ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ ግርማዊ ንጉስ ዝዀነ ክርስቶስ ወድሶ!

ነቲ ግርማዊ ንጉስ ዝዀነ ክርስቶስ ወድሶ!

“ብግርማኻ ውጻእ።”—መዝ. 45:4PS. 45:4.

1, 2. መዝሙር 45 እተገድሰና ስለምንታይ እያ፧

ሓደ ግርማዊ ንጉስ ምእንቲ ሓቅን ጽድቅን እናጋለበ ንጸላእቱ ኺስዕር ይወጽእ። ምሉእ ብምሉእ ምስ ሰዓሮም ከኣ፡ ፍትውቲ መርዓት ይምርዖ። ድሕሪኡ፡ እቲ ንጉስ ኣብ ኵሉ እቲ ዚመጽእ ወለዶታት ይዝከርን ይውደስን። እዚ እተጠቕሰ ነገራት፡ ቀንዲ ፍረ ነገር መዝሙር 45 እዩ።

2 ይኹን እምበር፡ መበል 45 መዝሙር ዜሐጕስ መደምደምታ ዘለዎ ታሪኽ ዝሓዘት ባህ እተብል መዝሙር ጥራይ ዘይኰነትስ፡ ንሕጅን ንመጻእን ዚትንክፈና ፍጻመታት እውን ዝሓዘት ብምዃና ተገድሰና እያ። ስለዚ፡ ነዛ መዝሙር እዚኣ ተጠንቂቕና ንመርምራ።

“ካብ ልበይ ጽቡቕ ነገር ይግንፍል”

3, 4. (ሀ) ዜገድሰና “ጽቡቕ ነገር” እንታይ እዩ፧ ንልብና ኺጸልዎ ዚኽእልከ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ብዛዕባ “ንጉስ” እንሰብኮ መልእኽቲ እንታይ እዩ፧ ልሳንና “ኸም ብርዒ ቕልጡፍ ጸሓፊ” እትኸውንከ ብኸመይ እያ፧

3 መዝሙር 45:1 ኣንብብ። እቲ ንልቢ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብምትንካፍ ከም ዚንግንፍል ዝገበሮ “ጽቡቕ ነገር፡” ንንጉስ ዚምልከት ጕዳይ እዩ። እዚ ጕዳይ እዚ፡ ንልቢ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብውዕዉዕ ስምዒት ከም ዚግንፍል ብምግባር፡ ንልሳኑ “ኸም ብርዒ ቕልጡፍ ጸሓፊ” ገይሩዋ እዩ።

4 እቲ “ጽቡቕ ነገር” ንዓናኸ እንታይ ጽልዋ እዩ ዚገብረልና፧ ብስራት  መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ንልብና ዚትንክፍ ጽቡቕ ነገር እዩ። መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብፍላይ “ጽቡቕ” ዝዀነ፡ ብ1914 እዩ። ካብ ሽዑ ንነጀው፡ እቲ መልእኽቲ ብዛዕባ መጻኢት መንግስቲ ዘይኰነስ፡ ሕጂ ኣብ ሰማይ ብዛዕባ እትገዝእ ዘላ መንግስቲ እዩ ዚገልጽ። እዚ ኸኣ፡ እቲ “ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም” እንሰብኮ ዘለና ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ እዩ። (ማቴ. 24:14) እሞኸ፡ ልብና ብመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ “ይግንፍል” ድዩ፧ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኣት ንሰብኽ ዲና፧ ንሕና እውን ከምቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ ብዛዕባ እቲ “ንጉስ” ኢና እንዝምር። ንሱ ኸኣ እቲ ንጉስና ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ እዩ። ሰማያዊ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ኸም ዝነገሰ ድማ ኢና እንእውጅ። ብዘይካዚ፡ ንዅሎም ሰባት፡ ማለት ንገዛእቲ ዀኑ ንተገዛእቲ ንንግስነቱ ኺግዝኡ ንዕድሞም ኣሎና። (መዝ. 2:1, 2, 4-12) ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዕዮ ስብከትና ጽቡቕ ጌርና ስለ እንጥቀመሉ፡ ልሳንና “ኸም ብርዒ ቕልጡፍ ጸሓፊ” እያ እትኸውን።

ብዛዕባ እቲ ንጉስና ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ተሓጒስና ብስራት ነበስር ኢና

‘ነቲ ንጉስ ክእለት ዘረባ መሊእዎ እዩ’

5. (ሀ) የሱስ ‘ጽቡቕ’ እተባህለ ብምንታይ እዩ፧ (ለ) እቲ ንጉስ ዝዀነ የሱስ፡ ‘ክእለት ዘረባ ዝመልኦ’ ምዃኑ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ ብኸመይከ ኢና ኣብነቱ ንምስዓብ ክንጽዕር እንኽእል፧

5 መዝሙር 45:2 ኣንብብ። ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ኣካላዊ ጽባቐ የሱስ ብዙሕ ኣይገልጽን እዩ። ፍጹም ሰብ ስለ ዝነበረ፡ ‘ጽቡቕ’ ወይ ምልኩዕ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ መዝሙር “ካብ ደቂ ሰብ ንስኻ ትጽብቕ” እተባህለ ግና፡ ንየሆዋ እሙን ብምዃኑን ንጽህናኡ ብምሕላዉን እዩ። ብዘይካዚ፡ የሱስ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኽ ከሎ ‘ኣብ ከናፍሩ ውቃበ ፈሲሱ’ ወይ ‘ክእለት ዘረባ መሊእዎ’ (ትርጕም 1990) ነይሩ እዩ። (ሉቃ. 4:22፣ ዮሃ. 7:46) እሞኸ፡ ክንሰብኽ ከለና፡ ኣብነቱ ንኽንስዕብን ንልቢ ሰባት ዚትንክፍ ቃላት ንኽንጥቀምን ንጽዕር ዲና፧—ቈሎ. 4:6

6. ኣምላኽ ንየሱስ “ንሓዋሩ” ዝባረኾ ብኸመይ እዩ፧

6 የሱስ ብምሉእ ልቡ ውፉይ ስለ ዝነበረ፡ የሆዋ ኣብ እዋን ምድራዊ ኣገልግሎቱ ባሪኽዎ፡ መስዋእታዊ ሞት ድሕሪ ሙማቱ ኸኣ ሸሊምዎ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “[የሱስ] ከም ሰብ ኰይኑ ምስ መጸ ድማ፡ ርእሱ ኣትሓተ፡ ክሳዕ ሞት፡ አረ ኽሳዕ ሞት ኣብ ጕንዲ ስቅያት እኳ ተኣዘዘ። ስለዚ ኸኣ፡ ኣምላኽ ናብ ዝለዓለ ቦታ ልዕል ኣበሎ፡ ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስም እውን ብለውሃት ሃቦ። ከምኡ ዝገበረ፡ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዅሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽ፡ ኵሉ ልሳን እውን ንኽብሪ ኣቦና ኣምላኽ ኢሉ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምዃኑ ምእንቲ ኺእመን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ፊል. 2:8-11) የሆዋ ንየሱስ፡ ዘይትመውት ህይወት ብምሃብ “ንዘለኣለም” ባሪኽዎ እዩ።—ሮሜ 6:9

እቲ ንጉስ ካብ ‘ብጾቱ’ ኸም ዚዓቢ ተገይሩ

7. የሆዋ ንየሱስ ሓለፋ ‘ብጾቱ’ ዝቐብኦ ብኸመይ እዩ፧

7 መዝሙር 45:6, 7 ኣንብብ። የሱስ ጽድቂ ይፈቱ፡ ንዝዀነ ይኹን ንኣቦኡ ዜሕስር ነገራት ከኣ ይጸልእ ስለ ዝነበረ፡ የሆዋ ንዕኡ ንጉስ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ኪኸውን ቀብኦ። የሱስ ‘ሓለፋ ብጾቱ ብዘይቲ ሓጐስ’ ተቐብአ። እቶም ‘ብጾቱ’ ተባሂሎም ዘለዉ፡ እቶም ካብ መስመር ወለዶ ዳዊት ዝዀኑ ነገስታት ይሁዳ እዮም። የሱስ ሓለፋኦም እተቐብአኸ ብኸመይ እዩ፧ ቅድም ቀዳድም፡ ብኢድ የሆዋ እዩ ተቐቢኡ። ብተወሳኺ፡ የሆዋ ንየሱስ ንጉስን ሊቀ ኻህናትን ኪኸውን እዩ ቐቢእዎ።  (መዝ. 2:2፣ እብ. 5:5, 6) ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ የሱስ ብዘይቲ ዘይኰነስ፡ ብመንፈስ ቅዱስ እዩ ተቐቢኡ፣ ንግስነቱ ኸኣ ምድራዊ ዘይኰነስ፡ ሰማያዊ እዩ።

8. ስልጣን የሱስ ሕጋዊ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ መንግስቱ ጽድቂ ዝሰፈና ምዃናኸ ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧

8 የሆዋ ንወዱ ኸም ንጉስ መሲሓዊት መንግስቱ ገይሩ ብ1914 ኣብ ሰማይ ኣንገሶ። ‘ዘንጊ መንግስቲ የሱስ፡ ዘንጊ ቕንዕና እያ፣’ እዚ ኸኣ ግዝኣቱ ጽድቅን ቅንዕናን ዝሰፈኖ ምዃኑ የረጋግጸልና። መዝሙር 45:6 ብመሰረት ትርጕም 1990፡ “እቲ ኣምላኽ ዝሃበካ ዝፋንካ ንዘለዓለም ይነብር” እያ እትብል። ስለዚ፡ ስልጣን የሱስ ሕጋዊ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ መሰረት መንግስቱ የሆዋ እዩ። ብዘይካዚ፡ ዝፋን የሱስ፡ “ንዘለኣለመ ኣለም” እዩ። ንየሆዋ ኣብ ትሕቲ እዚ ሓያልን ንሱ ዘንገሶ ንጉስን ኴንካ ኸተገልግሎስ ኣይትሕበንንዶ፧

እቲ ንጉስ ‘ሰይፉ ይዕጠቕ’

9, 10. (ሀ) ክርስቶስ ሰይፉ እተዓጥቀ መዓስ እዩ፧ ብኸመይከ እዩ ብኡብኡ እተጠቕመሉ፧ (ለ) ክርስቶስ ንሰይፉ እንደገና ዚጥቀመሉ ብኸመይ እዩ፧

9 መዝሙር 45:3 ኣንብብ። የሆዋ ነቲ ዘንገሶ ንጉስ፡ ‘ሰይፉ ኣብ ሕቘኡ ኺዕጠቕ’ ነገሮ። እዚ ኸኣ፡ ንዅሎም እቶም ንልዑላውነት ኣምላኽ ዚጻረሩ ሰባት ኪዋግኦምን ኪፈርዶምን ስልጣን ከም ዝሃቦ የመልክት። (መዝ. 110:2) ክርስቶስ ዘይስዓር ተዋጋኢ ንጉስ ስለ ዝዀነ፡ “ኣታ ጅግና” ተባሂሉ ኣሎ። ብ1914 ሰይፉ ተዓጢቑ ንሰይጣንን ንኣጋንንቱን ሰዓሮም፡ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኸኣ ደርበዮም።—ራእ. 12:7-9

10 እቲ ንጉስ ኣብዚ ውግእ እዚ ኺስዕር ጀሚሩ ደኣ እምበር ኣይወድአን። ገና ምሉእ ብምሉእ “ኪስዕር” ኣለዎ። (ራእ. 6:2) ፍርድታት የሆዋ ኣብ ኵሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ባእታታት ስርዓት ሰይጣን ኪወርድ፡ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ድማ ኪእሰሩ ኣለዎም። መጀመርታ እትጠፍእ ግና እታ ናይ ዓለም ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት ዓባይ ባቢሎን እያ። የሆዋ ነዛ እክይቲ “ኣመንዝራ” እዚኣ፡ ብፖለቲካውያን መራሕቲ ገይሩ ንኼጥፍኣ ዕላማ ኣለዎ። (ራእ. 17:16, 17) ቀጺሉ እቲ ተዋጋኢ ንጉስ ንፖለቲካዊ ስርዓት ሰይጣን ከም ዘይነበረ ኺገብሮ እዩ። ድሕሪኡ፡ እቲ “መልኣኽ መዓሙቝ” ዝዀነ ክርስቶስ፡ ንሰይጣንን ኣጋንንቱን ናብ መዓሙቝ ብምድርባይ ምሉእ ብምሉእ ኪስዕር እዩ። (ራእ. 9:1, 11፣ 20:1-3) መዝሙር 45 ብዛዕባ እዚ ዜደንቕ ፍጻመታት እዚ እንታይ ኢላ ኸም እትንበ እስከ ንርአ።

እቲ ንጉስ ‘ምእንቲ ሓቂ’ ይወጽእ

11. ክርስቶስ ‘ምእንቲ ሓቂ’ ዚወጽእ ብኸመይ እዩ፧

11 መዝሙር 45:4 ኣንብብ። እቲ ተዋጋኢ ንጉስ፡ ዚገዝኣሉ ቦታታት ንኺሕዝን ንሰባት ከኣ ንኼምበርክኽን ኢሉ ኣይኰነን ዚዋጋእ። ቅዱስ ዕላማታት ሒዙ እዩ ጽድቃዊ ውግእ ዚዋጋእ። እወ፡ “ምእንቲ ሓቅን ገርህነትን ጽድቅን” ኢሉ እዩ ዚወጽእ። እቲ ዚዋግኣሉ ዝዓዘዘ ሓቂ ኸኣ፡ ልዑላውነት የሆዋ እዩ። ሰይጣን ካብ የሆዋ ብምዕላው፡ ንኣገዛዝኣ የሆዋ ብዚምልከት ብድሆ ኣቕረበ። ካብ ሽዑ ኣትሒዞም ከኣ፡ ኣጋንንትን ሰባትን ነቲ መሰረታዊ ሓቂ እቲ ይቃወምዎ ኣለዉ። እቲ ብየሆዋ እተቐብአ ንጉስ ነቲ ንልዑላውነት የሆዋ ዚምልከት ሓቂ፡ ሓንሳእን ንሓዋሩን ምእንቲ ኼረጋግጾ ዚወጽኣሉ ግዜ በጺሑ እዩ።

12. እቲ ንጉስ ‘ምእንቲ ገርህነት’ ወይ ትሕትና ዚወጽእ ብኸመይ እዩ፧

12 እቲ ንጉስ ‘ምእንቲ ገርህነት’ ወይ ትሕትና እውን ኪወጽእ እዩ። ከም ሓደ ወዲ ኣምላኽ መጠን ትሕትና ብምንጽብራቕን ንልዑላውነት ኣቦኡ ብተኣማንነትን ተገዛኢ ብምዃንን ብሉጽ ኣብነት ገዲፉልና እዩ። (ኢሳ. 50:4, 5፣ ዮሃ. 5:19) ኵሎም እሙናት ተገዛእቲ እቲ ንጉስ ነቲ ንሱ ዝገደፈሎም ኣብነት ኪስዕቡን ንልዑላውነት የሆዋ ብዅሉ ነገራት ትሕት ኢሎም ኪግዝኡን  ኣለዎም። እቶም ከምዚ ዚገብሩ ጥራይ እዮም ኣብታ ኣምላኽ ዘተስፈዋ ሓዳስ ዓለም ኪነብሩ ዚፍቀደሎም።—ዘካ. 14:16, 17

13. ክርስቶስ ‘ምእንቲ ጽድቂ’ ዚወጽእ ብኸመይ እዩ፧

13 ክርስቶስ ‘ምእንቲ ጽድቂ’ እውን ኪወጽእ እዩ። እቲ ንጉስ ዚዋግኣሉ ጽድቂ፡ “ጽድቂ ኣምላኽ” እዩ። እዚ ኸኣ፡ ንቕኑዕን ጌጋን ዚመልከት የሆዋ ዘውጽኦ ስርዓት ማለት እዩ። (ሮሜ 3:21፣ ዘዳ. 32:4) ኢሳይያስ ብዛዕባ እቲ ንጉስ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ፡ “ንጉስ ብጽድቂ ኺነግስ እዩ” ኢሉ ተነበየ። (ኢሳ. 32:1) የሱስ ኣብ ዚገዝኣሉ እዋን፡ እቲ ብመብጽዓ እተነግረ “ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን” ኪፍጸም እዩ። (2 ጴጥ. 3:13) ሽዑ፡ ኵሎም ተቐማጦ እታ ሓዳስ ዓለም ምስ ጽድቃዊ ስርዓታት የሆዋ ተሰማሚዖም ኪነብሩ ኼድልዮም እዩ።—ኢሳ. 11:1-5

እቲ ንጉስ “ዜፍርህ ነገር” ይፍጽም

14. የማነይቲ ኢድ ክርስቶስ እንታይ “ዜፍርህ ነገር” እያ ኽትፍጽም፧ (ኣብ ገጽ 3 ዘላ ስእሊ ርአ።)

14 እቲ ንጉስ ኣብ ሕቘኡ ሰይፊ ተዓጢቑ እዩ ዚወጽእ። (መዝ. 45:3) ንሰይፉ መዚዙ ብየማናይ ኢዱ ዚሕዘሉ እዋን ድማ ኪመጽእ እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “የማነይቲ ኢድካውን ዜፍርህ ነገር ክትምህረካ እያ” ኢሉ ተነበየ። (መዝ. 45:4) የሱስ ክርስቶስ ፍርዲ የሆዋ ኣብ ኣርማጌዶን ንኼተግብር ኣብ ዚወጽኣሉ እዋን፡ ኣንጻር ጸላእቱ “ዜፍርህ ነገር” ኪፍጽም እዩ። ንስርዓት ሰይጣን ንምጥፋእ እንታይ መገድታት ከም ዚጥቀም ኣይንፈልጥን ኢና። ይኹን እምበር፡ እቲ ሽዑ ዚወስዶ ስጕምቲ ነቶም ነቲ ንጉስ ንኺግዝእዎ ንእተዋህቦም መለኮታዊ መጠንቀቕታ ዘይተቐበልዎ ተቐማጦ ምድሪ ኼርዕዶም እዩ። (መዝሙር 2:11, 12 ኣንብብ።) የሱስ ብዛዕባ መወዳእታ ግዜ ኣብ ዝሃቦ ትንቢት፡ “ሓይልታት ሰማያት ኪናወጽ እዩ እሞ፡ ብፍርህን ብትጽቢት እቲ ኣብ ዓለም ዚመጽእን፡ ሰባት ውኖኦም ኪጠፍኦም እዩ። ሽዑ፡ ወዲ ሰብ ብሓይልን ብዓብዪ ኽብርን ብደበና ኺመጽእ ከሎ፡ ኪርእይዎ እዮም” በለ።—ሉቃ. 21:26, 27

15, 16. ኣባላት እቶም ንክርስቶስ ኣብ ውግእ ዚስዕብዎ “ሰራዊት” መን እዮም፧

15 እታ ኽፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ ራእይ፡ እቲ ንጉስ “ብሓይልን ብዓብዪ ኽብርን” ንኺፈርድ ኪመጽእ ከሎ ብዛዕባ ዚገብሮ ነገራት ከምዚ ብምባል ትገልጽ፦ “ሰማይ ከኣ ተኸፊቱ ረኣኹ፣ እንሆ ድማ፡ ኣምበላይ ፈረስ። እቲ እተወጥሖ ኸኣ እሙንን ሓቀኛን ይብሃል፣ ብጽድቂ እውን እዩ ዚፈርድን ዚዋጋእን። ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሰራዊት ከኣ፡ ጻዕዳን ጽሩይን ቅጭን በፍታ ተኸዲኖም፡ ኣብ ኣምበሌታት ኣፍራስ ተወጢሖም ሰዓብዎ። ካብ ኣፉ ድማ ንኣህዛብ ኪወቕዓሉስ፡ በሊሕ ነዊሕ ሰይፊ ይወጽእ፣ ንሱ ኸኣ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም እዩ። ነቲ ናይቲ ነድሪ ቝጥዓ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ መጽመቝ ወይኒ ድማ ይረግጾ።”—ራእ. 19:11, 14, 15

16 እቶም ንክርስቶስ ኣብቲ ውግእ ዚስዕብዎ “ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሰራዊት” ተባሂሎም ዘለዉ ተዋጋእቲ መን እዮም፧ የሱስ ኣብ ፈለማ ንሰይጣንን ኣጋንንቱን ካብ ሰማይ ንኺሰጕጎም ሰይፉ ኣብ እተዓጥቀሉ እዋን፡ “መላእኽቱ” ኣሰንዮምዎ ነይሮም እዮም። (ራእ. 12:7-9) በዚ መሰረት እዚ፡ ኣብ ውግእ ኣርማጌዶን እውን፡ እቶም ምስ ክርስቶስ ዚሓብሩ ሰራዊት፡ ቅዱሳት መላእኽቲ ኸም ዚርከብዎም ምግማት ርትዓዊ እዩ። ካልኦት ኣባላት ሰራዊትከ ኣለዉ ድዮም፧ የሱስ ነቶም ቅቡኣት ኣሕዋቱ፡ “ነቲ ዚስዕርን ክሳዕ መወዳእታ ግብረይ ዚሕሉን ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ስልጣን ክህቦ እየ፣ እዚ ድማ ከምቲ ኣነ ኻብ ኣቦይ እተቐበልክዎ እዩ። ንሱ እውን እቶም ህዝቢ ኸም ኣቕሑ መሬት ምእንቲ ኺሰባበሩ፡ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም እዩ” ኢሉ ተመባጺዑሎም ነይሩ እዩ። (ራእ. 2:26, 27) ስለዚ እምበኣር፡ እቶም ሰማያዊ ዓስቦም ዚረኽቡ ቕቡኣት  ኣሕዋት ክርስቶስ እውን ኣባላት እቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሰራዊት ክርስቶስ ኪዀኑ እዮም። እቲ ንጉስ ንኣህዛብ ብበትሪ ሓጺን እናጓሰየ “ዜፍርህ ነገር” ኣብ ዚፍጽመሉ እዋን፡ እቶም ቅቡኣት መጋዝእቱ ኣብ ጐድኑ ኪዀኑ እዮም።

እቲ ንጉስ ይስዕር

17. (ሀ) እቲ ክርስቶስ እተወጥሖ ኣምበላይ ፈረስ ንምንታይ የመልክት፧ (ለ) ሰይፍን ቀስትን ንምንታይ የመልክት፧

17 መዝሙር 45:5 ኣንብብ። እቲ ንጉስ ኣብ ኣምበላይ ፈረስ ኪውጣሕ እዩ። እዚ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጹህን ጻድቕን ንዝዀነ ውግእ የመልክት። (ራእ. 6:2፣ 19:11) እቲ ንጉስ፡ ሰይፊ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ቀስቲ እውን ኣለዎ። እቲ ጸብጻብ፡ “ረኣኹ ድማ፡ እንሆ፡ ኣምበላይ ፈረስ፣ እቲ እተወጥሖ ኸኣ ቀስቲ ኣለዎ፣ ኣኽሊል እውን ተዋህቦ፣ እናሰዓረስ ኪስዕር ድማ ወጸ” ይብል። ሰይፍን ቀስትን ነቲ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ንኺፈርድ ዚጥቀመሉ መገዲ የመልክት።

ኣዕዋፍ ንምድሪ ምእንቲ ኼጽርያኣ ኺጽውዓ እየን (ሕጡብ ጽሑፍ 18 ርአ)

18. “ፍላጻታት” የሱስ “በላሕቲ” ዚዀና ብኸመይ እየን፧

18 እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ እቲ ንጉስ፡ “ፍላጻታትካ በላሕቲ እየን፡ ኣብ ልቢ ጸላእቲ ንጉስ ይአትዋ። ህዝብታት ኣብ ትሕቴኻ ይወድቁ” በለ። እቲ ህልቂት ኣብ ምልእቲ ምድሪ እዩ ኺርአ። ኤርምያስ፡ “በታ መዓልቲ እቲኣ እቶም ቅቱላት እግዚኣብሄር ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ለም ኪብሉ እዮም” ብምባል ተነብዩ ኣሎ። (ኤር. 25:33) ምስዚ ዚመሳሰል ትንቢት ከምዚ ይብል፦ “ሓደ መልኣኽ ኣብ ጸሓይ ደው ኢሉ ኸኣ ረኣኹ፣ ዓው ብዝበለ ድምጺ ድማ ኣብ ማእከል ሰማይ ንዚነፍራ ዅለን ኣዕዋፍ ከምዚ ኢሉ ጨደረለን፦ ‘ንዕነ፡ ናብቲ ዓብዪ ድራር ኣምላኽ ተኣከባ፣ ስጋ ነገስታትን ስጋ ኣሕሉቕ ሽሕን ስጋ ሓያላትን ስጋ ኣፍራስን ስጋ እቶም እተወጥሕዎምን፡ ስጋ ዅሎም ጭዋታትን ባሮትን ንኣሽቱን ዓበይትን ብልዓ።’”—ራእ. 19:17, 18

19. ክርስቶስ ‘ብግርማኡ’ ዚወጽእን ምሉእ ብምሉእ ዚስዕርን ብኸመይ እዩ፧

19 ክርስቶስ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ እኩይ ስርዓት ሰይጣን ምስ ኣጥፍኦ፡ ‘ብግርማኡ ኺወጽእ’ እዩ። (መዝ. 45:4) ንሰይጣንን ንኣጋንንቱን ንሽሕ ዓመት ኣብ መዓሙቝ ኣሲሩ ብምግዛእ ከኣ ምሉእ ብምሉእ ኪስዕር እዩ። (ራእ. 20:2, 3) ሽዑ ድያብሎስን መላእኽቱን ልክዕ ከም ምዉታት ምንም ንጥፈት ስለ ዘይህልዎም፡ ተቐማጦ ምድሪ ኻብ ጽልዋ ሰይጣን ናጻ ኪዀኑ፡ ነቲ ዕዉትን ግርማውን ንጉሶም ከኣ ምሉእ ብምሉእ ኪግዝእዎ እዮም። ምድሪ በብቝሩብ ናብ ገነት ቅድሚ ምቕያራ ግና፡ ብንጉሶምን በቶም ሰማያውያን መጋዝእቱን ዚሕጐሱሉ ኻልእ ምኽንያት እውን ኣለዎም። ብዛዕባ እቲ ዜሐጕስ ፍጻመ ኸኣ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንምርምር ኢና።