ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣምልኾ ስድራ ቤትካ ብዝያዳ ዜሐጕስ ክትገብሮ ትኽእልዶ፧

ንኣምልኾ ስድራ ቤትካ ብዝያዳ ዜሐጕስ ክትገብሮ ትኽእልዶ፧

ኣብ ብራዚል ዚነብር ኣቦ፡ “ኣብ እዋን ኣምልኾ ስድራ ቤት በቲ ምይይጥ ኣዚና ስለ እንወሓጥ፡ ባዕለይ እንተ ዘየቋሪጸዮ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኽሳዕ ለይቲ ኢና እንቕጽል” በለ። ኣብ ጃፓን ዚነብር ርእሲ ስድራ ቤት፡ ወዲ ዓሰርተ ዓመት ዝዀነ ወዱ፡ ‘በቲ መጽናዕቲ ስለ ዚምሰጥ፡ እዚ ድማ ንሓጐሱ ኣበርክቶ ስለ ዚገብር’ ብዛዕባ ሰዓት ከም ዘይጭነቕን ኪቕጽል ከም ዚደልን ገለጸ።

ይኹን እምበር፡ ተመሲጦም ዚከታተሉ ዅሎም ቈልዑ ኣይኰኑን፡ ብግልጺ ኽንዛረብ እንተ ዄንና ድማ፡ ንገሊኣቶም ኣምልኾ ስድራ ቤት ኣየሐጕሶምን ይኸውን። ምኽንያቱ ግና እንታይ እዩ፧ ኣብ ቶጎ ዚነብር ኣቦ፡ “ኣምልኾ የሆዋ ዜሰልኪ ኪኸውን የብሉን” በለ። ዜሰልኪ እንተ ዀይኑ ግና፡ እቲ ምኽንያት፡ ኣብቲ ኣምልኾ ስድራ ቤት ዚምርሓሉ መገዲ እተመርኰሰ ኪኸውን ኣይክእልንዶ፧ ሓያሎ ስድራ ቤታት፡ ኣምልኾ ስድራ ቤት፡ ከምቲ ኢሳይያስ ብዛዕባ ሰንበት ዝበሎ፡ “ደስታ” ኼምጽኣሎም ከም ዚኽእል ተመኪሮምዎ እዮም።—ኢሳ. 58:13, 14

ክርስትያን ኣቦታት፡ ኣባላት ስድራ ቤቶም ንኣምልኾ ስድራ ቤት ምእንቲ ኺሕጐሱሉ፡ ባህ ዜብል ሃዋህው ኪሰፍን ከም ዘለዎ ይግንዘቡ እዮም። ሰለስተ ኣዋልድን ሓደ ወድን ዘለዎ ራልፍ፡ ንኣምልኾ ስድራ ቤቶም ከም መጽናዕቲ ዘይኰነስ፡ ከም ዕላል ገይሮም ከም ዜቕርብዎን ኵላቶም ከም ዚሳተፉን ገለጸ። ኵሎም ኣባላት ስድራ ቤትካ ነቲ ትምህርቲ ኸም ዚግደሱሉን ከም ዚሳተፉን ክትገብር ሓድሓደ ግዜ ኣሸጋሪ ኪኸውን ከም ዚኽእል ፍሉጥ እዩ። ሓንቲ ኣደ፡ “ንኣምልኾ ስድራ ቤት ከምቲ ዝደልዮ ገይረ ዜሐጕስ ንኽገብሮ ዓቕሚ ዚህልወኒ፡ ኵሉ ሳዕ ኣይኰነን” ብምባል ተኣመነት። ንስኻኸ ነዚ ብድሆ እዚ ኽትሰግሮ ትኽእልዶ፧

ተዓጻጻፍነትን እተፈላለየ ንጥፈታትን

ኣብ ጀርመን ዚነብር ኣቦ ኽልተ ቘልዑ፡ “ተዓጻጸፍቲ ኽንከውን ኣሎና” በለ። ናታልያ ዚስማ ኣደ ኽልተ ቘልዑ ድማ፡ “ንስድራ ቤትና ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር፡ እተፈላለየ ንጥፈታት ምቕራብ እዩ” በለት። ሓያሎ ስድራ ቤታት ንኣምልኾ ስድራ ቤቶም ኣብ እተፈላለየ ኽፋላት ይመቓቕልዎ እዮም። ክለይተን ዚስሙ ኣብ ብራዚል ዚነብር ኣቦ  ኽልተ መንእሰያት፡ እዚ ምምቕቓል እዚ፡ “ነቲ መጽናዕቲ ብዝያዳ ህያው ይገብሮ፡ ንዅሎም ኣባላት ስድራ ቤት ከኣ ከም ዚሳተፉ ይገብሮም” በለ። ወለዲ፡ ደቆም ኣብ እተረሓሓቐ ኽሊ ዕድመ ዚርከቡ እንተ ዀይኖም፡ ንዓቕሚ ነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቲ መጽናዕቲ ዚግበረሉ ግዜ ኺመቓቕልዎ ይኽእሉ እዮም። ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ እቲ ዜጽንዕዎ ጽሑፍን ኣቀራርባን ኣብ ዚገብርዎ ምርጫ ተዓጻጸፍቲ ኪዀኑ ኣለዎም።

ገሊአን ስድራ ቤታት ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤተን ብዙሕ ዝዓይነቱ እተፈላለየ ንጥፈታት ንምቕራብ እንታይ እየን ዚገብራ፧ ገሊኣተን ንኣምልኾ ስድራ ቤተን ንየሆዋ መዝሙር ብምዝማር እየን ዚጅምራኦ። ኣብ መክሲኮ ዚነብር ህዋን ብዛዕባ እዚ፡ “ጽቡቕ ሃዋህው እዩ ዚፈጥር፡ ንኣእምሮና ኸኣ የዳልዎ እዩ” በለ። ኣብታ ምሸት እቲኣ ምስ ዚጽናዕ ጽሑፍ ዚሰማማዕ መዝሙር ዚመርጹ ድማ፡ ኣባላት ስድራ ቤቱ እዮም።

ስሪ ላንካ

ሓያሎ ስድራ ቤታት፡ ሓደ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ብሓባር የንብባ እየን። እተፈላለዩ ኣባላተን ኣብቲ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ንእተጠቕሱ እተፈላለዩ ውልቀ ሰባት ወኪሎም እናተበራረዩ የንብቡ። ኣብ ጃፓን ዚነብር ኣቦ፡ “ኣብ ፈለማ በዚ መገዲ እዚ ምንባብ ዘይልሙድ” ኰይኑ ኸም እተሰምዖ ገለጸ። ይኹን እምበር፡ እቶም ክልተ ደቁ፡ ወለዶም ምስኦም ኰይኖም ኪሕጐሱ ኸለዉ ብምርኣዮም ባህ በሎም። ገሊአን ስድራ ቤታት እሞ ኸኣ ንታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ ብመልክዕ ተዋስኦ የቕርባኦ እየን። ሮጀር ዚስሙ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዚነብር ኣቦ ኽልተ ኣወዳት፡ ቈልዑ “መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንሕና ወለዲ ዘየስተብሃልናሉ ነጥብታት ይርእዩ እዮም” በለ።

ደቡብ ኣፍሪቃ

እተፈላለየ ዓይነት ንጥፈታት ንምቕራብ ዚሕግዝ ካልእ መገዲ፡ ከም ሞዴል መርከብ ኖህ ወይ ሞዴል ቤተ መቕደስ ሰሎሞን ዝኣመሰለ ፕሮጀክትታት ብሓባር ኴንካ ምስራሕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ፕሮጀክትታት ንምስራሕ ምርምር ምግባር ዚሓትት ብምዃኑ፡ ባህ ዜብል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ እስያ፡ ጓል ሓሙሽተ ዓመት ቈልዓን ወለዳን ዓባያን ዚርከብዋ ሓንቲ ስድራ ቤት፡ ኣብ ሳሎን ኰይና ሚስዮናዊ ጕዕዞ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሓዘ ስእሊ ብምድላው፡ ብእኡ ትጓዓዝ ከም ዘላ ዀይና ተጻወተት። ገሊአን ስድራ ቤታት ከኣ ኣብ መጽሓፍ ዘጸኣት ኣብ ዚርከብ ታሪኽ እተመስረተ ኸምኡ ዝኣመሰለ ጸወታታት ኣዳልየን እየን። ኣብ ቶጎ ዚነብር ወዲ 19 ዓመት ዝዀነ ዶናልድ፡ እተፈላለየ ንጥፈታት ምድላው፡ “ንኣምልኾ ስድራ ቤትና ህያው ከም ዚኸውን ገይርዎ፡ ንስድራ ቤትና ኸኣ ኣቀራሪብዋ እዩ” በለ። ንስኻኸ ንኣምልኾ ስድራ ቤትካ ብዝያዳ ዜሐጕስ ኪገብሮ ዚኽእል ፕሮጀክት ከተዳሉ ምኸኣልካዶ፧

ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ

ኣገዳስነት ምድላው

ተዓጻጻፍነትን እተፈላለየ ንጥፈታትን ንኣምልኾ ስድራ ቤት ባህ ዜብል ዚገብሮ እኳ እንተ ዀነ፡ ዚምህር ምእንቲ ኪኸውን ግና ኵሎም ኪዳለዉ ኣለዎም። ሓድሓደ ግዜ መንእስያት ስለ ዚደኽሙ፡ ኣቦታት ነቲ ዚጽናዕ ትምህርቲ ኣቐዲሞም ኪሓስቡሉን ግዜ መዲቦም ኪዳለዉሉን ኣለዎም። ሓደ ኣቦ፡ “እንተ ተዳልየ፡ ንዅላቶም ዝያዳ ትርጕም ዘለዎ መጽናዕቲ እዩ ዚዀነሎም” በለ። ሓደ ኣብ ጀርመን ዚነብር ኣቦ፡ ንኣባላት ስድራ ቤቱ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዚቕጽል ሰሙን ዚመያየጡሉ ነገራት ኣቐዲሙ ይሕብሮም እዩ። ኣብ በኒን ዚነብር ኣቦ ሽዱሽተ ቘልዑ፡ ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ዲቪዲ ኺርእዩ እንተ መዲቡ፡ ኣቐዲሙ ሕቶታት ኣዳልዩ ይህቦም። እወ፡ ምድላው ንኣምልኾ ስድራ ቤትና ዝያዳ ትርጕም ዘለዎ ኺገብሮ ይኽእል እዩ።

ኣባላት ስድራ ቤት እንታይ ከም ዚመያየጡ ኣቐዲሞም እንተ ፈሊጦም፡ ኣብታ ሰሙን እቲኣ ብዛዕባኡ ኺዘራረቡ ይኽእሉ እዮም፣ እዚ ኸኣ ንተገዳስነቶም የዕብየሎም እዩ። ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት፡ ዕዮ እንተ ተዋሂብዎ ኸኣ፡ እቲ ኣምልኾ ስድራ ቤት ናቱ ኸም ዝዀነ ዀይኑ እዩ ዚስምዖ።

ብስሩዕ ንኽትገብሮ ጽዓር

መብዛሕትአን ስድራ ቤታት ንኣምልኾ ስድራ ቤተን ብስሩዕ ንኺገብራኦ ይሽገራ እየን።

ሓያሎ ኣቦታት ድራር ዕለቶም ንምርካብ ብዙሕ ሰዓታት ይሰርሑ እዮም። ንኣብነት፡ ሓደ ኣብ መክሲኮ ዚነብር ኣቦ፡ ካብ ቤቱ ሰዓት ሽዱሽተ ናይ ንግሆ ወጺኡ፡ ሰዓት ሸሞንተ ናይ ምሸት እዩ ዚምለስ። ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ብምኽንያት ካልእ መንፈሳዊ ንጥፈታት፡ ኣምልኾ ስድራ ቤት ዚግበረሉ መዓልቲ ኪቕየር ይኽእል እዩ።

ምስናይዚ ግና፡ ስሩዕ ኣምልኾ ስድራ ቤት ንምግባር ቈራጻት ክንከውን ኣሎና። ሎኢስ ዚስማ ኣብ ቶጎ እትነብር ጓል 11 ዓመት፡ “ሓድሓደ ግዜ ብምኽንያት ዘይተሓስበ ነገራት ደንጒና ኽንጅምር እንግደደሉ እዋናት እኳ እንተሎ፡ ኣምልኾ ስድራ ቤት ወትሩ ንገብር ኢና” ብምባል ብዛዕባ እቲ ስድራ ቤታ ዘለዋ ቘራጽነት ገለጸት። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እየን ገሊአን ስድራ ቤታት ንኣምልኾ ስድራ ቤተን ኣብ መጀመርታ ሰሙን ዚገብራኦ። ዘይተሓሰበ ነገር እንተ ኣጋጢምወን ድማ፡ ንኣምልኾ ስድራ ቤተን ኣብ ውሽጢ እታ ሰሙን እቲኣ፡ ናብ ካልእ መዓልቲ የሳግራኦ።

እቲ “ኣምልኾ ስድራ ቤት” ዚብል ስም ከም ዚሕብሮ፡ እዚ መሰናድዎ እዚ፡ ክፍሊ እቲ ንየሆዋ እተቕርቦ ኣምልኾ እዩ። ስለዚ፡ ኵሎም ኣባላት ስድራ ቤትካ ንየሆዋ ኣብ ሰሰሙን፡ “ኣሩሕ መስዋእቲ ኸናፍር” ከም ዜቕርቡሉ ግበር። (ሆሴ. 14:2) ‘ሓጐስ የሆዋ ሓይልኹም’ ስለ ዝዀነ ድማ፡ እቲ ኣጋጣሚ እቲ ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤትካ ዜሐጕስ ከም ዚኸውን ግበሮ።—ነህ. 8:9, 10