ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 ገበር | ንኣምላኽ ክትቀርቦ ትኽእል ኢኻ

ንስም ኣምላኽ ትፈልጦን ትጥቀመሉን ዲኻ፧

ንስም ኣምላኽ ትፈልጦን ትጥቀመሉን ዲኻ፧

ስሙ ዘይትፈልጦ ናይ ቀረባ ዓርኪ ኣሎካዶ፧ ኣይህልወካን ይኸውን። ሓንቲ ኢሪና ዝስማ ቡልጋርያዊት ሰበይቲ፡ “ንኣምላኽ ስሙ ዘይትፈልጦ እንተ ዄንካ፡ ክትቀርቦ ኣይትኽእልን ኢኻ” በለት። እቲ ዜሐጕስ፡ ከምቲ ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ እተገልጸ፡ ኣምላኽ፡ ናብኡ ኽትቀርብ ይደልየካ እዩ። ስለዚ፡ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ፡ “ኣነ የሆዋ እየ። ስመይ እዚ እዩ” ብምባል ተላልዩካ ኣሎ።—ኢሳይያስ 42:8NW።

ኣምላኽ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ፡ “ኣነ የሆዋ እየ። ስመይ እዚ እዩ” ብምባል ተላልዩካ ኣሎ።—ኢሳይያስ 42:8NW

ንስም ኣምላኽ ምፍላጥካን ምጥቃምካን፡ ንየሆዋ ብሓቂ የገድሶ ድዩ፧ ነዚ ዚስዕብ እሞ ሕሰበሉ፦ እቲ በተን ቴትራግራማተን ዚብሃላ ኣርባዕተ ተደመጽቲ ፊደላት እብራይስጢ እተጻሕፈ ስም ኣምላኽ፡ ኣብቲ በዅሪ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኣስታት 7,000 ሳዕ ተጠቒሱ ኣሎ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ኻብ ዘሎ ዝዀነ ይኹን ስም ንላዕሊ እዩ ድማ ዚርከብ። እዚ ኸኣ፡ የሆዋ ንስሙ ኽንፈልጦን ክንጥቀመሉን ከም ዚደልየና ዚሕብር መርትዖ እዩ። *

ዕርክነት መብዛሕትኡ እዋን፡ ስምካ ብምንጋር እዩ ዚጅምር። እሞኸ ንስም ኣምላኽ ትፈልጦዶ፧

ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ሰባት፡ ኣምላኽ ቅዱስን ኵሉ ዚኽእልን ስለ ዝዀነ፡ ንስሙ ምጥቃም ንዕቀት ከም ዝዀነ ገይሮም ይሓስቡ ይዀኑ። ሓቂ እዩ፡ ልክዕ ከምቲ ንስም እቲ ናይ ቀረባ ዓርክኻ ብሕማቕ ዘይትጥቀመሉ፡ ንስም ኣምላኽ እውን ብዘይ ግቡእ መገዲ ምጥቃም ጌጋ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ፍቓድ የሆዋ፡ እቶም ዜፍቅርዎ ሰባት ንስሙ ኬኽብርዎን ብዛዕባ ስሙ ኼፍልጡን እዩ። (መዝሙር 69:30, 31፣ 96:2, 8) የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ” ኢሎም ኪጽልዩ ኸም ዝመሃሮም ዘክር። ንሕና እውን፡ ስም ኣምላኽ ኣብ ኵሉ ኸም ዚፍለጥ ብምግባር ክንቅድሶ ንኽእል ኢና። ከምኡ እንተ ጌርና ድማ ኢና ናብኡ ኽንቀርብ እንኽእል።—ማቴዎስ 6:9

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ‘ነቶም ብዛዕባ ስሙ ዚሓስቡ፡’ ወይ እውን ዜኽብርዎ ሰባት ፍሉይ ኣቓልቦ ኸም ዚገብረሎም ይገልጽ እዩ። (ሚልክያስ 3:16) የሆዋ ብዛዕባ እቶም ሰባት እቲኦም ከምዚ ኢሉ ተመባጺዑ ኣሎ፦ “ንስመይ ስለ ዝፈለጦ፡ ከልዕሎ እየ። ኪጽውዓኒ ኣነውን ክመልሰሉ፡ ብጸበባ ምስኡ ክኸውን . . . እየ።” (መዝሙር 91:14, 15) ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ክንምስርት እንተ ደሊና፡ ንስሙ ኽንፈልጦን ክንጥቀመሉን ኣሎና።

^ ሕ.ጽ. 4 እቲ ዜሕዝን፡ ብዙሓት ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ስም ኣምላኽ ኣብቲ ብልምዲ ብሉይ ኪዳን ዚብሃል ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብተደጋጋሚ ዚርከብ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣየእትውዎን እዮም። የግዳስ፡ ንመለኮታዊ ስም በቲ “ጐይታ”ን “ኣምላኽ”ን “እግዚኣብሄር”ን ዚብል መዓርግ እዮም ተኪኦምዎ። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 195-197 ርአ።