ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ብዙሕ ጸበባ” እናሃለወ፡ ንኣምላኽ ብተኣማንነት ኣገልግሎ

“ብዙሕ ጸበባ” እናሃለወ፡ ንኣምላኽ ብተኣማንነት ኣገልግሎ

“ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ጸበባ ኽንኣቱ ይግብኣና እዩ።”—ግብ. 14:22

1. ጸበባ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ዘየሰምብዶም ስለምንታይ እዩ፧

ውህበት ናይ ዘለኣለም ህይወት ቅድሚ ምርካብካ፡ “ብብዙሕ ጸበባ” ኽትሓልፍ ከም ዘሎካ ምፍላጥካስ የሰምብደካ ድዩ፧ ምናልባት ኣየሰምብደካን ይኸውን። ከመይሲ፡ ኣብ ሓቂ ሓድሽ ኩን ወይ ንነዊሕ ዓመታት ንየሆዋ ኣገልግሎ ብዘየገድስ፡ ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም መከራ ኸም ዘይፍለየና ትፈልጥ ኢኻ።—ራእ. 12:12

2. (ሀ) ኣብ ርእሲ እቲ ንዅሎም ዘይፍጹማት ሰባት ዜጋጥሞም ጸገማት፡ ንክርስትያናት እንታይ ዓይነት ጸበባ እዩ ዜጋጥሞም፧ (ኣብዛ ገጽ እዚኣ ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) ምንጪ እቲ ዜጋጥመና ጸገማት መን እዩ፧ ብኸመይ ንፈልጥ፧

2 ኣብ ርእሲ እቲ ‘ንሰብ ዝበጽሖ ፈተና፡’ ማለት ንዅሎም ዘይፍጹማት ሰባት ዜጋጥሞም ጸገማት፡ ክርስትያናት ተወሳኺ ጸበባ እውን የጋጥሞም እዩ። (1 ቈረ. 10:13) እዚ ተወሳኺ ጸበባ እዚ፡ ክርስትያናት ንሕግታት ኣምላኽ ጸኒዖም ብምእዛዞም ምኽንያት፡ ኣብ ልዕሊኦም ዚወርድ ከቢድ ምጽራር እዩ። የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ነቲ፡ ‘ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይዓብን እዩ’ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃል ዘክርዎ። ንዓይ እንተ ሰጒጎምኒ፡ ንዓኻትኩም እውን ኪሰጕጉኹም እዮም” በሎም። (ዮሃ. 15:20) ምንጪ እዚ ምጽራር እዚ መን እዩ፧ ሰይጣን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንዕኡ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ‘ኪውሕጥ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ’ ይዘውር ከም ዘሎ ገይሩ ይገልጾ። (1 ጴጥ. 5:8) ሰይጣን፡ ንንጽህና ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንምብልሻው ዘይጥቀመሉ መገዲ የለን። ንኣብነት፡ ንሃዋርያ ጳውሎስ እንታይ ከም ዘጋጠሞ ንርአ።

 ጸበባ ኣብ ልስጥራ

3-5. (ሀ) ጳውሎስ ኣብ ልስጥራ እንታይ ጸበባ እዩ ኣሕሊፉ፧ (ለ) እቲ ብዛዕባ ዚመጽእ ጸበባ እተዛረቦ መልእኽቲ፡ ዜበራትዕ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

3 ጳውሎስ ብምኽንያት እምነቱ ብዙሕ ሳዕ ተሰጒጉ እዩ። (2 ቈረ. 11:23-27) ሓደ ኻብቲ መስጐጕቲ ኣብ ልስጥራ እዩ ኣጋጢምዎ። ጳውሎስ ካብ ከርሲ ኣዲኡ ኣትሒዙ ሓንካስ ንዝነበረ ሰብኣይ ምስ ኣሕወዮ፡ እቶም ሰባት ንጳውሎስን ነቲ መገላግልቱ ዝነበረ በርናባስን ከም ኣማልኽቲ ገይሮም ብምርኣይ ወደስዎም። ጳውሎስን በርናባስን ግና ንኸየምልኽዎም ለመንዎም። ይኹን እምበር፡ ብኡብኡ ተጻረርቲ ዝዀኑ ኣይሁድ መጺኦም ሕማቕ ወረ ብምውራይ ንኣተሓሳስባ እቲ ህዝቢ መረዝዎ። እቶም ህዝቢ ድማ ብሓንሳእ ግልብጥ በሉ። ሽዑ ንጳውሎስ ዝሞተ መሲልዎም ክሳዕ ዝገድፍዎ ብዳርባ እምኒ ቐጥቀጥዎ።—ግብ. 14:8-19

4 ጳውሎስን በርናባስን ናብ ደርቤ ድሕሪ ምብጻሖም፡ “ናብ ልስጥራን ናብ ኢቆንዩምን ናብ ኣንጾክያን ተመልሱ። ኣብአን ድማ ኣብ እምነት ኪጸንዑ እናኣተባብዑን ‘ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ጸበባ ኽንኣቱ ይግብኣና እዩ’ እናበሉን ንነፍሳት እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣበራትዑ።” (ግብ. 14:21, 22) ብላዕለ ላዕሉ ኽትርእዮ ኸለኻ እዚ ሓሳባት እዚ ስግንጢር እዩ ዚመስል። ከመይሲ፡ “ብብዙሕ ጸበባ” ምሕላፍ ዜጕሂ ደኣ እምበር ዜተባብዕ ኣይመስልን እዩ። ጳውሎስን በርናባስን ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ዝያዳ ጸበባ ኸም ዜጋጥሞም ዚገልጽ መልእኽቲ ብምንጋር ‘ዜበራትዕዎም’ ደኣ እሞ ብኸመይ እዮም፧

5 ንቓላት ጳውሎስ ብጥንቃቐ እንተ መርሚርናዮ መልሱ ኽንረኽቦ ንኽእል ኢና። ጳውሎስ፡ “ብዙሕ ጸበባ ኽንጻወር ኣሎና” ዘይኰነስ፡ “ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ጸበባ ኽንኣቱ ይግብኣና” እዩ ዝበለ። ስለዚ፡ ጳውሎስ ነቲ ብተኣማንነት ብምምልላስ ዚርከብ ኣወንታዊ ውጽኢት ብምጕላሕ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣበራትዖም። እቲ ዚረኽብዎ ዓስቢ፡ ሕልሚ ኣይኰነን። ከመይሲ የሱስ፡ “እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚጻወር ግና፡ ኪድሕን እዩ” ዚብል መረጋገጺ ሂቡ እዩ።—ማቴ. 10:22

6. ነቶም ዚጻወሩ እንታይ ዓስቢ እዩ ተዳልዩሎም ዘሎ፧

6 እንተ ተጻዊርና፡ ዓስቢ ኽንረክብ ኢና። ቅቡኣት ክርስትያናት ዘይትመውት ህይወት ብምርካብ ኣብ ሰማይ ምስ የሱስ ኪነግሱ እዮም። እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ድማ ኣብታ ‘ጽድቂ ዚነብረላ’ ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ እዮም። (ዮሃ. 10:16፣ 2 ጴጥ. 3:13) ይኹን እምበር፡ ከምቲ ጳውሎስ ዝበሎ፡ ነዚ ዓስቢ እዚ ቕድሚ ምርካብና፡ ብዙሕ ጸበባ ኸነሕልፍ ኢና። ቀጺልና፡ ኬጋጥመና ዚኽእል ክልተ ዓይነት ፈተናታት ንርአ።

ቀጥታዊ መጥቃዕቲ

7. እንታይ ዓይነት ጸበባ እዩ ቐጥታዊ መጥቃዕቲ ዚብሃል፧

7 የሱስ፡ “ናብ ኣብያተ ፍርዲ ኣሕሊፎም ኪህቡኹም፡ ኣብ ምኵራባት ኪወቕዑኹም፡ ምእንታይ ከኣ ኣብ ቅድሚ ሹማምንትን ነገስታትን ኬቝሙኹም እዮም” ኢሉ ተነብዩ ነይሩ። (ማር. 13:9) ቃላት የሱስ ከም ዚሕብሮ፡ ንገሊኦም ክርስትያናት ዜጋጥሞም ጸበባ፡ ምናልባት መራሕቲ ሃይማኖት ወይ መራሕቲ ፖለቲካ ዜለዓዕልዎ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ግብ. 5:27, 28) ጳውሎስ ዝሓደጎ ኣብነት እስከ ንርአ። ጳውሎስ ከምዚ ዝዓይነቱ መስጐጕቲ ኸም ዝበጽሖ ብምሕሳብ ጥራይ ጃጅዩ ድዩ፧ ኣይፋሉን።—ግብሪ ሃዋርያት 20:22, 23 ኣንብብ።

8, 9. ጳውሎስ ጸበባ ንኺጻወር ከም ዝቘረጸ ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧ ገለ ኻብቶም ኣብ ግዜና ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽከ ከምኡ ዝኣመሰለ ቘራጽነት ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧

8 ጳውሎስ ነቲ ኻብ ሰይጣን ዝወረዶ ቐጥታዊ መጥቃዕቲ ብትብዓት ተቓሊስዎ እዩ። “ጕያይን ካብ ጐይታና የሱስ እተቐበልክዋ ኣገልግሎተይን ክሳዕ ዝፈጸምኩ፡ ማለት ብዛዕባ ብስራት ጸጋ ኣምላኽ ኣጸቢቐ ኽሳዕ ዝመስከርኩ፡ ንነፍሰይ ከም ክብርቲ ገይረ ኣይርእያን እየ” ድማ በለ። (ግብ. 20:24) ስለዚ፡ ጳውሎስ በቲ ዝመጾ ዝነበረ መስጐጕቲ ኣይጃጀወን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ ዝመጸ ይምጻእ ብዘየገደስ፡ ንኺጻወሮ ቘሪጹ ነበረ። ብቐዳምነት፡ ጸበባ እናሃለወ እውን ‘ኣጸቢቑ ኺምስክር’ እዩ ዚደሊ ነይሩ።

9 ሎሚ፡ ሓያሎ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከምኡ  ዝኣመሰለ ቘራጽነት ኣርእዮም እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ሓንቲ ሃገር ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ገለልትነቶም ብምሕላዎም ን20 ዓመት ዚኣክል ማእሰርቲ ተጻዊሮም እዮም። ኣብታ ሃገር ብምኽንያት ሕልናኦም ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንዘይህቡ ሰባት ዚኸውን መሰናድዎ ስለ ዘየለ፡ ጕዳዮም ናብ ቤት ፍርዲ ቐሪቡ ኣይፈልጥን እዩ። ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ፡ ኣባላት ስድራ ቤቶም ንኸይበጽሕዎም ተኸልኪሎም ነበሩ፡ አረ ገሊኦም እሱራትሲ ተቐጥቂጦምን ብእተፈላለየ መገዲ ተሳቕዮምን እዮም።

10. ንዝመጸና ሃንደበታዊ ጸበባ ኽንፈርሆ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

10 ኣብ ካልእ ሃገራት ዚነብሩ ኣሕዋትና ሃንደበት ንዝመጾም ጸበባ ተጻዊሮምዎ እዮም። ንዓኻ እውን ከምዚ እንተ ኣጋጢሙካ፡ ኣጆኻ ኣይትፍራህ። ብዛዕባ ዮሴፍ እሞ ሕሰብ። ዮሴፍ ንባርነት እኳ እንተ ተሸጠ፡ የሆዋ ግና ‘ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኣናጊፍዎ’ እዩ። (ግብ. 7:9, 10) የሆዋ ንዓኻ እውን ኬናግፈካ ይኽእል እዩ። ነቲ፡ “የሆዋ ነቶም ኣምላኻዊ ተወፋይነት ዘለዎም ሰባት ከመይ ገይሩ ኻብ ፈተና ኸም ዜናግፎም ይፈልጥ እዩ” ዚብል ጥቕሲ ኣይትረስዓዮ። (2 ጴጥ. 2:9) እሞኸ፡ የሆዋ ኻብዚ እኩይ ስርዓት እዚ ኣናጊፉ መንግስቱ ኽትገዝ ከላ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህበካ ኸም ዚኽእል ብምፍላጥ፡ ወትሩ ኣብ የሆዋ ትእመን ዲኻ፧ እወ፡ ኣብ የሆዋ ንኽትእመንን ንዝመጸካ መስጐጕቲ ብትብዓት ንኽትጻወሮን ብቑዕ ምኽንያት ኣሎካ።—1 ጴጥ. 5:8, 9

ሰላሕታዊ መጥቃዕቲ

11. እቲ ሰይጣን ዚጥቀመሉ ሰላሕታዊ መጥቃዕቲ ኻብቲ ቐጥታዊ መጥቃዕቱ ዚፍለ ብኸመይ እዩ፧

11 ኬጋጥመና ዚኽእል ካልእ ዓይነት ጸበባ እውን ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ሰላሕታዊ መጥቃዕቲ እዩ። እዚ ዓይነት መጥቃዕቲ እዚ፡ ካብቲ ብኣካላዊ መገዲ ዚመጽእ ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ዚፍለ ብኸመይ እዩ፧ ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ምስቲ ብቕጽበት ንሓንቲ ቤት ዜዕንዋ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ሰላሕታዊ መጥቃዕቲ ግና፡ ምስቶም ብዕንጨይቲ ኣብ እተሰርሐት ቤት ሰላሕ ኢሎም ብምእታው ነታ ቤት ክሳዕ እትዓኑ ዚህምዅዋ ፍልሖ ኺመሳሰል ይኽእል እዩ። ኣብዚ ኻልኣይ መዳይ፡ ሓደ ሰብ ኪቈጻጸረሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃ ኽሳዕ ዚበጽሕ፡ ነቲ ሓደገኛ ዅነታት ከየስተብሃለሉ ኺጸንሕ ይኽእል እዩ።

12. (ሀ) ሓደ ኻብቲ ሰይጣን ዚጥቀመሉ ሰላሕታዊ መጥቃዕቲ እንታይ እዩ፧ እዚ ሜላ እዚ ኣዝዩ ውጽኢታዊ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ተስፋ ምቝራጽ ንጳውሎስ እንታይ ጽልዋ እዩ ገይሩሉ፧

12 ሰይጣን ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ኬበላሽዎ እዩ ዚደሊ። ነዚ ኸኣ ብመስጐጕቲ ቐጥታዊ ዝዀነ መጥቃዕቲ ብምፍናው ወይ ከኣ ብሰላሕታዊ መጥቃዕቲ ንእምነትካ በብቝሩብ ብምድኻም እዩ ዚገብሮ። ሓደ ኻብቲ ሰይጣን ዚጥቀመሉ ኣዝዩ ውጽኢታዊ ሰላሕታዊ መጥቃዕትታት፡ ተስፋ ምቝራጽ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ሓድሓደ ግዜ ተስፋ ይቘርጽ ከም ዝነበረ ተኣሚኑ እዩ። (ሮሜ 7:21-24 ኣንብብ።) ጳውሎስ ብመንፈስ ድልዱል እዩ ነይሩ፣ ምናልባት እውን ኣባል እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለምንታይ ደኣ እዩ እሞ ንርእሱ “ምግዱር ሰብ” ዝበላ፧ ጳውሎስ ከምዚ እተሰምዖ ብምኽንያት ዘይፍጽምናኡ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። ቅኑዕ ኪገብር ይደሊ እኳ እንተ ነበረ፡ ካልእ ሓይሊ ይቃለሶ ኸም ዝነበረ ተሰሚዕዎ እዩ። ንስኻ እውን ሓድሓደ ግዜ ኸምዚ ዓይነት ስምዒት ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ከይተረፈ ኸምኡ ዓይነት ስምዒት ከም ዝነበሮ ምፍላጥካስ ኣየጸናንዓካንዶ፧

13, 14. (ሀ) ንገሊኦም ህዝቢ ኣምላኽ ተስፋ ኸም ዚቘርጹ ዝገበሮም እንታይ እዩ፧ (ለ) እምነትና ኽትደክም ዚደሊ መን እዩ፧ ስለምንታይከ፧

13 ሓድሓደ ግዜ፡ ሓያሎ ኣሕዋትን ኣሓትን ተስፋ ይቘርጹ፡ ይጭነቑ፡ ምናልባት እውን ዘይረብሑ ዀይኑ ይስምዖም ይኸውን። ንኣብነት፡ ዲቦራ ኢልና እንጽውዓ፡ ሓንቲ ውፍይቲ ፈላሚት፡ “ብዛዕባ ሓደ ዝገበርክዎ ጌጋ ደጋጊመ እየ ዝሓስብ፡ ሕማቕ ድማ እዩ ዚስምዓኒ። ብዛዕባ እቲ ዝገበርክዎ ጌጋ ኽሓስብ ከለኹ፡ ማንም ሰብ፡ የሆዋ እውን ከይተረፈ ኼፍቅረኒ ኸም ዘይክእል ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ” በለት።

14 ከም ዲቦራ ንዝኣመሰሉ ገሊኦም ውፉያት  ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ተስፋ ኸም ዚቘርጹ ዚገብሮም እንታይ እዩ፧ እተፈላለየ ምኽንያታት ኪህሉ ይኽእል እዩ። ገሊኣቶም ብዛዕባ ርእሶምን ብዛዕባ ዅነታቶምን ሕማቕ ናይ ምሕሳብ ዝንባለ ኣለዎም። (ምሳ. 15:15) ንገሊኣቶም ከኣ፡ ብሰንኪ ኣካላዊ ሕማም ዚመጽእ ኣሉታዊ ስምዒታት ንስምዒቶም ጽልዋ ይገብረሎም ይኸውን። ጠንቁ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ ግና፡ ነዚ ስምዒታት እዚ ብምምዝማዝ ኪጥቀመሉ ዚደሊ መን ምዃኑ ኽንዝክር ኣሎና። ተስፋ ቘሪጽና ኸም እንሕለል ኪገብረና ዚደሊ መን እዩ፧ ከምቲ ንሱ እተዀነነ፡ ንስኻ እውን ከም እተዀነንካ ዀይኑ ኸም ዚስምዓካ ኺገብር ዚደሊ መን እዩ፧ (ራእ. 20:10) ሰይጣን እዩ። ሰይጣን፡ እንተ ብቐጥታዊ መጥቃዕቲ ወይ ብሰላሕታዊ መጥቃዕቲ ተጠቒሙ፡ ኬጨንቐናን ንቕንኣትና ኼዳኽሞን ንየሆዋ ኻብ ምግልጋል ከም እነቋርጽ ኪገብረናን እዩ ዚደሊ፣ እዚ ኸኣ ሸቶኡ እዩ። ኣይትጋገ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ መንፈሳዊ ውግእ እዮም ዘለዉ።

15. ብመሰረት 2 ቈረንቶስ 4:16, 17 እንታይ ንምግባር ኢና ቘሪጽና ዘሎና፧

15 ተሓሊልካ ቓልስኻ ንኸይተቋርጽ ቈራጽነት ግበር። ናብቲ ዓስቢ ጠምት። ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ “ስለዚ፡ ኣይንሕለልን ኢና፣ ግናኸ፡ እቲ ናይ ወጻኢ ሰብና እኳ እንተ ማህመነ፡ እቲ ናይ ውሽጢ ሰብና መዓልቲ መዓልቲ ይሕደስ ኣሎ። ከመይሲ፡ ጸበባና ግዝያውን ፈኲስን እኳ እንተ ዀነ፡ እናዓበየ ዚኸይድ ናይ ዘለኣለም ክብሪ የምጽኣልና እዩ” ኢሉ ጸሓፈሎም።—2 ቈረ. 4:16, 17

ንጸበባ ኻብ ሕጂ ተዳለወሉ

ንኣሽቱን ዓበይትን ክርስትያናት ንእምነቶም ንኺጣበቑሉ ይስልጥኑ እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)

16. ሕጂ ንጸበባ ኽንዳሎ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

16 ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ፡ ሰይጣን ንዓና ንምጥቃዕ ዚጥቀመሉ ብዙሕ “ፍሕሶ” ኣለዎ። (ኤፌ. 6:11) ነፍሲ ወከፍና ነቲ፡ “ብእምነት ጸኒዕኩም ተቓወምዎ” ዚብል ኣብ 1 ጴጥሮስ 5:9 ዘሎ ምዕዶ ኽንስዕቦ ይግብኣና። ነዚ ንምግባር ከኣ ኣእምሮናን ልብናን ከነዳሉ፡ ማለት ቅኑዕ ንምግባር ሕጂ ንርእስና ኸነሰልጥና ይግባእ። ንመረዳእታ፡ ሰራዊት ናብ ውግእ ቅድሚ  ምኻዶም፡ ከቢድ ስልጠና እዩ ዚውሃቦም። እዚ ኣብ መንፈሳውያን ሰራዊት የሆዋ እውን ዚውዕል እዩ። ኣብ ዚመጽእ እንታይ ዓይነት ውግእ ከም ዜጋጥመና ኣይንፈልጥን ኢና። ስለዚ፡ ሕጂ ተዛማዲ ሰላም ኣብ ዘለወሉ እዋን ግቡእ ስልጠና ምውሳድስ ጥበባዊዶ ኣይኰነን፧ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ፡ “ብእምነት እንተ ኣሊኹም፡ ርእስኹም ፈትኑ፡ ርእስኹም መርምሩ” ኢሉ ጸሓፈሎም።—2 ቈረ. 13:5

17-19. (ሀ) ብኸመይ ኢና ርእስና ኽንፍትን እንኽእል፧ (ለ) መንእሰያት ንእምነቶም ንኺጣበቑላ ብኸመይ ኪዳለዉ ይኽእሉ፧

17 ሓደ ኻብቲ ነቲ ጳውሎስ ብመንፈስ ተደሪኹ ዝሃቦ ምኽሪ ኽንትግብረሉ እንኽእል መገድታት፡ ንርእስና ኸምዚ ዚስዕብ ኢልና ብምሕታት እዩ፦ ‘ብትግሃት እጽሊ ድየ፧ ጸቕጢ መዛኑ ኼጋጥመኒ ኸሎ፡ ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ድየ ዝእዘዝ፧ ኣዘውቲረ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እእከብ ድየ፧ ብዛዕባ እምነተይ ብትብዓት እዛረብ ድየ፧ ከምቲ ኣሕዋተይ ንዓይ በደልይ ዚሓድጕለይ፡ ኣነኸ በደሎም እሓድገሎም ድየ፧ ነቶም ኣብ ጉባኤይ ዘለዉ ሽማግለታትን ነቶም ኣብ ዓለምለኻዊት ጉባኤ ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋትን እግዝኦም ድየ፧’

18 ገለ ኻብተን ቀሪበን ዘለዋ ሕቶታት፡ ብዛዕባ እምነትና ብትብዓት ክንዛረብን ጸቕጢ መዛኑ እናሃለወ፡ ኣብ መትከልና ኽንጸንዕን ዜዘኻኽራ እየን። መብዛሕትኦም መንእሰያትና ኣብ ቤት ትምህርቲ ኸምዚ ዓይነት ፈተና የጋጥሞም እዩ። ብዛዕባ እምነቶም ንምግላጽ ኪሓፍሩ ወይ ኪሽቝረሩ ኸም ዘይብሎም ተማሂሮም እዮም። ንእምነቶም ከኣ ብትብዓት ይጣበቑላ እዮም። ነዚ ብዚምልከት ኣብ መጽሔታትና ሓጋዚ ዝዀነ ርእይቶታት ይወጽእ እዩ። ንኣብነት፡ ናይ 15 ግንቦት 2013 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 5ን 6ን ሓደ ተመሃራይ ምስ መማህርቱ ብዛዕባ እምነቱ ኺዘራረብ ከሎ፡ ሕቶታት ብምጥቃም ብኸመይ ዝያዳ ምትእምማን ኬሕድር ከም ዚኽእል ትገልጽ። ወለዲ ደቅኹም ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኻብ መማህርቶም ዚወርዶም ጸቕጥታት ምእንቲ ኺዳለዉሉ፡ ኣብ ቤት ኣለማምድዎም።

19 ብትብዓት ንእምነትና ኽንጣበቐላ ወይ ከኣ የሆዋ ኽንገብሮ ንዚደልየና ኻልእ ነገራት ክንገብር ኵሉ ሳዕ ቀሊል እዩ ማለት ኣይኰነን። ንኣብነት፡ ምሉእ መዓልቲ ኽንሰርሕ ምስ ወዓልና፡ ናብ ኣኼባታት ንኽንከይድ ንርእስና ኸነገድዳ የድልየና ይኸውን። ብዘይካዚ፡ ንግሆ ኻብ ጥዑም ድቃስና ተበራቢርና፡ ኣገልግሎት ክንከይድ የድልየና ይኸውን። ግናኸ፡ ሕጂ ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድ እንተ ኣልዩና፡ ከቢድ ፈተናታት ኪመጽእ ከሎ፡ ንኽንዋጽኣሉ ኣይኬጸግመናን እዩ።

20, 21. (ሀ) ብዛዕባ በጃ ምስትንታን፡ ንኣሉታዊ ስምዒታት ንኸነሰንፎ ኺሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ብዛዕባ ጸበባ እንታይ ቈራጽነት ክንገብር ኣሎና፧

20 ብዛዕባ ሰላሕታዊ መጥቃዕቲኸ እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧ ንኣብነት፡ ነቲ ተስፋ ናይ ምቝራጽ ስምዒት ብኸመይ ከነሰንፎ ንኽእል፧ ሓደ ኻብቲ ነዚ ኽንገብር ዚሕግዘና ብሉጽ መገድታት፡ ብዛዕባ በጃ ምስትንታን እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምኡ እዩ ገይሩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ምግዱር ከም ዝዀነ ተሰሚዕዎ ነይሩ እዩ። ግናኸ ጳውሎስ፡ ክርስቶስ ንፍጹማት ሰባት ዘይኰነስ፡ ንሓጥኣን ከም ዝሞተ እውን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ጳውሎስ ከኣ ሓደ ኻብቶም ሓጥኣን እዩ ነይሩ። “በቲ ዘፍቀረንን ምእንታይ ርእሱ ዘሕለፈን ወዲ ኣምላኽ ብምእማን እየ [ዝነብር] ዘለኹ” ኢሉ ድማ ጸሓፈ። (ገላ. 2:20) እወ፡ ጳውሎስ ነቲ በጃ ተቐቢልዎ እዩ። ከመይሲ፡ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ንዕኡ እውን ከም ዚዓዪ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።

21 እዚ ኣረኣእያ እዚ፡ ማለት በጃ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ንዓኻ እተዋህበ ውህበት ኣምላኽ ከም ዝዀነ ጌርካ ምርኣይ ኣጸቢቑ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። እዚ ኺብሃል ከሎ፡ ተስፋ ምቝራጽ ብኡብኡ ይጠፍእ ማለት ኣይኰነን። ገሌና ነዚ ሰላሕታዊ መጥቃዕቲ እዚ፡ ሓዳስ ዓለም ክሳዕ እትመጽእ በብግዜኡ ኽንቃለሶ የድልየና ይኸውን። ግናኸ፡ ዓስቢ ዚረኽቡ እቶም ዘይሕለሉ ሰባት ምዃኖም ኣይትረስዕ። ናብቲ መንግስቲ ኣምላኽ ሰላም እተስፍነሉን ንዅሎም እሙናት ደቂ ሰብ ናብ ፍጽምና እተበጽሓሉን ዜሐጕስ እዋን ኣጸቢቕና ቐሪብና ኢና። ብብዙሕ ጸበባ እውን እንተ ዀነ፡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽንኣቱ ቘራጽነት ንግበር።