ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 ገበር | መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧

ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ንምድሓን መሰናድዎ ገበረ

ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ንምድሓን መሰናድዎ ገበረ

ኣምላኽ፡ እቲ ብትንቢት እተነግረ “ዘርኢ” ኻብ ዘርኢ ኣብራሃም ከም ዚመጽእ፡ ነቲ እሙን ዝነበረ ኣብርሃም ነጊርዎ እዩ። “ህዝብታት ኵላ ምድሪ” በቲ ዘርኢ እቲ ኸም ዚባረኹ እውን ሓበሮ። (ዘፍጥረት 22:18) ወዲ ወዱ ንኣብርሃም፡ ማለት ያእቆብ ድማ ጸኒሑ ናብ ግብጺ ገዓዘ፡ ስድራ ቤቱ እናበዝሑ ምስ ከዱ ኸኣ፡ ጥንታውያን ህዝቢ እስራኤል ኰኑ።

ጸኒሑ፡ ኣብ ግብጺ፡ ጨቋኒ ውልቀ መላኺ ዝነበረ ፈርኦን ንእስራኤላውያን ባሮት ገበሮም። ሽዑ ኣምላኽ፡ ነቲ ህዝቢ ብነብዪ ሙሴ እናመርሐ ኻብታ ሃገር ኣውጺኡ፡ ብተኣምራዊ መገዲ ንማያት ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ክልተ ሰንጢቑ ኣሕለፎም። ድሕሪኡ፡ ንእስራኤላውያን ንኺመርሖምን ንኼዕቝቦምን ኢሉ፡ ነተን ዓሰርተ ትእዛዛት ዝሓቘፈ ሕግታት ሃቦም። እቲ ሕግታት ብዛዕባ ንሕድገት ሓጢኣት ዚቐርብ መስዋእታት ኣነጺሩ ዚገልጽ እዩ ነይሩ። ሙሴ ብመንፈስ ኣምላኽ ተመሪሑ፡ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ካልእ ነብዪ ኸም ዚልእከሎም ነገሮም። እቲ ነብዪ እቲ ኸኣ፡ እቲ መብጽዓ እተኣትወሉ “ዘርኢ” እዩ።

ድሕሪኡ፡ ልዕሊ 400 ሚእቲ ዓመት ጸኒሑ፡ ኣምላኽ፡ እቲ ኣብ ገነት ኤድን እተነበዮ “ዘርኢ” መንግስቲ ኸም እትህልዎ፡ ኣብ ልዕሊኣ ድማ ንዘለኣለም ከም ዚነግስ፡ ንንጉስ ዳዊት ተመባጽዓሉ። እቲ “ዘርኢ” እቲ ድማ፡ እቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ንምድሓንን ንምድሪ ናብ ገነት ንኪቕይራን ዝሸሞ መድሓኒ ዝዀነ መሲሕ እዩ።

ኣምላኽ ብዳዊትን ብኻልኦት ነብያትን ኣቢሉ፡ ብዛዕባ እቲ መሲሕ በብቝሩብ ገሊጹ እዩ። ንሳቶም፡ እቲ መሲሕ ትሑትን ለዋህን ከም ዚኸውን፡ ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ድማ ጥሜትን ግፍዕን ውግእን ከም ዜኽትም ተነብዮም ነይሮም እዮም። ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እቲ መሲሕ፡ ኵሎም ደቂ ሰብ ንሓድሕዶምን ምስ እንስሳታትን ብስኒት ኪነብሩ እዮም። እቲ ኣብ መጀመርታ ኽፍሊ ዕላማ ኣምላኽ ዘይነበረ ሕማምን ስቓይን ሞትን ኣይኪህሉን እዩ፣ ዝሞቱ ሰባት ድማ ኣብ ምድሪ ንኺነብሩ ኺትንስኡ እዮም።

ኣምላኽ ብነብዪ ሚክያስ ኣቢሉ እቲ መሲሕ ካብ ቤት-ልሄም ከም ዚውለድ ተነበየ፣ ብነብዪ ዳንኤል ኣቢሉ ኸኣ ጸኒሑ ኸም ዚቕተል ተነበየ። እንተዀነ ግና፡ ኣምላኽ ነቲ መሲሕ ኣተንሲኡ ኣብ ሰማይ ኪነግስ ከም ዝሸሞ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ብዘይካዚ፡ ዳንኤል፡ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መወዳእታ ንዅለን መንግስታት ምድሪ ኣጥፊኣ ንሓዋሩ ኸም እትገዝእ ዚገልጽ ራእይ ርእዩ እዩ። እሞኸ፡ እቲ መሲሕ ብሓቂዶ ኸምቲ ብትንቢት እተነግረሉ መጺኡ እዩ፧

ኣብ ዘፍጥረት፡ ምዕራፍ 22-50፡ ከምኡውን ኣብ ዘጸኣት፡ ዘዳግም፡ 2 ሳሙኤል፡ መዝሙር፡ ኢሳይያስ፡ ዳንኤል፡ ሚክያስ፡ ዘካርያስ 9:9 እተመስረተ።