ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 ገበር | ኣምላኽ የድልየና ድዩ፧

እዛ ሕቶ እዚኣ እተገድስ ስለምንታይ እያ፧

እዛ ሕቶ እዚኣ እተገድስ ስለምንታይ እያ፧

“ብዘይ ኣምላኽ ክትነብር ከም እትኽእል ኰይኑ ድዩ ዚስምዓካ፧ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ከምኡ እዩ ዚስምዖም።” እዚ ሓሳብ እዚ፡ ሓንቲ ጕጅለ ኢዘሀራውያን ኣብ እትውንኖ ሰሌዳ ምልክታ፡ ኣብ ቀረባ እዋን እተጻሕፈ እዩ። እዞም ሰባት እዚኦም፡ ኣምላኽ ከም ዘየድልዮም ኰይኑ እዩ ዚስምዖም።

ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ብኣምላኽ ከም ዚኣምኑ ዚገልጹ ሓያሎ ሰባት፡ ብዚገብርዎ ውሳነታት ብህላወ ኣምላኽ ከም ዘይኣምኑ የርእዩ እዮም። ሊቀ ጳጳሳት ካቶሊክ ዝዀነ ሳልቫቶረ ፊዚኬላ፡ ብዛዕባ ኣባላት ቤተ ክርስትያኑ፡ “ናብራ ህይወትና ኻብ ናብራ እቶም ዘይኣመንቲ ስለ ዘይፍለ፡ ሎሚ ሓደ ሰብ፡ ክርስትያናት ከም ዝዀንና ኼለልየና ኼጸግሞ ይኽእል እዩ” በለ።

ገሊኣቶም ብዛዕባ ኣምላኽ ኪጭነቑ ኣይደልዩን እዮም። ካባታቶም ኣዝዩ ኸም ዝረሓቐ ወይ ኪረኽብዎ ኸም ዘይክእሉ ገይሮም ስለ ዚሓስቡ፡ ኣብ ህይወቶም ትርጕም ዘለዎ ግደ ኺህልዎ ዘይክእል ኰይኑ ይስምዖም። እዞም ሰባት እዚኦም፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚሓስቡ ኣብ ሽግር ኪወድቁ ኸለዉ ወይ ከኣ ሓደ ነገር ኬድልዮም ከሎ ጥራይ እዮም። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ንኣምላኽ ልክዕ ከምቲ ኣብ ቃሕ ዝበሎም ግዜ ዚጽውዕዎ ኣገልጋሊኦም ገይሮም እዮም ዚቘጽርዎ።

ገሊኣቶም ከኣ፡ ሃይማኖታዊ ትምህርትታት ግብራዊ ጥቕሚ ዘይብሉ ዀይኑ ይስምዖም፡ ወይ ከኣ ነቲ ቤተ ክርስትያኖም እትምህሮ ኣይትግብርዎን። ነዚ ዚሕብር፡ ሓደ ኣብነት ጥራይ ንርአ። ኣብ ጀርመን ካብ ዚነብሩ ካቶሊካውያን፡ 76 ሚእታዊት፡ ሰብኣይን ሰበይትን ቅድሚ መርዓ ብሓንሳእ ኪነብሩ ቕቡል ከም ዝዀነ ይኣምኑ። እዚ ግና ምስ ትምህርቲ ሃይማኖቶምን ምስ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስን ዚጋጮ እዩ። (1 ቈረንቶስ 6:18፣ እብራውያን 13:4) ንዚኣምኑሉ ኸም ዘይትግብርዎ ዚስምዖም፡ ካቶሊካውያን ጥራይ ከም ዘይኰኑ ፍሉጥ እዩ። ኣቕሽሽቲ ሓያሎ ሃይማኖታት እውን ኣባላት ቤተ ክርስትያኖም ልክዕ ከም “ኢዘሀራውያን” ኰይኖም ከም ዚመላለሱ ይገልጹ እዮም።

እዚ ኣብነታት እዚ፡ ‘ብሓቂዶ ኣምላኽ የድልየና እዩ፧’ ናብ እትብል ሕቶ ይመርሓና። እዚ ኸኣ ሓድሽ ኣይኰነን። ፈለማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ገጻት ተገሊጹ ኣሎ። መልሲ እታ ሕቶ እቲኣ ንኽንረኽቦ፡ ኣብታ ኽፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት ኦሪት ዘፍጥረት ንእተላዕለ እተፈላለየ ጕዳያት ንርአ።