ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ታሪኽ ህይወት

ኣብ የሆዋ ብምውካልና ዓስቢ ረኺብና

ኣብ የሆዋ ብምውካልና ዓስቢ ረኺብና

ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ ህይወት ዘይተጸበኻዮን ሃንደበታውን፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ከቢድ ነገራት ኬጋጥመካ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ነቶም ኣብ ልቦናኦም ዚጽግዑ ዘይኰነስ፡ ነቶም ኣብኡ ዚውከሉ ሰባት እዩ ዚባርኾም። ኣነን ሰበይተይን ነዚ ሓቂ እዚ ኣብቲ ነዊሕን ዓስቢ ዝመልኦን ህይወትና ተመኪርናዮ ኢና። ካብቲ ታሪኽና እስከ ብሓጺሩ ኸነዘንትወልኩም።

ኣቦይን ኣደይን ብ1919 ኣብቲ ኣብ ሴዳር ፖይንት፡ ኦሃዮ፡ ሕ.መ.ኣ. እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እዮም ተራኺቦም። ጸኒሖም ኣብታ ዓመት እቲኣ ድማ ተመርዓዉ። ኣነ ብ1922 እየ ተወሊደ፣ እቲ ፖል ዝስሙ ሓወይ ከኣ ክልተ ዓመት ጸኒሑ ተወልደ። ግሬስ ሰበይተይ ብ1930 እያ ተወሊዳ። እቶም ሮይ ሃወልን ሩት ሃወልን ዝስሞም ወለዳ፡ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኰይኖም እዮም ዓብዮም፣ ኣቦሓጎታታን እኖሓጎታታን እውን ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን ኣዕሩኽ ሓውና ቻርለስ ተይዝ ራስልን እዮም ነይሮም።

ምስ ግሬስ ብ1947 ኢና ተራኺብና፣ ብ16 ሓምለ 1949 ድማ ተመርዓና። ቅድሚ መርዓና፡ ብዛዕባ መጻኢና ብግህዶ ተመያይጥና ነበርና። ውሉዳት ከይንወልድን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክንካፈልን ድማ ወሰንና። ብ1 ጥቅምቲ 1950 ድማ ብሓባር ፈለምቲ ዀንና። ድሕሪኡ፡ ብ1952 ኣብ ዕዮ ወረዳ ኽንካፈል ጻውዒት ቀረበልና።

ዕዮ መገሻን ስልጠና ጊልዓድን

ኣነን ግሬስን፡ ነቲ ሓድሽ ዕዮና ንምፍጻም ብዙሕ ሓገዝ ዜድልየና ዀይኑ ተሰምዓና። ኣነ ኻብቶም ምኩራት ኣሕዋት ክመሃር እጽዕር እኳ እንተ ነበርኩ፡ ንግሬስ እውን ዚሕግዛ ሰብ አናድየላ ነበርኩ። ነቲ ናይ ነዊሕ እዋን ፈታው ስድራ ቤትናን ምኩር ገያሺ ሓላውን ዝዀነ ማርቪን ሆሊን ኣዘራረብክዎ፣ “ግሬስ ገና ንእሽቶን ብዙሕ ተመክሮ ዘይብላን እያ። ምስኣ እናኣገልገለት እተሰልጥና ሰብ ትፈልጥዶ፧” ኢለ ድማ ሓተትክዎ። ንሱ ኸኣ፡ “እወ እፈልጥ። ኤድና ዊንክል ተመክሮ ዘለዋ ፈላሚት ስለ ዝዀነት፡ ንግሬስ ብዙሕ ክትሕግዛ ትኽእል እያ” በለኒ። ግሬስ ጸኒሓ ብዛዕባ ኤድና ኸምዚ በለት፦ “ኣብ ነፍሲ ወከፍ ማዕጾ፡ ፍዅስ ከም ዚብለኒ ትገብር ነበረት፣ ንዜጋጥማ ምጽራር ብኸመይ ከም እትምልስ ትፈልጥ ነበረት፣ እንታይ ኢለ ኽዛረብ ከም ዘሎኒ ብልክዕ ምእንቲ ኽፈልጥ፡ ነቲ ብዓል ቤት ጽን ኢለ ኽሰምዖ ኸም ዘሎኒ ድማ መሃረትኒ። ብዙሕ እያ ጠቒማትኒ።”

ካብ ጸጋም፦ ናታን ኖር፡ ማልከም ኣለን፡ ፍረድ ራስክ፡ ሊል ራሽ፡ ኣንድሪው ዋግነር

ኣነን ግሬስን ኣብ ኣየዋ ኣብ ዚርከባ ኽልተ ወረዳ፡ እንተላይ ኣብ እተወሰነ ኽፋል ሚነሶታን ሳውዝ ዳኮታን ኣገልገልና። ድሕሪኡ፡ ናብቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዚርከብ ንብሩክሊንን ንኲንስን ዜጠቓልል ወረዳ 1 ተቐየርና። ኣብዚ ምደባ እዚ፡ ክሳዕ ክንደይ ተመክሮ ዘይብልና ዀይኑ ተሰሚዑና ኸም ዝነበረ ኣይንርስዖን ኢና። እቲ ወረዳ ነታ ኣብ ቤት-ኤል ኣብ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እትእከብን ብዙሓት ምኩራት ኣባላት ስድራ ቤት-ኤል ዝነበሩዋን ብሩክሊን ሃይትስ እትብሃል ጉባኤ ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። ኣብታ ጉባኤ ናይ መጀመርታ መደረ ኣገልግሎት ምስ ኣቕረብኩ፡ ሓውና ናታን ኖር ናባይ መጺኡ፡ “ማልከም፡ ክንዓይየሉ ዘሎና ነጥብታት ነጊርካና ኣለኻ፡ ግቡእ ድማ እዩ። ለውሃት ዝመልኦ ምኽሪ ብምሃብ እንተ ዘይሓጊዝካና፡ ንውድብ የሆዋ ብዙሕ ኣይትጠቅምን ኢኻ። ነቲ ጽቡቕ ዕዮኻ ቐጽሎ” በለኒ። ድሕሪ እቲ ኣኼባ፡ ብዛዕባ እዚ ንግሬስ ነገርክዋ። ድሕሪኡ፡ ናብቲ ኣብ ቤት-ኤል ዚርከብ ክፍልና ኼድና፡ ኣመና ተጨኒቕና ስለ ዝነበርና፡ ነባዕና።

“ለውሃት ዝመልኦ ምኽሪ ብምሃብ እንተ ዘይሓጊዝካና፡ ንውድብ የሆዋ ብዙሕ ከም ዘይትጠቅም ኣይትረስዕ። ነቲ ጽቡቕ ዕዮኻ ቐጽሎ”

ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ፡ ኣብ መበል 24 ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክንካፈል እትዕድም ደብዳበ በጽሓትና፣ ኣብ ለካቲት 1955 ድማ ተመረቕና። ናብቲ ቤት ትምህርቲ ቕድሚ ምኻድና፡ እቲ ዚውሃበና ስልጠና ናይ ግድን ሚስዮናውያን ንኽንከውን ከም ዘይኰነ ተነግረና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ ዕዮ መገሻ ብዝያዳ ውጽኢታውያን ንኽንከውን ዜዕጥቐና እዩ ነይሩ። ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ምክፋል፡ ዜደንቕ ግናኸ ትሕት ከም እንብል ዚገብር ተመክሮ እዩ ነይሩ።

ብ1954 ፈርን ካውችን ጆርጅ ካውችን ምሳይን ምስ ግሬስን ኣብ ጊልዓድ ከለና

ትምህርቲ ምስ ወዳእና፡ ኣብ ዕዮ ኣውራጃ ኸነገልግል ተመደብና። እቲ ዝነበርናሉ ኣውራጃ፡ ንኢንድያናን ንሚሺጋንን ንኦሃዮን ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ታሕሳስ 1955 ካብ ሓውና ኖር ሓንቲ ደብዳበ መጸትና፣ እታ ደብዳበ፡ “ሓሳብኩም ከይሓባእኩም ብግህዶን ብሓቅን ንገሩኒ። ናብ ቤት-ኤል መጺእኩም ኣብዚ ኽትነብሩ፡ . . . ወይ ከኣ ኣብ ቤት-ኤል ቍሩብ ምስ ጸናሕኩም፡ ናብ ካልእ ሃገር ኬድኩም ከተገልግሉ ፍቓደኛታት እንተ ዄንኩም ኣፍልጡኒ። ዕዮ ኣውራጃን ወረዳን ይሕሸና ትብሉ እንተ ዄንኩም እውን ኣፍልጡኒ” ትብል ነበረት። ኣብ እተመደብናዮ ዘበለ ተሓጒስና ኸም እነገልግል ገለጽናሉ። ብዙሕ ከይጸናሕና፡ ናብ ቤት-ኤል ክንከይድ ተነግረና።

ኣብ ቤት-ኤል ዘሕለፍናየን ዜደንቓ ዓመታት

እተን ኣብ ቤት-ኤል ዘሕለፍክወን ዜደንቓ ዓመታት፡ ኣብ መላእ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ ጉባኤታትን ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታትን መደረ ምሃብ ዜጠቓልላ እየን ነይረን። ንብዙሓት መንእሰያት ኣብ ምስልጣንን ምሕጋዝን ተኻፊለ እየ፣ እዞም መንእሰያት እዚኦም ጸኒሖም ኣብ ውድብ የሆዋ ዓብዪ ሓላፍነት ተሰኪሞም እዮም። ኣብ መወዳእታኡ፡ ኣብቲ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ዚውድብ ቤት ጽሕፈት፡ ጸሓፊ ሓውና ኖር ኰይነ ኣገልገልኩ።

ብ1956 ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎት ክዓዪ ኸለኹ

ብሕልፊ እተን ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎት ዘሕለፍክወን ዓመታት፡ ኣዝየን እየን ዜሐጕሳኒ። ኣብኡ ምስ ቲ.ጀይ. (ባድ) ሱሊቫን እዓዪ ነበርኩ። ንነዊሕ ዓመታት ሓላው እቲ ኽፍሊ ዀይኑ ኣገልጊሉ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ካብ ካልኦት እውን ተማሂረ እየ። ሓደ ኻባታቶም፡ እቲ ኼሰልጥነኒ እተመደበ ፍረድ ራስክ እዩ ነይሩ። ሓደ እዋን፡ “ፍረድ፡ ንገሊኡ እቲ ዝጸሓፍክዎ ደብዳበታት ሓያሎ ምትዕርራይ እትገብረሉ ስለምንታይ ኢኻ፧” ኢለ ብለውሃት ሓተትክዎ። በዚ ሰሓቐ እሞ፡ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ማልከም፡ ንገሊኡ ነገራት ብኣፍካ ኽትዛረቦ ኸለኻ፡ ዝያዳ ቓላት ወሲኽካ ኽትገልጾ ትኽእል ኢኻ፣ ክትጽሕፍ ከለኻ ግና፡ ብሕልፊ ኸኣ ካብዚ ቤት ጽሕፈት ዝመጸ ኪኸውን ከሎ፡ ግቡእን ቅኑዕን ኪኸውን ኣለዎ” ብምባል ምስትውዓል ዝመልኦ መልሲ ሃበኒ። ድሕሪኡ ብለውሃት፡ “ኣጆኻ፡ ጽቡቕ ኢኻ ዘለኻ፣ ድሕሪ ግዜ ኸኣ፡ ከተመሓይሽ ኢኻ” በለኒ።

ኣብተን ኣብ ቤት-ኤል ዝጸናሕናለን ዓመታት፡ ግሬስ ኣብ እተፈላለየ ኽፍልታት እያ ኣገልጊላ፣ መንበሪ ኽፍልታት ኣብ ምጽራይ ዓይያ እያ። ትፈትዎ ኸኣ ነበረት። ክሳዕ ሎሚ፡ እቶም ሽዑ መንእሰያት ዝነበሩ ቤት-ኤላውያን ፍሽኽ እናበሉ ንግሬስ፡ “ብኸመይ ዓራት ከም ዘንጽፍ ዝመሃርክኒ፡ ንስኺ ኢኺ፣ ኣደይ ከኣ ነቲ ዝመሃርክኒ ፈትያቶ እያ” ይብልዋ እዮም። ግሬስ ኣብ ክፍሊ መጽሔትን ደብዳበታትን ከምኡውን ኣብቲ ካሴት ዚባዝሓሉ ኽፍሊ ዓይያ እያ። ኣብ እተፈላለየ ኽፍልታት ምዕያያ፡ ኣብ ውድብ የሆዋ ዘሎና ዕዮ ወይ እንዓይየሉ ቦታ ብዘየገድስ፡ ኵሉ ፍሉይ መሰልን በረኸትን ምዃኑ ንኽትግንዘብ ሓጊዝዋ እዩ። ክሳዕ ሎሚ፡ ከምኡ እዩ ዚስምዓ።

ዝገበርናዮ ምትዕርራይ

ኣብ መፋርቕ 1970ታት እቶም ዚኣርጉ ዝነበሩ ወለድና ዝያዳ ኣትኵሮ ኸም ዜድልዮም ተገንዘብና። ኣብ መወዳእታኡ፡ ኣጸጋሚ ውሳነ ኽንገብር ነበረና። ነቶም ኣዚና እነፍቅሮም ብጾትና ዝዀኑ ኣገልገልቲ የሆዋ ሓዲግና ኻብ ቤት-ኤል ክንወጽእ እኳ እንተ ዘይደለና፡ ኣነ ግና ንወለድና ናይ ምክንኻን ሓላፍነት ዘሎኒ ዀይኑ ስለ እተሰምዓኒ፡ ካብ ቤት-ኤል ወጻእና፣ ኵነታትና ምስ ተቐየረ ኸም እንምለስ ድማ ተስፋ ጌርና ነበርና።

ንገዛእ ርእስና ንምድጋፍ፡ ኣነ ኢንሹራንስ ክሸይጥ ጀመርኩ። ገና ኣብ ስልጠና ኸለኹ፡ ሓደ ኣካያዲ ስራሕ ዝበለኒ ኣይርስዖን እየ፣ “እዚ ንግዲ እዚ፡ ምሸት ምሸት ኣብ ዚግበር ምብጻሕ እተመርኰሰ እዩ። ሽዑ ኢኻ ንሰባት ክትረኽቦም እትኽእል። ካብቲ ምሸት ምሸት ዚግበር ምብጻሕ ንላዕሊ ዜገድስ ዋላ ሓንቲ የልቦን” በለኒ። ኣነ ኸኣ፡ “ካብ ተመክሮ ትዛረብ ከም ዘለኻ ርግጸኛ እየ፡ ነዚ ኸኣ ኣኽቢረ እየ ዝርእዮ። ኰይኑ ግና፡ ቅድሚ ሕጂ ዕሽሽ ኢለዮ ዘይፈልጥ መንፈሳዊ ሓላፍነት ኣሎኒ፣ ሕጂ እውን ዕሽሽ ክብሎ ኣይደልን እየ። ሓሓሊፈ ምሸት ምሸት ክሰርሕ እኽእል እኳ እንተ ዀንኩ፡ ሰሉስን ሓሙስን ምሸት ግና፡ ኣብ ሓደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣኼባ ኽእከብ ኣሎኒ” በልክዎ። ዓለማዊ ስራሕ ክሰርሕ ኢለ ኻብ ኣኼባ ስለ ዘይበዀርኩ፡ የሆዋ ብሓቂ ባሪኹኒ እዩ።

ኣደይ ኣብ ሓምለ 1987 ኣብ መናበዪ ኣረጋውያን ኣብ ዝሞተትሉ እዋን፡ ምስኣ ነበርና። እታ ሓላፊት ኣላዪት ሕሙማት ናብ ግሬስ መጺኣ፡ “ወይዘሮ ኣለን፡ ገዛኺ ኼድኪ ኣዕርፊ። ካብ ጐድኒ ሓማትኪ ኸም ዘይተፈለኺ ዅሉ ሰብ ይፈልጥ እዩ። ናይ ኣእምሮ ሰላም ይሃሉኺ፡ ነብስኺ ድማ ተኸናኸኒ” በለታ።

ኣብ ታሕሳስ 1987፡ እንደገና ኣብቲ ኣዚና እንፈትዎ ቦታ፡ ማለት ኣብ ቤት-ኤል ከነገልግል ኣመልከትና። ኰይኑ ግና፡ ድሕሪ ሒደት መዓልትታት፡ ግሬስ ናይ ረጕድ መዓንጣ መንሽሮ ኸም ዘለዋ ተፈልጠ። መጥባሕቲ ገይራ ምስ ሓሻ፡ እቲ መንሽሮ ምሉእ ብምሉእ ጠፍአ። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ፡ ኣብታ ዘለናያ ጉባኤ ዄንና ኣገልግሎትና ኽንቅጽል እትላቦ ደብዳበ ኻብ ቤት-ኤል መጸትና። ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ክንቅጽል ቈሪጽና ኢና ኔርና።

ድሕሪ ግዜ፡ ኣብ ቴክሳስ ናይ ስራሕ ኣጋጣሚ ምስ ረኸብኩ፡ ናብኡ ኽንከይድ ወሰንና። እቲ ኣብኡ ዘሎ ምዉቕ ኵነታት ኣየር ድማ ልክዕ ከምቲ ዝሓሰብናዮ ንጥዕናና ዚሰማማዕ እዩ ነይሩ። ናብ ቴክሳስ ካብ እንኸይድ ኣስታት 25 ዓመት ጌርና ኣለና፣ በቶም ኣዚና እንቐርቦም ሓለይቲ ኣሕዋትን ኣሓትን ድማ ኢና ተኸቢብና ዘለና።

እተመሃርናዮ ትምህርትታት

ግሬስ ናይ ረጕድ መዓንጣን ናይ ታይሮይድን መንሽሮ፡ ኣብዚ ቐረባ እዋን ከኣ ናይ ጡብ መንሽሮ እኳ እንተ ኣጋጠማ፡ ብዛዕባ እዚ ግና ፈጺማ ኣማሪራ ኣይትፈልጥን እያ፣ ስርዓት ርእስነት እተኽብርን ተሓባባሪትን እውን እያ። መብዛሕትኡ እዋን፡ “ከም ሰብ ሓዳር መጠን፡ ምንጪ ኣሳልጦኹምን ሓጐስኩምን እንታይ እዩ፧” ዚብል ሕቶ ይቐርበላ እዩ። ንሳ ድማ ኣርባዕተ ምኽንያት እያ እትጠቅስ፦ “ምስ ሰብኣየይ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ኢና። መዓልቲ መዓልቲ ኣዘውቲርና እሂን ምሂን ንበሃሃል ኢና። በብመዓልቱ ብሓባር ግዜ ምሕላፍ ድማ ንፈቱ ኢና። ምስ ኵራና ሓዲርና ኣይንፈልጥን ኢና።” ሓቂ እዩ፡ ሓድሓደ ግዜ ንሓድሕድና ብጌጋ ዜሕርቕ ነገር ንገብር እኳ እንተ ዀንና፡ ይቕረ ንበሃሃልን ንርስዖን ኢና፣ እዚ ኸኣ ብሓቂ ይዓዪ እዩ።

“ወትሩ ኣብ የሆዋ ተወከል፡ ነቲ ንሱ ዝፈቐዶ ድማ ተቐበሎ”

ኣብ ህይወትና ብዙሕ ፈተናታት እኳ እንተ ኣጋጠመና፡ ሓያሎ ጽቡቕ ትምህርትታት ተማሂርና ኢና፦

  1. ወትሩ ኣብ የሆዋ ተወከል፡ ነቲ ንሱ ዝፈቐዶ ድማ ተቐበሎ። ፈጺምካ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ።—ምሳ. 3:5, 6፣ ኤር. 17:7

  2. ዝዀነ ይኹን ጕዳይ የጋጥምካ ብዘየገድስ፡ መምርሒ ንምርካብ፡ ኣብ ቃል የሆዋ ተመርኰስ። ንየሆዋን ንሕጉን እዙዝ ምዃን ኣገዳሲ እዩ። ወይ እዙዝ ወይ ዘይእዙዝ ደኣ እምበር፡ ኣብ ክልተ ምሕንካስ ዚብሃል የልቦን።—ሮሜ 6:16፣ እብ. 4:12

  3. ኣብ ህይወት ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ነገር፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጽቡቕ ስም ምጥራይ እዩ። ስጋዊ ሃብቲ ኽትእክብ ዘይኰነስ፡ ረብሓታት ኣምላኽ ከተቐድም ጽዓር።—ምሳ. 28:20፣ መክ. 7:1፣ ማቴ. 6:33, 34

  4. ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ውጽኢታውን ንጡፍን ምእንቲ ኽትከውን፡ ጸሊ። ኣብቲ ኽትገብሮ ዘይትኽእል ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኽትገብሮ እትኽእል ኣተኵር።—ማቴ. 22:37፣ 2 ጢሞ. 4:2

  5. በረኸትን ስምረትን የሆዋ ዘለዎ ኻልእ ውድብ ከም ዘየለ ፍለጥ።—ዮሃ. 6:68

ኣነን ግሬስን ነፍሲ ወከፍና ንየሆዋ ንልዕሊ 75 ዓመት ኣገልጊልናዮ ኢና። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ብሓባር ኴንና ንየሆዋ ብምግልጋል ዜደንቕ እዋን ኣሕሊፍና ኢና። ኵላቶም ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ኣብ የሆዋ ብምውካል እተሕልፎ ህይወት፡ ዓስቢ ዘለዎ ምዃኑ ኺምከርዎ ተስፋ ንገብርን ንጽልን ኢና።