ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ንነፍሲ ወከፍ” ሰብ ከመይ ጌርና ኽንምልሰሉ ይግብኣና፧

“ንነፍሲ ወከፍ” ሰብ ከመይ ጌርና ኽንምልሰሉ ይግብኣና፧

“ንነፍሲ ወከፍ ከመይ ጌርኩም ክትምልሱ ኸም ዚግብኣኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ዘረባኹም . . . ኵሉ ሳዕ ጥዑም ይኹን።”ቈሎ. 4:6

1, 2. (ሀ) ብዚግባእ እተመርጸ ሕቶታት ምሕታት ዘለዎ ጥቕሚ ዜርኢ ተመክሮ ኣዘንቱ። (ኣብዛ ገጽ እዚኣ ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) በቲ ኸቢድ ኪመስል ዚኽእል ርእሰ ነገራት ክንፈርህ ዘየድልየና ስለምንታይ እዩ፧

ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት፡ ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ ምስ ዘይኣማኒ ሰብኣያ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ትመያየጥ ነበረት። ሰብኣያ ቐደም ኣባል ሓንቲ ኻብተን ኣብያተ ክርስትያን ህዝበ ክርስትና እዩ ነይሩ። ኪመያየጡ ኸለዉ ድማ፡ እቲ ሰብኣይ፡ ኣብ ስላሴ ኸም ዚኣምን ተዛረበ። እታ ሓብቲ፡ ሰብኣያ ብዛዕባ ትምህርቲ ስላሴ ኸም ዘይተረድኦ ስለ እተገንዘበት፡ “እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ፡ ኣምላኽ፡ የሱስ ከኣ ኣምላኽ፡ መንፈስ ቅዱስ እውን ኣምላኽ፣ ኰይኑ ግና፡ ሰለስተ ኣምላኽ ዘይኰኑስ፡ ሓደ ኣምላኽ እዮም ማለትካ ዲኻ፧” ኢላ ብሜላ ሓተተቶ። ሰብኣያ ተገሪሙ፡ “ከምኡ ኢለ እሞ ኣይኣምንን እየ” በላ። ድሕሪኡ፡ ብዛዕባ ናይ ሓቂ መንነት ኣምላኽ ዚገልጽ ባህ ዜብል ምይይጥ ገበሩ።

2 እዚ ተመክሮ እዚ፡ ሜላ ዝመልኦን ብዚግባእ እተመርጸን ሕቶታት ምሕታት ዘለዎ ጥቕሚ እዩ ዜርኢ። ብዘይካዚ፡ በቲ ኸም ስላሴ፡ ገሃነም እሳት፡ ወይ ህልውና ኣምላኽ ዝኣመሰለ ኸቢድ ኪመስል ዚኽእል ርእሰ ነገራት ክንፈርህ ከም ዘየድልየና ዜጕልሕ እዩ። ኣብ የሆዋን ኣብቲ ንሱ ዚህበና ስልጠናን እንተ ተወኪልና፡ መብዛሕትኡ እዋን ንልቢ ሰማዕትና ዚትንክፍን ዜእምንን መልሲ ኽንህብ ንኽእል ኢና። (ቈሎ. 4:6) ውጽኢታውያን ኣገልገልቲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ርእሰ ነገራት ኪመያየጡ ኸለዉ እንታይ ከም  ዚገብሩ፡ ቀጺልና እስከ ንመርምር። (1) እቲ እነዘራርቦ ዘለና ሰብ ሓሳባቱ ኸም ዚገልጽ ዚገብሮ ሕቶታት ክንሓትቶ፡ (2) ብዛዕባ እቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚብሎ ኸነረድኦ፡ ከምኡ እውን (3) ነቲ ነጥቢ ዜጕልሕ ምሳሌ ኽንጥቀም እንኽእል ብኸመይ ምዃኑ ኽንርኢ ኢና።

ንሰማዕትኻ፡ ሓሳባቶም ከም ዚገልጹ ዚገብሮም ሕቶታት ሕተቶም

3, 4. ነቲ ሓደ ሰብ ዚኣምነሉ ነገራት ምእንቲ ኽንፈልጦ፡ ሕቶታት ክንሓትት ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ።

3 ሕቶታት፡ ነቲ ሓደ ሰብ ዚኣምነሉ ነገራት ንኽንፈልጦ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ምሳሌ 18:13፡ “ከይሰምዔ ምላሽ ዚህብ ሰብ ዕሽነትን ነውርን ይቝጸሮ” ትብል። ስለዚ፡ ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንገሊኡ ርእሰ ነገራት ብዚምልከት ዘለዎ ርእይቶ ተቐዳዲምና ቕድሚ ምግላጽና፡ ሰማዒና ብሓቂ እንታይ ከም ዚኣምን ክንፈልጥ ኣሎና። ከምኡ እንተ ዘይጌርና፡ እቲ ዚሰምዓና ዘሎ ሰብ ብዛዕባ ዘይኣምነሉ ነገራት ንምርግጋጽ ስለ እንጽዕር፡ ግዜና ኢና እነጥፍእ።—1 ቈረ. 9:26

4 ምስ ሓደ ሰብ ብዛዕባ ገሃነም እሳት ንዘራረብ ኣለና ንበል። ገሃነም እሳት፡ ሰባት ብሓዊ ዚሳቐዩሉ ቦታ ኸም ዝዀነ ዚኣምን፡ ኵሉ ሰብ ኣይኰነን። ብዙሓት ሰባት፡ ካብ ኣምላኽ እትፈላለየሉ ዅነታት ከም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ስለዚ፡ ነቲ እነዘራርቦ ዘለና ሰብ፡ “ብዛዕባ ገሃነም እሳት እተፈላለየ ርእይቶ ስለ ዘሎ፡ ገሃነም እሳት እንታይ እዩ ኢልካ ኢኻ እትሓስብ፧” ኢልና ኽንሓትቶ ንኽእል ኢና። ነቲ እቲ ሰብ ዚህበና መልሲ ድሕሪ ምስማዕና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ እንታይ ከም ዚብል ብዚግባእ ከነረድኦ ንኽእል ኢና።

5. ሕቶታት፡ ሓደ ሰብ ንሓደ ጕዳይ ዚኣምነሉ ስለምንታይ ምዃኑ ንኽንፈልጥ ኪሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

5 ብሜላ ዚሕተት ሕቶታት፡ ሓደ ሰብ ንሓደ ጕዳይ ዚኣምነሉ ስለምንታይ ምዃኑ ንኽንፈልጥ እውን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ኣገልግሎት ከለና፡ ኣብ ኣምላኽ ምስ ዘይኣምን ሰብ እንተ ተራኺብናኸ፧ እቲ ሰብ በቲ ኸም ክልሰ ሓሳብ ፍልቀት ዝኣመሰለ ሰብኣዊ ኣተሓሳስባ ኸም እተጸልወ ጌርና ንሓስብ ንኸውን። (መዝ. 10:4) ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ሰባት ኣብ ኣምላኽ ዘይኣምኑ፡ ብምኽንያት እቲ ዝረኣይዎ ወይ ዘጋጠሞም መከራ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ዘጋጠሞም መከራ ድማ ምስቲ ፈቃር ፈጣሪ ኸም ዘሎ ዚገልጽ ሓሳብ ኪጋጨዎም ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ሓደ ብዓል ቤት ብዛዕባ ህልውና ኣምላኽ ከም ዚጠራጠር እንተ ገሊጹልና፡ “ካብ ቀደም ጀሚሩ ድዩ ኸምኡ ዚስምዓካ ነይሩ፧” ኢልና ኽንሓትቶ ንኽእል ኢና። ከምኡ ኸም ዘይኰነ እንተ ነጊሩና፡ ብዛዕባ ህልውና ኣምላኽ ከም ዚጠራጠር ዝገበሮ ገለ ነገር እንተ ኣጋጢምዎ ኽንሓትቶ ንኽእል ኢና። እቲ ዚህበና ምላሽ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ብኸመይ ብዝበለጸ መገዲ ኽንድግፎ ኸም እንኽእል ንኽንውስን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።—ምሳሌ 20:5 ኣንብብ።

6. ሕቶ ድሕሪ ምሕታትና እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

6 ንሓደ ሰብ ሕቶ ድሕሪ ምሕታትና፡ ነቲ ዚህበና ምላሽ ጽን ኢልና ኽንሰምዖን ንስምዒቱ ኸም እንርድኣሉ ኽንገልጸሉን ኣሎና። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ፡ ብምኽንያት ዘጋጠሞ ዜሕዝን ኵነታት፡ ዜፍቅረና ፈጣሪ እንተ ኣልዩ ኸም ዚጠራጠር ነጊሩና ንበል። ብዛዕባ ህልውና ኣምላኽ ዚገልጽ መርትዖ ቕድሚ ምቕራብና፡ ነቲ ሰብ ስምዒቱ ኸም እንርድኣሉ ኽንገልጸሉን ስለምንታይ መከራ ኸም ዜጋጥመና ምሕታት ጌጋ ኸም ዘይኰነ ኽንነግሮን ኣሎና። (ኣን. 1:2, 3) ነቲ ሰብ ብትዕግስትን ብፍቕርን እንተ ሒዝናዮ፡ ብዝያዳ ንኺፈልጥ ኪድረኽ እዩ። *

ብዛዕባ እቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚብሎ ኣረድእ

7. ኣብ ኣገልግሎት ብዝያዳ ውጽኢታውያን ምዃንና፡ ኣብ ምንታይ እዩ ዚምርኰስ፧

7 ብዛዕባ እቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚብሎ ብኸመይ ከነረድእ ከም እንኽእል፡ ቀጺልና እስከ ንርአ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣገልግሎት እንጥቀመሉ ቐንዲ ንዋት እዩ። ‘ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ኣጸቢቕና ምእንቲ ኽንዳሎ፡ ምሉእ ብምሉእ ብቑዓት’ ይገብረና እዩ። (2 ጢሞ. 3:16, 17) ኣብ ኣገልግሎት ብዝያዳ ውጽኢታውያን ምዃንና፡ ኣብ ብዝሒ እቲ  እነንብቦ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ነቲ ጥቕስታት እነረድኣሉን እንገልጸሉን መገዲ እዩ ዚምርኰስ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:2, 3 ኣንብብ።) ነዚ ዚስዕብ ሰለስተ ኣብነት እስከ ንርአ።

ኣብ ኣገልግሎት ብዝያዳ ውጽኢታውያን ምዃንና፡ ኣብ ምንታይ እዩ ዚምርኰስ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ)

8, 9. (ሀ) የሱስ ምስቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ማዕረ ምዃኑ ንዚኣምን ሰብ ከነረድኣሉ እንኽእል ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብዚ መዳይ እዚ ውጽኢታዊ ዀይኑ ዝረኸብካዮ ኻልእ መገዲ ኣሎዶ፧

8 ኣብነት 1፦ ኣብ ኣገልግሎት፡ የሱስ ምስቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ማዕረ ምዃኑ ዚኣምን ሰብ ኣጋጢሙና። ነቲ ሰብ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ምእንቲ ኸነረድኦ፡ ነየኖት ጥቕስታት ክንጥቀም ንኽእል፧ ነተን ኣብ ዮሃንስ 6:38 ዚርከባ፡ “ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ክገብር ኣይኰንኩን ካብ ሰማይ ወሪደ ዘለኹ” ዚብላ ቓላት የሱስ ንኼንብበን ክንዕድሞ ንኽእል ኢና። ድሕሪኡ፡ “የሱስ፡ እቲ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ ካብ ሰማይ ደኣ እሞ መን ልኢኽዎ፧ እቲ ዝለኣኾ ደይኰነን ካብ የሱስ ዝዓበየ ኪኸውን ዘለዎ፧ ምኽንያቱ፡ ለኣኺ ኻብ ተለኣኺ ይበልጽ እዩ” ኽንብሎ ንኽእል ኢና።

9 ብዘይካዚ፡ ነቲ ኣምላኽ ንየሱስ ካብ ሞት ኣተንሲኡ ብዛዕባ ዝገበረሉ ነገራት ዚገልጽ ኣብ ፊልጲ 2:9 ዚርከብ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጸሓፎ ሓሳባት ከነንብበሉ ንኽእል ኢና። እታ ጥቕሲ፡ “ኣምላኽ [ንየሱስ] ናብ ዝለዓለ ቦታ ልዕል ኣበሎ፡ ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስም እውን ብለውሃት ሃቦ” ትብል። ነቲ ሰብ ብዛዕባ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ንኺሓስብ ምእንቲ ኽንሕግዞ፡ “የሱስ ቅድሚ ሙማቱ ማዕረ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ ኣምላኽ ድማ ጸኒሑ ናብ ዝለዓለ ቦታ ልዕል እንተ ኣቢልዎ፡ የሱስ ልዕሊ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ደይኰነን ዚኸውን፧ ከመይ ኢሉ እዩ እሞ ዝዀነ ይኹን ኣካል ልዕሊ ኣምላኽ ኪኸውን ዚኽእል፧” ኢልና ኽንሓትቶ ንኽእል ኢና። እቲ ሰብ ንቓል ኣምላኽ ዜኽብሮን ቅኑዕ ዝልቡን እንተ ዀይኑ፡ እቲ እተጠቐምናሉ መረድኢ፡ ነቲ ጕዳይ ብዝያዳ ንኺምርምሮ ኺድርኾ ይኽእል እዩ።—ግብ. 17:11

10. (ሀ) ኣብ ገሃነም እሳት ንዚኣምን ሰብ ብኸመይ ከነረድኦ ንኽእል፧ (ለ) ብዛዕባ ገሃነም እሳት ክትመያየጥ ከለኻ፡ ውጽኢታዊ ዀይኑ ዝረኸብካዮ መገዲ እንታይ እዩ፧

10 ኣብነት 2፦ ሓደ ሃይማኖተኛ ብዓል ቤት፡ እኩያት ሰባት ኣብ ገሃነም እሳት ንዘለኣለም ከም ዘይሳቐዩ ዚገልጽ ሓሳብ ኪወሓጠሉ ኣይከኣለን። እቲ ብዓል ቤት ኣብ ገሃነም እሳት ዚኣምን፡ እኩያት ሰባት በቲ ዚገብርዎ ሕማቕ ነገራት ኪቕጽዑ ስለ ዚደሊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነዚ ውልቀ ሰብ እዚ ብኸመይ ከነረድኦ ንኽእል፧ ብቐዳምነት፡ እኩያት ብርግጽ ከም ዚቕጽዑ ኸነረጋግጸሉ ንኽእል ኢና። (2 ተሰ. 1:9) ድሕሪኡ፡ ዘፍጥረት 2:16, 17 ንኼንብብ ብምዕዳም፡ መቕጻዕቲ ሓጢኣት፡ ሞት ምዃኑ ኸነርእዮ ንኽእል ኢና። ኣዳም ብምኽንያት እቲ ዝፈጸሞ ሓጢኣት፡ ኵሎም ደቂ ሰብ ሓጥኣን ኰይኖም ከም ዚውለዱ ገይሩ እዩ። (ሮሜ 5:12) ኰይኑ ግና፡ ኣምላኽ ንኣዳም፡ ኣብ ገሃነም እሳት ኣእትዩ ኸም ዚቐጽዖ ኣይነገሮን። ብዛዕባ እዚ ድሕሪ ምግላጽና፡ ነቲ ብዓል ቤት፡ “ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ገሃነም እሳት ዚሳቐዩ እንተ ዚዀኑ ነይሮም፡ ኣቐዲምካ መጠንቀቕታ ኺውሃቦም ኣይምተገብአንዶ፧”  ኢልና ኽንሓትቶ ንኽእል ኢና። ድሕሪኡ፡ ነታ ብዛዕባ መቕጻዕቲ ኣዳምን ሄዋንን እትገልጽ ዘፍጥረት 3:19 ኸነንብበሉ፡ ኣብታ ጥቕሲ ብዛዕባ ገሃነም እሳት ከም ዘይተገልጸ ድማ ክንሕብሮ ንኽእል ኢና። ኣዳም ናብ መሬት ከም ዚምለስ እዩ ተነጊርዎ። ስለዚ፡ “ኣዳም ብሓቂ ናብ ገሃነም እሳት ዚኣቱ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ ናብ መሬት ከም ዚምለስ ምንጋር ፍትሓዊዶ ምዀነ፧” ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና። እቲ ብዓል ቤት ሰፊሕ ኣተሓሳስባ እንተ ኣልይዎ፡ በቲ ሕቶ ተደሪኹ ነቲ ጕዳይ ብዕምቈት ኪሓስበሉ ይኽእል እዩ።

11. (ሀ) ኵሎም ጻድቃን ናብ ሰማይ ከም ዚኸዱ ንዚኣምን ሰብ ከነረድኣሉ እንኽእል ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧ (ለ) ብዛዕባ ናብ ሰማይ ምኻድ ከተረድእ ከለኻ፡ ውጽኢታዊ ዀይኑ ዝረኸብካዮ ኻልእ መገዲ እንታይ እዩ፧

11 ኣብነት 3፦ ኣብ ኣገልግሎት፡ ኵሎም ጻድቃን ናብ ሰማይ ከም ዚኸዱ ዚኣምን ሰብ ኣጋጢሙና። ከምዚ ዓይነት እምነት፡ ነቲ እቲ ብዓል ቤት ንመጽሓፍ ቅዱስ ዚርድኣሉ መገዲ ኺጸልዎ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ነቲ ብዓል ቤት፡ ራእይ 21:4 ኣርኢናዮ ንበል። (ኣንብብ።) ንሱ ግና፡ እቲ ኣብታ ጥቕሲ ተጠቒሱ ዘሎ በረኸት፡ ነቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ህይወት ከም ዜመልክት ገይሩ ይሓስብ ይኸውን። እሞኸ ብኸመይ ከነረድኦ ንኽእል፧ ተወሳኺ ጥቕሲ ኣብ ክንዲ እንጠቅስ፡ ኣብታ ጥቕሲ ኣብ ዚርከብ ነጥብታት ከነተኵር ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ‘ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን እዩ’ ዚብል ሓሳብ ኣሎ። ስለዚ፡ ነቲ ብዓል ቤት፡ “ብዛዕባ ሓደ ነገር ‘ደጊም ኣይኪኸውንን እዩ’ እንተ ተባሂሉ፡ ኣቐዲሙ ኺህሉ ኣለዎ ማለት እዩ፡ ኣይመስለካን፧” ኢልና ኽንሓትቶ ንኽእል ኢና። ‘እወ’ ኢሉ ይምልስ ይኸውን። ሽዑ ንሕና፡ ኣብ ሰማይ ግና ሞት ከም ዘየለን ሰባት ኣብ ምድሪ ጥራይ ከም ዚሞቱን ክንነግሮ ንኽእል ኢና። ስለዚ፡ ራእይ 21:4 ነቲ ኣብ መጻኢ ኣብ ምድሪ ዚህሉ በረኸት እተመልክት ክትከውን ኣለዋ።—መዝ. 37:29

ነቲ ነጥቢ ዜጕልሕ ምሳሌ ተጠቐም

12. የሱስ ምሳሌ እተጠቕመ ስለምንታይ እዩ፧

12 የሱስ ኣብ ዕዮ ስብከቱ፡ ሕቶታት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምሳሌታት እውን ተጠቒሙ እዩ። (ማቴዎስ 13:34, 35 ኣንብብ።) እቲ ምሳሌታቱ ድማ፡ ንውሽጣዊ ድራኸ ሰማዕቱ ንኺፈልጥ ሓጊዝዎ እዩ። (ማቴ. 13:10-15) ብዘይካዚ፡ ንትምህርቱ ሰሓብን ዘይርሳዕን ገይርዎ እዩ። ንሕናኸ ኣብ እንምህረሉ እዋን፡ ምሳሌ ኽንጥቀም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

13. ኣምላኽ ካብ የሱስ ከም ዚዓቢ ንምግላጽ፡ እንታይ ምሳሌ ኽንጥቀም ንኽእል፧

13 መብዛሕትኡ እዋን፡ ዝበለጸ ምሳሌ ንኽትርድኦ ቐሊል እዩ። ንኣብነት፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ካብ የሱስ ከም ዚዓቢ ኽንገልጽ ከለና፡ ነዚ ዚስዕብ ኣቀራርባ ኽንጥቀም ንኽእል ኢና። ኣምላኽን የሱስን ብዛዕባ ርክቦም ኪገልጹ ኸለዉ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ስድራ ቤት ዘሎ ርክብ እዮም ዚጥቀሙ። ኣምላኽ ንየሱስ ከም ወዱ ገይሩ ጠቒስዎ ኣሎ፣ የሱስ ከኣ ንኣምላኽ፡ ኣቦኡ ኸም ዝዀነ ገይሩ ጠቒስዎ ኣሎ። (ሉቃ. 3:21, 22፣ ዮሃ. 14:28) ስለዚ፡ ነቲ ብዓል ቤት፡ “ክልተ ሰባት ማዕረ ምዃኖም ከተረድኣኒ እንተ ደሊኻ፡ ኣብነት ከኣ ክትጥቀም እንተ ሓሲብካ፡ እንታይ ዓይነት ናይ ስድራ ቤት ርክብ ምተጠቐምካ፧” ኢልና ኽንሓትቶ ንኽእል ኢና። እቲ ብዓል ቤት፡ ክልተ ኣሕዋት፡ ምናልባት እውን ማናቱ ይጠቅስ ይኸውን። ኣስዕብ ኣቢልና፡ ከምዚ ኽንብል ንኽእል ኢና፦ “ጽቡቕ ኣብነት ኢኻ ጠቒስካ። ኣነን ንስኻን ብቐሊሉ ኸምዚ ዓይነት ምሳሌ ኽንጥቀም ካብ ከኣልና፡ የሱስ ከም ዓብዪ መምህር መጠን፡ ተመሳሳሊ ኣብነት ኣይምሃበንዶ፧ ንሱ ግና፡ ኣምላኽ ኣቦኡ ኸም ዝዀነ እዩ ተዛሪቡ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ኣምላኽ ብዕድመ ዀነ ብስልጣን ካብኡ ኸም ዚዓቢ ኣርእዩ እዩ።”

14. ኣምላኽ ንሰባት ኣብ ገሃነም እሳት ንምስቓይ ንድያብሎስ ኪጥቀመሉ ኸም ዘይክእል ዜርኢ እንታይ ምሳሌ ኣሎ፧

14 ካልእ ኣብነት እስከ ንርአ። ገሊኦም ሰባት፡ ሰይጣን “ሓለቓ” ገሃነም እሳት ከም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚኣምኑ። እሞኸ ንሓደ ወላዲ፡ ኣምላኽ ንሰባት ኣብ ገሃነም እሳት ንምስቓይ ንድያብሎስ ኪጥቀመሉ ኸም ዘይክእል ከነረድኦ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ “ውሉድካ ኸም ዝዓለወ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ብዙሕ ዜጕህየካ ሕማቕ ነገራት እንተ ዚገብር እንታይ ስጕምቲ ምወሰድካ፧” ኽንብሎ ንኽእል ኢና። እቲ ወላዲ፡ ንውሉዱ ኺእርሞ ኸም ዚጽዕር፡  ምናልባት እውን መገዱ ኽሳዕ ዚቕይር ብተደጋጋሚ ኺሕግዞ ኸም ዚፍትን ይነግረና ይኸውን። (ምሳ. 22:15) ሽዑ ነቲ ወላዲ፡ “ዝጸዓርካ እኳ እንተ ጸዓርካ፡ ነቲ እትነግሮ ነገራት እንተ ነጸጎኸ፧” ኢልና ኽንሓትቶ ንኽእል ኢና። መብዛሕትኦም ወለዲ፡ ኣብ መወዳእታኡ ንውሉዶም ከም ዚቐጽዕዎ እዮም ዚዛረቡ። ድሕሪኡ ኣስዕብ ኣቢልና፡ “ሓደ እኩይ ሰብኣይ ንውሉድካ፡ ዓለወኛ ንኪኸውን ይጸልዎ ኸም ዝነበረ እንተ ትፈልጥከ፧” ዚብል ሕቶ ኸነቕርበሉ ንኽእል ኢና። እቲ ወላዲ በቲ ሰብኣይ ከም ዚሓርቕ ኣየጠራጥርን እዩ። ቀጺልና፡ ነቲ ነጥቢ ንምጕላሕ፡ “እሞኸ እቲ እኩይ ሰብኣይ ንውሉድካ ይጸልዎ ኸም ዝነበረ እናፈለጥካ፡ ንውሉድካ ኪቐጽዓልካ ምሓተትካዮዶ፧” ኽንብሎ ንኽእል ኢና። እቲ ወላዲ፡ ‘ከምኡ እሞ ኣይገብርን እየ’ ኸም ዚብል ፍሉጥ እዩ። ብንጹር እምበኣር፡ ኣምላኽ ንእኩያት ሰባት፡ በቲ እኩይ ነገራት ንኺገብሩ ዚጸልዎም ድያብሎስ ተጠቒሙ ኣይቀጽዖምን እዩ።

ሚዛናዊ ኣረኣእያ ይሃሉኻ

15, 16. (ሀ) መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝሰበኽናሉ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንኺሰምዓና ኽንጽበ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ምእንቲ ኽንምህር፡ ፍሉይ ተውህቦ ኺህልወና የድሊ ድዩ፧ ግለጽ። (“ መልሲ ንኽንህብ እትሕግዘና ንዋት” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

15 ነቲ እንሰብኮ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚቕበሎ፡ ኵሉ ሰብ ኣይኰነን። (ማቴ. 10:11-14) ዋላ እውን ቅኑዕ ሕቶታትን ጽቡቕ መግለጽን ዝበለጸ ምሳሌን እንተ ተጠቐምና፡ ኵሉ ሰብ ንመልእኽትና ይቕበሎ ማለት ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ንትምህርቲ እቲ ዝዓበየ መምህር ዝዀነ የሱስ እተቐበልዎ እውን፡ ብተዛማዲ ሒደት እዮም ነይሮም።—ዮሃ. 6:66፣ 7:45-48

16 ብኣንጻሩ ድማ፡ ፍሉይ ተውህቦ ዘይብልና ዀይኑ እኳ እንተ ተሰምዓና፡ ኣብ ኣገልግሎት ውጽኢታውያን ክንከውን ንኽእል ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 4:13 ኣንብብ።) ቃል ኣምላኽ፡ “ኵሎም እቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘንቀዱ” ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብርግጽ ከም ዚቕበልዎ የረጋግጸልና እዩ። (ግብ. 13:48) ስለዚ፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስናን ብዛዕባ እቶም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ እንነግሮም ሰባትን ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኺህልወና ኣለዎ። ነቲ የሆዋ ዚህበና ስልጠና ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀመሉ ኣሎና፣ ንዓናን ንዚሰምዑናን ከም ዚጠቅም ድማ ክንተኣማመን ኣሎና። (1 ጢሞ. 4:16) የሆዋ፡ “ንነፍሲ ወከፍ” ሰብ ከመይ ጌርና ኽንምልሰሉ ከም ዚግብኣና ንኽንፈልጥ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ሓደ ኻብቲ ኣብ ኣገልግሎት ዕዉታት ክንከውን እንኽእለሉ መገዲ፡ ነታ ወርቃዊት ሕጊ ብምስዓብ ምዃኑ ኽንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 6 ኣብ ናይ 1 ጥቅምቲ 2009 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ኣብ ፈጣሪ ምእማን ይከኣል ድዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

ኣብ ኣገልግሎት ብዝያዳ ውጽኢታውያን ምዃንና፡ ኣብ ምንታይ እዩ ዚምርኰስ፧

 (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ)