ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብ ገጉባኤኡ፡ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ዚሽየሙ ብኸመይ እዮም፧

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ.፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ጉባኤ ኤፌሶን ዜገልግሉ ዝነበሩ ሽማግለታት፡ “ንርእስኹምን ንዅሉ እቲ መንፈስ ቅዱስ ሓለውቲ ገይሩ ኣብኡ ዝሸመኩም መጓሰን ተጠንቀቑ። እዚ ሽመት እዚ እተዋህበኩም፡ ነታ ብደም ወዱ ዝዓደጋ ጉባኤ ኣምላኽ ምእንቲ ኽትጓስዩ እዩ” በሎም። (ግብ. 20:28) ሎሚኸ መንፈስ ቅዱስ፡ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ኣብ ምሻም እንታይ ግደ እዩ ዘለዎ፧

ቀዳማይ፡ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኾም እዮም ነቲ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ኬማልእዎ ዘለዎም ብቕዓታት ጽሒፎምዎ። ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 3:1-7፡ ዓሰርተው ሽዱሽተ ዚኸውን እተፈላለየ ብቕዓታት ተዘርዚሩ ኣሎ። ኣብ ቲቶስ 1:5-9ን ኣብ ያእቆብ 3:17, 18ን እውን ዝያዳ ብቕዓታት ተጠቒሱ ኣሎ። ኣገልገልቲ ጉባኤ ኼማልእዎ ዘለዎም ብቕዓታት፡ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 3:8-10, 12, 13 እዩ ዚርከብ። ካልኣይ፡ እቶም ንሰብኡት ሓላፍነት ንኺስከሙ ዚሓጽይዎምን ዚሸምዎምን ኣሕዋት፡ ሓደ ሓው ነቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት ብርትዓዊ ደረጃ ዜማልእ እንተ ዀይኑ ምእንቲ ኺፈልጡ፡ የሆዋ ብመንፈሱ ገይሩ ንኺመርሖም ይጽልዩ እዮም። ሳልሳይ፡ እቲ ሓላፍነት ንኺስከም እተሓጽየ ሓው፡ ኣብ ህይወቱ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ኬርኢ ኣለዎ። (ገላ. 5:22, 23) ስለዚ፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ኵሉ መዳያት እቲ ምሻም ይዓዪ እዩ።

ነቶም ኣሕዋት ዚሸሞም ግና መን እዩ፧ ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ኪዀኑ ዚሕጸዩ ዅሎም ኣሕዋት፡ ስሞም ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ይለኣኽ ነበረ። ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ድማ፡ ብኣመሓዳሪ ኣካል እተሸሙ ኣሕዋት ነቶም ዚቐርቡሎም ሕጹያት ብምምርማር ይሸምዎም። ቀጺሉ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ነቶም ኣካል ሽማግለታት ብዛዕባ እቲ ሽመት ይሕብሮም። ሽዑ እቶም ሽማግለታት፡ ነቲ እተሸመ ሓው ይሕብርዎ፣ ነቲ ሓላፍነት ኪቕበሎ ፍቓደኛን ዚበቅዕን እንተ ዀይኑ ድማ ይሓትትዎ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ብዛዕባ እቲ ሽመት ነታ ጉባኤ ብምልክታ ይንገራ።

ይኹን እምበር፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ እቶም ኣሕዋት ብመን እዮም ዚሽየሙ ነይሮም፧ ሓድሓደ እዋን፡ ሃዋርያት ንኻልኦት ይሸሙ ነይሮም እዮም፣ ንኣብነት፡ እቶም ንመበለታት ዜድሊ ዕለታዊ ምግቢ ንምሃብ እተሸሙ ሸውዓተ ሰብኡት፡ ብሃዋርያት እዮም ተሸይሞም። (ግብ. 6:1-6) ይኹን እምበር፡ እቶም ሰብኡት፡ ነቲ ሓድሽ ሓላፍነት ቅድሚ ምቕባሎም፡ ድሮ ሽማግለታት ኰይኖም ዜገልግሉ ዝነበሩ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።

ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ነፍሲ ወከፍ ሽመት ብኸመይ ይካየድ ከም ዝነበረ ብዝርዝር ኣይሕብረናን እዩ፣ እተወሰነ ሓበሬታ ግና ክንረክብ ንኽእል ኢና። ጳውሎስን  በርናባስን ካብ ቀዳማይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኦም ኪምለሱ ኸለዉ፡ “ኣብ ገጉባኤኡ ሽማግለታት ምስ ሸሙሎም . . . ብጸሎትን ብጾምን ናብቲ ብእኡ ዝኣመኑ የሆዋ ኣማዕቈብዎም።” (ግብ. 14:23) ዓመታት ጸኒሑ፡ ጳውሎስ ነቲ መገላግልቱ ዝነበረ ቲቶስ፡ “ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ፡ ጕድለት ክትእርምን ኣብ ከከተማኡ ሽማግለታት ክትሸይምን እየ ኣብ ቅሬጥስ ዝሓደግኩኻ” በሎ። (ቲቶ. 1:5) እቲ ምስ ጳውሎስ ኣብ ብዙሕ ቦታታት እተጓዕዘ ጢሞቴዎስ እውን፡ ተመሳሳሊ ሓላፍነት ዝነበሮ እዩ ዚመስል። (1 ጢሞ. 5:22) ብንጹር እምበኣር፡ እቲ ሽመት በቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን ዘይኰነስ፡ ብገየሽቲ ሓለውቲ እዩ ዚግበር ነይሩ።

ነዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ኣሰራርሓ መሰረት ብምግባር፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነቲ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ዚሽየሙሉ መገዲ ምትዕርራይ ገይሩሉ ኣሎ። ካብ 1 መስከረም 2014 ጀሚሩ፡ ኣሕዋት በዚ ዚስዕብ መገዲ እዮም ዚሽየሙ፦ ነፍሲ ወከፍ ሓላው ወረዳ ንብቕዓት እቶም ኣብ ወረዳኡ ዘለዉ ሕጹያት ብጥንቃቐ ኺምርምሮ እዩ። ነተን ጉባኤታት ኪበጽሐን ከሎ፡ ነቶም ሕጹያት ንኺፈልጦም ኪጽዕር እዩ፣ ምናልባት እውን ዚከኣል እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ኣገልግሎት ምሳታቶም ኪዓዪ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እቶም ሕጹያት ምስቲ ኣካል ሽማግለታት ምስ ተመያየጠ፡ ነቶም ኣብ ወረዳኡ ዘለዉ ኣሕዋት፡ ሽማግለታት ወይ ኣገልገልቲ ጉባኤ ንኪዀኑ ናይ ምሻም ሓላፍነት ኣለዎ። በዚ ኸምዚ፡ እቲ ናይ ምሻም ስርዓት፡ ምስቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ብዝያዳ ዚመሳሰል ይኸውን።

ሽማግለታት ምስ ሓላው ወረዳ ዀይኖም፡ ብዛዕባ ቕዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓት ሓደ ሓው ኪመያየጡ ኸለዉ (ማላዊ)

ኣብዚ ናይ ምሻም መስርሕ፡ እተፈላለየ ግደ ዘለዎም መን እዮም፧ ቀንዲ ሓላፍነት እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ፡” ንኣገልገልቲ ቤት ምምጋብ እዩ። (ማቴ. 24:45-47) እቲ እሙን ባርያ፡ ነቲ እታ ዓለምለኻዊት ጉባኤ እተወደበትሉ መገዲ ዚጸሉ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ተግባራዊ ኪኸውን ከም ዘለዎ መምርሒ ምእንቲ ኺህብ፡ ብመንፈስ ቅዱስ እናተሓገዘ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ምርምር ይገብር እዩ። ብዘይካዚ፡ ንዅሎም ሓለውቲ ወረዳን ኣባላት ኮሚተ ቤት ጽሕፈት ጨንፈርን ይሸይም እዩ። ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ከኣ፡ ነቲ እተዋህቦ መምርሒ ብምስዓብ፡ ኣብ ግብሪ ኸም ዚውዕል ይገብር። ነፍሲ ወከፍ ኣካል ሽማግለታት ድማ፡ እቶም ኣብ ጉባኤ ኣምላኽ ምእንቲ ኺሽየሙ ኸም ሕጹያት ገይሮም ዜቕርብዎም ኣሕዋት፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት እንተ ኣልይዎም ንምርግጋጽ፡ ተጠንቂቖም ምርምር ይገብሩ እዮም። ነፍሲ ወከፍ ሓላው ወረዳ እውን፡ ብዛዕባ እቶም ብኣካል ሽማግለታት ዚቐርቡሉ ሕጹያት ብጥንቃቐን ብጸሎትን ናይ ምሕሳብ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ነቶም ብቕዓት ዘለዎም ናይ ምሻም ረዚን ሓላፍነት ኣለዎ።

ኣሕዋት ብኸመይ ከም ዚሽየሙ ምፍላጥና፡ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ምሻም ዘለዎ ግደ ብዝያዳ ንኽንርድኦ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ኣብቶም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ እተሸሙ ኣሕዋት ዝለዓለ ምትእምማን ይህልወና፣ ካብ ልብና ድማ ነኽብሮም።—እብ. 13:7, 17

 እቶም ኣብ ራእይ ምዕራፍ 11 እተጠቕሱ ኽልተ መሰኻኽር እንታዎት እዮም፧

ራእይ 11:3 ብዛዕባ እቶም 1,260 መዓልቲ ዚንበዩ ኽልተ መሰኻኽር ትገልጽ እያ። እቲ ጸብጻብ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ ሓደ ኣራዊት ነቶም መሰኻኽር ‘ኪስዕሮምን ኪቐትሎምን’ ምዃኑ ይሕብረና እዩ። ኰይኑ ግና፡ ድሕሪ “ሰለስተ መዓልትን ፈረቓን፡” እቶም ክልተ መሰኻኽር እንደገና ህያዋን ከም ዚዀኑን ንተዓዘብቲ ኣዝዮም ከም ዜገርምዎምን ተገሊጹ ኣሎ።—ራእ. 11:7, 11

እቶም ክልተ መሰኻኽር እንታዎት እዮም፧ ኣብቲ ጸብጻብ ዚርከብ ዝርዝር ሓበሬታ፡ ንኽንፈልጦም ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ቀዳማይ፡ “በተን ክልተ ኣዋልዕን በተን ክልተ ቐወምቲ ቐንዴልን እተመሰሉ” ምዃኖም ተሓቢሩ ኣሎ። (ራእ. 11:4) እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ትንቢት ዘካርያስ ዚርከብ ቀዋሚ ቐንዴልን ክልተ ኣውልዕን እዩ ዜዘኻኽረና። እተን ክልተ ኣውልዕ ነቶም “ክልተ ኣብ ጥቓ እቲ ጐይታ ዅላ ምድሪ ዚቘሙ ደቂ ዘይቲ፡” ማለት ነቲ ኣመሓዳሪ ዝነበረ ዘሩባቤልን ነቲ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ እያሱን እየን ዜመልክታ። (ዘካ. 4:1-3, 14) ካልኣይ፡ እቶም ክልተ መሰኻኽር፡ ልክዕ ከምቲ ሙሴን ኤልያስን ዝገበርዎ ዓይነት ምልክታት ይገብሩ እዮም።—ራእይ 11:5, 6 ምስ ዘሁልቍ 16:1-7, 28-35፣ 1 ነገስት 17:1፣ 18:41-45 ኣረኣኢ።

ነዚ ኽልተ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ዜመሳስሎ እንታይ እዩ፧ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጸብጻብ፡ ኣብ ኣጸጋሚ እዋን ፈተና መሪሕ ግደ ዘለዎም ቅቡኣት ኣምላኽ ተጠቒሶም ኣለዉ። ስለዚ፡ ከም መፈጸምታ ራእይ ምዕራፍ 11፡ መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ኣብ ሰማይ ኣብ ዝቘመትሉ እዋን መሪሕ ግደ ዝነበሮም ቅቡኣት ኣሕዋት፡ ንሰለስተ ዓመትን ፈረቓን “ማቕ” ተኸዲኖም ሰቢኾም እዮም።

እቲ እቶም ቅቡኣት ማቕ ተኸዲኖም ዝሰበኹሉ እዋን ምስ ተዛዘመ፡ ብተዛማዲ ኺርአ ኸሎ ንሓጺር እዋን፡ ማለት ብምሳልያዊ መገዲ ንሰለስተ መዓልትን ፈረቓን ናብ ቤት ማእሰርቲ ስለ ዝኣተዉ፡ ከም እተቐትሉ ጌርካ ኺውሰድ ይኽእል እዩ። ብኣረኣእያ ጸላእቲ ህዝቢ ኣምላኽ፡ ዕዮ እቶም መሰኻኽር ከም ዝሞተ ጌርካ ስለ እተራእየ፡ እቶም ተጻረርቲ ኣዝዮም ተሓጒሶም እዮም።—ራእ. 11:8-10

ይኹን እምበር፡ ከምቲ ኣብቲ ትንቢት እተገልጸ፡ ኣብ መወዳእታ እተን ሰለስተ መዓልትን ፈረቓን፡ እቶም ክልተ መሰኻኽር ህያዋን ኰኑ። እቶም ቅቡኣት ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሖም ጥራይ ዘይኰነስ፡ እቶም እሙናት ዝዀኑ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣቢሎም ካብ ኣምላኽ ፍሉይ መዝነት ተቐበሉ። ካብቶም ብ1919 ነቶም ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ዚነብሩ ህዝቢ ኣምላኽ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልዮም ዘበለ ምእንቲ ኼማልኡሎም “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዀይኖም ንኼገልግሉ እተሸሙ ድማ እዮም ነይሮም።—ማቴ. 24:45-47፣ ራእ. 11:11, 12

እቲ ዜገርም፡ ራእይ 11:1, 2 ነቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ፍጻመታት፡ ምስቲ እታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ እትዕቀነሉ ወይ እትምርመረሉ እዋን ተተሓሕዞ እያ። ሚልክያስ ምዕራፍ 3 እውን እንተ ዀነት፡ ብዛዕባ ተመሳሳሊ ምርመራ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስን ድሕሪኡ ብዛዕባ ዚህሉ እዋን ምጽራይን ትጠቅስ እያ። (ሚል. 3:1-4) እዚ ምርመራን ምጽራይን ክንደይ ግዜ እዩ ወሲዱ፧ ካብ 1914 ክሳዕ መጀመርታ 1919 እዩ ጸኒሑ። እዚ እዋን እዚ፡ ነቲ 1,260 መዓልትን (42 ወርሒ) ነቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 11 እተጠቕሰ ምሳልያዊ ሰለስተ መዓልትን ፈረቓን ዜጠቓልል እዩ።

የሆዋ በቲ መንፈሳዊ ናይ ምጽራይ ዕዮኡ ኣቢሉ፡ ንሰናይ ግብሪ ዚዀኑ ፍሉያት ህዝቢ ኼንጽህ ምኽኣሉ፡ ኣዝዩ እዩ ዜሐጕሰና። (ቲቶ. 2:14) እቶም ኣብ እዋን ፈተና መሪሕ ግደ ዝነበሮምን ከም ምሳልያውያን ክልተ መሰኻኽር ኰይኖም ዘገልገሉን እሙናት ቅቡኣት ዝሓደጉልና ኣብነት እውን ነማስወሉ ኢና። *

^ ሕ.ጽ. 18 ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ 15 ሓምለ 2013 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 22፡ ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ።