ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንእምነት ሙሴ ቕድሓያ

ንእምነት ሙሴ ቕድሓያ

“ሙሴ ምስ ዓበየ፡ ወዲ ጓል ፈርኦን ከይብሃል ብእምነት ኣበየ።”—እብ. 11:24

1, 2. (ሀ) ሙሴ ወዲ 40 ዓመት ምስ ኰነ እንታይ ውሳነ እዩ ገይሩ፧ (ኣብዛ ገጽ እዚኣ ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) ሙሴ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ መከራ ኺጸግብ ዝሓረየ ስለምንታይ እዩ፧

ሙሴ ኣብ ግብጺ እንታይ ከም ዚረክብ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ነቲ ሃብታማት ዚነብሩሉ ሰፋሕቲ ኣባይቲ ርእይዎ እዩ። ንሱ ኸኣ ኣባል ስድራ ቤት ንጉስ እዩ ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኵሉ ጥበብ ግብጻውያን ተማህረ” ይብል። እዚ ኸኣ፡ ስነ ጥበብን መጽናዕቲ ስነ ኰዀብን ሕሳብን ካልእ ዓይነት ስነ ፍልጠትን ዜጠቓልል ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ግብ. 7:22) ነቲ ሓደ ተራ ግብጻዊ ዚምነዮ ሃብትን ስልጣንን ፍሉይ መሰልን ብቐሊሉ ኺረኽቦ ይኽእል ነይሩ እዩ።

2 ሙሴ ወዲ 40 ዓመት ምስ ኰነ ግና፡ ነታ ዘዕበየቶ ስድራ ቤት ንጉስ ግብጺ ኣስደሚምዋ ኪኸውን ዚኽእል ውሳነ ገበረ። ሓደ ተራ ግብጻዊ ዚነብሮ ንቡር ናብራ ዘይኰነስ፡ ምስ ባሮት ኪነብር ሓረየ። ስለምንታይ፧ እምነት ስለ ዝነበሮ እዩ። (እብራውያን 11:24-26 ኣንብብ።) ሙሴ ብእምነት ተደሪኹ፡ ክንዮ እታ ዚርእያ ዝነበረ ዓለም እዩ ጠሚቱ። መንፈሳዊ ሰብ ስለ ዝነበረ፡ ኣብቲ “ዘይርአ” የሆዋን ኣብ መብጽዓታቱን እምነት ነይርዎ እዩ።—እብ. 11:27

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኣየኖት ሰለስተ ሕቶታት እየን ዚምለሳ፧

3 ንሕና እውን ክንዮ እቲ ብዓይንና እንርእዮ ነገራት ብምጥማት፡ “ምስቶም ነፍሶም ንምድሓን ዚኣምኑ” ኽንከውን ኣሎና። (እብ. 10:38, 39) እምነትና ምእንቲ ኸነደልድል፡ ብዛዕባ ሙሴ ኣብ እብራውያን 11:24-26 እንታይ ከም እተጻሕፈ እናመርመርና ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክንምልሶ ንጽዓር፦ እታ ንሙሴ ዝነበረቶ እምነት፡ ንትምኒት ስጋ ንኺነጽጎ ዝደረኸቶ ብኸመይ እያ፧ ሙሴ ምስ ተጸርፈ፡ እምነት ነቲ ዝረኸቦ ፍሉይ መሰላት ኣገልግሎት ንኼማስወሉ ዝደረኸቶ  ብኸመይ እያ፧ ሙሴ ‘ናብቲ ዚረኽቦ ዓስቢ ዝጠመተ’ ስለምንታይ እዩ፧

ንትምኒት ስጋ ነጸጎ

4. ሙሴ ብዛዕባ ‘ባህታ ሓጢኣት’ እንታይ እዩ ዚፈልጥ ነይሩ፧

4 ሙሴ፡ እምነት ስለ ዝነበረቶ፡ ‘ባህታ ሓጢኣት’ ግዜያዊ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ገሊኦም ሰባት፡ ህዝቢ የሆዋ ባሮት ኰይኖም ኣብ ዚሳቐዩሉ ዝነበሩ እዋን፡ ሽሕ እኳ ግብጺ ኣብ ኣምልኾ ጣኦትን ጥንቈላን ተኣሊኻ እንተ ነበረት፡ ሓይሊ ዓለም ኰይና ትገዝእ ከም ዝነበረት ይገልጹ ይዀኑ። ይኹን እምበር፡ ሙሴ፡ ኣምላኽ ነቲ ዅነታት ኪቕይሮ ኸም ዚኽእል ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እቶም ኣብ ተድላ ርእሶም ጥራይ ዜተኵሩ ዝነበሩ ሕንቁቓት ሰባት ዝበልጸጉ እኳ እንተ መሰሉ፡ ሙሴ ግና እኩያት ከም ዚጠፍኡ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ፡ ‘ንግዜኡ ብሓጢኣት ባህ ኪብሎ’ ዘይደለየ።

5. ‘ንግዜያዊ ባህታ ሓጢኣት’ ንኽንቃወሞ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

5 ንስኻኸ ‘ንግዜያዊ ባህታ ሓጢኣት’ ብኸመይ ክትቃወሞ ትኽእል፧ ባህታ ሓጢኣት ቀልጢፉ ዚሓልፍ ምዃኑ ኣይትረስዕ። ብዓይኒ እምነትካ፡ ‘ዓለም ትሓልፍ ከም ዘላ’ ርአ። (1 ዮሃ. 2:15-17) ዘይንስሑ ሰባት እንታይ መጻኢ ኸም ዘለዎም ድማ ኣስተንትን። ‘ኣብ መንደልሃጺ ስፍራ እዮም ዘለዉ፡ ብስምባድ እውን ኪውድኡ እዮም።’ (መዝ. 73:18, 19) ሓጢኣት ንኽትፍጽም ምስ እትፍተን፡ ‘እንታይ መጻኢ ኺህልወኒ እየ ዝደሊ፧’ ኢልካ ሕተት።

6. (ሀ) ሙሴ፡ “ወዲ ጓል ፈርኦን ከይብሃል” ዝኣበየ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ሙሴ ቕኑዕ ምርጫ ዝገበረ ዀይኑ ዚስምዓካ ስለምንታይ እዩ፧

6 እታ ንሙሴ ዝነበረቶ እምነት፡ ብዛዕባ እቲ ንህይወቱ ዚመርሓሉ ዕዮ ጥበባዊ ምርጫ ንኺገብር ሓጊዛቶ እያ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሙሴ ምስ ዓበየ፡ ወዲ ጓል ፈርኦን ከይብሃል ብእምነት ኣበየ” ይብል። (እብ. 11:24) ሙሴ፡ ኣባል ስድራ ቤት ንጉስ ኰይኑ ንኣምላኽ እንተ ኣገልጊልዎ፡ ሃብቱን ፍሉይ መሰላቱን ተጠቒሙ ንእስራኤላውያን ኣሕዋቱ ኺሕግዞም ከም ዚኽእል ብምሕሳብ ኣብ ግብጺ ኺተርፍ ኣይፈተነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንየሆዋ ብዅሉ ልቡን ብዅሉ ነፍሱን ብዅሉ ሓይሉን ኬፍቅሮ እዩ ወሲኑ። (ዘዳ. 6:5) እቲ ዝገበሮ ውሳነ ድማ ካብ ብዙሕ ጓሂ ሰቲርዎ እዩ። ከመይሲ፡ መብዛሕትኡ እቲ ኣብ ግብጺ ዝሓደጎ መዝገብ፡ ብእስራኤላውያን ተገፊፉ እዩ። (ዘጸ. 12:35, 36) ፈርኦን ተዋሪዱን ተቐቲሉን እዩ። (መዝ. 136:15) ሙሴ ግና፡ ካብ ጥፍኣት ድሒኑ እዩ፣ ኣምላኽ ድማ ንዕኡ፡ ንዅሎም እስራኤላውያን ናብ ድሕነት ንኺመርሖም ተጠቒሙሉ እዩ። ህይወት ሙሴ ናይ ሓቂ ትርጕም ነይሩዋ እዩ።

7. (ሀ) ብመሰረት ማቴዎስ 6:19-21፡ ንግዜኡ ዘይኰነስ፡ ኣርሒቕና ኽንጥምት ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ኣብ መንጎ ስጋውን መንፈሳውን መዝገብ ዘሎ ፍልልይ ዜጕልሕ ተመክሮ ኣዘንቱ።

7 መንእሰይ ኣገልጋሊ የሆዋ እንተ ዄንካ፡ እምነት፡ ህይወትካ እትመርሓሉ ዕዮ ንኽትመርጽ ክትሕግዘካ እትኽእል ብኸመይ እያ፧ ብዛዕባ ዚመጽእ መደብ ምስ እትገብር ጥበበኛ ኢኻ። ግናኸ፡ እታ ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ ዘላትካ እምነት፡ ግዝያዊ መዝገብ ክትግብር ድያ እትድርኸካ ወይስ ዘለኣለማዊ፧ (ማቴዎስ 6:19-21 ኣንብብ።) ሶፊ ዝስማ ፍሉይ ክእለት ሳዕስዒት ዝነበራ ሰብ፡ ነዛ ሕቶ እዚኣ ኽትምልሳ ኣድልዩዋ ነይሩ እዩ። በዚ ሞያ እዚ እተፈልጣ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ዚርከባ ኩባንያታት፡ ንሶፊ ናጻ ትምህርትን ናይ ስራሕ ኣጋጣሚታትን ከም ዚህባኣ ኣተስፈዋኣ። ሶፊ፡ “ኣኽብሮት ኪውሃበኒ ኸሎ፡ ንግዜኡ ባህ ኣቢሉኒ ነይሩ እዩ። አረ ሕሉፍ ሓሊፈስ፡ ካብ መዛኖይ ጸብለል ከም ዝበልኩ ዀይኑ ተሰሚዑኒ ነይሩ እዩ። ግናኸ፡ ሕጕስቲ ኣይነበርኩን” በለት። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ነታ፡ ያንግ ፒፕል ኣስክ—ዋት ዊል ኣይ ዱ ዊዝ ማይ ላይፍ (መንእሰያት ዚሓትትዎ ሕቶታት—ንህይወተይ ኣብ ምንታይ መዓላ እየ ኸውዕላ፧) ዘርእስታ ቪድዮ ረኣየታ። ኣስዒባ ድማ ከምዚ በለት፦ “ዓለም፡ ዓወትን ኣኽብሮትን ዝሃበትኒ፡ ኣብ ክንዲ እቲ ንየሆዋ ብምሉእ ልበይ ዘቕርቦ ኣገልግሎት ምዃኑ ተገንዘብኩ። ስለዚ፡ ናብ የሆዋ ልባዊ ጸሎት ኣቕረብኩ። ሽዑ ነቲ ናይ ሳዕስዒት ሞያይ ኣቋረጽክዎ።” ብዛዕባ እቲ ዝገበረቶ ውሳነኸ እንታይ እዩ ዚስምዓ፧ ከምዚ ብምባል ገለጸት፦ “ነቲ ናይ ቀደም ናብራይ ኣይናፍቖን እየ። ሎሚ፡ ምሉእ ብምሉእ ሕጕስቲ እየ። ምስ ብዓል ቤተይ፡ ፈላሚት ኰይነ አገልግል ኣለኹ። ህቡባት ኣይኰንናን፣ ብዙሕ ስጋዊ ነገራት እውን የብልናን። ግናኸ፡ የሆዋን ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን መንፈሳዊ ሸቶታትን ኣሎና። በቲ ዝገበርክዎ ውሳነ ፈጺመ ኣይጠዓስን እየ።”

8. ንሓደ መንእሰይ እንታይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ እዩ ብዛዕባ ስራሕ ጥበባዊ ውሳነ ንኽገብር ኪሕግዞ ዚኽእል፧

 8 የሆዋ፡ ንዓኻ ዚጠቕመካ እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ሙሴ፡ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትፈርሆ፡ ብዅሉ መገዱ ኽትመላለስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ከተፍቅሮ፡ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ከተገልግሎ፡ ምእንቲ ኺጽብቐልካ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ናይ እግዚኣብሄር ትእዛዛትን ሕጋጋቱን ክትሕሉ እንተ ዘይኰይኑስ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ፧” በለ። (ዘዳ. 10:12, 13) መንእሰይ እንተ ዄንካ፡ ንየሆዋ ንኸተፍቅሮን “ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን” ንኸተገልግሎን ዜኽእለካ ስራሕ ምረጽ። ከምዚ ዓይነት ስራሕ ምስ እትመርጽ ድማ፡ ‘ንጽቡቕካ’ ኸም ዚኸውን ክትተኣማመን ትኽእል ኢኻ።

ነቲ እተዋህቦ ፍሉይ መሰላት ኣገልግሎት ኣኽቢሩ ረኣዮ

9. ሙሴ ነቲ እተዋህቦ ዕዮ ንኺፍጽሞ ኸቢድዎ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ ምዃኑ ግለጽ።

9 ሙሴ፡ “ካብ መዝገብ ግብጽስ ነቲ ቕቡእ ብምዃን ዚጽረፎ ጸርፊ ዝበዝሐ ሃብቲ ገይሩ ቘጸሮ።” (እብ. 11:26) የሆዋ ንሙሴ፡ ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኣውጺኡ ምእንቲ ኺመርሖም ኢሉ፡ “ቅቡእ” ኪኸውን መዚዝዎ ነይሩ እዩ። ሙሴ ነቲ መዝነት እቲ ምፍጻሙ ኣሸጋሪ ኸም ዚኸውን፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን “ጸርፊ” ኸም ዜምጽኣሉ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ከመይሲ፡ ኣቐድም ኣቢሉ፡ ሓደ ኻብ እስራኤላውያን ንዕኡ፡ “መን መስፍንን ፈራድን ገይሩ ኣብ ልዕሌና ሸመካ፧” ብምባል ኣቃሊልዎ ነይሩ እዩ። (ዘጸ. 2:13, 14) ጸኒሑ እውን፡ ሙሴ ባዕሉ ንየሆዋ፡ “ከመይ ገይሩ ፈርኦን ኪሰምዓኒ፧” ኢሉ ሓቲትዎ ነይሩ እዩ። (ዘጸ. 6:12) ነቲ ተቓውሞ ምእንቲ ኺዳለወሉ ኢሉ ድማ፡ ስግኣቱን ስክፍታኡን ንየሆዋ ነገሮ። እሞኸ፡ የሆዋ ንሙሴ፡ ነቲ ኸቢድ ዕዮ ንኺፍጽሞ ብኸመይ እዩ ሓጊዝዎ፧

10. የሆዋ ንሙሴ፡ ኣብ ዕዮኡ ዘዕጠቖ ብኸመይ እዩ፧

10 ቀዳማይ፡ የሆዋ ንሙሴ፡ “ኣነ ምሳኻ ክኸውን እየ” ብምባል ኣረጋገጸሉ። (ዘጸ. 3:12) ካልኣይ፡ “ከምቲ ክዀኖ ዝደሊ፡ ክኸውን እየ” ዚብል ሓደ መዳይ ትርጕም ስም የሆዋ ብምግላጽ ምትእምማን ኣሕደረሉ። * (ዘጸ. 3:14 NW) ሳልሳይ፡ ብሓቂ ብኣምላኽ ከም እተላእከ ዜረጋግጽ ተኣምራዊ ነገራት ንኺፍጽም ክእለት ብምሃብ ኣዕጠቖ። (ዘጸ. 4:2-5) ራብዓይ፡ ብጻይን ኣፈኛን ብምዃን ኣብ ዕዮኡ ምእንቲ ኺሕግዞ ንኣሮን መረጸሉ። (ዘጸ. 4:14-16) ቀቅድሚ ሙማቱ ኣብ ዝነበረ እዋናት፡ ኣምላኽ ንኣገልገልቱ ዝዀነ ይኹን ዕዮ ንኺፍጽሙ ኼዕጥቖም ከም ዚኽእል ብምትእምማን፡ ነቲ ንዕኡ ዝተክኦ መራሒ፡ ማለት ንእያሱ፡ “እቲ ቐቅድሜኻ ዚኸይድ ድማ ንሱ እግዚኣብሄር እዩ፡ ንሱ ምሳኻ ኪኸውን እዩ፡ ኣይጠልመካን ኣይሐድገካን ከኣ፡ ኣይትፍራህ ኣይትሸበር ድማ” በሎ።—ዘዳ. 31:8

11. ሙሴ ነቲ እተዋህቦ ሓላፍነት ኣኽቢሩ ዝረኣዮ ስለምንታይ እዩ፧

11 ሙሴ ነቲ ኸቢድ ዝነበረ ሓላፍነት ንኺፍጽሞ የሆዋ ስለ ዝሓገዞ፡ ነቲ ሓላፍነት እቲ ‘ኻብ መዝገብ ግብጺ ኸም ዚበዝሕ’ ገይሩ ብምምልካት ኣኽቢሩ ረኣዮ። ኣገልጋሊ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ምዃን መወዳድርቲ የብሉን። ኣብ ግብጺ መስፍን ኴንካ ምግልጋል፡ ምስቲ “ቕቡእ” የሆዋ ዄንካ ምግልጋል ኪነጻጸር ከሎስ እንታይ ዋጋ እሞ ኣለዎ፧ ሙሴ ነቲ እተዋህቦ ሓላፍነት ኣኽቢሩ ብምርኣይ ስለ ዘማሰወሉ ተባሪኹ እዩ። ምስ የሆዋ ፍሉይ ርክብ ኪህልዎ ኽኢሉ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ የሆዋ ንሙሴ፡ ንእስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ኺመርሖም ከሎ፡ “ዓብዪ መፍርህ ነገር” ንኺፍጽም ኣኽኢልዎ እዩ።—ዘዳ. 34:10-12

12. ኣኽቢርና ኽንርእዮ ዘሎና፡ ካብ የሆዋ እተዋህበና ፍሉይ መሰላት እንታይ እዩ፧

12 ንዓና እውን መዝነት ተዋሂቡና ኣሎ። ከምቲ የሆዋ ንሃዋርያ ጳውሎስን ንኻልኦትን ብወዱ ኣቢሉ ንኣገልግሎት ዝመደቦም፡ ንዓና እውን ብወዱ ኣቢሉ ንኣገልግሎት መዲቡና ኣሎ። (1 ጢሞቴዎስ 1:12-14 ኣንብብ።) ኵላትና ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኽንእውጅ፡ ፍሉይ መሰል ተዋሂቡና ኣሎ። (ማቴ. 24:14፣ 28:19, 20) ገሊኣቶም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዀይኖም ይዓይዩ ኣለዉ። እተጠምቁ ብሱላት ኣሕዋት፡ ኣገልገልቲ ጉባኤን ሽማግለታትን  ብምዃን ኣብ ጉባኤ ንዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን የገልግልዎም ኣለዉ። ይኹን እምበር፡ ዘይኣመንቲ ኣባላት ስድራ ቤትካን ካልኦትን ነቲ እዚ ፍሉይ መሰላት እዚ ዘለዎ ዋጋ ኣቕሊሎም ይርእይዎ፡ ወይ ከኣ ጥቕሚ ርእስኻ ብምስዋእካ ይጸርፉኻ ይዀኑ። (ማቴ. 10:34-37) ክሳዕ ምሕላል እንተ ኣብጺሖምኻ፡ እቲ ዝገብርካዮ መስዋእቲ ግቡእ እንተ ዀይኑ ወይ ከኣ ዕዮኻ ኽትፍጽም ብሓቂ ትኽእል እንተ ዄንካ ኽትሓስብ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ። ከምዚ እንተ ኣጋጢሙካ፡ እምነት፡ ንኸይትሕለል ክትሕግዘካ እትኽእል ብኸመይ እያ፧

13. የሆዋ ቲኦክራስያዊ ሓላፍነትና ንኽንፍጽም ብኸመይ እዩ ዜዕጥቐና፧

13 የሆዋ ምእንቲ ኺሕግዘካ፡ ብእምነት ለምኖ። ስግኣትካን ስክፍታኻን ግለጸሉ። ከመይሲ፡ ንኣገልግሎት ዝመዘዘካ ንሱ እዩ፡ ንኺሰልጠካ ድማ ኪሕግዘካ እዩ። ብኸመይ፧ በቲ ንሙሴ ዝሓገዘሉ መገዲ። ቀዳማይ፡ የሆዋ፡ “ከበርትዓካ፡ ክረድኣካ፡ ብየማነይቲ ኢድ ጽድቀይውን ክድግፈካ እየ” ብምባል ከም ዚሕግዘካ ኣረጋጊጹልካ ኣሎ። (ኢሳ. 41:10) ካልኣይ፡ “እወ ተዛሪበ ኽፍጽሞ ኸኣ እየ፡ ኣሚመ ኽገብሮውን እየ” ብምባል መብጽዓታቱ እሙን ምዃኑ የዘኻኽረካ እዩ። (ኢሳ. 46:11) ሳልሳይ፡ ኣገልግሎትካ ምእንቲ ኽትፍጽም፡ “ካብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ” ይህበካ እዩ። (2 ቈረ. 4:7) ራብዓይ፡ ከም ሓላዪ ኣቦ መጠን፡ ኣብ ኣገልግሎትካ ንኽትጸንዕ ዚሕግዙኻ፡ ‘ንሓድሕዶም ዚተባብዑን ዚተሃናነጹን’ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ዝዀኑ ኣሕዋት ሂቡካ ኣሎ። (1 ተሰ. 5:11) የሆዋ ሓላፍነትካ ንኽትፍጽም ኬዕጥቐካ ኸሎ፡ እታ ኣብኡ ዘላትካ እምነት ክትድልድል እያ፣ ነቲ ዝረኸብካዮ ፍሉይ መሰላት ኣገልግሎት ከኣ ካብ ዝዀነ ይኹን ምድራዊ መዝገብ ዝበዝሐ ሃብቲ ጌርካ ኽትቈጽሮ ኢኻ።

“ናብቲ ዚረኽቦ ዓስቢ ጠመተ”

14. ሙሴ ዓስቢ ኸም ዚረክብ ርግጸኛ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

14 ሙሴ፡ “ናብቲ ዚረኽቦ ዓስቢ ጠመተ።” (እብ. 11:26) እወ፡ ብዛዕባ መጻኢ ዝነበሮ ፍልጠት ውሱን እኳ እንተ ነበረ፡ ነዚ ፍልጠት እዚ፡ ንኣረኣእያኡ ኺጸልዎ ፈቐደሉ። ከም ኣቦሓጎኡ ኣብርሃም፡ ንሱ እውን የሆዋ ንምዉታት ከም ዜተንስኦም እምነት ነበሮ። (ሉቃ. 20:37, 38፣ እብ. 11:17-19) እቲ ብዛዕባ መጻኢ በረኸታት ዝነበሮ ተስፋ፡ ነተን ተሰዲዱ ዘሕለፈን 40 ዓመት ኰና ነተን ኣብ በረኻ ዝነበረለን 40 ዓመት፡ ብኸንቱ ዝሓለፋ ዓመታት ገይሩ ንኸይርእየን ሓጊዝዎ እዩ። መብጽዓታት ኣምላኽ ብዛዕባ ዚፍጸመሉ መገድታት ብዝርዝር ዘይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣዒንቲ እምነቱ ነቲ ዘይርአ ዓስቢ ኺርእያ ይኽእላ ነይረን እየን።

15, 16. (ሀ) ኣብ እንረኽቦ ዓስቢ ኸነተኵር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ እንታይ በረኸት ንኽትረክብ ኢኻ እትህንጠ፧

15 ንስኻኸ፡ ‘ናብቲ እትረኽቦ ዓስቢ’ ትጥምት  ዲኻ፧ ንሕና እውን ከም ሙሴ፡ መብጽዓታት ኣምላኽ ብዛዕባ ዚፍጸመሉ መገድታት ብዝርዝር ኣይንፈልጥን ኢና። ንኣብነት፡ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ዚፍጸመሉ “ምዱብ እዋን መዓስ ምዃኑ” ኣይንፈልጥን ኢና። (ማር. 13:32, 33) ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ እታ መጻኢት ገነት ካብ ሙሴ ንላዕሊ ንፈልጥ ኢና። ብዘይካዚ፡ ንዅሉ ነገራት ብዝርዝር ዘይንፈልጦ እኳ እንተ ዀንና፡ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ዚህሉ ህይወት ዚገልጽ ኣተኲርና ‘ኽንጥምቶ’ እንኽእል እኹል ዝዀነ መለኮታዊ መብጽዓታት ከም እተዋህበና ንፈልጥ ኢና። ብዛዕባ ሓዳስ ዓለም ብሩህ ተስፋ ምሓዝና፡ ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ንኽንደሊ ይድርኸና እዩ። ብኸመይ፧ ነዚ ዚስዕብ እሞ ሕሰበሉ፦ ብዛዕባ ሓንቲ ቤት ብዙሕ ፍልጠት የብልካን ንበል። ነታ ቤት እቲኣ ምዓደግካያዶ፧ ከም ዘይትዕድጋ ፍሉጥ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ብዛዕባ ሓደ ነገር ብሩህ ተስፋ እንተ ዘይብልና፡ ነቲ ነገር እቲ ህይወትና ኣይንውፍየሉን ኢና። ስለዚ እምበኣር፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ዚህሉ ህይወት፡ ብዓይኒ እምነት ኣነጺርና ኽንርእዮ ኣሎና።

ከም ሙሴ ንዝኣመሰሉ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ክትዛረቦምሲ ኣየ ኽንደይ ባህ ዜብል ኰን እዩ! (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)

16 ነቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዘሎካ ተስፋ ብዝያዳ ብሩህ ምእንቲ ኽትገብሮ፡ ናብቲ ኣብ ገነት ዚህልወካ ህይወት ኣተኲርካ ‘ጠምት።’ ነቲ ናይ ምሕሳብ ክእለትካ ተጠቐመሉ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ህይወት እቶም ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ሰባት ከተጽንዕ ከለኻ፡ ምስ ተንስኡ እንታይ ኢልካ ኸም እትሓትቶም ሕሰብ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ዘሕለፍካዮ ህይወት እንታይ ኢሎም ከም ዚሓትቱኻ ሕሰብ። ምስቶም ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ዝነበሩ ኣቦሓጎታትካ ኽትራኸብ ከለኻን ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዝገበረሎም ነገራት ክትምህሮም ከለኻን ክሳዕ ክንደይ ከም እትሕጐስ እሞ ሕሰብ። ብዛዕባ እቶም ኣብ ሰላማዊ ዅነታት ዚነብሩ ሓያሎ ኣራዊት ክትመሃር ከለኻ ኽሳዕ ክንደይ ከም እትሕጐስ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ናብ ፍጽምና ገጽካ ኽትከይድ ከለኻ፡ ንየሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ብዝያዳ ኸም እትቐርቦ ኣስተንትን።

17. ብዛዕባ እቲ ዘይርአ ዓስብና ብሩህ ተስፋ ምሓዝና፡ ሎሚ ብኸመይ ይሕግዘና፧

17 ብዛዕባ እቲ ዘይርአ ዓስብና ብሩህ ተስፋ ምሓዝና፡ ሕጂ ብእምነት ንኽንመላለስን ንኽንሕጐስን ኣብቲ ዜተኣማምን ዘለኣለማዊ መጻኢ እተመርኰሰ ውሳነታት ንኽንገብርን ይሕግዘና። ጳውሎስ ንቕቡኣት ክርስትያናት፡ “ንዘይንርእዮ ተስፋ እንተ ገበርና ግና፡ ብተጻዋርነት ተሃንጢና ኢና እንጽበዮ” ኢሉ ጸሓፈሎም። (ሮሜ 8:25) እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ፡ ንዅሎም እቶም ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘለዎም ክርስትያናት ይምልከቶም እዩ። ዛጊት ዓስብና እኳ እንተ ዘይረኸብና፡ እምነትና ድልድልቲ ስለ ዝዀነት፡ ‘ነቲ እንረኽቦ ዓስቢ’ ብትዕግስቲ ንጽበዮ ኢና። ንሕና እውን ከም ሙሴ፡ ንዅሉ እቲ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዘሕለፍናዮ ዓመታት ከም ዝባኸነ ጌርና ኣይንርእዮን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ፡ “እቲ ዚርአ ንግዜኡ እዩ፡ እቲ ዘይርአ ግና ንዘለኣለም እዩ” ዚብል ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምነሉ ኢና።—2 ቈረንቶስ 4:16-18 ኣንብብ።

18, 19. (ሀ) እምነትና ሒዝና ንኽንቅጽል ክንቃለስ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

18 እምነት፡ “ናይቲ ዘይርአ ነገር መርትዖ” ንኸነስተውዕል ትሕግዘና። (እብ. 11:1) ሓደ ስጋዊ ሰብ ንየሆዋ ምግልጋል ክሳዕ ክንደይ ክቡር ምዃኑ ኣይረኣዮን እዩ። ነዚ ሰብ እዚ፡ መንፈሳዊ መዝገብ “ዕሽነት” እዩ። (1 ቈረ. 2:14) ንሕና ግና፡ ነቲ ብዓለም ዘይርአ ነገራት ክንርኢ፡ ማለት ናይ ዘለኣለም ህይወት ረኺብና ኽንነብርን ትንሳኤ ኺፍጸም ከሎ ኽንዕዘብን ተስፋ ኣሎና። ልክዕ ከምቶም ብግዜ ጳውሎስ ዝነበሩ እሞ፡ ንጳውሎስ “ዓጃው” ዝበልዎ ፈላስፋታት፡ ሎሚ ዘለዉ መብዛሕትኦም ሰባት እውን እቲ እንሰብኮ ተስፋ ፈጺሙ ትርጕም ዘይብሉ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም።—ግብ. 17:18

19 ኣብዛ እምነት ዘይብላ ዓለም ንነብር ስለ ዘለና፡ እምነትና ሒዝና ንኽንቅጽል ክንቃለስ ኣሎና። “እምነትካ ኸይትጠፍእ፡” ንየሆዋ ለምኖ። (ሉቃ. 22:32) ንሳዕቤን ሓጢኣትን ነቲ ብሉጽ ኣገልግሎት የሆዋን ንተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወትን ኣዒንትኻ ቛሕ ኣቢልካ ርኣዮ። እታ ንሙሴ ዝነበረቶ እምነት፡ ክንዮ እዚ ነገራት እዚ ንኺርኢ ሓጊዛቶ እያ። ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ እምነቱ ነቲ “ዘይርአ” ንኺርኢ ብኸመይ ከም ዝሓገዘቶ ኽንምርምር ኢና።—እብ. 11:27

^ ሕ.ጽ. 10 ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዘጸኣት 3:14 ዚርከብ ቃል ኣምላኽ፡ “ፍቓዱ ንኸይፍጽም ኪኽልክሎ ዚኽእል ነገር የለን። . . . እዚ ስም እዚ [የሆዋ]፡ ዕርዲ እስራኤል እዩ ነይሩ” በለ። ኣስዒቡ እውን፡ ዜድልዮም ዘበለ ተስፋን ምጽንናዕን ይህቦም ከም ዝነበረ ገለጸ።