ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ጽባቐ የሆዋ ርአ’

‘ጽባቐ የሆዋ ርአ’

ዜጨንቕ ኵነታት፡ ኣሉታዊ ጽልዋ ኼሕድረልና ይኽእል እዩ። ንሓሳብና ኺሰርቆን ንጕልበትና ኺጽንቅቖን ነቲ ብዛዕባ ህይወት ዘሎና ኣረኣእያ ኺጸልዎን ይኽእል እዩ። እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት፡ ብዙሕ መከራ ኣሕሊፉ እዩ። እሞኸ ብኸመይ ተዋጺኡሉ፧ ኣብ ሓንቲ ልቢ እትትንክፍ መዝሙር፡ “ብድምጸይ ናብ እግዚኣብሄር ኤእዊ፡ ብድምጸይ ናብ እግዚኣብሄር እምህለል አሎኹ። ጓህየይ ኣብ ቅድሚኡ እኽዑ፡ ሽጋረይ ኣብ ቅድሚኡ እነግር። መንፈሰይ ኣብ ውሽጠይ ምስ ማህመነ፡ መገደይ ፈለጥካ” በለ። እወ፡ ዳዊት፡ ኣምላኽ ምእንቲ ኺሕግዞ ብትሕትና ጸልዩ እዩ።—መዝ. 142:1-3

ዳዊት ኣብ ኣጸጋሚ እዋናት፡ ሓገዝ የሆዋ ደልዩ ብትሕትና ጸለየ

ዳዊት ኣብ ካልእ መዝሙር፡ “ንእግዚኣብሔር ሓንቲ ነገር እልምኖ ኣሎኹ፥ ጽባቐ እግዚኣብሔር ንምርኣይ፥ ኣብ መቕደሱውን ክደልዮ፥ ምሉእ ዕድመይ ኣብ ቤት እግዚኣብሔር ክነብር እልምኖ ኣሎኹ” በለ። (መዝ. 27:4ትርጕም 1990) ንሱ ሌዋዊ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ኣብቲ ኣብ ጥቓ ማእከል ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝነበረ ቕዱስ ኣጸድ ደው ኢሉ ኸሎ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ! ልቡ ብሞሳ ስለ እተመልአ፡ ምሉእ ዕድሚኡ ኣብቲ ኣጸድ ኬሕልፎን ‘ጽባቐ የሆዋ ኺርእን’ ደለየ።

እታ “ጽባቐ” እትብል ቃል፡ ምስቲ “ንኣእምሮ ወይ ንስምዒት ባህ ዜብል ወይ ከኣ ዜሐጕስ” ባህርይ እተተሓሓዘት እያ። ዳዊት ነቲ ኣምላኽ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ብዚምልከት ዝገበሮ ስርዓት ወትሩ የማስወሉ ነይሩ እዩ። ንሕና እውን፡ ‘ከም ናይ ዳዊት ዓይነት ስምዒት ድዩ ዘሎኒ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትታ ንኽእል ኢና።

ንስርዓት ኣምልኾ የሆዋ ኣማስወሉ

ሎሚ እቲ ናብ የሆዋ እንቐርበሉ ስርዓት ኣምልኾ፡ ኣብ ሓደ ህንጻ እተመርኰሰ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ዓብዪ መንፈሳዊ ቤተ መቕደስ፡ ማለት ነቲ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ዚምልከት ቅዱስ ስርዓት ዜጠቓልል እዩ። * ነዚ ስርዓት ኣምልኾ እዚ ‘ንደልዮ’ ወይ ነማስወሉ እንተ ዄንና፡ ‘ጽባቐ የሆዋ ኽንርኢ’ ንኽእል ኢና።

ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ማሕደር ዝነበረ ብነሓሲ እተሰርሐ መሰውኢ ምሕራር እሞ ሕሰብ። (ዘጸ. 38:1, 2፣ 40:6) እቲ መሰውኢ፡ ኣምላኽ ነቲ ኸም መስዋእቲ ዝቐረበ ሰብኣዊ ህይወት የሱስ ብፍታው ከም እተቐበሎ እዩ ዜመልክት። (እብ. 10:5-10) እዚ ብኸመይ እዩ ዚጠቕመና፧ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ‘ጸላእቱ ኸለና፡ ምስ ኣምላኽ ብሞት ወዱ ተዓረቕና’ ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 5:10) ኣብቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ እምነት እንተ ኣሕዲርና፡ ከም ኣዕሩኽ ኣምላኽ መጠን ስምረቱ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ‘ተኻፈልቲ ምስጢር የሆዋ’ ወይ ከኣ ኣዕሩኹ ንኸውን።—መዝ. 25:14

‘ሓጢኣትና ስለ ዚድምሰስ፡ ካብ የሆዋ እዋን ዕረፍቲ ኺመጸልና’ እዩ። (ግብ. 3:19) እዚ ዘለናሉ ዅነታት፡ ምስቲ ናይ ሞት መቕጻዕቲ እናተጸበየ ኽነሱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ብዝገበሮ ነገራት ዚጠዓስን ዓብዪ ለውጢ ዚገብርን እሱር ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ሓደ ሕያዋይ ዳኛ ንዅነታት እቲ እሱር ምስ ረኣየ፡ ነቲ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ብምስራዝ፡ ናጻ ይገብሮ። ሽዑ እቲ እሱር፡ ቅሳነትን ሓጐስን ከም ዚስምዖ ፍሉጥ እዩ። የሆዋ እውን ልክዕ ከምቲ ዳኛ፡ ነቶም ዚንስሑ ሰባት ሞገሱ ይህቦምን ካብ ናይ ሞት መቕጻዕቲ የናግፎምን እዩ።

ብናይ ሓቂ ኣምልኾ ባህ ይበልካ

ዳዊት ኣብ ቤት የሆዋ ኺርእዮ ዚኽእል ዝነበረ እተወሰነ መዳያት ናይ ሓቂ ኣምልኾ ነይሩ እዩ፣ ንኣብነት፡ ብዙሓት እስራኤላውያን ብጾቱ ኺእከቡ ኸለዉ፡ ሕጊ ሙሴ  ኺንበብን ኪግለጽን ከሎ፡ ዕጣን ኪዕጠን ከሎ፡ ከምኡውን ካህናትን ሌዋውያንን ቅዱስ ኣገልግሎት ኬቕርቡ ኸለዉ ኺርኢ ይኽእል ነበረ። (ዘጸ. 30:34-38፣ ዘሁ. 3:5-8፣ ዘዳ. 31:9-12) እዚ ምስቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ መዳያት ናይ ሓቂ ኣምልኾ ይመሳሰል እዩ።

ልክዕ ከም ጥንቲ፡ ሎሚ እውን “ኣሕዋት ብሓደ ሐቢሮም ኪነብሩስ፡ ክንደይ ሰናይን ክንደይ ጥዑምን እዩ!” (መዝ. 133:1) ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ “ኣሕዋት” ብዜደንቕ መገዲ ይስስኑ ኣለዉ። (1 ጴጥ. 2:17) ቃል ኣምላኽ ኣብ ኣኼባታትና ይንበብን ይበርህን እዩ። የሆዋ ድማ ብውድቡ ኣቢሉ፡ ዘየቋርጽ መምርሒ ይህበና እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣብቲ ብውልቅናን ብስድራ ቤትን እንገብሮ መጽናዕቲ እንጥቀመሉ፡ ማእለያ ዘይብሉ መንፈሳዊ ምግቢ ኣሎና። ሓደ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል፡ “ብዛዕባ ቓል የሆዋን ብዛዕባ ትርጕሙን ብምስትንታነይ፡ ልቦናን ምርዳእን ንኽረክብ ድማ ብምጽዓረይ፡ መንፈሳዊ ሃብትን ዕግበትን ክረክብ ክኢለ እየ” በለ። እወ፡ ‘ፍልጠት ንነፍስና ባህ ኬብላ ይኽእል እዩ።’—ምሳ. 2:10

ሎሚ የሆዋ ነቲ ኣገልገልቱ በብመዓልቱ ዜቕርብዎ ጸሎት ይሰምዖ እዩ። ነቲ ጸሎት እቲ ኸኣ፡ ልክዕ ከምቲ ባህ ዜብል ጨና ዘለዎ ጥዑም ዕጣን ገይሩ እዩ ዚርእዮ። (መዝ. 141:2) የሆዋ ኣምላኽ በቲ ብትሕትና እነቕርቦ ጸሎት ከም ዚሕጐስ ምፍላጥና፡ ንነፍስና ባህ እዩ ዜብላ።

ሙሴ፡ “ጸጋ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣብ ልዕሌና ይኹን፡ ተግባር ኣእዳውና ኣስልጠልና” ኢሉ ጸለየ። (መዝ. 90:17) ኣገልግሎትና ብቕንኣት ክንፍጽም ከለና፡ የሆዋ ንዕዮና ይባርኾ እዩ። (ምሳ. 10:22) ንገሊኦም ሰባት ብዛዕባ ሓቂ ንኺፈልጡ ሓጊዝናዮም ክንከውን ንኽእል ኢና። ምናልባት እውን ዘይተገዳስነት፡ ጸገም ጥዕና፡ ስምዒታዊ ስቓይ፡ ወይ ከኣ መስጐጕቲ እናኣጋጠመና ኽነሱ፡ ኣብ ኣገልግሎትና ጸኒዕና ንቕጽል ንህሉ ንኸውን። (1 ተሰ. 2:2) ይኹን እምበር፡ ‘ጽባቐ የሆዋ’ ኽንርእን ሰማያዊ ኣቦና ብጻዕርና ኣዝዩ ኸም ዚሕጐስ ክንፈልጥን ክኢልና ኢና።

ዳዊት፡ “እግዚኣብሄርሲ ኽፍሊ ርስተይን ጽዋኤይን እዩ፡ ነቲ ብዕጻ ዝበጽሓኒ እተጽንዖ ንስኻ ኢኻ። ኣብ ባህ ዜብል ቦታ ዕጻ በጺሑኒ” ኢሉ ዘመረ። (መዝ. 16:5, 6) ነቲ ‘ኽፍሊ ርስቱ፡’ ማለት ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ርክብን ነቲ ንዕኡ ንኼገልግሎ እተዋህቦ ፍሉይ መሰልን ኣማስዩሉ እዩ። ንሕና እውን ልክዕ ከም ዳዊት ጸገማት ኬጋጥመና ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ብዙሕ መንፈሳዊ በረኸት ንረክብ ኢና። ስለዚ እምበኣር፡ ኣዘውቲርና ብናይ ሓቂ ኣምልኾ ንተሓጐስ፣ ንመንፈሳዊ ቤተ መቕደስ የሆዋ ኸኣ ነማስወሉ።

^ ሕ.ጽ. 6 ኣብ ናይ 1 ሓምለ 1996 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 14-24 ርአ።