ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዅሉ ኣካይዳና ቕዱሳት ክንከውን ይግብኣና

ብዅሉ ኣካይዳና ቕዱሳት ክንከውን ይግብኣና

“ብዅሉ ኣካይዳኹም ቅዱሳት ኩኑ።”1 ጴጥ. 1:15

1, 2. (ሀ) ምስ ኣካይዳ ብዚተሓሓዝ፡ የሆዋ ኻብ ህዝቡ እንታይ እዩ ዚጽበ፧ (ለ) እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ነየናይ ሕቶታት እያ ኽትምልሶ፧

ሃዋርያ ጴጥሮስ ብመንፈስ የሆዋ ተደሪኹ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ዘሌዋውያን ንእስራኤላውያን ቅዱሳት ኪዀኑ እተነግሮም፡ ክርስትያናት እውን ብኣካይዳና ቕዱሳት ክንከውን ከም ዘሎና ገለጸ። (1 ጴጥሮስ 1:14-16 ኣንብብ።) እቲ “ቕዱስ” ዝዀነ የሆዋ፡ ቅቡኣትን “ካልኦት ኣባጊዕ”ን ብገሊኡ ኣካይዳኦም ዘይኰነስ፡ ብዅሉ ኣካይዳኦም ቅዱሳት ንምዃን ኪጽዕሩ ይጽበዮም እዩ።—ዮሃ. 10:16

2 ነቲ ኣብ መጽሓፍ ዘሌዋውያን ዚርከብ ተወሳኺ ኽቡር መንፈሳዊ ነገራት ምምርማርና፡ ኪጠቕመና ይኽእል እዩ፣ ነቲ እተመሃርናዮ ምትግባርና ድማ፡ ብዅሉ ኣካይዳና ቕዱሳት ንኽንከውን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክንምርምሮ ኢና፦ ኣብ ስርዓታት ኣምላኽ ብዛዕባ ምልምላም እንታይ ኣረኣእያ እዩ ኺህልወና ዚግባእ፧ መጽሓፍ ዘሌዋውያን፡ ንልዑላውነት የሆዋ ብዛዕባ ምድጋፍ እንታይ ትምህረና፧ ካብቲ ኣብ ዘሌዋውያን ተጠቒሱ ዘሎ መስዋእትታት እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

ከይትለማለም ተጠንቀቕ!

3, 4. (ሀ) ክርስትያናት ምስ ሕግታትን ስርዓታትን ኣምላኽ ብዚተሓሓዝ ኪለማለሙ ዘይብሎም ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) ሕነ ኽንፈዲ ወይ ቂም ክንሕዝ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

3 ንየሆዋ ኸነሐጕሶ እንተ ደሊና፡ ንሕግታቱን ንስርዓታቱን ተጠንቂቕና ኽንስዕቦ ኣሎና፣ ምስቲ ስርዓታቱ ብዚተሓሓዝ ከይንለማለምን  ዝዀነ ይኹን ዘይቅዱስ ነገር ከይንገብርን ድማ ክንጥንቀቕ ኣሎና። ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ እኳ እንተ ዘይኰንና፡ እቲ ኣብኡ ተጠቒሱ ዘሎ ብቕዓታት ግና፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ዘለዎን ዘይብሉን ነገራት ይሕብረና እዩ። ንኣብነት፡ እስራኤላውያን፡ “ንደቂ ህዝብኻ ሕነ ኣይትፍደን ኣይትቀየምን፡ ንብጻይካስ ከም ርእስኻ ደኣ ፍተዎ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ” ዚብል ትእዛዝ ተዋሂብዎም ነበረ።—ዘሌ. 19:18

4 የሆዋ፡ ሕነ ኽንፈዲ ዀነ ቒም ክንሕዝ ኣይደልየናን እዩ። (ሮሜ 12:19) ኰይኑ ግና፡ ንኣምላኻዊ ሕግታትን ስርዓታትን ዕሽሽ እንተ ኢልናዮ፡ ድያብሎስ እዩ ዚሕጐስ፣ ብሰንኪ እዚ ኸኣ የሆዋ ኺጽረፍ ይኽእል እዩ። ዋላ እውን ሓደ ሰብ ደይመደይ ኢሉ እንተ ጐድኣና፡ ክንቅየም የብልናን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ከም “ኣቕሓ መሬት” ገይሩ እዩ ዚገልጸና፣ ኣምላኽ ድማ ነቲ ኸም ክቡር መዝገብ ዝዀነ ኣገልግሎት ኣብቲ ኣቕሓ መሬት፡ ማለት ኣባና ኣቐሚጥዎ ኣሎ። (2 ቈረ. 4:7) ስለዚ፡ ነቲ ልክዕ ከም ኣሲድ ጐዳኢ ዝዀነ ቒም፡ ኣብዚ ኣቕሓ መሬት እዚ ኸነቐምጦ የብልናን።

5. ካብቲ ብዛዕባ ኣሮንን ብዛዕባ ሞት ደቁን ዚገልጽ ጸብጻብ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ (ኣብ ገጽ 13 ዘላ ስእሊ ርአ።)

5 ኣብ ዘሌዋውያን 10:1-11፡ ንስድራ ቤት ኣሮን ዘጋጠሞም ልቢ ዚሰብር ፍጻመ ተጠቒሱ ኣሎ። ኣብቲ ማሕደር፡ ሓዊ ኻብ ሰማይ መጺኡ ንናዳብን ንኣቢሁን ምስ በልዖም፡ ስድራ ቤት ኣሮን ኣዝዮም ሓዚኖም ኪዀኑ ኣለዎም። ኣሮንን ስድራ ቤቱን ነቶም ዝሞቱ ኣባላት ስድራ ቤቶም ኪሓዝኑሎም ከም ዘይብሎም ምስ ተነግሮም፡ እምነቶም ተፈቲና ኽትከውን ኣለዋ። ንስኻኸ ምስ እተወገደ ኣባል ስድራ ቤት ወይ ምስ ካልኦት ውጉዳት ብዘይምሕባር፡ ቅዱስ ምዃንካ ተርኢዶ ኣለኻ፧—1 ቈረንቶስ 5:11 ኣንብብ።

6, 7. (ሀ) ኣብ ቤተ ክርስትያን ናብ ዚግበር መርዓ ብዛዕባ ምኻድ ክንውስን ከለና፡ ነየናይ ነጥብታት ኢና ኣርዚንና ኽንሓስበሉ ዘሎና፧ (እግረ ጽሑፍ ርአ።) (ለ) ንሓደ ዘመድና፡ ናብቲ ኣብ ቤተ ክርስትያን ዚገብሮ መርዓ ኸም ዘይንመጽእ ብኸመይ ከነረድኦ ንኽእል፧

6 ከምቲ ንኣሮንን ንስድራ ቤቱን ዘጋጠሞም ዓይነት ከቢድ ፈተና ኣየጋጥመናን ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይኰነ ዘመድና፡ ናብቲ ኣብ ቤተ ክርስትያን ዚገብሮ መርዓ ኽንመጽእ እንተ ዓዲሙናኸ፧ ናብቲ መርዓ ንኸይንኸይድ ዚኽልክለና ቕዱስ ጽሑፋዊ ትእዛዝ እኳ እንተ ዘየልቦ፡ ውሳነ ኽንገብር ከለና ኣብ ግምት ከነእትዎ ዚግብኣና ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ ድዩ፧ *

7 ኣብዚ እተጠቕሰ ዅነታት ቅዱሳት ንኽንከውን ኢልና እንገብሮ ቘራጽነት፡ ነቲ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይኰነ ዘመድና ኼገርሞ ይኽእል እዩ። (1 ጴጥ. 4:3, 4) ነቲ ዘመድና ኸይነጕህዮ እኳ እንተ ተጠንቀቕና፡ ብለውሃት ግናኸ ብግልጺ ኸነዘራርቦ ኣሎና። ምናልባት ገና እቲ ውራይ ከይኣኸለ ኸሎ፡ ብኣጋኡ ኸምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ኣብቲ ውራይ ክንካፈል ስለ ዝዓደመና ኸነመስግኖ ንኽእል ኢና። ኣብቲ ኺግበር ዚኽእል ሃይማኖታዊ ተግባራት ብዘይምክፋል ኣብታ መዓልቲ ሓጐሱ ኸነጕህዮን ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ሰባት ከነሕፍሮን ከም ዘይንደሊ ኽንገልጸሉ ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ፡ ኣብቲ ምስ እምነትና ዚተሓሓዝ ጕዳያት ካብ ምልምላም ንጥንቀቕ።

ልዑላውነት የሆዋ ደግፍ

8. መጽሓፍ ዘሌዋውያን ንልዑላውነት የሆዋ እተጕልሖ ብኸመይ እያ፧

8 መጽሓፍ ዘሌዋውያን ንልዑላውነት የሆዋ ተጕልሖ እያ። ካብቲ ኣብ ዘሌዋውያን ዚርከብ ሕግታት፡ ልዕሊ 30 ዚኸውን ካብ የሆዋ ኸም ዝመጸ ተሓቢሩ ኣሎ። ሙሴ ብዛዕባ እዚ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ የሆዋ ዝኣዘዞ ዘበለ ገበረ። (ዘሌ. 8:4, 5) ንሕና እውን ብተመሳሳሊ፡ ወትሩ ነቲ የሆዋ ኽንገብሮ ዚደልየና ነገራት ክንገብር ኣሎና። ውድብ ኣምላኽ ኣብዚ መዳይ እዚ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ በይንና ኽንከውን ከለና፡ እምነትና ኽትፍተን ትኽእል እያ፣ የሱስ እውን እንተ ዀነ፡ ንበይኑ ኣብ በረኻ ኸሎ እዩ ተፈቲኑ። (ሉቃ. 4:1-13) ይኹን እምበር፡ ኣብ ልዑላውነት የሆዋ ነተኵር እንተ ዄንናን ብእኡ እንተ ተኣማሚንናን፡ ዝመጸ ይምጻእ ብዘየገድስ ኣይክንለማለምን ኢና፣  ብሰንኪ ፍርሂ እውን ኣብ መፈንጠራ ኣይክንኣቱን ኢና።—ምሳ. 29:25

9. ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ መላእ ዓለም ዚጽልኡ ስለምንታይ እዮም፧

9 ሰዓብቲ ክርስቶስን ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ከም ምዃንና መጠን፡ ኣብ መላእ ዓለም መስጐጕቲ የጋጥመና እዩ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ንጸበባ ኣሕሊፎም ኪህቡኹምን ኪቐትሉኹምን እዮም፣ ስለ ስመይ ብዅሎም ኣህዛብ ክትጽልኡ ኢኹም” ስለ ዝበሎም፡ ነቲ መስጐጕቲ ንጽበዮ ኢና። (ማቴ. 24:9) ይኹን እምበር፡ ዋላ እውን እንተ ተጸላእና፡ ኣብ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣዘውቲርና ብምክፋል፡ ቅዱሳት ምዃንና ወትሩ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ሓቀኛታትን ንጹሃትን ኣኽበርቲ ሕግን ክነስና፡ ስለምንታይ ኢና እንጽላእ፧ (ሮሜ 13:1-7) ንየሆዋ ልዑላዊ ጐይታና ስለ ዝገበርናዮ እዩ። “ንዕኡ በይኑ” ጥራይ ኢና እነገልግል፣ ምስ ሕግታትን ስርዓታትን ጽድቁ ብዚተሓሓዝ ድማ ፈጺምና ኣይንለማለምን ኢና።—ማቴ. 4:10

10. ንሓደ ገለልትነቱ ዘይሓለወ ሓው እንታይ እዩ ኣጋጢምዎ፧

10 ብዘይካዚ፡ ‘ካብ ዓለም ኣይኰንናን።’ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ካብቲ ኣብ ዓለም ዚካየድ ውግእን ፖለቲካዊ ጕዳያትን ገለልተኛታት ኢና። (ዮሃንስ 15:18-21፣ ኢሳይያስ 2:4 ኣንብብ።) ህይወቶም ንኣምላኽ ዝወፈዩ ገሊኦም ክርስትያናት፡ ገለልትነቶም ኣይሓለዉን። ይኹን እምበር፡ ብዙሓት ካባታቶም ተነሲሖምን ናብቲ መሓሪ ሰማያዊ ኣቦና ተመሊሶምን እዮም። (መዝ. 51:17) ገሊኣቶም ግና ኣይተነስሑን። ንኣብነት፡ ብግዜ ኻልኣይ ውግእ ዓለም፡ ሰበ ስልጣን ሃንጋሪ ነቶም ኣብ ብምልእቲ እታ ሃገር ብዘይፍትሓዊ መገዲ ተኣሲሮም ዝነበሩ ትሕቲ 45 ዓመት ዝዕድሚኦም 160 ኣሕዋትና ኣብ ሓንቲ ኸተማ ኣከብዎም። ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኪፍጽሙ ድማ ኣዘዝዎም። ገሊኦም እሙናት ኣሕዋትና ኻብ መትከሎም ነቕ እኳ እንተ ዘይበሉ፡ ትሽዓተ ግና ማሕላ ብምፍጻም ወተሃደራዊ ኽዳን ተኸድኑ። ድሕሪ ኽልተ ዓመት፡ ሓደ ኻብቶም እተለማለሙ፡ ነቶም እሙናት ኣሕዋት ንኺርሽኖም ትእዛዝ ተዋህቦ። ካብቶም ዚርሸኑ ዝነበሩ እቲ ሓደ፡ ብስጋ ሓዉ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ እቶም ኣሕዋት ኣይተረሸኑን።

ንየሆዋ እቲ ዝበለጸ ሃቦ

11, 12. ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ካብቲ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዚቐርብ ዝነበረ መስዋእትታት እንታይ ኪመሃሩ ይኽእሉ፧

11 ብመሰረት ሕጊ ሙሴ፡ እስራኤላውያን እተፈላለየ ዓይነት መስዋእትታት ኬቕርቡ ነበሮም። (ዘሌ. 9:1-4, 15-21) እቲ መስዋእትታት፡ ጽላሎት እቲ ፍጹም መስዋእቲ የሱስ ስለ ዝነበረ፡ ጐደሎ ዘይብሉ ኪኸውን ነበሮ። ብዘይካዚ፡ ንነፍሲ ወከፍ መስዋእቲ ዚምልከት ዝርዝር ስርዓታት ነበረ። ንኣብነት፡ ሓንቲ ዝወለደት ኣደ እንታይ ክትገብር ከም ዝነበራ እሞ ንርአ። ዘሌዋውያን 12:6፡ “ናይ ወዲ ወይ ናይ ጓል መዓልትታት ምንጽሃ ምስ መልኣ፡ ገንሸል ዓመት ንዚሐርር መስዋእቲ ጫጩት ርግቢ ወይ ከኣ ባሬቶ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ናብ ካህን ተምጽእ” ትብል። እቲ ኣምላኽ ዘውጽኦ ብቕዓታት ዝርዝር ስርዓታት ዜጠቓልል እኳ እንተ ነበረ፡ የሆዋ ኣብቲ ኻብ ሰባት ዚጽበዮ ነገራት ሚዛናዊ ምዃኑ ግና ኣብቲ ሕጊ ተንጸባሪቑ ንረኽቦ ኢና። እታ ኣደ፡ ገንሸል ንኸተምጽእ ዓቕማ ዘይፈቕደላ እንተ ዀይኑ፡ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ ኸተምጽእ ትኽእል ነበረት። (ዘሌ. 12:8) እታ ኣደ ድኻ እኳ እንተ ነበረት፡ የሆዋ ግና ማዕረ እታ ኽቡር ነገራት እተምጽእ ኣደ እዩ ዜፍቅራን ብሞሳ ዚርእያን ነይሩ። ካብዚ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

12 ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ፡ ንኣምላኽ “መስዋእቲ ውዳሰ” ኬቕርቡሉ ኣተባቢዕዎም ኣሎ። (እብ. 13:15) ከናፍርና ብዛዕባ እቲ ቕዱስ ስም የሆዋ ኺእመና ወይ ኪዛረባ ኣለወን። ጽሙማን ዝዀኑ ኣሕዋትና ኣሓትናን እውን፡ ብቛንቋ ምልክት ኣቢሎም ንኣምላኽ ይውድስዎ እዮም። ካብ ቤት ኪወጹ ዘይኽእሉ ክርስትያናት እውን እንተ ዀኑ፡ ደብዳበ ብምጽሓፍን ብተሌፎን ብምምስካርን ነቶም ኣለይ መለይ ዚብልዎምን ንበጻሕትን ብምስባኽን ንየሆዋ ይውድስዎ እዮም። እቲ እነቕርቦ መስዋእቲ ውዳሰ፡ ማለት ስም የሆዋ ኸም ዚፍለጥ ብምግባርን ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኽን ንየሆዋ እነቕርቦ ውዳሰ፡ ምስ ኵነታት ጥዕናናን ምስ ክእለትናን ዚመጣጠን ኪኸውን  ኣለዎ። በዚ ኸምዚ፡ ንየሆዋ እቲ ዝበለጸ ኽንህቦ ንኽእል።—ሮሜ 12:1፣ 2 ጢሞ. 2:15

13. ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽንህብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

13 ንኣምላኽ ኣዚና ስለ እነፍቅሮ፡ ብፍታው ኢና መስዋእቲ ውዳሰ እነቕርበሉ። (ማቴ. 22:37, 38) ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣገልግሎት ዝነበረና ንጥፈት ጸብጻብ ክንህብ ንሕተት ኢና። እሞኸ ብዛዕባ እዚ መሰናድዎ እዚ እንታይ እዩ ዚስምዓና፧ እቲ በብወርሑ እንህቦ ጸብጻብ፡ ምስ ኣምላኻዊ ተወፋይነትና እተተሓሓዘ እዩ። (2 ጴጥ. 1:7) ሓቂ እዩ፡ ብዙሕ ሰዓታት ከም ዘሕለፍና ዚገልጽ ጸብጻብ ምእንቲ ኽንህብ ኢልና ጥራይ ኣይኰንናን ኣብ ኣገልግሎት ብዙሕ እንጽዕር። ከመይሲ፡ ኣብ መናበዪ ኣረጋውያን ዘሎ ወይ ከኣ ዓቕሙ ዘይፈቕደሉ ኣስፋሒ፡ ምሉእ ሰዓት ጥራይ ዘይኰነስ፡ 15፡ 30፡ ወይ 45 ደቒቕ ጸብጻብ ኪህብ ይኽእል እዩ። የሆዋ ነዘን ደቓይቕ እዚአን፡ እቲ ኣስፋሒ መንግስቲ ኣምላኽ ኬቕርበን ዚኽእል ዝበለጻ መስዋእቲ ስለ ዝዀና፡ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእየን፣ ከመይሲ፡ የሆዋ፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከም ዜፍቅርዎን ነቲ ሓደ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኴንካ ናይ ምግልጋል ፍሉይ መሰል ከም ዜማስዉሉን ይፈልጥ እዩ። ልክዕ ከምቶም ክቡር ነገራት ኬቕርቡ ዘይኽእሉ ዝነበሩ ዅነታቶም ዘይፈቕደሎም እስራኤላውያን፡ ሎሚ ዘለዉ ዓቕሞም ድሩት ዝዀነ ኽቡራት ኣገልገልቲ የሆዋ እውን፡ ጸብጻብ ኣገልግሎት ኪህቡ ይኽእሉ እዮም። እቲ እንህቦ ውልቃዊ ጸብጻብ ድማ ምስ ዓለምለኻዊ ጸብጻብ ተደሚሩ፡ ውድብና ንመጻኢ ምስ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዚተሓሓዝ መደብ ንኼውጽእ ኪሕግዞ ይኽእል እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣገልግሎት ዝነበረና ንጥፈት ጸብጻብ ክንህብ እንሕተት።

ልማድ መጽናዕትናን መስዋእቲ ውዳሰን

14 ነቲ ኣብ መጽሓፍ ዘሌዋውያን ዚርከብ ክቡር መንፈሳዊ ነገራት ድሕሪ ምምርማርና፡ ‘እዛ መጽሓፍ እዚኣ ሓንቲ ኽፋል እቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ዝዀነትሉ ምኽንያት ሕጂ ብዝያዳ ተረዲኡኒ’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። (2 ጢሞ. 3:16) ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ቕድስና ንኸተርኢ ድማ ቈሪጽካ ትኸውን፣ ከምኡ እትገብር ግና፡ የሆዋ ቕዱስ ክትከውን ስለ ዚደልየካ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከተሐጕሶ ዚግባእ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ እዩ። ኣብዘን ክልተ ዓንቀጻት እተመሃርካዮ ነጥብታት፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዝያዳ ንኽትኵዕት ባህጊ ኣሕዲሩልካ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 2:1-5 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ንልማድ መጽናዕትኻ ብጸሎት መርምሮ። እቲ ንየሆዋ እተቕርቦ መስዋእቲ ውዳሰ፡ ኣብ ቅድሚኡ ተቐባልነት ኪረክብ ከም እትደሊ ኣየጠራጥርን እዩ። ኰይኑ ግና፡ መደባት ተለቪዥን፡ ጸወታታት ቪድዮ፡ ስፖርታዊ ንጥፈታት፡ ወይ ንመሕለፍ ግዜ ዚግበር ንጥፈታት ንኣቓልቦኻ ይሰርቆን ንመንፈሳዊ ዕቤትካ ዕንቅፋት ይዀኖን ኣሎ ድዩ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ብዛዕባ ገለ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ እብራውያን ዚርከብ ቃላት ሃዋርያ ጳውሎስ ምስትንታንካ ኺጠቕመካ ይኽእል እዩ።

ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ንኣምልኾ ስድራ ቤትን ኣብ ህይወትካ ቐዳምነት ትህቦዶ ኣለኻ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)

15, 16. ጳውሎስ ንእብራውያን ክርስትያናት ብግልጺ ዝጸሓፈሎም ስለምንታይ እዩ፧

15 ጳውሎስ ነቶም እብራውያን ክርስትያናት ዝዀኑ ብጾቱ፡ ብግልጺ እዩ ጽሒፉሎም። (እብራውያን 5:7, 11-14 ኣንብብ።) ቃላት ኣጸባቢቑ ኺጽሕፈሎም ኣይፈተነን። “ንምስማዕ ድንዙዛት” ምዃኖም ነገሮም። ጳውሎስ ብሓይልን ብግልጽን እተዛረቦም ስለምንታይ እዩ፧ ልክዕ ከም የሆዋ የፍቅሮም  ስለ ዝነበረ እዩ፣ ብዘይካዚ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ገና ጸባ ይቕለቡ ስለ ዝነበሩ፡ ኵነታቶም ኣተሓሳሲብዎ ነበረ። ንመሰረታዊ ትምህርታት ክርስትና ምፍላጥ ኣዝዩ ኣገዳሲ እኳ እንተ ዀነ፡ መንፈሳዊ ዕቤት ብምግባር ኣብ ክርስትያናዊ ብስለት ንምብጻሕ ግና፡ “ዕጹም ብልዒ” የድሊ እዩ።

16 እቶም እብራውያን ዕቤት ብምግባር ንኻልኦት ኣብ ክንዲ ዚምህሩ፡ ገና ዚምህሮም የድልዮም ነበረ። ስለምንታይ፧ “ዕጹም ብልዒ” ኣይበልዑን እዮም ነይሮም። ንገዛእ ርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተታ፦ ‘ብዛዕባ ዕጹም መንፈሳዊ ምግቢ ቕኑዕ ኣረኣእያ ድዩ ዘሎኒ፧ ወትሩ መንፈሳዊ ምግቢ እምገብዶ ኣለኹ፧ ካብ ምጽላይን ዓሚቝ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምግባርን ድሕር ምሕር እብል ድየ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ጸገም ኣብ ልማድ መጽናዕተይ ደዀን ይኸውን፧’ ንሰባት ክንሰብከሎም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ክንምህሮምን ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብሮምን እውን ኣሎና።—ማቴ. 28:19, 20

17, 18. (ሀ) ኣዘውቲርና ዕጹም መንፈሳዊ ምግቢ ኽንምገብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ቅድሚ ክርስትያናዊ ኣኼባ ኣልኮላዊ መስተ ብዛዕባ ምስታይ እንታይ ኣረኣእያ እዩ ኺህልወና ዚኽእል፧

17 ንመብዛሕትና፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪኸብደና ይኽእል እዩ። የሆዋ ንመጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጽንዖ ኣየገድደናን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ርእስና ንየሆዋ ኻብ እንውፊ ነዊሕ ዓመታት ንግበር ሓጺር ብዘየገድስ፡ ኣዘውቲርና ዕጹም መንፈሳዊ ምግቢ ኽንምገብ ኣሎና። ቅዱሳት ኴንና ኽንመላለስ እንተ ደሊና፡ ከምኡ ኽንገብር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

18 ቅዱሳት ንምዃን፡ ንቕዱሳት ጽሑፋት ተጠንቂቕና ኽንምርምሮን ኣምላኽ ካባና ዚጽበዮ ብቕዓታት ከነማልእን ኣሎና። ነቶም ደቂ ኣሮን ዝነበሩ ናዳብን ኣቢሁን እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ፣ ምናልባት ሰኺሮም ከለዉ “ጋሻ ሓዊ” ወይ ዘይተፈቕደ ሓዊ ስለ ዘቕረቡ፡ ብሞት ተቐጽዑ። (ዘሌ. 10:1, 2) ድሕሪኡ ኣምላኽ ንኣሮን እንታይ ከም ዝበሎ እሞ ርአ። (ዘሌዋውያን 10:8-11 ኣንብብ።) እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባ ቕድሚ ምኻድና ዝዀነ ይኹን ዓይነት ኣልኮላዊ መስተ ኽንሰቲ ኸም ዘይብልና ድያ እትገልጽ ዘላ፧ ነዚ ዚስዕብ ነጥብታት እሞ ሕስብ ኣብለሉ፦ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ኣይኰንናን ዘለና። (ሮሜ 10:4) ኣብ ገሊኡ ሃገራት፡ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና፡ ቅድሚ ኣኼባ ምግባሮም ምግቢ ኺምገቡ ኸለዉ፡ ብመጠኑ ኣልኮላዊ መስተ ይሰትዩ እዮም። ፋሲካ ኺብዓል ከሎ፡ ኣርባዕተ ጽዋእ ወይኒ ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ እዩ። የሱስ በዓል ዝኽሪ ኬቕውም ከሎ፡ ነቲ ንደሙ ዜመልክት ወይኒ ምእንቲ ኺሰትይዎ፡ ንሃዋርያቱ ሂብዎም እዩ። (ማቴ. 26:27) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምብዛሕ መስተን ስኽራንን ይዅንን እዩ። (1 ቈረ. 6:10፣ 1 ጢሞ. 3:8) ብዙሓት ክርስትያናት ድማ ብምኽንያት ሕልናኦም፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቅዱስ ኣገልግሎት ቅድሚ ምክፋሎም፡ ኣልኮላዊ መስተ ንኸይጥዕሙ ይውስኑ ይዀኑ። ይኹን እምበር፡ ኵነታት ከከም ሃገሩ ይፈላለ እዩ፣ ብቐንዱ ዜገድስ ከኣ፡ ክርስትያናት ንኣምላኽ ብዜሐጕስ መገዲ ቕዱሳት ምእንቲ ኪዀኑ፡ ‘ኣብ መንጎ ቕዱስን ዘይቅዱስን ዘሎ ፍልልይ ኪፈልጡ’ እዩ።

19. (ሀ) ንኣምልኾ ስድራ ቤትናን ንብሕታዊ መጽናዕትናን ትርጕም ዘለዎ ኽንገብሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ምስ ቅድስና ብዚተሓሓዝ እንታይ ክትገብር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧

19 ኣብ ቃል ኣምላኽ ኣዕሚቝካ እንተ ዅዒትካ፡ ክቡር መንፈሳዊ ነገራት ብብዝሒ ኽትረክብ ኢኻ። ንምርምር ብዚሕግዝ ናውቲ ጌርካ፡ ንኣምልኾ ስድራ ቤትካን ንብሕታዊ መጽናዕትኻን ትርጕም ዘለዎ ኽትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ ዕላማኡን ዘሎካ ፍልጠት ኣዕብዮ። ናብ ኣምላኽ ድማ ብዝያዳ ቕረብ። (ያእ. 4:8) ልክዕ ከምቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ዝዘመሮ፡ “ኣብ ሕግኻ ተኣምራት ክርእስ፡ ኣዒንተይ ክፈተለይ” ኢልካ ናብ ኣምላኽ ጸሊ። (መዝ. 119:18) ምስ ሕግታትን ስርዓታትን መጽሓፍ ቅዱስ ብዚተሓሓዝ ኣይትለማለም። ንልዑል ሕግታት እቲ “ቕዱስ” ዝዀነ የሆዋ ብፍታው ተኣዘዞ፣ “ኣብቲ ቕዱስ ዕዮ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ” ከኣ ብቕንኣት ተኻፈል። (1 ጴጥ. 1:15፣ ሮሜ 15:16) ኣብዚ ጽንኩር እዋን ቅዱስ ኩን። ሃየ እምበኣር፡ ኵላትና ብኣካይዳና ቕዱሳት ንኹን፣ ንልዑላውነት እቲ ቕዱስ ኣምላኽና ዝዀነ የሆዋ ድማ ንደግፎ።

^ ሕ.ጽ. 6 ኣብ ናይ 15 ግንቦት 2002 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ርአ።