ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 ካብ መዛግብትና

‘ዕዮ ቐውዒ ገና ኣይተዛዘመን’

‘ዕዮ ቐውዒ ገና ኣይተዛዘመን’

እዋኑ 1923 እዩ ነይሩ። እቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ድራማን ሙዚቃን ሳኦ ፓውሎ ዚርከብ ሙዚቃዊ ምርኢት ዚርኣየሉ ቦታ፡ ብሰብ ቅጽጽ ኢሉ ነበረ። ጆርጅ ያንግ ነቲ ኸም ማይ ዚፈስስ መደረኡ ኬቕርብ ከሎ ብኣእምሮኻ ኽትስእሎ ትኽእል ኢኻ። ነፍሲ ወከፍ ዚዛረባ ዝነበረ ምልእቲ ሓሳብ፡ ናብ ፖርቱጋልኛ ትትርጐም ነበረት። እቶም 585 ዚዀኑ ተኣከብቲ፡ ጽን ኢሎም ይሰምዑ ነበሩ። እቲ ብፖርቱጋልኛ ዚንበብ ዝነበረ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብፕሮጀክተር ኣብ መንደቕ ይርአ ነበረ። ኣብ መወዳእታ፡ ብኣሽሓት ዚቝጸር ቅዳሓት እታ ሚልዮንስ ናው ሊቪንግ ዊል ነቨር ዳይ! (ሚልዮናት ሕጂ ብህይወት ዘለዉ ፈጺሞም ኣይኪሞቱን እዮም) ዘርእስታ ጽሕፍቲ፡ እንተላይ ብእንግሊዝኛን ብጀርመንኛን ብጥልያንኛን ተዓደለ። እቲ መደረ ዕዉት እዩ ነይሩ። ብዛዕባኡ ብዙሕ ስለ እተወርየ ድማ፡ ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ እውን፡ እቲ መአከቢ ኽሳዕ ዓንቀሩ መልአ። ከምዚ ኪኸውን ዝኸኣለ ግና ብኸመይ እዩ፧

ጆርጅ ያንግ ኣብ መጋቢት 1923 ኣብ ሪዮ ዲ ዤኔሮ በጽሐ

ብ1867 ሳራ ቢሎና ፈርጉሰን ምስ ስድራ ቤታ ዀይና፡ ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ናብ ብራዚል ገዓዘት። ብ1899 ምንኣሳ ሓዋ ኻብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ናብ ብራዚል ሒዝዎ ዝመጸ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣንበበት፡ ንሓቂ ኸም ዝረኸበታ ፈለጠት። ብዝያዳ ኸተንብብ ስለ ዝደለየት ድማ፡ ግምቢ ዘብዐኛ ብእንግሊዝኛ ምእንቲ ኺመጻ፡ ኰንትራት ኣተወት። በቲ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ እተሓጐሰት፡ ንሓውና ቻርለስ ተይዝ ራስል ደብዳበ ጸሓፈትሉ፣ ኣብኡ ኸኣ ንገዛእ ርእሳ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ “ኪበጽሖ ዘይክእል ሰብ ከም ዘየለ እተርኢ ህያው መርትዖ” ኢላ ገለጸታ።

ሳራ ፈርጉሰን ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ክትነግሮም ዚከኣላ እኳ እንተ ጸዓረት፡ ንዓኣን ንስድራ ቤታን ንሓያሎ ብራዚላውያንን መን ብዝያዳ ኺሕግዞም ከም ዚኽእል የተሓሳስባ ነበረ። ብ1912 ቤት-ኤል ብሩክሊን ንሳራ፡ ዌር ኣር ዘ ደድ፧ (ምዉታት ኣበይ እዮም ዘለዉ፧) ዘርእስታ ብፖርቱጋልኛ እተዳለወት ትራክት ዝሓዘ ሰብ፡ ናብ ሳኦ ፓውሎ ኸም ዚመጽእ ሓበራ። ብ1915 ብዙሓት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ሰማይ ኪኸዱ ይጽበዩ ምንባሮም፡ ወትሩ የገርማ ኸም ዝነበረ ተዛረበት። ብዛዕባ እዚ ርእይቶኣ ኽትገልጽ ከላ ድማ፡ “ብራዚልን ብምሉኡ  ደቡብ ኣመሪካንከ እንታይ እዩ ኪኸውን፧ . . . ደቡብ ኣመሪካ ኽሳዕ ክንደይ ሰፊሕ ቦታ ምዃኑ ኽትሓስብ ከለኻ፡ ዕዮ ቐውዒ ገና ኸም ዘይተዛዘመ ብቐሊሉ እዩ ዚርድኣካ” ኢላ ጸሓፈት። እወ፡ ዕዮ ቐውዒ ገና እዩ ነይሩ።

ኣብ ከባቢ 1920፡ መንእሰያት ዝዀኑ ሸሞንተ ብራዚላውያን ባሕረኛታት፡ መርከቦም ክትዕረ ኸላ፡ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ኣብ ኣኼባ ጉባኤ ተኣከቡ። ናብ ሪዮ ዲ ዤኔሮ ምስ ተመልሱ፡ ነቲ ሓድሽ ዝረኸብዎ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ተስፋኦም ንኻልኦት ኪነግርዎም ጀመሩ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣብ መጋቢት 1923፡ እቲ ፒልግሪም ወይ ገያሺ ሓላዊ ዝነበረ ጆርጅ ያንግ ናብ ሪዮ ዲ ዤኔሮ መጸ፣ ኣብኡ ኸኣ ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ረኸበ። ብዙሕ ሕታማት ብፖርቱጋልኛ ኸም ዚትርጐም ከኣ ገበረ። ሓውና ያንግ ናብታ ኣብቲ እዋን እቲ ኣስታት 600,000 ተቐማጦ ዝነበሩዋ ሳኦ ፓውሎ ኸደ። ከምቲ ኣብ መእተዊ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ እተገልጸ ድማ፡ ኣብኡ መደረ ኣቕረበ፣ ነታ ሚልዮናት እትብል ጽሕፍቲ ድማ ዘርግሓ። “በይነይ ስለ ዝነበርኩ፡ ምሉእ ብምሉእ ነቲ ኣብ ጋዜጣ ዚወጽእ መወዓውዒ ኽጥቀም ነበረኒ” ድማ በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ እቲ መደረታት “ነቲ ኣብ ብራዚል ዝነበረ ኣይ.ቢ.ኤስ.ኤ. ዚብል ሕጋዊ ስም ዚጥቀምን ንህዝቢ ዝቐረበን ናይ መጀመርታ መደረታት እዩ ነይሩ” በለ። *

ብ15 ታሕሳስ 1923 ዝወጸት ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ብዛዕባ ብራዚል ኣብ ዘውጸኣቶ ጸብጻብ፡ “እቲ ዕዮ ብ1 ሰነ ኺጅመር ከሎ ዋላ ሓንቲ ጽሑፍ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ጐይታ ነቲ ዕዮ ብዜደንቕ መገዲ እዩ ባሪኽዎ” በለት። እቲ ጸብጻብ ኣስዕብ ኣቢሉ ኸም ዝገለጾ፡ እቲ ሓውና ያንግ ኣብ ሳኦ ፓውሎ ዘቕረቦ ህዝባዊ መደረ፡ ካብቲ ኻብ 1 ሰነ ኽሳዕ 30 መስከረም ኣብ ዝነበረ እዋን ዝቐረበ 21 መደረ፡ ክልተ ጥራይ እዩ ነይሩ፣ ብድምር ድማ 3,600 ተኣከብቲ ነበሩ። ኣብ ሪዮ ዲ ዤኔሮ፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ቀስ ብቐስ እናሰፍሐ ኸደ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ ድማ፡ ልዕሊ  7,000 ዚኸውን ሕታማት ፖርቱጋልኛ ተዓደለ። ብዘይካዚ፡ ብፖርቱጋልኛ እተዳለወ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ፡ ካብ ሕዳር-ታሕሳስ 1923 ጀሚሩ ኺወጽእ ጀመረ።

ሓውና ያንግ መደረ ኬቕርብ ከሎ፡ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብፕሮጀክተር ኣብ መንደቕ ይርአ ነበረ

ጆርጅ ያንግ ምስ ሳራ ፈርጉሰን ተራኸበ፣ ግምቢ ዘብዐኛ ድማ ከምዚ ዚብል ጸብጻብ ሒዛ ወጸት፦ “እታ ሓብትና ናብ ሳሎን ምስ መጸት፡ ንእተወሰነ እዋን እትዛረቦ ጠፊእዋ ስቕ በለት። ኣብ መወዳእታኡ፡ ንኢድ ሓውና ያንግ ሒዛ ዓይኒ ዓይኑ እናረኣየቶ፡ ‘ብሓቂ ገያሺ ሓላዊ ድየ ዝርኢ ዘለኹ፧’” በለት። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ንሳን ገሊኦም ደቃን ተጠምቁ። ን25 ዓመት ድማ እያ ተጸብያ። ናይ 1 ነሓሰ 1924 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ብራዚል፡ መብዛሕትኦም ከኣ ኣብ ሪዮ ዲ ዤኔሮ፡ 50  ሰባት ከም እተጠምቁ ጠቒሳ ነበረት።

ሕጂ ኣስታት 90 ዓመት ጸኒሑ፡ “ብራዚልን ብምሉኡ ደቡብ ኣመሪካንከ እንታይ እዩ ኪኸውን፧” ኢልና ኽንሓትት ኣየድልየናን እዩ። ኣብ ብራዚል ጥራይ፡ ልዕሊ 760,000 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኩ ኣለዉ። ኣብ ብምሉኡ ደቡብ ኣመሪካ ድማ፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብፖርቱጋልኛን ብስጳንኛን ብብዙሕ ቋንቋታት ደቀባትን ይስበኽ ኣሎ። ብ1915 ሳራ ፈርጉሰን፡ ‘ዕዮ ቐውዒ ገና ኣይተዛዘመን’ ክትብል ሓቃ እያ ነይራ።—ኣብ ብራዚል ካብ ዚርከብ መዛግብትና።

^ ሕ.ጽ. 6 ኣይ.ቢ.ኤስ.ኤ. ንኣህጉራዊ ማሕበር ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዜመልክት ኣሕጽሮት እዩ።