ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣወንታዊ ኣረኣእያ ዓቅብ

ኣወንታዊ ኣረኣእያ ዓቅብ

“ሰብሲ ብዙሕ ዓመታት ብህይወት እንተ ነበረ፡ ብዅላተን ይተሐጐስ።”—መክ. 11:8

1. ሕጉሳት ንኽንከውን ዚሕግዘና እንታይ ካብ የሆዋ ዝረኸብናዮ በረኸት እዩ፧

የሆዋ ሕጉሳት ክንከውን እዩ ዚደልየና፡ ሓጐስ ክንረክብ ዚሕግዘና ሓያሎ በረኸት ከኣ የውሕዘልና እዩ። ቅድም ቀዳድም፡ ህይወት ሂቡና እዩ። ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ስለ ዝሰሓበና ድማ፡ ንህይወትና ንዕኡ ንምውዳስ ክንጥቀመላ ንኽእል ኢና። (መዝ. 144:15፣ ዮሃ. 6:44) የሆዋ ኸም ዜፍቅረና መረጋገጺ ሂቡና እዩ፣ ኣብ ኣገልግሎቱ ንኽንጸንዕ ድማ ይሕግዘና እዩ። (ኤር. 31:3፣ 2 ቈረ. 4:16) ማእለያ ዘይብሉ መንፈሳዊ ምግብን ፍቕሪ ኣሕዋትን እንረኽበሉ መንፈሳዊ ገነት ኣሎና። ዜደንቕ ተስፋ እውን ኣሎና።

2. ገሊኦም እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ ዜሸግሮም፧

2 ገሊኦም እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ዜሐጕስ በረኸት እኳ እንተለዎም፡ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ የሸግሮም እዩ። ህይወቶምን ኣገልግሎቶምን ንየሆዋ ኽሳዕ ክንድቲ ዘይጠቅም ኰይኑ ይስምዖም። እቶም ቀጻሊ ዝዀነ ኣሉታዊ ስምዒታት ዘለዎም ሰባት፡ “ብዙሕ ዓመታት” እናተሓጐስካ ምንባር፡ ሕልሚ ጥራይ ኰይኑ ኺስምዖም ይኽእል እዩ። ህይወት ከኣ መዓልትታት ጸልማት ኰይና ኽትርኣዮም ትኽእል እያ።—መክ. 11:8

3. ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ኼለዓዕል ዚኽእል እንታይ እዩ፧

3 ነዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ እቲ ዚስምዖም ኣሉታዊ ስምዒታት ብዜጕሂ ዅነታት፡ ብሕማም፡ ወይ ብእርጋን ኪለዓዓል ይኽእል እዩ። (መዝ. 71:9፣ ምሳ. 13:12፣ መክ. 7:7) ኵሎም ክርስትያናት፡ ሽሕ እኳ ኣምላኽ ዚሕጐሰልና እንተ ዀነ፡ ልቢ ጐራሕ ምዃኑን ከም ዚዅንነናን  ኪግንዘቡ ኣለዎም። (ኤር. 17:9፣ 1 ዮሃ. 3:20) ድያብሎስ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ብሓሶት ይኸስሶም እዩ። እቶም ኣተሓሳስባ ሰይጣን ዘለዎም ከኣ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘይንጠቅም ከም ዝዀንና ይዛረቡ ይዀኑ። እቲ እምነት ዘይነበሮ ኤሊፋዝ ንእዮብ ከምኡ እዩ ኣሚቱሉ። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ፡ ከምቲ ብግዜ እዮብ ሓሶት ዝነበረ፡ ሎሚ እውን ሓሶት እዩ።—እዮ. 4:18, 19

4. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

4 የሆዋ ምስቶም “ብርባርባ ድነ ሞት” ዚኸዱ ኸም ዚኸውን፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣነጺሩ ገሊጹ ኣሎ። (መዝ. 23:4) ሓደ ኻብቲ ነዚ ዚገብረሉ መገዲ ብቓሉ ኣቢሉ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ግጉይ ርእይቶታትን ኣሉታዊ ሓሳባትን ንዚሓቍፍ “ጽኑዕ ዕርድታት ዜፍርስ ሓይሊ ኣምላኽ” እዩ። (2 ቈረ. 10:4, 5) ቀጺልና እምበኣር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንኸነማዕብልን ንኽንዕቅብን ብኸመይ ኪሕግዘና ኸም ዚኽእል ንርአ። ንብሕትኻ ዚጠቕመካ ምኽሪ ኽትረክብ፡ ንኻልኦት ብኸመይ ከተተባብዖም ከም እትኽእል ድማ ክትመሃር ኢኻ።

ንመጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒምካ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኣማዕብል

5. እንታይ ፈተና እዩ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንኽንሕዝ ኪሕግዘና ዚኽእል፧

5 ሃዋርያ ጳውሎስ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኸነማዕብል ኪሕግዘና ዚኽእል ነገራት ከም ዘሎ ገሊጹ ኣሎ። ንሰብ ቈረንቶስ፡ “ብእምነት እንተ ኣሊኹም፡ ርእስኹም ፈትኑ” ብምባል ኣተባቢዕዎም እዩ። (2 ቈረ. 13:5) እታ ኣብዚ “እምነት” ተባሂላ ዘላ ቓል፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ክርስትያናዊ እምነታት ተመልክት። ቃላትናን ተግባራትናን ምስዚ እምነታት እዚ ዚሰማማዕ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ፈተና ሓሊፍናዮ፡ ‘ብእምነት ከኣ ኣለና’ ኺብሃል ይከኣል እዩ። ይኹን እምበር፡ ንዅሉ ክርስትያናዊ ትምህርትታት ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ኽንጽዕር ደኣ እምበር፡ ዘዝመረጽናዮ ጥራይ ክንስዕብ ከም ዘይብልና ፍሉጥ እዩ።—ያእ. 2:10, 11

6. ‘ኣብ እምነት እንተ ኣሊና’ ምእንቲ ኽንፈልጥ፡ ንርእስና ኽንፍትና ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ኣብ ገጽ 12 ዘላ ስእሊ ርአ።)

6 ብፍላይ ከም ዘይትዕወት ኰይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ነቲ ፈተና ንኽትወስዶ ትጠራጠር ትኸውን። ግናኸ፡ ኣረኣእያ የሆዋ ኻብ ኣረኣእያና ብዝያዳ ኸም ዜገድስ፡ ኣተሓሳስባኡ ኸኣ ካብ ኣተሓሳስባና ልዕል ዝበለ ምዃኑ ኣይትረስዕ። (ኢሳ. 55:8, 9) የሆዋ ንኣምለኽቱ ንኪዅንኖም ኢሉ ዘይኰነስ፡ ነቲ ጽቡቕ ባህርያቶም ንኺረኽቦን ንኺሕግዞምን ኢሉ እዩ ዚምርምሮም። ንቓል ኣምላኽ ተጠቒምካ ‘ብእምነት እንተ ኣሊኻ’ ንምፍላጥ ርእስኻ ምስ እትፍትን፡ ንርእስኻ ኸምቲ ኣምላኽ ዚርእየካ ጌርካ ኽትርእያ ኢኻ። እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ዘይትጠቅም ኰይኑ ዚስምዓካ ስምዒት ኣወጊድካ፡ በቲ ኣብ ኣዒንቲ የሆዋ ኽቡር ከም ዝዀንካ ዚገልጽ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መረጋገጺ ንኽትክኦ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። ከምዚ ምግባር፡ ኣብ ሓደ ጸልማት ክፍሊ፡ ብርሃን ጸሓይ ምእንቲ ኺኣቱ ኢልካ መጋረጃ ኸም ምቕላዕ እዩ።

7. ካብቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ኣብነት ዝዀኑ እሙናት ሰባት ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧

7 ርእስና እንምርምረሉ ብሉጽ መገዲ፡ ብዛዕባ ኣብነት እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ እሙናት ሰባት ምስትንታን እዩ። ንዅነታቶም ወይ ንስምዒታቶም ምስቲ ናትካ ኣረኣእዮ እሞ፡ ኣብ ቦታኦም እንተ ትኸውን ኔርካ ነቲ ዅነታት ብኸመይ ምላሽ ከም እትህበሉ ሕሰብ። ቀጺልና እምበኣር፡ “ብእምነት” እንተ ኣሊኻ ንኽትፈልጥን ብዛዕባ ርእስኻ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንኸተማዕብልን ምእንቲ ኺሕግዘካ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ክትጥቀመሉ ኸም እትኽእል ዚሕብር ሰለስተ ኣብነታት ንመርምር።

ድኻ መበለት

8, 9. (ሀ) ኵነታት እታ ድኻ መበለት ከመይ እዩ ነይሩ፧ (ለ) እታ መበለት ከመይ ዝበለ ኣሉታዊ ስምዒታት እዩ ነይሩዋ ኪኸውን ዚኽእል፧

8 የሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ የሩሳሌም፡ ሓንቲ ድኻ መበለት ረኣየ። እታ መበለት ዝሓደገቶ ኣብነት፡ ዓቕምና ድሩት እኳ እንተ ዀነ፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንኽንዕቅብ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። (ሉቃስ 21:1-4 ኣንብብ።) ንዅነታት እታ መበለት እሞ ሕሰበሉ። ንሳ ብምኽንያት ሞት ሰብኣያ ሓዘንተኛ እያ ነይራ። ብዘይካዚ፡ እቶም ሽዑ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ዚሕግዙ ዘይኰኑስ፡ ‘ኣባይቲ መበለታት  ዚውሕጡ’ እዮም ነይሮም። (ሉቃ. 20:47) እታ መበለት ኣዝያ ድኻ ስለ ዝነበረት፡ እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝመጽወተቶ ምጽዋት፡ ካብቲ ሓደ ሰራሕተኛ ሒደት ደቓይቕ ጥራይ ሰሪሑ ኺረኽቦ ዚኽእል ገንዘብ ኣይሓልፍን እዩ ነይሩ።

9 እታ መበለት፡ ክልተ ሰናቲም ጥራይ ሒዛ ናብ ኣጸድ እቲ ቤተ መቕደስ ክትኣቱ ኸላ እንታይ ተሰሚዕዋ ኪኸውን ከም ዚኽእል እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ሰብኣያ ብህይወት እንተ ዚነብር ነይሩ ዝያዳ ኽትህብ ትኽእል ከም ዝነበረት ብምሕሳብ፡ ብዛዕባ መጠን እተን ሰናቲም ተጨኒቓ ደዀን ትኸውን፧ ነቲ እቶም ቀቅድሚኣ ዝነበሩ ሰባት ዚምጽውትዎ ዝነበሩ ብዝሒ ገንዘብ ብምርኣይ ተሸቝሪራ ደዀን ትኸውን፧ ምናልባት እውን ወፈያኣ ብሓቂ ዚጠቅም እንተ ዀይኑ ኣተሓሳሲብዋ ደዀን ይኸውን፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒታት ተሰሚዕዋ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ነበረ፡ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምድጋፍ ዝከኣላ ገበረት።

10. የሱስ፡ እታ መበለት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክብርቲ ኸም ዝነበረት ብኸመይ ገለጸ፧

10 የሱስ፡ የሆዋ ነታ መበለት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንወፈያኣ እውን ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ ገሊጹ እዩ። “ካብ ናይ ኵላቶም [ሃብታማት] ዚበዝሕ እያ ኣውዲቓ” በለ። ወፈያኣ ምስቲ ናይ ካልኦት ዚሕወስ እኳ እንተ ነበረ፡ የሱስ ግና ፈልዩ ብምጥቃስ ኣመስጊንዋ እዩ። እቶም ነቲ ምጽዋት ዚእክቡ ዓየይቲ፡ ነተን ክልተ ሰናቲም ምስ ረኣዩ፡ እተን ሰናቲም ኰና እታ ዝወፈየተን ሰብ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ክቡራት ምዃነን ዚፈልጡሉ መገዲ ኣይነበሮምን። እቲ ዝያዳ ዜገድስ ግና፡ ኣረኣእያ ኣምላኽ ደኣ እምበር፡ ኣረኣእያ እቶም ሰባት ወይ ኣረኣእያ እታ መበለት ኣይኰነን ነይሩ። ነዚ ታሪኽ እዚ፡ ብእምነት እንተ ኣሊኻ ንምፍታን ክትጥቀመሉ ትኽእልዶ፧

ካብ ኣብነት እታ ድኻ መበለት እንታይ ትመሃር፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 8-10 ርአ)

11. ካብ ታሪኽ እታ መበለት እንታይ ትመሃር፧

11 መጠን እቲ ንየሆዋ እትውፍዮ ነገር ብዅነታትካ ኺጽሎ ይኽእል እዩ። ገሊኣቶም ብምኽንያት ዕድመ ወይ ጕድለት ጥዕና፡ መጠን እቲ ኣብ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዚውፍይዎ ግዜ፡ ኣዝዩ ውሱን ኪኸውን ይኽእል እዩ። እሞኸ፡ እቲ ዚህብዎ ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺምዝገብ ዘይበቅዕ ዀይኑ ኺስምዖም ይግባእዶ፧ መንእሰይ ወይ ድልዱል እኳ እንተ ዀንካ፡ ጻዕርኻ ምስቲ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ዓዓመት ንኣምልኾ ዜቕርብዎ ሰዓታት ኪነጻጸር  ከሎ፡ ኣዝዩ ሒደት ከም ዝዀነ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ናብኡ ንዚቐርብ ዘበለ ኣምልኾ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣሸጋሪ ዅነታት ምስ ዚግበር፡ ከም ዜስተብህለሉን ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮን ካብ ታሪኽ እታ መበለት ንመሃር ኢና። ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ የሆዋ ዘቕረብካዮ ኣምልኾ እሞ ሕሰብ። ንሓንቲ ኻብተን ንየሆዋ ዝወፈኻየን ሰዓታት፡ ፍሉይ መስዋእቲ ጌርካላ ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ጌርካ፡ የሆዋ ነቲ ኣብታ ሰዓት እቲኣ ዝወፈኻዮ ወፈያ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ከምታ ድኻ መበለት ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዚከኣለካ ትገብር እንተ ኣሊኻ፡ “ብእምነት” ከም ዘለኻ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።

“ንነፍሰይ ውሰዳ”

12-14. (ሀ) ኤልያስ እንታይ ኣሉታዊ ስምዒታት እዩ ነይርዎ፧ (ለ) ኤልያስ ከምኡ እተሰምዖ ስለምንታይ እዩ፧

12 ነብዪ ኤልያስ ንየሆዋ እሙን እዩ ነይሩ፣ ድልድልቲ እምነት ከኣ ነበረቶ። ሓደ እዋን ግና ኣዝዩ ስለ እተደቝሰ፡ ሞት ተመንዩ፡ ንየሆዋ፡ “ሕጂ ይአኽለኒ፡ ንነፍሰይ ውሰዳ” ኢሉ ለመኖ። (1 ነገ. 19:4) ከምዚ ዓይነት ተመክሮ ዘየሕለፉ ሰባት፡ ኤልያስ፡ ‘ዘረባኡ ኣይገትአን’ ኢሎም ብምሕሳብ ንጸሎቱ ኣርዚኖም ኣይርእይዎን ይዀኑ። (እዮ. 6:3) ይኹን እምበር፡ ኤልያስ ናይ ልቡ እዩ ጸልዩ። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ንኤልያስ ሓገዞ ደኣ እምበር፡ ኪመውት ብምድላዩ ኣይቀጽዖን።

13 ኤልያስ ከምኡ እተሰምዖ ስለምንታይ እዩ፧ ኣቐድም ኣቢሉ፡ ንሱ ባዕሉ፡ የሆዋ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ ዜረጋግጽ ተኣምር ፈጺሙ ነበረ፣ ብእኡ ምኽንያት ድማ 450 ነብያት በዓል ተቐትሉ። (1 ነገ. 18:37-40) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኤልያስ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ናብ ንጹህ ኣምልኾ ኸም ዚምለሱ ገይሩ ሓሲቡ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ነበረ፡ ከምቲ ዝሓሰቦ ኸይኰነ ተረፈ። እታ እክይቲ ዝነበረት ንግስቲ ኢዛቤል ንኤልያስ፡ ክትቀትሎ ኸም ዝመደበት ዚገልጽ መልእኽቲ ለኣኸትሉ። ኤልያስ ፈሪሁ፡ ካብ እስራኤል ናብ ደቡብ ገጹ ብምኻድ፡ ናብ ጽምጽም በረኻ ሃደመ።—1 ነገ. 19:2-4

14 ኤልያስ ንበይኑ ዀይኑ ኺሓስብ ከሎ፡ እቲ ኸም ነብዪ ዚዓይዮ ዝነበረ ዕዮ ኸንቱ ኸም ዝዀነ ዀይኑ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንየሆዋ፡ “ኣነስ ካብ ኣቦታተይ ኣይበልጽን እየ” በሎ። ከም ሓመድን ኣዕጽምትን እቶም ዝሞቱ ኣቦሓጎታቱ ዘይረብሕ ኰይኑ እዩ ተሰሚዕዎ ነይሩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ንገዛእ ርእሱ ብናይ ርእሱ መዐቀኒ ገይሩ ዓቀና እሞ፡ ንዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ንየሆዋ እውን ከይተረፈ ዘይጠቅም ፍጡር ከም ዝዀነ ገይሩ ሓሰበ።

15. ኣምላኽ ንኤልያስ፡ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ ዘረጋገጸሉ ብኸመይ እዩ፧

15 እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ግና ብዛዕባ ኤልያስ ዝነበሮ ኣረኣእያ እተፈልየ እዩ ነይሩ። ኤልያስ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽቡር እዩ ነይሩ፣ የሆዋ ብዛዕባ እዚ ንኼረጋግጸሉ ኢሉ ድማ ስጕምታት ወሰደ። ንኤልያስ፡ ዜበርትዖ መልኣኽ ለኣኸሉ። ናብ ደቡብ ናብ ከረን ሆሬብ ን40 መዓልቲ ስለ ዚጐዓዝ ከኣ፡ ምግብን ማይን ኣዳለወሉ። ብዘይካዚ፡ ኤልያስ ብጀካኡ ንየሆዋ እሙን ዝዀነ እስራኤላዊ ኸም ዘየለ ገይሩ ሓሲቡ ስለ ዝነበረ፡ የሆዋ ነዚ ግጉይ ኣተሓሳስባኡ እዚ ብሕያውነት ኣረሞ። ዜገርም ድማ፡ ንኤልያስ ሓድሽ መዝነት ሃቦ፣ ኤልያስ ከኣ ተቐበሎ። ብሓገዝ የሆዋ ሓይሉ ተሓዲሱ ናብቲ ኸም ነብዪ ዀይኑ ዚዓይዮ ዕዮኡ ተመልሰ።—1 ነገ. 19:5-8, 15-19

16. ገለ ኻብቲ የሆዋ ንኺሕግዘካ ዚጥቀመሉ መገድታት እንታይ እዩ፧

16 ተመክሮ ኤልያስ ብእምነት እንተ ኣሊኻ ንኽትፈልጥ ኪሕግዘካ፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንኽትዕቅብ ከኣ ኪድርኸካ ይኽእል እዩ። ቀዳማይ፡ የሆዋ ብኸመይ ከም ዝሓገዘካ ሕሰብ። ሓደ ኻብ ኣገልገልቱ፡ ምናልባት እውን ሽማግለ ወይ ካልእ ብሱል ክርስትያን ኣብ ዜድልየካ እዋን ሓጊዙካ ደዀን ይኸውን፧ (ገላ. 6:2) ብመጽሓፍ ቅዱስን ብክርስትያናዊ ጽሑፋትን ብኣኼባታት ጉባኤን ኣቢልካ መንፈሳዊ ሓይሊ ረኺብካ ዲኻ፧ ኣብ ዚመጽእ እዋን በዚ መገድታት እዚ ኣቢልካ ምስ ተጠቐምካ፡ ምንጪ እዚ ሓገዝ እዚ መን ምዃኑ ሕሰብ እሞ፡ ኣመስግን።—መዝ. 121:1, 2

17. የሆዋ ኣብ ኣገልገልቱ ኣኽቢሩ ዚርእዮ እንታይ እዩ፧

17 ካልኣይ፡ ኣሉታዊ ኣረኣእያ፡ ኬታልለና ኸም ዚኽእል ፍለጥ። እቲ ብሓቂ ዜገድስ፡ ኣምላኽ  ብዛዕባና ዘለዎ ኣረኣእያ እዩ። (ሮሜ 14:4 ኣንብብ።) የሆዋ ነቲ ንዕኡ ዘሎና ተወፋይነትን ተኣማንነትን ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ። ብመጠን እቲ እንዓምሞ ነገራት ኣይኰነን ዚመዝነና። ምናልባት እውን፡ ከም ኤልያስ፡ ንየሆዋ ኣብ ዘቕረብካዮ ኣገልግሎት ካብቲ እትግምቶ ንላዕሊ ዓሚምካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ኣብ ጉባኤኻ ብኣወንታዊ መዳይ ጽልዋ ዝገበርካሎም ሰባት ኪህልዉ ይኽእሉ እዮም፣ ወይ ከኣ ኣብ ክልኻ ንዘለዉ ሰባት ብጻዕርታትካ ሓቂ ንኺፈልጡ መገዲ ኸፊትካሎም ክትከውን ትኽእል ኢኻ።

18. ካብ የሆዋ እተዋህበካ ዕዮ እንታይ እዩ ዜረጋግጽ፧

18 ሳልሳይ፡ ንዅሉ እቲ ብየሆዋ ዚውሃበካ ዕዮ፡ ንሱ ምሳኻ ምዃኑ ኸም ዜረጋግጽ ጌርካ ርኣዮ። (ኤር. 20:11) ንስኻ እውን ከምቲ ንኤልያስ እተሰምዖ፡ ኣገልግሎትካ ፍረ ኸም ዘይብሉ፡ ወይ ከኣ ገሊኡ መንፈሳዊ ሸቶታት ክትበጽሖ ኸም ዘይትኽእል ኰይኑ ስለ ዚስምዓካ ተስፋ ትቘርጽ ትኸውን። ምስናይዚ ግና፡ ካብ ኵሉ ዝዓበየ ኣዝዩ ኽቡር መሰል ረኺብካ ኸም ዘለኻ ኣይትረስዕ። እዚ ኸኣ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽን ስም ኣምላኽ ምጻርን እዩ። ወትሩ እሙን ኩን። ሽዑ፡ ከምቲ የሱስ ዝበሎ፡ “ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ” ኽትብሃል ኢኻ።—ማቴ. 25:23

‘ሽጉር ዝጸለዮ ጸሎት’

19. እቲ ንመዝሙር 102 ዝጸሓፈ ጸሓፊ እንታይ ኵነታት እዩ ኣጋጢምዎ ነይሩ፧

19 እቲ ንመዝሙር 102 ዝጸሓፈ ጸሓፊ ተስፋ ቘሪጹ ነበረ። ከቢድ ኣካላዊ ወይ ስምዒታዊ ስቓይ ስለ ዝነበሮ፡ “ሽጉር” ተባሂሉ ኣሎ። ንጸገማቱ ኺዋጽኣሉ ዜኽእሎ ሓይሊ ድማ ኣይነበሮን። (መዝ. 102፡ ልዕለ ጽሑፍ) ካብቲ እተዛረቦ ቓላት፡ ይሳቐን ይጭነቕን ብጽምዋ ይብላዕን ከም ዝነበረ ኽንርዳእ ንኽእል ኢና። (መዝ. 102:3, 4, 6, 11) እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ የሆዋ ኺድርብዮ ከም ዚደሊ ዀይኑ ተሰሚዕዎ ነበረ።—መዝ. 102:10

20. ጸሎት ንሓደ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሰብ ብኸመይ እዩ ኺሕግዞ ዚኽእል፧

20 ኰይኑ ግና፡ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንህይወቱ፡ ንየሆዋ ንምውዳስ ኪጥቀመላ ይኽእል ነይሩ እዩ። (መዝሙር 102:19-21 ኣንብብ።) መዝሙር 102፡ እቶም ብእምነት ዘለዉ እውን ከይተረፉ ኺሳቐዩ ኸም ዚኽእሉ፡ ከምኡ እውን ብዛዕባ ስቓዮም እንተ ዘይኰይኑ፡ ብዛዕባ ኻልእ ንኺሓስቡ ኼሸግሮም ከም ዚኽእል ትሕብር። እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ ብጸገማት ጥራይ ከም እተኸብበ ዀይኑ ስለ እተሰምዖ፡ “ከምቲ ኣብ ናሕሲ በይኑ ዘሎ ዑፍ ከኣ እየ” በለ። (መዝ. 102:7) ከምዚ ኺስምዓካ ኸሎ፡ ከምቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝገበሮ ንየሆዋ ልብኻ ኣፍስሰሉ። ጸሎትካ ኸኣ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ንኸተሰንፍ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋ “ኣብ ጸሎት ሽጉራት ኬቕልብ፡ ንጸሎቶምውን ኣይኪንዕቕን እዩ” ዚብል መብጽዓ ሂቡና ኣሎ። (መዝ. 102:17) የሆዋ መብጽዓኡ ኸም ዚፍጸም ተኣማመን።

21. ሓደ ኣሉታዊ ስምዒታት ዘለዎ ሰብ፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ብዝያዳ ኼማዕብል ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

21 መዝሙር 102፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ብኸመይ ብዝያዳ ኸተማዕብል ከም እትኽእል ትገልጽ እያ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ኣቓልቦኡ ናብቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ርክብ ብምግባር ነዚ ኼማዕብሎ ኽኢሉ እዩ። (መዝ. 102:12, 27) የሆዋ ንህዝቡ ኣብ ግዜ ፈተናታት ወትሩ ኸም ዚሕግዞም ብምፍላጡ ተጸናኒዑ እዩ። ስለዚ፡ ኣሉታዊ ስምዒት ንግዜኡ እውን እንተ ዀነ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ከምቲ እትደልዮ ንኸይትገብር ዕንቅፋት እንተ ዀይኑካ፡ ብዛዕባኡ ጸሊ። ካብ ጭንቀትካ ምእንቲ ኽትገላገል ጥራይ ዘይኰነስ፡ ‘ስም የሆዋ ምእንቲ ኺንገር፡’ ኣምላኽ ንጸሎትካ ኺሰምዖ ለምኖ።—መዝ. 102:20, 21

22. ንየሆዋ ኸነሐጕሶ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

22 እወ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒምና ብእምነት ምህላውናን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽቡራት ምዃንናን ከነረጋግጽ ንኽእል ኢና። ኣብዚ ስርዓት እዚ፡ ንዅሉ ኣሉታዊ ስምዒታት ወይ ተስፋ ምቝራጽ ምሉእ ብምሉእ ከነወግዶ ኸም ዘይንኽእል ፍሉጥ እዩ። ምስናይዚ ግና፡ ነፍሲ ወከፍና ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብተኣማንነት ብምጽናዕ፡ ንየሆዋ ኸነሐጕሶን ድሕነት ክንረክብን ንኽእል ኢና።—ማቴ. 24:13