ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“የሆዋ ዝኣምላኹ ህዝቢ”

“የሆዋ ዝኣምላኹ ህዝቢ”

“የሆዋ ዝኣምላኹ ህዝቢ ሕጉስ እዩ!” መዝ. 144:15NW።

1. ገሊኣቶም ብዛዕባ እቶም ንኣምላኽ ዜምልኽዎ ሰባት እንታይ ኢሎም እዮም ዚሓስቡ፧

ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ኣስተውዓልቲ ሰባት፡ ኣብያተ ክርስትያን ህዝበ ክርስትና ዀና ኻልኦት ዓበይቲ ሃይማኖታት፡ ንደቂ ሰብ ዚጠቅም ነገራት ከም ዘይገብራ ይዛረቡ እዮም። ገሊኦም ሰባት፡ እተን ሃይማኖታት ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ስለ ዘይምህራን ሕማቕ ነገራት ስለ ዚገብራን፡ ሞገስ ኣምላኽ ከም ዘይብለን ይሰማምዑ እዮም። ይኹን እምበር፡ እዞም ሰባት እዚኦም፡ ኣምላኽ ዚርእዮምን ከም ኣምለኽቱ ገይሩ ዚቕበሎምን ቅኑዓት ሰባት ኣብ ኵለን ሃይማኖታት ከም ዘለዉ ይኣምኑ እዮም። ቅኑዓት ሰባት ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ተፈልዮም ንኣምላኽ ከም ሓደ ህዝቢ ዀይኖም ኬምልኽዎ ኸም ዘየድልዮም ገይሮም ከኣ እዮም ዚሓስቡ። ኰይኑ ግና፡ እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ምስ ናይ ኣምላኽ ኣተሓሳስባ ይሳነ ድዩ፧ ንገለ ኻብቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ታሪኽ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ የሆዋ ብምምርማር፡ ነዛ ሕቶ እዚኣ ኽንምልሳ ንኽእል ኢና።

ኣምላኽ ምስ ህዝቡ ኺዳን ገበረ

2. ድሕሪ ግዜ፡ ፍሉያት ህዝቢ የሆዋ ዝዀኑ መን እዮም፧ ካብ ካልኦት ህዝቢ ዚፈልዮም ዝነበረኸ እንታይ እዩ፧ (ኣብዛ ገጽ እዚኣ ዘላ ስእሊ ርአ።)

2 ካብ መበል 20 ዘመን ቅ.ክ. ኣትሒዙ፡ የሆዋ ኣብ ምድሪ ፍሉያት  ህዝቢ ነይሮምዎ እዮም። እቲ ‘ኣቦ ዚኣምኑ’ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ኣብርሃም፡ ርእሲ ሓንቲ ብኣማእታት ዚቝጸሩ ሰባት ዝሓቘፈት ስድራ ቤት እዩ ነይሩ። (ሮሜ 4:11፣ ዘፍ. 14:14) ኣብ ከነኣን ዝነበሩ ገዛእቲ ንኣብርሃም ከም “መስፍን” ገይሮም ይርእይዎ ስለ ዝነበሩ፡ የኽብርዎ ነይሮም እዮም። (ዘፍ. 21:22፣ 23:6) የሆዋ ምስ ኣብርሃምን ምስ ዘርኡን ኪዳን ገይሩ እዩ። (ዘፍ. 17:1, 2, 19) ኣምላኽ ከኣ ንኣብርሃም፡ “እቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን፡ ብድሕሬኻ ድማ ኣብ ዘርእኻ ዘሎ እሞ ንስኻትኩም እትሕልውዎ ኺዳን እዚ እዩ፡ ኣባኻትኩም ተባዕታይ ዘበለ ዅሉ ይገዘር። . . . እዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጎይን መንጎኹምን ዘሎ ኺዳን ምልክት ኪኸውን እዩ” በሎ። (ዘፍ. 17:10, 11) በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣብርሃምን ኵሎም ኣባላት ስድራ ቤቱን ተገዝሩ። (ዘፍ. 17:24-27) እዚ ግዝረት እዚ፡ ምስ የሆዋ ኺዳን ዝገበሩ ህዝቢ፡ ዘርኢ ኣብርሃም ጥራይ ምዃኖም ዜርኢ ኣካላዊ ምልክት እዩ ነይሩ።

3. ዘርኢ ኣብርሃም፡ ህዝቢ ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧

3 እቲ ወዲ ወዱ ንኣብርሃም ዝነበረ ያእቆብ ወይ እስራኤል፡ 12 ኣወዳት ወለደ። (ዘፍ. 35:10, 22ለ-26) ድሕሪ ግዜ፡ እቶም ኣወዳት ርእሲ እቶም 12 ነገድ እስራኤል ኰኑ። (ግብ. 7:8) ያእቆብን ቤተ ሰቡን ብምኽንያት ጥሜት ናብ ግብጺ ተሰድዱ፣ ኣብኡ ኸኣ እቲ ሓደ ኻብቶም ደቂ ያእቆብ ዝነበሩ ዮሴፍ፡ ኣመሓዳሪ ምግብን የማናይ ኢድ ፈርኦንን ነበረ። (ዘፍ. 41:39-41፣ 42:6) ዘርኢ ያእቆብ ድማ ቍጽሮም ስለ ዝወሰኸ፡ ‘ብዙሕ ህዝቢ’ ዀኑ።—ዘፍ. 48:4፣ ግብሪ ሃዋርያት 7:17 ኣንብብ።

ኣምላኽ ንህዝቡ ኣድሓኖም

4. ኣብ ፈለማ፡ ኣብ መንጎ ግብጻውያንን ዘርኢ ያእቆብን እንታይ ዓይነት ርክብ እዩ ነይሩ፧

4 ዘርኢ ያእቆብ ንኽልተ ሚእቲ ዓመት ዚኸውን፡ ኣብ ግብጺ፡ ጎሼን ኣብ ዚብሃል ክፋል ኒል ተቐመጡ። (ዘፍ. 45:9, 10) ንኣስታት ሚእቲ ዚኸውን ዓመት ድማ፡ ኣብ ንኣሽቱ ኸተማታት መጓሰኦም እናጓሰዩ ምስ ግብጻውያን ብሰላም እዮም ዚነብሩ ነይሮም። እቲ ንዮሴፍ ዚፈልጦን ኣኽቢሩ ዚርእዮን ዝነበረ ፈርኦን እውን፡ ንዘርኢ ያእቆብ ብጽቡቕ እዩ ተቐቢልዎም ነይሩ። (ዘፍ. 47:1-6) ግብጻውያን ግና ንጓሶት ኣባጊዕ ክቱር ጽልኢ ነበሮም። (ዘፍ. 46:31-34) ይኹን እምበር፡ ዋላ እውን ንእስራኤላውያን ኣይፍተውዎም፡ ምሳታቶም ሓቢሮም ኪነብሩ ነበሮም።

5, 6. (ሀ) ኣብ ግብጺ ዝነበረ ዅነታት ህዝቢ ኣምላኽ እተቐየረ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ህይወት ሙሴ ዝደሓነት ብኸመይ እያ፧ የሆዋኸ ንዅሎም ህዝቡ እንታይ እዩ ገይሩሎም፧

5 ኰይኑ ግና፡ ኵነታት ህዝቢ ኣምላኽ ብሃንደበት ተቐየረ። ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ኣብ ግብጺ ኸኣ ንዮሴፍ ዘይፈልጥ ሓድሽ ንጉስ ተንስኤ። ንሱ ድማ ንህዝቡ፡ እንሆ፡ ህዝቢ ደቂ እስራኤል ካባና በዝሑን በርትዑን . . . በሎም። ግብጻውያን ንደቂ እስራኤል ብጭከና ኣዕየይዎም። ንህይወቶም ድማ ብብርቱዕ ዕዮ፡ ብባዕጥን ብጡብን ብዅሉ ዕዮ መሮርን በቲ ዅሉ ዜዕይይዎም ዕዮ ብምጭካን ኣመረርዎም።”—ዘጸ. 1:8, 9, 10, 13, 14

6 ፈርኦን እሞ ኸኣ፡ ኵሎም ዕሸላት እብራውያን ኣወዳት፡ ኪውለዱ ኸለዉ ንኪቕተሉ ኣዘዘ። (ዘጸ. 1:15, 16) ኣብቲ እዋን እቲ ድማ እዩ ሙሴ ተወሊዱ። ገና ወዲ ሰለስተ ወርሒ ኸሎ፡ ኣዲኡ ኣብ ሰንሰላ ኒል ሓብኣቶ፣ ጓል ፈርኦን ድማ ረኸበቶ። ንኸተዕብዮ ኸኣ ወሰደቶ። እቲ ዜሐጕስ ግና፡ እታ እምንቲ ኣደ ዝነበረት ዮካቤድ ንሙሴ ወዳ ኻብ ንእስነቱ ኣትሒዛ ኣዕበየቶ፣ በዚ ኸምዚ፡ ሙሴ እሙን ኣገልጋሊ የሆዋ ኪኸውን ከኣለ። (ዘጸ. 2:1-10፣ እብ. 11:23-25) የሆዋ ነቲ ንህዝቡ ዜጋጥሞም ዝነበረ መከራ ምስ ኣስተብሃለሉ፡ ብመሪሕነት ሙሴ ኣቢሉ ኻብ ጨቈንቶም ንኼድሕኖም ወሰነ። (ዘጸ. 2:24, 25፣ 3:9, 10) በዚ ኸምዚ፡ እስራኤላውያን ብየሆዋ ‘ዝደሓኑ’ ህዝቢ ዀኑ።—ዘጸ. 15:13፣ ዘዳግም 15:15 ኣንብብ።

እስራኤላውያን ህዝቢ ዀኑ

7, 8. እስራኤላውያን ቅዱስ ህዝቢ ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧

7 የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ ሕግን ስርዓት  ክህነትን ዘለዎም ህዝቢ ገይሩ እኳ እንተ ዘይወደቦም፡ ህዝቡ ኪዀኑ መሪጽዎም እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እዮም ሙሴን ኣሮንን ንፈርኦን፡ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፤ ንህዝበይ ኣብ በረኻ በዓል ኪገብሩለይ፡ ሕደጎም” ኢሎም ንኺዛረብዎ እተኣዘዙ።—ዘጸ. 5:1

8 ደቂ እስራኤል ካብ ጭቈና ግብጺ ሓራ ምእንቲ ኺወጹ፡ ኣብ ግብጺ ዓሰርተ መዓት ወረደ፣ ፈርኦንን ሰራዊቱን ድማ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ጥሒሎም ጠፍኡ። (ዘጸ. 15:1-4) ሰለስተ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ እዋን፡ የሆዋ ኣብ ከረን ሲና ምስ እስራኤላውያን ኪዳን ገበረ፣ “ቃለይ ኣጸቢቕኩም እንተ ሰማዕኩም፡ ኪዳነይውን እንተ ሐሎኹም፡ . . . ሓለፋ ዅሎም ህዝብታት ገንዘበይ ክትኰኑኒ ኢኹም። . . . ቅዱስ ህዝ[ቢ] ኽትኰኑኒ ኢኹም” ዚብል ታሪኻዊ ተስፋ ድማ ሃቦም።—ዘጸ. 19:5, 6

9, 10. (ሀ) ብመሰረት ዘዳግም 4:5-8፡ ሕጊ ሙሴ ንእስራኤላውያን ካብ ካልኦት ኣህዛብ ዚፈልዮም ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) እስራኤላውያን፡ ንየሆዋ “እተቐደሰ ህዝቢ” ኪዀኑ ዝነበሮም ብኸመይ እዮም፧

9 እብራውያን ኣብ ግብጺ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ማለት ገና ባሮት ከይኰኑ ኸለዉ፡ ብርእስታት ስድራ ቤት ወይ ብኣበዋት ዚመሓደሩ ሕብረተ ሰብ እዮም ነይሮም። እዞም ርእስታት ስድራ ቤት እዚኦም፡ ልክዕ ከምቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ንስድራ ቤቶም ከም ገዛእትን ፈራዶን ካህናትን ኰይኖም የገልግሉ ነበሩ። (ዘፍ. 8:20፣ 18:19፣ እዮ. 1:4, 5) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ፡ ንእስራኤላውያን ካብ ካልኦት ኣህዛብ ዚፈልዮም ሕጊ ሃቦም። (ዘዳግም 4:5-8 ኣንብብ፣ መዝ. 147:19, 20) ብመሰረት እቲ ሕጊ፡ ርእሱ ዝኸኣለ ኽህነት ቈመ፣ ብፍልጠቶምን ብጥበቦምን ዚኽበሩ ዝነበሩ “ዓበይቲ” ድማ ፍትሒ ኸም ዚሰፍን ይገብሩ ነበሩ። (ዘዳ. 25:7, 8) እቲ ሓድሽ እተወልደ ህዝቢ፡ በቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዝነበረ ሃይማኖታውን ማሕበራውን ስርዓታት ይምራሕ ነበረ።

10 እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ቐቅድሚ ምእታዎም፡ የሆዋ ነቲ ሕጊ ደገመሎም፣ ሙሴ ድማ ከምዚ በሎም፦ “ንስኻ ኸኣ ከምቲ ዝበለካ ብፍላይ ህዝቡ ኽትከውን ኵሉ ትእዛዛቱ ድማ ክትሕሉ፡ ንውዳሴን ንስምን ንኽብርን ከኣ ልዕሊ ዅሎም ዝፈጠሮም ህዝብታት ልዑል ኪገብረካ። ከምቲ ንሱ ዝበለካ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ህዝቢ ኽትከውን፡ እግዚኣብሄር ሎሚ ኣፍለጠካ።”—ዘዳ. 26:18, 19

መጻእተኛታት ንኣምላኽ ኬምልኽዎ ይኽእሉ

11-13. (ሀ) ምስቶም ሕሩያት ህዝቢ ኣምላኽ መን እዩ ኺሓብር ዚኽእል ነይሩ፧ (ለ) ሓደ እስራኤላዊ ዘይኰነ ሰብ፡ ንየሆዋ ኼምልኾ እንተ ደልዩ እንታይ እዩ ኺገብር ነይርዎ፧

11 የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ ሕሩያት ህዝቡ ኪዀኑ ኻብ ካልኦት ፈልዩ እኳ እንተ መረጾም፡ እስራኤላውያን ዘይኰኑ መጻእተኛታት እውን ምሳታቶም ንኺነብሩ ፈቒዱ እዩ። ንህዝቡ ኻብ ግብጺ ሓራ ኼውጽኦም ከሎ፡ እስራኤላውያን ዘይኰኑ ሰባት፡ እንተላይ ግብጻውያን ዜጠቓልል “ብዙሕ ሕውስዋስ ህዝቢ፡” ምስ እስራኤላውያን ወጺኡ እዩ። (ዘጸ. 12:38) ኣብ ግብጺ ሻውዓይ መዓት ኣብ ዝወረደሉ እዋን፡ ገሊኦም “ገላዉ ፈርኦን” ንቓል የሆዋ ፈሪሆም እዮም፣ ምናልባት እውን ኣብ መንጎ እቶም ምስ እስራኤላውያን ሓቢሮም ዝወጹ ሕውስዋስ ህዝቢ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።—ዘጸ. 9:20

12 እስራኤላውያን ንዮርዳኖስ ሰጊሮም ንከነኣን ቀቅድሚ ምቍጽጻሮም፡ ሙሴ፡ ነቲ ኣብ መንጎኦም ዚነብር ‘ስደተኛ ኺፈትውዎ’ ነገሮም። (ዘዳ. 10:17-19) እቶም ሕሩያት ህዝቢ ኣምላኽ፡ ንመሰረታዊ ሕጊ ሙሴ ኺስዕብ ፍቓደኛ ንዝዀነ ማንም መጻእተኛ ናብ ሕብረተ ሰቦም ኪቕበልዎ ነበሮም። (ዘሌ. 24:22) ገሊኦም መጻእተኛታት ኣምለኽቲ የሆዋ ዀይኖም እዮም፣ ልክዕ ከምታ ሞኣባዊት ዝነበረት ሩት ዝበለቶ ድማ እዩ ዚስምዖም፣ ንሳ ነታ እስራኤላዊት ዝነበረት ናእሚ፡ “ህዝብኺ ህዝበይ፡ ኣምላኽኪ ድማ ኣምላኸይ እዩ” በለታ። (ሩት 1:16) እዞም መጻእተኛታት እዚኦም፡ ጵሮሴሊት ኰኑ፣  እቶም ደቂ ተባዕትዮ ዘበሉ ድማ ተገዝሩ። (ዘጸ. 12:48, 49) የሆዋ ኸኣ ከም ኣባላት እቶም ሕሩያት ህዝቡ ገይሩ ተቐበሎም።—ዘሁ. 15:14, 15

እስራኤላውያን ንመጻእተኛታት ይፈትውዎም ነበሩ(ሕጡብ ጽሑፍ 11-13 ርአ)

13 ቤተ መቕደስ ሰሎሞን ንየሆዋ ኣብ እተወፈየትሉ እዋን፡ እስራኤላውያን ንዘይኰኑ ሰባት ዚኸውን መሰናድዎ ተገብረ፣ ሰሎሞን ኣብ ጸሎቱ፡ “ካብ ህዝብኻ እስራኤል ዘይኰነ ጓና ድማ ምእንቲ እዚ ዓብዪ ስምካን እዛ ጽንዕቲ ኢድካን ዝርግሕቲ ቅልጽምካን ኢሉ፡ ካብ ርሑቕ ሃገር እንተ መጸ፡ መጺኡ ኸኣ ናብዛ ቤት እዚኣ ኣቢሉ እንተ ጸለየ፡ ሽዑ ንስኻ ኻብ ሰማይ፡ ካብታ እትነብረላ ስፍራኻ፡ ስማዕ፡ ነቲ ጓና ኸኣ ከምቲ ኵሉ ዚጽውዓካ ግበረሉ፡ ብዘለዉ ህዝብታት ምድሪ ንስምካ ምእንቲ ኺፈልጡ እሞ ከም ህዝብኻ እስራኤል ገይሮም ኪፈርሁኻ፡ እዛ ዝሰራሕክዋ ቤትውን ብስምካ ኸም እተሰምየት ኪፈልጡ” በለ። (2 ዜና 6:32, 33) ብግዜ የሱስ እውን እንተ ዀነ፡ ዝዀነ ይኹን እስራኤላዊ ዘይኰነ ግናኸ ንየሆዋ ኼምልኾ ዚደሊ ሰብ፡ ምስቶም ኪዳን እተኣትወሎም ህዝቢ ኺሓብር ነበሮ።—ዮሃ. 12:20፣ ግብ. 8:27

ብደረጃ ህዝቢ እተጠርነፉ መሰኻኽር

14-16. (ሀ) እስራኤላውያን ብደረጃ ህዝቢ እተጠርነፉ መሰኻኽር የሆዋ ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ እንታይ ስነ ምግባራዊ ግዴታ እዩ ዘለዎም፧

14 እስራኤላውያን ንየሆዋ ኣምላኽ እዮም ዜምልኹ ነይሮም፣ ካልኦት ኣህዛብ ግና ናይ ገዛእ ርእሶም ኣማልኽቲ ነበርዎም። ነብዪ ኢሳይያስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ የሆዋ ንዅነታት ዓለም ምስ ናይ ፍርዲ መጋባእያ ኣመሳሰሎ። ንኣማልኽቲ ኣህዛብ ድማ ንኣምላኽነቶም ብዚምልከት መሰኻኽር ኬቕርቡ ሓተቶም፣ ከምዚ ድማ በለ፦ “ኵሎም ኣህዛብ ብሓደ ይተአከቡ፡ ህዝብታት ከኣ ይጨምረሩ፡ ካባታቶም [ማለት ካብ ኣማልኽቶም] ከምዚ ዘመሰለ ኺነግር ዚኽእል መን እዩ፧ እቲ ናይ ቀደም ባህሎም እስኪ የስምዑና፡ ሰብ ሰሚዑ፤ ሓቂ እዩ፡ ምእንቲ ኺብልሲ፡ ምስክሮም የቕርቡ፡ መርትዕኦም ከኣ የፍልጡ።”—ኢሳ. 43:9

15 ኣማልኽቲ ኣህዛብ ንኣምላኽነቶም ዚምልከት ዝዀነ ይኹን መርትዖ ኬቕርቡ ኣይከኣሉን። ከመይሲ፡ ዓባሳትን ካልእ ሰብ ኪስከሞም  ዜድልዮም ጣኦታትን እዮም ነይሮም። (ኢሳ. 46:5-7) ብኣንጻሩ ግና፡ የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ “ኣነ ኸም ዝዀንኩ ምእንቲ ኸተስተውዕሉን ክትፈልጡን ክትአምኑንሲ፡ ንስኻትኩም ምስክረይን እቲ ዝሐሬኽዎ ባርያን ኢኹም፡ . . . ቅድመይ ኣምላኽ ከቶ ኣይተደኰነን፡ ድሕረይ ከኣ ኣይኪኸውንን እዩ። ኣነ፡ ኣነ እየ እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW]፡ ብጀካይ መድሓኒ የልቦን። . . . ስለዚ ንስኻትኩም ምስክረይ ኢኹም፡ . . . ኣነውን ኣምላኽ እየ” በሎም።—ኢሳ. 43:10-12

16 “እቲ ዝለዓለ ኣምላኽ መን እዩ፧” ኣብ ዚብል ጕዳይ፡ እቶም ሕሩያት ህዝቢ የሆዋ ኣብ ቅድሚ እቲ ንዅሉ ፍጥረት ዜጠቓልል መጋባእያ ቐሪቦም፡ የሆዋ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ ብንጹርን ብዘየማትእ መገድን ናይ ምምስካር ፍሉይ መሰል ረኸቡ። የሆዋ ብዛዕባኦም፡ “እቲ ንኣይ ዝደኰንክዎ ህዝቢ ምስጋናይ ኬዘንቱ እዩ” በለ። (ኢሳ. 43:21) እስራኤላውያን ስም ኣምላኽ ዚጾሩ ህዝቢ እዮም ነይሮም። የሆዋ ኻብ ግብጺ ስለ ዘድሓኖም፡ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብ ንልዑላውነቱ ናይ ምድጋፍ ስነ ምግባራዊ ግዴታ ነበሮም። እስራኤላውያን ኪህልዎም ዝነበሮ ኣረኣእያ፡ ምስቲ ነብዪ ሚክያስ ነቶም ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ብዚምልከት ዝጸሓፎ ሓሳብ ዚመሳሰል እዩ፣ ንሱ፡ “ኵሎም እቶም ህዝብታት ነፍሲ ወከፎም በብስም ኣምላኾም ኪመላለሱ እዮም፡ ንሕናውን ንዘለኣለም ብስም እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡ NW] ኣምላኽና ኽንመላለስ ኢና” በለ።—ሚክ. 4:5

ከዳዓት ህዝቢ

17. እስራኤላውያን ብኣረኣእያ የሆዋ “ድቓላ ሓረግ ወይኒ” ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧

17 እቲ ዜሕዝን፡ እስራኤላውያን ንየሆዋ ኣምላኾም ጠለምዎ። በቶም ኣዕጻውን ኣእማንን ዜምልኹ ዝነበሩ ኣህዛብ ተጸልዉ። ኣብ ሻምናይ ዘመን ቅ.ክ.፡ ነብዪ ሆሴእ፡ ‘እስራኤል ብዙሕ ዝጨናፍሩ ወይኒ እዩ። መሰውኢታት ኣብዝሔ፡ ልቦም ተመቕለ፡ ሕጂ ገበነኛታት ኰይኖም ተረኽቡ’ ኢሉ ጸሓፈ። (ሆሴ. 10:1, 2) ድሕሪ ሓደ ዘመንን ፈረቓን፡ ኤርምያስ ከምዚ ዚስዕብ ዚብል ነቶም ዘይእሙናት ህዝቢ ዚምልከት ቃል የሆዋ ተዛረበ፦ “ኣነስ ከም ሕሩይ ሓረግ ወይኒ ገይረ ኻብ ጽሩይ ዓሌት ተኸልኩኺ፡ ከመይ ኢልኪ ደኣ ኣብ ድቓላ ሓረግ ወይኒ ተለወጥክኒ፧ . . . እቶም ንርእስኻ ዝገበርካዮም ኣማልኽትኻ ደኣ ኣበይ አለዉ፧ ብጊዜ መከራኻ ኼድሕኑኻ ዚኽእሉ እንተ ዀይኖምሲ፡ ይተንስኡ። . . . ህዝበይንንከ ቝጽሪ ዜብሉ መዓልትታት ረስዓኒ።”—ኤር. 2:21, 28, 32

18, 19. (ሀ) የሆዋ ንስሙ ዚኸውን ሓድሽ ህዝቢ ኸም ዜቕውም እተነበየ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

18 እስራኤላውያን ንንጹህ ኣምልኾ ብምስዓብን እሙናት መሰኻኽር የሆዋ ብምዃንን ጽቡቕ ፍረ ኣብ ክንዲ ዚፈርዩ፡ ብሰንኪ ኣምልኾ ጣኦት፡ እተበላሸወ ፍረ ፈረዩ። ብሰንኪ እዚ፡ የሱስ ነቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ግቡዛት መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ ካባኻትኩም ተወሲዳ ፍሪኣ ንዚፈሪ ህዝቢ ኽትውሃብ እያ” በሎም። (ማቴ. 21:43) ክፍሊ እዚ ሓድሽ ህዝቢ እዚ ኪዀኑ ዚኽእሉ፡ ኣባላት እቲ የሆዋ ብነብዪ ኤርምያስ ኣቢሉ እተዛረበሉ “ሓድሽ ኪዳን” ዝዀኑ ሰባት ጥራይ እዮም፣ መንፈሳውያን እስራኤል ድማ እዮም ዚዀኑ። የሆዋ ብዛዕባ ኣባላት እቲ ሓድሽ ኪዳን ዚዀኑ መንፈሳውያን እስራኤል ኪንበ ኸሎ፡ “ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ንሳቶም ድማ ህዝበይ ኪዀኑ እዮም” በለ።—ኤር. 31:31-33

19 ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ፡ እቶም ብስጋ እስራኤላውያን ዘይእሙናት ምስ ኰኑ፡ የሆዋ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ መንፈሳውያን እስራኤል ህዝቡ ገበሮም። ኰይኑ ግና፡ ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ መን እዮም፧ ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ነቶም ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ የሆዋ ብኸመይ ኬለልይዎም ይኽእሉ፧ ነዚ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንምርምሮ ኢና።