ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | ሰባት ንኣምላኽ ከም ዘየፍቅርዎ ዚገብሮም ሓሶታት

ሓራ ኸተውጽኣካ እትኽእል ሓቂ

ሓራ ኸተውጽኣካ እትኽእል ሓቂ

ሓደ መዓልቲ፡ የሱስ፡ ኣብ የሩሳሌም ከሎ ብዛዕባ እቲ ኣቦኡ ዝዀነ የሆዋ ይዛረብን ነቶም ሓሰውቲ መራሕቲ ሃይማኖት የቃልዖምን ነበረ። (ዮሃንስ 8:12-30) ኣብቲ እዋን እቲ እተዛረቦ ዘረባ፡ ነዚ ሎሚ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚገልጽ እምነት ብኸመይ ክንምርምሮ ኸም እንኽእል ይምህረና እዩ። የሱስ፡ “ኣብ ቃለይ እንተ ጸናዕኩም፡ ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም፣ ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፣ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” በለ።—ዮሃንስ 8:31, 32

የሱስ፡ “ኣብ ቃለይ እንተ ጸናዕኩም” ብምባል፡ ገሊኡ ሃይማኖታዊ ትምህርትታት “ሓቂ” እንተ ዀይኑ ንኽንግምግም ዚሕግዘና መለክዒ እዩ ሂቡ። ብዛዕባ ኣምላኽ ዚገልጽ ሓሳባት ክትሰምዕ ከለኻ፡ ‘እዚ ሓሳባት እዚ ምስ ቃላት የሱስን ምስ ምሉእ ቅዱሳት ጽሑፋትን ይሳነ ድዩ፧’ ኢልካ ንገዛእ ርእስኻ ሕተታ። ነቶም ንሃዋርያ ጳውሎስ ኪዛረብ ከሎ ዝሰምዕዎን ‘እዚ ነገር እዚ [ማለት እቲ እተማህርዎ ነገራት] ከምኡ እንተ ዀይኑ ምእንቲ ኺፈልጡ ንቕዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ዝመርመርዎን’ ሰባት ምሰሎም።—ግብሪ ሃዋርያት 17:11

እቶም ኣብታ ናይ መጀመርታ ዓንቀጽ እተጠቕሱ ማርኮን ሮሳን ሬሞንድን፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም ንመጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ፡ ነቲ ዚኣምኑሉ ነገራት ብጥንቃቐ መርሚሮምዎ እዮም። እሞኸ እንታይ ተማሂሮም፧

ማርኮ፦ “ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምህርና፡ ነቲ ኣነን ሰበይተይን ዝነበረና ነፍሲ ወከፍ ሕቶታት፡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት መለሰልና። በዚ ኸምዚ፡ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ኽትዓቢ ጀመረት፣ ንሓድሕድና እውን ብዝያዳ ተቐራረብና።”

ሮሳ፦ “ኣብ ፈለማ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንኣምላኽ ብሰብኣዊ ኣተሓሳስባ ኺገልጾ ዚፍትን፡ ናይ ፍልስፍና መጽሓፍ እዩ ዚመስለኒ ነይሩ። ቀስ ብቐስ ግና፡ ንሕቶታተይ ከም ዚምልሶ ፈለጥኩ። ሕጂ የሆዋ ጋህዲ ዀይኑለይ እዩ። ክትተኣማመነሉ ዝኽእል ኣካል እዩ።”

ሬሞንድ፦ “ብዛዕባኡ ንኽፈልጥ ምእንቲ ኺሕግዘኒ፡ ናብ ኣምላኽ ጸለኹ። ድሕሪኡ ብዙሕ ከይጸንሐ፡ ኣነን ሰብኣየይን መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ጀመርና። ኣብ መወዳእታኡ፡ ብዛዕባ የሆዋ እቲ ሓቂ ፈለጥና። እንታይ ዓይነት ኣምላኽ ምዃኑ ብምፍላጥና፡ ኣዚና ኢና ተሓጒስና።”

መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚገልጽ ሓሶት ጥራይ ኣይኰነን ዜቃልዖ፣ ብዛዕባ እቲ ዚስሕብ ባህርያት ኣምላኽ እውን ይገልጽ እዩ። መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቓል ስለ ዝዀነ፡ ነቲ “ብኣምላኽ ብለውሃት እተዋህበና” ነገራት ንኽንፈልጦ ይሕግዘና እዩ። (1 ቈረንቶስ 2:12) መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ንኣምላኽን ንዕላማኡን ንመጻኢናን ብዚምልከት ዚለዓል ልሙድ ግናኸ መሰረታዊ ሕቶታት ብኸመይ ከም ዚምልሶ ንምንታይ ዘይትምርምር፧ ንገሊኡ ኻብዚ ሕቶታት ዚኸውን መልሲ እንተ ደሊኻ፡ ኣብቲ www.pr418.com ዚብሃል ወብ ሳይትና፡ ኣብ ትሕቲ “Bible Teachings > Bible Questions Answered” (“ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ > መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ”) ርአ። ብዘይካዚ፡ ኣብቲ ወብ ሳይትና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትምሃር ክትሓትት ትኽእል ኢኻ፣ ወይ ከኣ ንሓደ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትሓትቶ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ብቐሊሉ ንኣምላኽ ከም እተፍቅሮ ርግጸኛታት ኢና።