ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ትመጣጠርዶ’ ኣሎኻ፧

‘ትመጣጠርዶ’ ኣሎኻ፧

ክልተ ሽማግለታት ንፈርናንዶ ንበይኑ ኸዘራርብዎ ምስ ሓተትዎ፡ ፈርናንዶ * ተጨነቐ። ከመይሲ፡ ኣብ ቀረባ እዋናት ሓላው ወረዳ ኺበጽሖም ከሎ፡ ፈርናንዶ ኣብ ጉባኤ ተወሳኺ ሓላፍነታት ንኪቕበል ምእንቲ ኺበቅዕ፡ ካብኡ እንታይ ከም ዚድለ ሽማግለታት ገሊጾምሉ ነይሮም እዮም። ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ፡ ፈርናንዶ ሽማግለ ኪኸውን ብስሩ ዚበቅዕ እንተ ዀይኑ ኼተሓሳስቦ ጀመረ። ኣብ ቀረባ እዋን ከኣ፡ ሓላው ወረዳ ነታ ጉባኤ እንደገና በጺሕዋ ነይሩ እዩ። ሕጂ፡ ሽማግለታት ንፈርናንዶ እንታይ ኪብልዎ ዀን እዮም ደልዮም፧

ሓደ ኻብቶም ሽማግለታት ኪዛረብ ከሎ፡ ፈርናንዶ ጽን ኢሉ ይሰምዖ ነበረ። እቲ ሓው ነቲ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 3:1 ዘሎ ሓሳብ ብቓሉ ብምጥቃስ፡ ሽማግለታት ጉባኤ፡ ፈርናንዶ ሽማግለ ኪኸውን ምሻሙ ኸም እተነግሮም ሓበሮ። ፈርናንዶ ስለ ዝደንጸዎ፡ “እንታይ ኢኻ ዝበልካ፧” በሎ። እቲ ሓው ነቲ ዝበሎ ደገሞ፡ ፈርናንዶ ኸኣ ፍሽኽ ኪብል ጀመረ። ድሕሪኡ፡ ፈርናንዶ ኸም እተሸመ ኣብ ጉባኤ ምስ ተነግረ፡ ኵሎም ተሓጐሱ።

ኣብ ጉባኤ ሓላፍነት ክትረክብ ምድላይ ጌጋ ድዩ፧ ኣይኰነን። ቀዳማይ ጢሞቴዎስ 3:1፡ “ሓደ እኳ ሓላዊ ኪኸውን እንተ ተመጣጠረ፡ ሰናይ ግብሪ ይምነ ኣሎ” ትብል። ሓያሎ ክርስትያናት ሰብኡት ነዚ መተባብዒ እዚ ይዓይዩሉ እዮም፣ ኣብ ጉባኤ ንሓላፍነት ምእንቲ ኺበቕዑ ኸኣ መንፈሳዊ ዕቤት ይገብሩ እዮም። ሳላ እዚ ዕቤት እዚ ድማ ህዝቢ ኣምላኽ ብኣሽሓት ብዚቝጸሩ ኽኢላታት ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ተባሪኾም እዮም። ይኹን እምበር፡ ኣብ ጉባኤታት ወሰኽ ይርአ ስለ ዘሎ፡ ኪመጣጠሩ ዜድልዮም ዝያዳ ኣሕዋት ይድለዩ ኣለዉ። ነዚ ኽትገብረሉ እትኽእል ግቡእ መገዲ እንታይ እዩ፧ እቶም ሽማግለታት ኪዀኑ ዚደልዩኸ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ከም ፈርናንዶ ኺጭነቑ ይግብኦም ድዩ፧

‘ምምጥጣር’ እንታይ ማለት እዩ፧

እዛ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ተመጣጠረ” ብዚብል ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ልባዊ ድሌት እተመልክት ክትከውን ከላ፡ ብዛዕባ ሓደ ኣብ ገረብ ንእተንጠልጠለት ማራኺት ፍረ ዓቲሩ ንኼውርድ ኢዱ ዘርጊሑ ዚመጣጠር ሰብ ከም እትሓስብ እያ እትገብረካ። ይኹን እምበር፡ ምምጥጣር ኪብሃል  ከሎ፡ ‘ሓላዊ ኽትከውን’ ኢልካ ነዚ ፍሉይ መሰል እዚ ብስስዐ ኽትዓትሮ ኣሎካ ማለት ኣይኰነን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ሸቶ እቶም ሽማግለታት ኰይኖም ኬገልግሉ ልባዊ ድሌት ዘለዎም ሰባት፡ ሓላፍነት ንምሓዝ ዘይኰነስ፡ “ሰናይ ግብሪ” ንምግባር ኪኸውን ኣለዎ።

ምስዚ ሰናይ ግብሪ እተተሓሓዘ መብዛሕትኡ ብቕዓታት፡ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 3:2-7 ኸምኡ እውን ኣብ ቲቶስ 1:5-9 ተዘርዚሩ ኣሎ። ንነዊሕ ዓመታት ሽማግለ ዀይኑ ዘገልገለ ረይሞንድ፡ “ንዓይ ዝያዳ ዜገድሰኒ፡ መንነትና እዩ። ምዝራብን ምስትምሃርን ኣድላዪ እኳ እንተ ዀነ፡ እዚ ኽእለት እዚ፡ ነቲ ኸም እኒ ዘይውቀስ፡ ጥንቁቕ፡ ለባም፡ ስርዓት ዚሕሉ፡ ተቐባል ጋሻ፡ ከምኡ እውን ልዙብ ዝኣመሰለ ኣገዳሲ ባህርያት ኪዕብልሎ የብሉን” በለ።

ኣብ እተፈላለየ መዳያት ምስ ጉባኤ ሓቢርካ ብምግልጋል፡ ‘ተመጣጠር’

ሓደ ብቕንዕና ዚመጣጠር ሓው፡ ንዅሉ ዓይነት ስስዐን ርኽሰትን ብምውጋድ ዘይውቀስ ምዃኑ የርኢ እዩ። ጥንቁቕን ለባምን ስርዓት ዚሕሉን ልዙብን ስለ ዝዀነ፡ ክርስትያን ብጾቱ ኣብ ጉባኤ ኸም ዚመርሖምን ኣብ ጸገማቶም ከም ዚሕግዞምን ይተኣማመኑሉ እዮም። ተቐባል ጋሻ ስለ ዝዀነ ንመንእሰያትን ነቶም ኣብ ሓቂ ሓደስቲ ዝዀኑ ሰባትን ምንጪ ምትብባዕ እዩ ዚዀኖም። ሰናይ ዚፈቱ ብምዃኑ ንዝሓመሙን ንኣረጋውያንን የጸናንዖምን ይሕግዞምን እዩ። ነዚ ባህርያት እዚ ዜማዕብሎ፡ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ኢሉ ደኣ እምበር፡ ንኺሽየም ኢሉ ኣይኰነን። *

ኣካል ሽማግለታት ምኽርን ምትብባዕን ኪህቡ ሕጕሳት እኳ እንተ ዀኑ፡ ነቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት ምትግባሩ ግና ኣብቲ ዚመጣጠር ዘሎ ሰብ እዩ ዚምርኰስ። ሄንሪ ዝስሙ ምኩር ሽማግለ፡ “ትመጣጠር እንተ ኣሊኻ፡ ብቑዕ ምዃንካ ንኸተርኢ ጽዓር” በለ። መክብብ 9:10 ብምጥቃስ ከኣ፡ “‘ኢድካ ኽትገብሮ እትረኽቦ ዘበለ ዅሉ ብሓይልኻ ግበሮ።’ ሽማግለታት ዝዀነ ይኹን ዕዮ ኺህቡኻ ኸለዉ፡ ንኽትፍጽሞ ዚከኣለካ ግበር። ንዅሉ እቲ ኣብ ጉባኤ ዚውሃበካ ዕዮ፡ እንተላይ ምድሪ ቤት ምዅስታር ፍተዎ። ድሕሪ ግዜ፡ ካልኦት ንዕዮኻን ንጻዕርኻ ኼስተብህሉሉ እዮም” በለ። ሽማግለ ዄንካ ኸተገልግል ትምነ እንተ ዄንካ፡ ኣብ ኵሉ መዳያት ቅዱስ ኣገልግሎት ብትግሃትን ብተኣማንነትን ዕየ። ብትሕትና ደኣ እምበር ንስልጣን ብዘሎካ ህርፋን ክትልለ የብልካን።—ማቴ. 23:8-12

ዘይቅኑዕ ኣተሓሳስባን ተግባርን ኣርሕቕ

ኣብ ጉባኤ ፍሉይ መሰል ኪረኽቡ ዚደልዩ ገሊኦም ሰባት፡ እዚ ድሌት እዚ ኸም ዘለዎም ንኺእምቱ ይፍተኑ ይዀኑ፡ ወይ ከኣ ንኣካል ሽማግለታት ጽልዋ ኺገብሩሎም ይጽዕሩ ይዀኑ። ገሊኦም ከኣ ሽማግለታት ኪመኽርዎም ከለዉ ኣይሕጐሱን ይዀኑ። እዞም ሰባት እዚኦም፡ ‘ጥቕሚ ርእሰይ ከቐድም ድየ ዝደሊ፡ ወይስ ንኣባጊዕ የሆዋ ኼገልግል እየ ዝደሊ’ ኢሎም ንርእሶም ኪሓትትዋ ይግባእ።

እቶም ዚመጣጠሩ ኣሕዋት ኪርስዕዎ ዘይብሎም ካልእ ካብ ሽማግለታት ዚድለ ብቕዓት ከኣ፡ “ነቲ መጓሰ ኣርኣያ እናዀንኩምዎ” ዚብል እዩ። (1 ጴጥ. 5:1-3) ንጉባኤ ኣብነት ዚኸውን ሰብ፡ ቄናን ኣተሓሳስባን ተግባራትን የወግድ እዩ። እዚ ሓው እዚ፡ ይሸየም ኣይሸየም ብዘየገድስ ብትዕግስቲ ይጸንዕ እዩ። ሓደ ሓው ሽማግለ ምዃኑ፡ ጕድለት ንኸይፍጽም ውሕስነት ኣይኰኖን እዩ። (ዘሁ. 12:3፣ መዝ. 106:32, 33) ብዘይካዚ፡ ሓደ ሓው “ሕልናይ ኣይወቕሰንን እዩ” ዚብል እኳ እንተ ዀነ፡ ካልኦት ግና ብዛዕባኡ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ይህልዎም ይኸውን። (1 ቈረ. 4:4) ስለዚ፡ ሽማግለታት ልባዊ ዝዀነ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምኽሪ ምስ ዚህቡኻ፡ ተሓጒስካ ስምዓዮም። ነቲ ዝሃቡኻ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ድማ ጽዓር።

ትጽቢት እንተ ነውሐኸ፧

ሓያሎ ኣሕዋት ቅድሚ ምሻሞም ነዊሕ ትጽቢት እተጸበዩ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም። ንሓያሎ ዓመታት ዚኣክል፡ ‘ሓላዊ ኽትከውን ክትመጣጠር’ እንተ ጸኒሕካ፡ ሓድሓደ ግዜ፡ ‘ዘይተሸምኩ’ ኢልካ ትጭነቕ ዲኻ፧ ከምዚ ምስ ዜጋጥመካ፡ “ነዊሕ ትጽቢት ንልቢ የማህምኖ፡ እተፈጸመ ድሌት ግና ኦም ህይወት እዩ” ንዚብል መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ጥቕሲ ኣቕልበሉ።—ምሳ. 13:12

ሓደ ሰብ ኪበጽሖ ዚምነዮ ሸቶ ኸይወቕዖ ምስ ዚተርፍ፡ ልቡ ‘ኺምህምን’ ወይ ኪሓምም ይኽእል እዩ። ኣብርሃም ከምኡ ኣጋጢምዎ ነይሩ እዩ። የሆዋ ንኣብርሃም ውሉድ ኪህቦ ተመባጺዑሉ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብርሃምን ሳራን ከይወለዱ ዓመታት ሓለፎም። (ዘፍ. 12:1-3, 7) ኣብርሃም ብዕድመ እናደፍአ ምስ ከደ፡ “ዎ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ኣነ ውሉድ ዜብለይ እኸይድ አሎኹ፡ . . . ገለ ዘርኢ ኣይሀብካንን” በለ። የሆዋ ንኣብርሃም እቲ ውሉድ ከም ዝህቦ እተመባጽዓሉ መብጽዓ ኸም ዚፍጸም ኣረጋገጸሉ። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ቃሉ ቕድሚ ምፍጻሙ 14 ዓመት ሓለፈ።—ዘፍ. 15:2-4፣ 16:16፣ 21:5

ኣብርሃም ኣብ ዚጽበየሉ ዝነበረ እዋን፡ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዝነበሮ ሓጐስ ኣጥፊእዎ ድዩ፧ ኣይፋሉን። መብጽዓታት ኣምላኽ ከም ዚፍጸም ፈጺሙ ኣይተጠራጠረን። ነቲ ተስፋ ኽሳዕ ዚረኽቡ ኻብ ምጽባይ ዓዲ ኣይውዓለን። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ኣብርሃም ድማ ተዓጊሱ፡ ነዛ ተስፋ እዚኣ ረኸባ” ኢሉ ጸሓፈ። (እብ. 6:15) ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ነቲ እሙን ዝነበረ ኣብርሃም ካብ እተጸበዮ ንላዕሊ ሃቦ። ካብ ኣብርሃም እንታይ ክትመሃር ትኽእል፧

ሽማግለ ኽትከውን ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ግናኸ ዓመታት እኳ እንተ ሓለፈ ዛጊት እንተ ዘይተሸምካ፡ ብየሆዋ ተኣመን። ነቲ ኣብ ኣገልግሎቱ ዘሎካ ሓጐስ ኣይተጥፍኣዮ። ስለምንታይ፧ ንሓያሎ ኣሕዋት መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብሩ ዝሓገዞም ዋርን፡ “ሓደ ሰብ ሽማግለ ዀይኑ ንኺሽየም ከም ዚበቅዕ ንኺርአ ግዜ ይወስድ እዩ። ድሕሪ ግዜ ግና፡ ክእለቱን ኣረኣእያኡን ብጠባዩን ንዕዮኡ ብዚሕዘሉ መገድን በብቝሩብ ይግሃድ  እዩ። ገሊኣቶም ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘለዎም ዓወት ዚምርኰስ፡ ፍሉይ መሰል ወይ ሽመት ብምርካብ ኰይኑ ይስምዖም። እዚ ግጕይ ኣተሓሳስባ እዩ፡ ናብ ጭንቀት እውን ኪመርሕ ይኽእል እዩ። ሓላፍነትካ ብዘየገድስ፡ ኣብ ዝሃለኻ ሃሊኻ ንየሆዋ ብተኣማንነት እንተ ኣገልጊልካዮ ዕዉት ኢኻ” በለ።

ሓደ ሓው፡ ሽማግለ ኪኸውን ቅድሚ ምሻሙ፡ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ተጸብዩ እዩ። ነቲ ኣብ ህዝቅኤል ምዕራፍ 1 ዘሎ ፍሉጥ መግለጺ ብምጥቃም ከኣ፡ “የሆዋ ንሰረገላኡ፡ ማለት ንውድቡ፡ በቲ ንሱ ዝመረጾ መገዲ እዩ ዚመርሖ። እቲ ዜገድስ ግዜና ዘይኰነስ፡ ግዜ የሆዋ እዩ። ሽማግለ ዀይነ ኸገልግል ብዛዕባ ምድላየይ እውን፡ እቲ ዜገድስ ድሌተይ ወይ ትምኒተይ ኣይኰነን። እቲ ኣነ ዝደልዮን እቲ የሆዋ ብዛዕባይ ዚደልዮን በበይኑ ኪኸውን ይኽእል እዩ” በለ።

ሓደ ክርስትያን ሓላዊ ንዚዓይዮ ሰናይ ግብሪ ኽትዓዪ ምስ እትደሊ፡ ኣብ ሓጐስ እታ ጉባኤ ኣበርክቶ እናገበርካ ተመጣጠር። ዝደንጐየካ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ንዚስምዓካ ጭንቀትን ዓቕሊ ጽበትን ተቓለሶ። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ረይሞንድ፡ “ሓላፍነት ንምርካብ ህርፋን እንተ ኣልዩካ፡ ክትዓግብ ኣይትኽእልን ኢኻ። እቶም ሓላፍነት ንኺረኽቡ ወትሩ ዚህንጠዩ ሰባት ነቲ ንየሆዋ ብምግልጋል ዚርከብ ሓጐስ ኣይረኽብዎን እዮም” በለ። ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ብፍላይ ከኣ ትዕግስቲ፡ ብዝያዳ ኣማዕብል። ቅዱሳት ጽሑፋት ብምጽናዕ መንፈሳውነትካ ኸተመሓይሽ ጽዓር። ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽን ንተገደስቲ ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምምራሕን እተሕልፎ ግዜ ኣዛይዶ። ንስድራ ቤትካ ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታትን ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤትን ምርሓዮም። ነቲ ምስ ኣሕዋትካን ኣሓትካን እተሕልፎ ግዜ ተሓጐሰሉ። ከምዚ እናገበርካ ኣብ ሸቶኻ ንምብጻሕ ክትጽዕር ከለኻ፡ ንየሆዋ ምግልጋልካ ኽትሕጐሰሉ ኢኻ።

ኣብ ጉባኤ ንዘሎ ኽቡር መሰላት ምእንቲ ኽትበቅዕ ዚግበር ጻዕሪ፡ ካብ የሆዋ እተዋህበ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዩ። የሆዋ ዀነ ውድቡ ነቶም ነዚ ዚመጣጠሩ ኣሕዋት፡ ተስፋ ኪቘርጹን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘለዎም ሓጐስ ኬጥፍኡን ኣይደልይዎምን እዮም። ኣምላኽ ንዅሎም እቶም ብጽቡቕ ስምዒት ተደሪኾም ዜገልግልዎ ሰባት ይድግፎምን ይባርኾምን እዩ። ወትሩ፡ ንበረኸቱ “ሽጋር” ወይ ስቓይ “ኣይውስኸሉን” እዩ።—ምሳ. 10:22

ዛጊት ንእተወሰነ ግዜ ኽትመጣጠር እንተ ጸኒሕካ፡ ሕጂ እውን እንተ ዀነ ዜደንቕ መንፈሳዊ ዕቤት ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ዜድሊ ባህርያት ንኸተማዕብልን ንስድራ ቤትካ ዕሽሽ ከይበልካ ኣብ ጉባኤ ንኸተገልግልን ክትጽዕር ከለኻ፡ የሆዋ ነዚ ቕዱስ ኣገልግሎት እዚ ኣይኪርስዖን እዩ። እተዋህበካ ዕዮ ኣገልግሎት እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ወትሩ ንየሆዋ ብምግልጋልካ ተሓጐስ።

^ ሕ.ጽ. 2 ኣብዛ ዓንቀጽ ዚርከብ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 8 እቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ተዋሂቡ ዘሎ ስርዓታት፡ ኣብቶም ኣገልገልቲ ጉባኤ ኪዀኑ ዚደልዩ እውን ይውዕል እዩ። ኣገልገልቲ ጉባኤ ኼማልእዎ ዘለዎም ብቕዓታት ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 3:8-10, 12, 13 ይርከብ።