ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ነቲ ዘይርአ” ትርእዮ ዲኻ፧

“ነቲ ዘይርአ” ትርእዮ ዲኻ፧

“ነቲ ዘይርአስ ከም ዚርእዮ ዀይኑ ጸንዐ።”—እብ. 11:27

1, 2. (ሀ) ሙሴ ኣብ ሓደገኛ ዅነታት ዝነበረ ዚመስል ስለምንታይ ምዃኑ ግለጽ። (ኣብዛ ገጽ እዚኣ ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) ሙሴ ንቝጥዓ እቲ ንጉስ ዘይፈርሀ ስለምንታይ እዩ፧

ፈርኦን ንግብጻውያን፡ ዜፍርህ መራሒኦምን ህያው ጣኦቶምን እዩ ነይሩ። ዌን ኢጅፕት ሩልድ ዘ ኢስት (ግብጺ ንሃገራት ምብራቕ ክትገዝእ ከላ) ዘርእስታ መጽሓፍ ከም ዝገለጸቶ፡ ግብጻውያን ንፈርኦን “ንዅሎም ምድራውያን ፍጥረታት ብጥበብን ብሓይልን ከም ዝበልጾም” ገይሮም እዮም ዚርእይዎ ነይሮም። ፈርኦን ኣብ ተገዛእቱ ፍርሂ ምእንቲ ኼሕድር ኢሉ፡ ምስሊ ሓደ ኼጥቅዕ እተዳለወ ኮብራ ዘለዎ ኣኽሊል ይገብር ነበረ። እዚ ምስሊ እዚ፡ ጸላእቲ ንጉስ ብቕጽበት ከም ዚጠፍኡ ዜዘኻኽር እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ የሆዋ ንሙሴ፡ “ንህዝበይ ደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ኸተውጽኦም፡ ናብ ፈርኦን ክልእከካ እየ” ምስ በሎ፡ ሙሴ እንታይ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ከም ዚኽእል ክትግምቶ ትኽእል ኢኻ።—ዘጸ. 3:10

2 ሙሴ ናብ ግብጺ ኸይዱ፡ መልእኽቲ ኣምላኽ ኣወጀ፣ ፈርኦን ድማ ተቘጥዐ። ግብጺ ብትሽዓተ መዓት ምስ ተወቕዐት፡ ፈርኦን ንሙሴ፡ “ገጸይ ምስ እትርኢ መዓልቲ ኽትመውት ኢኻ እሞ፡ መሊስካ ገጸይ ከይትርኢ ንርእስኻ ተጠንቀቕ” በሎ። (ዘጸ. 10:28) ሙሴ ኻብ ፈርኦን ቅድሚ ምውጻኡ፡ በዅሪ እቲ ንጉስ ከም ዚመውት ተነበየ። (ዘጸ. 11:4-8) ኣብ መወዳእታ፡ ሙሴ ንዅሎም ስድራ ቤት እስራኤል፡ ጤል ወይ ገንሸል ሓሪዶም ንደሙ ኣብ ልዳት ቤቶም ኪነጽግዎ መምርሒ ሃቦም። ጤል ወይ ገንሸል ነቲ “ራ”  ዚብሃል ኣምላኽ ግብጻውያን እተቐደሰ እዩ ነይሩ። (ዘጸ. 12:5-7) ሙሴ፡ ፈርኦን ብዚህቦ ምላሽ ኣይፈርሀን። ስለምንታይ፧ “ነቲ ዘይርአስ ከም ዚርእዮ ዀይኑ ጸንዐ እሞ፡ ንቝጥዓ እቲ ንጉስ ከይፈርሀ” ብእምነት ንየሆዋ ተኣዘዞ።—እብራውያን 11:27, 28 ኣንብብ።

3. ነታ ሙሴ ኣብቲ “ዘይርአ” ኣምላኽ ዝነበረቶ እምነት ብኸመይ ኢና ኽንምርምራ፧

3 ‘ንኣምላኽ ክትርእዮ’ እተኽእለካ ድልድልቲ እምነት ድያ ዘላትካ፧ (ማቴ. 5:8) ‘ነቲ ዘይርአ ምእንቲ ኽንርእዮ፡’ ንመንፈሳዊ ኣረኣእያና ብዝያዳ ብሩህ ክንገብሮ ኣሎና። ነዚ ንኺሕግዘና ድማ ኣብነት ሙሴ ንመርምር። እታ ሙሴ ኣብ የሆዋ ዝነበረቶ እምነት፡ ካብ ፍርሂ ሰብ ዘዕቈበቶ ብኸመይ እያ፧ ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ ዝኣመነኸ ብኸመይ እዩ፧ እቲ “ነቲ ዘይርአ” ንኺርኢ ዝነበሮ ኽእለት፡ ንሱን ህዝቡን ኣብ ሓደገኛ ዅነታት ምስ ወደቑ ዘበርትዖ ብኸመይ እዩ፧

‘ንቝጥዓ ንጉስ’ ኣይፈርሀን

4. ብዓይኒ ሰብ ኪርአ ኸሎ፡ ሙሴ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን እንታይ ሓይሊ እዩ ነይርዎ፧

4 ብዓይኒ ሰብ ኪርአ ኸሎ፡ ሙሴ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ምንም ሓይሊ ኣይነበሮን። ህይወቱን ድሕንነቱን መጻኢኡን ኣብ ኢድ ፈርኦን እዩ ነይሩ። ሙሴ ንየሆዋ፡ “ናብ ፈርኦን ዝኸይድን ንደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ዘውጽእንከ፡ ኣነ መን እየ፧” ብምባል ሓቲትዎ ነይሩ እዩ። (ዘጸ. 3:11) ከመይሲ፡ ኣስታት ኣርባዓ ዓመት ኣቐዲሙ፡ ካብ ግብጺ ሃዲሙ እዩ። ‘ናብ ግብጺ ተመሊሰ፡ ንቝጥዓ እቲ ንጉስ ኬለዓዕልሲ ብሓቂዶ ጥበባዊ እዩ፧’ ኢሉ ድማ ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

5, 6. ሙሴ ንየሆዋ ደኣ እምበር፡ ንፈርኦን ንኸይፈርሆ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧

5 ሙሴ ናብ ግብጺ ቕድሚ ምምላሱ፡ ኣምላኽ ኣገዳሲ ስርዓት መሃሮ። እቲ ስርዓት እቲ፡ ‘ፍርሃት የሆዋሲ ጥበብ እዩ’ ዚብል እዩ፣ ሙሴ ነዚ ስርዓት እዚ፡ ኣብ መጽሓፍ እዮብ መዝጊብዎ ኣሎ። (እዮ. 28:28) የሆዋ ንሙሴ ኸምዚ ዓይነት ፍርሃት ንኼሕድርን ብጥበብ ንኺመላለስን ንኺሕግዞ ኢሉ፡ ኣብ ቅድሚ ሰባትን እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽን ዘሎ ፍልልይ ከምዚ ብምባል ኣነጺሩ ገለጸሉ፦ “ንሰብ ኣፍ ዝገበረሉ መን እዩ፧ ወይ ዓባስ ወይ ጸማም ወይ ዚርኢ ወይ ዕውር ዝገበሮኸ መን እዩ፧ ኣነ እግዚኣብሄርዶ ኣይኰንኩን፧”—ዘጸ. 4:11

6 ካብዚ እንታይ ትምህርቲ ንረክብ፧ ሙሴ ኺፈርህ ኣየድልዮን እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ የሆዋ እዩ ልኢኽዎ፣ ንሙሴ መልእኽቱ ናብ ፈርኦን ንኼብጽሓሉ ዜድልዮ ዘበለ ሓይሊ ኸም ዚህቦ ድማ ተመባጺዑሉ ነይሩ እዩ። ብዘይካዚ፡ ፈርኦን ምስ የሆዋ ኺወዳደር ከሎ ኣብ ቍጽሪ ዚኣቱ ኣይነበረን። ቅድሚ እዚ እውን፡ እቶም ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ግብጺ ዚነብሩ ዝነበሩ ህዝቢ ኣምላኽ፡ ኣብ ዜስግእ ኵነታት ዝወደቑሉ እዋናት ነይሩ እዩ። ምናልባት ሙሴ፡ የሆዋ ንኣብርሃምን ንዮሴፍን ንዕኡ ንሙሴ እውን ከይተረፈ፡ እተፈላለዩ ፈርኦናት ኣብ ዚገዝኡሉ ዝነበሩ እዋናት ብኸመይ ከም ዘዕቈቦም ኣስተንቲኑ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዘፍ. 12:17-19፣ 41:14, 39-41፣ ዘጸ. 1:22–2:10) ኣብቲ “ዘይርአ” የሆዋ ብምእማን ከኣ፡ ብትብዓት ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ቀረበ፡ ንዅሉ እቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ቓል ድማ ኣወጀ።

7. ንሓንቲ ሓብቲ፡ እታ ኣብ የሆዋ ዝነበረታ እምነት ዘዕቈበታ ብኸመይ እያ፧

7 ንሓንቲ ኤላ ዝስማ ሓብቲ እውን፡ እታ ኣብ የሆዋ ዝነበረታ እምነት፡ ንፍርሂ ሰብ ንኸይትምብርከኽ ሓጊዛታ እያ። ብ1949፡ ኤላ ኣብ ኢስቶንያ ብከይ.ጂ.ቢ. ተኣሲራ ነበረት፣ ክዳውንታ ተቐንጢጡ፡ ጥራይ ነብሳ ኸም እትኸውን ተገብረ፣ መንእሰያት ሰበ ስልጣን ፖሊስ ድማ ኣተኲሮም ይጥምትዋ ነበሩ። ኤላ፡ “ሽዑ እተዋረድኩ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ናብ የሆዋ ምስ ጸለኹ ግና፡ ውሽጣዊ ሰላምን ህድኣትን ረኺበ እየ” በለት። ድሕሪኡ፡ ንበይና ሰለስተ መዓልቲ ተኣስረት። ቀጺላ ድማ፡ “እቶም ሰብ ስልጣን፡ ‘ስም የሆዋ ኣብ ኢስቶንያ ኸም ዘይዝከር ጌርና ኸነጽንተኩም ኢና! ንስኺ ናብ መዳጐኒ ደምበ ኽትውሰዲ፡ እቶም ካልኦት ከኣ ናብ ሳይበርያ ኪኸዱ እዮም!’ እናበሉ ይጭድሩለይ ነበሩ። ‘የሆዋኺ ኣበይ ኣሎ፧’ እናበሉ ኸኣ የላግጹለይ ነበሩ” በለት። እሞኸ፡ ኤላ ንፍርሂ ሰብ ተምበሪኪኻ ድያ ወይስ ብየሆዋ እያ ተኣሚና፧ እቶም ዜላግጹላ ዝነበሩ ሰባት ምስ መርመርዋ፡ ብትብዓት፡ “ነዚ ነገር እዚ ኣጸቢቐ ሓሲበሉ እየ፡ ናጻ ወጺአ ስምረት ኣምላኽ ካብ ዚስእን፡ ምስኡ ዘሎኒ ርክብ ዓቂበ ኣብ  ቤት ማእሰርቲ ኽነብር ይሕሸኒ” በለቶም። የሆዋ ንኤላ ኸምቶም ኣብ ቅድሚኣ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሰባት፡ ጋህዲ ዀይኑ እዩ ዚርኣያ ነይሩ። ብእምነታ ኸኣ ንጽህናኣ ሓለወት።

8, 9. (ሀ) ፍርሂ ሰብ ንኸነሰንፍ ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧ (ለ) ብፍርሂ ሰብ ንኽትምብርከኽ እንተ ተፈቲንካ፡ ኣቓልቦኻ ኣብ መን ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧

8 ኣብ የሆዋ ዘላትካ እምነት፡ ንፍርሂ ኸተሰንፎ ኽትሕግዘካ እያ። ሓያላት ሰበ ስልጣን ነቲ ንየሆዋ ንምምላኽ ዘለካ ናጽነት ኪቕይድዎ ምስ ዚፍትኑ፡ ህይወትካን ድሕንነትካን መጻኢኻን ኣብ ኢድ ሰባት ከም ዝዀነ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ንየሆዋ ብቐጻሊ ብምግልጋል ንሰበ ስልጣን ከተቘጥዖም ጥበባዊ እንተ ዀይኑ እውን የተሓሳስበካ ይኸውን። እምነት ንፍርሂ ሰብ ንኸተሰንፎ ኸም እትሕግዘካ ኣይትረስዕ። (ምሳሌ 29:25 ኣንብብ።) የሆዋ፡ “ንስኻኸ ካብዚ መዋቲ ሰብ፡ ካብዚ ኸም ሳዕሪ ዚሐልፍ ወዲ ሰብ እትፈርህሲ መን ኢኻ፧” ኢሉ እዩ።—ኢሳ. 51:12, 13

9 ኣቓልቦኻ ኣብቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ግበር። ንሱ ንዅሎም እቶም ብኢድ ጨካናት ገዛእቲ ዚግፍዑ ኣገልገልቱ ይርእዮም እዩ። ይድንግጸሎምን ይድግፎምን ድማ እዩ። (ዘጸ. 3:7-10) ኣብ ቅድሚ ሓያላት ሰበ ስልጣን ደው ኢልካ ንእምነትካ ኽትጣበቐላ ምስ ዜድልየካ፡ ነቲ፡ “እንታይ ከም እትዛረቡ በታ ሰዓት እቲኣ ኺውሃበኩም እዩ እሞ፡ ከመይ ወይስ እንታይ ከም እትዛረቡ ኣይትጨነቑ” ዚብል ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘክሮ። (ማቴ. 10:18-20) ሰብኣውያን መራሕትን ሰበ ስልጣን መንግስትን ምስ የሆዋ ኺወዳደሩ ኸለዉ ኣብ ቍጽሪ ዚኣትዉ ኣይኰኑን። ሕጂ ንእምነትካ ምስ እተደልድላ፡ የሆዋ ኸም ሓደ ኺሕግዘካ ዚህንጠ ኣካል ኰይኑ ብግህዶ ኺርኣየካ ይኽእል እዩ።

ብመብጽዓታት ኣምላኽ ኣመነ

10. (ሀ) የሆዋ ንእስራኤላውያን ኣብ ወርሒ ኒሳን 1513 ቅ.ክ. እንታይ መምርሒ እዩ ሂብዎም፧ (ለ) ሙሴ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ መምርሒ እተኣዘዞ ስለምንታይ እዩ፧

10 ኣብ ወርሒ ኒሳን 1513 ቅ.ክ. የሆዋ ንሙሴን ንኣሮንን ናብ እስራኤላውያን ከይዶም ፍሉይ መምርሒ ኺህብዎም ነገሮም። እቲ መመርሒ፡ ጥዑይ ተባዕታይ በጊዕ ወይ ተባዕታይ ጤል መሪጾም፡ ኪሓርድዎ እሞ ንደሙ ኣብ ልዳት ቤቶም ኪነጽግዎ ዚእዝዝ እዩ ነይሩ። (ዘጸ. 12:3-7) ሙሴኸ እንታይ ምላሽ ሃበ፧ ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባኡ፡ “እቲ መጥፍኢ ንበዅራቶም ምእንቲ ኸይትንኪ፡ ብእምነት ፋስጋን ምንጻግ ደምን ኣብዓለ” በለ። (እብ. 11:28) ሙሴ፡ የሆዋ እሙን ምዃኑ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ የሆዋ ንዅሎም በዅሪ ግብጺ ንኪቐትል ዝኣተዎ መብጽዓ ይኣምኖ ነይሩ እዩ።

11. ሙሴ ንእስራኤላውያን ዘጠንቀቖም ስለምንታይ እዩ፧

11 ደቂ ሙሴ ኻብቲ “መጥፍኢ” ርሒቖም ኣብ ሚድያን ይነብሩ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። * (ዘጸ. 18:1-6) ይኹን እምበር፡ ሙሴ ትእዛዝ የሆዋ ብምሕላው ንዅሎም እቶም በዅራት ዝነበርዎም እስራኤላውያን ስድራ ቤት ነቲ መምርሒ እቲ ሂብዎም እዩ። ኣብ ህይወት እቶም በዅራት ሓደጋ ኣንጸላልዩ ነበረ፣ ሙሴ ድማ ንብጻዩ ዜፍቅር ሰብ እዩ ነይሩ። “ንዅሎም ዓበይቲ እስራኤል ጸዊዑ . . . ፋስጋ ሕረዱ” ኸም ዝበሎም ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ።—ዘጸ. 12:21

12. የሆዋ እንታይ ኣገዳሲ መልእኽቲ ንኸነመሓላልፍ እዩ መምርሒ ሂቡና፧

12 ሎሚ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት መላእኽቲ ዀይኖም፡ “እታ ዚፈርደላ ግዜ በጺሓ እያ እሞ፡ ንኣምላኽ ፍርህዎ፡ ክብሪ እውን ሃብዎ፡ ነቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ዓይኒ ማያትን ዝገበረ ኣምልኽዎ” ዚብል ኣገዳሲ መልእኽቲ የመሓላልፉ ኣለዉ። (ራእ. 14:7) ነቲ መልእኽቲ እቲ እንእውጀሉ እዋን ሕጂ እዩ። ንጐረባብትና፡ ‘ካብ መዓት ዓባይ ባቢሎን ምእንቲ ኸይካፈሉ፡’ ካብኣ ንኺወጹ ኸነጠንቅቖም ኣሎና። (ራእ. 18:4) እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ነቶም ካብ ኣምላኽ ዝረሓቑ ሰባት፡ “ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ” እናበሉ ይልምንዎም ኣለዉ።—ዮሃ. 10:16፣ 2 ቈረ. 5:20

እታ ኣብ መብጽዓታት የሆዋ ዘላትካ እምነት፡ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኽትእውጅ ዘሎካ ድሌት ከተጐሃህሮ እያ (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ)

13. ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኽትሰብኽ ዘሎካ ድሌት ብኸመይ እዩ ኺጐሃሃር ዚኽእል፧

13 “እታ ዝፈርደላ ግዜ” ተባሂላ ዘላ መዓልቲ ኸም ዝመጸት ንኣምን ኢና። ብዘይካዚ፡ ዕዮ ስብከትን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ከምቲ የሆዋ ዝበሎ  ህጹጽ ምዃኑ ንኣምን ኢና። ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ኣርባዕተ መላእኽቲ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ደው ኢሎም፡ . . . ነቲ ኣርባዕተ ንፋሳት ምድሪ ሒዞምዎ” ርእዩ እዩ። (ራእ. 7:1) እሞኸ፡ እዞም መላእኽቲ እዚኦም ነቲ ንኼጥፍእ እተዳለወ ንፋሳት እቲ ብርቱዕ ጸበባ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኺፍንውዎ ተቐሪቦም ከም ዘለዉስ ብዓይኒ እምነትካ ትርእዮም ዲኻ፧ ትርእዮም እንተ ዄንካ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምትእምማን ክትሰብኽ ኢኻ።

14. ነቲ ረሲእ፡ ‘ካብ መገዲ ረሲእነቱ ተመሊሱ ነፍሱ ኽትድሕን’ ንኸነጠንቅቖ ዚድርኸና እንታይ እዩ፧

14 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ምስ የሆዋ ዕርክነት መስሪቶም እዮም፣ ንዘለኣለም ንኺነብሩ ድማ ተስፋ ኣለዎም። ምስናይዚ ግና፡ ነቲ ረሲእ፡ ‘ካብ መገዲ ረሲእነቱ ተመሊሱ ነፍሱ ኽትድሕን’ ንኸነጠንቅቖ ሓላፍነትና ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። (ህዝቅኤል 3:17-19 ኣንብብ።) ይኹን እምበር፡ ዕዳ ደም ንኸይህልወና ኢልና ጥራይ ኣይኰንናን እንሰብኽ። ንየሆዋን ንብጻይናን ነፍቅር ኢና። የሱስ ብዛዕባ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ኣብ ዝሃቦ ምሳሌ፡ ፍቕርን ምሕረትን ብሓቂ እንታይ ማለት ምዃነን ገሊጹ ኣሎ። ስለዚ፡ ‘ኣነኸ ከምቲ ሳምራዊ፡ ‘ብድንጋጽ’ ተደሪኸ ምስክርነት እህብ ድየ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትታ ይግባእ። ከምቶም ኣብቲ ምሳሌ እተገልጹ ነቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቐ ሰብ ዕሽሽ ብምባል ‘ብመንጽሩ ዝሓለፉ’ ኻህንን ሌዋውን ክንከውን ከም ዘይንደሊ ፍሉጥ እዩ። (ሉቃ. 10:25-37) እታ ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ ዘላትና እምነትን እታ ንብጻይና ዘላትና ፍቕርን እቲ ግዜ ቕድሚ ምዝዛሙ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ምሉእ ብምሉእ ንኽንካፈል ኪድርኻና እየን።

“ንቐይሕ ባሕሪ . . . ተሳገርዎ”

15. እስራኤላውያን ኣብ መጻወድያ ዝኣተዉ ዀይኑ እተሰምዖም ስለምንታይ እዩ፧

15 ንሙሴ፡ እታ ኣብቲ “ዘይርአ” ኣምላኽ ዝነበረቶ እምነት፡ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ  ወጺኦም ኣብ ሓደገኛ ዅነታት ምስ ወደቑ እውን ሓጊዛቶ እያ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ደቂ እስራኤል ኣዒንቶም ኣልዐሉ፡ እንሆ ኸኣ፡ ግብጻውያን ደድሕሪኦም ገስገሱ። ደቂ እስራኤል ድማ ኣዝዮም ፈርሁ፡ ናብ እግዚኣብሄር ከኣ ተማህለሉ” ይብል። (ዘጸ. 14:10-12) እዚ ዜስግእ ኵነታት እዚ፡ ዘይተጸበይዎ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋሉን። ከመይሲ የሆዋ ኣቐዲሙ፡ “ኣነ ድማ ንልቢ ፈርኦን ከትርሮ እየ፡ ንሱ ኸኣ ደድሕሪኦም ስዒቡ ኺሰጎም እዩ። ብፈርኦንን ብዅሉ ሰራዊቱን ክኸብር እየ፡ ግብጻውያን ድማ ኣነ እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW] ከም ዝዀንኩ ኺፈልጡ እዮም” ኢሉ ነጊርዎም ነይሩ እዩ። (ዘጸ. 14:4) ይኹን እምበር፡ እስራኤላውያን ነቲ ብኣዒንቶም ኪርእይዎ ዚኽእሉ፡ ማለት ነቲ ኺስገር ዘይክእል ዚመስል ዝነበረ ቐይሕ ባሕሪ፡ ነቶም ፈጣናት ሰረገላታት ውግእ ፈርኦን፡ ከምኡ ድማ ነቲ ዚመርሖም ዝነበረ 80 ዓመት ዝዕድሚኡ ጓሳ ጥራይ እዮም ዚርእዩ ነይሮም። ስለዚ ድማ ኣብ መጻወድያ ዝኣተዉ ዀይኑ ተሰምዖም።

16. እምነት ንሙሴ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘበርትዓቶ ብኸመይ እያ፧

16 ሙሴ ግና ኣይፈርሀን። ከመይሲ፡ ኣዒንቲ እምነቱ ኻብ ባሕርን ካብ ሰራዊትን ዝሓየለ ነገር እየን ርእየን። እወ፡ ሙሴ ‘ምድሓን የሆዋ’ ኺርኢ ኽኢሉ እዩ፣ የሆዋ ንእስራኤላውያን ከም ዚዋግኣሎም ድማ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ዘጸኣት 14:13, 14 ኣንብብ።) እምነት ሙሴ ንህዝቢ ኣምላኽ ኣበርቲዓቶም እያ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንቐይሕ ባሕሪ ኸም ንቑጽ ምድሪ ገይሮም ብእምነት ተሳገርዎ፣ ግብጻውያን ከምኡ ኺገብሩ ምስ ፈተኑ ግና፡ ተዋሕጡ” ይብል። (እብ. 11:29) ድሕሪኡ፡ ‘እቶም ህዝቢ ንየሆዋ ፈርሁ። ብየሆዋን ብባርያኡ ሙሴን ድማ አመኑ።’—ዘጸ. 14:31

17. ኣብ ዚመጽእ እንታይ ንእምነትና ዚፍትን ፍጻመ እዩ ኺህሉ፧

17 ድሕሪ ሓጺር ግዜ፡ ህይወትና ኣብ ሓደገኛ ዅነታት ከም ዝወደቐት ዚመስለሉ እዋን ኪመጽእ እዩ። እቲ ብርቱዕ ጸበባ ኣብ ናይ መወዳእታ ጠርዙ ምስ በጽሐ፡ መንግስትታት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ነተን ካባና ዚዓብያን ዚበዝሓን ሃይማኖታውያን ውድባት ኬጥፍእወንን ምሉእ ብምሉእ ኪድምስስወንን እዮም። (ራእ. 17:16) የሆዋ ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዚህልወና ተኣፋፊ ዅነታት፡ “ዘይተዐርደት ከተማ” ኸምኡ እውን “ብዘይ ቀጽሪ ዘለዉ፡ መሃርሃርን መዓጹን ዜብሎም ህዝቢ” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። (ህዝ. 38:10-12, 14-16) ብዓይኒ ሰብ ኪርአ ኸሎ፡ ክንድሕን ዘይንኽእል እዩ ዚመስል። ሽዑ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር፧

18. ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ ስለምንታይ ክንጸንዕ ከም እንኽእል ግለጽ።

18 ክንፈርህ ኣየድልየናን እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ የሆዋ ኣቐዲሙ እዚ መጥቃዕቲ እዚ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ከም ዚወርድን ውጽኢቱ እንታይ ከም ዚኸውንን ተነብዩ ነይሩ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ይብል፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፡ በታ ጎግ ንሃገር እስራኤል ኪጻረረላ ዚመጸላ መዓልቲ፡ ነድረይ ኪስርንቐኒ እዩ፡ ይብል አሎ። ብቕንኣተይን ብሓዊ ቝጥዓይን እብል አሎኹ።” (ህዝ. 38:18-23) የሆዋ ንዅሎም እቶም ንህዝቡ ኺጐድእዎም ዚደልዩ ዘበሉ ኬጥፍኦም እዩ። እታ ኣብታ ‘ዓባይን መፍርሂትን መዓልቲ የሆዋ’ ዘላትካ እምነት፡ ‘ምድሓን የሆዋ’ ንኽትርእን ንጽህናኻ ንኽትሕሉን ክትሕግዘካ እያ።—ዮኤ. 2:31, 32

19. (ሀ) እቲ ኣብ መንጎ የሆዋን ሙሴን ዝነበረ ርክብ ክሳዕ ክንደይ እዩ ድልዱል ነይሩ፧ (ለ) ኣብ ኵሉ መገድኻ ንየሆዋ ትሓስብ እንተ ዄንካ፡ እንታይ በረኸት ኢኻ እትረክብ፧

19 ‘ነቲ ዘይርአስ ከም እትርእዮ ዄንካ ብምጽናዕ፡’ ነቲ ባህ ዜብል ፍጻመታት ካብ ሕጂ ኣትሒዝካ ተዳለወሉ። ብስሩዕ ብምጽናዕን ብምጽላይን ነቲ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎካ ዕርክነት ኣደልድሎ። ሙሴ ምስ የሆዋ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዕርክነት ነይርዎ እዩ፣ የሆዋ ኸኣ ንሙሴ መስተንክር ነገራት ንኺፍጽም ተጠቕመሉ። ስለዚ ድማ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ንሙሴ “ገጽ ንገጽ” ከም ዚፈልጦ ገይሩ ዚገልጾ። (ዘዳ. 34:10) ሙሴ ፍሉይ ነብዪ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ንስኻ እውን እምነት እንተ ኣልያትካ፡ ምስ የሆዋ ኸምዚ ዝኣመሰለ ናይ ቀረባ ዕርክነት ኪህልወካ እዩ፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕርክነት ንየሆዋ ብሓቂ ኸም ዝረኣኻዮ ዀይኑ ኸም ዚስምዓካ ዚገብር እዩ። ከምቲ ቓል ኣምላኽ ዚብሎ፡ “ኣብ ኵሉ መገድኻ” ወትሩ ንየሆዋ ትሓስብ እንተ ዄንካ፡ “ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።”።—ምሳ. 3:6

^ ሕ.ጽ. 11 የሆዋ ኣብ ግብጻውያን ፍርዲ ዝፈጸመ፡ መላእኽቱ ብምልኣኽ ኪኸውን ኣለዎ።