ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣጆኻ! የሆዋ ረዳኢኻ እዩ

ኣጆኻ! የሆዋ ረዳኢኻ እዩ

“ተቢዕና፡ ‘የሆዋ ረዳእየይ እዩ’ . . . ኽንብል ንኽእል ኢና።” —እብ. 13:6

1, 2. ብዙሓት ስደተኛታት ናብ ቤቶም ኪምለሱ ኸለዉ፡ እንታይ ጸገማት እዩ ዜጋጥሞም፧ (ኣብዛ ገጽ እዚኣ ዘላ ስእሊ ርአ።)

ኤድዋርዶ፡ * “ኣብ ወጻኢ ሃገር ክሰርሕ ከለኹ፡ ጽቡቕ ስራሕን ደሞዝን ነበረኒ። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ምስ ጀመርኩ ግና፡ ብዝያዳ ዜገድስ ሓላፍነት ከም ዘሎኒ፡ ማለት ንስድራ ቤተይ ብስጋዊ መዳይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ እውን ናይ ምእላይ ሓላፍነት ከም ዘሎኒ ተረዳእኩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ናብ ስድራ ቤተይ ተመለስኩ” በለ።—ኤፌ. 6:4

2 ኤድዋርዶ፡ እንደገና ምስ ስድራ ቤቱ ምሕባሩ ንየሆዋ ኸም ዜሐጕሶ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ከምታ ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ እተጠቕሰት ማርሊን፡ ኤድዋርዶ ነቲ ምስ ስድራ ቤቱ ዝነበሮ ርክብ ንምትዕርራይ፡ ግዜ ወሲዱሉ እዩ። ብዘይካዚ፡ ንሰበይቱን ንደቁን ኣብ ትሑት ቍጠባዊ ዅነታት ኪድግፎም ነበሮ። እሞኸ ብኸመይ እዩ ንስድራ ቤቱ ኺናብዮም ዚኽእል፧ ካልኦት ኣባላት ጉባኤኡኸ ይሕግዝዎ ደዀን ይዀኑ፧

ንመንፈሳውነትን ንናብራን ስድራ ቤትካ ጸግኖ

3. ሓደ ወላዲ ኻብ ስድራ ቤቱ ተፈልዩ ዚነብር እንተ ዀይኑ፡ እዚ ንደቁ ብኸመይ ይጸልዎም፧

3 ኤድዋርዶ፡ “ኣብቲ ንደቀይ መምርሕን ፍቕርን ዜድልዮም እዋን ምሳታቶም ብዘይምንባረይ፡ ዕሽሽ ከም ዝበልክዎም ይርድኣኒ እዩ። ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ ከንብበሎምን ምሳታቶም ክጽልን ክሓቝፎምን ምሳታቶም ክጻወትን  ኣይከኣልኩን” በለ። (ዘዳ. 6:7) እታ ዓባይ ጓሉ ዝዀነት ኣና ተዘክሮኣ ኽትገልጽ ከላ፡ “ባባ ምሳና ብዘይምንባሩ፡ ስምዒታዊ ጸገም ኣጋጢሙኒ እዩ። ናባና ኣብ እተመልሰሉ እዋን፡ መልክዑን ድምጹን ጥራይ ኢና እንፈልጦ ኔርና። ኪሓቝፈኒ ኸሎ፡ ስኽፍክፍ ኢሉኒ” በለት።

4. ሓደ ኣቦ ኻብ ስድራ ቤቱ ተፈልዩ ዚነብር እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ናይ ርእስነት ሓላፍነቱ ኣብ ምፍጻም ዜጸግሞ ብኸመይ እዩ፧

4 ሓደ ኣቦ ኻብ ስድራ ቤቱ ተፈልዩ ዚነብር እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ኸም ርእሲ ስድራ ቤት መጠን ዘለዎ ሓላፍነት ኪፍጽሞ ኣይክእልን እዩ። ሩቢ ሰበይቲ ኤድዋርዶ፡ “ኣቦን ኣደን ክኸውን ኣድልዩኒ እዩ፣ መብዛሕትኡ ንስድራ ቤትና ዚምልከት ውሳነታት ምግባር ከኣ ለሚደዮ ነይረ እየ። ኤድዋርዶ ምስ ተመልሰ ግና፡ ክርስትያናዊ ተገዛእነት እንታይ ማለት ምዃኑ ተማሂረ እየ። ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ሰብኣየይ ርእሲ ስድራ ቤት ምዃኑ ንገዛእ ርእሰይ ከዘኻኽራ ኣሎኒ” በለት። (ኤፌ. 5:22, 23) ኤድዋርዶ እውን ወሲኹ፡ “ደቀይ ገለ ነገር ኪገብራ እንተ ደልየን፡ ተጓይየን ናብ ኣዲአን ብምኻድ ንዓኣ እየን ዜፍቅዳኣ። ከም ወለዲ መጠን፡ ክልቴና ተዘራሪብና ኸም እንውስን ንደቅና ኸነርእየን ኣድልዩና እዩ፣ ኣነ ድማ ብክርስትያናዊ መገዲ ንኽመርሕ ተማሂረ እየ” በለ።

5. ሓደ ኣቦ ነቲ ኻብ ስድራ ቤቱ ተፈልዩ ብምንባሩ ዘጋጠመ ጕድኣት ኪጽግኖ ዝጀመረ ብኸመይ እዩ፧ ውጽኢቱኸ እንታይ ኰነ፧

5 ኤድዋርዶ ነቲ ምስ ስድራ ቤቱ ዝነበሮ ርክብ ንኼዐርዮን ንመንፈሳውነቶም ንኼደልድሎን፡ ዚከኣሎ ኺገብር ቈሪጹ እዩ ነይሩ። “ሸቶይ ንሓቂ ብቓልን ብኣብነትን ኣብ ልቢ ደቀይ ንምቕራጽ እዩ ነይሩ፣ ነዚ ኸኣ ንየሆዋ ኸም ዘፍቅሮ ብምዝራብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብግብሪ ኸርእዮ ነይሩኒ” በለ። (1 ዮሃ. 3:18) እሞኸ የሆዋ ነቲ ኤድዋርዶ ብእምነት ዝገበሮ ጻዕሪ ባሪኽዎዶ፧ ኣና ኸምዚ በለት፦ “ንፉዕ ኣቦ ንምዃንን ናባና ንምቕራብን ዚገብሮ ዝነበረ ጻዕሪ፡ ዓብዪ ለውጢ እዩ ኣምጺኡ። ኣብ ጉባኤ ሓላፍነት ንምስካም ኪመጣጠር ክንርእዮ ኸለና፡ ኣዅሪዑና እዩ። ዓለም ካብ የሆዋ ንኸተርሕቐና ትጽዕር እኳ እንተ ነበረት፡ ወለድና ኣብ ሓቂ ኸም ዜተኵሩ ምስ ረኣና ግና፡ ንዓታቶም ክንመስሎም ንጽዕር ነበርና። ባባ ኻልኣይ ሳዕ ሓዲጉና ኸም ዘይከይድ ቃል ኣተወልና፣ ቃሉ ኸኣ ሓልዩ እዩ። ቃሉ እንተ ዘይሕሉ ነይሩ፡ ሎሚ ኣብ ውድብ የሆዋ ኣይምሃለኹን።”

ሓላፍነትካ ምቕባል

6. ገሊኦም ወለዲ ኣብ ግዜ ውግእ እንታይ እዮም ተማሂሮም፧

6 ኣብ ሃገራት ባልካን ኣብ ዚግበር ዝነበረ ውግእ፡ ኵነታት ናብራ ጽንኩር እኳ እንተ ነበረ፡ ደቂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግና ሕጉሳት ኰይኖም ይነብሩ ኸም ዚነበሩ ዚገልጽ ተመክሮታት ኣሎ። ሕጉሳት ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧ እቶም ናብ ስራሕ ኪኸዱ ዘይክእሉ ዝነበሩ ወለዲ፡ ምስ ደቆም ግዜ የሕልፉን የጽንዑን ይጻወቱን ይዘራረቡን ስለ ዝነበሩ እዩ። ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ ውሉዳት ካብ ገንዘብ ወይ ህያባት ንላዕሊ፡ ወለዶም እዮም ዜድልይዎም። እወ፡ ከምቲ ቓል ኣምላኽ ዚገልጾ፡ ውሉዳት ኣቓልቦን ስልጠናን ወለዶም እንተ ረኺቦም፡ ብዙሕ እዮም ዚጥቀሙ።—ምሳ. 22:6

7, 8. (ሀ) ገሊኦም ናብ ስድራ ቤቶም ዚምለሱ ወለዲ፡ እንታይ ጌጋ እዮም ዚፍጽሙ፧ (ለ) ወለዲ ንውሉዳቶም፡ ንኣሉታዊ ኣረኣእያኦም ንኼዐርዩ ኺሕግዝዎም ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

7 እቲ ዜሕዝን፡ ገሊኦም ናብ ስድራ ቤቶም ዚምለሱ ወለዲ፡ ውሉዳቶም ከም እተቐየምዎም ወይ ከም ዘይግደሱሎም ምስ ረኣዩ፡ “ኣነ ምእንታኹም ኢለ እዚ ዅሉ መስዋእቲ ገይረስ፡ ዋላ ሓንቲ ሞሳ የብልኩምን፧” ይብሉ። ይኹን እምበር፡ እቶም ውሉዳት ኣሉታዊ ኣረኣእያ ኺህልዎም ዝኸኣለ፡ እቲ ወላዲ ስለ እተፈልዮም ኪኸውን ይኽእል እዩ። እሞኸ ሓደ ወላዲ ነዚ ንምጽጋን እንታይ ኪገብር ይኽእል፧

8 ንኣባላት ስድራ ቤትካ ብዝያዳ ንኽትርድኦም ምእንቲ ኺሕግዘካ፡ ንየሆዋ ለምኖ። ድሕሪኡ፡ ምስ ስድራ ቤትካ ኽትዘራረብ ከለኻ፡ ኣብቲ ጸገም ኢድ ከም ዘሎካ ተቐበሎ። ካብ ልቢ ይቕረታ ሕተት። መጻምድትኻን ውሉዳትካን፡ ብዚከኣለካ ዓቕሚ ትጽዕር ከም ዘለኻ ኺርእዩ ኸለዉ፡ ንቕንዕናኻ ኼስተብህሉሉ እዮም። ብዓቕልን ብቘራጽነትን እንተ ጽዒርካ፡ ስድራ ቤትካ ቐስ ብቐስ ኬፍቅሩኻን ኬኽብሩኻን እዮም።

‘ነቶም ናትካ ምንባይ’

9. ‘ነቶም ናትካ ምንባይ’ ኪብሃል ከሎ፡ ደድሕሪ ስጋዊ ሃብቲ ምጕያይ ማለት ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

9 ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ክርስትያናት እንተ ጸጊምዎም፡ ደቆም ወይ ከኣ ደቂ ደቆም፡ “ንወለዶምን ንወለዲ ወለዶምን ውሬታ ኺመልሱ” ኸም ዘለዎም ገሊጹ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ጳውሎስ ኣስዕብ ኣቢሉ ንዅሎም ክርስትያናት፡ በቲ ኸም ምግብን ክዳንን መጽለልን ዝኣመሰለ መሰረታዊ ነገራት ኪዓግቡ ተማሕጺንዎም እዩ። ደድሕሪ ዝለዓለ ናብራ ወይ ስጋዊ ሃብቲ ኽንጐዪ የብልናን። (1 ጢሞቴዎስ 5:4, 8፣ 6:6-10 ኣንብብ።) ሓደ ክርስትያን ‘ነቶም ናቱ ምእንቲ ኺናቢ፡’ ኣብዛ ድሕሪ ሓጺር እዋን እትሓልፍ ዓለም፡ ስጋዊ ሃብቲ ንኺእክብ ኪጽዕር የብሉን። (1 ዮሃ. 2:15-17) “ምትላል ሃብቲ” ወይ “ጭንቀት ናብራ” ንኸየታልለና ኽንጥቀንቕ ኣሎና፣ ከመይሲ፡ ነቲ ስድራ ቤትና ኣብታ ኣምላኽ ዜምጽኣ ጽድቂ ዝሰፈና ሓዳስ ዓለም እትጽበዮ ‘ናይ ሓቂ ህይወት’ ንኽትስእኖ ምኽንያት ክንከውን ኣይንደልን ኢና።—ማር. 4:19፣ ሉቃ. 21:34-36፣ 1 ጢሞ. 6:19

10. ንዕዳ ብዚምልከት፡ ኣምላኻዊ ጥበብ ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

10 የሆዋ፡ እተወሰነ ገንዘብ ከም ዜድልየና ይፈልጥ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ገንዘብ ልክዕ ከም ኣምላኻዊ ጥበብ ገይሩ ኼዕቍበናን ብህይወት ኬንብረናን ኣይክእልን እዩ። (መክ. 7:12፣ ሉቃ. 12:15) ገሊኦም ሰባት፡ ነቲ ንስራሕ ኢሎም ናብ ወጻኢ ሃገር ንምኻድ ዚኸፍልዎ ገንዘብ፡ ብዙሕ ሳዕ ኣትሒቶም እዮም ዚርእይዎ፣ ኣብኡ ኸይዶም ገንዘብ ዚረኽቡ እንተ ዀይኖም እውን ውሕስነት የብሎምን። አረ ዝገደደ ሓደጋ እውን ኬጋጥሞም ይኽእል እዩ። ብዙሓት ስደተኛታት፡ ኣብ ዕዳን ዕንዲዳን ጥሒሎም እዮም ናብ ዓዶም ዚምለሱ። ኣብ ክንዲ ንኣምላኽ ብናጽነት ዜገልግልዎ፡ ባሮት ኣለቃሕቶም እዮም ዚዀኑ። (ምሳሌ 22:7 ኣንብብ።) እቲ ዝበለጸ ጥበባዊ መፍትሒ፡ ብኣጋኡ ኻብ ዕዳ ምርሓቕ እዩ።

11. ባጀት ምውጻእ ንስድራ ቤታት ካብ ገንዘባዊ ጸገም ኪሰትረን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

11 ኤድዋርዶ ኣብቲ ምስ ስድራ ቤቱ ንኺነብር ዝገበሮ ውሳነ ምእንቲ ኺጸንዕ፡ ኣብ ኣጠቓቕማ ገንዘብ ኪጥንቀቕ ከም ዘለዎ ይፈልጥ ነበረ። ንሱን ሰበይቱን ኣብቲ ብሓቂ ዜድልዮም ነገራት ተመርኲሶም፡ ባጀት ኣውጽኡ። ሓቂ እዩ፡ ባጀቶም ካብቲ እታ ስድራ ቤት ዝለመደቶ ዝተሓተ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ኵላቶም ስለ እተሓባበሩ፡ ኣገዳሲ ንዘይኰነ ነገራት ገንዘብ ኣየውጽኡን እዮም። * ኤድዋርዶ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ንኣብነት፡ ንደቀይ ካብቲ ዚመሃራሉ ዝነበራ ናይ ውልቂ ቤት ትምህርቲ ኣውጺአ፡ ኣብ ጽቡቕ ናይ ህዝቢ ቤት ትምህርቲ ኣእተኽወን” በለ። ንመንፈሳዊ ንጥፈታቱ ዘይዓናቕፍ ስራሕ ምእንቲ ኺረክብ ድማ፡ ምስ ስድራ ቤቱ ብሓባር ኰይኖም ጸለዩ። እሞኸ የሆዋ ንጸሎቶም ብኸመይ መሊስዎ፧

12, 13. ሓደ ኣቦ ንስድራ ቤቱ ንምድጋፍ እንታይ ግብራዊ ስጕምቲ እዩ ወሲዱ፧ ቀሊል ናብራ ንምንባር ንዝገበሮ ቘራጽነት፡ የሆዋ ዝባረኾኸ ብኸመይ እዩ፧

12 ኤድዋርዶ ተዘክሮኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ነተን ናይ መጀመርታ ኽልተ ዓመታት፡ ከም ዘይሕለፍ የለን ሓሊፍናየን። ዝነበረኒ ገንዘብ እናኣንቈልቈለ ኸደ፣ እቲ ትሑት ኣታዊና ንወጻኢታትና ኣይሽፍኖን እዩ ነይሩ፣ ሓይለይ ድማ ይጽንቀቕ ነበረ። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ግና፡ ናብ ጉባኤን ኣገልግሎትን ብሓባር ንኸይድ ነበርና” በለ። ይትረፍዶ ኻብ ስድራ ቤቱ ንኣዋርሕ ወይ ንዓመታት ዚፈላልዮ ስራሕ ኪሰርሕሲ፡ ኪሓስቦ እውን ኣይደልን እዩ ነይሩ። “እተፈላለየ ዓይነት ስራሕ ምስራሕ ስለ እተመሃርኩ፡ ገሊኡ ዓይነት ስራሕ ክስእን ከለኹ፡ ካልእ ዓይነት ስራሕ እሰርሕ” በለ።

ንስድራ ቤትካ ምእንቲ ኽትድግፎም፡ እተፈላለየ ዓይነት ስራሕ ክትሰርሕ ትኽእልዶ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ)

13 ኤድዋርዶ ንዕዳኡ ቐስ ብቐስ ስለ ዚኸፍሎ፡ ወለድ እቲ እተለቅሖ ገንዘብ ብዙሕ ኰነ። ኰይኑ ግና፡ ነዚ ኸም ዓብዪ ኽሳራ ገይሩ ኣይረኣዮን፣ ከመይሲ፡ ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወት ስድራ ቤቱ ብምክፋል፡ ልክዕ ከምቲ የሆዋ ዚደልዮ ዓይነት ወላዲ ኪኸውን ክኢሉ እዩ። ከምዚ በለ፦ “ሕጂ ኻብቲ ኣብ ወጻኢ ሃገር ከለኹ ዝረኽቦ ዝነበርኩ ገንዘብ፡ ትሕቲ ዓሰርተ ሚእታዊት እየ ዝረክብ፣ ጾምና ሓዲርና ግና ኣይንፈልጥን ኢና። ‘ኢድ የሆዋ ሓጻር ኣይኰነትን።’ በዚ ምኽንያት እዚ፡ ፈለምቲ  ኽንከውን ወሰንና። እቲ ዜደንቕ ድማ፡ ድሕሪ ግዜ፡ እቲ ዝነበረ ቝጠባዊ ጸገም ስለ ዝነከየ፡ ብቐሊሉ ኽንናበር ከኣልና።”—ኢሳ. 59:1

ንጸቕጢ ቤተ ሰብ ክትዋጽኣሉ ምጽዓር

14, 15. ስድራ ቤታት፡ ካብ መንፈሳዊ ነገራት ንላዕሊ ንስጋዊ ነገራት ንኬቐድማ ጸቕጢ ኼጋጥመን ከሎ፡ እንታይ ኪገብራ ይኽእላ፧ ሰናይ ኣብነት ምዃንከ እንታይ ውጽኢት እዩ ኺህልዎ ዚኽእል፧

14 ኣብ ብዙሕ ቦታታት፡ ሰባት ንኣዝማዶምን ንፈተውቶምን ገንዘብን ህያባትን ኪህብዎም ዘለዎም ኰይኑ ይስምዖም። ኤድዋርዶ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ሓደ ኽፋል ባህልና እዩ፣ ምሃብ ከኣ የሐጕሰና እዩ” በለ፣ ኣስዕብ ኣቢሉ ግና፡ “ከምኡ ምግባር ደረት ኣለዎ። ንቤተ ሰበይ፡ ንመንፈሳዊ ንጥፈታት ስድራ ቤተይ ኰነ ንኣምልኾ ስድራ ቤተይ ብዘይትንክፍ መገዲ ኽሕግዞም ከም ዝደሊ ብሜላ እነግሮም እየ” በለ።

15 ኣዝማድ እቶም ናብ ቤቶም ዚምለሱ ስደተኛታትን እቶም ናብ ወጻኢ ሃገር ናይ ምኻድ ኣጋጣሚ እናሃለዎም ክነሱ ዘይከዱ ሰባትን፡ መብዛሕትኡ እዋን ካባታቶም ሓገዝ ስለ ዚጽበዩ፡ ብኣታቶም ይሓርቁን ይጕህዩን እዮም። ገሊኣቶም እሞ ኸኣ፡ ጨካናት ከም ዚዀኑ እዮም ዚቘጽርዎም። (ምሳ. 19:6, 7) ኣና ጓል ኤድዋርዶ፡ “ከምኡ እኳ እንተ በሉ፡ ንስጋዊ ነገራት ክንብል፡ መንፈሳዊ ነገራት መስዋእቲ ኸም ዘይንገብር ክንገልጸሎም ከለና፡ ገሊኦም ኣዝማድና ውዒሎም ሓዲሮም፡ ክርስትያናዊ ህይወትና ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ይርድኡ ይዀኑ። ከምቲ ዝበሉና ጥራይ እንገብር እንተ ዄንና ግና፡ ከመይ ኢሉ እዩ ኺርድኦም ዚኽእል፧” በለት።—ምስ 1 ጴጥሮስ 3:1, 2 ኣረኣኢ።

ኣብ ኣምላኽ ድልድልቲ እምነት ምምዕባል

16. (ሀ) ሓደ ሰብ ‘ንርእሱ ብናይ ሓሶት ሓሳብ ኬታልል’ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ያእ. 1:22) (ለ) የሆዋ ንኸመይ ዝበለ ውሳነ እዩ ዚባርኾ፧

16 ንሰብኣያን ንደቃን ሓዲጋ ናብ ብልጽግቲ ሃገር ዝኸደት ሓንቲ ሓብቲ፡ ንሽማግለታት፡ “ኣነ ናብዚ ምእንቲ ኽመጽእ፡ ብዙሕ መስዋእትታት ኢና ኸፊልና። ሰብኣየይ እውን እንተ ዀነ፡ ካብ ሽምግልናኡ ወሪዱ እዩ። ስለዚ፡ የሆዋ ነቲ ውሳነና ኺባርኾ ተስፋ እገብር” በለቶም። የሆዋ ነቲ ኣብኡ ብምውካል ዚግበር ውሳነ ወትሩ ይባርኾ እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ምስ ፍቓዱ ንዚጋጮ፡ ብፍላይ ከኣ ብቐሊሉ ፍሉይ መሰልካ ንዜስእን ውሳነ ኸመይ ገይሩ እዩ ዚባርኾ፧—እብራውያን 11:6፣ 1 ዮሃንስ 5:13-15 ኣንብብ።

17. መምርሒ የሆዋ ኸነናዲ ዘሎና፡ ውሳነ ቕድሚ ምግባርና ኪኸውን ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ ብኸመይከ ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል፧

17 መምርሒ የሆዋ ኸተናዲ ዘሎካ፡ ውሳነ  ቕድሚ ምግባርካ ወይ ቃል ቅድሚ ምእታውካ ደኣ እምበር፡ ድሕሪኡ ኣይኰነን። መንፈስ ቅዱስን ጥበብን መምርሕን ምእንቲ ኺህበካ፡ ናብ የሆዋ ጸሊ። (2 ጢሞ. 1:7) ‘ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እየ ንየሆዋ ንኽእዘዞ ፍቓደኛ ዝኸውን፧ ዋላ እውን መስጐጕቲ እናኣጋጠመኒ ኸምኡ እገብር ድየ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ። እሞኸ ትሑት ናብራ እናነበርካ ንየሆዋ ኽትእዘዞ ፍቓደኛ ዲኻ፧ (ሉቃ. 14:33) ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ምእንቲ ኺህቡኻ፡ ንሽማግለታት ሕተቶም፣ ነቲ እተዋህበካ ምኽሪ ብምስዓብ ድማ፡ ኣብ መብጽዓ የሆዋ ዘሎካ ምትእምማን ኣርኢ። ሽማግለታት ኪውስኑልካ ኣይክእሉን እዮም፣ ንሓዋሩ ሓጐስ ዜምጽኣልካ ምርጫ ንኽትገብር ግና ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።—2 ቈረ. 1:24

18. ንስድራ ቤት ናይ ምድጋፍ ሓላፍነት ዘለዎ መን እዩ፧ ካልኦትከ ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዮም ኪሕግዙ ዚኽእሉ፧

18 የሆዋ ንርእስታት ስድራ ቤት፡ ንስድራ ቤቶም በብመዓልቱ ናይ ምክንኻን ‘ጾር’ ኣሰኪምዎም እዩ። ጸቕጥን ፈተናን እናኣጋጠሞም ክነሱ፡ ካብ መጻምድቶም ወይ ካብ ውሉዳቶም ከይተፈልዩ ነዚ ሓላፍነት እዚ ንዚፍጽሙ ክርስትያናት ክንእዶምን ክንጽየሎምን ኣሎና። ከም ባህርያዊ ሓደጋ ወይ ጸገም ጥዕና ዝኣመሰለ ሃንደበታዊ ዅነታት ኬጋጥም ከሎ፡ ኣብ ሓድሕድና ናይ ሓቂ ክርስትያናዊት ፍቕርን ድንጋጽን ነርኢ ኢና። (ገላ. 6:2, 5፣ 1 ጴጥ. 3:8) ንሓደ ክርስትያን ብጻይካ፡ ኣብ ህጹጽ ኵነታት ብገንዘብ ክትድግፎ ወይ ከኣ ስራሕ ክትረኽበሉ ትኽእልዶ፧ ከምኡ ትገብር እንተ ዄንካ፡ ስራሕ ንምርካብ ኢሉ ንስድራ ቤቱ ሓዲግዎም ኣይኪኸይድን እዩ።—ምሳ. 3:27, 28፣ 1 ዮሃ. 3:17

የሆዋ ረዳኢኻ ምዃኑ ኣይትረስዕ!

19, 20. ክርስትያናት፡ የሆዋ ኸም ዚሕግዞም ምፍላጦም ኬዕግቦም ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

19 ቅዱሳት ጽሑፋት ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ይላበወና እዩ፦ “ንሱ [ኣምላኽ]፡ ‘ከቶ ኣይክሓድገካን፡ ከቶ እውን ኣይክጥንጥነካን እየ’ ኢሉ እዩ እሞ፡ ናብራኹም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፣ በቲ ዘሎኩም እውን ዕገቡ። ስለዚ፡ ተቢዕና፡ ‘የሆዋ ረዳእየይ እዩ፣ ኣይክፈርህን እየ። ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧’ ክንብል ንኽእል ኢና።” (እብ. 13:5, 6) ነዚ ኣብ ህይወትና እንምከሮ ብኸመይ ኢና፧

20 ኣብ ምምዕባል ኣብ እትርከብ ሃገር ዚነብር ንነዊሕ እዋን ሽማግለ ዀይኑ ዘገልገለ ሓው፡ “ሰባት ብዙሕ ሳዕ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕጉሳት ምዃኖም ይዛረቡ እዮም። ብዘይካዚ፡ ድኻታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን እንተ ዀኑ ወትሩ ጽቡቕ ከም ዚኽደኑን ካብ ካልኦት ዝሓሹ ምዃኖምን የስተብህሉ እዮም” በለ። እዚ ኸኣ ምስቲ የሱስ ነቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ዜቐድሙ ሰባት ዝኣተወሎም መብጽዓ ዚሳነ እዩ። (ማቴ. 6:28-30, 33) እወ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦኻ ዝዀነ የሆዋ፡ የፍቅረካን ንዓኻ ዀነ ንደቅኻ ጸጽቡቑ ይሓስበልኩምን እዩ። “ነቶም ፈጺሙ ልቦም ናብኡ ዚጽጋዕ ምእንቲ ኼጽንዖምሲ፡ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ብዘላ ምድሪ እየን ዚዞራ።” (2 ዜና 16:9) የሆዋ ንጥቕምና ኢሉ፡ ምስ ናብራ ስድራ ቤትን ምስ ስጋዊ ነገራትን ዚተሓሓዝ ትእዛዛት ሂቡና ኣሎ። ነቲ ትእዛዛቱ ኽንስዕቦ ኸለና፡ ከም እነፍቅሮን ኣብኡ ኸም እንውከልን ኢና እነርኢ። “ፍቕሪ ኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ፣ ትእዛዛቱ እውን ከቢድ ኣይኰነን።”—1 ዮሃ. 5:3

21, 22. ኣብ የሆዋ ኽትውከል ዝቘረጽካ ስለምንታይ ኢኻ፧

21 ኤድዋርዶ ኸምዚ በለ፦ “ነቲ ኻብ ሰበይተይን ካብ ደቀይን ተፈልየ ዘሕለፍክዎ እዋን ክመልሶ ኸም ዘይክእል እፈልጥ እየ፣ እናተጠዓስኩ ግና ኣይነብርን እየ። ብዙሓት ናይ ቀደም መሳርሕተይ ሃብታማት እኳ እንተ ዀኑ፡ ሕጉሳት ግና ኣይኰኑን። ኣብ ስድራ ቤቶም ከቢድ ጸገማት የጋጥሞም እዩ። ስድራ ቤትና ግና ኣዝያ ሕጉስቲ እያ። ካልኦት ኣብዚ ዓዲ ዚነብሩ ኣሕዋት፡ ዋላ እውን ድኻታት ይኹኑ፡ ንመንፈሳዊ ነገራት ኣብ ህይወቶም ቀዳምነት ከም ዚህብዎ ብምርኣየይ ተገሪመ እየ። ኵላትና፡ መብጽዓ የሱስ ኪፍጸም ከሎ ንርኢ ኣለና።”—ማቴዎስ 6:33 ኣንብብ።

22 ኣጆኻ! ንየሆዋ ኽትእዘዞን ኣብኡ ኽትውከልን ምረጽ። ንኣምላኽን ንመጻምድትኻን ንደቅኻን ተፍቅሮም እንተ ዄንካ፡ ነቲ ንስድራ ቤትካ ዚምልከት መንፈሳዊ ሓላፍነት ክትፍጽሞ ኢኻ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ‘የሆዋ ረዳኢኻ’ ምዃኑ ኽትርኢ ኢኻ።

^ ሕ.ጽ. 1 ስማት ተቐዪሩ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 11 ነታ ኣብ ናይ 1 ሰነ 2011 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ከም ቤትካ ምንባር—ብኸመይ ኪግበር ይከኣል፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።