ኬቕርብ እንተ ዘይክኢሉኸ፧ ሒደት ሓርጭ እንተ ኣቕሪቡ፡ የሆዋ ይቕበሎ ነበረ። ይኹን እምበር፡ ተራ ሓርጭ ዘይኰነስ፡ “ድኹም ሓርጭ፡” ማለት እቲ ንኽቡራት ኣጋይሽ ዚኸውን ምግቢ ንምድላው ዚጥቀመሉ ዓይነት ሓርጭ እዩ ኪኸውን ነይርዎ። (ዘፍ. 18:6) እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧—ዘሌዋውያን 5:7, 11 ኣንብብ።

16 ድኻ እስራኤላዊ ኸም ዝዀንካ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ንመስዋእቲ እተቕርቦ ሒደት ሓርጭ ሒዝካ ኣብቲ ማሕደር ምስ በጻሕካ፡ ሃብታማት እስራኤላውያን ማል ኬምጽኡ ኸለዉ ትርኢ። ሽዑ በቲ ንስኻ ኸተቕርቦ ዝሓሰብካ ሒደት መስዋእቲ ትሓፍር ትኸውን። ኰይኑ ግና፡ እቲ እተቕርቦ መስዋእቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽቡር ምዃኑ ትዝክር። ስለምንታይ እዩ ኽቡር ዝዀነ፧ ብቐዳምነት፡ የሆዋ፡ እቲ ሓርጭ ዝበለጸ ኪኸውን ከም ዘለዎ ስለ ዝኣዘዘ እዩ። ስለዚ፡ የሆዋ ነቶም ድኻታት እስራኤላውያን፡ ‘ማዕረ እቲ ኻልኦት ዜቕርብዎ መስዋእቲ ኸተቕርቡ ኸም ዘይትኽእሉ እፈልጥ እየ፣  ኰይኑ ግና፡ እቲ እትህብዎ ዘለኹም እውን ዝበለጸ ምዃኑ እግንዘብ እየ’ እዩ ዚብሎም ነይሩ። ብሓቂ እምበኣር፡ የሆዋ ንዓቕምን ንዅነታትን ኣገልገልቱ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ልዙብ ምዃኑ የርኢ እዩ።—መዝ. 103:14

17. የሆዋ እንታይ ዓይነት ኣገልግሎት እዩ ዚቕበል፧

 17 የሆዋ ልዙብ ካብ ምዃኑ እተላዕለ፡ ነቲ ብምሉእ ነፍሲ እነቕርበሉ ኣገልግሎት ከም ዚቕበሎ ምፍላጥና የጸናንዓና እዩ። (ቈሎ. 3:23) ኣብ ኢጣልያ እትነብር ኮንስታንስ እትብሃል ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ፡ “ንኻልኦት ብዛዕባ ፈጣሪየይ ምንጋር፡ ኵሉ ግዜ ባህ እዩ ዜብለኒ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እየ ኣዘውቲረ ዝሰብኽን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመርሕን። ሓድሓደ ግዜ፡ ብምኽንያት ጥዕናይ ብዝያዳ ኽዓዪ ብዘይምኽኣለይ እጕሂ እየ። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ንዓቕመይ ከም ዚፈልጦን ከም ዜፍቅረንን ነቲ ዝገብሮ ነገራት ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮን እፈልጥ እየ” በለት።

ልዙብ ብምዃን ዝመጸ ንየሆዋ ምሰሎ

18. ወለዲ ንየሆዋ ኺመስሉሉ ዚኽእሉ ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧

18 ልዙብ ብምዃን ዝመጸ ንየሆዋ ኽንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ነቲ የሆዋ ንሎጥ ዝሓዘሉ መገዲ እስከ እንደገና ንመርምሮ። የሆዋ ልዕሊ ሎጥ እኳ ስልጣን እንተ ነበሮ፡ ሎጥ ብዛዕባ ስምዒቱ ኺዛረብ ከሎ ግና ብለውሃት ሰምዖ። ከምቲ ድሌቱ ድማ ገበረሉ። ወላዲ እንተ ዄንካ፡ ንየሆዋ ኽትመስሎ ትኽእልዶ፧ ነቲ ውሉዳትካ ዚሓትቱኻ ነገራት ጽን ኢልካ ኽትሰምዖን ድሌቶም ክትፍጽመሎምን ትኽእልዶ፧ ናይ 1 መስከረም 2007 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ወለዲ ብዛዕባ ስርዓታት ቤቶም ኪመያየጡ ኸለዉ፡ ንውሉዳቶም እውን ኣብቲ ምይይጥ ኬሳትፍዎም ከም ዚኽእሉ ገሊጻ ነበረት። ንኣብነት፡ ወለዲ፡ ውሉዳቶም ናብ ቤት ዚኣትዉሉ ሰዓት ናይ ምውሳን መሰል ኣለዎም። ኰይኑ ግና፡ ክርስትያን ወለዲ፡ ቅድሚ ምውሳኖም ንደቆም ኬዘራርብዎም ይኽእሉ እዮም። ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት፡ ወለዲ፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ዘይተጣሕሰ፡ ምትዕርራይ ኪገብሩ ይመርጹ ይዀኑ። ስርዓት ቅድሚ ምውጽኦም ንደቆም ምስ ዜዘራርብዎም፡ እቶም ውሉዳት ነቲ ስርዓት ብዝያዳ ኺርድእዎ እዮም፣ ንኺእዘዝዎ ኸኣ ኪቐልለሎም እዩ።

19. ሽማግለታት ልዙባት ብምዃን ዝመጸ ንየሆዋ ኺመስልዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

19 ሽማግለታት ጉባኤ፡ ንዅነታት ኣመንቲ ብጾቶም ኣብ ግምት ብምእታው፡ ልዙባት ብምዃን ዝመጸ ንየሆዋ ኺመስልዎ ይኽእሉ እዮም። የሆዋ ነቲ ድኻታት እስራኤላውያን ዜቕርብዎ ዝነበሩ መስዋእቲ ኣኽቢሩ ይርእዮ ኸም ዝነበረ ኣይንረስዕ። ብተመሳሳሊ፡ ገሊኦም ኣሕዋትን ኣሓትን ብምኽንያት ምስኣን ጥዕና ወይ እርጋን፡ ኣብ ኣገልግሎት ዚገብርዎ ንጥፈት ድሩት ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዞም ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን እዚኦም፡ ብምኽንያት ድሩት ዓቕሞም ተስፋ እንተ ቘሪጾምከ፧ ሽማግለታት፡ የሆዋ ብዓቕሞም እቲ ዝበለጸ ኬቕርቡ ብምኽኣሎም ከም ዜፍቅሮም ብለውሃት ኬረጋግጹሎም ኣለዎም።—ማር. 12:41-44

20. ልዙብ ምዃን ኪብሃል ከሎ፡ ንኣምላኽ ካብ ምግልጋል ድሕር ምሕር ምባል ማለት ድዩ፧ ግለጽ።

20 ሓቂ እዩ፡ ልዙብ ምዃን ኪብሃል ከሎ፡ ንርእስና ‘ስለ እንሓልየላ’ ንኣምላኽ ንኸይነገልግሎ ድሕር ምሕር ንብል ማለት ኣይኰነን። (ማቴ. 16:22) ካብ ከቢድ ዕዮ ብምህዳም፡ ልዙባት ወይ ሚዛናውያን ክንከውን ከም ዘሎና ጌርና ኣይነመኻንን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኵላትና ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድጋፍ ‘ክንጋደል’ ኣሎና። (ሉቃ. 13:24) ስለዚ፡ ንኽልተ ስርዓታት ብሚዛናዊ መገዲ ኽንፍጽም ኢና እንጽዕር። ብሓደ ሸነኽ፡ ኣብ ኣገልግሎትና ድሕር ምሕር ብዘይምባል ንጋደል ኢና። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ የሆዋ ኻብ ዓቕምና ንላዕሊ ዝዀነ ነገር ከም ዘይሓትተና ንዝክር ኢና። እቲ ዝበለጸ እንተ ሂብናዮ፡ ከም ዚሕጐስ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ንኸምዚ ዝበለ ኣኽቢሩ ዚርእየናን ልዙብን ጐይታ፡ ተሓጒስና ደይኰንናን እነገልግሎ፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ካልእ ክልተ ተፈታዊ ባህርያት የሆዋ ኽንምርምር ኢና።

“ብጥሪትካ . . . ንእግዚኣብሄር ኣኽብሮ።”—ምሳ. 3:9 (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)

“እትገብርዎ ዘበለ . . . ብምሉእ ነፍስኹም ግበርዎ።”—ቈሎ. 3:23 (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)