ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ስማዕን ኣስተውዕልን’

‘ስማዕን ኣስተውዕልን’

“ኵላትኩም ስምዑንን ኣስተውዕሉን።”—ማር. 7:14

1, 2. ብዙሓት ንየሱስ ዝሰምዕዎ ሰባት፡ ንትርጕም ቃላቱ ዘይተረድእዎ ስለምንታይ እዮም፧

ሓደ ሰብ፡ ካልእ ሰብ ኪዛረቦ ኸሎ ኺሰምዕ ይኽእል እዩ። ንቓና እቲ ዚዛረቦ ዘሎ ሰብ እውን ኪፈልጦ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ዘረባ ዘይርድኦ እንተ ዀይኑ እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧ (1 ቈረ. 14:9) ብተመሳሳሊ፡ ብዙሓት ሰባት ንዘረባ የሱስ ሰሚዖምዎ እዮም። አረ ብዚርድእዎ ቛንቋ እዩ ዚዛረቦም ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ንትርጕም ቃላቱ እተረድእዎ፡ ኵላቶም ኣይኰኑን። በዚ ምኽንያት እዚ፡ የሱስ ንሰማዕቱ፡ “ኵላትኩም ስምዑንን ኣስተውዕሉን” በሎም።—ማር. 7:14

2 ኰይኑ ግና፡ ብዙሓት ሰባት ንትርጕም እቲ የሱስ ዚዛረቦ ዝነበረ ነገራት ዘይተረድእዎ ስለምንታይ እዮም፧ ገሊኣቶም ኣቐዲሞም ናይ ገዛእ ርእሶም ርእይቶን ግጉይ ድራኸን ስለ ዝነበሮም እዮም። የሱስ ነዞም ሰባት እዚኦም፡ “ስርዓትኩም ምእንቲ ኽትሕልዉ፡ ትእዛዝ ኣምላኽ ብሜላ ተፍርሱ ኣለኹም” በሎም። (ማር. 7:9) እቶም ሰባት፡ ንትርጕም እቲ የሱስ ዚዛረቦ ዝነበረ ቓላት ኪርድእዎ ኣይጸዓሩን። መገዶምን ኣረኣእያኦምን ኪቕይሩ ኣይደልዩን እዮም ነይሮም። ብእዝኖም ይሰምዑ እኳ እንተ ነበሩ፡ ልቦም ግና ተዓጽዩ እዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 13:13-15 ኣንብብ።) ንሕናኸ ኻብ ትምህርቲ የሱስ ምእንቲ ኽንጥቀም፡ ልብና ኽንከፍት እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ካብ ትምህርቲ የሱስ ብኸመይ ከም እትጥቀም

3. ደቀ መዛሙርቲ ንቓላት የሱስ ኪርድእዎ ዝኸኣሉ ስለምንታይ እዮም፧

3 ነቲ እቶም ትሑታት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዝሓደግዎ ኣብነት ክንስዕብ ኣሎና። የሱስ ንዓታቶም፡ “ኣዒንትኹም ዚርእያ፡ ኣእዛንኩም ከኣ ዚሰምዓ እየን እሞ፡ ሕጉሳት እየን” በሎም። (ማቴ. 13:16) ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ካብ ካልኦት ንላዕሊ ንትምህርቲ የሱስ ኪርድእዎ ዝኸኣሉ ስለምንታይ እዮም፧ ቀዳማይ፡ ሕቶታት ንኺሓትቱን ነቲ የሱስ ዚዛረቦ ዝነበረ ቓላት ጽቡቕ ገይሮም ምእንቲ ኺርድእዎ ምርምር ንኺገብሩን ፍቓደኛታት እዮም ነይሮም። (ማቴ. 13:36፣ ማር. 7:17) ካልኣይ፡ ነቲ ድሮ ኣብ ልቦም ዝነበረ ትምህርቲ ንኺውስኹሉ ፍቓደኛታት እዮም ነይሮም። (ማቴዎስ 13:11, 12 ኣንብብ።) ሳልሳይ፡ ነቲ ዝሰምዕዎን እተረድእዎን ንውልቃዊ ጥቕሞም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኻልኦት ንምሕጋዝ እውን ኪጥቀሙሉ ፍቓደኛታት እዮም ነይሮም።—ማቴ. 13:51, 52

4. ንምሳሌ የሱስ ምእንቲ ኽንርድኦ፡ እንታይ ሰለስተ ስጕምቲ ኢና ኽንወስድ ዘሎና፧

4 ንምሳሌ የሱስ ክንርድኦ እንተ ደሊና፡ ነቲ እቶም እሙናት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዝሓደግዎ ኣብነት ክንስዕቦ ኣሎና። እዚ እውን እንተ ዀነ ሰለስተ ስጕምቲ ዚሓትት እዩ። ብቐዳምነት፡ ግዜ ወሲድና ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝበሎ ንኸነጽንዕን ንኸነስተንትንን፡ ኣድላዪ ምርምር ንኽንገብር፡ ከምኡ እውን ግቡእ ሕቶታት ንኽንሓትት ፍቓደኛታት ክንከውን ኣሎና። እዚ ድማ ናብ ፍልጠት ይመርሓና። (ምሳ. 2:4, 5) ቀጺሉ፡ እቲ ዘጥረናዮ ፍልጠት ምስቲ ድሮ ዝነበረና ፍልጠት ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝ ከነስተውዕልን ብውልቂ ብኸመይ ኪጠቕመና ኸም ዚኽእል ክንግንዘብን ኣሎና። እዚ ኸኣ፡ ምስትውዓል ከም ዚህልወና ይገብር። (ምሳ. 2:2, 3) ኣብ መወዳእታኡ፡ ነቲ እተመሃርናዮ ተጠቒምና ኣብ ህይወትና ተግባራዊ ኽንገብሮ ኣሎና። እዚ ድማ፡ ጥበብ ከም ዘሎና ዜርኢ እዩ።—ምሳ. 2:6, 7

5. ኣብ መንጎ ፍልጠትን ምስትውዓልን ጥበብን ንዘሎ ፍልልይ ብምሳሌ ኣረድእ።

5 ኣብ መንጎ ፍልጠትን ምስትውዓልን ጥበብን እንታይ ፍልልይ እዩ ዘሎ፧ ብምሳሌ ንምርዳእ፦ ኣብ ማእከል ጽርግያ ደው ኢልካ ኸም ዘለኻን ሓንቲ ኣውቶቡስ ናባኻ ገጻ ትመጽእ ከም ዘላን ጌርካ እሞ ሕሰብ። ብቐዳምነት፡ እታ ናባኻ ገጻ እትመጽእ ዘላ ማኪና፡ ኣውቶቡስ ምዃና ተገንዚብካ፣ እዚ ፍልጠት እዩ። ቀጺልካ፡ ኣብቲ ዘለኻዮ ደው እንተ ኢልካ፡ እታ ኣውቶቡስ ከም እትገጭወካ ተረዲኡካ፣ እዚ ኸኣ ምስትውዓል እዩ። ኣብ መወዳእታኡ፡ በታ ኣውቶቡስ ምእንቲ ኸይትግጮ፡ ካብቲ ጽርግያ ቐልጢፍካ ተልግስ፣ እዚ ድማ ጥበብ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ንጥበብ ተጠንቂቕና ኽንሕዛ’ ዚመኽረና። ከመይሲ፡ ህይወትና ኣብኣ እተመርኰሰ እዩ።—ምሳ. 3:21, 22፣ 1 ጢሞ. 4:16

6. ንሸውዓተ ምሳሌ የሱስ ክንምርምር ከለና፡ እንታይ ኣርባዕተ ሕቶታት ኢና ኽንሓትት፧ (ኣብ እትቕጽል ገጽ ዘላ  ሳጹን ርአ።)

6 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብታ ቐጺላ ዘላን፡ ሸውዓተ ምሳሌታት የሱስ ክንምርምር ኢና። ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ድማ ክንሓትት ኢና፦ እዛዚ ምሳሌ እዚ እንታይ እዩ ትርጕሙ፧ (እዚ፡ ፍልጠት ንኸነጥሪ ይሕግዘና።) የሱስ ነዛ ምሳሌ እዚኣ ዝሃበና ስለምንታይ እዩ፧ (እዚ ናብ ምስትውዓል ይመርሓና።) ነዚ ሓበሬታ እዚ ንገዛእ ርእስና ዀነ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ክንጥቀመሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (እዚ ኸኣ ጥበብ እዩ።) እታ ምሳሌ ብዛዕባ የሆዋን የሱስን እንታይ ትምህረና፧

ፍረ ኣድሪ

7. እቲ የሱስ ዝጠቐሶ ምሳሌ እታ ፍረ ኣድሪ፡ ትርጕሙ እንታይ እዩ፧

7 ማቴዎስ 13:31, 32 ኣንብብ። እቲ የሱስ ዝጠቐሶ ምሳሌ እታ ፍረ ኣድሪ፡ ትርጕሙ እንታይ እዩ፧ እታ ፍረ ኣድሪ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽን ነታ ሳላ እቲ መልእኽቲ ዝቘመት ክርስትያናዊት ጉባኤን እያ እተመልክት። እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብ33 ድ.ክ. ክትምስረት ከላ፡ ልክዕ ከምታ ፍረ ኣድሪ “ኻብ ኵሉ ዘርኢ ዝደቐቐት” እያ ነይራ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት፡ እታ ጉባኤ ብቕልጡፍ ዓበየት። ካብቲ ትጽቢት እተገብረላ ንላዕሊ ድማ ኣዝያ ሰፍሐት። (ቈሎ. 1:23) ዕቤት እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ጠቓሚ እዩ ነይሩ፣ ከመይሲ፡ ከምቲ የሱስ ዝገለጾ፡ ‘ኣዕዋፍ ሰማይ መጺአን ኣብ ጨናፍራ ኺሰፍራ’ ኽኢለን እየን። እዘን ምሳልያውያን ኣዕዋፍ እዚአን፡ ነቶም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ መንፈሳዊ ምግብን ጽላልን ዕቝባን ዚረኽቡ ቕኑዕ ዝልቦም ሰባት እየን ዜመልክታ።—ምስ ህዝቅኤል 17:23 ኣረኣኢ።

8. የሱስ ንምሳሌ እታ ፍረ ኣድሪ እተጠቕመ ስለምንታይ እዩ፧

8 የሱስ ነታ ምሳሌ እተጠቕመ ስለምንታይ እዩ፧ የሱስ ነቲ እታ ፍረ ኣድሪ እትገብሮ ዜደንቕ ዕቤት ከም ምሳሌ ተጠቒሙ፡ እቲ ምስ መንግስቲ ኣምላኽ ዚተሓሓዝ እተፈላለየ ንጥፈታት፡ ኣዝዩ ኸም ዝሰፍሐን ንዅሉ ዕንቅፋታት ኪሰግሮ ኸም ዝኸኣለን ገለጸ። እቲ ብዓይኒ ዚርአ ውድብ ኣምላኽ ካብ 1914 ንነጀው ዝገበሮ ዕቤት ኣዝዩ ዜገርም እዩ። (ኢሳ. 60:22) እቶም ምስዚ ውድብ እዚ ዚተሓባበሩ ሰባት ድማ፡ ዜደንቕ መንፈሳዊ ዕቝባ ረኺቦም እዮም። (ምሳ. 2:7፣ ኢሳ. 32:1, 2) ኣብ ርእሲኡ እውን፡ ነቲ ምስ መንግስቲ ኣምላኽ ዚተሓሓዝ ዕዮ ማንም ኪዓግቶ ስለ ዘይክእል፡ ንዅሉ ምጽራር ሰጊሩ የስፋሕፍሕ ኣሎ።—ኢሳ. 54:17

9. (ሀ) ካብ ምሳሌ እታ ፍረ ኣድሪ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ (ለ) ምሳሌ እታ ኣድሪ ብዛዕባ የሆዋን የሱስን እንታይ እዩ ዚምህረና፧

9 ካብ ምሳሌ እታ ፍረ ኣድሪ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ ምናልባት ሒደት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዘለዉሉ ወይ ከኣ ካብ ዕዮ ስብከትና ቕልጡፍ ውጽኢት ኣብ ዘይንርእየሉ ኸባቢ ንነብር ንኸውን። ይኹን እምበር፡ እቲ ምስ መንግስቲ ኣምላኽ ዚተሓሓዝ እተፈላለየ ንጥፈታት ንዝዀነ ይኹን ዕንቅፋት ኪሰግሮ ኸም ዚኽእል ምዝካርና፡ ንኽንጸንዕ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሓውና ኤድዊን ስኪነር ብ1926 ኣብ ህንዲ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ኣብ ብምልእታ እታ ሃገር ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኣጻብዕ ዚቝጸሩ እዮም ነይሮም። ኣብ ፈለማ፡ ሒደት ዕቤት ጥራይ እዩ ነይሩ፣ እቲ ዕዮ “ኣዝዩ ኣጸጋሚ” ኸም ዝዀነ ኸኣ ተገሊጹ ነበረ። ኰይኑ ግና፡ ሓውና ስኪነር ዕዮ ስብከቱ ኣየቋረጸን፣ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ንዓበይቲ ዕንቅፋታት ኪሰግሮ ኸም ዚኽእል ከኣ ረኣየ። ሎሚ ኣብ ህንዲ ልዕሊ 37,000 ንጡፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዉ፣ ዝሓለፈ ዓመት ድማ፡ ልዕሊ 108,000 ሰባት ኣብ በዓል ዝኽሪ ተኣኪቦም ነይሮም። እቲ ምስ መንግስቲ ኣምላኽ ዚተሓሓዝ እተፈላለየ ንጥፈታት ብኸመይ ብዜደንቕ መገዲ ኸም ዝዓበየ ዜርኢ ኻልእ ኣብነት እውን ንርአ። ኣብታ ሓውና ስኪነር ንህንዲ ዝበጽሓላ ዓመት፡ ኣብ ዛምብያ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ገና ይጅምር እዩ ነይሩ። ሎሚ ግና ልዕሊ 170,000 ኣስፋሕቲ ኣብ ዛምብያ ይሰብኩ ኣለዉ፣ ብ2013 ድማ 763,915 ሰባት ኣብ በዓል ዝኽሪ ተኣኪቦም እዮም። እዚ ኸኣ፡ ካብ 18 ተቐማጦ ዛምብያ እቲ ሓደ፡ ኣብ በዓል ዝኽሪ ተኣኪቡ እዩ ማለት እዩ። እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዜደንቕ ዕቤት ኰን እዩ!

ማይ ብሑቝ

10. ምሳሌ እቲ ማይ ብሑቝ፡ እንታይ እዩ ትርጕሙ፧

10 ማቴዎስ 13:33 ኣንብብ። እቲ የሱስ ዝጠቐሶ ምሳሌ እቲ ማይ ብሑቝ፡ ትርጕሙ እንታይ እዩ፧ እዚ ምሳሌ እዚ እውን እንተ ዀነ፡ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽን ነቲ ዜፍርዮ ፍረን እዩ ዜመልክት። ‘ኵሉ እቲ ሓርጭ፡’ ንዅሎም ኣህዛብ የመልክት፣ እቲ መስርሕ ምብኳዕ ድማ፡ ነቲ ብዕዮ ስብከት ኣቢልካ ዚካየድ ዝርጋሐ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ ዜመልክት። ዕቤት እታ ፍረ ኣድሪ ብንጹር እኳ እንተ ተራእየ፡ ዝርጋሐ እቲ ማይ ብሑቝ ግና ኣብ ፈለማ ብንጹር ኣይርአን እዩ። እቲ ለውጢ ብጋህዲ ዚርአ፡ እተወሰነ እዋን ጸኒሑ እዩ።

11. የሱስ ንምሳሌ እቲ ማይ ብሑቝ እተጠቕመ ስለምንታይ እዩ፧

11 የሱስ ነታ ምሳሌ እተጠቕመ ስለምንታይ እዩ፧ የሱስ ነታ ምሳሌ እተጠቕመ፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ኵሉ ናይ ምዝርጋሕን ለውጢ ናይ ምምጻእን ሓይሊ ኸም ዘለዎ ንምግላጽ እዩ። መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” በጺሑ እዩ። (ግብ. 1:8) ይኹን እምበር፡ እቲ መልእኽቲ ዜምጽኦ ለውጢ፡ ወትሩ ኣይኰነን ዚርአ፣ ንገሊኡ ለውጢ እሞ ኸኣ፡ ኣብ ፈለማ ኣይነለልዮን ንኸውን። ኰይኑ ግና፡ ለውጢ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ምስ ኣሃዝ እተተሓሓዘ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ህይወት እቶም ነቲ ኣብ ኵሉ ዚዝርጋሕ መልእኽቲ ዚቕበልዎ ሰባት እውን ዚርአ ለውጢ እዩ።—ሮሜ 12:2፣ ኤፌ. 4:22, 23

12, 13. ልክዕ ከምቲ ኣብ ምሳሌ እቲ ማይ ብሑቝ ተገሊጹ ዘሎ፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዝዓበየ ዚሕብር ኣብነታት ሃብ።

12 ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዜሕድሮ ጽልዋ፡ መብዛሕትኡ እዋን ካብቲ እቲ ዕዮ እተጀመረሉ እዋን ነዊሕ ጸኒሑ እዩ ዚርአ። ንኣብነት፡ ብ1982 ፍራንትስን ማርጂትን ዝስሞም ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ብራዚል ዜገልግሉ ዝነበሩ ሰብ ሓዳር (ሕጂ ኣብ ካልእ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር እዮም ዜገልግሉ ዘለዉ)፡ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ሓውሲ ገጠር ዝዀነት ከተማ ሰበኹ። ካብቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘጀመርዎም ሰባት፡ ኣርባዕተ ደቂ ዝነበሩዋ ኣደ ትርከቦም። እቲ ሽዑ ወዲ 12 ዓመት ዝነበረ በዅሪ፡ ኣመና ሓፋር ስለ ዝነበረ፡ እቲ መጽናዕቲ ቕድሚ ምጅማሩ ኺሕባእ ይፍትን ነበረ። ድሕርዚ፡ እቶም ሰብ ሓዳር ናብ ካልእ ቦታ ስለ እተቐየሩ፡ ነቲ መጽናዕቲ ኪቕጽልዎ ኣይከኣሉን። ድሕሪ 25 ዓመት ግና ናብታ ኸተማ ኺበጽሑ ኸዱ። እሞኸ እንታይ ውጽኢት ርእዮም፧ ኣብ ሓድሽ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እትእከብ 69 ኣስፋሕትን 13 ስሩዓት ፈለምትን ዘለዉዋ ጉባኤ ዀይና ጸንሓቶም። እቲ ሓፋር ወዲኸ፧ ሕጂ ኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት ኰይኑ የገልግል ኣሎ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ምሳሌ የሱስ እተጠቕሰ ማይ ብሑቝ፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዓብዩን ህይወት ብዙሓት ሰባት ቀይሩን እዩ፣ እዚ ኸኣ ነቶም ሰብ ሓዳር ኣዝዩ ኣሐጐሶም።

13 መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብዘይርአ መገዲ ንህይወት ሰባት ናይ ምቕያር ሓይሊ ኸም ዘለዎ፡ ብፍላይ ኣብተን ኣብ ትሕቲ እገዳ ዚርከባ ሃገራት ብንጹር ይርአ እዩ። ኣብ ከምዚአን ዝበላ ሃገራት፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝሰፍሐ ኽትፈልጥ ኣጸጋሚ እዩ፣ መብዛሕትኡ እዋን ድማ በቲ ውጽኢት ንግረም ኢና። ንኩባ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብ1910 እዩ ኣብ ኩባ በጺሑ፣ ሓውና ራስል ድማ ብ1913 ናብኡ ኸይዱ ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ፈለማ ቕልጡፍ ዕቤት ኣይነበረን። ሎሚኸ፧ ልዕሊ 96,000 ኣስፋሕቲ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኩ ኣለዉ፣ ብ2013 ኣብ እተገብረ በዓል ዝኽሪ ድማ፡ 229,726 ሰባት ተኣከቡ፣ ካብ 48 ተቐማጦ እታ ደሴት እቲ ሓደ፡ ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ተኣኪቡ ማለት እዩ። ኣብተን ኣብ ትሕቲ እገዳ ዘይኰና ሃገራት እውን እንተ ዀነ፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናብቲ እቶም ተቐማጦ እተን ሃገራት ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይሓሰብዎ ኸባቢታት በጺሑ እዩ። *መክ. 8:7፣ 11:5

14, 15. (ሀ) ካብ ምሳሌ እቲ ማይ ብሑቝ ብውልቅና ኽንጥቀም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ምሳሌ እቲ ማይ ብሑቝ ብዛዕባ የሆዋን የሱስን እንታይ እዩ ዚምህረና፧

14 ካብቲ የሱስ ዝጠቐሶ ምሳሌ እቲ ማይ ብሑቝ፡ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧ ብዛዕባ ትርጕም እቲ የሱስ ዝጠቐሶ ምሳሌ ኸነስተንትን ከለና፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ነቶም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ብኸመይ ከም ዚበጽሖም ካብ መጠን ንላዕሊ ኽንጭነቕ ከም ዘየድልየና ኢና እንግንዘብ። የሆዋ ንዅሉ ነገራት ይቈጻጸሮ እዩ። እሞኸ ናትና እጃም እንታይ እዩ፧ ቃል ኣምላኽ ነዚ ኺምልሶ ኸሎ፡ “ኣየናዩ ኸም ዚበቍል፡ እዚ ወይስ እቲ ወይስ ክልቲኣቶም ሐቢሮም እንተ ጸበቑ፡ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፡ ዘርእኻ ኣንጊህካ ዝራእ፡ ንምሸቱውን ኢድካ ኣይተብኵር” ይብል። (መክ. 11:6) ኰይኑ ግና፡ ዕዮ ስብከት ብፍላይ ኣብተን ኣብ ትሕቲ እገዳ ዚርከባ ሃገራት ንኺዕወት ካብ ምጽላይ ዓዲ ኽንውዕል የብልናን።—ኤፌ. 6:18-20

15 ብዘይካዚ፡ ንዕዮና ቕልጡፍ ውጽኢት እንተ ዘይርኢናሉ፡ ተስፋ ኽንቈርጽ የብልናን። “ንመዓልቲ ናእሽቱ ነገር” ክንንዕቕ ኣይግብኣናን እዩ። (ዘካ. 4:10) ከመይሲ፡ ኣብ መወዳእታኡ እቲ ውጽኢት ዝዓበየን ካብቲ እተጸበናዮ ንላዕሊ ዜደንቕን ኪኸውን ይኽእል እዩ።—መዝ. 40:5፣ ዘካ. 4:7

ነጋዳይን መዝገብን

16. ምሳሌ እቲ ነጋዳይን እቲ መዝገብን፡ ትርጕሙ እንታይ እዩ፧

16 ማቴዎስ 13:44-46 ኣንብብ። ምሳሌ እቲ ነጋዳይን እቲ መዝገብን፡ ትርጕሙ እንታይ እዩ፧ ብግዜ የሱስ፡ ገሊኦም ነጋዶ ኽሳዕ ህንዳዊ ውቅያኖስ ብምኻድ፡ ዝጸበቐ ዓይነት ሉል ንምርካብ ይጽዕሩ ነበሩ። ኣብታ ምሳሌ እተጠቕሰ ነጋዳይ፡ ነቶም ብመንፈሳዊ ዜድልዮም ነገራት ንምምላእ ሓያል ጻዕሪ ዚገብሩ ቕኑዕ ዝልቦም ሰባት እዩ ዜመልክት። እታ “ኽብርቲ ሉል፡” ነቲ ኽቡር ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ እያ እተመልክት። እቲ ነጋዳይ ንዋጋ እታ ሉል ስለ እተገንዘቦ፡ ንዓኣ ንምዕዳግ፡ ዘለዎ ዅሉ “ብኡብኡ” ንኺሸይጥ ፍቓደኛ እዩ ነይሩ። የሱስ፡ ‘እተሓብአ’ መዝገብ ብዛዕባ ዝረኸበ ዓያዪ እውን ገሊጹ ነይሩ እዩ። እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ልክዕ ከምቲ ነጋዳይ፡ መዝገብ ኪረክብ ኢሉ ኣይኰነን ዜናዲ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ልክዕ ከምቲ ነጋዳይ፡ ነቲ መዝገብ ንምውናን፡ “ዘለዎ ዅሉ” ንኺሸይጥ ፍቓደኛ እዩ ነይሩ።

17. የሱስ ንምሳሌ እቲ ነጋዳይን እቲ መዝገብን እተጠቕመ ስለምንታይ እዩ፧

17 የሱስ ነተን ክልተ ምሳሌ እተጠቕመ ስለምንታይ እዩ፧ የሱስ፡ ሓቂ ብእተፈላለየ መገዲ ኸም እትርከብ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። ገሊኦም ሰባት ንሓቂ የናድይዋን ንኺረኽቡዋ ብዙሕ ይጽዕሩን እዮም። ገሊኣቶም ድማ፡ ንኺረኽቡዋ ብዙሕ እኳ እንተ ዘይጸዓሩ፡ ምናልባት ብኻልእ ሰብ ኣቢሎም ግና ረኺቦምዋ እዮም። እዞም ሰባት እዚኦም ኣመጻጽኣኦም ብዘየገድስ፡ ነፍሲ ወከፎም ነቲ ሓቂ ዘለዋ ዋጋ ኣለልዮም፡ ንኺረኽብዋ ብዙሕ መስዋእትታት ኪገብሩ ፍቓደኛታት ኰይኖም እዮም።

18. (ሀ) ካብተን ክልተ ምሳሌታት ክንጥቀም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) እተን ምሳሌታት ብዛዕባ የሆዋን የሱስን እንታይ እየን ዚምህራና፧

18 ካብተን ኽልተ ምሳሌ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧ (ማቴ. 6:19-21) ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተታ፦ ‘ከምቲ እቲ ነጋዳይን እቲ ዓያዪን ዝነበሮም ዓይነት ኣረኣእያ ድዩ ዘሎኒ፧ ኣነ እውን ንሓቂ ኣኽቢረ ድየ ዝርእያ፧ ንሓቂ ምእንቲ ኸየጥፍኣ፡ መስዋእቲ ኽገብር ፍቓደኛ ድየ፡ ወይስ ከም ናብራ ዝኣመሰለ ኻልእ ነገራት ንኣቓልቦይ ኪስሕቦ እየ ዝፈቅድ ዘለኹ፧’ (ማቴ. 6:22-24, 33፣ ሉቃ. 5:27, 28፣ ፊል. 3:8) ሓቂ ብምርካብና ዚስምዓና ሓጐስ ብዝያዳ እናዓመቘ ብዝኸደ መጠን፡ ኣብ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ ንኽንህባ ብዝያዳ ኽንቈርጽ ኢና።

19. ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

19 ሃየ እምበኣር፡ ንትርጕም እተን ምሳሌታት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዝሰማዕናዮን ከም ዘስተውዓልናሉን ነርኢ። ነዚ ኸኣ ንትርጕመን ብምፍላጥ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ኻባታተን እንረኽቦ ትምህርቲ ብምትግባር ኢና ኸነርእዮ እንኽእል። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ሰለስተ ተወሳኺ ምሳሌታት ክንምርምርን ካብኡ እንታይ ክንመሃር ከም እንኽእል ክንርእን ኢና።

^ ሕ.ጽ. 13 ኣብ ምብራቕ ጀርመን (መጽሓፍ ዓመት 1999 [እንግሊዝኛ]፡ ገጽ 83)፡ ኣብ ኣርጀንቲና (መጽሓፍ ዓመት 2001 [እንግሊዝኛ]፡ ገጽ 186)፡ ኣብ ደሴት ሮቢንሰን ክሩሶ (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 15 ሰነ 2000፡ ገጽ 9)፡ ኣብ ፓፕዋ ኒው ጊኒ (መጽሓፍ ዓመት 2005 [እንግሊዝኛ]፡ ገጽ 63)፡ ተመሳሳሊ ተመክሮ ኣጋጢሙ እዩ።