ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እቶም ኣብ ዘፍጥረት 6:2, 4 ተጠቒሶም ዘለዉ ቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበሩ “ደቂ ኣምላኽ” መን እዮም፧

እዚ መግለጺ እዚ ነቶም መንፈሳውያን ደቂ ኣምላኽ ከም ዜመልክት ዚሕብር መርትዖ ኣሎ። ኣየናይ መርትዖ፧

ዘፍጥረት 6:2፡ “እቶም ደቂ ኣምላኽ ድማ ነተን ኣዋልድ ሰብ፡ መልክዔኛታት ከም ዝዀና ምስ ረአዩ፡ ካባታተን ዘዝሐረይወን ኣንስቲ ወሰዱ” ትብል።

ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ፡ እታ “ደቂ ኣምላኽ” እትብል መግለጺት፡ ኣብ ዘፍጥረት 6:2, 4፣ እዮብ 1:6፣ 2:1፣ 38:7፣ መዝሙር 89:6 (NW) እውን ትርከብ እያ። እሞኸ እዘን ጥቕስታት እዚአን፡ ብዛዕባ “ደቂ ኣምላኽ” እንታይ እየን ዚሕብራና፧

እቶም ኣብ እዮብ 1:6 ተጠቒሶም ዘለዉ “ደቂ ኣምላኽ፡” ነቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እተኣከቡ መንፈሳውያን ፍጡራት ከም ዜመልክቱ ንጹር እዩ። ሓደ ኻብቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እተኣከቡ ኸኣ፡ እቲ “ንምድሪ ዞይረያን ተመላሊሰያን መጻእኩ” ዝበለ ሰይጣን እዩ ነይሩ። (እዮ. 1:7፣ 2:1, 2) ብተመሳሳሊ፡ ኣብ እዮብ 38:4-7፡ ኣምላኽ ‘ንእምኒ መኣዝን ምድሪ ምስ ኣቘሞ፡’ “ደቂ ኣምላኽ” ‘እልል ከም ዝበሉ’ ተጠቒሱ ኣሎ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ደቂ ሰብ ገና ስለ ዘይተፈጥሩ፡ እቶም “ደቂ ኣምላኽ” ንመላእኽቲ ዜመልክቱ ኪዀኑ ኣለዎም። እቶም ኣብ መዝሙር 89:6 (NW) ተጠቒሶም ዘለዉ “ደቂ ኣምላኽ” እውን፡ ንደቂ ሰብ ዘይኰነስ፡ ነቶም ኣብ ሰማይ ምስ ኣምላኽ ዚነብሩ ፍጡራት እዮም ዜመልክቱ።

ስለዚ፡ እቶም ኣብ ዘፍጥረት 6:2, 4 ተጠቒሶም ዘለዉ “ደቂ ኣምላኽ” መን እዮም፧ ምስቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዚሰማማዕ መገዲ፡ ነቶም ናብ ምድሪ ዝመጹ መንፈሳውያን ደቂ ኣምላኽ ከም ዜመልክቱ ምድምዳም ርትዓዊ እዩ።

ገሊኦም ሰባት፡ መላእኽቲ ጾታዊ ርክብ ከም ዝገበሩ ዚገልጽ ሓሳብ ኣይወሓጠሎምን ይኸውን። እቲ ኣብ ማቴዎስ 22:30 ዚርከብ ቃላት የሱስ እውን እንተ ዀነ፡ ኣብ ሰማይ፡ መርዓን ጾታዊ ርክብን ከም ዘየልቦ እዩ ዚገልጽ። ኰይኑ ግና፡ ሓድሓደ ግዜ፡ መላእኽቲ ስጋ ለቢሶም እዮም፣ ምስ ሰባት ኰይኖም እውን በሊዖምን ሰትዮምን እዮም። (ዘፍ. 18:1-8፣ 19:1-3) ስለዚ፡ መላእኽቲ፡ ስጋ ኣብ ዚለብሱሉ እዋን፡ ምስ ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ርክብ ኪፍጽሙ ኸም ዚኽእሉ ምድምዳም ርትዓዊ እዩ።

ገሊኦም መላእኽቲ ኸምኡ ኸም ዝገበሩ ዚሕብር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መርትዖ እውን ኣሎ። ይሁዳ 6, 7፡ ንሓጢኣት እቶም ዘይባህርያዊ ትምኒት ስጋ ዝሰዓቡ ሰብ ሶዶም ምስቶም “መንበሪኦም ዝሓደጉ እምበር፡ ቦታኦም ዘይሓለዉ መላእኽቲ” ተመሳስሎም እያ። እቲ ነቶም መላእኽትን ንሰብ ሶዶምን ዜመሳስሎም ነጥቢ፡ ክልቲኦም ‘እምብዛ ምብዕላጎምን ዘይባህርያዊ ትምኒት ስጋ ምስዓቦምን’ እዩ። ምስዚ ዚመሳሰል ኣብ 1 ጴጥሮስ 3:19, 20 ዚርከብ ሓሳብ ድማ፡ ነቶም ዘይእዙዛት መላእኽቲ ምስ “መዓልትታት ኖህ” እዩ ዜተሓሕዞም። (1 ጴጥ. 3:19, 20፣ 2 ጴጥ. 2:4, 5) ስለዚ፡ እቶም ብመዓልትታት ኖህ ዝነበሩ ዘይእዙዛት መላእኽቲ ዝገበርዎ ነገራት፡ ምስቲ ኣብ ሶዶምን ጎሞራን እተገብረ ሓጢኣት ከነመሳስሎ ንኽእል ኢና።

ይኹን እምበር፡ እዚ መደምደምታ እዚ ርትዓዊ ኪኸውን ዚኽእል፡ እቶም ኣብ ዘፍጥረት 6:2, 4 ተጠቒሶም ዘለዉ “ደቂ ኣምላኽ፡” ስጋ ዝለበሱን ምስ ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ርኽሰት ዝፈጸሙን መላእኽቲ ኸም ዝዀኑ እንተ ተገንዚብና ጥራይ እዩ።

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ “ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ መናፍስቲ ሰበኸሎም” ይብል። (1 ጴጥ. 3:19) እዚ እንታይ ማለት እዩ፧

ሃዋርያ ጴጥሮስ ነዞም መናፍስቲ እዚኦም፡ “እቶም ቀደም ኣምላኽ ብመዓልትታት ኖህ ብትዕግስቲ ኺጽበ ኸሎ፡ . . . ዘይተኣዘዙ እዮም” ብምባል ገሊጽዎም ኣሎ። (1 ጴጥ. 3:20) ጴጥሮስ ከምዚ ኺብል ከሎ፡ ነቶም ንሰይጣን ኣብ ዕልወቱ ዝሓበርዎ መንፈሳውያን ፍጡራት የመልክት ከም ዝነበረ ንጹር እዩ። ይሁዳ ኸኣ፡ “[ኣምላኽ] ነቶም መንበሪኦም ዝሓደጉ እምበር፡ ቦታኦም ዘይሓለዉ መላእኽቲ እውን፡ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ንፍርዲ እታ ዓባይ መዓልቲ ብናይ ዘለኣለም መቓውሕ ኣሲሩ ዓቚርዎም ኣሎ” በለ።—ይሁ. 6

መንፈሳውያን ፍጡራት ብመዓልትታት ኖህ ዘይተኣዘዙ ብኸመይ እዮም፧ እዞም እኩያት መናፍስቲ እዚኦም፡ ቅድሚ ማይ ኣይሂ፡ ስጋ ሰብ ለበሱ። ኣምላኽ ከምኡ ኺገብሩ ዕላማኡ ኣይነበሮን። (ዘፍ. 6:2, 4) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ እዞም መላእኽቲ እዚኦም ምስ ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ርክብ ብምፍጻም ዘይባህርያዊ ነገር ይገብሩ ነበሩ። ኣምላኽ ንመንፈሳውያን ፍጡራት ምስ ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ርክብ ኪፍጽሙ ኢሉ ኣይፈጠሮምን። (ዘፍ. 5:2) እዞም እኩያትን ዘይእዙዛትን መላእኽቲ እዚኦም፡ ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ ኺጠፍኡ እዮም። ንግዜኡ ግና፡ ከምቲ ይሁዳ ዝገለጾ፡ “ኣብ ድቕድቕ ጸልማት፡” ማለት ኣብ መንፈሳዊ ቤት ማእሰርቲ እዮም ዘለዉ።

የሱስ ነዞም ‘ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ መናፍስቲ’ መዓስን ብኸመይን እዩ ሰቢኹሎም፧ ጴጥሮስ ከም ዝገለጾ፡ የሱስ ‘ብመንፈስ ህያው ምስ ኰነ’ እዩ ሰቢኹሎም። (1 ጴጥ. 3:18, 19) ጴጥሮስ፡ “ሰበኸሎም” ብምባል፡ ሕሉፍ ግዜ ምጥቃሙ ኸኣ፡ እቲ ስብከት፡ ነታ ቐዳመይቲ መልእኽቱ ቕድሚ ምጽሓፉ ኸም እተፈጸመ ይሕብር። ስለዚ፡ የሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ገለ ግዜያት ጸኒሑ፡ ነዞም እኩያት መናፍስቲ እዚኦም ብዛዕባ እቲ ዚግብኦም ፍርዲ ኣዊጁሎም ኪኸውን ኣለዎ። እምበኣር፡ ኵነኔ ደኣ እምበር ተስፋ ኣይኰነን ሰቢኹሎም። (ዮና. 1:1, 2) ንሱ ኽሳዕ ሞት እሙን ኰይኑ፡ ካብ ሞት ከኣ ተንሲኡ እዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ድያብሎስ ኣብኡ ሓንቲ ስልጣን ከም ዘይብሉ ስለ ዘርኣየ፡ የሱስ ፍርዲ ዅነኔ ንኺእውጅ መሰረት ነበሮ።—ዮሃ. 14:30፣ 16:8-11

የሱስ ኣብ ዚመጽእ ግዜ ንሰይጣንን ነቶም መላእኽቲ እቲኦምን ኣሲሩ፡ ኣብ መዓሙቝ ኪድርብዮም እዩ። (ሉቃ. 8:30, 31፣ ራእ. 20:1-3) ክሳዕ ሽዑ ግና፡ እዞም ዘይእዙዛት መናፍስቲ እዚኦም፡ ኣብ ዓሚቝ መንፈሳዊ ጸልማት እዮም ዘለዉ፡ ብርግጽ ድማ ኪጠፍኡ እዮም።—ራእ. 20:7-10