ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 ንኣምላኽ ቅረቦ

‘የሆዋ ብናጻ ይቕረ በለልኩም’

‘የሆዋ ብናጻ ይቕረ በለልኩም’

“ንኻልኦት ይቕረ ኺብለሎም ዘይክእል ሰብ፡ ነቲ ባዕሉ ኺሓልፈሉ ዚግባእ ድልድል የፍርሶ።” ነዘን ቃላት እዚአን እተዛረበን፡ ኣብ መበል 17 ዘመን ዝነበረ ብሪጣንያዊ ጸሓፍ ታሪኽ ኤድዋርድ ሀርበርት እዩ። እተን ቃላት፡ ሓደ ኻብቲ ንኻልኦት ይቕረ ኽንብለሉ ዚግባእ ምኽንያት የጕልሓ። እዚ ኸኣ፡ ውዒሉ ሓዲሩ፡ ካልኦት ሰባት ይቕረ ንኺብሉልና ምሕታትና ዘይተርፍ ምዃኑ እዩ። (ማቴዎስ 7:12) ይኹን እምበር፡ ይቕረ ንኽንብል ዚድርኸና ኻልእ ዝያዳ ኣገዳሲ ምኽንያት እውን ኣሎና። ነተን ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ቈሎሴ 3:13 እተዛረበን ቃላት እሞ ነቕልበለን።—ኣንብብ።

ኵላትና ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና፡ ንገሊኦም ሰባት ከነቘጥዖም ወይ ከነጕህዮም ንኽእል ኢና፣ ንሳቶም እውን ንዓና ኸምኡ ኺገብሩና ይኽእሉ እዮም። (ሮሜ 3:23) ምስ ዘይፍጹማት ሰባት ብሰላም ክንነብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ ተጻወርትን ይቕረ በሃልትን ክንከውን መኺሩና ኣሎ። እዚ ምኽሪ እዚ፡ ከምቲ ዳርጋ ኽልተ ሽሕ ዓመት ይገብር ኣብ እተጻሕፈሉ እዋን ውጽኢታዊ ዝነበረ፡ ሕጂ እውን ውጽኢታዊ እዩ። እስከ እምበር፡ ነተን ጳውሎስ እተዛረበን ቃላት ኣዕሚቝና ንመርምረን።

“ንሓድሕድኩም ተዓጋገሱ።” እታ “ተዓጋገሱ” እተተርጐመት ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ተጻወርቲ ኽንከውን ከም ዘሎና ዚገልጽ ሓሳብ እያ እተመሓላልፍ። ሓደ ናይ መወከሲ ጽሑፍ፡ ክርስትያናት፡ “ነቶም ዜቘጥዕ ጕድለታት ወይ ባህ ዘየብል ባህርያት ዘለዎም ሰባት ንኺጾርዎም ፍቓደኛታት” እንተ ዀይኖም፡ ነዛ ባህርይ እዚኣ ኼንጸባርቕዋ ኸም ዚኽእሉ ገሊጹ ኣሎ። እተን “ንሓድሕድኩም” ዚብላ ቓላት፡ እቲ ምጽውዋር ሓባራዊ ኪኸውን ከም ዘለዎ ዚሕብር እዩ። እዚ ኺብሃል ከሎ፡ ንኻልኦት ዜቘጥዕ ባህርያት ከም ዘሎና እንተ ዘኪርና፡ እቲ ኣብ ካልኦት እንርእዮ ባህ ዘየብል ነገራት ነቲ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ኻልኦትን ዘሎ ሰላም ኪዘርጎ ኣይክንፈቕደሉን ኢና ማለት እዩ። ካልኦት እንተ በዲሎምናኸ፧

“ብናጻ ይቕረ ተባሃሃሉ።” ከምቲ ሓደ ምሁር ዝበሎ፡ “ብናጻ ይቕረ ተባሃሃሉ” እተተርጐመት ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “ምሕረት ንምግባር ወይ ይቕረ ንምባል እትዝውተር ልምድቲ ቓል ኣይኰነትን . . . ኣብ ክንዳኡስ፡ ንምሕረት ዜጕልሕ ዝዓመቘ ትሕዝቶ ኣለዋ።” ካልእ ምንጪ ድማ፡ እዛ ቓል እዚኣ፡ “ንሓደ ዜሐጕስ ነገር፡ ሞገስ፡ ረብሓ ንምግላጽ” ክትውዕል ከም እትኽእል ይገልጽ። ‘ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተ ኣለና’ እውን ከይተረፈ፡ ብፍታው ይቕረ ምስ እንብል፡ ለዋሃት ምዃንና ኢና እነርኢ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሞገስ ንምሃብ ፍቓደኛታት ክንከውን ዘሎና ግና ስለምንታይ ኢና፧ ሓደ ኻብቲ ምኽንያት፡ ንሕና እውን ውዒልና ሓዲርና፡ ነቲ ሰብ ክንብድሎ ስለ እንኽእል፡ ነቲ ሞገስ እቲ ኺመልሰልና፡ ማለት ይቕረ ኺብለልና ምሕታትና ዘይተርፍ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

“ከምቲ የሆዋ ብናጻ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩ።” ንኻልኦት ይቕረ እንብለሉ ቐንዲ ምኽንያት፡ የሆዋ ኣምላኽ ብናጻ ይቕረ ዚብለልና ምዃኑ እዩ። (ሚክያስ 7:18) ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንእተነስሑ ሰባት ዝገበረሎም ዓብዪ ሞገስ እሞ ሕሰበሉ። የሆዋ ሓጢኣት ኣይፍጽምን እዩ። ምስናይዚ ግና፡ ሞገሱ ኸም ዘይምለሰሉ፡ ማለት ካባታቶም ይቕረታ ኸም ዘይጽበ እናፈለጠ፡ ንዚንስሑ ሓጥኣን ብፍታውን ምሉእ ብምሉእን ይቕረ ይብለሎም እዩ። ብሓቂ፡ የሆዋ ንእተነስሑ ሓጥኣን ብናጻ ይቕረ ብምባል ብሉጽ ኣብነት እዩ ዚዀነና።

የሆዋ ንእተነስሑ ሓጥኣን ብናጻ ይቕረ ብምባል ብሉጽ ኣብነት እዩ ዚዀነና

ምሕረት የሆዋ ብዝያዳ ናብኡ ተቕርበና፡ ንኽንመስሎ ድማ ድራኸ ተሕድረልና እያ። (ኤፌሶን 4:32–5:1) ስለዚ፡ ‘የሆዋ ብለውሃት ይቕረ ዚብለለይ ካብ ኰነ፡ ሓደ ኸማይ ዘይፍጹም ሰብ ምስ ዚብድለኒ እሞ ኻብ ልቢ ምስ ዚንሳሕ ይቕረ ዘይብለሉ እንታይ ምኽንያት ኣሎኒ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትታ ይግባእ።—ሉቃስ 17:3, 4