ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣረጋውያን ኣኽብሮም

ንኣረጋውያን ኣኽብሮም

“ንገጽ ኣረጋዊ ድማ ኣኽብር።”ዘሌ. 19:32

1. ደቂ ሰብ ኣብ ከመይ ዝበለ ዜሕዝን ኵነታት እዮም ዘለዉ፧

የሆዋ፡ ደቂ ሰብ ብእርጋን ኪሳቐዩ ዕላማኡ ኣይነበረን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ምሉእ ጥዕና ሃልይዎም ኣብ ገነት ኪነብሩ እዩ ዕላማ ገይሩ ነይሩ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ “ኵሉ ፍጥረት ክሳዕ ሕጂ ብሓባር የስቈርቍርን ይሳቐን” ኣሎ። (ሮሜ 8:22) ሳዕቤን ሓጢኣት ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ኪወርድ ከሎ፡ ኣምላኽ ከመይ ዚስምዖ ይመስለካ፧ ብዙሓት ኣረጋውያን ኣብቲ ዝያዳ ሓገዝ ዜድልዮም እዋን ዕሽሽ ይበሃሉ ምህላዎም፡ ኣመና ዜሕዝን እዩ።—መዝ. 39:5፣ 2 ጢሞ. 3:3

2. ክርስትያናት ብፍላይ ብዛዕባ ኣረጋውያን ዚግደሱ ስለምንታይ እዮም፧

2 ህዝቢ የሆዋ፡ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣረጋውያን ምህላዎም የሐጕሶም እዩ። ከመይሲ፡ ካብቲ ኣረጋውያን ዜንጸባርቕዎ ጥበብን እምነትን ንጥቀም ኢና። ገለ ኻብዞም ፍቑራት ኣረጋውያን፡ ምሳና ዝምድና ኣለዎም። ይኹን እምበር፡ ምስ ኣረጋውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝምድና ይሃልወና ኣይሃልወና ብዘየገድስ፡ ድሕንነቶም የተሓሳስበና እዩ። (ገላ. 6:10፣ 1 ጴጥ. 1:22) ኣምላኽ ብዛዕባ ኣረጋውያን ዘለዎ ኣረኣእያ ምምርማርና፡ ንዅላትና ኺጠቕመና ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ እቲ ኣባላት ስድራ ቤትን ኣባላት ጉባኤን ንኣረጋውያን ብዚምልከት ዘለዎም ሓላፍነት ክንርኢ ኢና።

“ኣይትደርብየኒ”

3, 4. (ሀ) ጸሓፍ መዝሙር 71 ንየሆዋ እንታይ ኢሉ እዩ ለሚንዎ፧ (ለ) ኣረጋውያን ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ ንኣምላኽ እንታይ ኢሎም እዮም ኪሓትትዎ ዚኽእሉ፧

3 ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር፡ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡  ኣብ መዝሙር 71:9፡ “ብጊዜ እርግና ኣይትደርብየኒ፡ ሓይለይ ኪውዳእ ከሎ፡ ኣይትሕደገኒ” ኢሉ ንኣምላኽ ለመኖ። መዝሙር 71 መቐጸልታ እታ “ናይ ዳዊት” ዚብል ልዕለ ጽሑፍ ዘለዋ መዝሙር 70 እያ እትመስል። ስለዚ፡ ነቲ ኣብ መዝሙር 71:9 ዚርከብ ልመና ዘቕረቦ፡ ዳዊት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንሱ ንኣምላኽ ካብ ንእስነቱ ኽሳዕ እርጋኑ ኣገልጊልዎ እዩ፣ የሆዋ ድማ ዜደንቕ ነገራት ንኺገብር ተጠቒሙሉ እዩ። (1 ሳሙ. 17:33-37, 50፣ 1 ነገ. 2:1-3, 10) ኰይኑ ግና፡ ዳዊት፡ ስምረት የሆዋ ብቐጻሊ ኺረክብ ለመነ።—መዝሙር 71:17, 18 ኣንብብ።

4 ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ልክዕ ከም ዳዊት እዮም። ብዕድመ ዝደፍኡን “ክፉእ መዓልትታት” ዘርከቦምን እኳ እንተ ዀኑ፡ ብእተኻእሎም ዓቕሚ ኣዘውቲሮም ንኣምላኽ ይውድስዎ እዮም። (መክ. 12:1-7) መብዛሕትኦም ኣብ እተፈላለየ መዳያት ህይወት፡ እንተላይ ኣብ ኣገልግሎት፡ ክንድቲ ቐደም ዚገብርዎ ዝነበሩ ንኺገብሩ ይኸብዶም ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ንሳቶም እውን እንተ ዀኑ ንየሆዋ፡ ወትሩ ስምረቱ ንኺህቦምን ንኺከናኸኖምን ኪልምንዎ ይኽእሉ እዮም። ከምኡ ዚገብሩ እሙናት ኣረጋውያን፡ ኣምላኽ ንጸሎቶም ከም ዚምልሶ ርግጸኛታት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ከመይሲ፡ የሆዋ ንዳዊት፡ ብዛዕባ ተመሳሳሊ ጕዳያት ንኺጽሊ ብመንፈሱ ደሪኽዎ ነይሩ እዩ።

5. የሆዋ ንኣረጋውያን ብኸመይ እዩ ዚርእዮም፧

5 ቅዱሳት ጽሑፋት፡ የሆዋ ንኣረጋውያን ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮምን ኣገልገልቱ ንኣረጋውያን ኬኽብርዎም ከም ዚጽበን ብንጹር ይገልጽ እዩ። (መዝ. 22:24-26፣ ምሳ. 16:31፣ 20:29) ዘሌዋውያን 19:32፡ “ኣብ ቅድሚ ሸያብ ተንስእ፡ ንገጽ ኣረጋዊ ድማ ኣኽብር፡ ንኣምላኽካውን ፍርሃዮ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ” ትብል። እወ፡ እዘን ቃላት እዚአን ኪጽሓፋ ኸለዋ፡ ንኣረጋውያን ምኽባር ረዚን ሓላፍነት እዩ ነይሩ፣ ሎሚ እውን ከምኡ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ንኣረጋውያን ብዛዕባ ምክንኻንከ እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧ ከምኡ ምግባር ናይ መን ሓላፍነት እዩ፧

ሓላፍነት ስድራ ቤት

6. የሱስ ንወላዲ ብምክንኻን ዝመጸ፡ እንታይ ሰናይ ኣብነት እዩ ሰሪዑ፧

6 ቃል ኣምላኽ፡ “ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር” ይብል። (ዘጸ. 20:12፣ ኤፌ. 6:2) የሱስ ነቶም ንወለዶም ምክንኻን ዚኣብዩ ዝነበሩ ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን ብምዅናን፡ ነቲ ንወለዲ ብዛዕባ ምኽባር ዚገልጽ ትእዛዝ ኣራጐዶ። (ማር. 7:5, 10-13) ንሱ ንባዕሉ እውን እንተ ዀነ፡ ሰናይ ኣብነት ሰሪዑ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ጕንዲ ተሰቒሉ ናብ ሞቱ ቐሪቡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ነቲ ዚፈትዎ ወደ መዝሙር ዝነበረ ዮሃንስ፡ ነታ ሽዑ መበለት ነይራ ኽትከውን እትኽእል ኣዲኡ ናብ ቤቱ ወሲዱ ንኺከናኸና ሕድሪ ሃቦ።—ዮሃ. 19:26, 27

7. (ሀ) ሃዋርያ ጳውሎስ ንወለዲ ብዛዕባ ምንባይ እንታይ ስርዓት እዩ ሂቡ፧ (ለ) ኣብ ከባቢ እቲ ጳውሎስ ዝጸሓፎ ቓላት ዘሎ ቝም ነገር እንታይ እዩ፧

7 ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ ኣመንቲ ንኣባላት ስድራ ቤቶም ኪናብይዎም ከም ዘለዎም ጽሒፉ ነይሩ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 5:4, 8, 16 ኣንብብ።) ኣብ ከባቢ እቲ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ዝጸሓፈሉ ሓሳብ ንዘሎ ቝም ነገር እስከ ንመርምሮ። ጳውሎስ ብዛዕባ እተን ካብ ጉባኤ ገንዘባዊ ሓገዝ ናይ ምርካብ ብቕዓት ዘለወንን ዘይብለንን መበለታት ሓቢሩ ነይሩ እዩ። ኣመንቲ ዝዀኑ ውሉዳትን ደቂ ደቅን ካልኦት ኣዝማድን፡ ንኣረጋውያን መበለታት ናይ ምንባይ ቀንዲ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ብንጹር ገሊጹ ኣሎ። በዚ ኸምዚ፡ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘየድሊ ገንዘባዊ ጾር ኣይትስከምን። ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ሓደ ኻብቲ ክርስትያናት “ኣምላኻዊ ተወፋይነት” ዜርእዩሉ መዳይ፡ ንእተጸገሙ ኣዝማዶም ብስጋዊ መገዲ ምንባይ እዩ።

8. መጽሓፍ ቅዱስ ንኽንክን ኣረጋውያን ወለዲ ብዚምልከት ዝርዝር መፍትሒ ዘይምሃቡ ጥበባዊ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

8 ክርስትያን በጽሕታት፡ ንወለዶም ብስጋ ዜድልዮም ዘበለ ናይ ምምላእ ግዴታ ኣለዎም። ዋላ እኳ ጳውሎስ ብዛዕባ ዚኣምኑ ኣዝማድ ይዛረብ እንተ ነበረ፡ ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘይኰኑ ወለዲ እውን ሸለል ኪብሃሉ የብሎምን። ኵሉ ዅነታት ተመሳሳሊ ስለ ዘይኰነ፡ ውሉዳት ዚገብርዎ ኽንክን ኪፈላለ ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ ጠባይን ጥዕናን  እቶም ተኸናኸንቲ ዀኑ እቶም ክንክን ዚግበረሎም ኣረጋውያን ይፈላለ እዩ፣ ዜድልዮም ነገራት እውን እተፈላለየ እዩ። ገሊኦም ኣረጋውያን ብዙሓት ውሉዳት ኪህልውዎም ይኽእሉ እዮም፣ ገሊኣቶም ግና ሓደ ውሉድ ጥራይ ኪህልዎም ይኽእል እዩ። ገሊኦም ኣረጋውያን በቲ መንግስቲ ዚህቦ ደገፍ ኪናበሩ ይኽእሉ እዮም፣ ገሊኣቶም ግና ኣይክእሉን እዮም። ውልቃዊ ምርጫታት እቶም ክንክን ዜድልዮም ኣረጋውያን እውን ኪፈላለ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ሓደ ሰብ ንኣረጋውያን ኣዝማዱ ንምክንኻን ዚመርጾ መገዲ ምንቃፍ፡ ጥበባዊ ወይ ፍቕራዊ ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ከምቲ ኻብ ግዜ ሙሴ ኣትሒዙ እተራእየ፡ የሆዋ ንዝዀነ ይኹን ቅዱስ ጽሑፋዊ ውሳነ ኺባርኾን ኬስልጦን ይኽእል እዩ።—ዘሁ. 11:23

9-11. (ሀ) ገሊኦም እንታይ ኣጸጋሚ ዅነታት እዩ ኼጋጥሞም ዚኽእል፧ (ኣብ ገጽ 20 ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) ዝባጽሑ ውሉዳት፡ ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንምቍራጽ ኪህወኹ ዘይብሎም ስለምንታይ እዮም፧ ኣብነት ሃብ።

9 ወለድን ውሉዳትን ነንበይኖም ዚነብሩ እንተ ዀይኖም፡ ብዕድመ ንዝደፍኡ ወለዲ ብዜድሊ መዳይ ምንባይ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ወላዲ ምስ ዚወድቕ፡ ምስ ዚስበር፡ ወይ ካልእ ጸገም ምስ ዜጋጥሞ፡ ብሰንኪ እዚ ድማ ጥዕና ምስ ዚስእን፡ ብቕልጡፍ ናብ ኣቦን ኣደን ምኻድ የድሊ ይኸውን። ድሕሪኡ ድማ፡ ንግዜኡ ወይ ንነዊሕ እዋን ዚጸንሕ ሓገዝ የድልዮም ይኸውን። *

10 ብፍላይ ነቶም ብምኽንያት ቲኦክራስያዊ ምደባ ኻብቲ ወለዶም ዘለዉሉ ቦታ ርሒቖም ዚነብሩ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ፡ በዳሂ ውሳነታት ኬጋጥሞም ይኽእል እዩ። ቤት-ኤላውያንን ሚስዮናውያንን ገየሽቲ ሓለውትን ንዕዮኦም ከም በረኸት የሆዋ ገይሮም ስለ ዚቘጽርዎ፡ ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎ። ኰይኑ ግና፡ ወለዶም እንተ ሓሚሞም፡ ኣብ ፈለማ፡ ‘ንወለድና ምእንቲ ኽንከናኸኖም፡ ዕዮና ኣቋሪጽና ኣብ ቤት ክንምለስ ኣሎና’ ኢሎም ይሓስቡ ይዀኑ። ይኹን እምበር፡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣቋሪጽካ ኽትሕግዞም ብሓቂ ዜድልዮም እንተ ዀይኑ፡ ወይ ከኣ ከምኡ ዚደልዩ እንተ ዀይኖም ብጸሎት ኪሕሰበሉ ጥበባዊ እዩ። ዝዀነ ይኹን ሰብ ተቐዳዲሙ ንፍሉይ መሰል ኣገልግሎቱ ኼቋርጾ የብሉን፣ ከምኡ ምግባር እውን ከየድሊ ይኽእል እዩ። እቲ ነቶም ወለዲ ዘጋጠሞም ጸገም ጥዕና፡ ኣባላት ጉባኤኦም እናሓገዝዎም ኪዋጽኡሉ ዚኽእሉ ግዜያዊ ጸገም ኪኸውን ይኽእልዶ፧—ምሳ. 21:5

11 ካብቲ ወለዶም ዘለዉሉ ቦታ ርሒቖም ዜገልግሉ ኽልተ ብስጋ ኣሕዋት እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። እቲ ሓደ፡ ሚስዮናዊ ዀይኑ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ እዩ ዜገልግል፣ እቲ ኻልኣይ ከኣ ኣብቲ ኣብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዩ ዚዓዪ። ወለዶም ሓገዝ ኣድልይዎም ነበረ። ነቶም ኣብ ርሑቕ ምብራቕ ዚርከቡ ወለዶም እንታይ ኪገብሩሎምን ብኸመይ ኪገብሩሎምን ከም ዘለዎም ምእንቲ ኺፈልጡ ድማ፡ ምስ ኣንስቶም ኰይኖም በጽሕዎም። ድሕሪ ግዜ፡ እቶም ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ዜገልግሉ ዝነበሩ ሰብ ሓዳር፡ ንዕዮኦም ኣቋሪጾም ኪምለሱ ሓሰቡ። ኰይኑ ግና፡ ኣብቲ ወለዶም ዚካፈሉሉ ጉባኤ ዘሎ ኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት ደወለሎም። እቲ ኣካል ሽማግለታት ነቲ ዅነታት ከም እተመያየጠሉን እቶም ሰብ ሓዳር ኣብ ሚስዮናዊ ዕዮኦም ኪቕጽሉ ኸም ዚኽእሉን ድማ ሓበሮም። እቶም ሽማግለታት ንኣገልግሎት እቶም ሰብ ሓዳር ኣዝዮም ስለ ዜማስዉሉ፡ ብእተኻእሎም መጠን ንወለዶም ኪከናኸኑሎም ቈረጹ። ኵሎም ኣባላት እታ ስድራ ቤት ነቲ እተገብረሎም ፍቕራዊ ሓልዮት ኣማስዮምሉ እዮም።

12. ሓንቲ ክርስትያናዊት ስድራ ቤት ንወለዲ ንምክንኻን ኣብ እትገብሮ ዝዀነ ይኹን ውሳነ፡ ብዝያዳ ኼገድሳ ዘለዎ እንታይ እዩ፧

12 ሓንቲ ክርስትያን ስድራ ቤት ብዕድመ ንዝደፍኡ ወለዲ ንምክንኻን እትጥቀመሉ ሜላ ብዘየገድስ፡ ኵሎም እቶም ዚምልከቶም፡ እቲ ዚወስድዎ ስጕምቲ ንስም ኣምላኽ ዜኽብር ምዃኑ ኼረጋግጹ ኣለዎም። ልክዕ ከምቶም ብግዜ የሱስ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ክንከውን ኣይንደልን ኢና። (ማቴ. 15:3-6) ውሳነታትና ንኣምላኽን ንክርስትያናዊት  ጉባኤን ዜኽብር ኪኸውን ኢና እንደሊ።—2 ቈረ. 6:3

ሓላፍነት ጉባኤ

13, 14. ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ጉባኤታት ንኣረጋውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ናይ ምክንኻን ሓላፍነት ከም ዘለወን ክንድምድም እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

13 ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ገይሩ ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ኺሕግዝ ዚኽእል፡ ኵሉ ሰብ ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ሓደ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዘጋጠመ ዅነታት ከም ዚሕብሮ፡ ጉባኤታት እውን ንኣረጋውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ኪሕግዛኦም ይኽእላ እየን። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ጉባኤ ኺገልጽ ከሎ፡ “ሓደ ሽጉር እኳ ኣይነበሮምን” ይብል። እዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ኵሎም ኣባላት እታ ጉባኤ ሃብታማት ነይሮም ማለት ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ገሊኣቶም ብስጋዊ መዳይ ድኻታት እዮም ነይሮም፣ ኰይኑ ግና፡ “ንነፍሲ ወከፍ ከከም ዜድልዮ ይዕደል ነበረ።” (ግብ. 4:34, 35) ጸኒሑ፡ ሓደ ጕዳይ ኣጋጠመ። ገሊአን ‘መበለታት ኣብቲ ዕለታዊ ምዕዳል ምግቢ ሸለል ተባህላ።’ ስለዚ፡ ሃዋርያት፡ ነተን መበለታት ብግቡእን ብፍትሓውን መገዲ ኸም ዚተሓዛ ኺገብሩ ዚኽእሉ ብቕዓት ዘለዎም ኣሕዋት ንኺሽየሙ መምርሒ ሃቡ። (ግብ. 6:1-5) እቲ ዕለታዊ ምዕዳል ምግቢ፡ ነቶም ኣብ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ክርስትያናት ዝዀኑን መንፈሳውነቶም ንምህናጽ ንግዜኡ ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ዝነበሩን ንምሕጋዝ ተባሂሉ እተገብረ ግዜያዊ መሰናድዎ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ሃዋርያት ዝሃብዎ ምላሽ፡ ጉባኤታት ንእተሸገሩ ኣባላተን ኪሕግዛኦም ከም ዚኽእላ ዚሕብር እዩ።

14 ከምቲ ኣቐዲሙ እተገልጸ፡ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ ሓንቲ መበለት ካብ ጉባኤኣ ስጋዊ ሓገዝ ንኺግበረላ ብቕዕቲ ብዛዕባ እትዀነሉ ዅነታት ብምግላጽ መምርሒ ሂብዎ ነበረ። (1 ጢሞ. 5:3-16) እቲ ሓደ ኻብቶም ብመንፈስ ተደሪኾም መጽሓፍ ቅዱስ ዝጸሓፉ ሰባት ዝነበረ ያእቆብ እውን፡ ክርስትያናት ንዘኽታማትን ንመበለታትን ንኻልኦት እተጸገሙ ሰባትን ናይ ምክንኻን ሓላፍነት ከም ዘለዎም ገሊጹ ነይሩ እዩ። (ያእ. 1:27፣ 2:15-17) ብዘይካዚ፡ ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ጥሪት እዛ ዓለም ዘለዎ ዘበለ እሞ ሓዉ ተሸጊሩ ኸሎ እናረኣየስ ዘይርሕርሓሉ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ከመይ ኢላ ኣብኡ ትነብር፧” ኢሉ ነበረ። (1 ዮሃ. 3:17) ክርስትያናት ብውልቆም ንድኻታት ናይ ምሕጋዝ ግዴታ ኻብ ሃለዎም፡ ጉባኤታት እውን ኣለወን ማለት እዩ።

15. ነቲ ንኣረጋውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዚግበረሎም ሓገዝ ኪጸልዎ ዚኽእል ረቛሒታት እንታይ እዩ፧

15 ኣብ ገሊኡ ሃገራት፡ መንግስቲ ንኣረጋውያን፡ ናይ ጡረታ ገንዘብ ይህቦምን ናይ ድሕንነት መደባት የውጽኣሎምን ኣብ ቤቶም ዚከናኸንዎም ሰባት የዳልወሎምን እዩ። (ሮሜ 13:6) ኣብ ካልእ ሃገራት ግና ከምዚ ዓይነት ኣገልግሎት ከይህሉ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ እቲ ኣዝማድን ጉባኤታትን ንኣረጋውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ኪገብሩሎም ዚኽእሉ  ኽንክን፡ ከከም ኵነታቱ ይፈላለ እዩ። ውሉዳት ካብቲ ወለዶም ዘለዉሉ ቦታ ርሒቖም ዚነብሩ እንተ ዀይኖም፡ እዚ ነቲ ኺህብዎ ዚኽእሉ ሓገዝ ኪጸልዎ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ኵሉ ሰብ ንዅነታት ሓንቲ ስድራ ቤት ምእንቲ ኺርዳእ፡ እቶም ውሉዳት ምስቶም ኣብ ጉባኤ ወለዶም ዘለዉ ሽማግለታት ብናጽነት ኪዘራረቡ ኣለዎም። ንኣብነት፡ እቶም ሽማግለታት ነቶም ኣረጋውያን ወለዲ፡ ብዛዕባ እቲ መንግስቲ ዚገበሮ መሰናድዎታትን መደባትን ንኺፈልጡ ኺሕግዝዎም ይኽእሉ ይዀኑ። ብዘይካዚ፡ ከም ዘይተኸፍለ ዕዳን ብግቡእ ዘይተወስደ መድሃኒትን ዝኣመሰለ ኣቓልቦ ዜድልዮ ግናኸ ዕሽሽ እተባህለ ነገራት እንተ ኣልዩ፡ ነቶም ውሉዳት ኪሕብርዎም ይኽእሉ እዮም። ከምዚ ዝበለ ኻብ ጽቡቕ ድራኸ ተበጊስካ ዚግበር ዝርርብ፡ ኵነታት ንኸይገድድ ኪዓግትን ግብራዊ መፍትሒ ኼምጽእን ይኽእል እዩ። ብንጹር እምበኣር፡ ኣብ ጥቓ ኣረጋውያን ወለዲ ዀይኖም ዚሕግዙን ምኽሪ ዚህቡን ሰባት፡ ነቶም ኣብ ርሑቕ ቦታ ዚነብሩ ውሉዳት ካብ ጭንቀት ኪሰትርዎም ይኽእሉ እዮም።

ሓደጋ እንተ ኣጋጢሙ፡ ጉባኤታት ኪሕግዛ ዚኽእላ ብኸመይ እየን፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 15, 16 ርአ)

ሓደጋ እንተ ኣጋጢሙ፡ ጉባኤታት ኪሕግዛ ዚኽእላ ብኸመይ እየን፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 15, 16 ርአ)

16. ገሊኦም ክርስትያናት ንኣረጋውያን ኣባላት ጉባኤኦም ዚሕግዝዎም ብኸመይ እዮም፧

16 ገሊኦም ክርስትያናት ንኣረጋውያን ስለ ዜፍቅርዎም፡ ግዜኦምን ጕልበቶምን ሰዊኦም ብእተኻእሎም ዓቕሚ ይከናኸንዎም እዮም። በዚ ኸምዚ፡ ንኣረጋውያን ኣባላት ጉባኤኦም ከም ዚግደሱሎም ብዝያዳ የርእዩ። ምስ ካልኦት ኣባላት ጉባኤኦም እናተበራረዩ ድማ ይከናኸንዎም። ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ኪዀኑ ዅነታቶም ዘይፈቕደሎም እኳ እንተ ዀነ፡ ነቶም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘለዉ ውሉዳት እቶም ኣረጋውያን ተሓጒሶም እዮም ዚሕግዝዎም። እዝስ ከመይ ዝኣመሰለ ዚንኣድ መንፈስ ኰን እዩ! ይኹን እምበር፡ ዋላ እውን ኣባላት ጉባኤ ኣዝዮም ለጋሳት ይኹኑ፡ ውሉዳት ንወለዶም ናይ ምክንኻን ሓላፍነት ኣለዎም።

ንኣረጋውያን ብምትብባዕ ኣኽብሮም

17, 18. ንኣረጋውያን ኣብ እንገብሮ ኽንክን፡ እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ እዩ ባህ ዜብል ሃዋህው ከም ዚሰፍን ዚገብር፧

17 ኵሎም እቶም ንኣረጋውያን ኣብ ምክንኻን እጃሞም ዜበርክቱ ዘበሉ፡ ባህ ዜብል ሃዋህው ከም ዚሰፍን ኪገብሩ ኣለዎም። ኣወንታዊ ኣረኣእያ እውን ኪህልዎም ኣለዎ። ሓድሓደ እዋን፡ እርጋን፡ ተስፋ ምቝራጽን ጭንቀትን ኬስዕብ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ምስ ኣረጋውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን እንገብሮ ዝርርብ ሃናጺ ብምግባር፡ ንኸነኽብሮምን ንኸነተባብዖምን ፍሉይ ጻዕሪ ኽንገብር የድልየና ይኸውን። እዞም ኣረጋውያን ብጾትና፡ ንነዊሕ ዓመታት ንኣምላኽ ብተወፋይነት ስለ ዘገልገልዎ፡ ኪንኣዱ ኣለዎም። የሆዋ ነቲ ንዕኡ ንምግልጋል ዝገበርዎ ነገራት ኣይርስዖን እዩ፣ ንሕና እውን ኣይንርስዖን ኢና።—ሚልክያስ 3:16፣ እብራውያን 6:10 ኣንብብ።

18 ብዘይካዚ፡ ኣረጋውያንን ንዓታቶም ዚከናኸንዎም ሰባትን ሓድሓደ ግዜ ዚዋዘዩ እንተ ዀይኖም፡ እዚ ነቲ በብመዓልቱ ዚግበር ከቢድ ዕዮ ቐሊል ኪገብሮ ይኽእል እዩ። (መክ. 3:1, 4) ብዙሓት ኣረጋውያን ኣሕዋት እውን፡ ዚግበረሎም ኣቓልቦን ምብጻሕን ብጠባዮም ኪጽሎ ኸም ዚኽእል ስለ ዚፈልጡ፡ ነቶም ዚከናኸንዎም ልዕሊ ዓቕሞም ኪገብሩ ኣይሓትዎምን እዮም። ብኸምኡ እዮም እቶም ንኣረጋውያን ዚበጽሕዎም ሰባት፡ “ከተባብዕ ኢለ ኸይደስ፡ ንባዕለይ ተተባቢዐ ተመሊሰ” ኺብሉ ዚስምዑ።—ምሳ. 15:13፣ 17:22

19. ዓበይቲ ይኹኑ ንኣሽቱ፡ ብዛዕባ መጻኢ እንታይ ኣረኣእያ እዩ ኺህልዎም ዚኽእል፧

19 ነታ መከራን ሳዕቤን ዘይፍጽምናን ዚውገደላ መዓልቲ ብሃንቀውታ ኢና እንጽበያ። ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኬተኵሩ ኣለዎም። ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ ዘላትና እምነት፡ ኣብ እዋን ጭንቀት ወይ ጸበባ ልክዕ ከም መልህቕ ከም ዝዀነት ንፈልጥ ኢና። ሳላ እታ እምነት እቲኣ፡ “ኣይንሕለልን ኢና፣ ግናኸ፡ እቲ ናይ ወጻኢ ሰብና እኳ እንተ ማህመነ፡ እቲ ናይ ውሽጢ ሰብና መዓልቲ መዓልቲ ይሕደስ ኣሎ።” (2 ቈረ. 4:16-18፣ እብ. 6:18, 19) ኣብቲ ንኣረጋውያን እንገብሮ ኽንክን፡ ነታ ኣብ ኣምላኽ ዘላትና ድልድልቲ እምነት ካብ ምዕቃብ ንላዕሊ፡ ካልእ እንታይ ኪሕግዘና ዚኽእል ነገራት ኣሎ፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ገለ ግብራዊ ነጥብታት ክንምርምር ኢና።

^ ሕ.ጽ. 9 ኣብታ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ፡ ኣረጋውያን ወለድን ውሉዳትን ኪገብርዎ ብዛዕባ ዚኽእሉ ግብራዊ ኽንክን ተሓቢሩ ኣሎ።