ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣረጋውያን ተኸናኸኖም

ንኣረጋውያን ተኸናኸኖም

“ደቀየ፡ ብግብርን ብሓቅን እምበር፡ ብቓልን ብልሳንን ጥራይ ኣይንፋቐር።”—1 ዮሃ. 3:18

1, 2. (ሀ) ብዙሓት ስድራ ቤታት እንታይ ብድሆታት እዩ ኼጋጥመን ዚኽእል፧ እዚኸ እንታይ ሕቶታት እዩ ዜበግስ፧ (ለ) ወለድን ውሉዳትን ነቲ ምስ ለውጢ ዚመጽእ ብድሆታት ኪሰግርዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

እቶም ድልዱላትን ርእሶም ዚኽእሉን ዝነበሩ ወለድኻ፡ ድሕሪ ሕጂ ኸምኡ ኺገብሩ ኸም ዘይክእሉ ምፍላጥ፡ ከብድኻ ኺበልዓካ ይኽእል እዩ። ኣቦኻ ወይ ኣዴኻ ኸም ዝወደቑን ምሕዅልቶም ከም እተሰብረን፡ ተደናጊሮም ከም ዝጠፍኡ፡ ወይ ከኣ ኣዝዩ ኸቢድ ሕማም ከም ዝሓመሙ ትሰምዕ ትኸውን። ብኣንጻሩ ኸኣ፡ ኣረጋውያን ነቲ ዜጋጥሞም ኣካላዊ ለውጢ ወይ ከኣ ነቲ ኸም ድላዮም ከይኰኑ ዚዓግቶም ካልእ ኵነታት ምቕባል ኪኸብዶም ይኽእል እዩ። (እዮ. 14:1) እሞኸ እንታይ እንተ ተገብረ ይሓይሽ፧ ንኣረጋውያን ብኸመይ ኢና ኽንከናኸኖም እንኽእል፧

2 ሓንቲ ብዛዕባ ኽንክን ኣረጋውያን እትገልጽ ዓንቀጽ፡ “ብዛዕባ እርጋን ምዝርራብ ኣጸጋሚ እኳ እንተ ዀነ፡ እቶም ከምኡ ዚገብሩን ብዛዕባ ኣማራጺታቶም ዚመያየጡን መደባት ዜውጽኡን ስድራ ቤት፡ ንዝዀነ ይኹን ዜጋጥሞም ኵነታት ኪዋጽኡሉ ይኽእሉ እዮም” በለት። ንኸምዚ ዓይነት ምይይጥ ኣኽቢርና ኽንርእዮ እንኽእል ግና፡ ነቲ ምስ ምድፋእ ዕድመ ዚመጽእ ጸገማት ምስ እንቕበሎ እዩ። ኣቐዲምና ኽንዳሎን ውሳነታት ክንገብርን ንኽእል ኢና። ስድራ ቤታት ንገሊኡ ብድሆታት ንኺሰግራኦ ዜኽእለን መደብ ኣብ ዜውጽኣሉ እዋን፡ ውሉዳት ብኸመይ ንሓድሕዶም ኪተሓባበሩ ኸም ዚኽእሉ እስከ ንርአ።

 “ክፉእ መዓልትታት ከይመጸ” ተዳሎ

3. ኣረጋውያን ወለዲ ዝያዳ ሓገዝ ኬድልዮም ከሎ፡ ስድራ ቤታት እንታይ እየን ኪገብራ ዘለወን፧ (ኣብ ገጽ 25 ዘላ ስእሊ ርአ።)

3 ኣረጋውያን ምሉእ ብምሉእ ንገዛእ ርእሶም ኪከናኸኑ ዘይክእሉሉ እዋን ምምጻኡ ስለ ዘይተርፍ፡ ሓገዝ የድልዮም እዩ። (መክብብ 12:1-7 ኣንብብ።) ከምኡ ኣብ ዜጋጥመሉ እዋን፡ እቶም ኣረጋውያን ወለዲ ዀኑ ውሉዳቶም፡ ዝበለጸን ዜዋጽእን መፍትሒ ኣየናይ ምዃኑ ኺውስኑ ኣለዎም። እንታይ ዓይነት ሓገዝ ከም ዜድልን ብኸመይ ከም ዚትግበርን ኵሉ ሰብ ብኸመይ ኪተሓባበር ከም ዚኽእልን ንምምይያጥ፡ ኣኼባ ስድራ ቤት ምግባር ጥበባዊ እዩ። ኵሎም እቶም እጃሞም ዜበርክቱ፡ ብፍላይ ከኣ ወለዲ፡ ስምዒቶም ብናጽነት ኪገልጹን ነቲ ጕዳይ ብርትዓዊ መገዲ ኺርእይዎን ኣለዎም። ኣባላት ስድራ ቤት፡ እቶም ወለዲ ተወሳኺ ሓገዝ እናተገብረሎም ኣብ ቤቶም ቀሲኖም ኪነብሩ ይኽእሉ እንተ ዀይኖም ኪመያየጡ ይኽእሉ እዮም። * ወይ ከኣ ነፍሲ ወከፍ ዘመድ ብኸመይ ከከም ዓቕሙ ነቲ ሓላፍነት ኪስከሞ ኸም ዚኽእል ኪዘራረቡ ይኽእሉ እዮም። (ምሳ. 24:6) ንኣብነት፡ ገሊኣቶም ነቶም ወለዲ በብመዓልቱ ኺከናኸንዎም ይኽእሉ ይዀኑ፣ ገሊኣቶም ከኣ ብዝያዳ ብገንዘብ ኪሕግዙ ይኽእሉ ይዀኑ። ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት፡ ነናቱ ግደ ኸም ዘለዎ ኺርዳእ ኣለዎ፣ ይኹን እምበር፡ ነፍሲ ወከፎም ዘለዎም ግደ ድሕሪ ግዜ ኪቕየር ይኽእል እዩ፣ ነቲ ሓላፍነት እናተበራረዩ ኺዓይዎ ድማ የድልዮም ይኸውን።

4. ኣባላት ስድራ ቤት ካበይ እዮም ሓገዝ ኪረኽቡ ዚኽእሉ፧

4 ንኣረጋውያን ወለድኻ ኽትከናኸኖም ምስ ጀመርካ፡ ብእተኻእለካ መጠን ብዛዕባ ዅነታት ወለድኻ ብዙሕ ኽትፈልጥ ጽዓር። ወላዲኻ እናገደደ ዚኸይድ ሕማም እንተ ሒዝዎ፡ ኣብ መጻኢ እንታይ ኬጋጥም ከም ዚኽእል ክትፈልጥ ፈትን። (ምሳ. 1:5) ምስቶም ንኣረጋውያን ኣገልግሎት ዚህቡ ትካላት መንግስቲ ኽትራኸብ ፈትን። ኣብ ማሕበረ ሰብካ፡ ንዕዮኻ ቐሊል ኪገብሮን ንወላዲኻ ብዝሓሸ መገዲ ንኽትኣልዮ ዜኽእልን መገድታት እንተ ኣልዩ ኽትፈልጥ ጽዓር። እቲ ኣብ ኵነታት ስድራ ቤትካ ዜጋጥም ለውጢ፡ ከም እትጕሂ፡ ከም እትስንብድ፡ ወይ ከም እትደናገር ኪገብረካ ይኽእል እዩ። ስምዒትካ ንናይ ቀረባ ፈታዊኻ ኣካፍሎ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ልብኻ ናብ የሆዋ ኣፍስስ። የሆዋ ንዝዀነ ይኹን ኵነታት ንኽትዋጽኣሉ ዜኽእለካ ናይ ኣእምሮ ሰላም ኪህበካ ይኽእል እዩ።—መዝ. 55:22፣ ምሳ. 24:10፣ ፊል. 4:6, 7

5. ብዛዕባ እቲ ንኣረጋውያን ዚግበር ክንክን ዚገልጽ ሓበሬታ ኣቐዲምካ ምእካብ ጥበባዊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

5 ገሊኦም ኣረጋውያንን ስድራ ቤቶምን፡ ብዛዕባ እቲ ዚግበር ክንክን ዚገልጽ ሓበሬታ ኣቐዲሞም ይእክቡ፣ እዚ ኸኣ፡ ወለዲ ምስ ወዶም ወይ ምስ ጓሎም ኪነብሩ ዚጥዕም እንተ ዀይኑ፡ ኣብ መናበዪ ኣረጋውያን ምንባር ዚሓይሽ እንተ ዀይኑ፡ ወይ ከኣ ኣብቲ ኸባቢ ኺርከብ ዚኽእል ካልእ መገዲ ምጥቃም ዚምረጽ እንተ ዀይኑ ዜጠቓልል እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ብዛዕባ እቲ ኺመጽእ ዚኽእል ‘ጻዕርን መከራን’ ኣቐዲሞም ብምሕሳብ ይዳለዉ። (መዝ. 90:10) ሓያሎ ስድራ ቤታት ግና ኣቐዲመን መደብ ስለ ዘይገብራ፡ ገለ ሓደጋ ኼጋጥም ከሎ፡ ቀልጢፍካ ውሳነታት ምግባር የጸግመን። ሓደ ኽኢላ፡ ኣብ ኣፉን ዕርበቱን ውሳነ ምግባር፡ ‘ካብ ካልእ ግዜ ንላዕሊ ኣጸጋሚ’ ምዃኑ ገለጸ። ኣባላት ስድራ ቤት ኣብ ከምዚ ዝበለ ላዕልን ታሕትን ዝመልኦ እዋን፡ ኪጭነቑ ይኽእሉ እዮም፣ ኣብ ንሓድሕዶም ድማ ምስሕሓብ ኬጋጥሞም ይኽእል እዩ። ኣቐዲምካ መደብ ምውጻእ ግና፡ ኣብ መጻኢ ብዙሕ ምትዕርራይ ካብ ምግባር ኪሰትር ይኽእል እዩ።—ምሳ. 20:18

ኣባላት ስድራ ቤት ብሓደ ተኣኪቦም፡ ብዛዕባ እቲ ኺግበር ዘለዎ ነገራት ኪዘራረቡ ይኽእሉ እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 6-8 ርአ)

6. ውሉዳት፡ እቶም ኣረጋውያን ወለዶም ኣበይን ብኸመይን ከም ዚነብሩ ኺዘራረቡ ዘለዎም ብኸመይ እዮም፧

6 ምስ ወለድኻ ብዛዕባ መነባብሮኦምን ብዛዕባ እቲ ኼጋጥም ዚኽእል ለውጥታትን ምዝርራብ ኬሰክፈካ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብዙሓት ከም ዝገለጽዎ፡ ከምኡ ዓይነት ዝርርብ ጸኒሑ ጽቡቕ ውጽኢት እዩ ዜምጽእ። ስለምንታይ፧ ብዛዕባ ኣሸጋሪ ጕዳያት ክትዘራረብን ብኣኽብሮት ክትሰምዕን ግብራዊ መደባት ከተውጽእን ቀሊል ዚኸውን፡ ገና እቲ ጸገም ከየጋጠመ ኸሎ እዩ። ኣቐዲምካ ፍቕርን ለውሃትን ኣብ ዝሰፈኖ ሃዋህው ምምይያጥ፡ ውሳነ ምግባር ቀሊል ከም ዝዀነልካ እዩ ዚገብር። ዋላ እውን እቶም ኣረጋውያን  ክሳዕ እተኻእሎም ንበይኖም ኪነብሩ እንተ መረጹ፡ እቲ ሓገዝ ዜድልየሉ እዋን ምስ ኣኸለ እንታይ ኪግበር ከም ዘለዎ ኣቐዲምካ ምምይያጥ ግና ጥቕሚ ኣለዎ።

7, 8. ኣባላት ስድራ ቤት ብዛዕባ እንታይ ጕዳያት እዮም ኪመያየጡ ዘለዎም፧ ስለምንታይከ፧

7 ኣቱም ወለዲ፡ ምስ ውሉዳትኩም ክትመያየጡ ኸለኹም፡ ድሌትኩምን ገንዘባዊ ዓቕምኹምን ካልእ ምርጫታትኩምን ብንጹር ግለጹ። ከምኡ ምግባርኩም፡ ዓቕምኹም ኣብ ዚደኽመሉ እዋን፡ ንደቅኹም ግቡእ ውሳነ ንኺገብሩ ኺሕግዞም እዩ። ንሳቶም እውን ብእተኻእሎም መጠን፡ ንሓሳብኩምን ንናጽነትኩምን ኬኽብሩልኩም ኪጽዕሩ እዮም። (ኤፌ. 6:2-4) ንኣብነት፡ ሓደ ኻብ ውሉዳትኩም ናብ ቤቱ ወሲዱ ምስኡ ኼንብረኩም ዲኹም እትጽበዩ ወይስ ካልእ ነገር ኢኹም እትደልዩ፧ ሚዛናውያን ኩኑ፣ ኵሉ ሰብ ከም ናትኩም ዓይነት ኣረኣእያ ኸም ዘይብሉን ንስኻትኩም ኰንኩም ውሉዳትኩም ቀስ ብቐስ ኣረኣእያኹም ከተተዓራርዩ ኸም ዘሎኩምን ፍለጡ።

8 ወለዲ ዀኑ ውሉዳት፡ ኣቐዲምካ መደብ ምውጻእን ምምይያጥን፡ ንጸገማት ኪፈትሖ ኸም ዚኽእል ኪግንዘቡ ኣለዎም። (ምሳ. 15:22) እቲ ምይይጥ፡ ነቲ ንሕክምናዊ ኽንክንን ምርጫታትን ዚምልከት ጕዳይ ዜጠቓልል እዩ። ኣብቲ ምይይጥ፡ ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ መምርሒ ኽንክን ጥዕና ክትዘራረቡሉ ትኽእሉ ኢኹም። ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ብዛዕባ እቲ ዚግበረሉ ሕክምናዊ ኽንክን እኹል ሓበሬታ ናይ ምርካብ ኰነ ነቲ ኽንክን ናይ ምቕባል ወይ ናይ ምንጻግ መሰል ኣለዎ። እዚ ኸኣ ኣብቲ መምርሒ ኽንክን ጥዕና ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። ወኪል ክንክን ጥዕና ምምራጽ፡ እትኣምኖ ሰብ፡ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ግቡእ ውሳነታት ንኺገብረልካ ዜኽእል እዩ። እቶም ዚምልከቶም ሰባት፡ ነቲ ሰነድ ኣብ ኣገዳሲ እዋን ብቐሊሉ ምእንቲ ኺረኽብዎ፡ ንዅላቶም ነናቶም ቅዳሕ ኪውሃቦም ኣለዎ። ገሊኣቶም ነቲ ቕዳሓት ምስ ለበዋኦምን ምስ ካልእ ኣገዳሲ ሰነዳትን ብሓደ የቐምጥዎ እዮም፣ እቲ ሰነድ ከም ንመድሕንን ንገንዘብን ንኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ዚምልከት ፋይላትን ዜጠቓልል እዩ።

ንለውጥታት ተቐበሎ

9, 10. ውሉዳት ንወለዶም ዝያዳ ሓገዝ ኪገብሩሎም ዘለዎም መዓስ እዮም፧

9 መብዛሕትኡ እዋን፡ ኣረጋውያን ወለዲ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ካልእ ከይተመርኰሱ ኺነብሩ እዮም ዚደልዩ፣ ደቆም እውን እንተ ዀኑ ኸምኡ እዮም ዚደልዩ። ንኣብነት፡ ኣረጋውያን፡ ኪኽሽኑን ኬጽርዩን መድሃኒቶም ኪወስዱን ብዘይ ገለ ጸገም ኪረዳድኡን ይኽእሉ ይዀኑ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ደቆም ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስ ወለዶም ኪቈጻጸርዎ ኣየድልዮምን እዩ። ይኹን እምበር፡ ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ፡ እቶም ወለዲ ኸም ድላዮም ኪንቀሳቐሱ፡ ምናልባት እውን ኪሽምቱ ኣብ ዘይክእሉሉ ደረጃ እንተ በጺሖም፡ ወይ ከኣ ናይ ምዝካር ክእለቶም ኣመና እንተ ደኺሙ፡ ውሉዳቶም ነቲ ዘጋጠመ ለውጢ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ገለ ነገር ኪገብሩ የድልዮም ይኸውን።

10 ኣረጋውያን፡ ኵሉ ነገር ኪተሓወሶምን ኪጭነቑን ይኽእሉ እዮም፣ ብዘይካዚ፡ ሽቓቕ ምጥቃም ኬሸግሮም፡ ናይ ምስማዕን ናይ ምርኣይን ናይ ምዝካርን ዓቕሞም ድማ ኪደክም ይኽእል እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ኪሕከምዎ ይኽእሉ እዮም። ከምዚ እተጠቕሰ  ዓይነት ጸገም ጥዕና ኼጋጥም ከሎ፡ ብኣጋኡ ናብ ሕክምና ኺውሰዱ ኣለዎም። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ውሉዳት ተበግሶ ኺወስዱ ኣለዎም። ንውልቃዊ ጕዳያት እቶም ኣረጋውያን ወለዶም እውን ኪከታተልዎ ኣለዎም። ወለዶም ዝበለጸ ኽንክን ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ኣብ ክንዳኦም ኰይኖም ኪዛረቡሎምን ንገሊኡ ጕዳያት ኬሳልጡሎምን ብማኪና ኺወስድዎምን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ኪገብሩሎምን ኣለዎም።—ምሳ. 3:27

11. ወለዲ ነቲ ዜጋጥም ለውጢ ምእንቲ ኪኽእልዎ፡ እንታይ ኪግበር ይከኣል፧

11 ንወለድኻ ዘጋጠሞም ጸገማት ዘይፍታሕ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ እትገብረሎም ክንክን ወይ ንመነባብሮኦም ከተተዓራርዮ የድልየካ ይኸውን። እቲ ለውጢ ንእሽቶ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ዚግበር ምትዕርራይ እውን ቀሊል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካብቲ ወለድኻ ዚነብሩሉ ቦታ ርሒቕካ ትነብር እንተ ዄንካ፡ ሓደ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይካ ወይ ጐረቤት ወለድኻ ብስሩዕ ኪበጽሖምን ከመይ ከም ዘለዉ ኺሕብረካን ይኽእልዶ፧ ዚኽሽነሎም ወይ ዜጽርየሎም ሰብ ጥራይ ድዩ ዜድልዮም፧ ኣብቲ ዚነብሩሉ ቤት እተወሰነ ምትዕርራይ ብምግባር፡ ብዘይ ጕድኣት ኪንቀሳቐሱን ኪሕጸቡን ካልእ ንጥፈታቶም ኪገብሩን ይኽእሉዶ፧ ምናልባት ኣብ ቤት ዚከናኸኖም ኣላዪ እንተ ኣልዩ፡ ኣኻሊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ንበይኖም ኪነብሩ ዘይክእሉ እንተ ዀይኖም፡ ቀዋሚ ሓገዝ ኪግበረሎም ኣለዎ። እቲ ዅነታት ብዘየገድስ፡ ኣብ ከባቢኦም ብዛዕባ ዚውሃብ ኣገልግሎት ክትፈልጥ ጽዓር። *ምሳሌ 21:5 ኣንብብ።

ገሊኦም ነቲ ብድሆ ብኸመይ ከም ዝሰገርዎ

12, 13. እቶም ካብቲ ወለዶም ዚነብሩሉ ቦታ ርሒቖም ዚነብሩ ውሉዳት፡ ንወለዶም ኬኽብርዎምን ኪከናኸንዎምን ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

12 ፈቃራት ውሉዳት፡ ወለዶም ብምሾት ኪነብሩ እዮም ዚደልዩ። ግቡእ ክንክን ይረኽቡ ኸም ዘለዉ ምፍላጦም ከኣ፡ ናይ ኣእምሮ ሰላም እዩ ዜምጽኣሎም። ይኹን እምበር፡ ውሉዳት ካልእ ግዴታታት ስለ ዘለዎም፡ ካብቲ ወለዶም ዚነብሩሉ ቦታ ርሒቖም ይነብሩ ይዀኑ። ከምኡ ኣብ ዜጋጥመሉ እዋን፡ ገሊኣቶም ዕረፍቲ ወሲዶም ንወለዶም ይበጽሕዎምን ዕዮ ገዛ ይሰርሑሎምን እዮም። ብዘይካዚ፡ ብስሩዕ፡ እንተ ተኻኢሉ እውን በብመዓልቱ ተሌፎን ምድዋል፡ ደብዳበ ምጽሓፍ፡ ወይ ከኣ ኢ-መይል ምልኣኽ፡ ንወለዲ ኸም ዚፍቀሩ ዀይኑ ኸም ዚስምዖም እዩ ዚገብር።—ምሳ. 23:24, 25

13 እቲ ዅነታት ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ፡ ነቲ በብመዓልቱ ንወለድና እንገብረሎም ክንክን ክንግምግሞ ኣሎና። ካብ ወለድኻ ርሒቕካ ትነብር እንተ ዄንካን ወለድኻ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንተ ዀይኖምን፡ ኣብ ጉባኤኦም ምስ ዘለዉ ሽማግለታት ክትዘራረብን ርእይቶኦም ክትሓትቶምን ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ምጽላይካ እውን ኣይትረስዕ። (ምሳሌ 11:14 ኣንብብ።) ዋላ እውን ወለድኻ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንተ ዘይኰኑ፡ “ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።” (ዘጸ. 20:12፣ ምሳ. 23:22) ኵለን ስድራ ቤታት ተመሳሳሊ ውሳነታት ይገብራ ማለት ኣይኰነን። ገሊኣቶም ነቶም ኣረጋውያን ወለዶም፡ ምሳታቶም ወይ ኣብ ጥቓኦም ከም ዚነብሩ ይገብሩ። ኵሉ ሳዕ ከምኡ ኺግበር ይከኣል እዩ ማለት ግና ኣይኰነን። ገሊኦም ወለዲ ርእሶም ክኢሎም ኪነብሩ ስለ ዚደልዩ፡ ጾር ምእንቲ ኸይኰኑ፡ ምስ ዝባጽሐ ውሉዶምን ምስ ስድራ ቤቱን ኪነብሩ ኣይደልዩን እዮም። ገሊኣቶም እኹል ገንዘብ ስለ ዘለዎም፡ ኣብ ቤቶም እናነበሩ ኽንክን ኪግበረሎም ይመርጹ ይዀኑ።—መክ. 7:12

14. ነቶም ንመብዛሕትኡ ሓላፍነት ዚስከሙ ኣባላት ስድራ ቤት፡ እንታይ ጸገማት እዩ ኼጋጥሞም ዚኽእል፧

14 ኣብ ብዙሓት ስድራ ቤታት፡ ንመብዛሕትኡ ሓላፍነት ዚስከሞ፡ እቲ ኣብ ጥቓ ወለዱ ዚነብር ውሉድ እዩ። ኰይኑ ግና፡ እቶም ንመብዛሕትኡ ሓላፍነት ዚስከሙ ኣባላት ስድራ ቤት፡ ንኽንክን ወለድን ንናይ ስድራ ቤቶም ሓላፍነትን ብሚዛናዊ መገዲ ኺፍጽምዎ ኣለዎም። ከመይሲ፡ እቲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኪውፍዮ ዚኽእል ግዜን ጕልበትን ደረት ኣለዎ። ብዘይካዚ፡ ኵነታት እቲ ኽንክን ዚገብር ውሉድ ኪቕየር ስለ ዚኽእል፡ እቲ ዚዕየየሉ ዝነበረ መደባት ዳግመ ግምት ኪግበረሉ ኣለዎ። ሓደ ኣባል ስድራ ቤት ጥራይ ድዩ ንዅሉ ሓላፍነት ተሰኪምዎ ዘሎ፧ ካልኦት ውሉዳትከ ነቲ ኣረጋዊ ወላዲኦም በብተራ ኺከናኸንዎ ይኽእሉዶ፧

15. ሓደ ንወለዱ ዚከናኸን ውሉድ፡ ኣካላውን ስምዒታውን ሓይሉ ምእንቲ ኸይጽንቀቕ፡ እንታይ ኪገብር ይኽእል፧

 15 ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ወላዲ፡ ቀጻሊ ኽንክን ዜድልዮ እንተ ዀይኑ፡ እቶም ክንክን ዚገብሩ ውሉዳት፡ ኣካላውን ስምዒታውን ሓይሎም ኪጽንቀቕ ይኽእል እዩ። (መክ. 4:6) ፈቃራት ውሉዳት ንወለዶም ንኺከናኸኑ ዝከኣሎም እኳ እንተ ገበሩ፡ ውጥረት ኬጋጥሞም ስለ ዚኽእል፡ ሚዛናውያን ኪዀኑን ሓገዝ ኪሓትቱን ኣለዎም። ነዞም ውሉዳት እዚኦም ሓሓሊፉ ሓገዝ ዚግበረሎም እንተ ዀይኑ፡ ንኣረጋውያን ወለዶም ብስሩዕ ኪከናኸንዎም ስለ ዚኽእሉ፡ እቶም ወለዲ ናብ መናበዪ ኣረጋውያን ኪኣትዉ ኣየድልዮምን ይኸውን።

16, 17. ውሉዳት ነቶም ኣረጋውያን ወለዶም ኪከናኸኑ ኸለዉ፡ እንታይ ብድሆታት እዩ ኼጋጥሞም ዚኽእል፧ ብኸመይከ እዮም ኪዋሰግርዎ ዚኽእሉ፧ (“ብሞሳ እተገብረ ኽንክን” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

16 እቶም እተፍቅሮም ወለድኻ ብሰንኪ እርጋን ኪሳቐዩ ኸለዉ ኽትርኢ ኸለኻ፡ ልብኻ ኺስበር ይኽእል እዩ። ብዙሓት ንወለዶም ዚከናኸኑ ሰባት፡ ይጕህዩን ይጭነቑን ተስፋ ይቘርጹን ናይ ጸጸት ስምዒት ይስምዖምን የማርሩን እዮም። ብዘይካዚ፡ ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ወላዲ፡ ዜቘጥዕ ነገር ይዛረብ ወይ ከኣ በቲ እተገብረሉ ኣየመስግንን ይኸውን። ከምኡ እንተ ኣጋጢሙካ፡ ኣይትቀየም። ሓደ ኽኢላ ኣእምሮኣዊ ጥዕና፡ “ንዝዀነ ይኹን ስምዒት፡ ብፍላይ ከኣ ባህ ንዘየብል ስምዒት ክንዋጽኣሉ እንኽእለሉ ዝበለጸ መገዲ፡ ነቲ ስምዒት ምቕባል እዩ። ነቲ ስምዒት ክንነጽጎ ወይ ከኣ ከምኡ ስለ እተሰምዓና ንገዛእ ርእስና ኽንኵንን የብልናን” በለ። ምስ መጻምድትኻ፡ ምስ ካልኦት ኣባላት ስድራ ቤትካ፡ ወይ ከኣ ምስ እትኣምኖ ፈታዊኻ ብዛዕባ ስምዒትካ ተዘራረብ። ከምዚ ዓይነት ዝርርብ፡ ብዛዕባ ስምዒትካ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኸም ዚህልወካ ኺገብር ይኽእል እዩ።

17 ሓንቲ ስድራ ቤት ነቲ ብዕድመ ዝደፍአ ወላዲ ኣብ ቤታ ኽትከናኸኖ ዘይትኽእለሉ እዋን ኪመጽእ ይኽእል እዩ። እቲ ኣረጋዊ ወላዲ ናብ መናበዪ ኣረጋውያን ኪኣቱ ይግደድ ይኸውን። ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ፡ ነታ ኣብ መናበዪ ኣረጋውያን እትነብር ዝነበረት ኣዲኣ በብመዓልቱ ትበጽሓ ነበረት። እዛ ሓብቲ እዚኣ ብዛዕባ ስድራ ቤታ ኽትገልጽ ከላ፡ “ንኣደይ ን24 ሰዓት ክንከናኸና ኣይከኣልናን። ናብ መናበዪ ኣረጋውያን ከነእትዋ ዝገበርናዮ ውሳነ ቐሊል ኣይነበረን። ብስምዒታዊ መዳይ ኣመና እዩ ኸቢዱና። ኰይኑ ግና፡ ኣብተን ተሪፈናኣ ዝነበራ ሒደት ኣዋርሕ፡ ኣብ መናበዪ ኣረጋውያን ክትጸንሕ እዩ ዚሓይሽ ነይሩ፣ ንሳ እውን ነቲ ውሳነ ተቐቢላቶ ነይራ እያ” በለት።

18. እቶም ንኣረጋውያን ዚከናኸኑ ሰባት፡ ብዛዕባ እንታይ እዮም ርግጸኛታት ኪዀኑ ዚኽእሉ፧

18 ወለድኻ ብዕድመ ምስ ደፍኡ እትገብረሎም ክንክን፡ ኣሸጋርን ሕልናኻ ዜዕርብን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንዅሉ ሰብ ዚኸውን ሓደ ዓይነት መፍትሒ ድማ የልቦን። ኰይኑ ግና፡ ኣቐዲምካ መደብ ብምውጻእ፡ ብምትሕብባር፡ እሂን ምሂን ብምብህሃል፡ ልዕሊ ዅሉ ድማ ካብ ልቢ ብምጽላይ፡ ነቶም እተፍቅሮም ብዕድመ ዝደፍኡ ወለድኻ ብምኽባር ሓላፍነትካ ኽትፍጽም ትኽእል ኢኻ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ወለድኻ ግቡእ ክንክንን ኣቓልቦን ይረኽቡ ኸም ዘለዉ ብምፍላጥ ዕግበት ክትረክብ ኢኻ። (1 ቈረንቶስ 13:4-8 ኣንብብ።) ብዝያዳ ድማ፡ የሆዋ ነቶም ንወለዶም ዜኽብሩ ናይ ኣእምሮ ሰላም ከም ዚህቦም ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።—ፊል. 4:7

^ ሕ.ጽ. 3 ምርጫ ወለድን ውሉዳትን ከከም ባህሉ ኺፈላለ ይኽእል እዩ። ኣብ ገሊኡ ቦታታት፡ ብዙሓት ኣባላት ስድራ ቤት ብሓባር ኪነብሩ ወይ ከኣ ብስሩዕ ኪራኸቡ ልሙድን ተመራጽን እዩ።

^ ሕ.ጽ. 11 ወላዲኻ ንበይኑ ዚነብር እንተ ደኣ ዀይኑ፡ እቶም ንዕኡ ኽንክን ዚገብሩሉ እትኣምኖም ሰባት ኣብ ሃንደበታዊ እዋን ብቕልጡፍ ምእንቲ ኺሕግዝዎ፡ መፍትሕ ቤቱ ሃቦም።