ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፍጥረት ብዛዕባ እቲ ህያው ኣምላኽ ይገልጽ

ፍጥረት ብዛዕባ እቲ ህያው ኣምላኽ ይገልጽ

“ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ንዅሉ ንስኻ ፈጢርካዮ፡ . . . ንስኻ ግርማ . . . ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ።”—ራእ. 4:11

1. እምነትና ድልድልቲ እንተ ዀይና ንምርግጋጽ፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

ብዙሓት ሰባት፡ ኣብቲ ብዓይኖም ኪርእይዎ ዚኽእሉ ነገራት ጥራይ ከም ዚኣምኑ ይዛረቡ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንኣምላኽ ዝረኣዮ ሓደ እኳ የልቦን” ስለ ዚብል፡ ንኸምዚኦም ዝበሉ ውልቀ ሰባት፡ ኣብ የሆዋ ንኺኣምኑ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧ (ዮሃ. 1:18) ብዘይካዚ፡ ኣብቲ “ዘይርአ ኣምላኽ” ዝዀነ የሆዋ ዘላትና እምነት ድልድልቲ ምዃና ብኸመይ ከነረጋግጽ ንኽእል፧ (ቈሎ. 1:15) እቲ ኽንወስዶ ዘሎና ናይ መጀመርታ ስጕምቲ፡ ነቲ ሰባት ብዛዕባ የሆዋ እቲ ሓቂ ንኸይፈልጡ ዚዓግቶም ትምህርትታት ምልላይ እዩ። ድሕሪኡ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብውሕልና ተጠቒምና ነቲ “ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ዚጻረር” ኣተሓሳስባ ኽንማርኾ ኣሎና።—2 ቈረ. 10:4, 5

2, 3. ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ንኸይፈልጡ ዜዑሮም ክልተ ትምህርቲ እንታይ እዩ፧

2 ሓደ ኻብቲ ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ንኸይፈልጡ ዜዑሮም ናይ ሓሶት ትምህርቲ፡ ክልሰ ሓሳብ ፍልቀት እዩ። እዚ ሰብኣዊ ኣተሓሳስባ እዚ፡ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጋጮን ተስፋ ሰባት ዜጸልምትን እዩ። ክልሰ ሓሳብ ፍልቀት፡ ህይወት ብሃንደበት ከም ዝመጸ እዩ ዚምህር፣ እዚ ኸኣ፡ ሰብኣዊት ህይወት ዕላማ ኸም ዘይብላ ዚእምት እዩ።

3 ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ገሊኦም ኣኽረርቲ ክርስትያናት፡ ዩኒቨርስን ምድርን ኵሉ ኣብኣ ዘሎ ህይወትን፡ ብገምጋም ዓሰርተ ሽሕ ዓመት ይገብር ከም እተፈጥረ ይምህሩ እዮም። እቶም ነዚ ትምህርቲ እዚ ዚምህሩ ሰባት፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣኽቢሮም ዚርእይዎ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣምላኽ ንዅሉ ነገራት ብገምጋም ዓሰርተ ሽሕ ዓመት ይገብር፡ ነናይ 24 ሰዓት ንውሓት ኣብ ዘለዎ ሽዱሽተ መዓልቲ ኸም ዝፈጠሮ ይከራኸሩ እዮም። ምስ ኣረኣእያኦም ዚጋጮ ዝዀነ ይኹን ስነ ፍልጠታዊ መርትዖ ኣይቅበሉን እዮም። ስለዚ፡ እቲ እቶም ሰባት ዚምህርዎ ትምህርቲ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘይርትዓውን ዘይቅኑዕን ከም ዚመስል ብምግባር፡ ተቐባልነት ከም ዚስእን እዮም ዚገብሩ። እዞም ውልቀ ሰባት እዚኦም፡ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ንኣምላኽ ቅንኣት ዝነበሮም ግናኸ ቕንኣቶም ‘ኣብ ልክዕ ፍልጠት ዘይተመስረተ’ ሰባት እዮም ዜዘኻኽሩና። (ሮሜ 10:2) እሞኸ ነቲ ኸም “ጽኑዕ ዕርድታት” ዝዀነ ትምህርቲ ፍልቀት ከምኡውን ነቲ ዅሉ ነገር ቅድሚ ሒደት ኣሽሓት ዓመታት ተፈጢሩ ዚብል ናይ ሓሶት ትምህርትታት፡ ንቓል ኣምላኽ ተጠቒምና ኸነፍርሶ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ * ንሕና ብውልቅና ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ልክዕ ፍልጠት ክንርድኦ ብምጽዓር እዩ።

እምነት ኣብ መርትዖን ጥዑይ ሓሳብን እተሃንጸት እያ

4. እምነትና ኣብ ምንታይ እተመስረተት እያ ኽትከውን ዘለዋ፧

4 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንፍልጠት ኣኽቢርና ኽንርእዮ ይምህረና እዩ። (ምሳ. 10:14) የሆዋ ነታ ኣብኡ ዘላትና እምነት ኣብ ሰብኣዊ ፍልስፍና ወይ ሃይማኖታዊ ልምድታት ዘይኰነስ፡ ኣብ መርትዖን ጥዑይ ሓሳብን ክትህነጽ እዩ ዚደልያ። (እብራውያን 11:1 ኣንብብ።) ኣብ ኣምላኽ ድልድልቲ እምነት ምእንቲ ኽትህልወና፡ ፈለማ የሆዋ ኸም ዘሎ ኽንኣምን ኣሎና። (እብራውያን 11:6 ኣንብብ።) ከምኡ ኽንገብር እንኽእል ግና፡ ብትምኒት ዘይኰነስ፡ ንሓቅታት ብምምርማርን ‘ንኣእምሮና’ ብምጥቃምን እዩ።—ሮሜ 12:1

5. ኣምላኽ ከም ዘሎ ኽንኣምን እንኽእለሉ ሓደ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

5 ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ንኣምላኽ ብዓይንና ኽንርእዮ ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ከም ዘሎ ኽንኣምን እንኽእለሉ ሓደ ምኽንያት ሂቡ ኣሎ። ብዛዕባ የሆዋ ኺገልጽ ከሎ፡ “እቲ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርአ ባህርዩ ዀነ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን ኣምላኽነቱን፡ ካብ ፍጥረት ዓለም ኣትሒዙ ብንጹር ይርአ እዩ” በለ። (ሮሜ 1:20) ንሓደ ብዛዕባ ህልውና ኣምላኽ ዚጠራጠር ሰብ፡ ንሓቅነት እዘን ጳውሎስ እተዛረበን መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሰን ቃላት ከተረድኦ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ነዚ ቐጺሉ ቐሪቡ ዘሎ ኣብ ተፈጥሮ ዚርአ ንሓይልን ጥበብን ኣምላኽ ዜንጸባርቕ መርትዖታት ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ፍጥረት ዚርአ ሓይሊ ኣምላኽ

6, 7. ሓይሊ የሆዋ ኣብቲ ኸም ዋልታ ዀይኑ ዚከላኸለልና ኽልተ ነገራት እተራእየ ብኸመይ እዩ፧

6 ሓይሊ የሆዋ ኣብቲ ኸም ዋልታ ዀይኑ ዚከላኸለልና ሃዋህው ምድርን ማግነታዊ ዓውድን ይርአ እዩ። ንኣብነት፡ ሃዋህው ምድሪ፡ ምንጪ እቲ እነስተንፍሶ ኣየር ጥራይ ኣይኰነን። ካብ መብዛሕትኡ እቲ ኣብ ህዋ ዚውንጨፍ ስብርባራት ኣኻውሕ እውን ይከላኸለልና እዩ። እቲ ኸቢድ ጕድኣት ኬውርድ ዚኽእል ዓበይቲ ኣኻውሕ፡ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ሃዋህው ምድሪ ምስ ኣተወ፡ ነዲዱ እዩ ዚተርፍ፣ ብኸምኡ ኢና ምሸት ኣብ ሰማይ፡ ደሚቕ ብርሃን ሽው ኢሉ ኺሓልፍ ከሎ እንርኢ።

7 ማግነታዊ ዓውዲ ምድርና እውን ካብ ጕድኣት ይከላኸለልና እዩ። ምንጪ እዚ ኸም ዋልታ ዝዀነ መከላኸሊ፡ ኣብ ውሽጢ ምድሪ እዩ ዚርከብ። እቲ ላዕለዋይ ውሽጣዊ ኽፋል ምድሪ፡ መብዛሕትኡ ሓጺን እዩ፣ ካብኡ ኸኣ እቲ ንምድሪ ዚሽፍናን ክሳዕ ህዋ ዚዝርጋሕን ማግነታዊ ዓውዲ ይወጽእ። እዚ ማግነታዊ ዓውዲ እዚ፡ ካብቲ ኻብ ሃልሃልታ ጸሓይ ዚወጽእ ጸርግን ካብቲ ኣብ ደጋዊ ሸነኽ ጸሓይ ዜጋጥም ምንታጕን የዕቍበና እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ዓለምና ዘሎ ህይወት ብሰሪ እቲ ምንታጕ ነዲዱ ዘይጠፍአ፡ ሳላ ማግነታዊ ዓውዲ ምድሪ እዩ። እቲ ማግነታዊ ዓውዲ ነቲ ጐዳኢ ነገራት ስሒቡ ኣንፈቱ ይቕይሮ እዩ። እዚ ኸም ዋልታ ዝዀነ ማግነታዊ ዓውዲ፡ ኣብ ሰሜንን ደቡብን ዋልታ ምድሪ ኣብ ሰማይ ብእተፈላለየ ሕብሪ ውሪሕሪሕ ኪብል ከሎ ይርአ እዩ። የሆዋ ኣማን ብኣማን ‘ብርቱዕ ሓይሊ’ እዩ ዘለዎ።—ኢሳይያስ 40:26 ኣንብብ።

ኣብ ፍጥረት ዚርአ ጥበብ ኣምላኽ

8, 9. ጥበብ የሆዋ ኣብቲ ህይወት ከም ዚቕጽል ዚገብር ዑደታት እተራእየ ብኸመይ እዩ፧

8 ጥበብ የሆዋ ኣብቲ ኣብ ምድሪ ንዚርከብ ህይወት ከም ዚቕጽል ዚገብሮ እተፈላለየ ዑደት ተራእዩ እዩ። ነዚ ብኣብነት ንምርዳእ፦ ብዙሕ ሰብ ኣብ ዚነብረላን ብመንደቕ ኣብ እተሓጽረትን፡ ግናኸ ጽሩይ ማይ ዚኣትወሉ ወይ ከኣ ርስሓት ዚውገደሉ መገዲ ኣብ ዘይብላ ኸተማ ኸም እትነብር ጌርካ እሞ ሕሰብ። ከምዚኣ ዓይነት ከተማ፡ ውዒላ ሓዲራ ረሳሕን ሰብ ዘይነብራን እያ እትኸውን። ብእተወሰነ መዳይ፡ ምድርና ኸምታ ኸተማ እያ። ኣብ ምድርና እተወሰነ ዚስተ ማይ ጥራይ እዩ ዘሎ፣ ንርስሓትና ኸኣ ናብ ህዋ ኽንሰድዶ ኣይንኽእልን ኢና። ይኹን እምበር፡ ኣብዛ ኸም ብመንደቕ እተሓጽረት ከተማ ዝዀነት ምድርና፡ ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ፍጡራት ንነዊሕ እዋን ኪነብሩ ይኽእሉ እዮም። ስለምንታይ፧ ምድርና ነቲ ንህይወት ዜድሊ ኣገዳሲ ነገራት እንደገና ናይ ምጥቃም ዜደንቕ ዓቕሚ ስለ ዘለዋ እዩ።

9 ንዑደት ኦክስጅን እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ፍጡራት፡ ኦክስጅን ብምስሓብ ካርቦን ዳይኦክሳይድ እዮም ዜውጽኡ። ኰይኑ ግና፡ ኦክስጅን ኣይውዳእን እዩ፣ ሃዋህው እውን በቲ ኸም “ርስሓት” ዝዀነ ጋዝ፡ ማለት ብካርቦን ዳይኦክሳይድ ኣይመልእን እዩ። ስለምንታይ፧ ብምኽንያት እቲ ጽማረ ብርሃን (ወይ ፎቶሲንተሲስ) ዚብሃል ዜደንቕ መስርሕ እዩ። ኣትክልቲ በዚ መስርሕ እዚ ኣቢሎም፡ ካርቦን ዳይኦክሳይድን ማይን ብርሃን ጸሓይን ከምኡውን ካልእ ውሁዳት ተጠቒሞም፡ ካርቦሃይድሬትን ኦክስጅንን የዳልዉ። ስለዚ፡ ኦክስጅን ክንስሕብ ከለና፡ ነቲ ዑደት ንዛዝሞ ኣለና ማለት እዩ። የሆዋ ቓል ብቓሉ ነቶም ዝነደፎም ኣትክልቲ ተጠቒሙ፡ ‘ንዅሉ፡ ህይወትን ትንፋስን ይህብ እዩ።’ (ግብ. 17:25) ከመይ ዝኣመሰለ ዜደንቕ ጥበብ ኰን እዩ!

10, 11. ሞናርክ እትብሃል ጽምብላሊዕን መራሕ ማይን፡ ጥበብ የሆዋ ዜርእዩ ብኸመይ እዮም፧

10 ጥበብ ኣምላኽ ኣብቶም ኣብዛ እተደንቕ ፕላነትና ዚነብሩ ማእለያ ዘይብሎም ፍጡራት እውን ተራእዩ እዩ። ኣብ ምድሪ፡ ካብ ክልተ ሚልዮን ክሳዕ 100 ሚልዮን ዚበጽሑ እተፈላለዩ ኣዝርእቲ ኸም ዘለዉ እዩ ዚግመት። (መዝሙር 104:24 ኣንብብ።) ኣብ ንድፊ ገሊኦም ፍጡራት ዚርአ ጥበብ ኣምላኽ እስከ ንመርምር።

ጥበብ ኣምላኽ ኣብ ንድፊ ዓይኒ መራሕ ማይ ተራእዩ እዩ፣ እታ ንእሽቶ ስእሊ፡ ዓይኒ መራሕ ማይ ኣጕሊሓ ተርኢ (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)

11 ንኣብነት፡ እታ ሞናርክ እትብሃል ጽምብላሊዕ፡ ክንዲ ጫፍ ፒሮ ዚኸውን ሓንጎል እዩ ዘለዋ። ኰይኑ ግና፡ ካብ ካናዳ ተበጊሳ ናብቲ ኣብ መክሲኮ ዚርከብ ዱር ንምብጻሕ፡ ንኣስታት 3,000 ኪሎ ሜተር ክትጓዓዝ ትኽእል እያ፣ ብጸሓይ ገይራ ድማ እያ ኣንፈታ እትፈልጥ። እታ ጽምብላሊዕ፡ ጸሓይ ኣብ ሰማይ ኣንፈታ ኽትቅይር ከላ እንታይ ትገብር፧ የሆዋ፡ እታ ጽምብላሊዕ ንኣንፈት ጸሓይ እናረኣየት ኣድላዪ ምትዕርራይ ከም እትገብር ገይሩ እዩ ንሓንጎላ ነዲፍዎ። ካልእ ኣብነት ከኣ፡ ኣዒንቲ መራሕ ማይ (ድራጎንፍላይ) እዩ። እዚ ሓሸራ እዚ፡ ንመንፊት ዚመስል ክልተ ዓይኒ ኣለዎ። ነፍሲ ወከፍ ዓይኒ ድማ፡ ኣስታት 30,000 ለንሳት ኣለዋ። ኰይኑ ግና፡ እታ ንእሽቶ ሓንጎል መራሕ ማይ፡ ነቲ ኻብ ኵሉ ለንሳት ዚመጽእ ሓበሬታ ኽትርድኦ ትኽእል እያ፣ በዚ ኸምዚ፡ እቲ መራሕ ማይ፡ ኣብ ከባቢኡ ንዜጋጥም ንእሽቶ ምንቅስቓስ እውን እንተ ዀነ ኼስተብህለሉ ይኽእል እዩ።

12, 13. ብዛዕባ እቲ የሆዋ ነቶም ንሰብነትና ዜቝሙ ዋህዮታት ዝነደፈሉ መገዲ ዜደንቐካ እንታይ እዩ፧

12 እቲ የሆዋ ነቶም ንህያዋን ፍጡራት ዜቝሙ ዋህዮታት ዝነደፈሉ መገዲ እውን፡ ኣዝዩ ዜደንቕ እዩ። ንኣብነት፡ ሰብነትካ ብኣስታት 100 ትሪልዮን ዋህዮታት ዝቘመ እዩ። ኣብ ውሽጢ ነፍሲ ወከፍ ዋህዮ፡ ዲ.ኤን.ኤ. (ዲኦክሲራይቦኑክለይክ ኣሲድ) ዚብሃል ንገመድ ዚመስል ንእሽቶ ነገር ኣሎ። ንብምሉኡ ሰብነትካ ንምህናጽ ዜድሊ መብዛሕትኡ ሓበሬታ ዝሓዘ ድማ እዩ።

13 ዲ.ኤን.ኤ. ክንደይ ዚኣክል ሓበሬታ ናይ ምሓዝ ዓቕሚ እዩ ዘለዎ፧ ሓደ ግራም ዲ.ኤን.ኤ. ኺሕዞ ንዚኽእል ሓበሬታ፡ ምስቲ ሓደ ኮምፓክት ዲስክ (ሲዲ) ዚሕዞ ሓበሬታ ኸተወዳድሮ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ሲዲ ቐጢን ፕላስቲክ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ሓደ መዝገበ ቓላት ንዚርከብ ሓበሬታ ብምሉኡ ኺሕዞ ምኽኣሉ ዜደንቕ እዩ። ይኹን እምበር፡ ሓደ ግራም ዲ.ኤን.ኤ.፡ ክሳዕ ሓደ ትሪልዮን ሲዲ ዚኣክል ሓበሬታ ኺሕዝ ይኽእል እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ሓደ ማንካ ሻሂ ዝነቐጸ ዲ.ኤን.ኤ.፡ ንዅሎም እቶም ሎሚ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ውልቀ ሰባት ንምህናጽ ዜድሊ ሓበሬታ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብ350 ዕጽፊ እንተ ዚዛይዱ እውን ንዓታቶም ዚኸውን ሓበሬታ ምሓዘ።

14. እቲ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ዝፈለጥዎ ነገራት፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ከም ዚስምዓካ እዩ ዚገብር፧

14 ንጉስ ዳዊት ነቲ ንሰብነት ንምህናጽ ዜድሊ ሓበሬታ፡ ኣብ ምሳልያዊ መጽሓፍ ከም እተጻሕፈ ሓበሬታ ገይሩ ገሊጽዎ ነበረ። ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ ኪዛረብ ከሎ፡ “ኣዒንትኻ፡ ድቂ ኸሎኹ፡ ረአያኒ፡ እተን ምዱባት መዓልትታተይ፡ ሓንቲ እኳ ኸይነበረት፡ ኵለን ኣብ መጽሓፍካ ተጻሕፋ” በለ። (መዝ. 139:16) ዳዊት ብዛዕባ እቲ ሰብነቱ እተፈጥረሉ መገዲ ምስ ሓሰበ እዩ ንየሆዋ ኺውድሶ ተደሪኹ። ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ኣብ ቀረባ ዓመታት ዝፈለጥዎ ነገራት፡ ነቲ ብዛዕባ ኣፈጣጥራ የሆዋ ዝነበረና ኣድንቖት ይውስኸሉ እዩ። እዚ ኸኣ ምስቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መዝሙር ብዛዕባ የሆዋ ዝጸሓፎ ሓሳባት ከም እንሰማማዕ ዚገብረና ተወሳኺ ምኽንያት እዩ፣ ንሱ፡ “መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፡ ከማስወካ እየ፡ ግብርታትካ መስተንክር እዩ፡ ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ” በለ። (መዝ. 139:14) ሰባት፡ ፍጥረት ንህልውና እቲ ህያው ኣምላኽ ዚገልጽ ምዃኑ ዘይምስትውዓሎም ኣዝዩ ዜገርም እዩ።

ንኻልኦት፡ ነቲ ህያው ኣምላኽ ንኬኽብርዎ ሓግዞም

15, 16. (ሀ) ጽሑፋትና ንሰባት፡ ነቲ የሆዋ ዘለዎ ናይ ምፍጣር ክእለት ንኼማስዉሉ ዚሕግዞም ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣብታ “ተነዲፉ ድዩ፧” ዘርእስታ ዓምዲ ኻብ ዝወጸ ዓንቀጻት፡ ንዓኻ ብፍላይ ዘደነቐትካ ኣየነይቲ እያ፧

15 ንሓያሎ ዓመታት፡ መጽሔት ንቕሑ! ንሚልዮናት ሰባት፡ ፍጥረት ብዛዕባ እቲ ህያው ኣምላኽና እንታይ ከም ዚገልጽ ንኺርድኡ ሓጊዛቶም እያ። ንኣብነት፡ ናይ መስከረም 2006 ሕታም፡ “ፈጣሪ ኣሎ ድዩ፧” ዚብል ኣርእስቲ ነበራ። እዛ ሕታም እዚኣ፡ ነቶም ብትምህርቲ ፍልቀት ከምኡውን ነቲ ዅሉ ነገር ቅድሚ ሒደት ኣሽሓት ዓመታት ተፈጢሩ ብዚብል ናይ ሓሶት ትምህርትታት ዝዓወሩ ሰባት ንምሕጋዝ እያ ተዳልያ። ሓንቲ ሓብቲ ብዛዕባ እታ ፍልይቲ ሕታም ናብቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኣብ ዝጸሓፈቶ ደብዳበ፡ “ነዛ ፍልይቲ ሕታም እዚኣ ንምብርካት እተገብረ ወፈራ፡ ኣዝዩ ጽቡቕ እዩ ነይሩ። ሓንቲ ሰበይቲ 20 ቕዳሕ ክህባ ሓተተትኒ። ናይ ስነ ህይወት መምህር ስለ ዝዀነት፡ ንነፍሲ ወከፍ ተመሃራይ ሓሓደ ቕዳሕ ክትህብ እያ ደልያ” በለት። ሓደ ሓው እውን፡ “ካብ መወዳእታ 1940ታት ኣትሒዘ ኣብ ኣገልግሎት ንጡፍ እየ፡ ሕጂ ኸኣ ናብ 75 ዓመት ዕድመይ እጽጋዕ ኣለኹ፣ ከምዛ ነዛ ፍልይቲ ሕታም ንቕሑ! ዘበርከትኩላ ወርሒ ገይረ ግና ኣገልግሎተይ ኣሐጒሱኒ ኣይፈልጥን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።

16 ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ዚወጽእ ዘሎ መብዛሕትኡ ሕታማት ንቕሑ!፡ “ተነዲፉ ድዩ፧” ዚብል ዓምዲ ኣሎ። እዛ ሓጻር ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ፍጥረት ዚርአ ዜደንቕ ንድፍን ሰባት ንንድፊ እቲ ኽኢላ ነዳፊ ዚቐድሑሉ ዘለዉ መገድን ትገልጽ። እታ ብ2010 ዝወጸት ዎዝ ላይፍ ክሪኤትድ፧ (ህይወት ተፈጢሩ ድዩ፧) ዘርእስታ ብሮሹር እውን፡ ንኣምላኽ ክብሪ ንኽንህቦ እትሕግዘና ተወሳኺት ጽሕፍቲ እያ። እቲ ኣብዛ ብሮሹር እዚኣ ዚርከብ ውቁብን መሃርን ስእልታት፡ ነቲ የሆዋ ዘለዎ ናይ ምፍጣር ክእለት ንኸነማስወሉ እዩ ዚድርኸና። እቲ ኣብ ትሕቲ ነፍሲ ወከፍ ክፋል ዚርከብ ሕቶ፡ ንኣንባቢ ነቲ ዝረኸቦ ሓበሬታ ንኺሓስበሉ ይሕግዞ እዩ። እሞኸ ነዛ ብሮሹር እዚኣ ካብ ቤት ናብ ቤት፡ ኣብ ህዝባዊ ምስክርነት፡ ወይ ኣብ ዘይወግዓዊ ምስክርነት ትጥቀመላዶ ኣለኻ፧

17, 18. (ሀ) ኣቱም ወለዲ፡ ደቅኹም ንእምነቶም ብርእሰ ተኣማንነት ንኺጣበቑላ ኽትሕግዝዎም እትኽእሉ ብኸመይ ኢኹም፧ (ለ) ነተን ብዛዕባ ፍጥረት ዚገልጻ ብሮሹራት፡ ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤት እትጥቀሙለን ብኸመይ ኢኹም፧

17 ኣቱም ወለዲ፡ ነዛ ውቅብቲ ብሮሹር እዚኣ፡ ኣብቲ ምስ ደቅኹም ኴንኩም እትገብርዎ ኣምልኾ ስድራ ቤት ትጥቀሙላዶ ኣለኹም፧ ከምኡ እንተ ጌርኩም፡ ነቲ ደቅኹም ብዛዕባ እቲ ህያው ኣምላኽና ዘለዎም ሞሳ ኸተዕብይዎ ኢኹም። ምናልባት ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዚምሃሩ መንእሰያት ውሉዳት ይህልዉኹም ይዀኑ። ብፍላይ ንሳቶም ንኽልሰ ሓሳብ ፍልቀት እተቓልዑ እዮም። ተመራመርቲ ስነ ፍልጠትን መምህራንን ብዛዕባ ተፈጥሮ ዚገልጽ ፊልምታትን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ንመዘናግዒ ተባሂሉ ዚፍኖ ኸም ፊልምታት ዝኣመሰለ ነገራትን፡ ንፍልቀት ከም ሓቂ ገይሩ እዩ ዜቕርቦ። ነታ ብ2010 ዝወጸት ዘ ኦርጅን ኦቭ ላይፍ—ፋይቭ ኰስችንስ ዎርዝ ኣስኪንግ (መበቈል ህይወት—ሓሙሽተ ኣገዳሲ ሕቶታት) ዘርእስታ ብሮሹር ተጠቒምኩም፡ ንደቅኹም ነቲ ፕሮፓጋንዳ ንኺቃለስዎ ኽትሕግዝዎም ትኽእሉ ኢኹም። ልክዕ ከምታ ዎዝ ላይፍ ክሪኤትድ፧ ዘርእስታ ብሮሹር፡ እዛ ብሮሹር እዚኣ እውን እንተ ዀነት ንመንእሰያት፡ “ምኽሪ” ወይ ከኣ ናይ ምሕሳብ ክእለት ንኼማዕብሉ ትሕግዞም እያ። (ምሳ. 2:10, 11) ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዚምሃርዎ ትምህርቲ፡ ክሳዕ ክንደይ ስነ መጐታዊ ኸም ዝዀነ ንኺምርምሩ እውን ትምህሮም እያ።

ኣቱም ወለዲ፡ ደቅኹም ንእምነቶም ምእንቲ ኺጣበቑላ፡ ኣዳልውዎም (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)

18 እታ ብሮሹር ንተመሃሮ፡ ነቲ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ንፍልቀት ዜረጋግጽ ኣሰረ-ህይወት (ፎሲል) ከም ዝረኸቡ ዚገልጽ ህቡብ ጸብጻባት ዜና ብኸመይ ኪመዝንዎ ኸም ዘለዎም ንኺፈልጡ ትሕግዞም እያ። ብዘይካዚ፡ እቲ ጸብጻባት፡ ሰባት ካብ ትሑታት ፍጥረታት እናተመሓየሹ መጺኦም ንዚብል ሓሳብ ዜረጋግጽ እንተ ዀይኑ ንኺፈርዱ ትሕግዞም እያ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ኣብ ቤተ ምከራ፡ ህይወት ብኣጋጣሚ ኺምንጭው ከም ዚኽእል ብዛዕባ ምርግጋጾም ንዚውሃብ ሓሳብ ብኸመይ ኪምልሱሉ ኸም ዚኽእሉ ትምህር እያ። ኣቱም ወለዲ፡ ነተን ብሮሹራት እንተ ተጠቒምኩምለን፡ ደቅኹም ነቶም ስለምንታይ ኣብ ፈጣሪ ኸም ዝኣምኑ ዚሓትትዎም ሰባት ብርእሰ ተኣማንነት ንኺምልሱሎም ክትሕግዝዎም ኢኹም።—1 ጴጥሮስ 3:15 ኣንብብ።

19. ኵላትና እንታይ ፍሉይ መሰል እዩ ዘሎና፧

19 እቲ ብውድብ የሆዋ ኣቢልና እንረኽቦ ግቡእ ምርምር እተገብሮ ጽሑፋት፡ በቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ፍጥረታት ኣቢልና ነቲ ባህ ዜብል ባህርያት ኣምላኽ ንኸነስተብህለሉ ይሕግዘና እዩ። እዚ ኸኣ ንኣምላኽና ንኽንውድሶ ዚድርኸና ብቑዕ ምኽንያት እዩ። (መዝ. 19:1, 2) ነቲ ፈጣሪ ዅሉ ነገራት ዝዀነ የሆዋ፡ ነቲ ዚግብኦ ኽብሪ ኽንህቦ ምኽኣልናስ፡ ከመይ ዝኣመሰለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ!—1 ጢሞ. 1:17

^ ሕ.ጽ. 3 ነቶም ኵሉ ነገር ቅድሚ ሒደት ኣሽሓት ዓመታት ከም እተፈጥረ ዚኣምኑ ሰባት ብኸመይ ከተረድኦም ከም እትኽእል ዚገልጽ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ዎዝ ላይፍ ክሪኤትድ፧ (ህይወት ተፈጢሩ ድዩ፧) ዘርእስታ ብሮሹር፡ ኣብ ገጽ 24-28 ርአ።