ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዕዮ ፈላምነት ምስ ኣምላኽ ንዘሎና ርክብ የደልድሎ

ዕዮ ፈላምነት ምስ ኣምላኽ ንዘሎና ርክብ የደልድሎ

“ንኣምላኽና ብመዝሙር ምውዳስ ሰናይ እዩ።”—መዝ. 147:1

1, 2. (ሀ) ብዛዕባ እንፈትዎ ሰብ ምሕሳብን ምዝራብን፡ እንታይ ውጽኢት እዩ ዘለዎ፧ (ኣብዛ ገጽ እዚኣ ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

ብዛዕባ እንፈትዎ ሰብ ንሓስብን ንዛረብን እንተ ዄንና፡ ምስቲ ሰብ ዘሎና ርክብ ይድልድል እዩ። ብዛዕባ እቲ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ እውን ከምኡ ኺብሃል ይከኣል እዩ። ዳዊት ጓሳ ኸሎ፡ መብዛሕትኡ እዋን ለይቲ፡ ናብቲ ብኸዋኽብቲ ዘጌጸ ሰማያት እናጠመተ፡ ብዛዕባ እቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ፈጣሪ የስተንትን ነበረ። “ንሰማያትካ፡ ነቲ ስራሕ ኣጻብዕካ፡ ንስኻ ዘቘምካዮም፡ ወርሕን ከዋኽብትን እንተ ጠመትኩ፡ እቲ ንስኻ እትዝክሮ ሰብ፡ እቲ እትሐልየሉ ወዲ ሰብሲ እንታይ እዩ፧” ኢሉ ድማ ጸሓፈ። (መዝ. 8:3, 4) ሃዋርያ ጳውሎስ፡ እቲ የሆዋ ንመንፈሳውያን እስራኤል ብዚምልከት ዝገበሮ ዕላማ ብኸመይ ብዜደንቕ መገዲ ይፍጸም ከም ዝነበረ ምስ ሓሰበ፡ “ወዳጀ፡ መዓሙቝ ሃብትን ጥበብን ፍልጠትን ኣምላኽ!” በለ።—ሮሜ 11:17-26, 33

2 ኣብ ኣገልግሎት ክንካፈል ከለና፡ ብዛዕባ የሆዋ ንሓስብን ንዛረብን ኢና። እዚ ንባዕሉ ኣወንታዊ ጽልዋ ኣለዎ። ብዙሓት ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዚካፈሉ ኣስፋሕቲ፡ ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ብዝያዳ ብምክፋሎም ካብ ዚረኽብዎ በረኸት እቲ ሓደ፡ ንየሆዋ ዘላቶም ፍቕሪ ምዕማቛ እዩ። ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ወይ ከኣ ኣብዚ ሸቶ እዚ ንምብጻሕ እትጽዕር ዘለኻ ኣስፋሒ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ፣ እሞኸ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ዜደልድሎ ብኸመይ እዩ፧ ፈላሚ እንተ ዄንካ፡ ‘ኣብዚ ዓስቢ ዘለዎ መዳይ ኣገልግሎት እዚ ምእንቲ ክቕጽል፡ እንታይ ኪሕግዘኒ ይኽእል፧’ ኢልካ ንገዛእ ርእስኻ ሕተታ። ገና ፈላሚ እንተ ዘይኴንካ ድማ፡ ‘ፈላሚ ንክኸውን እንታይ ምትዕርራይ ክገብር እኽእል፧’ ኢልካ ንገዛእ ርእስኻ ኽትሓትታ ትኽእል ኢኻ። ቀጺልና እስከ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ብኸመይ ከም ዜደልድሎ ንመርምር።

ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎትን ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብን

3. ኣብ ኣገልግሎት ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ እንረኽቦ በረኸት መንግስቲ ኣምላኽ ምዝራብና ዚጸልወና ብኸመይ እዩ፧

3 ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ እንረኽቦ በረኸት መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ካልኦት ምዝርራብና፡ ንየሆዋ ብዝያዳ ኸም እንቐርቦ ይገብረና። ካብ ቤት ናብ ቤት ክትከይድ ከለኻ፡ ነየነይቲ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትጥቀም ኢኻ እትደሊ፧ እትፈትዋ ጥቕሲ፡ መዝሙር 37:10, 11፣ ዳንኤል 2:44፣ ዮሃንስ 5:28, 29፣ ወይ ራእይ 21:3, 4 ድያ፧ ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ እዚ መብጽዓታት እዚ ኣብ እንነግረሉ ነፍሲ ወከፍ እዋን፡ እቲ ለጋስ ኣምላኽና፡ ወሃቢ “ዅሉ ጽቡቕ ውህበትን ኵሉ ፍጹም ውህበትን” ከም ዝዀነ ኢና እንዘኻኸር። እዚ ኸኣ ንኣምላኽ ብዝያዳ ኸም እንቐርቦ እዩ ዚገብረና።—ያእ. 1:17

4. ንመንፈሳዊ ንድየት ካልኦት ሰባት ክንርኢ ኸለና፡ ንለውሃት ኣምላኽ ዘሎና ሞሳ ዚዓምቝ ስለምንታይ እዩ፧

4 ንመንፈሳዊ ንድየት እቶም እንሰብከሎም ሰባት ምርኣይና፡ ነቲ ብዛዕባ ሓቂ ዝነበረና ሞሳ የዕምቖ። ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰባት፡ ዓወትን ሓጐስን ንኺረኽቡ ኺሕግዞም ዚኽእል ዜተኣማምን መምርሒ የብሎምን። መብዛሕትኦም ድማ፡ ብዛዕባ መጻኢ ይጭነቑ እዮም፣ ተስፋ እውን የብሎምን። ትርጕም ህይወት ኪፈልጡ ይጽዕሩ እዮም። መብዛሕትኦም እቶም ሃይማኖተኛታት ዚብሃሉ እውን እንተ ዀኑ፡ ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ሒደት ፍልጠት እዩ ዘለዎም። ልክዕ ከም ተቐማጦ ጥንታዊት ነነዌ እዮም። (ዮናስ 4:11 ኣንብብ።) ኣብ ኣገልግሎት ብዝያዳ ኽንካፈል ከለና፡ እቶም እንሰብከሎም ሰባት ዘለዉሉ መንፈሳዊ ዅነታትን ህዝቢ የሆዋ ዘለዉሉ ዅነታትን ሰማይን ምድርን ምዃኑ ብንጹር ከም እንርኢ እዩ ዚገብረና። (ኢሳ. 65:13) ብዘይካዚ፡ የሆዋ ኻብቲ ብመንፈስ ዜድልየና ነገራት ንላዕሊ ብምሃብ ከም ዚልውሃልና ንዘኻኸር ኢና፣ ንዅሎም ሰባት እውን መንፈሳዊ ዕረፍትን ናይ ሓቂ ተስፋን ንኺረኽቡ ይዕድሞም ኣሎ።—ራእ. 22:17

5. ንኻልኦት ሰባት ብመንፈሳዊ መዳይ ምሕጋዝ፡ ብዛዕባ ጸገማትና እንታይ ከም ዚስምዓና እዩ ዚገብር፧

5 ንኻልኦት ብመንፈሳዊ መዳይ ምሕጋዝ፡ ብውልቃዊ ጸገማትና ኣመና ንኸይንጭነቕ ይሕግዘና። ትሪሻ ዝስማ ስርዕቲ ፈላሚት፡ ወለዳ ምስ ተፋትሑ፡ ነዚ ተመኪራቶ እያ። “ከም ሽዑ ገይረ ኣብ ህይወተይ ጕህየ ኣይፈልጥን እየ” ድማ በለት። ሓደ መዓልቲ፡ ኣመና ስለ ዝጐሃየት፡ ኣብ ቤታ ኽትውዕል እኳ እንተ ሓሰበት፡ ኣብ ቤቶም ጸገም ንዝነበሮም ሰለስተ ቘልዑ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሓሎም ከደት። ኣቦኦም ጠንጢንዎም ኣብ ርእሲ ምኻዱ፡ እቲ ዓብዪ ሓዎም ይሃስዮም ነበረ። ትሪሻ፡ “ካብቲ ኣነ ዝነበረኒ ጸገምን ዚስምዓኒ ዝነበረ ጓህን ንላዕሊ፡ ናታቶም ይገድድ። ከነጽንዕ ከለና ግና፡ እተን ንኣሽቱ ኣዒንቶም ብሓጐስን ይበርሃ፡ ኣዝዮም ድማ እዮም ዚሕጐሱ። እቶም ቈልዑ፡ ብፍላይ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንዓይ ውህበት የሆዋ እዮም ነይሮም” በለት።

6, 7. (ሀ) ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንምህር ከለና፡ እምነትና እትድልድል ብኸመይ እያ፧ (ለ) ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንስርዓታት ቅዱሳት ጽሑፋት ብምትግባር ህይወቶም ኪመሓየሽ ከሎ ምርኣይና፡ ብዛዕባ ጥበብ ኣምላኽ እንታይ ከም ዚስምዓና እዩ ዚገብር፧

6 ብዛዕባ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ምምሃር፡ ንእምነትና የደልድላ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ዚሰብክዎ ዘይትግብሩ ዝነበሩ ኣይሁድ ኪጽሕፍ ከሎ፡ “ኣታ ንኻልእ እትምህር፡ ንርእስኻስ ኣይትምህራንዶ፧” በለ። (ሮሜ 2:21) ሎሚ ዘለዉ ፈለምቲ ግና ከምኦም ኣይኰኑን። ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ ሓቂ ዚምህሩሉ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ዚመርሑሉ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣለዎም። ነዚ ብውጽኢታዊ መገዲ ንምፍጻም፡ ንነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ ይዳለዉ እዮም፣ ንሕቶታት ንምምላስ እውን ምርምር ይገብሩ እዮም። ጀኒን ዝስማ ሓንቲ ፈላሚት፡ “ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ ሓቂ ኣብ ዝምህረሉ ነፍሲ ወከፍ እዋን፡ እቲ ሓቂ ብዝያዳ ኣብ ኣእምሮይን ኣብ ልበይን ዚቕረጽ ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ እምነተይ ብቐጻሊ ትዓቢ ኣላ” በለት።

7 ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምትግባር ህይወቶም ኪመሓየሽ ከሎ ምርኣይና፡ ብዛዕባ ጥበብ ኣምላኽ ንዘሎና ሞሳ የዕምቖ። (ኢሳ. 48:17, 18) እዚ ኸኣ፡ ንሕና እውን ነቲ ስርዓታት ኣዘውቲርና ንኽንትግብሮ ይድርኸና እዩ። ኣድሪያና ዝስማ ፈላሚት፡ “ሰባት ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ጥበብ ኪምርኰሱ ኸለዉ፡ ህይወቶም ይበላሾ እዩ። ኣብ ጥበብ የሆዋ ኺውከሉ ኸለዉ ግና፡ ሽዑ ንሽዑ እዮም ጥቕሚ ዚረኽቡ” በለት። ፊል ዝስሙ ፈላሚ እውን፡ “የሆዋ ነቶም ብርእሶም ኪልወጡ ዝጸዓሩ እሞ ዘይተዓወቱ ሰባት ኪቕይሮም ከሎ ትርኢ ኢኻ” በለ።

8. ኣብ ኣገልግሎት ምስ ንፉዓት ፈተውትና ምዕያይና፡ ብኸመይ እዩ ዚጸልወና፧

8 ኣብ ኣገልግሎት ምስ ንፉዓት ፈተውትና ምዕያይና፡ ብመንፈስ ይሃንጸና። (ምሳ. 13:20) መብዛሕትኦም ፈለምቲ፡ ምስ ካልኦት ወንጌላውያን ዝዀኑ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኣብ ኣገልግሎት ብዙሕ ግዜ የሕልፉ እዮም። እዚ ኸኣ ‘ንሓድሕዶም ንኺተባብዑ’ ዝያዳ ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም እዩ። (ሮሜ 1:12፣ ምሳሌ 27:17 ኣንብብ።) ሓንቲ ሊሳ ዝስማ ፈላሚት፡ “ኣብቲ ዝሰርሓሉ ቦታ፡ መብዛሕትኡ እዋን መንፈስ ውድድርን ቅንእን እዩ ዚርአ። በብመዓልቱ ኸኣ ሕሜትን ብዕሉግ ዘረባን ክትሰምዕ ኢኻ እትውዕል። ዝኸፈልካ ኸፊልካ ቕድሚ ሰብ ክትከውን ከም ዘሎካ እዩ ዚእመን። ሓድሓደ ግዜ ኸኣ፡ ብምኽንያት ክርስትያናዊ ጠባይካ ላግጽን ባጫን ይወርደካ እዩ። ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትካ ኣብ ኣገልግሎት ምዕያይ ግና፡ ናይ ብሓቂ ሃናጺ እዩ። ኣገልግሎት ውዒለ ኽምለስ ከለኹ፡ ኣካላተይ እኳ እንተ ደኸመ፡ መንፈሰይ ተሓዲሱ እየ ዝምለስ” በለት።

9. ፈለምቲ ዄንና ምስ መጻምድትና ምዕያይና፡ ነቲ ብሰለስተ ዝኸረረ ገመድ ዝዀነ ሓዳርና እንታይ እዩ ዚገብሮ፧

9 ፈለምቲ ዄንና ምስ መጻምድትና ምዕያይና፡ ነቲ ብሰለስተ ዝኸረረ ገመድ ዝዀነ ሓዳርና የደልድሎ። (መክ. 4:12) ምስ ሰብኣያ ፈላሚት ኰይና እተገልግል ማድሊን፡ “ኣነን ሰብኣየይን ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘጋጠመና ነገራት ወይ ከኣ ብዛዕባ ኣብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝረኸብናዮ ኣብ ኣገልግሎት ኪጠቕመና ዚኽእል ሓሳባት ነዕልል ኢና። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓገዝቲ ፈለምቲ ዄንና እንዓይየሉ ዓመት፡ ብዝያዳ ኢና እንቀራረብ” በለት። ምስዚ ብዚመሳሰል፡ ትሪሻ፡ “ኣነን ሰብኣየይን ኣብ ዕዳን ዕንዲዳን ክንኣቱ ስለ ዘይንደሊ፡ ገንዘብ ኣየባእሰናን እዩ። ተመሳሳሊ መደብ ኣገልግሎት ስለ ዘሎና፡ ናብ ተመላሊስካ ምብጻሕን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ብሓባር ኢና እንኸይድ፣ እዚ ኸኣ ብስምዒታውን ብመንፈሳውን መዳይ ንኽንቀራረብ ሓጊዙና እዩ” በለት።

ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ብንጥፈት ምዕያይ፡ ዕግበት የምጽእ (ሕጡብ ጽሑፍ 9 ርአ)

10. ንመንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ብምሃብና ደገፍ ኣምላኽ ክንርኢ ኸለና፡ ኣብ የሆዋ ዘሎና እምንቶ ዚጽሎ ብኸመይ እዩ፧

10 ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ክንህቦ ኸለና፡ ብዝያዳ ኣብ የሆዋ ንውከል፡ ንጸሎትና ኺምልሶ ኸሎ ኸኣ ንርኢ። ኵሎም እሙናት ክርስትያናት ነዚ ኸም ዚምከርዎ ዚከሓድ ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ፡ ኣብ የሆዋ ምውካል፡ ፈለምቲ ዀይኖም ንኪቕጽሉ ኸም ዚሕግዞም ርእዮምዎ እዮም። (ማቴዎስ 6:30-34 ኣንብብ።) ፈላምን ተተካኢ ሓላው ወረዳን ዝዀነ ከርት፡ ካብቲ ንሱ ዚነብረሉ ቦታ ኽልተ ሰዓትን ፈረቓን ርሒቓ ንእትርከብ ጉባኤ ኺበጽሓ ምስ ተሓትተ፡ ፍቓደኛ ዀነ። ንሱን እታ ፈላሚት ዝዀነት ሰበይቱን፡ ብማኪና ናብታ ጉባኤ ኼብጽሖም ዚኽእል ነዳዲ እኳ እንተ ነበሮም፡ መምለሲ ግና ኣይነበሮምን፣ ከርት ከኣ ድሕሪ ሰሙን እዩ ደሞዝ ዚኽፈል። ከርት፡ “ቅኑዕ ውሳነ እንተ ገይረ ኽጠራጠር ጀመርኩ” በለ። ድሕሪ ምጽላዮም ግና፡ ኣምላኽ ዜድልዮም ነገራት ከም ዜማልኣሎም ብምትእምማን፡ ነቲ ዝቐረበሎም ጻውዒት ኪፍጽምዎ ወሰኑ። ኪኸዱ ቝሩብ ምስ ተረፎም፡ ሓንቲ ሓብቲ፡ ህያብ ክትህቦም ከም እትደሊ ደዊላ ነገረቶም። እቲ ህያብ፡ ነቲ ጕዕዞኦም ንምዝዛም ዜድልዮም እኹል ገንዘብ እዩ ነይሩ። ከርት፡ “ብተደጋጋሚ ኸምዚ ዓይነት ተመክሮ ኼጋጥመካ ኸሎ፡ ብቐሊሉ ኢኻ ኢድ የሆዋ እትርኢ” በለ።

11. ገለ ኻብቲ ፈለምቲ ዚረኽብዎ በረኸት እንታይ እዩ፧

11 መብዛሕትኡ እዋን ፈለምቲ፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ርእሶም ወፍዮም ኬገልግሉ ኸለዉን ምስኡ ናይ ማሕርሮ ርክብ ኪምስርቱ ኸለዉን፡ ማእለያ ዘይብሉ በረኸት ‘ከም ዚረኽቡ’ ተመኪሮምዎ እዮም። (ዘዳ. 28:2) ከምኡ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ዕዮ ፈላምነት ብድሆታት የብሉን ማለት ኣይኰነን። ብሰንኪ ዕልወት ኣዳም ጸገማት ዘየጋጥሞ ኣገልጋሊ ኣምላኽ የለን። ገሊኦም ፈለምቲ ንግዜኡ እኳ ኣገልግሎቶም እንተ ኣቋረጹ፡ መብዛሕትኡ እዋን ግና ነቲ ጸገማት ኪፈትሕዎ ይኽእሉ እዮም። እሞኸ ንፈለምቲ፡ ነቲ ፍሉይ ኣገልግሎቶም ንኪቕጽልዎ እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧

ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምቕጻል

12, 13. (ሀ) ሓደ ፈላሚ ሰዓታቱ ምምላእ የጸግሞ እንተ ሃልዩ፡ እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧ (ለ) ንመዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ንብሕታዊ መጽናዕትን ንምስትንታንን ዚኸውን ግዜ ምምዳብ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

12 መብዛሕትኦም ፈለምቲ ብስራሕ ትሑዛት እዮም። ስለዚ፡ ንዅሉ ነገራት ክትዓምም ከቢድ ኪኸውን ስለ ዚኽእል፡ ብዚግባእ እተወደብካ ምዃን ኣገዳሲ እዩ። (1 ቈረ. 14:33, 40) ሓደ ፈላሚ ሰዓታቱ ምምላእ የጸግሞ እንተ ሃልዩ፡ ንኣጠቓቕማ ግዜኡ እንደገና ኺምርምሮ የድልዮ ይኸውን። (ኤፌ. 5:15, 16) ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ንገዛእ ርእሱ ኺሓትታ ይኽእል እዩ፦ ‘ኣብ ምዝንጋዕ ክንደይ ግዜ እየ ዘሕልፍ፧ ገዛእ ርእሰይ ብዝያዳ ኽግስጽ የድልየኒ ድዩ፧ ንመደባት ዓለማዊ ስራሐይ ከተዓራርዮ እኽእልዶ፧’ ኣብ ርእሲ እቲ ዘሎካ መደብ ብቐሊሉ ኻልእ መደብ ክትውስኽ ከም እትኽእል፡ ኵሉ ክርስትያን ዚሰማምዓሉ ሓቂ እዩ፣ ስለዚ፡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ፡ ኣዘውቲሮም መደባቶም ኪምርምሩን ዜድሊ ምትዕርራይ ኪገብሩን ኣለዎም።

13 ሓደ ፈላሚ ንመዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ንብሕታዊ መጽናዕትን ንምስትንታንን ዚኸውን ግዜ ኺምድብ ኣለዎ። ብዘይካዚ፡ እቲ ብዙሕ ኣገዳሲ ዝዀነ ጕዳያት በቲ ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሉ ጕዳያት ምእንቲ ኸይወሓጥ፡ ርእሰ ግትኣት ኬርኢ ኣለዎ። (ፊል. 1:10) ንኣብነት፡ ሓደ ኣብ ኣገልግሎት ውዒሉ ናብ ቤቱ እተመልሰ ፈላሚ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል። ምሸት ንኣኼባ ኺዳሎ ሓሲቡ እኳ እንተ ነበረ፡ ፈለማ ግና እተላእከሉ ደብዳበታት ኬንብብ ይጅምር። ድሕሪኡ፡ ኮምፕዩተሩ ወሊዑ፡ ኢ-መይል የንብብን መልሲ ይጽሕፍን። እግረ መገዱ ድማ ካልእ ወብ ሳይት ከፊቱ፡ ዋጋ እቲ ኺዕድጎ ሓሲቡ ዘሎ ኣቕሓ ነክዩ እንተ ዀይኑ ይርኢ። ከይተፈለጦ ኽልተ ሰዓት እኳ እንተ ሓለፈ፡ ገና ግና ነቲ ኣብታ ምሸት እቲኣ ኺገብሮ ሓሲቡ ዝነበረ ምድላው ኣይጀመሮን። እዚ ጕዳይ እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ክኢላታት ስፖርተኛታት፡ ንነዊሕ ዓመታት ዕዉታት ኪዀኑ እንተ ዀይኖም፡ ንኣካላቶም ኪከናኸንዎ ኣለዎም። ብተመሳሳሊ፡ ፈለምቲ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኪቕጽሉ እንተ ዀይኖም፡ ንገዛእ ርእሶም ብመንፈሳዊ መዳይ ምእንቲ ኺዕንግልዋ፡ ብሕታዊ መጽናዕቲ ናይ ምግባር ጽቡቕ ልማድ ኪህልዎም ኣለዎ።—1 ጢሞ. 4:16

14, 15. (ሀ) ፈለምቲ ቐሊል ህይወት ኪነብሩ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) ሓደ ፈላሚ ጸገማት ኬጋጥሞ ኸሎ፡ እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧

14 ዕዉታት ፈለምቲ፡ ቀሊል ህይወት ኪነብሩ እዮም ዚጽዕሩ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ትኵርቲ ዓይኒ ኽትህልዎም ኣተባቢዕዎም ነይሩ እዩ። (ማቴ. 6:22) ንሱ እውን እንተ ዀነ፡ ኣገልግሎቱ ብዘይ ዝዀነ ይኹን ዕንቅፋት ምእንቲ ኺፍጽም፡ ቀሊል ህይወት እዩ ዚነብር ነይሩ። “ንወኻሩ ጕድጓድ፡ ንኣዕዋፍ ሰማይ ከኣ ሰፈር ኣለወን፣ ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዜጸግዓሉ እኳ የብሉን” በለ። (ማቴ. 8:20) ካብቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ዚምሃሩ ፈለምቲ፡ ዝያዳ ጥሪት ብዘጥረዩ መጠን፡ ንጥሪቶም ንምጽጋን ወይ ንምትካእ ዝያዳ ግዜ ኸም ዜጥፍኡ ይፈልጡ እዮም።

15 ፈለምቲ ኣገልግሎቶም ፍሉይ ምዃኑ ይፈልጡ እኳ እንተ ዀኑ፡ ካብ ካልኦት ከም ዚበልጹ ገይሮም ግና ኣይሓስቡን እዮም። የግዳስ፡ ዝዀነ ይኹን ውህበት ወይ ፍሉይ መሰል፡ ብጸጋ ኣምላኽ ከም ዚርከብ ገይሮም እዮም ዚሓስቡ። ስለዚ፡ ኣብ ዕዮ ፈላምነት ኪቕጽሉ እንተ ደልዮም፡ ኣብ የሆዋ ኺውከሉ ኣለዎም። (ፊል. 4:13) ብድሆታትን ጸገማትን ከም ዜጋጥም ዚከሓድ ኣይኰነን። (መዝ. 34:19) ኰይኑ ግና፡ ፈለምቲ ኸምኡ ኼጋጥሞም ከሎ፡ ተሃዊኾም ኣገልግሎቶም ኣብ ክንዲ ዜቋርጹ፡ ካብ የሆዋ መምርሒ ኼናድዩን ንሱ ንኺሕግዞም ኣጋጣሚ ኺህብዎን ኣለዎም። (መዝሙር 37:5 ኣንብብ።) ፍቕራዊ ሓገዝ የሆዋ ምስ ረኣዩ ኸኣ፡ ከም ሓላዪ ሰማያዊ ኣቦኦም መጠን ብዝያዳ ናብኡ ኪቐርቡ እዮም።—ኢሳ. 41:10

ፈላሚ ኽትከውን ትኽእልዶ፧

16. ፈላሚ ኽትከውን እንተ ደሊኻ፡ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

16 ልክዕ ከምቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዚረኽብዎ ዓይነት በረኸት ክትረክብ እንተ ደሊኻ፡ ድሌትካ ንየሆዋ ንገሮ። (1 ዮሃ. 5:14, 15) ንፈለምቲ ኣዘራርቦም። ፈላሚ ንኽትከውን ኪሕግዘካ ዚኽእል በብግዜኡ ዚብጻሕ ሸቶታት ኣውጽእ። ኪትን ኤሪካን ከምኡ እዮም ገይሮም። ናይ ምሉእ ግዜ ስራሕ ይሰርሑ ነበሩ፣ ከምቲ ኣብቲ ናታቶም ዕድመ ዘለዉ ሰብ ሓዳር ዚገብርዎ ድማ፡ ድሕሪ መርዓኦም ነዊሕ ከይጸንሑ፡ ቤትን ማኪናን ዓደጉ። “ቤትን ማኪናን ምስ ዓደግና፡ እንዓግብ እዩ መሲሉና ነይሩ፣ ከምኡ ግና ኣይኰነን” ድማ በሉ። ኪት ካብ ስራሕ ምስ ተሰናበተ፡ ሓጋዚ ፈላሚ ዀይኑ ኼገልግል ጀመረ። “ፈላሚ ምዃን፡ ካብ ኣገልግሎት ብዙሕ ሓጐስ ከም ዚርከብ እዩ ኣዘኻኺሩኒ” በለ። ኪትን ኤሪካን ፈለምቲ ምስ ዝዀኑ ኻልኦት ሰብኣይን ሰበይትን ተፋለጡ፣ እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ድማ፡ ቀሊል ህይወት ምንባርን ፈላሚ ምዃንን ሓጐስ ከም ዜምጽእ ንኺግንዘቡ ሓገዝዎም። እሞኸ እንታይ ገበሩ፧ “ንመንፈሳዊ ሸቶታትና ጽሒፍና፡ ኣብ መዝሓሊና ለጠፍናዮ፣ ንነፍሲ ወከፍ ሸቶ ምስ ወቓዕናዮ ኸኣ፡ ምልክት ንገብረሉ ነበርና” በሉ። ድሕሪ ግዜ፡ ኪትን ኤሪካን ፈለምቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ኸኣሉ።

17. ንመደብካ ወይ ንናብራኻ ብምትዕርራይ ፈላሚ ኽትከውን ትኽእል እንተ ዄንካ ኽትሓስብ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

17 ፈላሚ ኽትከውን ትኽእልዶ፧ ሕጂ ፈላሚ ኽትከውን እንተ ዘይክኢልካ፡ ኣብ ኣገልግሎት ምሉእ ብምሉእ ብምክፋል ናብ የሆዋ ኽትቀርብ ጽዓር። ንዅነታትካ ብጸሎት ምስ መርመርካዮ፡ ምናልባት ንመደብካ ወይ ንናብራኻ ብምትዕርራይ ፈላሚ ኽትከውን ትኽእል ትኸውን። ፈላሚ ዄንካ ኸተገልግል እንተ ጀሚርካ፡ ካብቲ እትገብሮ መስዋእቲ ንላዕሊ ዝዓበየ ሓጐስ ክትረክብ ኢኻ። ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወትካ ቐዳምነት ብምሃብካ፡ ዓብዪ ዕግበት ክትረክብ ኢኻ። (ማቴ. 6:33) ነቲ ንኻልኦት ብምሃብ ዚርከብ ሓጐስ ክትምከሮ ኢኻ። ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ የሆዋ ንኽትሓስብን ንኽትዛረብን ዜኽእለካ ዝያዳ ኣጋጣሚ ኽትረክብ ኢኻ፣ እዚ ኸኣ ነታ ንዕኡ ዘላትካ ፍቕሪ ኼዕምቛን ንዕኡ ኼሐጕሶን እዩ።