ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ንመሲሕ ‘ንኺጽበይዎ’ እንታይ መሰረት ነይርዎም፧

ብመዓልትታት ዮሃንስ መጥመቕ፡ “እቶም ህዝቢ ይጽበዩ ነበሩ እሞ፡ ኵላቶም ብዛዕባ ዮሃንስ፡ ‘ክርስቶስ ደዀን ይኸውን፧’ ኢሎም ብልቦም ይሓስቡ ነበሩ።” (ሉቃ. 3:15) ኣይሁድ ንመሲሕ፡ ኣብቲ እዋን እቲ ዚጽበይዎ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧ ሓያሎ ምኽንያታት ኣሎ።

የሱስ ምስ ተወልደ፡ መልኣኽ የሆዋ ኣብ ጥቓ ቤት-ልሄም መጓሰኦም ንዚሕልዉ ዝነበሩ ጓሶት ተራእይዎም እዩ። እቲ መልኣኽ፡ “ሎሚ መድሓኒ፡ ንሱ ድማ ክርስቶስ ጐይታ፡ ኣብ ከተማ ዳዊት ተወሊዱልኩም ኣሎ” በሎም። (ሉቃ. 2:8-11) ድሕሪኡ፡ “ብዙሓት ሰራዊት ሰማይ ምስቲ መልኣኽ ኰይኖም፡ ከምዚ እናበሉ ንኣምላኽ ወደስዎ፦ * ‘ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረቱ ዝረኸቡ ሰባት።’”—ሉቃ. 2:13, 14

እቲ ብስራት እቲ፡ ኣብቶም ትሑታት ጓሶት ዓብዪ ጽልዋ ኣሕዲሩ ኪኸውን ከም ዚኽእል ፍሉጥ እዩ። ከመይሲ፡ እቶም ጓሶት ብኡብኡ ናብ ቤት-ልሄም ከይዶም፡ ንዮሴፍን ንማርያምን ንየሱስ እቲ ህጻንን ምስ ረኸብዎም፡ ‘ብዛዕባ እቲ ህጻን እተነግሮም ነገር ኣውርዮም’ እዮም። “ዝሰምዑ ዘበሉ ዅሎም ከኣ፡ በቲ እቶም ጓሶት ዝነገርዎም ተገረሙ።” (ሉቃ. 2:17, 18) እቲ “ዝሰምዑ ዘበሉ ዅሎም” ዚብል ቃላት፡ እቶም ጓሶት ንዮሴፍን ንማርያምን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኻልኦት እውን ከም እተዛረብዎም እዩ ዚሕብር። ድሕሪኡ፡ እቶም ጓሶት፡ “ስለቲ ዝሰምዕዎን ዝረኣይዎን ኵሉ፡ ንኣምላኽ እናኣሞገሱን እናወደሱን” ናብ ዓዶም ተመልሱ። (ሉቃ. 2:20) እቶም ጓሶት ነቲ ብዛዕባ ክርስቶስ ዝሰምዕዎ ብስራት ንበይኖም ሒዞምዎ ስቕ ኣይበሉን።

ማርያም ንበዅሪ ወዳ ብመሰረት ሕጊ ሙሴ ንየሆዋ ኽትውፍዮ ናብ የሩሳሌም ምስ ከደት፡ ነብዪት ሃና፡ “ንኣምላኽ ኣመስገነቶ፣ ንዅሎም እቶም ድሕነት የሩሳሌም ዚጽበዩ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ሕጻን ተዛረበቶም።” (ሉቃ. 2:36-38፣ ዘጸ. 13:12) በዚ ኸምዚ፡ ብዛዕባ ምቕልቃል እቲ መሲሕ ይውረ ነበረ።

ድሕርዚ፡ “ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ኻብ ምብራቕ ናብ የሩሳሌም መጹ፣ ከምዚ እናበሉ፦ ‘እቲ እተወልደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ፧ ኰዀቡ ኣብ ምብራቕ ርኢና፡ ክንሰግደሉ መጺእና።’” (ማቴ. 2:1, 2) ንጉስ ሄሮድስ ነዚ ምስ ሰምዐ፡ “ተሸበረ፣ ኵላ የሩሳሌም እውን ምስኡ ተሸበረት። ንዅሎም ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍቲ ህዝብን ኣኪቡ ድማ፡ ክርስቶስ ኣበይ ከም ዚውለድ ሓተቶም።” (ማቴ. 2:3, 4) ስለዚ፡ ብዙሓት ሰባት እቲ መሲሕ ከም እተቐልቀለ ይሰምዑ ነይሮም እዮም። *

 እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ሉቃስ 3:15፡ ገሊኦም ኣይሁድ፡ ብዛዕባ ዮሃንስ መጥመቕ፡ “ክርስቶስ ደዀን ይኸውን፧” ኢሎም ይሓስቡ ኸም ዝነበሩ ትሕብር እያ። ይኹን እምበር፡ ዮሃንስ፡ “እቲ ድሕረይ ዚመጽእ ግና፡ ካባይ ይብርትዕ እዩ፣ ኣነስ ኣሳእኑ ኸውጽእ እኳ ኣይበቅዕን እየ። ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ኬጥምቐኩም እዩ” ብምባል ነቲ ግምታዊ ሓሳብ ኣደቂስዎ እዩ። (ማቴ. 3:11) እቲ ዮሃንስ ብትሕትና ዘቕረቦ ርእይቶ፡ ብዛዕባ መሲሕ ንዝነበረ ትጽቢት ኣጐሃሂርዎ እዩ።

እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ነቲ መሲሕ ዚመጽኣሉ እዋን ብመሰረት እቲ ኣብ ዳንኤል 9:24-27 ተገሊጹ ዘሎ 70 ሰሙን ቀሚሮምዎ ደዀን ይዀኑ፧ እዚ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ መርትዖ ኸነቕርብ ግና ኣይንኽእልን ኢና። ከመይሲ፡ ኣብ ግዜ የሱስ ብዛዕባ እተን 70 ሰሙን፡ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ብዙሕ ትርጕማት ይዉሃብ ነይሩ እዩ። ኵሉ ኸኣ ምስዚ ሎሚ ዘሎና ምርዳእ እተረሓሓቐ እዩ። *

ኢሰናውያን ዚብሃሉ ኣብ ገዳም ዚነብሩ ኣንቈራ ኣይሁድ ምዃኖም ዚፍለጡ ጕጅለ፡ ኣብ መወዳእታ 490 ዓመት ክልተ መሲሓት ከም ዚቕልቀሉ ይምህሩ ነበሩ። ይኹን እምበር፡ ቀመራቶም ኣብ ትንቢት ዳንኤል እተመስረተ ኸም ዝነበረ ኸነረጋግጽ ኣይንኽእልን ኢና። ኣብኡ ተመርኲሶም ጸብጺቦምዎ እንተ ዀይኖም እውን፡ ኣይሁድ ብሓፈሻ በቲ እዞም ርእሶም ዘግለሉ ጕጅለ ዝቐመርዎ መስርዕ ፍጻመታት ኪጽለዉ ዘይሕሰብ እዩ።

ኣብ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበሩ ገሊኦም ኣይሁድ፡ እተን 70 ሰሙን ካብቲ እታ ቐዳመይቲ ቤተ መቕደስ ብ607 ቅ.ክ. ዝጠፍኣትሉ ግዜ ኣትሒዙ ኽሳዕ እቲ እታ ኻልአይቲ ቤተ መቕደስ ብ70 ድ.ክ. ዝጠፍኣትሉ ዘሎ እዋን ከም ዚሽፍን ኪኣምኑ ኸለዉ፡ ካልኦት ከኣ ንፍጻመ እቲ ትንቢት ምስቲ ኣብ ካልኣይ ዘመን ቅ.ክ. ዝነበረ እዋን መቃባውያን እዮም ዜተሓሕዝዎ። ስለዚ፡ ኣይሁድ፡ እተን 70 ሰሙን ብኸመይ ኪጽብጸባ ኸም ዘለወን ንሓድሕዶም ኣይሰማምዑን እዮም ነይሮም።

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሰባት፡ ነቲ ብዛዕባ እተን 70 ሰሙን እተነግረ ትንቢት ብልክዕ እንተ ዚርድእዎ ነይሮም፡ ሃዋርያትን እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናትን፡ እቲ ኸም ዚመጽእ እተነግረሉ መሲሕ ኣብ ግዜኡ ኸም ዝመጸን ንሱ ኸኣ የሱስ ክርስቶስ ምዃኑን ንምሕባር ከም መርትዖ ገይሮም ምጠቐስዎ ነይሮም። ይኹን እምበር፡ ቀዳሞት ክርስትያናት ከምኡ ኸም ዝገበሩ ዚሕብር መርትዖ የብልናን።

ከነቕልበሉ ዘሎና ኻልእ ረቛሒ እውን ኣሎ። ጸሓፍቲ ወንጌል፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዘሎ ገሊኡ ትንቢታት ኣብ የሱስ ክርስቶስ ከም እተፈጸመ ብዙሕ ሳዕ ጠቒሶም እዮም። (ማቴ. 1:22, 23፣ 2:13-15፣ 4:13-16) ንምምጻእ የሱስ ምስቲ ብዛዕባ እተን 70 ሰሙን ዚገልጽ ትንቢት ዘተሓሓዞ ጸሓፍ ወንጌል ግና የለን።

ንምጥቕላል፦ ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበሩ ሰባት ነቲ ብዛዕባ 70 ሰሙን ዚገልጽ ትንቢት ብልክዕ ከም እተረድእዎ ኸነረጋግጽ ኣይንኽእልን ኢና። ይኹን እምበር፡ ወንጌላት፡ እቶም ሰባት፡ መሲሕ ንኺመጽእ ከም ‘ዚጽበዩ’ ዝገበሮም ካልእ ብቑዕ ረቛሒታት ይህብ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 4 መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ ኪውለድ ከሎ መላእኽቲ ኸም ‘ዝዘመሩ’ ኣይገልጽን እዩ።

^ ሕ.ጽ. 7 ከምዚ ዚስዕብ ኢልና ንሓትት ንኸውን፦ እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ነቲ ኣብ ምብራቕ እተራእየ “ኰዀብ” ምስ ውልደት “ንጉስ ኣይሁድ” ዘተሓሓዝዎ ብኸመይ እዮም፧ ነቲ “ኰዀብ” እናሰዓቡ ኣብ እስራኤል ኪጓዓዙ ኸለዉ፡ ብዛዕባ ውልደት የሱስ ዚገልጽ ወረ ሰሚዖም ደዀን ይዀኑ፧

^ ሕ.ጽ. 9 ብዛዕባ እተን 70 ሰሙን ዘሎና ምርዳእ እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ! ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 11 ርአ።