ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ሕጂ ህዝቢ ኣምላኽ ኢኹም’

‘ሕጂ ህዝቢ ኣምላኽ ኢኹም’

“ሓደ እዋን ህዝቢ ዘይነበርኩም፡ ሕጂ ግና ህዝቢ ኣምላኽ ኢኹም።” 1 ጴጥ. 2:10

1, 2. ኣብ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. እንታይ ለውጢ እዩ ኣጋጢሙ፧ ኣባላት እቲ ሓድሽ ህዝቢ የሆዋ ዝዀኑኸ መን እዮም፧ (ኣብዛ ገጽ እዚኣ ዘላ ስእሊ ርአ።)

ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ኣብ ታሪኽ ህዝቢ የሆዋ ኣገዳሲ ፍጻመ ዘጋጠመላ ዕለት እያ። ሽዑ ዓብዪ ለውጢ እዩ ኣጋጢሙ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ብመንፈሱ ኣቢሉ ሓድሽ ህዝቢ፡ ማለት መንፈሳውያን እስራኤል ወይ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ኣቘመ። (ገላ. 6:16) ካብ ግዜ ኣብርሃም ኣትሒዙ ድማ ንመጀመርታ እዋን፡ መለለዪ ህዝቢ ኣምላኽ፡ ግዝረት ስጋ ምዃኑ ተረፈ። ጳውሎስ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ኣባል እቲ ሓድሽ ህዝቢ ኺገልጽ ከሎ፡ “ግዝረቱ ኸኣ ግዝረት ልቢ ብመንፈስ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።—ሮሜ 2:29

2 ናይ መጀመርታ ኣባላት እቲ ሓድሽ ህዝቢ ኣምላኽ፡ ሃዋርያትን ልዕሊ ሚእቲ ዚዀኑ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስን እዮም ነይሮም፣ እዚኣቶም ብሓባር ኰይኖም ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዝነበረ ደርቢ ተኣኪቦም ነበሩ። (ግብ. 1:12-15) መንፈስ ቅዱስ ምስ ወረዶም ድማ፡ ብመንፈስ እተወልዱ ደቂ ኣምላኽ ኰኑ። (ሮሜ 8:15, 16፣ 2 ቈረ. 1:21) እዚ ኸኣ፡ እቲ ሓድሽ ኪዳን ኪዕየየሉ ኸም እተጀመረ ዚሕብር እዩ ነይሩ፣ መንጎኛ እዚ ኺዳን እዚ፡ እቲ ብደሙ ሕጋዊ ዝገበሮ ክርስቶስ እዩ። (ሉቃ. 22:20፣ እብራውያን 9:15 ኣንብብ።) በዚ ኸምዚ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣባላት እቲ ሓድሽ ህዝቢ የሆዋ ዀኑ። መንፈስ ቅዱስ ከኣ፡ ኣይሁድን ጵሮሴሊትን  ብዚጥቀሙሉ እተፈላለየ ቛንቋታት ንኺሰብኩ ሓይሊ ሃቦም፣ እቶም ኣይሁድን ጵሮሴሊትን ነቲ ኣይሁድ ዜኽብርዎ በዓል ሰሙናት ወይ ጰንጠቈስጠ ንምኽባር ካብ መላእ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ዝመጹ እዮም ነይሮም። እዞም ሰባት እዚኦም፡ እቶም ብመንፈስ እተወልዱ ክርስትያናት “ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ” በብቛንቋኦም ምስ ነገርዎም፡ ሰሚዖም ተረድኡ።—ግብ. 2:1-11

ሓድሽ ህዝቢ ኣምላኽ

3-5. (ሀ) ጴጥሮስ ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ ንኣይሁድ እንታይ እዩ ኢልዎም፧ (ለ) ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ እቲ ሓድሽ ህዝቢ እናሰሰነ ዝኸደ ብኸመይ እዩ፧

3 የሆዋ ንሃዋርያ ጴጥሮስ ተጠቒሙ፡ ኣባላት እቲ ሓድሽ እተወልደ ህዝቡ፡ ማለት ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ንኣይሁድን ንጵሮሴሊትን ኣጋጣሚ ኸፈተሎም። ኣብ መዓልቲ ጰንጠቈስጠ፡ ጴጥሮስ ንኣይሁድ፡ ‘ኣምላኽ ነዚ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ የሱስ፡ ጐይታን ክርስቶስን ገበሮ’ ብምባል፡ ንየሱስ ኪቕበልዎ ብትብዓት ነገሮም። እቶም ህዝቢ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ምስ ሓተቱ፡ ጴጥሮስ፡ “ተነስሑ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣቱ ይጠመቕ፣ ውህበት መንፈስ ቅዱስ እውን ክትቅበሉ ኢኹም” በሎም። (ግብ. 2:22, 23, 36-38) ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፡ ኣስታት 3,000 ሰባት ናብቲ ሓድሽ ህዝቢ፡ ማለት ናብ መንፈሳውያን እስራኤል ተወሰኹ። (ግብ. 2:41) ድሕሪኡ እውን እንተ ዀነ፡ እቲ ሃዋርያት ብቕንኣት ዚፍጽምዎ ዝነበሩ ዕዮ ስብከት፡ ዝያዳ ፍረ ይፈሪ ነበረ። (ግብ. 6:7) እቲ ሓድሽ ህዝቢ ድማ እናሰሰነ ኸደ።

4 ጸኒሑ፡ እቲ ዕዮ ስብከት ናብ ሳምራውያን በጽሐ፡ ጽቡቕ ውጽኢት እውን ተረኽቦ። ብዙሓት ብፊልጶስ እቲ ወንጌላዊ ተጠምቁ፣ ግናኸ ብኡብኡ መንፈስ ቅዱስ ኣይተቐበሉን። እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል ንሃዋርያ ጴጥሮስን ንሃዋርያ ዮሃንስን ናብቶም ሳምራውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ምስ ለኣኾም፡ ንሳቶም “ኣእዳዎም ኣንበሩሎም እሞ፡ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ።” (ግብ. 8:5, 6, 14-17) በዚ ኸምዚ፡ እቶም ሳምራውያን እውን ብመንፈስ እተቐብኡ ኣባላት መንፈሳውያን እስራኤል ኰኑ።

ጴጥሮስ ንቆርኔሌዎስን ንቤተ ሰቡን ሰበኸሎም (ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ)

5 ብ36 ድ.ክ. ኣምላኽ እንደገና ንጴጥሮስ ተጠቒሙ፡ ካልኦት ሰባት ኣባላት እቲ ሓድሽ መንፈሳዊ ህዝቢ እስራኤል ንኪዀኑ ኣጋጣሚ ኸፈተሎም። እዚ ኸኣ፡ ጴጥሮስ ነቲ ሮማዊ ሓለቓ ሚእቲ ዝነበረ ቆርኔሌዎስን ንኣዝማዱን ንፈተውቱን ምስ ሰበኸሎም ተፈጸመ። (ግብ. 10:22, 24, 34, 35) ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ጴጥሮስ ገና . . . ኺዛረብ ከሎ፡ ኣብ ኵሎም እቶም ነቲ ቓል ዚሰምዕዎ ዝነበሩ [ኣይሁድ ዘይኰኑ ሰባት]፡ መንፈስ ቅዱስ ወረደ። እቶም ምስ ጴጥሮስ ዝመጹ እተገዝሩ ኣመንቲ፡ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኣህዛብ እውን ስለ ዝፈሰሰ፡ ኣስተንከሩ።” (ግብ. 10:44, 45) በዚ መገዲ እዚ፡ ዘይተገዝሩ ኣህዛብ እውን ኣባላት እቲ ሓድሽ መንፈሳዊ ህዝቢ እስራኤል ኪዀኑ ኸኣሉ።

‘ንስሙ ዚዀኑ ህዝቢ’

6, 7. ኣባላት እቲ ሓድሽ ህዝቢ፡ ‘ንስም የሆዋ ዚዀኑ ህዝቢ’ ምዃኖም ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧ ክሳዕ ክንደይከ እዮም ተዓዊቶም፧

6 እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል ብ49 ድ.ክ. ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፡ ያእቆብ  እቲ ወደ መዝሙር፡ “ኣምላኽ ካብ ኣህዛብ ንስሙ ህዝቢ ምእንቲ ኼውጽእ፡ ንፈለማ ግዜ ኸመይ ገይሩ ቘላሕታ ኸም ዝገበረሎም፡ ስምኦን [ጴጥሮስ] ኣዘንትዩ ኣሎ” በለ። (ግብ. 15:14) እዚ ስም የሆዋ ዚጸውር ሓድሽ ህዝቢ እዚ፡ ንኣይሁድን ኣይሁድ ንዘይኰኑ ኣመንትን ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። (ሮሜ 11:25, 26) ጸኒሑ፡ ጴጥሮስ፡ “ሓደ እዋን ህዝቢ ዘይነበርኩም፡ ሕጂ ግና ህዝቢ ኣምላኽ ኢኹም” ኢሉ ጸሓፈ። ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ድማ፡ ብዛዕባ ኺገብርዎ ዘለዎም ነገራት ሓበሮም፦ “ንስኻትኩም ግና ናይቲ ኻብ ጸልማት ናብ ዜገርም ብርሃን ዝጸውዓኩም ‘ብሉጽነት ምእንቲ ኽትእውጁ፡ ሕሩይ ዓሌት፡ ንጉሳዊ ኽህነት፡ ቅዱስ ህዝቢ፡ ፍሉይ ጥሪት ዝዀነ ህዝቢ ኢኹም።’” (1 ጴጥ. 2:9, 10) ስለዚ፡ ነቲ ዚውክልዎ ኣካል ኪውድስዎን ንስሙ ብግህዶ ኬኽብሩን ኣለዎም። እወ፡ ተባዓት መሰኻኽር እቲ ልዑላዊ ገዛኢ ዝዀነ የሆዋ ኪዀኑ ኣለዎም።

7 የሆዋ ልክዕ ከምቲ ብዛዕባ እቶም ብስጋ እስራኤላውያን ዝበሎ፡ ብዛዕባ እቶም መንፈሳውያን እስራኤላውያን እውን፡ “እቲ ንኣይ ዝደኰንክዎ ህዝቢ ምስጋናይ ኬዘንቱ እዩ” ኺብል ይኽእል እዩ። (ኢሳ. 43:21) ቀዳሞት ክርስትያናት፡ የሆዋ በይኑ ጥራይ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ ብትብዓት ብምእዋጅ፡ እቶም ሽዑ ዚምለኹ ዝነበሩ ኣማልኽቲ ናይ ሓሶት ምዃኖም ኣቃሊዖም እዮም። (1 ተሰ. 1:9) “ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድርን” ብዛዕባ የሆዋን የሱስን መስኪሮም እዮም።—ግብ. 1:8፣ ቈሎ. 1:23

8. ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ህዝቢ ኣምላኽ እንታይ ኢሉ እዩ ኣጠንቂቕዎም፧

8 ሓደ ኻብቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ተባዓት ‘ንስም የሆዋ ዚዀኑ ህዝቢ፡’ ሃዋርያ ጳውሎስ እዩ ነይሩ። ኣብ መንጎ ኣረማውያን ፈላስፋታት ኰይኑ፡ ንልዑላውነት የሆዋ ተጣበቐሉ፣ “እቲ ዓለምን ኣብኣ ዘሎን ዝገበረ ኣምላኽ፡ ንሱ ጐይታ ሰማይን ምድርን” ምዃኑ ድማ ገለጸ። (ግብ. 17:18, 23-25) ኣብ ከባቢ መወዳእታ ሳልሳይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ፡ ጳውሎስ ንኣባላት እቲ ንስም ኣምላኽ ዝዀነ ህዝቢ፡ “ኣነ ምስ ኣልገስኩ፡ ሕሱማት ተዃሉ ኸም ዚኣትዉኹምን ነቲ መጓሰ ኸም ዘየናሕስዩሉን፡ እፈልጥ እየ፣ ካባኻትኩም ከኣ ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ምእንቲ ኺስሕቡ፡ ቄናን ነገር ዚዛረቡ ኺትንስኡ እዮም” ኢሉ ኣጠንቀቖም። (ግብ. 20:29, 30) እዚ ብትንቢት እተነግረሉ ኽሕደት እዚ፡ ኣብ መወዳእታ ቐዳማይ ዘመን ብንጹር ተራእዩ እዩ።—1 ዮሃ. 2:18, 19

9. ድሕሪ ሞት ሃዋርያት፡ ነቶም ‘ንስም የሆዋ ዚዀኑ ህዝቢ’ እንታይ እዩ ኣጋጢምዎም፧

9 ድሕሪ ሞት ሃዋርያት፡ ክሕደት እናሰፍሐ ብምኻድ፡ ኣብያተ ክርስትያን ህዝበ ክርስትና ኸም ዚምስረታ ገበረ። ከሓድቲ ክርስትያናት፡ ይትረፍዶ ‘ንስም የሆዋ ዚዀኑ ህዝቢ’ ኪዀኑስ፡ ሕሉፍ ሓሊፎም ንመለኮታዊ ስም ካብ ብዙሕ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ኣውጽእዎ። ኣረማዊ ጽምብላት ተቐበሉ፣ ንኣምላኽ ድማ በቲ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ትምህርትታቶምን በቲ “ቕዱስ ውግእ” ኢሎም ዚጽውዕዎ ተግባርን በቲ ርኽሰት ዝመልኦ ኣካይዳኦምን ኣዋረድዎ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ የሆዋ ንነዊሕ ዘመናት፡ ብዘይካ ሒደት እሙናት ኣምለኽቲ፡ ኣብ ምድሪ ‘ንስሙ ዚዀኑ እተወደቡ ህዝቢ’ ኣይነበርዎን።

ህዝቢ ኣምላኽ እንደገና ተወልደ

10, 11. (ሀ) የሱስ ኣብታ ብዛዕባ ስርናይን ክርዳድን እትገልጽ ምሳሌኡ፡ እንታይ እዩ ተነብዩ፧ (ለ) ምሳሌ የሱስ ድሕሪ 1914 እተፈጸመት ብኸመይ እያ፧ ውጽኢቱኸ እንታይ ኰነ፧

10 የሱስ ኣብታ ብዛዕባ ስርናይን ክርዳድን እትገልጽ ምሳሌኡ፡ ብሰንኪ እቲ ኽሕደት ብዛዕባ ዚህሉ መንፈሳዊ ጸልማት ተነብዩ ነይሩ እዩ። “ሰባት ደቂሶም ከለዉ፡” ድያብሎስ ኣብቲ ወዲ ሰብ ስርናይ ዝዘርኣሉ ግራት፡ ክርዳድ ዘርአ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ስርናይን እቲ ኽርዳድን ክሳዕ “መደምደምታ ስርዓት ዓለም” ብሓባር ኪዓቢ ነበሮ። የሱስ ከም ዝገለጾ፡ “እቲ ጽቡቕ ዘርኢ” ነቶም “ደቂ መንግስቲ” እዩ ዜመልክት፣ እቲ “ኽርዳድ” ከኣ ነቶም “ደቂ እቲ እኩይ” እዩ  ዜመልክት። ኣብ ግዜ መወዳእታ፡ ነቲ ምሳልያዊ ስርናይ ካብቲ ኽርዳድ ምእንቲ ኺፈልይዎ፡ ወዲ ሰብ ነቶም “ዓጻዶ” ዝዀኑ መላእኽቲ ኺልእኮም እዩ። ሽዑ እቶም ደቂ መንግስቲ ኺእከቡ እዮም። (ማቴ. 13:24-30, 36-43) እዚ ብኸመይ እዩ ተፈጺሙ፧ የሆዋ ኣብ ምድሪ እንደገና ህዝቢ ኸም ዚህልዎ ዝገበረኸ ብኸመይ እዩ፧

11 “መደምደምታ ስርዓት ዓለም” ብ1914 ጀመረ። ኣብታ ዓመት እቲኣ ውግእ ኣብ እተጀመረሉ እዋን፡ እቶም ሒደት ኣሽሓት ዝነበሩ “ደቂ መንግስቲ፡” ማለት ቅቡኣት ክርስትያናት፡ ኣብ ትሕቲ መንፈሳዊ ምርኮ ዓባይ ባቢሎን እዮም ነይሮም። ብ1919 የሆዋ ሓራ ምስ ኣውጽኦም፡ ኣብ መንጎኦምን ኣብ መንጎ እቶም ኣምሰሉ ክርስትያናት ዝዀኑ “ኽርዳድ”ን ዘሎ ፍልልይ ነጸረ። የሆዋ ነቶም “ደቂ መንግስቲ” ኸም ህዝቢ ገይሩ ወደቦም፣ በዚ ኸምዚ፡ እቲ ኢሳይያስ እተነበዮ፡ “ሃገርዶ ብሓንቲ መዓልቲ ጽዒራ ትወልድ እያ፧ ህዝቢዶኸ ብሓንቲ ጊዜ ይውለድ እዩ፧ ጽዮን ግና ቅልውላው ምስ ሐዛ፡ ብኡብኡ ደቃ ወለደት” ዚብል ትንቢት ተፈጸመ። (ኢሳ. 66:8) እታ ብመንፈሳውያን ፍጡራት ንዝቘመት ውድብ የሆዋ እተመልክት ጽዮን፡ ነቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ደቃ ወለደት፣ ብደረጃ ህዝቢ ኸም ዚውደቡ ድማ ገበረት።

12. ቅቡኣት፡ ‘ንስም የሆዋ ዚዀኑ ህዝቢ’ ምዃኖም ኣብዚ ግዜና ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧

12 ቅቡኣት “ደቂ መንግስቲ፡” ልክዕ ከምቶም ቀዳሞት ክርስትያናት፡ መሰኻኽር የሆዋ ኪዀኑ ነበሮም። (ኢሳይያስ 43:1, 10, 11 ኣንብብ።) ብክርስትያናዊ ኣካይዳኦም ከምኡ እውን በቲ “ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ” እተባህለሉ “ብስራት መንግስቲ” ኣምላኽ ኣቢሎም ድማ፡ ፍሉያት ምዃኖም ኣርኣዩ። (ማቴ. 24:14፣ ፊል. 2:15) በዚ ኸምዚ፡ ንብዙሓት፡ አረ ንሚልዮናት ሰባት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸም ዚጸድቁ ገይሮምዎም እዮም።—ዳንኤል 12:3 ኣንብብ።

“ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና”

13, 14. እቶም መንፈሳውያን እስራኤል ዘይኰኑ ሰባት፡ ንየሆዋ ብቕቡል መገዲ ምእንቲ ኼምልኽዎን ኬገልግልዎን እንታይ እዮም ኪገብሩ ዘለዎም፧ እዚኸ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብትንቢት እተገልጸ ብኸመይ እዩ፧

13 ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ፡ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል፡ መጻእተኛታት ንየሆዋ ብቕቡል  መገዲ ኼምልኽዎ ይኽእሉ ኸም ዝነበሩ፡ ግናኸ እቶም መጻእተኛታት ምስቶም ኪዳን እተኣትወሎም ህዝቢ የሆዋ ኺሓብሩ ኸም ዝነበሮም ርኢና ኔርና። (1 ነገ. 8:41-43) ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ እቶም ኣባላት መንፈሳውያን እስራኤል ዘይኰኑ ሰባት፡ ምስቶም “ደቂ መንግስቲ፡” ማለት ምስቶም ቅቡኣት መሰኻኽር የሆዋ ዝዀኑ ህዝቢ ኺሓብሩ ኣለዎም።

14 ጥንቲ ዝነበሩ ኽልተ ነብያት፡ ኣብዚ ግዜ መወዳእታ፡ ብዙሓት ሰባት ንየሆዋ ምስ ህዝቡ ዀይኖም ንኼምልኽዎ ኸም ዚውሕዙ ተነብዮም ነይሮም እዮም። ኢሳይያስ ከምዚ በለ፦ “ሕጊ ኻብ ጽዮን፡ ቃል እግዚኣብሄር ከኣ ካብ የሩሳሌም ኪወጽእ እዩ እሞ፡ ብዙሓት ህዝብታት ኪኸዱ፡ ንዑናይ ናብ ከረን እግዚኣብሄር፡ ናብ ቤት ኣምላኽ ያእቆብ ንደይብ፡ ንሱ ጐደናታቱ ኺምህረና፡ ብመገድታቱውን ክንመላለስ ኢና፡ ድማ ኪብሉ እዮም።” (ኢሳ. 2:2, 3) ነብዪ ዘካርያስ እውን ብተመሳሳሊ፡ “ብዙሓት ህዝብታትን ሓያላት ኣህዛብን ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብ የሩሳሌም ኪደልይዎ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ኪምህለሉስ ኪመጹ እዮም” ኢሉ ተነበየ። እቶም ሰባት፡ “ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ ዝዀኑ ዓሰርተ ሰብ” ምዃኖም ድማ ገሊጹ ኣሎ፣ እዞም ሰባት እዚኦም ብምሳልያዊ መገዲ፡ ንሓደ ኣባል መንፈሳውያን እስራኤል ዘፈር ክዳኑ ሒዞም፡ “እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዝዀነ ሰሚዕና ኢና እሞ፡ ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና” ኺብልዎ እዮም።—ዘካ. 8:20-23

15. እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ኣበየናይ ዕዮ ብምክፋል እዮም ምስቶም መንፈሳውያን እስራኤል ‘ዚኸዱ፧’

15 እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ምስቶም መንፈሳውያን እስራኤል ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብምክፋል፡ ብምሳልያዊ መገዲ ምስ ቅቡኣት ‘ይኸዱ’ እዮም። (ማር. 13:10) በዚ ኸምዚ፡ ሓደ ኽፋል ህዝቢ የሆዋ ይዀኑ፣ ኣብ ትሕቲ እቲ “ሕያዋይ ጓሳ” ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ብምዃን ድማ፡ ምስቶም ቅቡኣት “ሓደ መጓሰ” ይዀኑ።—ዮሃንስ 10:14-16 ኣንብብ።

ምስ ህዝቢ የሆዋ ተዓቘብ

16. የሆዋ፡ ናይ መወዳእታ ኽፋል እቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ኸም ዚጅምር ዚገብር ብኸመይ እዩ፧

16 ዓባይ ባቢሎን ምስ ጠፍአት፡ ንህዝቢ የሆዋ ዓብዪ መጥቃዕቲ ኼጋጥሞም እዩ፣ ኣብቲ እዋን እቲ፡ እቲ የሆዋ ንኣገልገልቱ ዚገብሮ ዕቝባ ብሓቂ ኼድልየና እዩ። እቲ መጥቃዕቲ፡ ናይ መወዳእታ ኽፋል እቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ኸም ዚጅምር ኪገብር እዩ፣ ነቲ ሽዑ ዚግበር ነገራትን ነቲ ግዜን ዚመርጾ ድማ የሆዋ ባዕሉ እዩ። (ማቴ. 24:21፣ ህዝ. 38:2-4) ኣብቲ እዋን እቲ፡ ጎግ ነቲ ‘ኻብ ህዝብታት እተኣከበ ህዝቢ፡’ ማለት ንህዝቢ የሆዋ ኼጥቅዖም እዩ። (ህዝ. 38:10-12) እቲ መጥቃዕቲ፡ ፍርዲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ጎግን ኣብ ልዕሊ ጭፍራኡን ከም ዚፍጸም ኪገብር እዩ። የሆዋ ድማ ልዑላዊ ጐይታ ምዃኑ ኼፍልጥን ስሙ ኪቕድስን እዩ፣ ከመይሲ፡ “ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ብዙሓት ህዝብታት ከኣ ባዕለይ ክፍለጥ እየ። ንሳቶምውን ኣነ እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW] ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም” ኢሉ ኣሎ።—ህዝ. 38:18-23

ኣብ ግዜ “ብርቱዕ ጸበባ” ምስ ጉባኤና ኽንሓብር ኣሎና(ሕጡብ ጽሑፍ 16-18 ርአ)

17, 18. (ሀ) ጎግ ንህዝቢ የሆዋ ምስ ኣጥቅዖም፡ እንታይ መምርሒ እዩ ኺውሃቦም፧ (ለ) ዕቝባ የሆዋ ኽንረክብ እንተ ደሊና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

17 ጎግ ነቲ መጥቃዕቲ ምስ ጀመሮ፡ የሆዋ ንኣገልገልቱ፡ “ኣታ ህዝበይ፡ ኪድ፡ ናብ ሕልፍኝኻ እቶ። ማዕጾኻ ድማ ብድሕሬኻ ዕጾ፡ ቍጥዓ ኽሳዕ ዚሐልፍ ንቕሩብ ጊዜ ተሐባእ” ኺብሎም እዩ። (ኢሳ. 26:20) ኣብቲ ኣገዳሲ እዋን እቲ፡ የሆዋ ንህዝቡ፡ ህይወት ዜድሕን መምርሒ ኺህቦም እዩ፣ እቲ ‘ሕልፍኚ’ ተባሂሉ ዘሎ ኸኣ፡ ምስተን ኣብ ከከባቢና ዚርከባ ጉባኤታት እተተሓሓዘ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

18 ስለዚ፡ ኣብ ግዜ ብርቱዕ ጸበባ፡ ዕቝባ ኽንረክብ እንተ ደሊና፡ የሆዋ ኣብዚ ግዜና፡ ብጉባኤታት እተወደበ ህዝቢ ኸም ዘለዎ ኽንግንዘብ ኣሎና። ኣብ ጐድኒ እቶም ህዝቡ ደው ክንብልን ምስ ጉባኤና ኽንሓብርን ኣሎና። ሃየ እምበኣር፡ ብምሉእ ልብና ምስ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ሓቢርና፡ “ምድሓን ናይ እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW] እዩ፡ በረኸትካ ኣብ ህዝብኻ ይኹን” ንበል።—መዝ. 3:8