ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 ገበር | ሞት መወዳእታ ዅሉ ድዩ፧

ደቂ ሰብ ንኸይሞቱ ዚገብርዎ ቓልሲ

ደቂ ሰብ ንኸይሞቱ ዚገብርዎ ቓልሲ

ሃጸይ ቺን ሺ ህዋን

ዳህሳሲ ፖንሴ ዴ ሌዮን

ሞት ኣዝዩ ዜፍርህ ጸላኢ እዩ። ብእተኻእለና መጠን ከኣ ንቃለሶ ኢና። ንእነፍቅሮ ሰብ ኪምንዝዓና ኸሎ፡ ምቕባሉ የጸግመና ይኸውን። ወይ ከኣ፡ ብግዜ ንእስነትና፡ እዚ ጸላኢ እዚ ናባና ገጹ ኸም ዘይመጽእ ጌርና ብምሕሳብ ንነብስና ኸነደዓዕሳ ንፍትን ንኸውን።

ከም ጥንታውያን ፈርኦናት ገይሩ ብዛዕባ ሞት እተጨነቐ የለን ኪብሃል ይከኣል እዩ። ካብ ሞት ንኼምልጡ ኢሎም፡ ግዜኦምን ናይ ኣሽሓት ሰራሕተኛታቶም ግዜን ሰዊኦም እዮም። እቲ ዝሃነጽዎ ፒራሚዳት፡ ንጻዕሮምን ፍሽለቶምን ዜረጋግጽ እዩ።

ሃጸያት ቻይና እውን ንኸይሞቱ ተመሳሳሊ ጻዕርታት ገይሮም እዮም። እቲ ኣልከመኛታት ወይ ፈላስፋታት ስነ ቐመም ዚደልይዎ ዝነበሩ ንዕድመ ብዘይ ገደብ ዜንውሕ ቀመም፡ ከም ኣብነት ዚጥቀስ እዩ። ሃጸይ ቺን ሺ ህዋን ንኣልከመኛታቱ፡ ካብ ሞት ዚከላኸል ስሒራዊ መድሃኒት ኪረኽቡሉ ሓቲትዎም ነበረ። ግናኸ፡ መብዛሕትኡ ቐመማቶም፡ ብመርዛም ሜርኩሪ እተዋሃሃደ ስለ ዝነበረ፡ ሓደ ኻብ ቀመማቶም ከም ዝቐተሎ እዩ ዚግመት።

ኣብ መበል 16 ዘመን ድ.ክ. ዝነበረ ኽዋን ፖንሴ ዴ ሌዮን ዚብሃል ስጳኛዊ ዳህሳሲ፡ ፈልፋሊ ንእስነት ንምርካብ ብመርከብ ናብ ካሪበያ ኸም እተጓዕዘ እዩ ዚንገረሉ። ኪድህስስ ከሎ ኸኣ ነታ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትርከብ ፍሎሪዳ ረኸባ፣ ድሕሪኡ ሒደት ዓመታት ጸኒሑ ግና፡ ምስ ደቀባት ኣመሪካውን ብእተፈጥረ ውግእ ሞተ። ፈልፋሊ ንእስነት ዚብሃል ከኣ ክሳዕ ሎሚ ኣይተረኽበን።

ፈርኦናትን ሃጸያትን ዳህሰስትን ንሞት ኪስዕርዎ ጽዒሮም እዮም። ነቲ እተጠቕሙሉ መገድታት እኳ እንተ ዘይፈተናዮ፡ ንጻዕርታቶም ግና ኣይነቈናጽቦን ኢና። ከመይሲ፡ ኵላትና ብህይወት ክንነብር ኢና እንደሊ።

ሞት ኪሰዓር ይኽእል ድዩ፧

ክንመውት ዘይንደሊ ስለምንታይ ኢና፧ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽንያቱ ይነግረና እዩ። ብዛዕባ እቲ ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ፡ * “ንዅሉ በብግዚኡ ጽቡቕ ገበሮ። . . . ንዘለኣለምነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ” ይብለና። (መክብብ 3:11) ኣብዛ  ውቅብቲ ምድርና ንኣስታት 80 ዓመት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዘለኣለም ክንነብር ኢና እንደሊ። (መዝሙር 90:10) እዚ፡ ባህጊ ልብና እዩ።

ኣምላኽ ኣብ ልብና “ዘለኣለምነት” ዘንበረ ስለምንታይ እዩ፧ ኬባሳጭወና ኢሉ ድዩ፧ ከምኡ ኺገብር ዘይሕሰብ እዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ ኣምላኽ፡ ሞት ዚሰዓረሉ ግዜ ኸም ዚመጽእ ተመባጺዑ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሞት ከም ዚውገድን ብዛዕባ እታ ኣምላኽ እተመባጽዓ ናይ ዘለኣለም ህይወትን ብተደጋጋሚ ይገልጽ እዩ።— “ዓወት ኣብ ልዕሊ ሞት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

የሱስ ክርስቶስ እውን፡ “በይንኻ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንዝዀንካ ንዓኻን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” ብምባል ኣነጺሩ ገሊጹ ኣሎ። (ዮሃንስ 17:3) ስለዚ፡ እቲ ኣንጻር ሞት ዚግበር ቃልሲ፡ ተስፋ ዘይብሉ ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ቓልሲ ኺዕወት ዚኽእል ኣምላኽ ጥራይ ከም ዝዀነ፡ የሱስ ኣረጋጊጹልና ኣሎ።

^ ሕ.ጽ. 9 የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስም ኣምላኽ እዩ።