ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንደቅኻ ብኸመይ ክትግስጾም ይግባእ፧

ንደቅኻ ብኸመይ ክትግስጾም ይግባእ፧

“ድምጺ ዅለን ዚሓልፋ ማካይን ብዓቕሊ ጽበት እሰምዖ ነበርኩ። ጆርዳን ካብቲ ኺኣተወሉ እትነግሮ ሰዓት ዘሕለፈ ንሳልሳይ ግዜኡ እዩ ነይሩ። ‘ኣበይ እዩ ዘሎ፧ ጸገም ኣጋጢምዎ ደዀን ይኸውን፧ እምበርዶ ኸም እንጭነቕ ይርድኦ እዩ፧’ እናበልኩ እሓስብ ነበርኩ። ገዛ ምስ ኣተወ፡ ስምዒተይ ክቈጻጸረሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃ እየ በጺሐ ነይረ።”ጆርጅ።

“ጓለይ ምስ ወጨጨት፡ ሰንቢደ እየ። ግልጽ ምስ በልኩ ድማ ኣእዳዋ ኣብ ርእሳ ሒዛ ኽትበኪ ርኣኽዋ። እቲ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ሓዋ እዩ ሃሪምዋ።”—ኒኮል።

ጓል ሽዱሽተ ዓመት ጓልና ናተሊ ምሽክንክን እናበለት፡ “‘ነታ ኻቲም ኣይሰረቕክዋን። ረኺበያ እየ!’ ኢላትና። ኣሉ ኢላ ብምትራር ክሳዕ እንበኪ እያ ገይራትና። ከም ዝሓሰወት ንፈልጥ ኔርና ኢና።”—ስቴፈን።

ወላዲ እንተ ዄንካ፡ ከምዞም ኣብ መእተዊ እተጠቕሱ ሰባት እተሰምዖም ይስምዓካ ድዩ፧ ተመሳሳሊ ዅነታት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ንውሉድካ ብኸመይ ክትግስጾ ኸም ዘሎካ ወይ ክትግስጾ ዜድሊ እንተ ዀይኑን እንተ ዘይኰይኑን ኣተሓሳሲቡካዶ ይፈልጥ፧ ንደቅኻ ምግሳጽ ጌጋ ድዩ፧

ተግሳጽ እንታይ እዩ፧

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ “ተግሳጽ” እትብል ቃል፡ ንመቕጻዕቲ ጥራይ ኣይኰነትን እተመልክት። ተግሳጽ ብቐዳምነት ምስ መምርሕን ትምህርትን መአረምታን እዩ ዚተሓሓዝ። ምስ ማህሰይቲ ወይ ጭካነ ፈጺሙ ኣይተሓሓዝን እዩ።—ምሳሌ 4:1, 2

ንውሉድ ምቕጻዕ፡ ኣታኽልቲ ምስ ምክንኻን ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ሓደ ኣታኽልተኛ መሬት የለስልስ፡ ንተኽሊ ማይ የስትዮን ይድኵዖን፡ ካብ ባልዕን ጻህያይን ከኣ ይከላኸሉ እዩ፣ እቲ ተኽሊ እናዓበየ ምስ ከደ፡ ብቕኑዕ ኣንፈት ዕቤቱ ምእንቲ ኪቕጽል ከኣ ይቕምቅሞ እዩ። ጥዑይ ተኽሊ ምእንቲ ኺህልዎ፡ እተፈላለየ ሜላታት ኪጥቀም ከም ዜድልዮ ይግንዘብ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ወለዲ ንደቆም ብብዙሕ መገድታት ይሓልዩሎም እዮም። ይኹን እምበር፡ ሓድሓደ ግዜ ተግሳጽ ኪህቡ ኼድልዮም ይኽእል እዩ። ከምቲ ሓደ ተኽሊ ብቕኑዕ ኣንፈት ንኺዓቢ ምቕምቃም ዜድልዮ፡ ቈልዑ እውን ሕማቕ ዝንባለታቶም ብኣጋኡ ተኣሪሙ ብቕኑዕ ኣንፈት ምእንቲ ኺዓብዩ ተግሳጽ የድልዮም እዩ። ይኹን እምበር፡ ሓደ ተኽሊ ንሓዋሩ ተጐዲኡ ምእንቲ ኸይተርፍ፡ ብጥንቃቐ ኪቕምቀም ኣለዎ። ብተመሳሳሊ፡ ወለዲ ንደቆም ኪግስጹ ኸለዉ፡ ብፍቕራዊ መገዲ ኺገብርዎ የድሊ።

የሆዋ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተገልጸ ኣምላኽ፡ ንወለዲ ጽቡቕ ኣብነት ሰሪዑሎም ኣሎ። እቲ ንሱ ዝህቦ ተግሳጽ ኣዝዩ ውጽኢታውን ተበሃግን ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ምድሪ ዘለዉ እዙዛት ኣምለኽቱ ‘ተግሳጽ ይፈትዉ’ እዮም። (ምሳሌ 12:1) እወ፡ ‘ንተግሳጽ ይሕዝዋን ይሕልውዋን እዮም።’ (ምሳሌ 4:13) ንስኻ እውን ነቲ ኣምላኽ ዚጥቀመሉ ተግሳጽ እንተ ቐዲሕካዮ፡ ንውሉድካ ኽትሕግዞ ትኽእል ኢኻ። ኣምላኽ ዚጥቀመሉ ሰለስተ ቐንዲ መገድታት ተግሳጽ፡  (1) ፍቕራዊ፡ (2) ሚዛናዊ፡ ከምኡ እውን (3) ጽኑዕ እዩ።

ፍቕራዊ ተግሳጽ

ኣምላኽ ብፍቕሪ ተደሪኹ እዩ ተግሳጽ ዚህብ። ስለዚ፡ መሰረት እቲ ኣምላኽ ዚህቦ ተግሳጽ፡ ፍቕሪ እያ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ከምቲ ኣቦ ንዘፍቀሮ ውሉዱ ዚቐጽዖ፡ ከምኡ ኸኣ እግዚኣብሄር ንዘፍቀሮ ይቐጽዖ እዩ” ይብል። (ምሳሌ 3:12) ብዘይካዚ፡ የሆዋ፡ “መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ፡ ንዅራ ደንጓይ” እዩ። (ዘጸኣት 34:6) ስለዚ፡ ሃሳዪ ወይ ጨካን ኣይኰነን። ከምኡ እውን ተሪር ቃላት ኣየውስእን፡ ወትሩ ኣይነቅፍን፡ ወይ ከኣ ብሽምጠጣ ኣየሳቕን እዩ። ከመይሲ፡ ኵሉ እዚ እተጠቕሰ ነገራት፡ “ከም ዚቘርጽ ሰይፊ” ዜቝስል እዩ።—ምሳሌ 12:18

ስማዕ

ወለዲ ነቲ ኣምላኽ ርእሱ ብምግታእ ዝገደፎ ፍጹም ኣብነት ምሉእ ብምሉእ ኪቐድሕዎ ኣይክእሉን እዮም። አረ ሓድሓደ ግዜስ፡ ክትዕገስ ዘይትኽእል ኰይኑ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ። ግናኸ፡ ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ ኣጸጋሚ እዋናት፡ ኣብ ቍጥዐ ተመርኲስካ ዚውሃብ መቕጻዕቲ መብዛሕትኡ ግዜ ጨቛንን መጠኑ ዝሓለፈን ፍረ ዘይብሉን ምዃኑ ኣይትረስዕ። ብዘይካዚ፡ ብቝጥዐ ወይ ብብስጭት ተደሪኽካ ዚውሃብ መቕጻዕቲ፡ ርእስኻ ዘይምግታእ ደኣ እምበር ተግሳጽ ኣይኰነን።

በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ብፍቕርን ብርእሰ ግትኣትን ምስ እትቐጽዕ፡ ዝሓሸ ውጽኢት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ጆርጅን ኒኮልን ካብቶም ኣቐዲሞም እተጠቕሱ ወለዲ እዮም፣ እዞም ክልተ ወለዲ እዚኦም ንዘጋጠሞም ጕዳይ ብኸመይ ከም ዝሓዝዎ ንርአ።

ጸሊ

“ጆርዳን ገዛ ምስ ኣተወ፡ ኣነን ሰበይተይን ሓሪርና እኳ እንተ ነበርና፡ ወድና ዘምሰየሉ ምኽንያት ኪገልጸልና ኸሎ ርእስና ተቘጻጺርና ሰማዕናዮ። ኣዝዩ መስዩ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ጕዳይ ንጽባሒቱ ንግሆ ኽንመያየጠሉ ወሰንና። ሓቢርና ጸሊና ድማ፡ ደቀስና። ንጽባሒቱ፡ ነቲ ጕዳይ ብህድኣት ክንመያየጠሉን ልቢ ውሉድና ኽንትንክፈሉን ኣብ እንኽእለሉ ዝሓሸ ዅነታት ኢና ኔርና። ነቲ ዝገበርናሉ ቐይድታት ንኽትግብሮ ብፍታው ተሰማሚዑ፡ ንዘርኣዮ ጠባይ ዚሕተተሉ ንሱ ምዃኑ ድማ ተቐቢልዎ እዩ። ሰባት ሓሪቖም ከለዉ ቕልጡፍ ምላሽ ምሃብ ፍረ ኸም ዘይብሉ ምግንዛብና የሐጕሰና እዩ። መጀመርታ ጽን ኢልና እንተ ሰሚዕና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ጽቡቕ ውጽኢት እዩ ዚህልዎ።”—ጆርጅ።

ተዛረብ

“ወደይ ንሓብቱ ብዕሽነት ብምውቃዕ ኣካላታ ስለ ዝጐድኣ ኣቘጢዑኒ እዩ። ኣዝየ ተቘጢዐ ስለ ዝነበርኩ፡ ሚዛናዊ ውሳነ ኽገብር ስለ ዘይክእል፡ ብኡብኡ ኣብ ክንዲ ዚምልሰሉ፡ ናብ ክፍሉ ሰደድክዎ። ጸኒሐ፡ ህድእ ምስ በልኩ ግና፡ ዓመጽ ተቐባልነት ከም ዘይብሉ፡ ንሓብቱ ድማ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝሃሰያ ኣትሪረ ገለጽኩሉ። እዚ ኣቀራርባ እዚ፡ ጠቒምዎ እዩ። ንሓብቱ ይቕረታ ሓቲቱ፡ ሓቘፋ።”ኒኮል።

እወ፡ ግቡእ ተግሳጽ፡ መቕጻዕቲ ዚሓቍፍ እውን እንተ ዀነ፡ ወትሩ ብፍቕሪ ተደሪኽካ እዩ ዚውሃብ።

 ሚዛናዊ ተግሳጽ

የሆዋ ወትሩ “ብልክዕ” እዩ ዚግስጽ። (ኤርምያስ 30:11፣ 46:28) ንዅሉ ዅነታት፡ እንተላይ ንጹር ንዘይኰነ ነገራት፡ ኣብ ግምት የእቱ እዩ። ወለዲ ኸምኡ ኺገብሩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ እቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ስቴፈን፡ “ሽሕኳ ኣዚና እንተ ጐሃናን ናተሊ ብዛዕባ እታ ኻቲም ንምንታይ ተሪራ ኸም ዝኸሓደት እንተ ዘይተረድኣናን፡ ንዕድሚኣን ንደረጃ ብስለታን ኣብ ግምት ከነእቱ ጽዒርና ኢና” በለ።

እቲ ሮበርት ዝስሙ ሰብኣይ ኒኮል እውን ንዅሉ ዅነታት ኣብ ግምት ኬእቱ ጽዒሩ እዩ። ደቁ ሕማቕ ጠባይ ኬርእዩ ኸለዉ፡ ‘ሓንሳእ እተፈጸመ ነገር ድዩ ወይስ ቀጻሊ ዝዀነ ኣሉታዊ ባህሪ እዩ፧ እቲ ቘልዓ ደኺሙ ወይ ተጸሊእዎ ድዩ፧ እዚ ጠባይ እዚ ናይ ካልእ ጸገም ምልክት ደዀን ይኸውን፧’ እናበለ ንርእሱ ብተደጋጋሚ እዩ ዚሓትታ።

ሚዛናዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ወለዲ፡ ቈልዑ ብስለት ከም ዚጐድሎም ይርድኡ እዮም። እቲ ክርስትያን ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ቈልዓ ኸለኹ፡ ከም ቈልዓ እዛረብ፡ ከም ቈልዓ እሓስብ . . . ነበርኩ” ብምባል፡ ምስዚ ዚሰማማዕ ሓሳባት ጽሒፉ እዩ። (1 ቈረንቶስ 13:11) ሮበርት፡ “ሓደ ኻብቲ ሚዛነይ ንኽሕሉን ብቝጥዓ ንኸይምልስን ዚሕግዘኒ፡ ብዛዕባ እቲ ቘልዓ ኸለኹ ዝገብሮ ዝነበርኩ ነገራት ምዝካረይ እዩ” በለ።

ካብ ውሉድካ ኣብ እትጽበዮ ነገራት ሚዛናዊ ኽትከውን እኳ እንተ ኣሎካ፡ ንሕማቕ ጠባይ ወይ ኣረኣእያ ዕሽሽ ክትብሎ ወይ ከተማኻንየሉ ግና የብልካን። ንኽእለትን ዓቕምን ካልእ ኵነታትን ውሉድካ ኣብ ግምት ምእታውካ፡ ሚዛናዊ ተግሳጽ ንኽትህብ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ጽኑዕ ተግሳጽ

ሚልክያስ 3:6፡ “ኣነ እግዚኣብሄር ኣይልወጥን እየ” ትብል። ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነዚ ሓቂ እዚ ምሉእ ብምሉእ ይኣምኑሉ እዮም። እዚ ምፍላጦም ከኣ ኣብ ደሓን ከም ዘለዉ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም። ውሉዳት እውን ብደሓን ምእንቲ ኺነብሩ ጽኑዕ ተግሳጽ የድልዮም እዩ። እቲ እተወጽኦ ስርዓታት ምስ ጠባይካ ዚቀያየር እንተ ዀይኑ ግና፡ ውሉድካ ኺደናገርን ኪበሳጮን ይኽእል እዩ።

የሱስ፡ “‘እወ’ ዝበልኩምዎ፡ እወ፡ ‘ኣይኰነን’ ዝበልኩምዎ ድማ፡ ኣይኰነን ይኹን” በለ። እዘን ቃላት እዚአን ንወለዲ እውን ይምልከታ እየን። (ማቴዎስ 5:37) ከም ዘይትትግብሮ እናፈለጥካ ናይ መጠንቀቕታ ስምዕታ ኣይትሃብ። ንውሉድካ፡ ኣደብ ምስ ዘይገብር ከም ዚግሰጽ እንተ ኣጠንቂቕካዮ፡ ንዝበልካዮ ተግብሮ።

ጽኑዕ ተግሳጽ ንኽትህብ፡ ወለዲ ጽቡቕ ዝዀነ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ ኪህልዎም ኣለዎ። ሮበርት፡ “ደቅና፡ ሰበይተይ ከይገብርዎ ንዝኸልከለቶም ነገር ክሰማምዓሉ ምስ ዚሓትቱኒ፡ ነዚ ምስ ፈለጥኩ ንሰበይተይ ምእንቲ ኺድግፍ ውሳነይ እቕይር እየ” በለ። ወለዲ ንሓደ ጕዳይ ብኸመይ ኪሕዝዎ ኸም ዘለዎም እንተ ዘይተሰማሚዖም፡ ንፍልልያቶም ብሕት ኢሎም ብምምይያጥ ኣብ ሓደ ውሳነ ኺበጽሑ ዝሓሸ እዩ።

ተግሳጽ ኣገዳሲ እዩ

ንየሆዋ ብምምሳል ፍቕራውን ሚዛናውን ጽኑዕን ተግሳጽ ትህብ እንተ ዄንካ፡ ጻዕርኻ ንደቅኻ ኸም ዚጠቕሞም ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። እቲ ንደቅኻ እትህቦም ፍቕራዊ መምርሒ፡ ብሱላትን ሓላፍነት ዚስከሙን ሚዛናውያንን ኰይኖም ንኺዓብዩ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፡ “ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ አረገ ኻብኣ ኣይኬግልስን እዩ።”—ምሳሌ 22:6