ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተግሳጽ የሆዋ ይቕረጽካ

ተግሳጽ የሆዋ ይቕረጽካ

“ብምኽርኻ ኽትመርሓኒ፡ ደሓርውን ናብ ክብሪ ኽትቅበለኒ ኢኻ።”—መዝ. 73:24

1, 2. (ሀ) ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ንኺህልወና እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ (ለ) ነቲ ሰባት ንተግሳጽ ኣምላኽ ዝሃብዎ ምላሽ ዚገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ጸብጻባት ምስ እንምርምሮ ብኸመይ ኢና ኽንጥቀም እንኽእል፧

“ንኣይ ግና ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሔሸኒ፡ . . . እሙንቶይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ገበርኩ።” (መዝ. 73:28) ነቲ ጸሓፍ መዝሙር ኣብዚ መደምደምታ እዚ ንኺበጽሕ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ እኩያት ሰባት ብሰላም ኪነብሩ ኸለዉ ምስ ረኣየ፡ ብውሽጡ ተመረረ። “ንልበይ ብኸንቱ ኣንጺሄ፡ ኣእዳወይውን ብንጽህና ሐጺበ” ኢሉ ጓሂኡ ገለጸ። (መዝ. 73:2, 3, 13, 21) “ናብ መቕደስ ኣምላኽ” ምስ ኣተወ ግና፡ ኣተሓሳስባኡ ኼዐሪ፡ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብ እውን ኪዕቅብ ተደረኸ። (መዝ. 73:16-18) ካብዚ ተመክሮ እዚ ድማ፡ ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ንኺህልዎ፡ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ኪሓብር፡ ንዚውሃቦ ምኽሪ ኪቕበል፡ ነቲ ምኽሪ ኸኣ ኣብ ግብሪ ኼውዕሎ ኸም ዜድሊ ኣገዳሲ ትምህርቲ ረኸበ።—መዝ. 73:24

2 ንሕና እውን ምስቲ ናይ ሓቅን ህያውን ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ኪህልወና ንደሊ ኢና። ምስኡ ጥብቂ ርክብ ንኺህልወናን ንኸነሐጕሶን ግና፡ በቲ ዚህበና ምኽሪ ወይ ተግሳጽ ንኽንቅረጽ ፍቓደኛታት ክንከውን ኣሎና። ኣምላኽ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፡ ንውልቀ ሰባትን ንኣህዛብን ንተግሳጹ ምላሽ ዚህብሉ ኣጋጣሚታት ብምሃብ ምሕረቱ ኣርእይዎም እዩ። እቲ ዝሃብዎ ምላሽ፡ “ንዓና እቲ መወዳእታ ስርዓት ዓለም ንዘርከበና” እውን “ንትምህርትና” ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ንመጠንቀቕታ ኪዀነና እዩ” ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈ። (1 ቈረ. 10:11፣ ሮሜ 15:4) ነዚ ጸብጻባት እዚ ተጠንቂቕና ምስ እንምርምሮ፡ ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ዝያዳ ምርዳእ ይህልወና፡ ኪቐርጸና ኸሎ ብኸመይ ከም እንጥቀም ድማ ክንፈልጥ ኢና።

 ሰራሕ መሬት ንስልጣኑ ዚጥቀመሉ መገዲ

3. ኣብ ኢሳይያስ 65:8ን ኣብ ኤርምያስ 18:1-6ን፡ እቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዘለዎ ስልጣን ብኸመይ ተገሊጹ ኣሎ፧ (ኣብ ገጽ 24 ዘላ ስእሊ ርአ።)

3 ኢሳይያስ 64:8 ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብ ውልቀ ሰባትን ኣብ ኣህዛብን ዘለዎ ስልጣን፡ “ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኣቦና ኢኻ፡ ንሕና መሬት ኢና፡ ንስኻ ድማ ሰራሒና ኢኻ፡ ኵልናውን ግብሪ ኢድካ ኢና” ብምባል ብምሳልያዊ መገዲ ገሊጻቶ ኣላ። ሓደ ሰራሕ መሬት፡ ነቲ መሬት ናብቲ ዝደለዮ ኣቕሓ ኪቐርጾ ምሉእ ስልጣን ኣለዎ። እቲ መሬት ምንም ኪገብር ኣይክእልን እዩ። እቲ ኣብ መንጎ ሰብን ኣምላኽን ዘሎ ርክብ እውን ከምኡ እዩ። ልክዕ ከምቲ መሬት ምስቲ ዚቐርጾ ሰራሒኡ ኺማጐት ዘይክእል፡ ሰብ እውን ምስ ኣምላኽ ኪማጐት ኣይክእልን እዩ።—ኤርምያስ 18:1-6 ኣንብብ።

4. ኣምላኽ ንሰባት ወይ ንኣህዛብ ኣገዲዱ ድዩ ዚቐርጾም፧ ግለጽ።

4 የሆዋ ንጥንታውያን እስራኤላውያን ልክዕ ከምቲ ሓደ ሰራሕ መሬት ንመሬት ዚቐርጾ ገይሩ ቐሪጽዎም እዩ። ኰይኑ ግና የሆዋ ኻብ ሓደ ሰራሕ መሬት ዚፍለየሉ መገዲ ኣሎ። ሓደ ሰራሕ መሬት በቲ ኣብ ኢዱ ዝሓዞ መሬት ገይሩ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ኣቕሓ ኺሰርሕ ይኽእል እዩ። እሞኸ፡ የሆዋ ንሰባት ወይ ንኣህዛብ፡ ንገሊኦም ጽቡቓት ንገሊኦም ከኣ ክፉኣት ገይሩ ኣገዲዱ ይቐርጾም ማለት ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ኸምኡ ኸም ዘይገብር ይነግረና። የሆዋ ንደቂ ሰብ ሓደ ኽቡር ውህበት፡ ማለት ናይ ምምራጽ ናጽነት ሂብዎም እዩ። ብስልጣኑ ተጠቒሙ ነዚ ውህበት እዚ ዚግህስ ነገር ኣይገብርን እዩ። ደቂ ሰብ በቲ ፈጣሪኦም ዝዀነ የሆዋ ንኪቕረጹ ባዕሎም ኪመርጹ ኣለዎም።—ኤርምያስ 18:7-10 ኣንብብ።

5. ሰባት ብየሆዋ ኪቕረጹ ምስ ዘይደልዩ፡ የሆዋ ንስልጣኑ ብኸመይ እዩ ዚጥቀመሉ፧

5 ሰባት ሓንጊዶም በቲ ዓብዪ ሰራሕ መሬት ዝዀነ የሆዋ ኪቕረጹ እንተ ዘይደልዮምከ፧ የሆዋ ንስልጣኑ ብኸመይ እዩ ዚጥቀመሉ፧ መሬት ነቲ እተደልየ ዕላማ እንተ ዘይበቒዑ እንታይ ኬጋጥም ከም ዚኽእል እሞ ሕሰብ። እቲ ሰራሕ መሬት ብእኡ ገይሩ ኻልእ ዓይነት ኣቕሓ ኪሰርሕ ወይ ከኣ ስቕ ኢሉ ኺድርብዮ ይኽእል እዩ። እቲ መሬት ካብ ጥቕሚ ወጻኢ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ጌጋ ናይቲ ሰራሕ መሬት እዩ። እቲ ሰራሒና ዝዀነ የሆዋ ግና ፈጺሙ ኣይጋገን እዩ። (ዘዳ. 32:4) ሓደ ሰብ ብየሆዋ ኪቕረጽ ፍቓደኛ እንተ ዘይኰይኑ፡ እቲ ጕድለት ወትሩ ናይቲ ሰብ እዩ። የሆዋ ንሰባት ኪቐርጾም ከሎ፡ ኣብ ዚህብዎ ምላሽ ተመርኲሱ ነቲ ዚቐርጸሉ መገዲ የተዓራርዮ እዩ። እቶም ጽቡቕ ምላሽ ዚህቡ ሰባት ከኣ ንጽቡቕ ይቕረጹ። ንኣብነት፡ ቅቡኣት ክርስትያናት “ንኽብሪ” ስለ ዚቕረጹ፡ “ኣቕሑ ምሕረት” እዮም ዚዀኑ። እቶም ሓንጊዶም ንኣምላኽ ዚጻረርዎ ሰባት ግና፡ “ንጥፍኣት እተዳለዉ ኣቕሑ ቝጥዓ” እዮም ዚዀኑ።—ሮሜ 9:19-23

6, 7. እቲ ንጉስ ዳዊትን ንጉስ ሳኦልን ንምኽሪ የሆዋ ዝሃብዎ ምላሽ ብኸመይ እዩ ዚፈላለ፧

 6 ሓደ ኻብቲ የሆዋ ንሰባት ዚቐርጸሉ መገዲ፡ ብምኽሪ ወይ ብተግሳጽ ኣቢሉ እዩ። ነቲ ኣብቶም ዚቐርጾም ሰባት ዜርእዮ ስልጣን ብኸመይ ከም ዚጥቀመሉ ንኽንርዳእ፡ ታሪኽ እቶም ክልተ ቐዳሞት ነገስታት እስራኤል ክንርኢ ንኽእል ኢና። ንሳቶም ከኣ ሳኦልን ዳዊትን እዮም። ንጉስ ዳዊት ምስ ባትሴባ ዝሙት ብምፍጻሙ፡ ኣብ ርእሱን ኣብ ካልኦትን ሕማቕ ኣስዒቡ እዩ። ሽሕ እኳ ንጉስ እንተ ነበረ፡ ካብ ተግሳጽ ኣይተናሕፈን። የሆዋ ብነብዪ ናታን ኣቢሉ ሓያል ተግሳጽ ሂብዎ እዩ። (2 ሳሙ. 12:1-12) ዳዊትከ እንታይ ምላሽ ሃበ፧ ልቡ ተሰብረ፡ ተነስሐ ድማ። ምሕረት ኣምላኽ ከኣ ረኸበ።—2 ሳሙኤል 12:13 ኣንብብ።

 7 እቲ ቕድሚ ዳዊት ዝነበረ ንጉስ ሳኦል ግና፡ ንእተዋህቦ ምኽሪ ብጽቡቕ ኣይተቐበሎን። የሆዋ ንሳኦል ብነብዪ ሳሙኤል ኣቢሉ፡ ንዅሎም ኣማሌቃውያንን ንማሎምን ኬጽንት፡ ቀጥታዊ ትእዛዝ ሂብዎ ነበረ። ሳኦል ግና ኣይተኣዘዘን። ንንጉስ ኣጋግን ካብተን ማል ንዘዝመረጸንን ነሓፎም። ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ገይሩ፧ እንተ ወሓደ፡ ንገዛእ ርእሱ ኬኽብር ስለ ዝደለየ እዩ። (1 ሳሙ. 15:1-3, 7-9, 12) ምኽሪ ምስ ተዋህቦ፡ ልቡ ብምልስላስ፡ በቲ ዓብዪ ሰራሕ መሬት ንኪቕረጽ  ፍቓደኛ ኪኸውን ነበሮ። ንሱ ግና ፍቓደኛ ኣይነበረን። ነቲ ዝፈጸሞ ነገራት ከማኻንየሉ ጀመረ። እተን ማል ንመስዋእቲ ኺጠቕማ ኸም ዚኽእላ ብምግላጽ፡ ነቲ ዝገበሮ ኸም ቅቡል ገይሩ ኣቕረቦ፡ ነቲ ሳሙኤል ዝሃቦ ምኽሪ ኸኣ ኣቃለሎ። የሆዋ ንሳኦል ከይነግስ ነዓቖ፡ ካብኡ ንደሓር ሳኦል ነቲ ምስቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝነበሮ ርክብ ኣየዐረዮን።—1 ሳሙኤል 15:13-15, 20-23 ኣንብብ።

ሳኦል ነቲ እተዋህቦ ምኽሪ ኣቃለሎን ነጸጎን። ኪቕረጽ ፍቓደኛ ኣይነበረን! (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ)

ዳዊት ልቡ ተሰብረ፡ ምኽሪ ድማ ተቐበለ። ብኣምላኽ ኪቕረጽ ፍቓደኛ ዀነ። ንስኻኸ ኸምኡ ትገብር ዲኻ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ)

ኣምላኽ ኣየዳሉን እዩ

8. ካብቲ እስራኤላውያን ብየሆዋ ኪቕረጹ ኸለዉ ዝሃብዎ ምላሽ እንታይ ንመሃር፧

8 የሆዋ ንውልቀ ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኣህዛብ እውን ብእኡ ንኪቕረጹ ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም እዩ። ብ1513 ደቂ እስራኤል ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ወጺኦም፡ ምስ ኣምላኽ ኪዳን ኣተዉ። ሕሩያት ህዝቢ ኣምላኽ ስለ ዝነበሩ ድማ፡ ኣብ መዘወር እቲ ዓብዪ ሰራሕ መሬት ብምእታው ብእኡ ንኪቕረጹ ፍሉይ መሰል ረኸቡ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ኣዒንቲ የሆዋ ሕማቕ ዘበለ ኻብ ምግባር ኣይተቘጠቡን፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እኳ ደኣ፡ ከምቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ኣህዛብ ንኻልኦት ኣማልኽቲ የምልኹ ነበሩ። የሆዋ ብተደጋጋሚ ንነብያት ብምልኣኽ ናብ ልቦም ኪመልሶም እኳ እንተ ጸዓረ፡ ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን። (ኤር. 35:12-15) ስለ ዝሓንገዱ ኸኣ ኣዝዩ ኸቢድ ተግሳጽ ተዋህቦም። ስለዚ፡ ንጥፍኣት እተዳለዉ ኣቕሑ ብምዃን፡ እቶም ዓሰርተ ነገድ መንግስቲ እስራኤል ብኣሶራውያን ተሳዕሩ፡ እቶም ክልተ ነገድ መንግስቲ ይሁዳ ድማ ብባቢሎናውያን ተሳዕሩ። እዝስ፡ ኣየ ኸመይ ዝበለ ሓያል ትምህርቲ ዀን እዩ ዜመሓላልፈልና! ብየሆዋ ኽንቅረጽ ፍቓደኛታት እንተ ዄንና ጥራይ ኢና፡ ክንጥቀም እንኽእል።

9, 10. ሰብ ነነዌ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም መጠንቀቕታ እንታይ ምላሽ ሃቡሉ፧

 9 የሆዋ ንህዝቢ እታ ርእሲ ኸተማ ኣሶር ዝነበረት ነነዌ እውን መጠንቀቕታ ብምሃብ ንኺምለሱ ኣጋጣሚ ሂብዎም እዩ። ንዮናስ፡ “ተንስእ እሞ ናብ ነነዌ፡ ናብታ ዓባይ ከተማ፡ ኪድ። እከዮም ናብ ቅድመይ ደዪቡ እዩ እሞ፡ ኣንጻራ አውጅ” በሎ። ነነዌ ንኽትጠፍእ ተፈሪድዋ ነበረ።—ዮና. 1:1, 2፣ 3:1-4

10 ዮናስ ጥፍኣት ምስ ኣወጀ ግና፡ “ሰብ ነነዌ . . . ንኣምላኽ አመኑ፡ ጾም ድማ አወጁ፡ ካብ ዓበይቶም ክሳዕ ንእሽቱኦምውን ክሻ ተኸድኑ።” ንጉሶም ከኣ “ካብ ዙፋኑ ተንስኤ፡ ባርኖሱ ቐንጠጠ፡ ክሻ ተኸድነ፡ ኣብ ሓሙዅስቲ ድማ ተቐመጠ።” ሰብ ነነዌ ነቲ የሆዋ ንኪቐርጾም ዝገበሮ ጻዕሪ ተቐቢሎም ተነስሑ። የሆዋ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ኬውርዶ ሓሲብዎ ዝነበረ መዓት ኣየውረዶን።—ዮና. 3:5-10

11. ኣብቲ የሆዋ ምስ እስራኤላውያንን ምስ ሰብ ነነዌን ዝገበሮ ርክብ፡ ኣየናይ ባህርዩ እዩ ጐሊሑ እተራእየ፧

11 እስራኤላውያን ሕሩያት ህዝቢ ኣምላኽ እኳ እንተ ነበሩ፡ ካብ መቕጻዕቲ ኣየምለጡን። ሰብ ነነዌ ግና ምስ ኣምላኽ ኪዳን ኣይነበሮምን። ይኹን እምበር፡ የሆዋ መልእኽቲ ፍርዲ ኸም ዚእወጀሎም ገበረ፡ ኣብ ኣእዳዉ ኸም ልምሉም መሬት ምስ ኰኑ ኸኣ መሓሮም። እዚ ኽልተ ኣብነታት እዚ፡ የሆዋ ኣምላኽና “ዘየዳሉ” ኣምላኽ ከም ዝዀነ ብንጹር ይሕብር።—ዘዳ. 10:17

የሆዋ ልኡምን ልዙብን እዩ

12, 13. (ሀ) ኣምላኽ ኣብ ምላሽ እቶም ዚቐርጾም ውልቀ ሰባት ተመርኲሱ ውሳነኡ ዚቕይር ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ብዛዕባ ሳኦል ‘ምጥዓሱ’ እንታይ የመልክት፧ ብዛዕባ ሰብ ነነዌ ‘ምጥዓሱኸ’ እንታይ እዩ ዜመልክት፧

12 እቲ ኣምላኽ ንኪቐርጸና ዚጥቀመሉ መገዲ፡ ንሱ ልኡምን ልዙብን ከም ዝዀነ ይሕብር። ንኣብነት፡ ኣብቲ ቕኑዕ ፍርዱ ተመርኲሱ ኣብ ልዕሊ ሰባት ስጕምቲ ኺወስድ ወሲኑ ኼብቅዕ፡ ብምኽንያት እቲ ዚህብዎ ምላሽ ሓሳቡ ምቕያሩ ነዚ ዚሕብር እዩ። የሆዋ ብዛዕባ እቲ ናይ መጀመርታ ንጉስ እስራኤል ዝነበረ ሳኦል፡ “ንእኡ ብምንጋሰይ እጠዓስ አሎኹ” ኸም ዝበለ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተገሊጹ ኣሎ። (1 ሳሙ. 15:11) ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰብ ነነዌ ተነሲሖም ካብ እኩይ መገዶም ምስ ተመልሱ፡ “ኣምላኽውን ነቲ ኼውርደሎም ኢሉ እተዛረቦ መዓት ተጣዕሰሉ፡ ኣይገበሮን ከኣ” ይብል።—ዮና. 3:10

13 እታ “ተጣዕሰ” እትትርጐም ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ኣመለኻኽታ ወይ ሃቐና ቐየረ፡ ዚብል ሓሳብ እያ እተመሓላልፍ። ንኣብነት፡ የሆዋ ንሳኦል መጀመርታ ንኺነግስ መሪጽዎ ነበረ፡ ደሓር ግና ከይነግስ ብምንዓቕ ኣመለኻኽታኡ ቐይሩ እዩ። ኣመለኻኽታኡ ዝቐየረ ኸኣ፡ ንሳኦል ኪመርጽ ከሎ ስለ እተጋገየ ዘይኰነስ፡ ሳኦል ብእምነት ስለ ዘይተመላለሰን ስለ ዘይተኣዘዘን እዩ። እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብዛዕባ ሰብ ነነዌ ተጣዒሱ፡ ማለት ነቲ ሃቂንዎ ዝነበረ ሓሳብ ቀይሩ እዩ። እቲ ሰራሕ መሬት ዝዀነ የሆዋ ልኡምን ልዙብን፡ ጸጋውን መሓርን፡ እቶም እተጋገዩ ሰባት ኣብ ዝገብርዎ ኣወንታዊ ለውጢ ተመርኲሱ ኪቕየር ፍቓደኛ ምዃኑ ምፍላጥናስ ኣየ ኽንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ!

ተግሳጽ የሆዋ ኣይንንዓቕ

14. (ሀ) ሎሚ የሆዋ ብኸመይ እዩ ዚቐርጸና፧ (ለ) የሆዋ ኪቐርጸና ኸሎ ብኸመይ ክንቅበሎ ይግባእ፧

14 ሎሚ የሆዋ ብቐዳምነት በቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስን ብውድቡን ኣቢሉ እዩ ዚቐርጸና። (2 ጢሞ. 3:16, 17) ነቲ በዚ መገዲ እዚ ኣቢሉ ዚውሃበና ዝዀነ ይኹን ምኽሪ ወይ ተግሳጽ ባህ ኢሉና ኽንቅበሎ ኣይግብኣናንዶ፧ ካብ እንጥመቕ ነዊሕ ንግበር ወይ ከኣ ክንደይ ዚኣክል መሰል ኣገልግሎት ይሃልወና ብዘየገድስ፡ ወትሩ ነቲ የሆዋ ዚህበና ምኽሪ ብምቕባል፡ ንኽብሪ ዚዀኑ ኣቕሑ ገይሩ ንኪቐርጸና ኽንፈቕደሉ ይግባእ።

15, 16. (ሀ) ብምኽንያት ተግሳጽ፡ ፍሉይ መሰል ኣገልግሎት እንተ ተሓዲግካ፡ እንታይ ኣሉታዊ ነገራት እዩ ኺስምዓካ ዚኽእል፧ ኣብነት ሃብ። (ለ) ተግሳጽ ምስ ተዋህበና ንዚስምዓና ኣሉታዊ ስምዒታት ብኸመይ ኢና ኽንሰግሮ እንኽእል፧

15 ገሊኡ ተግሳጽ ብትምህርቲ ወይ ብመአረምታ  ኣቢሉ ይውሃበና ይኸውን። ኣብ ካልእ ግዜያት ከኣ፡ ቅኑዕ ዘበለ ብዘይምግባርና፡ ተግሳጽ የድልየና ይኸውን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ እቲ እተዋህበና ፍሉይ መሰላት ኣገልግሎት ንሕደግ ንኸውን። ሓደ ኣብነት እሞ ንርአ። ደኒስ ሽማግለ ዀይኑ ዜገልግል ዝነበረ ሓው እዩ። * ንሱ ምስ ንግዲ ኣብ እተተሓሓዘ ነገራት ኣበሳ ስለ ዝፈጸመ፡ ብሕታዊ መግናሕቲ ተዋህቦ። ሓደ ምሸት ኣብ ጉባኤ፡ ሽማግለ ዀይኑ ኸም ዘየገልግል ምስ ተነግረኸ እንታይ ተሰምዖ፧ ንሱ ኸምዚ በለ፦ “ከም እተዋረድኩ ዀይኑ ተሰምዓኒ። ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመት፡ ሓያሎ መሰላት ነበረኒ። ስሩዕ ፈላሚ ነይረ፡ ኣብ ቤት ኤል ኣገልጊለ፡ መጀመርታ ኣገልጋሊ ጉባኤ፡ ጸኒሐ ኸኣ ሽማግለ ዀይነ ንኸገልግል እውን ተሸይመ ነይረ እየ። ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ ኸኣ ንመጀመርታ ግዜይ መደረ ኣቕሪበ ነይረ እየ። ሃንደበት ነዚ ዅሉ ሰኣንክዎ። ሕፍረት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ድሕሪኡ ኣብ ውድብ የሆዋ ግደ ዘይህልወኒ ዀይኑ ተሰምዓኒ።”

16 ደኒስ ካብቲ ንኺእረም ምኽንያት ዝዀኖ ግጉይ ተግባር ተመሊሱ፡ ኣካይዳኡ ቐይሩ እዩ። ነዚ እተሰምዖ ኣሉታዊ ስምዒታት ንኼሰንፍ ዝሓገዞ ግና እንታይ እዩ፧ ንሱ ኸምዚ በለ፦ “ብጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድ ንኽመላለስ ቈራጽነት ገበርኩ። ካብ ክርስትያን ኣሕዋተይ ዝረኸብክዎ ደገፍን ካብ ጽሑፋትና ዝረኸብክዎ ምትብባዕን እውን ጠቒሙኒ እዩ። እታ፡ ‘ነቲ ቕድሚ ሕጂ ዝነበረካ ፍሉይ መሰል መሊስካ ኽትረኽቦ ትኽእልዶ፧’ ዘርእስታ ናይ 15 ነሓሰ 2009 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ልክዕ ከም ሓንቲ ንዓይ እተላእከት ደብዳበ ዀይና ንጸሎተይ መሊሳቶ እያ። እቲ፡ ‘ኣብ ጉባኤኻ ተወሳኺ ሓላፍነታት ኣብ ዘይህልወካ እዋን፡ መንፈሳውነትካ ኣብ ምድልዳል ዝያዳ ትዅረት ግበር’ ዚብል ምኽሪ ብፍላይ ንልበይ ተንኪፍዎ እዩ።” እዚ ሓው እዚ፡ ካብቲ እተዋህቦ ተግሳጽ ብኸመይ ተጠቕመ፧ ኣስዒቡ ኸም ዝገለጾ፡ ድሕሪ ገለ ዓመታት፡ “የሆዋ፡ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዀይነ ንኸገልግል ፍሉይ መሰል ብምሃብ ባሪኹኒ እዩ” በለ።

17. ውገዳ ንሓደ ሓጥእ ካብ ግጉይ መገዱ ንኺምለስ ኪሕግዞ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ።

17 ውገዳ እውን ካብ የሆዋ ዚውሃብ ካልእ ዓይነት ተግሳጽ እዩ። እዚ ተግሳጽ እዚ፡ ነታ ጉባኤ ኻብ ኣሉታዊ ጽልዋ የዕቝባ፡ ነቲ ሓጥእ ከኣ ካብቲ ግጉይ መገዱ ንኺምለስ ይሕግዞ። (1 ቈረ. 5:6, 7, 11) ሮበርት ዳርጋ ን16 ዓመት ተወጊዱ ነበረ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ወለዱን ኣሕዋቱን ነቲ ምስ ኣበሰኛታት ከይንሓብር፡ ሰላም እውን ከይንብሎም እተዋህበና ምኽሪ፡ ጸኒዖም ብተኣማንነት ሓለውዎ። ሮበርት ካብ ዚምለስ ገለ ዓመታት ኣሕሊፉ ኣሎ፣ ጽቡቕ መንፈሳዊ ዕቤት ድማ ይገብር ኣሎ። ናብ የሆዋን ናብ ህዝቡን ንኺምለስ እንታይ ከም ዝሓገዞ ምስ ተሓትተ፡ እቲ ስድራ ቤቱ ዝሓዝዎ መትከል፡ ጽልዋ ኸም ዝገበረሉ ኸምዚ ብምባል ገሊጹ ኣሎ፦ “ስድራ ቤተይ ደሃየይ ንኺገብሩ ኢሎም ምሳይ ብመጠኑ እውን እንተ ዚሓብሩ ነይሮም፡ እዚ ሒደት ምቅርራብ እዚ መዕገበኒ ነይሩ፡ እቲ ናብ ኣምላኽ ንኺምለስ ዝደረኸኒ ባህጊ ድማ ኣይምሓደረንን ነይሩ።”

18. ኣብ ኢድ እቲ ዓብዪ ሰራሕ መሬት እንታይ ዓይነት መሬት ኢና ኽንከውን ዘሎና፧

18 ምናልባት ሕጂ ኸምዚ ዓይነት ተግሳጽ ኪውሃበና ዘየድልየና እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ኢድ እቲ ዓብዪ ሰራሕ መሬት እንታይ ዓይነት መሬት ኢና እንኸውን፧ ተግሳጽ ኪውሃበና ኸሎ ብኸመይ ኢና እንቕበሎ፧ ከም ዳዊት ዲና ወይስ ከም ሳኦል፧ እቲ ዓብዪ ሰራሕ መሬት፡ ኣቦና እዩ። ነቲ፡ “ወደየ፡ ከምቲ ኣቦ ንዘፍቀሮ ውሉዱ ዚቐጽዖ፡ ከምኡ ኸኣ እግዚኣብሄር ንዘፍቀሮ ይቐጽዖ እዩ እሞ፡ ተግሳጽ እግዚኣብሄር ኣይትንዐቕ፡ እንተ ቐጽዓካ ኸኣ ኣይትመረር” ዚብል ጥቕሲ ኣይንረስዓዮ።—ምሳ. 3:11, 12

^ ሕ.ጽ. 15 ስማት ተቐዪሩ እዩ።