ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተቐዲስካ ኢኻ

ተቐዲስካ ኢኻ

“ተሓጺብኩምን ተቐዲስኩምን . . . ኢኹም።”—1 ቈረ. 6:11

1. ነህምያ ናብ የሩሳሌም ምስ ተመልሰ፡ እንታይ ዜጕሂ ነገራት እዩ ኣጋጢምዎ፧ (ኣብዛ ገጽ እዚኣ ዘሎ ስእሊ ርአ።)

ተቐማጦ የሩሳሌም ይዘራረቡ ነበሩ። ሓደ ዕሉል ጓና ኣብ ሓደ ኽፍሊ ቤተ መቕደስ ይሓድር ነበረ። ሌዋውያን ዕዮኦም ጠንጢኖም ነበሩ። ሽማግለታት ኣብ ኣምልኾ ኣብ ክንዲ ዚመርሑ፡ ሰንበት ምድሪ ይነግዱ ነበሩ። ሓያሎ እስራኤላውያን፡ ጓኖት ይምርዓዉ ነበሩ። እዚ ዜጕሂ ነገራት እዚ፡ ገለ ኻብቲ ንነህምያ፡ ድሕሪ 443 ቅ.ክ. እተወሰነ ግዝያት ጸኒሑ ናብ የሩሳሌም ምስ ተመልሰ ዘጋጠሞ እዩ።—ነህ. 13:6

2. እስራኤላውያን ቅዱስ ህዝቢ ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧

2 እስራኤላውያን ንኣምላኽ እተወፈዩ ህዝቢ እዮም ነይሮም። ብ1513 ቅ.ክ. ከኣ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዖም ንኺነብሩ ተሃንጥዮም ነበሩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ “እግዚኣብሄር እተዛረቦ ዅሉ ቓላት ንገብር” በሉ። (ዘጸ. 24:3) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ኣምላኽ ቀደሶም፡ ማለት ሕሩያት ህዝቡ ኪዀኑ ፈለዮም። እዝስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ ነይሩ! ድሕሪዚ ኣርብዓ ዓመት ጸኒሑ፡ ሙሴ ነቶም ህዝቢ፡ “ንስኻስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቅዱስ ህዝቢ ኢኻ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ካብ ኵሎም ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ዘለዉ ህዝብታት ፈልዩ፡ ህዝቡ ኽትኰኖ ሐረየካ” ብምባል ኣዘኻኸሮም።—ዘዳ. 7:6

3. ነህምያ ንኻልኣይ ግዜ ናብ የሩሳሌም ኣብ እተመልሰሉ እዋን፡ መንፈሳዊ ዅነታት ኣይሁድ ከመይ ነበረ፧

3 እቲ ዜሕዝን ግና፡ እቲ እስራኤላውያን ቅዱስ ህዝቢ ዀይኖም ንኺነብሩ ዝነበሮም ውዕዉዕ ስምዒት ነዊሕ እዋን ኣይቀጸለን። ንኣምላኽ ዜገልግሉ ገለ ውልቀ ሰባት እኳ እንተ ነበሩ፡ ብደረጃ ህዝቢ ግና፡ ኣይሁድ ብዝያዳ ዜተሓሳስቦም ዝነበረ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ዘይኰነስ፡ ቅዱስ ወይ ውፉይ መሲልካ ምርኣይ እዩ ነይሩ። ነህምያ ንኻልኣይ ግዜ ናብ የሩሳሌም ኣብ እተመልሰሉ እዋን፡ እሙናት ተረፍ እንደገና ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምክያድ ካብ ባቢሎን ካብ ዚምለሱ ኣስታት ሓደ ሚእቲ ዓመት ሓሊፉ ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ እውን፡ መንፈሳዊ ቕንኢ እቲ ህዝቢ ቕሂሙ ነበረ።

4. ቅዱሳት ህዝቢ ዄንና ንኽንቅጽል ዚሕግዘና እንታይ ረቛሒታት ኢና ኽንምርምር፧

4 ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን፡ ከም እስራኤላውያን ብደረጃ ህዝቢ ተቐዲሶም እዮም። ቅቡኣት ክርስትያናት ኰኑ እቶም “ብዙሓት ህዝቢ” ተቐዲሶም፡ ማለት ንቕዱስ ኣገልግሎት ተፈልዮም እዮም። (ራእ. 7:9, 14, 15፣ 1 ቈረ. 6:11) እስራኤላውያን ቅዱሳት ኰይኖም ስለ ዘይቀጸሉ፡ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮም ርክብ ተባላሽዩ እዩ። ንሕና ግና ኸምዚ ኼጋጥመና ኣይንደልን ኢና። ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ቕዱሳትን ጠቐምትን ኴንና ንኽንቅጽል ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ዚስዕብ ኣብ ነህምያ ምዕራፍ 13 ጐሊሑ ዘሎ ኣርባዕተ ረቛሒታት ክንምርምር ኢና፦ (1) ካብ ሕማቕ ዕርክነት ምርሓቕ፣ (2) ቲኦክራስያዊ ስርዓት ምድጋፍ፣ (3) መንግስቲ ኣምላኽ ምቕዳም፣ ከምኡውን (4) ክርስትያናዊ መንነትካ ምዕቃብ። እስከ እምበር፡ ንነፍሲ ወከፍ እዘን ነጥብታት እዚአን በብሓደ ንመርምረን።

ካብ ሕማቕ ዕርክነት ርሓቕ

ነህምያ ንየሆዋ እሙን ምዃኑ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 5ን 6ን ርአ)

5, 6. ኤልያሺብን ጦብያን እንታዎት እዮም ነይሮም፧ ኤልያሺብ ምስ ጦብያ እተዓራረኸሉ ምኽንያት እንታይ እዩ ነይሩ፧

5 ነህምያ 13:4-9 ኣንብብ። ሕማቕ ጽልዋ ብዚገብረልና ነገራት ተኸቢብና ስለ ዘሎና፡ ቅዱሳት ኴንና ኽንቅጽል ቀሊል ኣይኰነን። ብዛዕባ ኤልያሺብን ጦብያን እሞ ንመርምር። ኤልያሺብ ሊቀ ኻህናት እዩ ነይሩ። ጦብያ ድማ ዓሞናዊ እዩ ነይሩ፣ ኣብቲ ኣብ ይሁዳ ዝነበረ ምምሕዳር ፋርስ ከኣ ንኡስ መኰነን ኰይኑ ይዓዪ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ጦብያን ብጾቱን ነቲ ነህምያ ንመናድቕ የሩሳሌም ንምህናጽ ዚገብሮ ዝነበረ ጻዕሪ ኼቋርጽዎ ይጽዕሩ ነበሩ። (ነህ. 2:10) ዓሞናውያን፡ ናብ ቤተ መቕደስ ኪኣትዉ ኣይፍቀደሎምን እዩ ነይሩ። (ዘዳ. 23:3) እቲ ሊቀ ኻህናት ደኣ እሞ ንምንታይ እዩ ንጦብያ ኣብቲ ቤተ መቕደስ ኣብ ዝነበረ ኣዳራሽ፡ ቦታ ዝሃቦ፧

6 ጦብያ ምስ ኤልያሺብ ናይ ቀረባ ርክብ መስሪቱ ነበረ። ጦብያን ወዱ ዮሓናን ኣይሁዳውያን ኣንስቲ ተመርዕዮም ነበሩ፡ መብዛሕትኦም ኣይሁድ ከኣ ንጦብያ ብጽቡቕ የልዕልዎ ነበሩ። (ነህ. 6:17-19) ሓደ ኻብቶም ደቂ ደቂ ኤልያሺብ፡ ጓል ሳንባላጥ ተመርዕዩ ነበረ። ሳንባላጥ፡ ሓደ ኻብቶም ሹማምንቲ ሰማርያን ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ጦብያን እዩ ነይሩ። (ነህ. 13:28) እዚ ርክብ እዚ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ ኤልያሺብ ንሓደ ዘይኣማንን ተጻራርን ዝነበረ ሰብ፡ ጽልዋ ንኺገብረሉ ስለምንታይ ከም ዝፈቐደሉ ንኽንርዳእ ይሕግዘና። ይኹን እምበር፡ ነህምያ ንዅሉ ኣቕሑ ጦብያ ኻብቲ ኣዳራሽ ኣውጺኡ ብምድርባይ ንየሆዋ ዘለዎ ተኣማንነት ኣርእዩ እዩ።

7. ሽማግለታትን ካልኦትን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ምእንቲ ኸይረኽሱ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

7 ህይወትና ዝወፈና ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብምዃንና፡ ብቐዳምነት ንየሆዋ ኢና እሙናት ክንከውን ዘሎና። ምስቲ ጽድቃዊ ስርዓታቱ ተሰማሚዕና እንተ ዘይተመላሊስና፡ ኣብ ቅድሚኡ ቕዱሳት ኴንና ኽንነብር ኣይንኽእልን ኢና። ናይ ቤተ ሰብ ምትእስሳር ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኺዕብልሎ ኽንፈቕደሉ የብልናን። ክርስትያን ሽማግለታት ብኣተሓሳስባኦም ወይ ብስምዒቶም ዘይኰነስ፡ ብኣተሓሳስባ የሆዋ እዮም ዚምርሑ። (1 ጢሞ. 5:21) ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎም ርክብ ዜበላሽዎ ነገራት ንኸይገብሩ ኸኣ ይጥንቀቑ እዮም።—1 ጢሞ. 2:8

8. ህይወቶም ዝወፈዩ ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ብዛዕባ ዕርክነት እንታይ እዮም ኪዝክሩ ዚግባእ፧

8 ነቲ፡ “ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የበላሽዎ እዩ” ዚብል ጥቕሲ ኣይንረስዓዮ። (1 ቈረ. 15:33) ገሊኦም ኣዝማድና ኣብ ህይወትና ኣወንታዊ ጽልዋ ኸይገብሩልና ይኽእሉ እዮም። ኤልያሺብ ኣብቲ ነህምያ መናድቕ የሩሳሌም ንምህናጽ ዚገብሮ ዝነበረ ዕዮ ምሉእ ብምሉእ ብምድጋፍ፡ ነቶም ህዝቢ ሰናይ ኣብነት ገዲፉሎም ነይሩ እዩ። (ነህ. 3:1) ድሕሪ ገለ ግዜ ግና፡ እቲ ጦብያን ካልኦትን ዚገብሩሉ ዝነበሩ ሕማቕ ጽልዋ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዜርክሶ ነገራት ከም ዚፍጽም ገይርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ጥዑያት ኣዕሩኽ፡ ከም ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ክርስትያናዊ ኣኼባታት፡ ወፍሪ ኣገልግሎት ኣብ ዝኣመሰለ ጠቓሚ ክርስትያናዊ ንጥፈታት ክንካፈል ኬተባብዑና ይኽእሉ እዮም። ብፍላይ እቶም ቅኑዕ ዘበለ ንኽንገብር ዚድርኹና ኣባላት ስድራ ቤትና ፍቕርን ሞሳን ይግብኦም እዩ።

ንቲኦክራስያዊ ስርዓት ደግፍ

9. ስርዓታት እቲ ቤተ መቕደስ ዚፈርስ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ ነህምያኸ ብዛዕባ እዚ፡ ንመን እዩ ወቒስዎም፧

9 ነህምያ 13:10-13 ኣንብብ። ኣብቲ ነህምያ ናብ የሩሳሌም እተመልሰሉ እዋን፡ ኵሉ እቲ ንቤተ መቕደስ ዚግበር ዝነበረ ውጽኢታት ኣቋሪጹ ዝነበረ እዩ ዚመስል። ሌዋውያን፡ እቲ በዚ ኸምዚ ዚረኽብዎ ዝነበሩ ደገፍ ስለ ዘቋረጸ፡ ዕዮኦም ጠንጢኖም ነናብ ማሕረሶም ተመልሱ። ነህምያ ብዛዕባ እቲ ዅነታት እቲ፡ ነቶም ኣሕሉቕ ወቐሶም። እዞም ሰባት እዚኦም፡ ንዕዮታቶም ሸለል ኢሎምዎ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ከም ቀደሞም፡ ካብቲ ህዝቢ ዕሽር ኣይቅበሉን፡ ወይ ከኣ ነቲ ዕሽር ናብቲ ቤተ መቕደስ ኣይሰድድዎን ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ነህ. 12:44) ስለዚ፡ ነህምያ ዕሽር ከም ዚእከብ ገበረ። ንመኽዘናት ቤተ መቕደስን ነቲ ኣብ መጻኢ ዚገብሮ ውጽኢታትን ዚቈጻጸሩ እሙናት ሰብኡት እውን ሸመ።

10, 11. ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ዚድግፉሉ እንታይ ፍሉይ መሰል እዩ ዘለዎም፧

10 ካብዚ ኽንረኽቦ እንኽእል ትምህርቲ ኣሎዶ፧ እወ ኣሎ፣ ንየሆዋ ብጥሪትና ንኸነኽብሮ ፍሉይ መሰል ከም እተዋህበና ተዘኻኺርና ኢና። (ምሳ. 3:9) ንዕዮ የሆዋ ንኽንድግፍ ውጽኢት ክንህብ ከለና፡ ንየሆዋ ነቲ ዚውንኖ ነገር ኢና እንህቦ። (1 ዜና 29:14-16) ብዙሕ ነገራት ክንህብ ዘይንኽእል ኰይኑ ይስምዓና ይኸውን፣ ይኹን እምበር፡ ባህጊ እንተ ኣልዩና ዅላትና አእጃምና ኸነበርክት ንኽእል ኢና።—2 ቈረ. 8:12

11 ሓንቲ ዓባይ ስድራ ቤት፡ ብዕድመ ንዚደፍኡ ሰብ ሓዳር ዝዀኑ ፍሉያት ፈለምቲ፡ ሓንሳእ ኣብ ሰሙን ምስኣ ሓቢሮም ንኺምገቡ ንሓያሎ ዓመታት ትዕድሞም ነበረት። እቶም ወለዲ፡ ሸሞንተ ቘልዑ እኳ እንተ ነበርዎም፡ እታ ኣደ፡ ንዓሰርተ ሰባት ምግቢ ምድላዋ ስለ ዘይተርፍ፡ ንኽልተ ሰባት፡ ተወሳኺ ምግቢ ምድላው ከም ዘይከብዳ እያ ወትሩ እትዛረብ። እዚ ንእሽቶ ዚመስል እኳ እንተ ዀነ፡ እቶም ፍሉያት ፈለምቲ ኣዝዮም እዮም ዜማስዉሉ። ንሳቶም እውን ብግዲኦም ነቶም ኣአንገድቶም በረኸት ኰይኖምዎም እዮም። እቶም ፈለምቲ ነታ ስድራ ቤት ብዜተባብዕ ቃላትን ብተመክሮታትን ይሃንጽዋ ስለ ዝነበሩ፡ እቶም ቈልዑ መንፈሳዊ ዕቤት ንኺገብሩ ተደሪኾም እዮም። ጸኒሖም ኵሎም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣተዉ።

12. ኣብ ጉባኤ እተሸሙ ሰብኡት እንታይ ሰናይ ኣብነት እዮም ዚዀኑ፧

12 ካልእ እንረኽቦ ትምህርቲ ኸኣ እንሆ፦ ሎሚ ዘለዉ እተሸሙ ሰብኡት እውን ልክዕ ከም ነህምያ፡ ግምባር ቀደም ኰይኖም ንቲኦክራስያዊ ስርዓት ይድግፉ እዮም። እቶም ካልኦት ኣባላት እታ ጉባኤ እውን ካብ ኣብነቶም ይጥቀሙ እዮም። በዚ መዳይ እዚ፡ ሽማግለታት ንሃዋርያ ጳውሎስ እውን ይመስልዎ እዮም። ጳውሎስ፡ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ደጊፉ፡ ጠቓሚ መምርሒ ድማ ሂቡ እዩ። ንኣብነት፡ ብኸመይ ውጽኢት ገንዘብ ኪግበር ከም ዚከኣል ዚሕብር ሓያሎ ግብራዊ ርእይቶታት ሂቡ እዩ።—1 ቈረ. 16:1-3፣ 2 ቈረ. 9:5-7

መንፈሳዊ ነገራት ኣቐድም

13. ገሊኦም ኣይሁድ፡ ሰንበት ዚንዕቑ ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧

13 ነህምያ 13:15-21 ኣንብብ። ብስጋዊ ነገራት እንተ ተታሒዝና፡ መንፈሳውነትና በብቝሩብ እናጠፍአ ኪኸይድ ይኽእል እዩ። ብመሰረት ዘጸኣት 31:13፡ ሰንበት ንእስራኤላውያን፡ እተቐደሱ ህዝቢ ምዃኖም ተዘኻኽሮም ነበረት። እታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንኣምልኾ ስድራ ቤት፡ ንጸሎት፡ ከምኡውን ብዛዕባ ሕጊ ኣምላኽ ንምስትንታን ክትምደብ እዩ ዚድለ ነይሩ። ኣብ ግዜ ነህምያ ዝነበሩ ገሊኦም ሰባት ግና፡ ከምተን ካልኦት መዓልትታት፡ ንንግዶም ይጥቀሙላ ነበሩ። ኣምልኾ ዕሽሽ ተባሂሉ ነበረ። ነህምያ ነዚ ምስ ረኣየ፡ ኣብ ሻድሸይቲ መዓልቲ፡ ኣብ እዋን ዕራርቦ፡ ሰንበት ቀቅድሚ ምጅማራ ደጌታት እታ ኸተማ ኸም ዚዕጾ ገበረ፡ ነቶም ጓኖት ነጋዶ ድማ ሰጐጎም።

14, 15. (ሀ) ንንግዳዊ ንጥፈታትና ደረት እንተ ዘይጌርናሉ እንታይ እዩ ኼጋጥመና ዚኽእል፧ (ለ) ኣብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ክንኣቱ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

14 ካብቲ ነህምያ ዝገደፎ ኣብነት እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ ሓደ ኻብኡ ንንግዳዊ ንጥፈታትና ደረት ክንገብረሉ ኸም ዘሎና እዩ። እንተ ዘይኰነ ግና፡ ብፍላይ ንዓለማዊ ስራሕና ንፈትዎ እንተ ዄንና፡ ኣብ ክልተ ኽንምቀል ንኽእል ኢና። ነቲ የሱስ ንኽልተ ጐይቶት ክንግዛእ ከም ዘይንኽእል ዝሃቦ መጠንቀቕታ ኣይንረስዓዮ። (ማቴዎስ 6:24 ኣንብብ።) ነህምያ፡ ገንዘብ ዚረኽበሉ ኣጋጣሚታት እኳ እንተ ነበሮ፡ ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዘሕለፎ ግዜ ብኸመይ እዩ ተጠቒሙሉ፧ (ነህ. 5:14-18) ምስ ጢሮሳውያን ወይ ምስ ካልኦት ሰባት ንግዳዊ ርክብ ኣብ ክንዲ ዚገብር፡ ንኣሕዋቱ ንምሕጋዝን ንስም የሆዋ ዚቕድስ ነገራት ንኺገብርን ተወፍዩ ነበረ። ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ክርስትያን ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ንጉባኤ ኣብ ዚጠቅም ነገራት እዮም ዜተኵሩ፣ ነዚ መንፈስ እዚ ብምንጽብራቖም ከኣ ክርስትያን ብጾቶም የፍቅርዎም እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን ድሕንነትን ኪሰፍን ክኢሉ እዩ።—ህዝ. 34:25, 28

15 ክርስትያናት ሰንበት ኬብዕሉ ግዴታ እኳ እንተ ዘይብሎም፡ ጳውሎስ፡ “ንህዝቢ ኣምላኽ ዕረፍቲ ሰንበት ተሪፋትሎም ኣላ” በለ። ኣስዒቡ እውን፡ “እቲ ኣብ ዕረፍቱ ዝኣተወስ፡ ከምቲ ኣምላኽ ካብ ግብሩ ዝዓረፈ፡ ንሱ እውን ካብ ግብሩ ዓሪፉ ኣሎ” ብምባል ገለጸ። (እብ. 4:9, 10) ስለዚ፡ ከም ክርስትያናት መጠን፡ ምስቲ ዚግስግስ ዘሎ ዕላማ ኣምላኽ ብምስምማዕ ብተኣዛዝነት ንመላለስ እንተ ዄንና፡ ኣብ ዕረፍቱ ኽንኣቱ ንኽእል ኢና። ንስኻን እተፍቅሮም ኣባላት ስድራ ቤትካን ንኣምልኾ ስድራ ቤትን ንኣኼባታትን ንወፍሪ ኣገልግሎትን ኣብ ህይወትኩም ቀዳምነት ትህብዎ ዲኹም፧ ኣስራሒና ወይ መሻርኽትና ብፍላይ ነቲ ቐዳምነት እንህቦ ቲኦክራስያዊ ንጥፈታትና ዘየኽብርዎ እንተ ዀይኖም፡ ኣብ መትከልና ኽንጸንዕ ኬድልየና እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ንቕዱስ ነገራት ቀዳምነት ክንህብን ኣቓልቦና ኣብኡ ምእንቲ ኽንገብርን፡ ‘ደጌታት እታ ኸተማ ኽንዓጹን ንጢሮሳውያን ክንሰጕጎምን’ የድልየና ይኸውን። ስለ እተቐደስና ድማ፡ ‘ንኣገልግሎት የሆዋ ኸም እተፈለኹ፡ ብናብራይ አርኢ ድየ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትታ ኣሎና።—ማቴ. 6:33

ንክርስትያናዊ መንነትካ ዓቅቦ

16. ብግዜ ነህምያ፡ እስራኤላውያን፡ እቲ ኸም ቅዱሳት ህዝቢ መጠን ዝነበሮም መንነት፡ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

16 ነህምያ 13:23-27 ኣንብብ። ብግዜ ነህምያ፡ እስራኤላውያን ሰብኡት ጓኖት ኣንስቲ ይምርዓዉ ነበሩ። ነህምያ ንየሩሳሌም ንፈለማ ግዜ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ንዅሎም ሽማግለታት፡ ኣረማውያን ከይምርዓዉ ብጽሑፍ ተሰማሚዖም ከም ዚፍርሙ ገይሩ እዩ። (ነህ. 9:38፣ 10:30) ድሕሪ ገለ ዓመታት ግና፡ ኣይሁድ ጓኖት ኣንስቲ ኣብ ርእሲ ምእታዎም፡ ነቲ ኸም ቅዱሳት ህዝቢ ኣምላኽ መጠን ዝነበሮም መንነት እውን ዳርጋ ኣጥፊኦምዎ ነይሮም እዮም። ደቂ እተን ጓኖት ኣንስቲ፡ ቋንቋ እብራይስጢ ኼንብቡ ወይ ኪዛረቡ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። እዞም ቈልዑ እዚኦም ምስ ዓበዩ እስራኤላውያን ከም ዝዀኑ ምገለጹዶ፧ ወይስ ኣሽዶዳውያን፡ ዓሞናውያን፡ ወይ ሞኣባውያን ከም ዝዀኑ ገይሮም ምሓሰቡ፧ ቋንቋ እብራይስጢ ኸይከኣሉ፡ ሕጊ ኣምላኽ ኪርድኡ ምኸኣሉዶ፧ ኣብ ክንዲ ነቶም ኣዴታቶም ዜምልኻኦም ዝነበራ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ፡ ንየሆዋ ኺፈልጥዎን ንኼገልግልዎ ኺመርጹን ዚኽእሉ ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧ ብቕልጡፍን ብቘራጽነትን ስጕምቲ ኺውሰድ የድሊ ስለ ዝነበረ፡ ነህምያ ከምኡ ገበረ።—ነህ. 13:28

ንደቅኻ ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ኪዕቅቡ ሓግዞም (ሕጡብ ጽሑፍ 17ን 18ን ርአ)

17. ቈልዑ ምስ የሆዋ ብሕታዊ ርክብ ምእንቲ ኼማዕብሉ፡ ወለዶም ብኸመይ ኪሕግዝዎም ይኽእሉ፧

17 ሎሚ እውን ኣወንታዊ ስጕምቲ ብምውሳድ፡ ንደቅና ክርስትያናዊ መንነቶም ኪዕቅቡ ኽንሕግዞም የድሊ። ኣቱም ወለዲ፡ ‘ደቀይ በቲ ንቕዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ዜመልክት “ጽሩይ ከናፍር” ወይ ጽሩይ ቋንቋ ኽሳዕ ክንደይ እዮም ኣጽርዮም ዚዛረቡ፧ (ጸፎ. 3:9) እቲ ደቀይ ዚዛረቡሉ ነገራት፡ ጽልዋ መንፈስ ቅዱስ ከም ዘለዎም ድዩ ዜንጸባርቕ ወይስ ጽልዋ ዓለም፧’ ኢልኩም ንርእስኹም ሕተትዋ። ኬመሓይሽዎ ዜድልዮም መዳያት ከም ዘሎ እንተ ኣስተብሂልኩም፡ ቀልጢፍኩም ተስፋ ኣይትቝረጹ። ከመይሲ፡ ቋንቋ ንኽንመሃር ግዜ ይወስድ እዩ፣ ብፍላይ ከኣ ኣቓልቦና ዚሰርቕ ነገራት ምስ ዜጋጥመና ዝያዳ ግዜ እዩ ዚወስድ። ንደቅኹም ከም ዚለማለሙ ኺገብሮም ዚኽእል ሓያሎ ጸቕጥታት የጋጥሞም እዩ። ስለዚ፡ ኣምልኾ ስድራ ቤት እትገብርሉ መደባትን ካልእ ኣጋጣሚታትን ተጠቒምኩም ንደቅኹም ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ኬማዕብሉ ብትዕግስቲ ሓግዝዎም። (ዘዳ. 6:6-9) ካብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም እተፈለኻ ምዃን ዘለዎ ጥቕሚ ኣጕልሑሎም። (ዮሃ. 17:15-17) ልቦም ክትትንክፉ ድማ ጽዓሩ።

18. ክርስትያን ወለዲ፡ ደቆም ርእሶም ንየሆዋ ምእንቲ ኺውፍዩ፡ ካባታቶም ንላዕሊ ኺሕግዞም ዚኽእል ዘየለ ስለምንታይ እዩ፧

18 ነፍሲ ወከፍ ቆልዓ፡ ንኣምላኽ ንኼገልግል ወይ ንኸየገልግል ናይ ገዛእ ርእሱ ውሳነ እዩ ኺገብር ዘለዎ። ኰይኑ ግና፡ ወለዲ ንደቆም ብብዙሕ መዳያት ኪሕግዝዎም ይኽእሉ እዮም። እዚ ኸኣ፡ ጽቡቕ ኣብነት ምዃን፡ ኪገብርዎም ብዛዕባ ዘይብሎም ነገራት ኣነጺርካ ምንጋር፡ ከምኡውን ውሳነታቶም እንታይ ኬስዕበሎም ከም ዚኽእል ምግላጽ የጠቓልል። ኣቱም ወለዲ፡ ደቅኹም ርእሶም ንየሆዋ ምእንቲ ኺውፍዩ፡ ካባኻትኩም ንላዕሊ ኺሕግዞም ዚኽእል የለን። ክርስትያናዊ መንነት ንኼጥርዩን ንኺዕቅብዎን ሓገዝኩም የድልዮም እዩ። ኵላትና ነቲ ምሳልያዊ ‘ኽዳንና፡’ ማለት ነቲ ኸም ሰዓብቲ ክርስቶስ ዜፍልጠና ባህርያትን ስርዓታትን ምእንቲ ኸይነጥፍኦ ኽንጥንቀቕ የድልየና እዩ።—ራእ. 3:4, 5፣ 16:15

“ንጽቡቕ” ተሓስበሉ

19, 20. የሆዋ “ንጽቡቕ” ኪሓስበልና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

19 ሓደ ኻብቶም ኣብ ግዜ ነህምያ ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ነብዪ ሚልክያስ እዩ ነይሩ። እቲ ነብዪ፡ “ነቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁን ንስሙ ኸኣ ዚሐስቡን ዚኸውን መጽሓፍ መዘከርታ ኣብ ቅድሚኡ ተጻሕፈ” በለ። (ሚል. 3:16, 17) ኣምላኽ ነቶም ዚፈርህዎን ንስሙ ዜፍቅሩን ሰባት ኣይርስዖምን እዩ።—እብ. 6:10

20 ነህምያ፡ “ዎ ኣምላኸይ፡ ንጽቡቕ ሕሰበለይ” ኢሉ ጸለየ። (ነህ. 13:31) ንሕና እውን፡ ወትሩ ካብ ሕማቕ ዕርክነት ንርሕቕ፡ ንቲኦክራስያዊ ስርዓት ንድግፍ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ነቐድም፡ ከምኡውን ንክርስትያናዊ መንነትና ንዕቅብ እንተ ዄንና፡ ከም ነህምያ ‘ንጽቡቕ ኪሕሰበልና እዩ፡’ ወይ ከኣ ኣብ መጽሓፍ መዘከርታ ኣምላኽ ክንጸሓፍ ኢና። ስለዚ፡ ‘ብእምነት እንተ ኣሊና፡ ርእስና ንፈትን።’ (2 ቈረ. 13:5) ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ቕዱስ ርክብ እንተ ዓቂብናዮ፡ ንሱ “ንጽቡቕ” ኪሓስበልና እዩ።