ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣፍቅሮ’

‘ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣፍቅሮ’

“ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ኣፍቅሮ።”—ማቴ. 22:37

1. ኣብ መንጎ ኣምላኽን ወዱን ዝነበረት ፍቕሪ ኽትዓቢ ዝኸኣለት ስለምንታይ እያ፧

እቲ ወዲ የሆዋ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ፡ ‘ኣነ ንኣቦ አፍቅሮ እየ’ በለ። (ዮሃ. 14:31) “ኣቦ ንወዲ ይፈትዎ” እውን ኢሉ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 5:20) እዚ ኼገርመና ኣይግባእን እዩ። ከመይሲ፡ የሱስ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ፡ ወሓለ “ሰራሕተኛ” ዀይኑ ንብዙሕ እዋናት ምስ ኣምላኽ ይነብር ነይሩ እዩ። (ምሳ. 8:30) ምስ የሆዋ ዀይኖም ብሓባር ኪዓይዩ ኸለዉ ድማ፡ ብዛዕባ ባህርያት ኣቦኡ ብዙሕ ተማሂሩ እዩ፣ ስለዚ፡ የሱስ ንኣቦኡ ዜፍቅረሉ ማእለያ ዘይብሉ ምኽንያት ነይርዎ እዩ። ኣብ መንጎ ኣቦን ወድን ዝነበረ ቕርርብ፡ ፍቕሮም ከም እትዓቢ ገይሩ ኪኸውን ኣለዎ።

2. (ሀ) ፍቕሪ እንታይ ተጠቓልል፧ (ለ) ነየናይ ሕቶታት ኢና ኽንመያየጠሉ፧

2 ፍቕሪ፡ ንኻልእ ሰብ እተርእዮ ዓሚቝ ናይ ምፍታው ስምዒት ተጠቓልል። እቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ዝነበረ ዳዊት፡ “ዎ እግዚኣብሄር ሓይለይ፡ ኤፍቅረካ እየ” ኢሉ ዘመረ። (መዝ. 18:1) ኣምላኽ ስለ ዜፍቅረና፡ ንሕና እውን ንኣምላኽ ከምኡ ዓይነት ስምዒት እዩ ኺህልወና ዘለዎ። ንየሆዋ እንተ ተኣዚዝናዮ፡ ንሱ ኼፍቅረና እዩ። (ዘዳግም 7:12, 13 ኣንብብ።) ይኹን እምበር፡ ንኣምላኽ ብዓይንና ኽንርእዮ ዘይንኽእል ክነስና፡ ብሓቂ ኸነፍቅሮ ንኽእል ዲና፧ ንየሆዋ ምፍቃር እንታይ ማለት እዩ፧ ስለምንታይ ኢና እነፍቅሮ፧ ከም እነፍቅሮኸ ብኸመይ ኢና ኸነርኢ እንኽእል፧

 ንኣምላኽ ከነፍቅሮ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

3, 4. ንየሆዋ ኸነፍቅሮ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

3 “ኣምላኽ መንፈስ እዩ፣” ስለዚ፡ ክንርእዮ ኣይንኽእል ኢና። (ዮሃ. 4:24) ኰይኑ ግና፡ ንየሆዋ ኸነፍቅሮ ንኽእል ኢና፣ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እውን ከምኡ ንኽንገብር ኢና ተኣዚዝና ዘሎና። ንኣብነት፡ ሙሴ ንእስራኤላውያን፡ “ንስኻ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ፍተዎ” ኢልዎም ነበረ።—ዘዳ. 6:5

4 ንኣምላኽ ኣዚና ኸነፍቅሮ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ ንመንፈሳዊ ነገራት ከም እንሃርፍ ገይሩ ስለ ዝፈጠረናን ፍቕሪ ናይ ምግላጽ ክእለት ስለ ዝሃበናን እዩ። መንፈሳዊ ህርፋንና ብግቡእ ኪዓግብ ከሎ፡ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ትዓቢ፣ እዚ ኸኣ ብዝያዳ ሕጉሳት ይገብረና። የሱስ፡ “መንፈሳውነት ዚሃርፉ፡ መንግስተ ሰማያት ናታቶም እያ እሞ፡ ሕጉሳት እዮም” ኢሉ ነበረ። (ማቴ. 5:3) ገሊኦም ሰባት፡ ንኣምላኽ ናይ ምምላኽ ባህርያዊ ባህጊ ኸም ዘሎና ይገልጹ እዮም፣ ሓደ ጸሓፊ እውን እንተ ዀነ፡ “ኵሎም ደቂ ሰብ ብሓፈሻ ንሓደ ልዑል ኣካል ንምንዳይን ኣብኡ ንምእማንን ከም ዚጽዕሩ ኽንርኢ ኸለና፡ ክንግረምን ክንድነቕን ከነስተንክርን እዩ ዘሎና” ኢሉ ጽሒፉ እዩ።—ማን ዳዝ ኖት ስታንድ ኣሎን፡ ብኣብርሃም ክረሲ ሞሪሰን።

5. ንኣምላኽ ምንዳይ ከንቱ ኸም ዘይኰነ ብኸመይ ንፈልጥ፧

5 ንኣምላኽ ምንዳይ ከንቱ ድዩ፧ ኣይፋልን፣ ከመይሲ፡ ንሱ እውን እንተ ዀነ፡ ንዕኡ ኸነናድዮ እዩ ዚደልየና። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኣርዮስፋጎስ ተኣኪቦም ንዝነበሩ ሰባት ኪምስክረሎም ከሎ፡ ነዚ ኣነጺርዎ እዩ። ኣርዮስፋጎስ ኣብ ጥቓ ፓርተኖን፡ ማለት ኣብ ጥቓ እቲ ንኣምላኽ ጥንታውያን ኣቴናውያን እተወፈየ ቤተ መቕደስ እዩ ነይሩ። ጳውሎስ ብዛዕባ ‘እቲ ዓለምን ኣብኣ ዘሎን ዝገበረ ኣምላኽን ብኢድ ኣብ እተሃንጸ ኣብያተ መቕደስ ከም ዘይነብርን’ ኪዛረብ ከሎ፡ ኣብኡ ኸም ዝነበርካ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣስዕብ ኣቢሉ ኸምዚ በለ፦ “ካብ ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሊ ዅላ ገጽ ምድሪ ኺነብሩ፡ ኵሉ ህዝቢ ገበረ፣ ምዱብ እዋናትን ዚነብሩሉ ድዉብ ደረትን ከኣ ወሰነሎም፣ እዚ ድማ ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ ኽነሱ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልይዎ፡ ሃሰስ ኢሎም እውን እንተ ረኸብዎ ኢሉ እዩ።” (ግብ. 17:24-27) እወ፡ ሰባት ንኣምላኽ ኪረኽብዎ ይኽእሉ እዮም። ልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮንን ፈረቓን ዚዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ‘ብሓቂ ረኺቦምዎ እዮም፣’ ካብ ልቦም ድማ እዮም ዜፍቅርዎ።

ንኣምላኽ ምፍቃር እንታይ ማለት እዩ፧

6. የሱስ፡ “እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ” ኣየነይቲ ምዃና እዩ ገሊጹ፧

6 ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ፡ ካብ ልቢ ዝመንጨወት ክትከውን ኣለዋ። የሱስ ንሓደ ፈሪሳዊ ኺምልሰሉ ኸሎ ነዚ ኣነጺርዎ ነይሩ እዩ፣ እቲ ፈሪሳዊ ንየሱስ፡ “መምህር፡ ኣብ ሕጊ ኣየነይቲ ትእዛዝ እያ ዝዓበየት፧” ኢሉ ሓተቶ። የሱስ ድማ፡ “‘ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ኣፍቅሮ።’ እዚኣ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ” ኢሉ መለሰሉ።—ማቴ. 22:34-38

7. ንኣምላኽ (ሀ) ‘ብምሉእ ልብና፡’ (ለ) ‘ብምሉእ ነፍስና፡’ (ሐ) ‘ብምሉእ ኣእምሮና፡’ ከነፍቅሮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

7 የሱስ፡ ንኣምላኽ ‘ብምሉእ ልብና’ ኸነፍቅሮ ኸም ዘሎና ኺገልጽ ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ በቲ ንባህግታትናን ንስምዒታትናን ኪጸልዎ ዚኽእል ምሳልያዊ ልብና፡ ምሉእ ብምሉእ ከነፍቅሮ ኸም ዘሎና እዩ ዚገልጽ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ‘ብምሉእ ነፍስና፡’ ማለት ብምሉእ ህይወትናን ኣካይዳናን ከነፍቅሮ ኣሎና። ኣብ ርእሲኡ እውን፡ ንኣምላኽ ‘ብምሉእ ኣእምሮና፡’ ማለት ብምሉእ ኣተሓሳስባና ኸነፍቅሮ ኣሎና። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ንየሆዋ ዋላ ሓንቲ ኸየጕደልና ምሉእ ብምሉእ ከነፍቅሮ ኣሎና።

8. ንኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ነፍቅሮ እንተ ዄንና፡ እንታይ ንኽንገብር ክንድረኽ ኢና፧

8 ንኣምላኽ ብምሉእ ልብንናን ብምሉእ ነፍስናን ብምሉእ ኣእምሮናን ነፍቅሮ እንተ ዄንና፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብትግሃት ከነጽንዖ፡ ምስ ዕላማታት የሆዋ ተሰማሚዕና ኽንመላለስ፡ ከምኡ እውን ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኣት ክንሰብኮ ኢና። (ማቴ. 24:14፣ ሮሜ 12:1, 2) ንየሆዋ ዘላትና ናይ ሓቂ ፍቕሪ፡ ናብኡ ብዝያዳ ኸተቕርበና እያ። (ያእ. 4:8) ሓቂ እዩ፡ ንዅሉ እቲ ንኣምላኽ እነፍቅረሉ ምኽንያት ክንዝርዝሮ ኣይንኽእልን ኢና። ይኹን እምበር፡ ቀጺልና እስከ ገለ ኻብኡ ንመርምር።

ንየሆዋ እነፍቅሮ ስለምንታይ ኢና፧

9. ንየሆዋ ኸም ፈጣሪናን ኣላዪናን መጠን እነፍቅሮ ስለምንታይ ኢና፧

9 የሆዋ ፈጣሪናን ኣላዪናን እዩ። ጳውሎስ፡ “ብእኡ ኢና እንነብርን እንወሳወስን፡ ብእኡ እውን ኢና ዘሎና” በለ። (ግብ. 17:28) ነዛ እተደንቕ ምድራዊት መንበሪትና ዝሃበና፡ የሆዋ እዩ። (መዝ. 115:16) ብዘይካዚ፡ ምግብን ንህይወት ዜድልየና ኻልእ ነገራትን ይህበና እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ጳውሎስ ነቶም ኣምለኽቲ ጣኦት ዝነበሩ ተቐማጦ ልስጥራ፡ “ህያው ኣምላኽ . . . ካብ ሰማይ ዝናምን ወቕቲ ፍርያትን ብምሃብ፡ ልብኹም እውን ብምግብን ብሓጐስን ብምምላእ፡ ጽቡቕ እናገበረ፡ ርእሱ ብዘይ ምስክር ኣይሓደገን” ዝበሎም። (ግብ. 14:15-17) እዝስ ነቲ ዓብዪ ፈጣሪናን ፈቃር ኣላዪናን ንኸነፍቅሮ ዚድርኽ ምኽንያት ደይኰነን፧—መክ. 12:1

10. ነቲ ኣምላኽ ንሓጢኣትን ንሞትን ንምውጋድ ዝገበሮ መሰናድዎ፡ እንታይ ምላሽ ክንህበሉ ኣሎና፧

10 ኣምላኽ ነቲ ኻብ ኣዳም ዝወረስናዮ ሓጢኣትን ሞትን ንምጥፋእ መሰናድዎ ገይሩ እዩ። (ሮሜ 5:12) “ንሕና ገና ሓጥኣን ከለና፡ ክርስቶስ ምእንታና ብሙማቱ፡ ኣምላኽ ንፍቕሩ በዚ የርእየና ኣሎ።” (ሮሜ 5:8) እንተ ተነሲሕናን ኣብ መስዋእታዊ በጃ የሱስ ንኣምን እንተ ዄንናን፡ የሆዋ ንሕድገት ሓጢኣትና ዚኸውን መሰናድዎ ገይሩልና ኣሎ፣ እዚ መሰናድዎ እዚ፡ ንልብና በታ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ኸም ዚመልኦ ኣየጠራጥርን እዩ።—ዮሃ. 3:16

11, 12. የሆዋ እንታይ ተስፋ እዩ ሂቡና፧

11 የሆዋ፡ ‘ብሓጐስን ብሰላምን ዚመልኣና ተስፋ ይህበና’ እዩ። (ሮሜ 15:13) እቲ ኣምላኽ ዚህቦ ተስፋ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እምነትና ዚወርድ ፈተናታት ብጽንዓት ንኽንሰግሮ የኽእለና። እቶም ‘ክሳዕ ሞት እሙናት ዚዀኑ’ ቕቡኣት፡ ‘ኣኽሊል ሰማያዊ ህይወት ኪውሃቦም እዩ።’ (ራእ. 2:10) እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ሓለውቲ ንጽህና ድማ፡ ኣብታ ዓለምለኻዊት ገነት ንዘለኣለም ኪባረኹ እዮም። (ሉቃ. 23:43) ብዛዕባ ተስፋና እንታይ እዩ ዚስምዓና፧ ብሓጐስን ብሰላምን ደይኰንናን እንምላእ፧ ነቲ ወሃብ “ኵሉ ጽቡቕ ውህበትን ኵሉ ፍጹም ውህበትን” ዝዀነ ኣምላኽከ ብዝያዳ ደይኰንናን እነፍቅሮ፧—ያእ. 1:17

12 ኣምላኽ ነቲ ልቢ ዚትንክፍ ተስፋ ትንሳኤ ሂቡና እዩ። (ግብ. 24:15) እነፍቅሮ ሰብ ኪመዉት ከሎ ኣመና ንሓዝን እኳ እንተ ዀንና፡ ተስፋ ትንሳኤ ስለ ዘሎና፡ ‘ከምቶም ተስፋ ዘይብሎም ካልኦት ኣይንሓዝንን ኢና።’ (1 ተሰ. 4:13) የሆዋ ኣምላኽ ብፍቕሪ ተደሪኹ ንምዉታት፡ ብፍላይ ከኣ ነቶም ከም እዮብ ዝኣመሰሉ እሙናት ሰባት ኬተንስኦም ይናፍቕ እዩ። (እዮ. 14:15) ምዉታት ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኺትንስኡን ምስቶም ዜፍቅርዎም ሰባት ኪራኸቡን ከለዉ ንዚህሉ ባህ ዜብል እዋን እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ሽዑ ልብና፡ ነቲ ዜደንቕ ተስፋ ትንሳኤ ዝሃበና ሰማያዊ ኣቦና ብዘላትና ፍቕሪ ኽትምላእ እያ።

13. ኣምላኽ ብሓቂ ኸም ዚሓልየልና ዚሕብር እንታይ መርትዖ ኣሎ፧

13 የሆዋ ብሓቂ ይሓልየልና እዩ። (መዝሙር 34:6, 18, 19፣ 1 ጴጥሮስ 5:6, 7 ኣንብብ።) እቲ ፈቃር ኣምላኽና ነቶም እሙናቱ ወትሩ ኸም ዚሕግዞም ስለ እንፈልጥ፡ ‘ከም ኣባጊዕ መጓሰኡ’ መጠን ድሕንነት ይስምዓና እዩ። (መዝ. 79:13) ብዘይካዚ፡ ኣምላኽ ንዓና ዘላቶ ፍቕሪ፡ ኣብቲ ብመሲሓዊት መንግስቱ ኣቢሉ ንዓና ዚገብረልና ነገራት ክትርአ እያ። እቲ ንሱ ዝመረጾ ንጉስ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ንምድሪ ኻብ ዓመጻን ጭቈናን እከይን ምስ ኣጽረያ፡ እዙዛት ደቂ ሰብ ብነባሪ ሰላምን ብልጽግናን ኪባረኹ እዮም። (መዝ. 72:7, 12-14, 16) እዚ ተስፋ እዚ፡ ነቲ ሓላዪ ዝዀነ ኣምላኽና ብምሉእ ልብናን ብምሉእ ነፍስናን ብምሉእ ሓይልናን ብምሉእ ኣእምሮናን ከም እነፍቅሮ ዚገብረና ብቑዕ ምኽንያት ደይኰነን፧—ሉቃ. 10:27

14. ኣምላኽ እንታይ ክቡር መሰል እዩ ሂቡና፧

14 የሆዋ፡ መሰኻኽሩ ናይ ምዃን ክቡር መሰል ሂቡና እዩ። (ኢሳ. 43:10-12) ኣምላኽ፡ ንልዑላውነቱ ምእንቲ ኽንድግፍን ነቶም ኣብዛ ጭንቀት ዝመልኣ ዓለም ዚነብሩ ሰባት ናይ ሓቂ ተስፋ ምእንቲ ኸነካፍሎምን ኢሉ መሰኻኽሩ ናይ ምዃን ክቡር መሰል ስለ ዝሃበና፡ ነፍቅሮ ኢና። ብዘይካዚ፡ ኣብ ቃል እቲ መብጽዓኡ ዚሕሉ ናይ ሓቂ ኣምላኽ  እተመስረተ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ስለ እንእውጅ፡ ብምትእምማን ክንዛረብ ንኽእል ኢና። (እያሱ 21:45፣ 23:14 ኣንብብ።) ሓቂ እዩ፡ ነቲ የሆዋ ዚህበና በረኸትን ነቲ ንዕኡ እነፍቅረሉ ምኽንያትን፡ ዘርዚርና ኣይንውድኦን ኢና። ኰይኑ ግና፡ ነታ ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ ኸነርእያ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ነታ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ብኸመይ ከነርእያ ንኽእል፧

15. ንቓል ኣምላኽ ምጽናዕናን ምትግባርናን ኪሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

15 ንቓል ኣምላኽ ተጊህና ኸነጽንዖን ክንትግብሮን ኣሎና። ከምኡ ምግባርና፡ ንየሆዋ ኸም እነፍቅሮን ቃሉ ‘ንመገድና ብርሃን’ ኪዀነልና ኸም እንደልን ዜርኢ እዩ። (መዝ. 119:105) ዜጕሂ ነገር እንተ ኣጋጢሙና፡ በቲ ኸምዚ ዚስዕብ ዚብል ፍቕራዊ መተባብዒ ኽንጸናናዕ ንኽእል ኢና፦ “ዎ ኣምላኽ፡ ንስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ ኣይትንዕቆን ኢኻ።” “ጐይታየ፡ . . . ጸጋኻ ደገፈኒ። ጓሂ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ምስ በዝሔ፡ ምጽንናዕካ ንነፍሰይ ኣሐጐሳ።” (መዝ. 51:17፣ 94:18, 19) የሆዋ ነቶም መከራ ዜጋጥሞም ሰባት ይምሕሮም ወይ ይርሕርሓሎም እዩ፣ የሱስ እውን ብተመሳሳሊ ንሰባት ይድንግጸሎም ነይሩ እዩ። (ኢሳ. 49:13፣ ማቴ. 15:32) መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ኸም ዚሓልየልና ንኽንግንዘብ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ፣ እዚ ኸኣ ነታ ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ ኼዕምቛ እዩ።

16. ኣዘውቲርካ ምጽላይ፡ ነታ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ዜዕብያ ብኸመይ እዩ፧

16 ኣዘውቲርና ናብ ኣምላኽ ክንጸሊ ኣሎና። ጸሎትና ናብቲ ‘ጸሎት ዚሰምዕ’ ብዝያዳ ኸም እንቐርብ እዩ ዚገብረና። (መዝ. 65:2) ኣምላኽ ንጸሎትና ኺምልሶ ኸሎ ድማ፡ ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ ብዝያዳ እያ እትዓቢ። ንኣብነት፡ የሆዋ፡ ልዕሊ ዓቕምና ኽንፍተን ከም ዘይፈቅድ ኣብ ህይወትና ተመኪርናዮ ንኸውን። (1 ቈረ. 10:13) ኣብ እንጭነቐሉ እዋን ናብ የሆዋ እንተ ተማህሊልና፡ መወዳድርቲ ዘይብሉ “ሰላም ኣምላኽ” ክንረክብ ኢና። (ፊል. 4:6, 7) ሓድሓደ እዋን ልክዕ ከም ነህምያ ብልብና ንጽሊ፡ ጸኒሕና ድማ ጸሎትና ኸም እተመለሰ ንግንዘብ ንኸውን። (ነህ. 2:1-6) ‘ብጸሎት እንተ ጸኒዕናን’ የሆዋ ንልማኖና ብኸመይ ከም ዚምልሶ ነስተብህል እንተ ዄንናን፡ ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ ኽትዓቢ እያ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ እምነትና ዚወርድ ፈተናታት ንኽንዋጽኣሉ ኸም ዚሕግዘና ድማ ብዝያዳ ኽንተኣማመን ኢና።—ሮሜ 12:12

17. ንኣምላኽ ነፍቅሮ እንተ ዄንና፡ ንኣኼባታትና ብኸመይ ኢና እንርእዮ፧

 17 ኣብ ሰሙናውን ዓበይትን ኣኼባታት ናይ ምእካብ ልማድ ኪህልወና ኣለዎ። (እብ. 10:24, 25) እስራኤላውያን ብዛዕባ የሆዋ ምእንቲ ኺሰምዑን ኪመሃሩን፡ ንየሆዋን ንሕግታቱን ድማ ምእንቲ ኬኽብርዎ፡ ብሓባር ይእክቡ ነበሩ። (ዘዳ. 31:12) ንኣምላኽ ብሓቂ ነፍቅሮ እንተ ዄንና፡ ፍቓዱ ምፍጻም ከቢድ ኣይኰነን። (1 ዮሃንስ 5:3 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ዝዀነ ይኹን ነገር ንኣኼባታትና ኣቕሊልና ኸም እንርእዮ ንኺገብረና ኽንፈቅድ የብልናን። ነታ ንየሆዋ ዘላትና ቐዳመይቲ ፍቕሪ ኸይነጥፍኣ ድማ ክንጥንቀቕ ኣሎና።—ራእ. 2:4

18. ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ፡ ምስ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብዚተሓሓዝ እንታይ ንኽገብር እያ እትድርኸና፧

18 ንኻልኦት ሰባት፡ ብዛዕባ “ሓቂ እቲ ብስራት” ብቕንኣት ክንነግሮም ኣሎና። (ገላ. 2:5) ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ፡ ብዛዕባ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ንኽንዛረብ ትድርኸና እያ፣ እዛ መንግስቲ እዚኣ፡ በቲ ኣብ ኣርማጌዶን ‘ምእንቲ ሓቂ ዚወጽእ’ ወዲ ኣምላኽ እያ እትግዛእ። (መዝ. 45:4፣ ራእ. 16:14, 16) ንሰባት ብዛዕባ ፍቕሪ ኣምላኽን ብዛዕባ እታ እተመባጽዓ ሓዳስ ዓለምን ብምንጋር ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብሮምሲ፡ ክሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ!—ማቴ. 28:19, 20

19 ነቲ ኣምላኽ ንመጓሰኡ ንምጕሳይ ዚጥቀመሉ መሰናድዎ ኸነማስወሉ ኣሎና። (ግብ. 20:28) የሆዋ ዅሉ ሳዕ ንጥቕምና ስለ ዚሓስብ፡ ክርስትያን ሽማግለታት ሂቡና ኣሎ። ሽማግለታት “ካብ ንፋስ ከም ከውሊ፡ ካብ ህቦብላ ኸም ጸግዒ፡ ኣብ ደረቕ ምድሪ ኸም ወሓዚ ማያት፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከም ጽላል ዓብዪ ኸውሒ” እዮም። (ኢሳ. 32:1, 2) ካብ ሓያል ንፋስ ወይ ከኣ ካብ ኣዝዩ ቘራሪ ህቦብላ ዜዕቍበና ኸውሊ ኽንረክብ ከለና፡ ኣዚና ኢና እነማስወሉ። ሓያል ጸሓይ ምስ ወቕዓትና እንረኽቦ ጽላል ዓብዪ ኸውሒ፡ ባህ እዩ ዜብለና። እዚ ስእላዊ ኣዘራርባ እዚ፡ ሽማግለታት፡ መንፈሳዊ ሓገዝን ምትብባዕን ከም ዚህቡና ዜርኢ እዩ። ነቶም “ውህበት ሰብ” ዝዀኑ ዚመርሑና ሽማግለታት ክንእዘዞም ከለና፡ ክሳዕ ክንደይ ከም እነማስዎም ኢና እነርኢ፣ ንኣምላኽን ነቲ ርእሲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝዀነ ክርስቶስን ከም እነፍቅሮም እውን ነርኢ ኢና።—ኤፌ. 4:8፣ 5:23፣ እብ. 13:17

የሆዋ፡ ንመጓሰኡ ኻብ ልቢ ዚግደሱሉ ጓሶት ሂቡና እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 19 ርአ)

ንኣምላኽ ዘላትካ ፍቕሪ ትዕበ

20. ንኣምላኽ ተፍቅሮ እንተ ዄንካ፡ ንያእቆብ 1:22-25 እንታይ ምላሽ ክትህበላ ኢኻ፧

20 ምስ የሆዋ ኣብ ፍቕሪ እተመስረተ ርክብ እንተ ኣልዩካ፡ ‘ሰማዒ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ገባሪ ቓል ክትከውን ኢኻ።’ (ያእቆብ 1:22-25 ኣንብብ።) ‘ገባሪ ቓል’ ዝዀነ ሰብ ከኣ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ብቕንኣት ንኺካፈልን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንኺሳተፍን እትድርኾ እምነት ኣላቶ። ንኣምላኽ ብሓቂ ስለ እተፍቅሮ፡ ነቲ ንሱ ኻባኻ ዚጽበዮ ብቕዓት ዜጠቓልል “ፍጹም ሕጊ” የሆዋ ኽትእዘዞ ኢኻ።—መዝ. 19:7-11

21. ልባዊ ጸሎትካ ምስ ምንታይ ኪመሳሰል ይኽእል፧

21 ንየሆዋ ኣምላኽ ዘላትካ ፍቕሪ፡ ኣዘውቲርካ ናብኡ ንኽትጽሊ ኽትድርኸካ እያ። እቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ዝነበረ ዳዊት፡ ንጸሎቱ ምስቲ ኣብ ትሕቲ ኺዳን ሕጊ ሙሴ በብመዓልቱ ዚግበር ዝነበረ ዕጣን ናይ ምዕጣን ስርዓት ኣመሳሰሎ፣ “ጸሎተይ ኣብ ቅድሜኻ ኸም ዕጣን፡ ምልዓል ኢደይ ከም መስዋእቲ ምሸት ይኹን” ኢሉ ድማ ዘመረ። (መዝ. 141:2፣ ዘጸ. 30:7, 8) እቲ ንስኻ ብትሕትና እተቕርቦ ልመና ዀነ እቲ ኻብ ልቢ ዝነቐለ ምህለላኻን ውዳሰኻን ምስጋናኻን፡ ልክዕ ከምቲ ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን ኪኸውን እዩ፣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ እውን ተቐባልነት ኪረክብ እዩ።—ራእ. 5:8

22. ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ብዛዕባ ኣየነይቲ ፍቕሪ ኢና ኽንመያየጥ፧

22 የሱስ፡ ንኣምላኽን ንብጻይናን ከነፍቅር ከም ዘሎና ተዛሪቡ እዩ። (ማቴ. 22:37-39) ከምቲ ቐጺልና እንምርምሮ፡ ንየሆዋን ንስርዓታቱን ዘላትና ፍቕሪ፡ ምስ ካልኦት ሰባት ጽቡቕ ርክብ ንኺህልወናን ብጻይና ንኸነፍቅርን ክትሕግዘና ትኽእል እያ።