ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣቱም ጓሶት፡ ነቶም ዓበይቲ ጓሶት ምሰልዎም

ኣቱም ጓሶት፡ ነቶም ዓበይቲ ጓሶት ምሰልዎም

“ክርስቶስ እኳ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ ኣርኣያ እናሓደገልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ።”—1 ጴጥ. 2:21

1, 2. (ሀ) ኣባጊዕ ብጽቡቕ እንተ ተታሒዘን እንታይ ውጽኢት እዩ ዚርከብ፧ (ለ) ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበሩ ሓያሎ ሰባት፡ ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧

ጓሳ ብዛዕባ ድሕንነት መጓሰኡ ልባዊ ተገዳስነት ኬርኢ ኸሎ፡ ኣባጊዕ ይስስና እየን። ብመሰረት ሓደ ብዛዕባ ምርባሕ ኣባጊዕ ዚገልጽ መምርሒ፡ “ንመጓሰኡ ናብ መገሃጫ ጥራይ ዚወስዶ፡ ቈላሕታ ግና ዘይገብረሉ ሰብኣይ፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት ብዙሕ ሕማም ዘለወንን መኽሰብ ዘይብለንን ኣባጊዕ ሒዙ እዩ ዚተርፍ።” እቲ ጓሳ ንኣባጊዑ ግቡእ ክንክን ምስ ዚገብረለን ግና፡ ጥዑይን ድልዱልን መጓሰ እዩ ዚህልዎ።

2 ሎሚ እውን ጓሶት መጓሰ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ እተን ብሕድሪ እተዋህባኦም ኣባጊዕ ሓልዮትን ቈላሕታን ምስ ዚገብሩለን፡ ኣብ መንፈሳዊ ጥዕና ምልእቲ ጉባኤ ጽልዋ ይህልዎ እዩ። ነቲ፡ “[የሱስ] ህዝቢ ምስ ረኣየ፡ ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ግፉዓትን ድርቡያትን ስለ ዝነበሩ፡ ደንገጸሎም” ዚብል ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ትዝክሮ ትኸውን ኢኻ። (ማቴ. 9:36) እቶም ህዝቢ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዜሕዝን ኵነታት ዝወደቑ ስለምንታይ እዮም፧ እቶም ነቲ ህዝቢ፡ ሕጊ ኣምላኽ ንኺምህርዎ ሓላፍነት እተዋህቦም ሰባት፡ ጨካናትን መዝመዝትን ግቡዛትን ስለ ዝነበሩ እዩ። መንፈሳውያን መራሕቲ እስራኤል፡ ንኣባላት መጓሰኦም ኣብ ክንዲ ዚሕግዝዎምን ዚምግብዎምን፡ ኣብ መንኵቦም “ከቢድ ጾር” የሰክምዎም ነበሩ።—ማቴ. 23:4

3. ሽማግለታት ጉባኤ፡ ከም መንፈሳውያን ጓሶት መጠን ዘለዎም ግደ ኺፍጽሙ ኸለዉ፡ እንታይ እዮም ኪዝክሩ ዘለዎም፧

3 ስለዚ፡ ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን ጓሶት፡ ማለት እተሸሙ ሽማግለታት፡ ከቢድ ሓላፍነት እዩ ዘለዎም። እተን ኣብቲ ዚጓስይዎ መጓሰ ዘለዋ ኣባጊዕ ናይ የሆዋን ናይቲ “ሕያዋይ ጓሳ” ምዃኑ ዝገለጸ የሱስን እየን። (ዮሃ. 10:11) እተን ኣባጊዕ “ብዋጋ፡” ማለት በቲ ‘ኽቡር ደም’ የሱስ እየን ተዓዲገን። (1 ቈረ. 6:20፣ 1 ጴጥ. 1:18, 19) የሱስ ንኣባጊዑ ስለ ዜፍቅረን ብፍታው ህይወቱ ሰዊኡለን እዩ። ሽማግለታት ንመሪሕነት እቲ “ዓብዪ ጓሳ ኣባጊዕ”ን ፈቃር ወዲ ኣምላኽን ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኪግዝኡ ዘለዎም ንኡሳን ጓሶት ምዃኖም ወትሩ ኺዝክሩ ይግባእ።—እብ. 13:20

4. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

4 ክርስትያን ሽማግለታት ነተን ኣባጊዕ ብኸመይ ኪሕዝወን እዩ ትጽቢት ዚግበረሎም፧ ንኣባላት ጉባኤ፡ “ንዚመርሑኹም ተኣዘዝዎም” ዚብል ምሕጽንታ ተዋሂብዎም እዩ። ንክርስትያን ሽማግለታት እውን፡ “ኣብቶም ርስቲ ኣምላኽ ዝዀኑ ኸም እትጕይተቱ ኣይትኹኑ” ዚብል ማዕዳ ተዋሂብዎም ኣሎ። (እብ. 13:17፣ 1 ጴጥሮስ 5:2, 3 ኣንብብ።) እሞኸ፡ ኣብቲ መጓሰ ኸይተጐይተቱ ኺመርሑ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ካብቲ ኣምላኽ ንሓለውቲ ዝሃቦም ስልጣን ከይሓለፉ፡ ነተን ኣባጊዕ ዜድልየን ነገር ኬማልኡለን ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

‘ኣብ ሕቝፉ ኺስከሞም እዩ’

5. እቲ ኣብ ኢሳይያስ 40:11 ዚርከብ ስእላዊ ዘረባ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረና፧

5 ነብዪ ኢሳይያስ ብዛዕባ የሆዋ ኸምዚ በለ፦ “ንመጓሲኡ ኸም ጓሳ ኼውፍር፡ ንዕያውቱ ኣብ ቅልጽሙ ኺእክብ ኣብ ሕቝፉ ኸኣ ኪስከሞም፡ ነተን ዜጥብዋ ድማ ብህድኣት ኪመርሔን እዩ።” (ኢሳ. 40:11) እዚ ስእላዊ ዘረባ እዚ፡ የሆዋ ነቶም ድኹማትን ተኣፈፍትን ኣባላት ጉባኤ፡ ዜድልዮም ዘበለ ኸም ዜማልኣሎም ይሕብር። ልክዕ ከምቲ ሓደ ጓሳ ንነፍሲ ወከፍ በጊዑ እንታይ ከም ዜድልያ ፈሊጡ ንኼማልኣላ ድሉው ዝዀነ፡ የሆዋ እውን ኣባላት ጉባኤ እንታይ ከም ዜድልዮም ስለ ዚፈልጥ፡ ዜድልዮም ዘበለ ብሓጐስ የማልኣሎም እዩ። ልክዕ ከምቲ ሓደ ጓሳ፡ ዕየት ምስ ተወልደት፡ ኬድሊ ኸሎ ብኽዳኑ ዚሓቝፋ፡ እቲ “ኣቦ ርሕራሐ” ዝዀነ የሆዋ እውን ኣብ እዋን መከራ ሓቚፉ ይስከመና እዩ። ዓብዪ ፈተና ኼጋጥመና ኸሎ፡ ወይ ከኣ ፍሉይ ቈላሕታ ኼድልየና ኸሎ፡ የጸናንዓና እዩ።—2 ቈረ. 1:3, 4

6. ሓደ ሽማግለ ኸም መንፈሳዊ ጓሳ መጠን፡ ኣብነት የሆዋ ኺስዕብ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

6 እዝስ ሓደ መንፈሳዊ ጓሳ ኻብ ሰማያዊ ኣቦና ኺረኽቦ ዚኽእል ኣየ ኸመይ ዝበለ ዜደንቕ ትምህርቲ ዀን እዩ! ልክዕ ከም የሆዋ፡ ንሱ እውን ነተን ኣባጊዕ ዜድልየን እንታይ ምዃኑ ኬቕልብ ኣለዎ። እንታይ ብድሆታት ከም ዜጋጥመንን እንታይ ፍሉይ ነገራት ብህጹጽ ከም ዜድልየንን ፈሊጡ፡ ምትብባዕን ደገፍን ኪህበን ይግባእ። (ምሳ. 27:23) ስለዚ፡ ሓደ ሽማግለ ምስ ክርስትያን ብጾቱ፡ ጽቡቕ ርክብ ኪህልዎ ኣለዎ ማለት እዩ። ኣብ ብሕታዊ ጕዳዮም ዘይኣቱ እኳ እንተ ዀነ፡ በቲ ኣብ ጉባኤ ዚርእዮን ዚሰምዖን ይግደስ እዩ። ‘ነቶም ድኹማት ንኺድግፎም’ እውን ድሉው እዩ።—ግብ. 20:35፣ 1 ተሰ. 4:11

7. (ሀ) እተን ብግዜ ህዝቅኤልን ኤርምያስን ዝነበራ ኣባጊዕ ኣምላኽ ብኸመይ እየን ዚተሓዛ ነይረን፧ (ለ) የሆዋ ነቶም ዘይእሙናት መንፈሳውያን ጓሶት ምዅናኑ፡ እንታይ ኪምህረና ይኽእል፧

7 እቶም ኣምላኽ ዝዀነኖም ጓሶት፡ እንታይ ዓይነት ኣመለኻኽታ ኸም ዝነበሮም ንመርምር። የሆዋ፡ ብግዜ ህዝቅኤልን ኤርምያስን ነቶም ንኣባጊዑ ኺከናኸኑ ሕድሪ እተዋህቦም፡ ግናኸ ሓላፍነቶም ብግቡእ ዘይፈጸሙ ጓሶት ኰኒንዎም እዩ። እተን ኣባጊዕ ዚሕልወን ስለ ዘይነበረ፡ ኣደዳ መጥቃዕቲ ዀና፡ ካብቲ መጓሰ ድማ ተበታተና። እቶም ጓሶት ነተን ኣባጊዕ ኣብ ክንዲ ዚጓስይወን፡ ይምዝምዝወንን ‘ንርእሶም ይጓስዩን’ ነበሩ። (ህዝ. 34:7-10፣ ኤር. 23:1) እቶም ኣምላኽ ዝዀነኖም ጓሶት፡ ነዞም ሎሚ ዘለዉ መራሕቲ ህዝበ ክርስትያን ኬመልክቱ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ እቲ ትንቢት፡ ክርስትያን ሽማግለታት ንመጓሰ ኣምላኽ ግቡእን ፍቕራውን ቈላሕታ ኺገብሩለን ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ዜጕልሕ እዩ።

“ኣነ ኣርኣያ ሂበኩም ኣለኹ”

8. የሱስ ግጉይ ኣመለኻኽታ ንምእራም ብሉጽ ኣርኣያ ዝገደፈልና ብኸመይ እዩ፧

8 ገሊኦም ኣባላት መጓሰ ኣምላኽ፡ ብምኽንያት ዘይፍጽምና ነቲ ኣምላኽ ካባታቶም ዚደልዮ ብቕዓታት ቀልጢፎም ኣይርድእዎን ይዀኑ። ምስ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ተሰማሚዖም ስጕምቲ ኻብ ምውሳድ ድሕር ይብሉ፡ ወይ ከኣ መንፈሳዊ ብስለት ከም ዝጐደሎም ዚሕብር ተግባራት ይፍጽሙ ይዀኑ። ሽዑ፡ ሽማግለታት እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧ ነታ የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዝነበሮ ርክብ ዘርኣያ ትዕግስቲ ኺቀድሕዋ ይግባእ። ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ መን ከም ዚዓቢ ብተደጋጋሚ ኺሓትቱ ኸለዉ፡ የሱስ ከይተሓለለ ይምህሮምን ትሕትና ንኼንጸባርቑ ፍቕራዊ ምኽሪ ይህቦምን ነበረ ደኣ እምበር፡ ትዕግስቱ ኣይተጸንቀቐን። (ሉቃ. 9:46-48፣ 22:24-27) ኣእጋሮም ብምሕጻብ ድማ ብዛዕባ ትሕትና ብተግባር መሃሮም። ትሕትና፡ ክርስትያን ሓለውቲ እውን ኬንጸባርቕዋ ዚግባእ ባህርይ እያ።—ዮሃንስ 13:12-15 ኣንብብ፣ 1 ጴጥ. 2:21

9. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ ኣመለኻኽታ ኼማዕብሉ እዩ ተማሕጺንዎም፧

9 እቲ የሱስ ብዛዕባ ግደ መንፈሳዊ ጓሳ ዝነበሮ ርእይቶ፡ ካብቲ ያእቆብን ዮሃንስን ዝነበሮም ርእይቶ እተፈልየ እዩ ነይሩ። እቶም ክልተ ሃዋርያት ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ምርኡይ ቦታ ኺሕዙ እዮም ዚደልዩ ነይሮም። የሱስ ግና፡ “ንኣህዛብ፡ ኣሕሉቖም ከም ዚገዝእዎም፡ ዓበይቶም ድማ ኣብ ልዕሊኦም ከም ዚስልጥኑ ትፈልጡ ኢኹም። ኣባኻትኩም ግና ከምኡ ኣይኰነን፣ የግዳስ፡ ካባኻትኩም ዓብዪ ኪኸውን ዚደሊ ዘበለ፡ ኣገልጋሊኹም ይኹን” በሎም። (ማቴ. 20:25, 26) ሃዋርያት ነቲ ኣብ ብጾቶም ‘ንኺጕይተቱ’ ወይ ‘ኪገዝኡ’ ዝነበሮም ድሌት ኪቃለስዎ የድልዮም ነበረ።

10. የሱስ ንሽማግለታት፡ ንመጓሰ ኣምላኽ ብኸመይ ኪሕዝዎ እዩ ዚደልዮም፧ ጳውሎስከ በዚ መዳይ እዚ እንታይ ኣብነት እዩ ገዲፉ፧

10 የሱስ ንክርስትያን ሽማግለታት፡ ንመጓሰ ኣምላኽ ከምቲ ንሱ ዝሓዞ ገይሮም ንኺሕዝዎ ይጽበዮም እዩ። ኣብ ክርስትያን ብጾቶም ኪጕይተቱ ዘይኰነስ፡ ከም ኣገልገልቲ ዀይኖም ንኺዓይዩ ፍቓደኛታት ኪዀኑ ኣለዎም። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚኣ ዓይነት ትሕትና ኸም ዝነበረቶ፡ ካብቲ ኣብ ጉባኤ ኤፌሶን ንዝነበሩ ሽማግለታት እተዛረቦም ቃላት ክንርድኦ ንኽእል ኢና። ጳውሎስ ነቶም ሽማግለታት፡ “ካብታ ናብ እስያ ዝኣቶኹላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኣትሒዘ፡ ኵሉ ግዜ ምሳኻትኩም ከመይ ከም ዝነበርኩ፡ ንስኻትኩም ኣጸቢቕኩም ትፈልጡ ኢኹም፣ ብዅሉ ትሕትና . . . ንጐይታ ተገዚአዮ እየ” በሎም። እቲ ሃዋርያ ነቶም ሽማግለታት ንብጾቶም ክርስትያናት ካብ ልብን ብትሕትናን ኪሕግዝዎም እዩ ዚደልዮም ነይሩ። “በዚ ኸምዚ ብምጽዓር፡ ንድኹማት ክትድግፉ፡ . . . ብዅሉ ኣርኣኹኹም” ድማ በሎም። (ግብ. 20:18, 19, 35) ንሰብ ቈረንቶስ እውን፡ ምእንቲ ኺሕጐሱ ብትሕትና ምስኦም ሓቢሩ ዚዓዪ ብጻዮም ደኣ እምበር፡ ኣብ ልዕሊ እምነቶም ከም ዘይጕይተት ነገሮም። (2 ቈረ. 1:24) ብትሕትናኡን ብጻዕሩን ነዞም ሎሚ ዘለዉ ሽማግለታት ጽቡቕ ኣብነት ገዲፉሎም እዩ።

‘ነቲ እሙን ቃል ኣጽኒዕኩም ሓዝዎ’

11, 12. ሓደ ሽማግለ ንሓደ ክርስትያን ብጻዩ፡ ውሳነ ንኺገብር ብኸመይ ኪሕግዞ ይኽእል፧

11 ሓደ ሽማግለ ጉባኤ፡ “ብጥበብ ኣመሃህራ ገይሩ ነቲ እሙን ቃል ኣጽኒዑ ዚሕዝ ኪኸውን ኣለዎ።” (ቲቶ. 1:9) ነዚ ግና፡ “ብልኡም መንፈስ” እዩ ዚገብሮ። (ገላ. 6:1) ሓደ ንፉዕ መንፈሳዊ ጓሳ ኺምህር ከሎ፡ ልቢ ክርስትያን ብጾቱ ኺትንክፍ ደኣ እዩ ዚሓስብ እምበር፡ ሓደ ፍሉይ መገዲ ንኺስዕቡ ኼገድዶም ኣይፍትንን እዩ። እዚ ጓሳ እዚ፡ ኣገዳሲ ውሳነ ኺገብር ንዚጽዕር ዘሎ ሓው፡ ንስርዓታት ቅዱሳት ጽሑፋት ኬጕልሓሉ ይኽእል እዩ። ነቲ ጕዳይ ብዚምልከት ንዝወጸ ሕታማት እውን ምስኡ ዀይኑ ኺርእዮ ይኽእል እዩ። እቲ ሓው እተፈልየ ስጕምቲ ምስ ዚወስድ ድማ፡ ምስ የሆዋ ንዘለዎ ርክብ ብኸመይ ኪጸልዎ ኸም ዚኽእል ንኺሓስበሉ ኼተባብዖ ይኽእል እዩ። ቀጺሉ እውን፡ ውሳነ ቕድሚ ምግባሩ ብጸሎት መምርሒ የሆዋ ኺሓትት ኣገዳሲ ምዃኑ ኼጕልሓሉ ይኽእል እዩ። (ምሳ. 3:5, 6) ነቲ ጕዳይ ሓቢሮም ምስ ተመያየጡሉ ድማ፡ እቲ ሽማግለ ነቲ ሓው ናይ ገዛእ ርእሱ ውሳነ ንኺገብር ይሓድጎ።—ሮሜ 14:1-4

12 ክርስትያን ሽማግለታት ንስልጣኖም ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት ጥራይ እዮም ኪጥቀሙሉ ዚኽእሉ። ስለዚ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብጥበብ ኪጥቀሙሉን ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ከምኡ ምግባሮም ንስልጣኖም ብዘይግቡእ ንኸይጥቀሙሉ ይሕግዞም። ንኡሳን ጓሶት ጥራይ ምዃኖም እውን ኪዝክሩ ኣለዎም። ነፍሲ ወከፍ ኣባል ጉባኤ ዚገብሮ ውሳነ ንየሆዋን ንየሱስን እዩ ጸብጻብ ዚህበሉ።—ገላ. 6:5, 7, 8

‘ነቲ መጓሰ ኣርኣያ ኹንዎ’

ሽማግለታት ንስድራ ቤቶም ንኣገልግሎት ኪዳለዉ ይሕግዝዎም (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ)

13, 14. ሓደ ሽማግለ ንመጓሰ ኣምላኽ ኣብነት ኪኸውን ዚኽእል በየናይ መዳያት እዩ፧

13 ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብታ ጉባኤ ንዘለዉ ሽማግለታት፡ ‘ከይጕይተቱ’ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ‘ነቲ መጓሰ ኣርኣያ ኪዀንዎ’ እውን ምዒድዎም እዩ። (1 ጴጥ. 5:3) ሓደ ሽማግለ ነቲ መጓሰ ኣርኣያ ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ሓደ ‘ሓላዊ ኪኸውን ዚመጣጠር’ ሓው፡ ኬማልኦ ኻብ ዘለዎ ብቕዓታት፡ ክልተ ንርአ። እቲ ሓው፡ “ለባም”ን “ንቤተ ሰቡ ጽቡቕ ገይሩ ዜስተናብር”ን ኪኸውን ኣለዎ። ሓደ ሽማግለ፡ ስድራ ቤት እንተ ኣልይዎ፡ ንቤተ ሰቡ ብምስትንባር ኣብነት ኪኸውን ኣለዎ። “ሓደ ሰብ ንቤተ ሰቡ ኼስተናብር ካብ ዘይክእልሲ፡ ንጉባኤ ኣምላኽ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኺከናኸና ይኽእል፧” (1 ጢሞ. 3:1, 2, 4, 5) ሓደ ሰብ ንሓላውነት ምእንቲ ኺበቅዕ፡ ለባም ኪኸውን ኣለዎ፣ እዚ ማለት ድማ ንስርዓታት ኣምላኽ ብንጹር ኪርድኦን ኣብ ህይወቱ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኼውዕሎ ኸም ዘለዎ ኺፈልጥን ኣለዎ። እዚ ሓው እዚ፡ ወረጃ እዩ፡ ተሃዊኹ ድማ ኣይፈርድን እዩ። ሽማግለታት ነዚ ባህርያት እዚ ኼንጸባርቑ ኸለዉ፡ ኣባላት ጉባኤ ይተኣማመኑሎም እዮም።

14 ሓለውቲ ንክርስትያን ብጾቶም ጽቡቕ ኣብነት ኪዀኑሉ ዚኽእሉ ኻልእ መዳይ ድማ፡ ኣገልግሎት ወፍሪ እዩ። በዚ መዳይ እዚ፡ የሱስ ንሓለውቲ ኣብነት ሰሪዑሎም ኣሎ። ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣገዳሲ መዳይ ምድራዊ ኣገልግሎት የሱስ እዩ ነይሩ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ እዚ ዕዮ እዚ ብኸመይ ከም ዚፍጸም ኣርእይዎም እዩ። (ማር. 1:38፣ ሉቃ. 8:1) ኣብዚ ግዜና፡ ኣስፋሕቲ ምስ ሽማግለታት ሓቢሮም ኬገልግሉ ባህ እዩ ዚብሎም። ሽማግለታት ኣብዚ ህይወት ዜድሕን ዕዮ እዚ ብቕንኣት ኪዓይዩ ኸለዉ፡ ኣስፋሕቲ ይተባብዑ እዮም፣ ካብ ኣመሃህራኦም ከኣ ይመሃሩ እዮም። ሓለውቲ ብዙሕ ዕዮ እናሃለዎም ክነሱ፡ ግዜኦምን ጕልበቶምን ወፍዮም ብቘራጽነት ኣብ ዕዮ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪካፈሉ ኸለዉ፡ ንምልእቲ ጉባኤ ኸም ናታቶም ዓይነት ቅንኣት ንኸተርኢ የተባብዓ እዩ። ብዘይካዚ፡ ሽማግለታት ንኣኼባታት ጉባኤ ብምድላውን ኣብቲ ኣኼባታት ብምስታፍን፡ ከምኡውን ኣብ ከም ጽሬትን ጽገናን ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዝኣመሰለ ኻልእ ንጥፈታት ብምክፋል ንኣሕዋቶም ጽቡቕ ኣብነት ኪዀንዎም ይኽእሉ እዮም።—ኤፌ. 5:15, 16፣ እብራውያን 13:7 ኣንብብ።

ሽማግለታት ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኣብነት ይዀኑ (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)

“ንድኹማት ደግፍዎም”

15. ገለ ኻብቲ ሽማግለታት ጕስነታዊ ምብጻሕ ዚገብሩሉ ምኽንያታት እንታይ እዩ፧

15 ሓንቲ በጊዕ ምስ እትቘስል ወይ ምስ እትሓምም፡ ሓደ ንፉዕ ጓሳ ቐልጢፉ እዩ ኣገዳሲ ስጕምቲ ዚወስድ። ብተመሳሳሊ፡ ዝዀነ ይኹን ኣባል እታ ጉባኤ ምስ ዚሳቐ ወይ መንፈሳዊ ሓገዝ ምስ ዜድልዮ እውን ሽማግለታት ቅልጡፍ ቈላሕታ ኺገብሩሉ የድሊ። ኣረጋውያንን ዝሓመሙን ስጋዊ ሓገዝ ኪግበረሎም ዜድሊ እኳ እንተ ዀነ፡ ብፍላይ ግና መንፈሳዊ ሓገዝን ምትብባዕን እዩ ዜድልዮም። (1 ተሰ. 5:14) መንእሰያት ዝዀኑ ኣባላት ጉባኤ፡ ከም “ትምኒት ንእስነት” ዝኣመሰለ ብድሆታት ኬጋጥሞም ይኽእል እዩ። (2 ጢሞ. 2:22) ስለዚ፡ ጕስነት፡ ንኣባላት ጉባኤ፡ ዜጋጥሞም ዘሎ ዅነታት ተረዲእካ፡ ዜተባብዕ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ንምሃብ ብዚብል ዕላማ በብእዋኑ ዚግበር ምብጻሕ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጕዳያት ብኣጋኡ እንተ ተታሒዙ፡ ከቢድ ጸገማት ኣየጋጥምን እዩ።

16. ሓደ ኣባል ጉባኤ መንፈሳዊ ሓገዝ ምስ ዜድልዮ፡ ሽማግለታት እንታይ ደገፍ እዮም ኪገብሩሉ ዚኽእሉ፧

16 ጸገማት እናዓበየ ብምኻዱ፡ መንፈሳዊ ጥዕና ሓደ ኣባል ጉባኤ ኣብ ሓደጋ እንተ ወዲቑኸ፧ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ያእቆብ፡ “ኣብ መንጎኹም ዝሓመመዶ ኣሎ፧ ንሽማግለታት ጉባኤ ይጸውዕ፣ ንሳቶም ከኣ ብስም የሆዋ ዘይቲ እናለኸዩ፡ ይጸልዩሉ። እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተጥዕዮ እያ፣ የሆዋ እውን ኬተንስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑ እውን፡ ኪሕደገሉ እዩ” በለ። (ያእ. 5:14, 15) ሓደ ብመንፈስ ዝሓመመ ኣባል ጉባኤ፡ ንሽማግለታት ጉባኤ እንተ ዘይጸውዐ እውን፡ ንሳቶም ኵነታቱ ምስ ፈለጡ፡ ቀልጢፎም ኪሕግዝዎ ይግባእ። እዞም ጓሶት እዚኦም፡ ንኣሕዋቶም ምስኦም ኰይኖም ምስ ዚጽልዩሎምን ኣብ ዜድልዮም እዋን ምስ ዚሕግዝዎምን፡ ነቲ ብሕድሪ እተዋህቦም መጓሰ ብመንፈሳዊ መዳይ ኬበርትዕዎን ኬተባብዕዎን ይኽእሉ እዮም።—ኢሳይያስ 32:1, 2 ኣንብብ።

17. ሽማግለታት ነቲ “ዓብዪ ጓሳ” ምስ ዚመስልዎ፡ እንታይ ውጽኢት እዩ ዚርከብ፧

17 ክርስትያን ጓሶት ኣብ ውድብ የሆዋ ኣብ ዚዓይዎ ዅሉ ነገራት፡ ነቲ “ዓብዪ ጓሳ” ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኪመስልዎ እዮም ዚጽዕሩ። መጓሰ ኣምላኽ፡ ካብዞም ሓላፍነት ዘለዎም ሰብኡት መንፈሳዊ ሓገዝ ስለ ዚግበረሉ፡ ይጥቀምን ይስስንን እዩ። ንዅሉ እዚ ነገራት እዚ፡ ነማስወሉ ኢና፣ ነቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ጓሳና የሆዋ ንኽንውድሶ ኸኣ ንድረኽ ኢና።