ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“እንሆ ድማ፡ ኣነ . . . ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ”

“እንሆ ድማ፡ ኣነ . . . ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ”

“እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መደምደምታ ስርዓት ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።”—ማቴ. 28:20

1. (ሀ) ንምሳሌ እቲ ስርናይን ክርዳድን ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጾ። (ለ) የሱስ ንትርጕም እታ ምሳሌ ዝገለጾ ብኸመይ እዩ፧

ሓደ ኻብቲ የሱስ እተዛረቦ ምሳሌታት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ብዛዕባ ሓደ ጽቡቕ ዘርኢ ስርናይ ዝዘርአ ሓረስታይ ይርከቦ፣ ይኹን እምበር፡ ጸላኢ መጺኡ፡ ኣብ መንጎ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ፡ ክርዳድ ዘርአ። እቲ ኽርዳድ ነቲ ስርናይ እኳ እንተ ዓብለሎ፡ እቲ ሓረስታይ ግና ንባሮቱ፡ “ክሳዕ ቀውዒ ኽልቲኡ ብሓደ ይዕበ ሕደግዎ” ኢሉ ኣዘዞም። ኣብ እዋን ቀውዒ፡ እቲ ኽርዳድ ነዲዱ፡ እቲ ስርናይ ተኣከበ። የሱስ ንትርጕም እዛ ምሳሌ እዚኣ፡ ባዕሉ ገሊጽዎ እዩ። (ማቴዎስ 13:24-30, 37-43 ኣንብብ።) እዛ ምሳሌ እዚኣ፡ ብዛዕባ እንታይ እያ እትገልጽ፧ (ነቲ፡ “ስርናይን ክርዳድን” ዚብል ሰሌዳ ርአ።)

2. (ሀ) እቲ ኣብ ግራት እቲ ሓረስታይ ዘጋጠመ ፍጻመታት፡ ብዛዕባ እንታይ እዩ ዚሕብር፧ (ለ) ኣበየናይ ክፋል እቲ ምሳሌ ኢና ኸነተኵር፧

2 እቲ ኣብ ግራት እቲ ሓረስታይ ዘጋጠመ ፍጻመታት፡ የሱስ ካብ ብምሉኦም ደቂ ሰብ፡ ብኸመይን መዓስን ነቶም ብስርናይ እተመሰሉ ጕጅለ፡ ማለት ነቶም ምስኡ ኣብ መንግስቱ ዚገዝኡ ቕቡኣት ክርስትያናት ከም ዚእክቦም ዚሕብር እዩ። እቲ ምዝራእ፡ ኣብ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. እዩ ጀሚሩ። እቲ ዕዮ ምእካብ ከኣ፡ ኵሎም እቶም ኣብ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ብህይወት ዚህልዉ ቕቡኣት፡ ንመወዳእታ እዋን ተሓቲሞም ናብ ሰማይ ምስ ተወስዱ እዩ ዚዛዘም። (ማቴ. 24:31፣ ራእ. 7:1-4) ልክዕ ከምቲ ኣብ ጫፍ ሓደ ኸረን ደው ዝበለ ሰብ ንብምሉኡ ኸባቢኡ ኺርኢ ዚኽእል፡ ነቲ ምሳሌ ስርናይን ክርዳድን ኣስፊሕና ምርኣይና፡ ነቲ ኣብ 2,000 ዓመት ዚርአ ምዕባለታት ምሉእ ብምሉእ ንኽንርድኦ ይሕግዘና እዩ። እሞኸ ኻብዚ ዘለናሉ ሸነኽ ኴንካ ኺርአ ኸሎ፡ ምስ መንግስቲ ኣምላኽ ዚተሓሓዝ እንታይ ምዕባለታት ኢና ኸነስተውዕል ክኢልና፧ እቲ ምሳሌ፡ ብዛዕባ እቲ ዘርኢ ዚዝርኣሉን ዚዓብየሉን ኣብ እዋን ቀውዒ ዚዕጸደሉን እዋን እዩ ዚገልጽ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብቐንዱ ኣብ እዋን ዓጺድ ወይ ቀውዒ ኸተተኵር እያ። *

ኣብ ትሕቲ ሓለዋ የሱስ

3. (ሀ) ድሕሪ ቐዳማይ ዘመን እንታይ ኵነታት እዩ ኺምዕብል ጀሚሩ፧ (ለ) ብመሰረት ማቴዎስ 13:28፡ እንታይ ሕቶ እዩ ተላዒሉ፧ ሓታቲኡኸ መን እዩ፧ (ነቲ ኣብ መወዳእታ ዘሎ ሓበሬታ እውን ርአ።)

3 ኣብ መጀመርታ ኻልኣይ ዘመን ድ.ክ.፡ ናይ ሓሶት ክርስትያናት ኣብዛ ምስ ግራት እተመሰለት ዓለም ኪቕልቀሉ ምስ ጀመሩ፡ “እቲ ኽርዳድ ተራእየ።” (ማቴ. 13:26) ኣብ ራብዓይ ዘመን፡ እቶም ብኽርዳድ እተመሰሉ ክርስትያናት ንቕቡኣት ክርስትያናት ኣዝዮም ዓብለልዎም። ኣብ ምሳሌ እቲ ስርናይን ክርዳድን፡ እቶም ባሮት ንጐይታኦም፡ ነቲ ኽርዳድ ኪኣርይዎ ኸም ዝሓተትዎ ትዝክር ትኸውን። * (ማቴ. 13:28) እሞኸ እቲ ጐይታኦም እንታይ ምላሽ ሃቦም፧

4. (ሀ) ጐይታና የሱስ ዝሃቦ ምላሽ፡ እንታይ እዩ ዚሕብር፧ (ለ) እቶም ብስርናይ እተመሰሉ ጕጅለ ኺርኣዩ ዝጀመሩ መዓስ እዮም፧

4 የሱስ ብዛዕባ እቲ ስርናይን ክርዳድን ኪዛረብ ከሎ፡ “ክሳዕ ቀውዒ ኽልቲኡ ብሓደ ይዕበ ሕደግዎ” ኢሉ ነበረ። እዚ ትእዛዝ እዚ፡ ካብ ቀዳማይ ዘመን ኣትሒዙ ኽሳዕ ሕጂ፡ ኵሉ ሳዕ ኣብ ምድሪ ብስርናይ እተመሰሉ ቕቡኣት ክርስትያናት ከም ዝነበሩ ዚሕብር እዩ። የሱስ ነዚ መደምደምታ እዚ፡ በቲ ጸኒሑ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ኣነ ኽሳዕ መደምደምታ ስርዓት ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ብምባል ዝነገሮም ሓሳብ ኣራጒድዎ ኣሎ። (ማቴ. 28:20) ስለዚ፡ የሱስ ንቕቡኣት ክርስትያናት፡ ክሳዕ መወዳእታ፡ ኵሉ መዓልቲ ኼዕቍቦም እዩ። ይኹን እምበር፡ እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት በቶም ብኽርዳድ እተመሰሉ ክርስትያናት ተዓብሊሎም ስለ ዝነበሩ፡ እቶም ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሩ ብስርናይ እተመሰሉ ጕጀለ ኣየኖት ምንባሮም ርግጸኛታት ኣይኰንናን። ኰይኑ ግና፡ እዋን ቀውዒ ንኺጅምር ገለ ዓሰርተታት ዓመታት ምስ ተረፎ፡ እቶም ብስርናይ እተመሰሉ ጕጅለ ኺርኣዩ ጀመሩ። እዚ ብኸመይ እዩ ተፈጺሙ፧

‘መገዲ ዚጸርግ’ ልኡኽ

5. ሚልክያስ እተነበዮ ትንቢት፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን እተፈጸመ ብኸመይ እዩ፧

5 የሱስ ብዛዕባ ምሳሌ እቲ ስርናይን ክርዳድን ቅድሚ ምግላጹ ዘመናት ይገብር፡ የሆዋ ንነብዪ ሚልክያስ፡ ኣብ ምሳሌ የሱስ ብዛዕባ እተንጸባረቐ ፍጻመታት ኪንበ ብመንፈሱ ደረኾ። (ሚልክያስ 3:1-4 ኣንብብ።) እቲ ‘መገዲ ዚጸርግ ልኡኽ፡’ ዮሃንስ መጥምቕ እዩ ነይሩ። (ማቴ. 11:10, 11) ዮሃንስ መጥምቕ ብ29 ድ.ክ. ምስ መጸ፡ ህዝቢ እስራኤል ዚፍረዱሉ እዋን ቀሪቡ ነበረ። እቲ ኻልኣይ ልኡኽ፡ የሱስ እዩ ነይሩ። ንቤተ መቕደስ የሩሳሌም ድማ፡ ኣብ መጀመርታ ኣገልግሎቱን ኣብ ከባቢ መወዳእታ ኣገልግሎቱን ክልተ ሳዕ ኣጽረዮ። (ማቴ. 21:12, 13፣ ዮሃ. 2:14-17) ስለዚ፡ እቲ የሱስ ዘካየዶ ናይ ምጽራይ ዕዮ፡ ንውሕ ዝበለ እዋን እዩ ወሲዱ።

6. (ሀ) ትንቢት ሚልክያስ ዝዓበየ ፍጻሜኡ ዝረኸበ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) የሱስ ነታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ዝመርመራ ኣበየናይ እዋን እዩ፧ (ነቲ ኣብ መወዳእታ ዘሎ ሓበሬታ እውን ርአ።)

6 ትንቢት ሚልክያስ ዝዓበየ ፍጻሜኡ ዝረኸበ ብኸመይ እዩ፧ ቅድሚ 1914 ኣብ ዝነበረ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ቻርለስ ቴዝ ራስልን ናይ ቀረባ ብጾቱን ምስ ናይ ዮሃንስ መጥምቕ ዚመሳሰል ዕዮ ዓየዩ። እዚ ኣገዳሲ ዕዮ እዚ፡ ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ናብቲ ዝነበሮ ምምላስ ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ ቕኑዕ ትርጕም መስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ መሃሩ፡ ትምህርቲ ገሃነም እሳት ሓሶት ምዃኑ ኣቃልዑ፡ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ዚቐርብ ዝነበረ መወዳእታ ዘመን ኣህዛብ ኣወጁ። ኰይኑ ግና፡ ሰዓብቲ ክርስቶስ ምዃነን ዚገልጻ ሓያሎ ሃይማኖታት ነበራ። ስለዚ፡ መልሲ ዜድልዮ ኣገዳሲ ሕቶ ተላዕለ፣ ንሱ ኸኣ፡ ‘ካብዞም ኵሎም ጕጅለታት፡ እቶም ብስርናይ እተመሰሉ ጕጅለ ኣየኖት እዮም፧’ ዚብል እዩ ነይሩ። የሱስ ነዚ ሕቶ እዚ ንምምላስ፡ ብ1914 ነታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ኪምርምራ ጀመረ። እዚ ናይ ምምርማርን ናይ ምጽራይን ዕዮ፡ ንውሕ ዝበለ እዋን፡ ማለት ካብ 1914 ክሳዕ መጀመርታ 1919 እዩ ጸኒሑ። *

ምርመራን ምጽራይን እተኻየደሉ ዓመታት

7. የሱስ ብ1914 ምርመራኡ ምስ ጀመረ፡ እንታይ ረኸበ፧

7 የሱስ ምርመራኡ ምስ ጀመረ፡ እንታይ ረኸበ፧ ንልዕሊ 30 ዓመት ጕልበቶምን ገንዘቦምን ሰዊኦም ኣብ ዕዮ ስብከት ብቕንኣት እተኻፈሉ ሰባት ዘለውዋ ንእሽቶ ጕጅለ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ረኸበ። * የሱስን መላእኽትን፡ ነዞም ሒደት ግናኸ ጽኑዓት ዝዀኑ ብስርናይ እተመሰሉ ጕጅለ፡ ብኽርዳድ ሰይጣን ከይተሓንቁ ምስ ረኸብዎም፡ ክሳዕ ክንደይ ኰን ተሓጒሶም ኪዀኑ ኣለዎም! ይኹን እምበር፡ ‘እቶም ደቂ ሌዊ’ ዝዀኑ ቕቡኣት ገና ‘ኺጸርዩ’ ነበሮም። (ሚል. 3:2, 3፣ 1 ጴጥ. 4:17) ስለምንታይ፧

8. ድሕሪ 1914 እንታይ ምዕባለታት እዩ ተራእዩ፧

8 ኣብ ኣጋ መወዳእታ 1914፡ ገሊኦም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ናብ ሰማይ ስለ ዘይከዱ፡ ተስፋ ቘሪጾም ነበሩ። ብ1915/1916 ካብ ውድብ የሆዋ ወጻኢ ዝመጸ ምጽራር፡ ንንጥፈት ዕዮ ስብከት ነክይዎ ነበረ። እዚ ኸይኣክል ከኣ፡ ሓውና ራስል ኣብ ጥቅምቲ 1916 ምስ ሞተ፡ ካብ ውሽጢ ውድብ የሆዋ ምጽራር ኣጋጠመ። ካብቶም ሸውዓተ ኣካየድቲ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን እቶም ኣርባዕተ፡ ካብቲ ንሓውና ራዘርፎርድ መሪሕ ግደ ኺህልዎ እተገብረ ውሳነ ዓለዉ። ኣብ መንጎ ኣሕዋት ምክፍፋል ኪፈጥሩ ድማ ፈተኑ፣ ኰይኑ ግና፡ ኣብ ነሓሰ 1917 ካብ ቤት-ኤል ወጹ፣ እዚ ኸኣ ኣማን ብኣማን ምጽራይ እዩ ነይሩ። ገሊኦም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብፍርሂ ሰብ ኢዶም ሃቡ። ይኹን እምበር፡ ብደረጃ ጕጅለ፡ ነቲ የሱስ ዘካየዶ ዕዮ ምጽራይ ጽቡቕ ምላሽ ሂቦምሉን ኣድላዪ ለውጥታት ገይሮምን እዮም። ስለዚ፡ የሱስ፡ ብስርናይ እተመሰሉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም ዝዀኑ ፈረዶም፣ ንዅሎም ናይ ሓሶት ክርስትያናት፡ እንተላይ ንብምሉኦም እቶም ኣብ ሃይማኖታት ህዝበ ክርስትያን ዝነበሩ ድማ ነጸጎም። (ሚል. 3:5፣ 2 ጢሞ. 2:19) ድሕሪኡኸ እንታይ ኣጋጠመ፧ ነዚ ንምፍላጥ፡ ናብቲ ብዛዕባ ስርናይን ክርዳድን ዚገልጽ ምሳሌ ንመለስ።

ቀውዒ ድሕሪ ምጅማሩ እንታይ እዩ ኼጋጥም፧

9, 10. (ሀ) ሕጂ ብዛዕባ እዋን ቀውዒ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧ (ለ) ኣብቲ እዋን ቀውዒ፡ ፈለማ እንታይ እዩ ኣጋጢሙ፧

9 የሱስ፡ “እቲ ቐውዒ፡ መደምደምታ ስርዓት ዓለም እዩ” በለ። (ማቴ. 13:39) እዚ እዋን ቀውዒ እዚ፡ ብ1914 እዩ ጀሚሩ። የሱስ ብዛዕባ እቲ እዋን እቲ እተነበዮ ሓሙሽተ ምዕባለታት ክንምርምር ኢና።

10 ቀዳማይ፡ ምእራይ እቲ ኽርዳድ። የሱስ፡ “ብግዜ ቐውዒ ኸኣ ንዓጻዶ፡ ቅድም ነቲ ኽርዳድ ኪኣርይዎን ንኺነድድ ድማ በብእንዳእቲ ገይሮም ኪኣስርዎን . . . ክነግሮም እየ” በለ። ድሕሪ 1914 መላእኽቲ ነቶም ብኽርዳድ እተመሰሉ ክርስትያናት ካብቶም ቅቡኣት “ደቂ መንግስቲ” ፈልዮም ‘ኪኣርይዎም’ ጀመሩ።—ማቴ. 13:30, 38, 41

11. ክሳዕ ሎሚ ንናይ ሓቂ ክርስትያናት ካብ ናይ ሓሶት ክርስትያናት ብቐንዱ ዚፈልዮም እንታይ እዩ፧

11 እቲ ዕዮ ምእካብ ምስ ቀጸለ፡ ኣብ መንጎ እቶም ክልተ ጕጅለ ዘሎ ፍልልይ እናነጸረ ኸደ። (ራእ. 18:1, 4) ብ1919 ዓባይ ባቢሎን ከም ዝወደቐት ንጹር ኰነ። ንናይ ሓቂ ክርስትያናት ካብ ናይ ሓሶት ክርስትያናት ብቐንዱ ዚፈልዮም እንታይ እዩ፧ ዕዮ ስብከት እዩ። እቶም ኣብ መንጎ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ መሪሕ ግደ ዝነበሮም ኣሕዋት፡ ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ምክፋል ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጕሊሖም ነይሮም እዮም። ንኣብነት፡ እታ ብ1919 እተሓትመት ቱ ሁም ዘ ዎርክ ኢዝ ኢንትራስትድ (ነቶም እቲ ዕዮ ብሓደራ እተዋህቦም) ዘርእስታ ትራክት፡ ንዅሎም ቅቡኣት ክርስትያናት ካብ ቤት ናብ ቤት ኪሰብኩ ኣተባብዓቶም። “እቲ ዕዮ ዓብዪ እኳ እንተ ዀነ፡ ዕዮ ጐይታ ስለ ዝዀነ፡ በቲ ንሱ ዝህበና ብርታዐ ኽንፍጽሞ ኢና። ንስኻ ድማ ኣብዚ ዕዮ እዚ ናይ ምክፋል ፍሉይ መሰል ክትረክብ ትኽእል ኢኻ” ትብል ነበረት። እሞኸ እንታይ ውጽኢት ተረኽበ፧ እታ ብ1922 ዝወጸት ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ኸም ዝሓበረቶ፡ ካብቲ እዋን እቲ ንነጀው፡ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንንጥፈታት ዕዮ ስብከቶም ወሰኹሉ። ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ፡ ካብ ቤት ናብ ቤት ምስባኽ፡ መለለዪ እቶም እሙናት ክርስትያናት ኰነ፣ ሎሚ እውን ከምኡ እዩ።

12. እቶም ብስርናይ እተመሰሉ ጕጅለ፡ ካብ መዓስ ጀሚሮም እዮም ዚእከቡ ዘለዉ፧

12 ካልኣይ፡ ምእካብ እቲ ስርናይ። የሱስ ንመላእኽቱ እንታይ ኢሉ ኸም ዚእዝዞም ኪገልጽ ከሎ፡ “ነቲ ስርናይ ናብ ማዕከነይ ኪእክብዎ ኽነግሮም እየ” በለ። (ማቴ. 13:30) ካብ 1919 ኣትሒዙ፡ ቅቡኣት ናብታ ዝጸረየት ክርስትያናዊት ጉባኤ ይእከቡ ኣለዉ። እቶም ኣብ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ብህይወት ዚጸንሑ ቕቡኣት ክርስትያናት ንመወዳእታ እዋን ዚእከቡ፡ ሰማያዊ ዓስቦም ምስ ረኸቡ እዩ።—ዳን. 7:18, 22, 27

13. ራእይ 18:7፡ እታ ንህዝበ ክርስትያን እተጠቓልል ኣመንዝራ ወይ ዓባይ ባቢሎን ብዛዕባ ገዛእ ርእሳ እንታይ ኣረኣእያ ኸም ዘለዋ እያ እትገልጽ፧

13 ሳልሳይ፡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን። እቶም መላእኽቲ ነቲ ኽርዳድ ምስ ኣሰርዎ፡ ድሕሪኡ እንታይ እዩ ኼጋጥም፧ የሱስ ብዛዕባ ዅነታት እቶም ብኽርዳድ እተመሰሉ ጕጅለ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣብኡ ድማ ኪበኽዩን ኣስናኖም ኪሕርቅሙን እዮም” በለ። (ማቴ. 13:42) እዚ ሕጂ ድዩ ዚፍጸም ዘሎ፧ ኣይፋሉን። ሎሚ ህዝበ ክርስትያን ከም ሓንቲ ኽፋል እታ ኣመንዝራ ዝዀነት ዓባይ ባቢሎን መጠን፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእሳ፡ “ንግስቲ ዀይነ ተቐሚጠ እየ፡ መበለት ኣይኰንኩን፡ ሓዘን እውን ከቶ ኣይክርእን እየ” እያ እትብል ዘላ። (ራእ. 18:7) ንዅሉ እትቈጻጸሮን ኣብ ልዕሊ ፖለቲካውያን መራሕቲ ኸም ‘ንግስቲ እተቐመጠትን’ ኰይኑ እዩ ዚስምዓ። ሎሚ እቶም ብኽርዳድ እተመሰሉ ጕጅለ፡ ብትዕቢት ተነፊሖም ደኣ እምበር፡ ይበኽዩ ኣይኰኑን ዘለዉ። እዚ ግና ኪቕየር እዩ።

ህዝበ ክርስትያን ምስ ፖለቲካውያን መራሕቲ ዘለዋ ጥብቂ ርክብ፡ ድሕሪ ቐረባ እዋን ኬብቅዕ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ)

14. (ሀ) ናይ ሓሶት ክርስትያናት ‘ኣስናኖም ዚሕርቅሙ’ መዓስን ስለምንታይን እዮም፧ (ለ) ብዛዕባ ማቴዎስ 13:42 ዝነበረና ምርዳእ ምትዕርራዩ፡ ምስቲ ኣብ መዝሙር 112:10 ዘሎ ሓሳብ ዚሳነ ብኸመይ እዩ፧ (ነቲ ኣብ መወዳእታ ዘሎ ሓበሬታ ርአ።)

14 ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ፡ ኵለን ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ምስ ጠፍኣ፡ ሰዓብቲ እተን ሃይማኖታት ከውሊ እኳ እንተ ኣናደዩ፡ ዚሕብኡሉ ዜተኣማምን ቦታ ግና ኣይኪረኽቡን እዮም። (ሉቃ. 23:30፣ ራእ. 6:15-17) ድሕሪኡ፡ ካብቲ ጥፍኣት ኬምልጡ ኸም ዘይክእሉ ምስ ተገንዘቡ፡ ብተስፋ ምቝራጽ ኪበኽዩን ብሓርቖት ‘ኣስናኖም ኪሕርቅሙን’ እዮም። ከምቲ ኣብቲ የሱስ ብዛዕባ ብርቱዕ ጸበባ እተነበዮ ትንቢት ተገሊጹ ዘሎ ድማ፡ ሰዓብቲ ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ኣብታ ጸልማት ህሞት፡ “ደረቶም እናወቕዑ ኼልቅሱ እዮም።” *ማቴ. 24:30፣ ራእ. 1:7

15. እቲ ኽርዳድ እንታይ ኪኸውን እዩ፧ እዚኸ መዓስ እዩ ዚፍጸም፧

15 ራብዓይ፡ ናብ ሓዊ ምድርባይ። እቲ እተኣስረ እንዳእትታት ክርዳድ እንታይ ኪኸውን እዩ፧ መላእኽቲ ‘ናብ እቶን ሓዊ ኺድርብይዎ እዮም።’ (ማቴ. 13:42) ምሉእ ብምሉእ ኪጠፍእ እዩ ማለት እዩ። ስለዚ፡ እቶም ሰዓብቲ ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ዝነበሩ ሰባት፡ ኣብ መወዳእታ ኽፋል እቲ ብርቱዕ ጸበባ፡ ማለት ኣብ ኣርማጌዶን እዮም ዚጠፍኡ።—ሚል. 4:1

16, 17. (ሀ) እቲ የሱስ ኣብ ምሳሌኡ ዝጠቐሶ ናይ መወዳእታ ፍጻመ እንታይ እዩ፧ (ለ) እዚ ፍጻመ እዚ ገና ኣብ መጻኢ ኸም ዚፍጸም ክንድምድም እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

16 ሓምሻይ፡ ደሚቕካ ምብራህ። የሱስ ንትንቢቱ፡ “ሽዑ፡ ጻድቃን ኣብ መንግስቲ ኣቦኦም ከም ጸሓይ ደሚቖም ኪበርሁ እዮም” ኢሉ ዛዘሞ። (ማቴ. 13:43) እዚ መዓስን ኣበይን እዩ ዚፍጸም፧ እዚ ገና ኣብ መጻኢ ዚፍጸም እዩ። የሱስ ብዛዕባ ሎሚ ኣብ ምድሪ ዚፍጸም ዘሎ ንጥፈታት ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ኣብ ሰማይ ዚፍጸም ፍጻመ እዩ ዚንበ ነይሩ። * ከምኡ ዝዀነሉ ኽልተ ምኽንያት እስከ ንርአ።

17 ብቐዳምነት፡ ነታ “መዓስ” እትብል ሕቶ ንመልሳ። የሱስ፡ “ሽዑ፡ ጻድቃን . . . ኪበርሁ እዮም” ኢሉ ኣሎ። እታ “ሽዑ” እትብል ቃል፡ ነቲ የሱስ ኣቐድም ኣቢሉ ዝጠቐሶ ፍጻመ እያ እተመልክት፣ እቲ ፍጻመ ኸኣ፡ ‘ንኽርዳድ ናብ እቶን ሓዊ ምድርባይ’ እዩ። እዚ ኸኣ ኣብ መወዳእታ ኽፋል እቲ ብርቱዕ ጸበባ እዩ ዚፍጸም። ስለዚ፡ እቶም ቅቡኣት ‘ደሚቖም ዚበርሁ፡’ ኣብ መጻኢ እዩ ማለት እዩ። ሕጂ ድማ፡ ነታ “ኣበይ” እትብል ሕቶ ንመልሳ። የሱስ፡ ጻድቃን ‘ኣብ መንግስቲ ኸም ዚበርሁ’ እዩ ገሊጹ። እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ናይ መጀመርታ ኽፋል እቲ ብርቱዕ ጸበባ ምስ ሓለፈ ኣብ ምድሪ ዚህልዉ ዅሎም እሙናት ቅቡኣት፡ ንመወዳእታ እዋን ኪሕተሙ እዮም። ድሕሪኡ፡ ከምቲ ኣብቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ ብርቱዕ ጸበባ እተነበዮ ትንቢት ተገሊጹ ዘሎ፡ ናብ ሰማይ ኪእከቡ እዮም። (ማቴ. 24:31) ኣብኡ ድማ፡ “ኣብ መንግስቲ ኣቦኦም” ኪበርሁ እዮም፣ ድሕሪ ውግእ ኣርማጌዶን ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ፡ ከም ሕጉስቲ ሰበይቲ የሱስ መጠን፡ ኣብ “መርዓ እቲ ገንሸል” ኪካፈሉ እዮም።—ራእ. 19:6-9

እንረኽቦ ጥቕሚ

18, 19. ነቲ የሱስ እተዛረቦ ምሳሌ ስርናይን ክርዳድን ምርዳእና፡ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ዚጠቕመና ብኸመይ እዩ፧

18 ነቲ ምሳሌ ስርናይን ክርዳድን ኣስፊሕና ምርኣይና፡ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ዚጠቕመና ብኸመይ እዩ፧ ሰለስተ መገድታት እስከ ንርአ። ቀዳማይ፡ ንምርዳእና የዕምቖ እዩ። እቲ ምሳሌ፡ የሆዋ እከይ ኪህሉ ዝፈቐደሉ ምኽንያት ንኽንርዳእ ይሕግዘና እዩ። ነቶም “ኣቕሑ ምሕረት” ዝዀኑ ብስርናይ እተመሰሉ ጕጅለ ምእንቲ ኼዳሉ ኢሉ እዩ ነቶም “ኣቕሑ ቝጥዓ” ጾይርዎም ዘሎ። * (ሮሜ 9:22-24) ካልኣይ፡ ንምትእምማንና የደልድሎ እዩ። መወዳእታ ኪቐርብ ከሎ፡ ጸላእትና ነቲ ምሳና ዚገብርዎ ቓልሲ ኼሐይልዎ እዮም፣ ግናኸ ‘ኣይኪስዕሩናን እዮም።’ (ኤርምያስ 1:19 ኣንብብ።) ልክዕ ከምቲ የሆዋ ኣብዚ ዝሓለፈ ዘመናት ነቶም ብስርናይ እተመሰሉ ጕጅለ ዘዕቈቦም፡ ድሕሪ ሕጂ እውን ብየሱስን ብመላእኽትን ኣቢሉ “ዅሉ መዓልቲ” ምሳና ኪኸውን እዩ።—ማቴ. 28:20

19 ሳልሳይ፡ እቲ ምሳሌ ነቶም ብስርናይ እተመሰሉ ጕጅለ ንኸነለልዮም ይሕግዘና እዩ። እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ እቶም ብስርናይ እተመሰሉ ክርስትያናት መን ምዃኖም ምፍላጥና፡ የሱስ ብዛዕባ ዳሕሮት መዓልትታት ኣብ ዝሃቦ ሰፊሕ ትንቢት ንዘበገሳ ሕቶ ንኽንምልሳ ስለ ዜኽእለና እዩ። እታ ሕቶ፡ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ መን ኰን እዩ፧” እያ እትብል። (ማቴ. 24:45) እዘን ቀጺለን ዘለዋ ኽልተ ዓንቀጻት፡ ነታ ሕቶ ብዜዕግብ መገዲ ኺምልሳኣ እየን።

 

^ ሕ.ጽ. 2 ሕጡብ ጽሑፍ 2፦ ንትርጕም ካልእ ክፋል እቲ ምሳሌ ኣጸቢቕካ ምእንቲ ኽትዝክሮ፡ ነታ ኣብ ናይ 15 መጋቢት 2010 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ ‘ጻድቃን ከም ጸሓይ ኪበርሁ እዮም’ ዘርእስታ ዓንቀጽ ከተንብባ ነተባብዓካ።

^ ሕ.ጽ. 3 ሕጡብ ጽሑፍ 3፦ ሃዋርያት የሱስ ሞይቶም ስለ ዝነበሩ፡ እቶም ኣብ ምድሪ ዝተረፉ ቕቡኣት ከኣ ብባሮት ዘይኰነስ፡ ብስርናይ ስለ እተመሰሉ፡ እዞም ባሮት እዚኦም ንመላእኽቲ እዮም ዜመልክቱ። ጸኒሑ ኣብታ ምሳሌ፡ እቶም ነቲ ኽርዳድ ዚኣርዩ ዓጻዶ፡ መላእኽቲ ኸም ዝዀኑ ተገሊጹ ኣሎ።—ማቴ. 13:39

^ ሕ.ጽ. 6 ሕጡብ ጽሑፍ 6፦ እዚ ነቲ ቐደም ዝነበረና ምርዳእ ዜተዓራሪ እዩ። ኣቐዲምና፡ የሱስ ምርመራ ዘካየደ፡ ብ1918 ከም ዝዀነ ጌርና ኢና እንሓስብ ኔርና።

^ ሕ.ጽ. 7 ሕጡብ ጽሑፍ 7፦ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ 1910 ክሳዕ 1914፡ ኣስታት 4,000,000 መጻሕፍትን ልዕሊ 200,000,000 ትራክትን ንኣሽቱ መጻሕፍትን ዓዲሎም እዮም።

^ ሕ.ጽ. 14 ሕጡብ ጽሑፍ 14፦ እዚ ብዛዕባ ማቴዎስ 13:42 ንዝነበረና ምርዳእ ዜተዓራሪ እዩ። ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ጽሑፋትና፡ ናይ ሓሶት ክርስትያናት ‘ኪበኽዩን ኣስናኖም ኪሕርቅሙን’ ካብ ዚጅምሩ ዓሰርተታት ዓመታት ከም ዘሕለፉ፡ ከምኡ ዚገብሩሉ ምኽንያት ድማ፡ “ደቂ መንግስቲ” ንዓታቶም “ደቂ እቲ እኩይ” ምዃኖም ስለ ዜቃልዕዎም ብምዃኑ ዚገልጽ ሓበሬታ ወጺኡ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 13:38) ይኹን እምበር፡ እቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ምሕርቃም ኣስናን፡ ምስ ጥፍኣት እተተሓሓዘ ምዃኑ ኽንግንዘብ ኣሎና።—መዝ. 112:10

^ ሕ.ጽ. 16 ሕጡብ ጽሑፍ 16፦ ዳንኤል 12:3፡ “እቶም ጠቢባን [ቅቡኣት ክርስትያናት] ከም ምንጽብራቕ ጠፈር . . . ኪበርሁ እዮም” ትብል። ቅቡኣት ኣብ ምድሪ ኸለዉ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ብምክፋል ከም ብርሃን የብርሁ እዮም። ይኹን እምበር፡ ማቴዎስ 13:43 ብዛዕባ እቲ ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ደሚቖም ዚበርሁሉ እዋን እያ እትገልጽ። ኣቐድም ኣቢልና ግና፡ ክልቲኤን እተን ጥቕስታት ንተመሳሳሊ ንጥፈት፡ ማለት ንዕዮ ስብከት ከም ዜመልክታ ጌርና ኢና እንሓስብ ኔርና።

^ ሕ.ጽ. 18 ሕጡብ ጽሑፍ 18፦ ኣብታ ንየሆዋ ቕረቦ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 288-289 ርአ።