ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ—ምንጪ ውህበትን ዕቝባን

የሆዋ—ምንጪ ውህበትን ዕቝባን

“ኣጥቢቑ ስለ ዘፍቀረኒ፡ ከናግፎ፡ ንስመይ ስለ ዝፈለጦ፡ ከልዕሎ እየ።”—መዝ. 91:14

1, 2. ኵነታት ስድራ ቤትና ዀነ ንሓቂ ዝሰማዕናሉ መገዲ ዚፈላለ ብኸመይ እዩ፧፧

መስራቲ ስድራ ቤት የሆዋ እዩ። (ኤፌ. 3:14, 15) ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት እኳ እንተ ዀንና፡ ነፍሲ ወከፍና ግና ባህርያትናን ኵነታትናን ይፈላለ እዩ። ገሊኣቶም ካብ ውልደት ጀሚሮም ክሳዕ ብጽሕና፡ ምስ ወለዶም ይነብሩ ነይሮም ይዀኑ። ገሊኣቶም ከኣ ወለዶም ምናልባት ብምኽንያት ሕማም፡ ሓደጋ፡ ወይ ካልእ ዜሕዝን ፍጻመ ሞይቶም ይዀኑ። ንወለዶም ፈጺሞም ዘይፈልጥዎም ሰባት እውን ኣለዉ።

2 ኣባላት እቶም ንየሆዋ ዜምልኹ ስድራ ቤት ከም ምዃንና መጠን፡ ንሓቂ ዝሰማዕናሉ መገዲ እውን ይፈላለ እዩ። ምናልባት ከምቲ ገሊኦም ኣሕዋት ዚብልዎ፡ ‘ኣብ ሓቂ ዓቢኻ’ ኽትከውን ስለ እትኽእል፡ ወለድኻ ኣምላኻዊ ስርዓታት ምሂሮምኻ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ዘዳ. 6:6, 7) ወይ ከኣ ሓደ ኻብቶም በቲ ኣገልገልቲ የሆዋ ዚገብርዎ ዕዮ ስብከት ኣቢሎም ብዛዕባ ሓቂ ዝፈለጡ፡ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ክትከውን ትኽእል ኢኻ።—ሮሜ 10:13-15፣ 1 ጢሞ. 2:3, 4

3. ንዅላትና ዜመሳስለና እንታይ እዩ፧

3 እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ረቛሒታት ከም ዘለዎ ዀይኑ፡ ንዅላትና ዜመሳስለና ሓደ ነገር ግና ኣሎ። በቲ ኣዳም ንየሆዋ ብዘይምእዛዙ ዝመጸ ሳዕቤን ንሳቐ ኢና፣ ዘይፍጽምናን ሓጢኣትን ሞትን ድማ ወሪስና ኢና። (ሮሜ 5:12) ኰይኑ ግና፡ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ስለ ዝዀንና፡ ንየሆዋ፡  “ኣቦና” ኢልና ኽንጽውዖ ንኽእል ኢና። ኢሳይያስ 64:8 ነቶም ጥንቲ ዝነበሩ እተመርጹ ህዝቢ ኣምላኽ ብዚምልከት፡ ‘ዎ የሆዋ፡ ንስኻ ኣቦና ኢኻ’ ትብል። ብዘይካዚ፡ የሱስ ነታ ኣብነት ክትኰነና ዝሃበና ጸሎት፡ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ” ኢሉ እዩ ጀሚሩዋ።—ማቴ. 6:9

4, 5. ንዕምቈት እቲ ንየሆዋ ዘሎና ሞሳ ኽንምርምር ከለና፡ ብዛዕባ እንታይ ምሕሳብና እዩ ሓጋዚ ኪኸውን ዚኽእል፧

4 ሰማያዊ ኣቦና፡ ብእምነት ተደሪኽና ስሙ ስለ እንጽውዕ፡ ይከናኸነናን የዕቍበናን እዩ። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር፡ የሆዋ ንሓደ ናይ ሓቂ ኣምላኺ ብዚምልከት፡ “ኣጥቢቑ ስለ ዘፍቀረኒ፡ ከናግፎ፡ ንስመይ ስለ ዝፈለጦ፡ ከልዕሎ እየ” ኸም ዝበለ ገሊጹ ነበረ። (መዝ. 91:14) እወ፡ የሆዋ ኣምላኽ ብፍቕሪ ተደሪኹ፡ ጠሪስና ምእንቲ ኸይንጠፍእ፡ ካብ ጸላእትና የናግፈናን ከም ህዝቡ መጠን የዕቝበናን እዩ።

5 ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ዘሎና ሞሳ ምእንቲ ኺዓምቝ፡ ሰለስተ ኣገዳሲ ረቛሒታት እስከ ንመርምር፦ (1) የሆዋ ምንጪ ውህበት እዩ። (2) የሆዋ ምንጪ ዕቝባ እዩ። (3) የሆዋ ዓርክና እዩ። ነዚ ሰለስተ ነጥብታት ክንምርምሮ ኸለና፡ ብዛዕባ እቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ከነስተንትንን ከም ኣቦና መጠን ብኸመይ ከነኽብሮ ኸም እንኽእል ክንሓስብን ሓጋዚ እዩ። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ነቶም ናብኡ ዚቐርቡ ሰባት ዚህቦም በረኸት ምሕሳብ እውን ጠቓሚ እዩ።—ያእ. 4:8

የሆዋ—እቲ ዓብዪ ምንጪ ውህበት

6. የሆዋ ምንጪ “ዅሉ ጽቡቕ ውህበት” ምዃኑ ዘርኣየሉ ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧

6 ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር፡ “ኵሉ ጽቡቕ ውህበትን ኵሉ ፍጹም ውህበትን ካብ ላዕሊ፡ ካብቲ . . . ኣቦ ሰማያዊ ብርሃናት እዩ ዚወርድ” ኢሉ ጸሓፈ። (ያእ. 1:17) ህይወት ንባዕላ እተደንቕ ውህበት የሆዋ እያ። (መዝ. 36:9) ንህይወትና ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር እንተ ኣውዒልናያ፡ ሎሚ ማእለያ ዘይብሉ በረኸት ንረክብ፡ ኣብ መጻኢ ኸኣ ኣብ ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ይህልወና። (ምሳ. 10:22፣ 2 ጴጥ. 3:13) ኰይኑ ግና፡ በቲ ኣዳም ንየሆዋ ብዘይምእዛዙ ዝመጸ ሳዕቤን እናተሳቐና ኽነስና፡ ብኸመይ ኢና እንባረኽ፧

7. ኣምላኽ ምስኡ ጥብቂ ርክብ ክንምስርተሉ እንኽእል መገዲ ዝኸፈተልና ብኸመይ እዩ፧

7 የሆዋ ብብዙሕ መገዲ ምንጪ ውህበት እዩ። ንኣብነት፡ ብጸጋኡ ኣቢሉ የናግፈና እዩ። ኵላትና ሓጥኣንን ካብቲ ናይ መጀመርታ ምድራዊ ኣቦና ዘይፍጽምና ዝወረስናን ኢና። (ሮሜ 3:23) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ብፍቕሩ ተደሪኹ ተበግሶ ብምውሳድ፡ ምስኡ ጥብቂ ርክብ ክንምስርተሉ እንኽእል መገዲ ኸፊቱልና እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ ኢሉ፡ ንዕኡ ናብ ዓለም ልኢኽዎ እዩ እሞ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ንዓና በዚ ተገልጸትልና። ንሕና ንኣምላኽ ስለ ዘፍቀርናዮ ዘይኰነስ፡ ንሱ ስለ ዘፍቀረናን ንሓጢኣትና ኸም ዜተዓርቕ መስዋእቲ ገይሩ ወዱ ስለ ዝሰደደልናን፡ እታ ፍቕሪ በዚ እያ” ኢሉ ጸሓፈ።—1 ዮሃ. 4:9, 10

8, 9. የሆዋ ኣብ እዋን ኣብርሃምን ይስሃቅን፡ ምንጪ ዓብዪ ውህበት ምዃኑ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (ኣብ ገጽ 16 ዘላ ስእሊ ርአ።)

8 ኣብ መበል 19 ዘመን ቅ.ክ.፡ የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ፡ እዙዛት ደቂ ሰብ ንዘለኣለም ንኺነብሩ ዜኽእሎም መሰናድዎ ኸም ዚገብር ዚሕብር ትንቢታዊ ፍጻመ ኣጋጠመ። እብራውያን 11:17-19 ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ብምባል ትገልጽ፦ “ኣብርሃም ምስ ተፈተነ፡ ብእምነት ንይስሃቅ ሰውኦ ኺብሃል ይከኣል እዩ፣ እቲ ተሓጒሱ ተስፋታት እተቐበለ፡ ነቲ ሓደ ወዱ ኺስውኦ ፈተነ፣ እዚ ዝገበረ ኸኣ፡ ‘ብይስሃቅ እዩ “ዘርእኻ” ዚጽዋዕ’ ተባሂሉሉ ኽነሱ እዩ። ኣምላኽ ካብ ምዉታት ኬተንስኦ ኸም ዚኽእል ግና ሓሰበ፣ ካብኡ እውን ብምሳሌ ረኸቦ።” ልክዕ ከምቲ ኣብርሃም ንወዱ ይስሃቅ ኪስውኦ ፍቓደኛ ዝነበረ፡ የሆዋ እውን ንደቂ ሰብ ምእንቲ ኼድሕኖም፡ ንወዱ የሱስ ክርስቶስ ብፍታው ሰዊእዎ እዩ።—ዮሃንስ 3:16, 36 ኣንብብ።

9 ይስሃቅ ካብ ሞት ብምድሓኑ ተሓጒሱ  ኪኸውን ኣለዎ። ኣምላኽ ንመስዋእቲ ዚኸውን ቀርኑ ብሓረግ እተታሕዘ ድዑል ብምድላዉ እውን ኣዝዩ ኣመስጊኑ ኪኸውን ኣለዎ። (ዘፍ. 22:10-13) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እያ እታ ቦታ እቲኣ፡ ‘የሆዋ ይርኢ’ ተባሂላ እተጸውዐት፣ ብእብራይስጢ ድማ “የሆዋ ኬቕርብ እዩ” ማለት እያ።—ዘፍ. 22:14

ንምትዕራቕ እተገብረ መሰናድዎ

10, 11. ኣብ “ኣገልግሎት ዕርቂ” መሪሕ ግደ ዘለዎም መን እዮም፧ ነዚኸ ብኸመይ እዮም ዚፍጽምዎ ዘለዉ፧

10 የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ዓብዪ ምንጪ ውህበት ምዃኑ ኸነስተንትን ከለና፡ ኣዕሩኽ ኣምላኽ ክንከውን ዝኸኣልና፡ ሳላ መስዋእቲ የሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ንግንዘብ ኢና፣ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ሓደ ሰብ ምእንቲ ዅሉ ኸም ዝሞተ ደምዲምና ኢና፣ ስለዚ፡ ኵሎም ሞይቶም እዮም፣ እቶም ብህይወት ዘለዉ ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስአን እምበር፡ ደጊም ንርእሶም ከይነብሩ፡ ንሱ ምእንቲ ዅሎም ሞይቱ እዩ።”—2 ቈረ. 5:14, 15

11 ቀዳሞት ክርስትያናት ንኣምላኽ የፍቅርዎን ነቲ ንዕኡ ንምግልጋል ዝረኸብዎ ፍሉይ መሰል የማስዉሉን ስለ ዝነበሩ፡ ን“ኣገልግሎት ዕርቂ” ተሓጒሶም ተቐበልዎ። እቲ ናይ ስብከትን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮኦም ድማ፡ ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ምስ ኣምላኽ ንኺተዓረቑን ኣዕሩኹ ንኪዀኑን፡ ኣብ መወዳእታኡ ድማ መንፈሳውያን ደቁ ንኪዀኑ ኣጋጣሚ ኸፊቱሎም እዩ። ሎሚ ዘለዉ ቕቡኣት ኣገልገልቲ የሆዋ እውን፡ ተመሳሳሊ ዕዮ እዮም ዚዓይዩ። እቲ ኸም ኣምባሳደራት ኣምላኽን ክርስቶስን መጠን ዚዓምምዎ ነገራት፡ ነቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘንቀዱ ሰባት ናብ የሆዋ ንኪቐርቡን ኣመንቲ ንኪዀኑን ይሕግዞም እዩ።—2 ቈረንቶስ 5:18-20 ኣንብብ፣ ዮሃ. 6:44፣ ግብ. 13:48

12, 13. ነቲ ብዙሕ መሰናድዎታት የሆዋ ኸም እነማስወሉ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

12 ኵሎም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ክርስትያናት፡ ነቲ ዓብዪ ምንጪ ውህበት ዝዀነ የሆዋ ኻብ ዘለዎም ሞሳ ተላዒሎም፡ ምስ ቅቡኣት ኰይኖም ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ይካፈሉ እዮም። ኣብ ዕዮ ስብከት፡ ነቲ ሓደ ኻብቲ ዜደንቕ ውህበት ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ንጥቀመሉ ኢና። (2 ጢሞ. 3:16, 17) ነቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ኣብ ኣገልግሎት ብኽእለት ክንጥቀመሉ ኸለና፡ ንኻልኦት ናይ ዘለኣለም ህይወት ናይ ምርካብ ኣጋጣሚ ንኸፍተሎም ኢና። ካልእ ኣብቲ ዕዮና ዚሕግዘናን የሆዋ ንነፍሲ ወከፍና ዝገበረልናን መሰናድዎ፡ መንፈስ ቅዱስ እዩ። (ዘካ. 4:6፣ ሉቃ. 11:13) ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕታም መጽሓፍ ዓመት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚወጽእ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ ድማ፡ እቲ ዚርከብ ዘሎ ውጽኢት ኣዝዩ ዜደንቕ እዩ። ኣብቲ ነቲ ኣቦናን ምንጪ ውህበትን ዝዀነ የሆዋ ዚውድስ ዕዮ ኽንካፈል ምኽኣልናስ፡ ኣየ ኸመይ ዝኣመሰለ ኽብሪ ዀን እዩ!

13 ኣምላኽ ብዙሕ ነገራት ስለ ዝሃበና፡ ንርእስና ኸምዚ ኢልና ኽንሓትታ ኣሎና፦ ‘ነቲ የሆዋ ዝገበረለይ መሰናድዎ ኸም ዘማስወሉ ንምርኣይ፡ ኣብ ኣገልግሎት ዝከኣለኒዶ እገብር ኣለኹ፧ ኣብ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከመሓይሽን ብዝያዳ ውጽኢታዊ ክኸውንን ዝኽእል ብኸመይ እየ፧’ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ ብምሃብ፡ ነቲ ዜደንቕ መሰናድዎታት ኣምላኽ ዘሎና ሞሳ ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ የሆዋ ነቲ ዜድልየና ነገራት ኬማልኣልና እዩ። (ማቴ. 6:25-33) ኣምላኽ ስለ ዜፍቅረና፡ ባህ ንኸነብሎን ንልቡ ንኸነሐጕሶን ክንጽዕር ኣሎና።—ምሳ. 27:11

14. የሆዋ ንህዝቡ ዜናግፎም ብኸመይ እዩ፧

14 እቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ዝነበረ ዳዊት፡ “ኣነስ ሽጉርን መስኪንን እየ፡ እግዚኣብሄር ግና ይሐልየለይ አሎ። ረዳእየይን መናገፍየይን ንስኻ ኢኻ” ኢሉ ጸለየ። (መዝ. 40:17) የሆዋ ንህዝቡ ብደረጃ ጕጅለ፡ ብፍላይ ከኣ ብጸላእቶም መስጐጕቲ ኺወርዶም ከሎን ኪህደኑ ኸለዉን ብተደጋጋሚ ኣናጊፍዎም እዩ።  ነቲ ኣምላኽ ኣብ እዋን መስጐጕቲ ንዓና ዚሕግዘሉ መገድን ነቲ ዚገብረልና ብዙሕ መንፈሳዊ መሰናድዎን ኣዚና ኢና እነማስወሉ።

የሆዋ ንህዝቡ የዕቍቦም

15. ሓደ ፈቃር ኣቦ ንውሉዱ ብኸመይ ከም ዜዕቍቦ ኣብነት ሃብ።

15 ሓደ ፈቃር ኣቦ፡ ንደቁ ይከናኸኖም ጥራይ ዘይኰነስ፡ የዕቍቦም እውን እዩ። ሓደጋ እንተ ኣጋጢምዎም፡ ኬናግፎም ይጽዕር እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ሓው ብቝልዕነቱ ንዘጋጠሞ ፍሉይ ፍጻመ ፈጺሙ ኣይርስዖን እዩ። ንሱን ኣቦኡን ካብ ኣገልግሎት ኪምለሱ ኸለዉ፡ ኣብ መገዶም ውሕጅ ኣጋጠሞም። ሽዑ መዓልቲ ንግሆ ዝናም ዘኒሙ ስለ ዝነበረ እዩ እቲ ውሕጅ ኣጋጢምዎም። ኣብ እምኒ እናነጠሩ ኸኣ እዮም ኪሳገሩ ዚኽእሉ ነይሮም። እቲ ሓው ቀቅድሚ ኣቦኡ እናነጠረ ኪኸይድ ከሎ፡ ሸተት ኢሉ ናብቲ ውሕጅ ክልተ ሳዕ ጠሓለ። ኰይኑ ግና፡ ኣቦኡ ቐልጢፉ ስለ ዝሓዞ፡ ካብ ምጥሓል ደሓነ። ሰማያዊ ኣቦና እውን ካብቲ ኸም ውሕጅ ዝዀነ ኣብዛ እክይቲ ዓለም ዘሎ ሓደጋን ካብቲ ገዛኢኣ ዝዀነ ሰይጣንን የዕቍበና እዩ። እወ፡ የሆዋ ዝበለጸ ምንጪ ዕቝባ እዩ።—ማቴ. 6:13፣ 1 ዮሃ. 5:19

16, 17. እስራኤላውያን ምስ ኣማሌቃውያን ኪዋግኡ ኸለዉ፡ የሆዋ ዝሓገዞምን ዘዕቈቦምን ብኸመይ እዩ፧

16 የሆዋ ብ1513 ቅ.ክ. ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ምስ ኣናገፎምን ንቐይሕ ባሕሪ ኺሰግሩ ኸለዉ ብተኣምራዊ መገዲ ምስ ኣዕቈቦምን፡ ፍቕራዊ ዕቝባኡ ተራእዩ እዩ። እስራኤላውያን ብበረኻ ኣቢሎም ናብ ከረን ሲና ኣብ ዚጓዓዙሉ ዝነበሩ እዋን፡ ኣብ ረፊደም በጽሑ።

17 ብመሰረት እቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ዚርከብ መለኮታዊ ትንቢት፡ ሰይጣን ነቶም ንሓደጋ ተቓሊዖም ዝነበሩ እስራኤላውያን ኬጥቅዖም ሒዅ እዩ ዚብል ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል። ነቶም ጸላእቲ ህዝቢ ኣምላኽ ዝነበሩ ኣማሌቃውያን ተጠቒሙ ድማ ኬጥቅዖም ፈተነ። (ዘሁ. 24:20) የሆዋ በቶም እያሱን ሙሴን ኣሮንን ሁርን ዝስሞም  እሙናት ሰብኡት ኣቢሉ እንታይ ከም ዝፈጸመ እስከ ንርአ። እያሱ ንኣማሌቃውያን ኪዋግኦም ከሎ፡ ሙሴን ኣሮንን ሁርን ኣብቲ ኣብ ጥቓ ዓውደ ዂናት ዝነበረ ጎቦ ነበሩ። ሙሴ ኢዱ ኼልዕል ከሎ፡ እስራኤላውያን ይስዕሩ ነበሩ። ኪደክም ከሎ ድማ፡ ኣሮንን ሁርን ይድግፍዎ ነበሩ። በዚ ኸምዚ፡ ሳላ ሓገዝን ዕቝባን የሆዋ፡ ‘እያሱ ንኣማሌቅን ንህዝቡን ቀርደዶም።’ (ዘጸ. 17:8-13) ሙሴ ድማ ኣብኡ መሰውኢ ሰርሐ፣ ‘የሆዋ ሰንደቕ ዕላማይ እዩ’ ኢሉ ኸኣ ሰመዮ።—ዘጸኣት 17:14, 15 ኣንብብ።

የሆዋ ኻብ ኢድ ሰይጣን የዕቍበና

18, 19. ኣምላኽ ነቶም ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቱ ብኸመይ እዩ ዜዕቍቦም፧

18 የሆዋ ነቶም ዜፍቅርዎን ዚእዘዝዎን ሰባት የዕቍቦም እዩ። ልክዕ ከምቲ እስራኤላውያን ኣብ ረፊደም ኣብ የሆዋ እተወከሉ፡ ንሕና እውን ካብ ጸላእትና ምእንቲ ኼዕቍበና፡ ኣብኡ ንውከል ኢና። የሆዋ ብደረጃ ጕጅለ ኻብ ኢድ ድያብሎስ ብተደጋጋሚ ኣዕቊብና እዩ። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ነቶም ክርስትያናዊ ገለልትነቶም ዝሓለዉ ኣሕዋት ዘዕቈበሉ ሓያሎ እዋናት እሞ ሕሰብ። ንኣብነት፡ ኣብ 1930ታትን ኣብ መጀመርታ 1940ታትን ብግዜ ናዚ ኣብ ጀርመንን ኣብ ካልእ ሃገራትን፡ የሆዋ ንህዝቡ ኣብ እዋን መስጐጕቲ ኣዕቍብዎም እዩ። ብዛዕባ እዚ ዚገልጽ ታሪኽ ህይወትን ኣብ መጽሓፍ ዓመት ዚወጽእ ጸብጻባትን ምንባብ፡ ብዛዕባኡ ኸኣ ምስትንታን፡ የሆዋ ጸግዒ ኸም ዚዀነና ንኽንተኣማመን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።—መዝ. 91:2

የሆዋ ብኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ገይሩ፡ ኣብ ኣጸጋሚ እዋናት ተኣማንነትና ንኽንሕሉ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 18-20 ርአ)

19 ብውድብ የሆዋን ብጽሑፋትን ኣቢልና፡ ዜዕቍበና ፍቕራዊ መዘኻኸሪ ንረክብ ኢና። እዚ መዘኻኸሪ እዚ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብኸመይ ከም ዝጠቐመና እሞ ሕስብ ኣብሎ። እዛ ዓለም እዚኣ ብርኽሰትን ብስእለ ጽዩፍን ተዋሒጣ እኳ እንተላ፡ የሆዋ ግና ብስነ ምግባር ኣብ ሓደጋ ምእንቲ ኸይንወድቕ፡ ኣቐዲሙ መዘኻኸሪታትን ግብራዊ ሓገዝን ይህበና እዩ። ንኣብነት፡ ካብቲ ብማሕበራዊ መራኸቢ ኣቢሉ ኺመጽእ ዚኽእል ሕማቕ ዕርክነት ምእንቲ ኽንርሕቕ፡ ኣባታዊ ምኽሪ ይህበና እዩ። *1 ቈረ. 15:33

20. ካብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ እንታይ ዕቝባን መምርሕን ኢና እንረክብ፧

20 ‘ብየሆዋ ንመሃር’ ከም ዘለና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧ ንትእዛዛቱ ተጠንቂቕና ብምሕላው ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና። (ኢሳ. 54:13) ኣብ ጉባኤታትና፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓገዝን ምኽርን ዚህቡና ሽማግለታት ኰይኖም ዜገልግሉ እሙናት ሰብኡት ስለ ዘለዉ፡ ዕቝባ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። (ገላ. 6:1) የሆዋ ነዞም “ውህበት ሰብ” ተጠቒሙ ይከናኸነና ኣሎ። (ኤፌ. 4:7, 8) እሞኸ እንታይ ምላሽ ክንህብ ኣሎና፧ ብፍታው እንተ ተገዚእናን ተኣዚዝናን፡ ብኣምላኽ ክንባረኽ ኢና።—እብ. 13:17

21. (ሀ) እንታይ ንምግባር ኢና ኽንቈርጽ ዘሎና፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

21 ሃየ እምበኣር፡ ብመንፈስ ቅዱስ ንኽንምራሕን ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ዚህበና መምርሒ ንኽንእዘዝን ቈራጽነት ንግበር። ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ ህይወት የሱስ ክርስቶስ ከነስተንትንን ነቲ መዳርግቲ ዘይብሉ ኣብነቱ ኽንስዕቦን ኣሎና። የሱስ ክሳዕ ሞት ስለ እተኣዘዘ፡ ብዙሕ ተባሪኹ እዩ። (ፊል. 2:5-11) ንሕና እውን ልክዕ ከምኡ፡ ብምሉእ ልብና ብየሆዋ እንተ ተኣሚንና፡ ክንባረኽ ኢና። (ምሳ. 3:5, 6) ስለዚ፡ ኣብቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ምንጪ ውህበትን ዕቝባን ዝዀነ የሆዋ ንወከል። ንዕኡ ምግልጋል ምንጪ ሓጐስን ፍሉይ መሰልን እዩ። ብዛዕባ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ንዓና ዚከናኸነሉ ሳልሳይ መገዲ ኸነስተንትን ከለና፡ ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ ኽትዓቢ እያ፣ እቲ ሳልሳይ መዳይ፡ ምስኡ ዘሎና ዕርክነት እዩ። እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ፡ የሆዋ ናይ ቀረባ ዓርክና ዝዀነ ብኸመይ ምዃኑ ኽትገልጽ እያ።

^ ሕ.ጽ. 19 እዚ ዚስዕብ መዘኻኸሪታት ከም ኣብነት ክንጠቅስ ንኽእል ኢና፦ “ጥበባዊ ኣጠቓቕማ ኢንተርነት” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 15 ነሓሰ 2011፡ ገጽ 3-5)፣ “ካብ መፈንጠራ ድያብሎስ ተጠንቀቕ!” “ጸኒዕካ ብምቛም ካብ መጻወድያ ሰይጣን ርሓቕ!” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 15 ነሓሰ 2012፡ ገጽ 20-29።)