ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኤርምያስ፡ ራሄል ንደቃ ኸም ዝበኸየትሎም ኪገልጽ ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

ኤርምያስ 31:15፡ “እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፤ ኣብ ራማ ድምጺ ተሰምዔ፡ ዋይዋይታን መሪር ብኽያትን። ራሄል ንደቃ በኸየት፡ ተወዲኦም እዮም እሞ፡ ስለ ደቃ ምድባስ አበየት” ትብል።

ራሄል እቶም ክልተ ደቃ ቕድሚ ሙማቶም እያ ሞይታ። ስለዚ፡ እቲ ኤርምያስ ድሕሪ ሞት ራሄል 1,000 ዓመት ጸኒሑ እተነበዮ ትንቢት ዘይቅኑዕ ኪመስል ይኽእል እዩ።

በዅሪ ወዲ ራሄል፡ ዮሴፍ እዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 30:22-24) ራሄል ጸኒሓ፡ ብንያም ዝስሙ ኻልእ ወዲ ወለደት። ንብንያም ክትወልድ ከላ ግና ሞተት። ካብዚ ብምብጋስ፡ ‘ኤርምያስ 31:15፡ ራሄል ደቃ ስለ እተወድኡ ኸም ዝበኸየት እትገልጽ ደኣ እሞ ስለምንታይ እያ፧’ ዚብል ሕቶ ኺልዓል ይኽእል እዩ።

እቲ በዅሪ ዝነበረ ዮሴፍ፡ ንምናሴን ንኤፍሬምን ወለደ። (ዘፍ. 41:50-52፣ 48:13-20) ጸኒሑ ኤፍሬም ንብምሉኡ እቲ ሰሜናዊ መንግስቲ እስራኤል ዚጸሉ ምርኡይ ነገድ ኰነ፡ ንዅሉ እቲ ዓሰርተ ነገድ ከኣ ኪውክል ጀመረ። እቲ ኻብቲ ኻልኣይ ወዲ ራሄል ዝዀነ ብንያም ዝመጸ ነገድ ከኣ፡ ምስ ይሁዳ ዀይኑ ንደቡባዊ መንግስቲ እስራኤል ኪውክል ጀመረ። በዚ ኸምዚ፡ ራሄል ንዅለን ኣዴታት ሰሜናውን ደቡባውን መንግስቲ እስራኤል ንምምልካት ክትጥቀስ በቒዓ እያ።

መጽሓፍ ኤርምያስ ክትጸሓፍ ከላ፡ እቶም ዓሰርተ ነገድ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ኣሶራውያን ወዲቖም እዮም፣ ሓያሎ ኻባታቶም ከኣ ተማሪኾም ነበሩ። ይኹን እምበር፡ ገለ ኻብ ኤፍሬማውያን ናብ ይሁዳ ሃዲሞም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ባቢሎናውያን ብ607 ቅ.ክ. ነታ ኽልተ ነገድ ዝሓቘፈት ደቡባዊ መንግስቲ ይሁዳ ሰዓሩዋ። ሓያሎ ኻብቶም ምሩኻት፡ ኣብታ ኻብ የሩሳሌም 8 ኪ.ሜ. ርሒቓ እትርከብ ራማ ተወሲዶም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ኤር. 40:1) ምናልባት ገሊኣቶም ኣብቲ ቦታ እቲ፡ ማለት ኣብቲ ራሄል እተቐብረትሉ ዶብ ብንያማውያን፡ ብጃምላ ተቐቲሎም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (1 ሳሙ. 10:2) ስለዚ፡ ራሄል ንደቃ ምብካያ፡ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ፡ ብሓፈሻ ንብንያማውያን ወይ ከኣ ብፍላይ ነቶም ኣብ ራማ ዝነበሩ ኸም ዝበኸየትሎም ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ወይ ከኣ፡ ኵለን ኣዴታት ህዝቢ ኣምላኽ ነቶም ዝሞቱ ወይ እተማረኹ እስራኤላውያን ከም ዝበኸያሎም ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ።

እቲ ኤርምያስ ዝጠቐሶ፡ ራሄል ንደቃ ኸም ዝበኸየትሎም ዚገልጽ ሓሳባት፡ ነቲ ዘመናት ጸኒሑ ንህይወት እቲ ህጻን ዝነበረ የሱስ ሓደጋ ኣንጸላልዩሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ንእተፈጸመ ዅነታት ዜመልክት ትንቢት እውን እዩ ነይሩ። ንጉስ ሄሮድስ ንዅሎም እቶም ኣብታ ኣብ ደቡብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤት-ልሄም እተወልዱ ኻብ ክልተ ዓመት ንታሕቲ ዝዀኑ ኣወዳት ኪቕተሉ ኣዚዙ ነበረ። በዚ ኸምዚ፡ ኵሎም እቶም ኣብቲ ኽሊ ዕድመ ዝነበሩ ሕጻናት ጸነቱ። ንኣውያት እተን ሽዑ ደቀን ካብ ሕቝፈን እተመንዝዓ ኣንስቲ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ! እቲ ኣውያት ክሳዕ እታ ኣብ ሰሜናዊ የሩሳሌም እትርከብ ራማ ተሰሚዑ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ማቴ. 2:16-18

በዚ መሰረት እዚ፡ ብግዜ ኤርምያስ ኰነ ብግዜ የሱስ፡ ራሄል ንደቃ ምብካያ፡ ኣይሁዳውያን ኣዴታት ነቶም እተቐትሉ ደቀን ከም ዝበኸያሎም ዚሕብር መግለጺ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ እቶም ዝሞቱ እሞ ናብ “ሃገር” እቲ “ጸላኢ” ዝዀነ ሞት ዝኸዱ ሰባት፡ ምዉታት ክትንስኡ ኸለዉ፡ ካብ ኢድ እቲ ጸላኢ ኣምሊጦም ኪምለሱ እዮም።—ኤር. 31:16፣ 1 ቈረ. 15:26