ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 ገበር፦ ክትኣምና እትኽእል ሃይማኖት ኣላዶ፧

ሃይማኖትካ ኽትምርምር ዜድሊ ስለምንታይ እዩ፧

ሃይማኖትካ ኽትምርምር ዜድሊ ስለምንታይ እዩ፧

ንህይወትካ ዜስግእ ሕማም ስለ ዝሓዘካ፡ መጥባሕቲ ኽትገብር ኣድልዩካ ንበል። ህይወትካ ኣብ ኢድ እቲ ሓኪም ስለ ዝዀነት፡ ኣብቲ ሓኪም ምትእምማን ኪሓድረካ ትደሊ ኢኻ። እሞኸ እቲ ሓኪም ክሳዕ ክንደይ ምኩር ምዃኑ ኽትፈልጥሲ ጥበባዊዶ ኣይምዀነን፧

ብተመሳሳሊ፡ ሃይማኖት ብጥንቃቐ ኽትምርምር ጥበባዊ እዩ። ኣባል ሓንቲ ሃይማኖታዊት ውድብ እንተ ዄንካ፡ ንመንፈሳዊ ህይወትካ ኣብ ኢድ እታ ሃይማኖት ኢኻ እትሓድጎ ዘሎኻ። መጻኢ ህይወትካ እውን ኣብኣ እዩ ዚምርኰስ።

የሱስ ብዛዕባ ሃይማኖት ሚዛናዊ ኣረኣእያ ንኺህልወና ዚሕግዝ ስርዓት ሂቡና ኣሎ። “ኵሉ ኦም ብፍሪኡ እዩ ዚፍለጥ” በለ። (ሉቃስ 6:44) ንኣብነት፡ ብዛዕባ ሓንቲ ሃይማኖት ምስ እትምርምር፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተት፦ እዛ ሃይማኖት እዚኣ እንታይ ፍረ እያ እትፈሪ፧ መራሕታ ኣብ ገንዘብ እምብዛ የተኵሩ ድዮም፧ ኣባላታኸ ብዛዕባ ውግእን ስነ ምግባርን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ይሕልዉ ድዮም፧ ክትኣምና እትኽእል ሃይማኖትከ ኣላዶ፧ ነዚ ዚስዕብ ዓንቀጻት ክትምርምር ንዕድመካ።

“ኵሉ ኦም ብፍሪኡ እዩ ዚፍለጥ።”—ሉቃስ 6:44