ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር

ንዓለም ዝቐየራ ውግእ

ንዓለም ዝቐየራ ውግእ

ቅድሚ ሓደ ዘመን፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ መንእሰያት ካብ ማሙቕ ቤቶም ወጺኦም ናብ ውግእ ከዱ። በቲ ኣስፋሕፊሑ ዝነበረ ሃገራውነት ተለዓዒሎም፡ ብዓብዪ ሃንቀውታ እዮም ከይዶም። ብ1914 ናብቲ ውግእ ብወለንታ ዝኸተተ ሓደ ኣመሪካዊ፡ “ብዛዕባ እተን ዚጽበያኒ ዘለዋ መዓልትታት ክሓስብ ከለኹ፡ ኣዝየ እየ ዝሕጐስ” ኢሉ ጸሓፈ።

ይኹን እምበር፡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ እቲ ዝነበሮም ውዕዉዕ ስምዒት ናብ ጓሂ ተቐየረ። እቶም ኣብቲ ውግእ እተኻፈሉ ዓበይቲ ሓይልታት፡ ኣብ በልጅዩምን ፈረንሳን ንነዊሕ ዓመታት ዚሳቐዩ ኣይመሰሎምን ነይሩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ብዙሓት ሰባት ነቲ ውግእ፡ “ዓብዪ ውግእ” ኢሎም ሰመይዎ። እዚ ኸኣ፡ እቲ ሎሚ “ቐዳማይ ውግእ ዓለም” ኢልና እንጽውዖ ዘለና እዩ።

ቍጽሪ እቶም ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዝሞቱ ሰባት፡ እቲ ውግእ መዳርግቲ ኸም ዘይነበሮ ዜርኢ እዩ። ገሊኡ ጸብጻባት ከም ዚሕብሮ፡ ኣስታት 10 ሚልዮን ሰባት ሞይቶም፡ 20 ሚልዮን ድማ ቈሲሎም እዮም። እቲ ዜሕዝን ድማ፡ እቲ ውግእ ብሰሪ ዜሕፍር ጌጋታት እዩ ተባሪዑ። ሰበ ስልጣን ኤውሮጳ፡ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ሰፊኑ ዝነበረ ወጥሪ ኼህድእዎ ስለ ዘይከኣሉ እዩ ዓለምለኻዊ ውግእ ኪባራዕ ክኢሉ። ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ ግና፡ እቲ “ዓብዪ ውግእ” ዝገደፎ ዓብዪ በሰላ እዩ። ንዓለምና፡ ክሳዕ ሎሚ እውን ብዚጸሉ መገዲ ቐዪሩዋ እዩ።

እምነት ዘጥፍአ ጌጋታት

ቀዳማይ ውግእ ዓለም ብሰንኪ ግጉይ ውሳነታት እዩ ተባሪዑ። ዘ ፎል ኦቭ ዘ ዳይናስቲስ—ዘ ኮላፕስ ኦቭ ዘ ኦልድ ኦርደር 1905-1922 ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ሰበ ስልጣን ኤውሮጳ ኣብቲ ብ1914 ዝነበረ ሰላማዊ እዋን ሓጋይ፡ ልክዕ ከምቲ ብድቁሱ ተንሲኡ ዚዛወር እሞ ኣብ ሓደጋ ዚወድቕ ሰብ እዮም ኰይኖም ነይሮም” በለት።

ሓደ ኦስትርያዊ መስፍን ምስ ተቐትለ፡ ኣብ ኤውሮጳ ዝነበራ ልዕለ ሓያላን ሃገራት ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት ናብ ዘይደለያኦ ውግእ ኣተዋ። እቲ ውግእ ድሕሪ ምጅማሩ፡ ሓደ ጀርመናዊ ብዓል ስልጣን፡ “ብኸመይ እዩ ኺጅምር ክኢሉ፧” ተባሂሉ ተሓቲቱ ነበረ። “እንታይ እሞ ፈሊጠ ኢልካኒ ኢኻ፧” ኢሉ ድማ መለሰ።

እቶም ናብቲ ውግእ ዚመርሐ ውሳነ ዝገበሩ መራሕቲ፡ ንሳዕቤናቱ ፈጺሞም ኣይሓሰቡሉን። ኰይኑ ግና፡ እቶም ኣብ ድፋዕ ዝነበሩ ወተሃደራት፡ ውዒሎም ሓዲሮም ነቲ ሳዕቤናት ርእዮምዎ እዮም። ሰበ ስልጣን ከም ዝጠለምዎም፡ መራሕቲ ሃይማኖት ከም ዘታለልዎም፡ ጀነራላት ድማ ከም ዝኸድዕዎም ተገንዘቡ። ብኸመይ፧

ሰበ ስልጣን ጠለምዎም፡ መራሕቲ ሃይማኖት ኣታለልዎም፡ ጀነራላት ድማ ከድዕዎም

ሰበ ስልጣን፡ እቲ ውግእ ሓዳስን ዝሓሸትን ዓለም ከም ዜምጽእ ተመባጺዖም ነበሩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ጀርመን፡ “ኢንዱስትሪና ብሰላማዊ መገዲ ንኽንሰርሕን ዓብዪ ታሪኽና ንኽንዕቅብን መጻኢና ንኸነውሕስን ኢና እንዋጋእ ዘለና” ኢሉ ነበረ። ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝነበረ ዊድሮው ዊልሰን ከኣ፡ እቲ ውግእ “ንዓለምና ንዲሞክራሲ እትምሽእ” ከም ዚገብራ ዚገልጽ ህቡብ ጭርሖ ኸም ዜስፋሕፍሕ ገይሩ እዩ። ኣብ ብሪጣንያ ዚነብሩ ሰባት ድማ፡ እቲ ውግእ፡ “ውግእ ንምውዳእ ዚግበር ውግእ” ከም ዝዀነ ገይሮም ይሓስቡ ነበሩ። ግናኸ፡ ኵላቶም ተጋግዮም እዮም ነይሮም።

መራሕቲ ሃይማኖት፡ ነቲ ውግእ ብውዕዉዕ ስምዒት እዮም ደጊፎምዎ። ዘ ኮሎምብያ ሂስትሪ ኦቭ ዘ ዎርልድ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ተጣበቕቲ ቓል ኣምላኽ፡ ቀንዲ መጐሃሃርቲ እቲ ውግእ እዮም ነይሮም። እቲ ዅሉ ዝኸተተሉ ውግእ፡ ጽልኢ ኸም ዚሰፍን እዩ ገይሩ” በለት። መራሕቲ ሃይማኖት ድማ ነዚ ጽልኢ እዚ ኣብ ክንዲ ዜጥፍእዎ፡ መመሊሶም እዮም ዜንበድብድዎ ነይሮም። ኤ ሂስትሪ ኦቭ ክርስችያኒቲ ዘርእስታ መጽሓፍ ከምዚ በለት፦ “መራሕቲ ሃይማኖት ንክርስትያናዊ እምነት ካብ ሃገራውነት ኬቐድምዎ ኣይከኣሉን፣ ከምኡ ኺገብሩ እውን ፍቓደኛታት ኣይነበሩን። መብዛሕትኦም ድማ ንክርስትና ምስ ሃገራውነት ብምትሕሓዝ፡ እቲ ዝቐለለ መገዲ መረጹ። ኵላቶም ኣመንቲ ክርስትና ዝዀኑ ወተሃደራት፡ ብስም መድሓኒኦም ንሓድሕዶም ንኺቃተሉ እዮም ዚተባብዑ ነይሮም።”

ጀነራላት ንወተሃደራቶም፡ ብቕልጡፍን ብዝቐለለ መገድን ከም ዚዕወቱ እዮም ተመባጺዖምሎም ነይሮም፣ ግናኸ ኸምቲ ዝሓሰብዎ ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ዚስዕር ወገን ኣይነበረን። ነቶም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ወተሃደራት፡ ከምቲ ሓደ ጸሓፍ ታሪኽ ዝገለጾ፡ “ንዝዀነ ይኹን ሰብ ኬጋጥሞ ኻብ ዚኽእል ጸገም ንላዕሊ ዝኸፍአ ኣካላውን ስምዒታውን ጸበባ ኣጋጠሞም።” ወተሃደራት ብዜስካሕክሕ መገዲ ይሞቱ እኳ እንተ ነበሩ፡ እቶም ጀነራላት ግና ንወተሃደራቶም ብቐጻሊ ናብ ሓጹር ትሪኮላታን ናብቲ ኻብ ትርሺ ዚዘንም ዝነበረ ጠያይትን ብምልኣኽ ንሞት ዳረግዎም። ብሰንኪ እዚ ኸኣ መጠነ ሰፊሕ ናዕቢ ተላዕለ።

ቀዳማይ ውግእ ዓለም ንሕብረተ ሰብ ዝጸለዎ ብኸመይ እዩ፧ ሓደ ገዲም ወተሃደር፡ “እቲ ውግእ ንኣተሓሳስባን ንጠባይን እቲ ወለዶ ኣበላሽይዎ እዩ” ኸም ዝበለ፡ ሓደ ጸሓፍ ታሪኽ ገሊጹ ነበረ። ብሓቂ ድማ፡ ከም ውጽኢት እቲ ውግእ፡ ገሊኡ ሃጸያዊ ግዝኣት ምሉእ ብምሉእ ጠፊኡ እዩ። ቀዳማይ ውግእ ዓለም፡ ናይቲ ንዕኡ ስዒቡ ኣብዚ ዘመን እዚ ዘጋጠመ ቕድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ምፍሳስ ደም፡ ቀዳማይ ምዕራፍ ጥራይ እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ ድሕሪኡ፡ ሰውራን ኣድማን ኣብ ፈቐዶኡ ኼጋጥም ጀሚሩ እዩ።

ቀዳማይ ውግእ ዓለም ንዓለምና ሕንፍሽፍሽ ዘእተወላ ስለምንታይ እዩ፧ ብሃንደበት ዘጋጠመ ሓደጋ ድዩ ነይሩ፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ብዛዕባ መጻኢና ዚሕብሮ ነገር ኣሎዶ፧