ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ መን እዩ፧

ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ኣምላኽ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ ክንድዚ መከራ ምሃለወዶ፧

ብዙሓት ሰባት፡ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ገይሮም ይኣምኑ። ከምኡ እንተ ዚኸውን ነይሩ ግና፡ ምድሪ ብመከራ ምመልአትዶ፧ (ዘዳግም 32:4, 5) ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓለም ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ እኩይ እያ ዘላ።—1 ዮሃንስ 5:19 ኣንብብ።

እቲ እኩይ ንደቂ ሰብ ኪቈጻጸሮም ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ ኣብ መጀመርታ ታሪኽ ደቂ ሰብ፡ ሓደ መልኣኽ ኣንጻር ኣምላኽ ዓለወ፣ ነቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ድማ ንኺዓልዉ ኣተባብዖም። (ዘፍጥረት 3:1-6) ንሳቶም ከኣ፡ ነቲ ዓለወኛ መልኣኽ፡ ማለት ንሰይጣን ኪእዘዝዎን ንዕኡ ኺግዝእዎን መረጹ። እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ፡ ሕጋዊ ገዛኢ እኳ እንተ ዀነ፡ ሰባት ብፍቕሪ ተደሪኾም ንኣገዛዝኣኡ ኺመርጹ እዩ ዚደሊ። (ዘዳግም 6:6፣ 30:16, 19) እቲ ዜሕዝን ግና፡ መብዛሕትኦም ደቂ ሰብ፡ ልክዕ ከምቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ብጌጋ ሕማቕ ምርጫ ይገብሩ ኣለዉ።—ራእይ 12:9 ኣንብብ።

ንጸገማት ደቂ ሰብ ዚፈትሖ መን እዩ፧

ኣምላኽ ንሰይጣን፡ ነቲ እኩይ ኣገዛዝኣኡ ንሓዋሩ ንኪቕጽሎ ኺፈቕደሉ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብየሱስ ኣቢሉ ነቲ ሰይጣን ዚገብሮ ዘሎ እኩይ ነገራት ኬወግዶ እዩ።—1 ዮሃንስ 3:8 ኣንብብ።

የሱስ ነቲ ኣምላኽ ዚህቦ ሓይሊ ተጠቒሙ ንሰይጣን ኬጥፍኦ እዩ። (ሮሜ 16:20) ድሕሪኡ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ኪገዝኦምን ናብቲ ኣብ መጀመርታ ሓሲብዎ ዝነበረ ዅነታት ብምምላስ፡ ሓጐስን ሰላምን ዝመልኦ ህይወት ኪህቦምን እዩ።—ራእይ 21:3-5 ኣንብብ።