ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ

ትፈልጥዶ

ጥንታውያን ሃነጽቲ መርከብ፡ መራኽቦም ማይ ንኸይኣትወን እንታይ እዮም ዚጥቀሙ ነይሮም፧

ክኢላ ጥንታውያን መራኽብ ዝነበረ ሊዮነል ካሶን፡ ኣብ ግዜ ሮሜ ዝነበሩ ሃነጽቲ መርከብ ንመላግቦ መራኽቦም ማይ ከም ዘይልሕዅ ገይሮም ድሕሪ ምውታፎም እንታይ ይገብሩ ኸም ዝነበሩ ገሊጹ ኣሎ። ከምዚ በለ፦ “ንመላግቦ ወይ ከኣ ንዅሉ ግዳማዊ ኽፋል መርከብ ብቕጥራን ወይ ብቕጥራንን ብስምዕን ምልባጥ ኰነ ንውሽጣዊ ኽፋል መርከብ እውን ብቕጥራን ምልካይ ልሙድ እዩ ነይሩ።” እቶም ቅድሚ ሮማውያን ነዊሕ ዓመታት ኣቐዲሞም ዝነበሩ ባቢሎናውያን እውን ንመራኽቦም ማይ ምእንቲ ኸይኣትወን ቅጥራን ይጥቀሙ ነይሮም እዮም።

ከምዚ ዝኣመሰለ ፈሳሲ ቕጥራን ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ብብዝሒ ነበረ

ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እውን ኣብ ዘፍጥረት 6:14 ነዚ ሜላ እዚ ይጠቕሶ እዩ።

ተፈጥሮኣዊ ቕጥራን፡ ክልተ ዓይነት፡ ማለት ፈሳስን ደረቕን እዩ። ጥንታውያን ሃነጽቲ መርከብ ከኣ ፈሳሲ ዓይነት ቅጥራን እዮም ዚጥቀሙ ነይሮም፣ ብቐጥታ ድማ ኣብ መራኽቦም ይልብጥዎ ነበሩ። እቲ ፈሳሲ ሓንሳእ ምስ ተለበጠ፡ ይነቅጽን ይተርርን እሞ ማይ ዘየልሑኽ ሽፋን ኰይኑ የገልግል ነበረ።

ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዝነበራ ሃገራት፡ ቅጥራን ብብዝሒ እዩ ዚርከብ ነይሩ። እቲ ኣብ ከባቢ ምዉት ባሕሪ ዚርከብ ዝነበረ ለሰ ሲዲም፡ “ጐዳጕዲ ቕጥራን መሊኡ ነበረ።”—ዘፍጥረት 14:10

ጥንቲ፡ ዓሳ ንምዕቃብ እንታይ ሜላታት እዩ ዚዝውተር ነይሩ፧

ዓሳ ኻብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ፡ ኣገዳሲ ምግቢ እዩ። ገሊኦም ሃዋርያት የሱስ፡ ምስኡ ኺጐዓዙ ቕድሚ ምጅማሮም፡ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ገፈፍቲ ዓሳ እዮም ነይሮም። (ማቴዎስ 4:18-22) እንተ ወሓደ ገለ ኻብቲ ኣብኡ እተገፈ ዓሳ፡ ኣብ ከባቢኡ ኣብ ዝነበረ “ፋብሪካታት” ብመስርሕ ይሓልፍ ነይሩ እዩ።

ጥንታውያን ገፈፍቲ ዓሳ ዜርኢ ማሕተም ዕንጨይቲ

እቲ ኣብ ጥንታዊት ገሊላ፡ ዓሳ ንምዕቃብ ዚዝውተር ዝነበረ ሜላታት፡ ሎሚ እውን ኣብ ገሊኡ ቦታታት ይዝውተር እዩ። መጀመርታ፡ እቲ ዓሳ ኣምዑቱ ይወጽእ፡ ብማይ ከኣ ይሕጸብ። ስታድይስ ኢን ኣንሸንት ተክኖሎጂ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ቀጺሉ እንታይ ከም ዚግበር ከምዚ ብምባል ትገልጽ፦ “መተንፈሲ ኣካላቱን ኣፉን ቅርፍቱን ብጨው ይፍሕፋሕ። ጨውን ዓሳን በብተራ ተደራሪቡ ድማ ብንቑጽ ኣቝጽልቲ ይሽፈን። እቲ ኽምር እቲ ኻብ 3-5 መዓልቲ ምስ ጸንሐ፡ ይግልበጥ እሞ ኽንዳኡ ዚኣክል መዓልታት ከም ዚጸንሕ ይግበር። ኣብዚ ንምንቃጽ ዚግበር መስርሕ፡ እቲ ፈሳሲ ይነቅጽ፡ እቲ ጨው ከኣ ልሒኹ ናብቲ ዓሳ ይኣቱ። እቲ ዓሳ በዚ ኸምዚ ምስ ነቐጸ፡ ደረቕን ተሪርን እዩ ዚኸውን።”

ዓሳ በዚ መገዲ እዚ ምስ ተዓቀበ ንኽንደይ ዚኣክል ግዜ ኸም ዚጸንሕ ኣይፍለጥን እዩ። ግናኸ፡ ጥንታውያን ግብጻውያን ነቲ ብጨው እተዓቀበ ዓሳ ናብ ሶርያ ይልእክዎ ምንባሮም፡ እቲ ዜዘውትርዎ ዝነበሩ ሜላታት ብመጠኑ ጽቡቕ ከም ዝነበረ እዩ ዚሕብር።